ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 47

ብቐጻሊ ኽትእረም ዲኻ፧

ብቐጻሊ ኽትእረም ