ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 48

“ነቲ ኽትገብርዎ ዝጀመርኩም ፈጽምዎ”

“ነቲ ኽትገብርዎ ዝጀመርኩም ፈጽምዎ”

“ነቲ ኽትገብርዎ ዝጀመርኩም ፈጽምዎ።”—2 ቈረ. 8:11

መዝሙር 35 ‘ዚሓይሽ መርምሩ’

መላለዪ *

1. የሆዋ እንታይ ክንገብር እዩ ፈቒዱልና፧

የሆዋ፡ ኣብ ህይወትና ምርጫታት ክንገብር ፈቒዱልና እዩ። ከመይ ጌርና ጽቡቕ ምርጫታት ከም እንገብር ይምህረና እዩ፣ ንዕኡ ባህ ዜብሎ ውሳነታት ክንገብር ከለና ኸኣ ዕዉታት ክንከውን ይድግፈና እዩ። (መዝ. 119:173) ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ጥበብ ብዝያዳ ኣብ ግብሪ ብዘውዓልናዮ መጠን፡ ብዝሓሸ ደረጃ ጽቡቕ ውሳነታት ንገብር ኢና።—እብ. 5:14

2. ውሳነ ድሕሪ ምግባርና፡ እንታይ ቃልሲ እዩ ኼጋጥመና ዚኽእል፧

2 ዋላ እውን ጽቡቕ ውሳነ ድሕሪ ምግባርና፡ ነቲ ዝጀመርናዮ ምፍጻሙ ይኸብደና ይኸውን። ገለ ኣብነታት እስከ ንርአ፦ ሓደ መንእሰይ ሓው ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ኬንብብ ይውስን። ንሒደት ሰሙናት ጽቡቕ ድሕሪ ምኻዱ ግና የቋርጽ። ሓንቲ ሓብቲ፡ ስርዕቲ ፈላሚት ኰይና ኸተገልግል ትውስን፣ ግናኸ፡ ነታ እትጅምረላ ዕለት ብተደጋጋሚ ትደፍኣ። ኣካል ሽማግለታት ንኣባላት ጉባኤኦም ብዝያዳ ንምጕሳይ ብሓደ ድምጺ ይውስኑ፣ ግናኸ፡ ድሕሪ ብዙሕ ኣዋርሕ እኳ ነቲ ዕዮ ኣይጅምርዎን። እዚ ዅነታት እተፈላለየ እኳ እንተ ዀነ፡ ሓደ ሓባራዊ ነገር ግና ኣለዎ። እቲ ውሳነታት ኣይተተግበረን። ኣብ ቀዳማይ ዘመን ኣብ ቈረንቶስ ዝነበሩ ክርስትያናት ተመሳሳሊ ጸገም ነይርዎም እዩ። ካባታቶም እንታይ ክንምሃር ከም እንኽእል እስከ ንርአ።

3. ሰብ ቈረንቶስ እንታይ ውሳነ እዮም ገይሮም፧ ግናኸ፡ እንታይ እዩ ዀይኑ፧

3 ኣብ ከባቢ 55 ድ.ክ.፡ ሰብ ቈረንቶስ ኣገዳሲ ውሳነ ገበሩ። ኣብ የሩሳሌምን ኣብ ይሁዳን ዚርከቡ ኣሕዋቶም ብጸገማትን ብድኽነትን ይሽገሩ ኸም ዘለዉ፡ ካልኦት ጉባኤታት ድማ ንምሕጋዞም ገንዘብ የዋህልላ ኸም ዘለዋ ፈለጡ። ንሳቶም ከኣ ብለውሃትን ብልግስን ተደሪኾም እጃሞም ኪውፍዩ ወሰኑ፡ ንሃዋርያ ጳውሎስ እውን ብኸመይ ኪሕግዙ ኸም ዚኽእሉ ሓተትዎ። ንሱ ድማ መምርሒ ለኣኸሎም፡ ነቲ ውጽኢት ኣብ ምእካብ ኪሕግዝ እውን ንቲቶስ መዘዘሎም። (1 ቈረ. 16:1፣ 2 ቈረ. 8:6) ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ ግና፡ እቶም ሰብ ቈረንቶስ ከምቲ እተባህሎም ከም ዘይገበሩ፡ ጳውሎስ ፈለጠ። እቲ ህያቦም ተዳልዩ ብዘይምጽናሑ ኸኣ፡ ምስቲ ኻብ ካልኦት ጉባኤታት እተኣከበ ውጽኢታት ናብ የሩሳሌም ኪውሰድ ዝነበሮ ኣጋጣሚ ኣመና ጸበበ።—2 ቈረ. 9:4, 5

4. ኣብ 2 ቈረንቶስ 8:7, 10, 11 ጐሊሑ ኸም ዘሎ፡ ጳውሎስ ንሰብ ቈረንቶስ እንታይ ኪገብሩ እዩ ኣተባቢዕዎም፧

4 እቶም ሰብ ቈረንቶስ ጽቡቕ ውሳነ እዮም ገይሮም ነይሮም፣ ጳውሎስ እውን ስለቲ ሓያል እምነቶምን ስለቲ ንምልጋስ ዝነበሮም ብርቱዕ ድሌትን ንኢድዎም እዩ። ኰይኑ ግና፡ ነቲ ዝጀመርዎ ኺፍጽሙ ኣተባቢዕዎም እዩ። (2 ቈረንቶስ 8:7, 10, 11 ኣንብብ።) ካብዚ ተመክሮኦም ከኣ፡ እሙናት ክርስትያናት እውን እንተ ዀኑ ነቲ ጽቡቕ ውሳነታቶም ንምትግባር ኪቃለሱ ኸም ዚኽእሉ ንምሃር ኢና።

5. ሕጂ እንታይ ሕቶታት ኢና ምላሽ ክንህበሉ፧

5 ንሕና እውን ከም ሰብ ቈረንቶስ፡ ውሳነታትና ምትግባር የጸግመና ይኸውን። ስለምንታይ፧ ብሰንኪ ዘይፍጽምናና፡ ነቲ ውሳነታትና ንምትግባር ንደናጐ ንኸውን። ወይ ዘይተጸበናዮ ኣጋጣሚ ነቲ ዝወሰንናዮ ኣብ ግብሪ ኸነውዕሎ ኸም ዘይንኽእል ኪገብር ይኽእል ይኸውን። (መክ. 9:11፣ ሮሜ 7:18) እሞ ደኣ ኸመይ ጌርና ኢና ነቲ ውሳነና ዳግመ ግምት ብምግባር ከነዐርዮ ዜድሊ እንተ ዀይኑ ኸነስተውዕል እንኽእል፧ ነቲ ዝጀመርናዮ ኣብ ምፍጻምከ ኸመይ ጌርና ኢና ብዝያዳ ዕዉታት ክንከውን እንኽእል፧

ውሳነ ቕድሚ ምግባርካ

6. መዓስ እዩ ውሳነታት ኪዕረ ዜድሊ፧

6 ገሊኡ ኣገዳሲ ውሳነታት ከቶ ኣይንቕይሮን ኢና። ንኣብነት፡ ንየሆዋ ንምግልጋል ዝገበርናዮ ውሳነ ኣይንቕይሮን ኢና፣ መውስቦ ኽንገብር ከለና ንዝኣቶናዮ ቓል ኪዳን እውን እሙናት ክንከውን ቈሪጽና ኢና። (ማቴ. 16:24፣ 19:6) ገሊኡ ውሳነታት ግና ኪዕረ የድሊ ይኸውን። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ኵነታት ይቕየር እዩ። እሞ ደኣ እንታይ ስጕምትታት እዩ ብሉጽ ውሳነታት ንምግባር ኪሕግዘና ዚኽእል፧

7. ብዛዕባ እንታይ ኢና ኽንጽሊ ዘሎና፧ ስለምንታይከ፧

7 ጥበብ ኪውሃበካ ጸሊ። የሆዋ ንያእቆብ፡ “ሓደ ኻባኻትኩም ጥበብ እንተ ጐዲላቶ ኸኣ፡ ነቲ ኸይነቐፈ ንዅሉ ብልግሲ ዚህብ ኣምላኽ ይለምኖ” ኢሉ ኺጽሕፍ ደሪኽዎ እዩ። (ያእ. 1:5) ኵላትና ኣብ ገሊኡ መዳያት ‘ጥበብ ይጐድለና’ እዩ። ስለዚ፡ ውሳነ ኽትገብርን ነቲ ውሳነኻ ኽትክልሶን ከለኻ፡ ኣብ የሆዋ ተወከል። ሽዑ ድማ፡ የሆዋ ጥበባዊ ውሳነ ምእንቲ ኽትገብር ኪሕግዘካ እዩ።

8. ውሳነ ቕድሚ ምውሳንና፡ እንታይ ምርምር ኢና ኽንገብር ዘሎና፧

8 ሰፊሕ ምርምር ግበር። ቃል ኣምላኽ ተወከስ፡ ውድብ የሆዋ ዘዳለወቶ ጽሑፋት ኣንብብ፡ ክትኣምኖም ንእትኽእል ሰባት እውን ኣዘራርብ። (ምሳ. 20:18) ንኣገልግሎትካ ምሹእ ኪኸውን ኢልካ ስራሕ ክትቅይር፡ ናብ ካልእ ዓዲ ኽትግዕዝ፡ ወይ ሓደ ዓይነት ትምህርቲ ኽትምሃር ቅድሚ ምውሳንካ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ምርምር ኣገዳሲ እዩ።

9. ውሳነና ብቕንዕና እንተ ጌርናዮ፡ ብኸመይ ኢና እንጥቀም፧

9 ንውሽጣዊ ድራኸኻ መርምሮ። ውሽጣዊ ድራኸና ንየሆዋ የገድሶ እዩ። (ምሳ. 16:2) ኣብ ኵሉ ብቕንዕና ኽንመላለስ ይደልየና እዩ። ስለዚ፡ ንገዛእ ርእስና ዀነ ምስ ካልኦት ኣብ ዘሎና ርክብ፡ ውሳነታትና ብቕንዕና ኽንገብር ይደልየና እዩ። ምሉእ ብምሉእ ብቕንዕና እንተ ዘይጌርናዮ፡ ነቲ ውሳነ እቲ ንምትግባሩ ኪኸብደና ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ሓደ ሓው ስሩዕ ፈላሚ ኪኸውን ይውስን። ድሕሪ እተወሰነ ግዜ ግና፡ ነቲ ኼማልኦ ዚግባእ ሰዓታት ምምላእ የጸግሞ፡ ካብ ኣገልግሎቱ እውን ብዙሕ ሓጐስ ኣይረክብን። ፈላሚ ዝዀነሉ ቐንዲ ድራኸ፡ ንየሆዋ ባህ ንምባል ብዘለዎ ድሌት ተለዓዒሉ ኸም ዝዀነ ገይሩ ይሓስብ ነይሩ ይኸውን። ግናኸ፡ ብቐዳምነት ንወለዱ ወይ ንሓደ ዜኽብሮ ሰብ ንምሕጓስ ብዘለዎ ድሌት ተለዓዒሉ ደዀን ይኸውን፧

10. ለውጢ ንምግባር እንታይ የድሊ፧

10 ሓደ ተምሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ምትካኽ ትምባኾ ኺሓድግ ይውስን ንበል። ኣብ ፈለማ፡ ብዙሕ ይቃለስ፣ ንሓደ ወይ ንኽልተ ሰሙን ጽቡቕ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ናይ ምትካኽ ወልፉ ይደግሶ። ኣብ መወዳእታ ግና፡ ዕዉት ይኸውን። ንየሆዋ ዘለዎ ፍቕርን ንዕኡ ባህ ኬብሎ ዘለዎ ድሌትን፡ ነቲ ወልፉ ኼሰንፎ ይሕግዞ።—ቈሎ. 1:10፣ 3:23

11. ስለምንታይ ኢና ሸቶታትና ብዝርዝር ከነነጽር ዘሎና፧

11 ሸቶታትካ ብዝርዝር ኣነጽር። ሸቶታትካ ብዝርዝር ብዘነጸርካ መጠን፡ ነቲ ዝጀመርካዮ ንምፍጻሙ ዘሎካ ዕድል ይሰፍሕ እዩ። ንኣብነት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኣዘውቲርካ ኸተንብብ ትውስን ትኸውን። ብንጹር ዝሰፈረ ዝርዝር መደብ እንተ ዘይብልካ ግና፡ ሸቶኻ ኸይትወቅዕ ትኽእል ኢኻ። * ወይ ከኣ ሽማግለታት ጉባኤ ነተን መጓሰ ብዝያዳ ንምጕሳይ ይውስኑ ይዀኑ፣ ግናኸ፡ እተወሰነ ግዜ ድሕሪ ምሕላፉ እኳ ነቲ ውሳነኦም ኣይትግብርዎን። ስለዚ፡ ውሳነኦም ኣብ ምትግባር ዕዉታት ምእንቲ ኪዀኑ፡ “ካብ ጕስነታዊ ምብጻሕ ብዝያዳ ኺጥቀሙ ዚኽእሉ ኣሕዋትን ኣሓትን ፈሊና ዲና፧ ንምብጻሖምከ ንጹር ግዜ ወሲንና ዲና፧” ኢሎም ኪሓትቱ ይኽእሉ እዮም።

12. ሓድሓደ ግዜ እንታይ ክንገብር እዩ ዜድልየና፧ ስለምንታይከ፧

12 ኣብ ክውንነት እተመርኰሰ ኣረኣእያ ይሃሉኻ። ኪገብሮ ዚደሊ ዘበለ ዅሉ ንምግባር ዜኽእል ግዜ፡ ዓቕሚ፡ ወይ ጕልበት ዘለዎ ዋላ ሓደ ሰብ የልቦን። ስለዚ፡ ክውንነታውን ሚዛናውን ኣረኣእያ ይሃሉኻ። ኣድላዪ ኪኸውን ከሎ፡ ካብ ዓቕምኻ ንላዕሊ ንዝዀነ ውሳነ ኽትቅይር የድልየካ ይኸውን። (መክ. 3:6) ንበል ግና ንውሳነኻ ዳግም ድሕሪ ምምርማርካ እሞ ዜድሊ ለውጢ ምስ ገበርካ፡ ክትትግብሮ ኸም እትኽእል ኰይኑ ተሰሚዑካ። ኣብቲ ደረጃ እቲ፡ ነቲ ዝጀመርካዮ ኽትፍጽም ዚሕግዘካ ሓሙሽተ ስጕምቲ እስከ ንርአ።

ውሳነታትካ ንምትግባር ዚሕግዝ ስጕምትታት

13. ውሳነኻ ንምፍጻም ዜድሊ ዓቕሚ ኸመይ ጌርካ ኽትረክብ ትኽእል፧

13 ንምግባር ዓቕሚ ኺውሃበካ ጸሊ። ኣምላኽ ውሳነኻ “ንምግባር ዓቕሚ” ኺህበካ ይኽእል እዩ። (ፊል. 2:13) ስለዚ፡ ብርታዐ ምእንቲ ኽትረክብ፡ ንየሆዋ መንፈስ ቅዱስ ኪህበካ ለምኖ። መልሲ ጸሎትካ ዝደንጐየ ዀይኑ እኳ እንተ ተሰምዓካ፡ ብቐጻሊ ጸሊ። ከምቲ የሱስ ዝበሎ፡ “ብቐጻሊ ለምኑ እሞ፡ [መንፈስ ቅዱስ] ኪውሃበኩም እዩ።”—ሉቃ. 11:9, 13

14. እቲ ኣብ ምሳሌ 21:5 ተጠቒሱ ዚርከብ መሰረታዊ ስርዓት፡ ውሳነኻ ንምትግባር ኪሕግዘካ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

14 ውጥን ግበር። (ምሳሌ 21:5 ኣንብብ።) ክትገብሮ ዝጀመርካዮ ዝዀነ ዕዮ ንምፍጻም፡ ውጥን ክትገብር ኣሎካ። ድሕሪኡ፡ በቲ ውጥንካ ኽትምራሕ ኣሎካ። ብተመሳሳሊ ኸኣ፡ ውሳነ ኽትገብር ከለኻ፡ ነቲ ውሳነ እቲ ንምትግባሩ ዜድሊ ዝርዝር ስጕምትታት ኣውጽእ። ዓበይቲ ዕዮታት ናብ ንኣሽቱ ዕዮታት እንተ መቓቒልካዮ፡ ግስጋሰኻ ብቐሊሉ ንምልካዕ ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ። ጳውሎስ ንሰብ ቈረንቶስ፡ ንሱ ኽሳዕ ዚመጽእ ተጸብዮም ሽዑ ገንዘብ ኣብ ክንዲ ዜዋጽኡ፡ “ኣብ ሰሰሙን ኣብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ” ነቲ ገንዘብ ኣዋህሊሎም ኬቐምጡ ኣተባቢዕዎም እዩ። (1 ቈረ. 16:2) ዓበይቲ ዕዮታት ናብ ንእሽቶ ዕዮታት እንተ መቓቒልካዮ፡ እቲ ዕዮ ልዕሊ ዓቕምኻ ዀይኑ ኸም ዘይስምዓካ ኺገብር እውን ይኽእል እዩ።

15. ውጥን ምስ ገበርካ፡ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

15 ኣብ ጽሑፍ ዝሰፈረ ንጹር ውጥን፡ ውሳነኻ ንምትግባር ኪሕግዝ ይኽእል እዩ። (1 ቈረ. 14:40) ንኣብነት፡ ኣካል ሽማግለታት ንዅሉ እቲ ዚገብርዎ ውሳነታት፡ እንተላይ ነቲ ጕዳይ መን ከም ዚከታተሎን መዓስ ኪዛዘም ከም ዘለዎን ዚምዝግብ ሽማግለ ኺምድቡ መምርሒ ተዋሂብዎም እዩ። ነዚ መምርሒ እዚ ዚስዕቡ ሽማግለታት፡ ውሳነታቶም ንምትግባር ዝቐለለ እዩ ዚዀነሎም። (1 ቈረ. 9:26) ንስኻ እውን ኣብ ብሕታዊ ጕዳያትካ ተመሳሳሊ ነገር ክትገብር ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት፡ ኣብ መመዓልቲ ኽትገብሮ ዝወጠንካዮ ነገራት ክትዝርዝርን ብመሰረት እቲ ኽትገብረሉ ዝሓሰብካ መስርዕ ክትሰርዖን ትኽእል ኢኻ። እዚ ኸኣ ነቲ ዝጀመርካዮ ኽትፍጽም ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ ብዙሕ ኽትዓምም ይሕግዘካ እዩ።

16. ውሳነኻ ንምትግባር እንታይ ክትገብር እዩ ዜድልየካ፧ ሮሜ 12:11ኸ ነዚ ብኸመይ ትድግፎ፧

16 ጽዓር። ውጥንካ ንምትግባርን ንዝጀመርካዮ ንምፍጻምን ክትጽዕር የድልየካ እዩ። (ሮሜ 12:11 ኣንብብ።) ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ፡ ዝሓሸ መምህር ምእንቲ ኪኸውን ኢሉ፡ “ትጋህ” ከምኡ ድማ “ጽናዕ” ኢሉ ምዒድዎ እዩ። እቲ ምዕዶ እቲ፡ ኣብ ካልእ መንፈሳዊ ሸቶታት እውን ብማዕረ ይዓዪ እዩ።—1 ጢሞ. 4:13, 16

17. ኤፌሶን 5:15, 16 ውሳነታትና ንምትግባር ብኸመይ ክትሕግዘና ትኽእል፧

17 ንግዜኻ ብጥበብ ተጠቐመሉ። (ኤፌሶን 5:15, 16 ኣንብብ።) ውሳነኻ እትትግብረሉ ግዜ ምረጽ፡ ነዚ እውን ሓልዎ። ነቲ ውሳነ ንምትግባር ምሉእ ብምሉእ ዚጥዕም ግዜ ኽሳዕ ዚመጽእ ኣይትጸበ፣ ከምኡ ዓይነት ግዜ መብዛሕትኡ ግዜ ኣይመጽእን እዩ። (መክ. 11:4) ብዙሕ ኣገዳስነት ዘይብሉ ነገራት ንግዜኻ ኸይሰርቆን ነቲ ንዚሓይሽ ነገራት ንምግባር ዜድልየካ ጕልበት ከይውድኦን ተጠንቀቕ። (ፊል. 1:10) እንተ ኽኢልካ፡ ካልኦት ኪዀልፉኻ ዘይክእሉሉ ግዜ ሕረ። ብኣትኵሮ እትዓይየሉ ግዜ ኸም ዜድልየካ ንኻልኦት ኣፍልጦም። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ተሌፎንካ ኽትዓጹን ንኢ-መይልካ ወይ ንማሕበራዊ መራኸቢታትካ ምላሽ ምሃብ ክትሓድጎን ትኽእል ኢኻ። *

18-19. ጽቡቕ ውሳነኻ ንምትግባር ብዜጋጥመካ ዕንቅፋታት ምእንቲ ኸይትሕለል እንታይ ኪሕግዘካ ይኽእል፧

18 ኣብቲ ፍረ ኣተኵር። ፍረ ውሳነኻ፡ ከም መዓልቦ ጕዕዞኻ እዩ። ናብቲ መዓልቦ እቲ ንምብጻሕ ብሓቂ ድሌት እንተ ኣልዩካ፡ መገዲ እኳ እንተ ተዓጽወካ፡ ብኻልእ መገዲ ጌርካ ናብኡ ትጕዓዝ ኢኻ። ብተመሳሳሊ ኸኣ፡ ውሳነታትና ኣብ ዜፍርዮ ፍረ እንተ ኣተኲርና፡ ኣብ መንጎ ዕንቅፋታት ምስ ዜጋጥመና ወይ መገድና ኽንቅይር ምስ እንግደድ እኳ ብቐሊሉ ኣይንሕለልን ኢና።—ገላ. 6:9

19 ውሳነታት ምግባር ቀሊል ኣይኰነን፣ ምትግባሩ እውን ከቢድ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ብሓገዝ የሆዋ ግና፡ ነቲ ዝጀመርካዮ ንምፍጻም ዜኽእል ጥበብን ዓቕምን ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

መዝሙር 65 ንገስግስ!

^ ሕ.ጽ. 5 ገሊኡ ዝገበርካዮ ውሳነታትሲ ኣጣዒሱካዶ ይፈልጥ፧ ሓድሓደ ግዜኸ ጽቡቕ ውሳነታት ምግባርን ነቲ ውሳነታት ኣብ ግብሪ ምውዓሉን ኣጸጊሙካዶ ይፈልጥ፧ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ነዚ ጸገማት እዚ ኽትሰግሮን ንዝጀመርካዮ ኽትፍጽምን ክትሕግዘካ እያ።

^ ሕ.ጽ. 11 ኣብ jw.org® ዚርከብ “መደብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ” ንብሕታዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ መደብ ንምግባር ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ።

^ ሕ.ጽ. 17 ግዜኻ ብኸመይ ከም እተመሓድር ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ “ተወሳኺ ግዜ ኽትፈጥረሉ እትኽእል 20 መገድታት” ዘርእስታ ኣብ ናይ ሚያዝያ 2010 ሕታም ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ዝወጸት ዓንቀጽ ርአ።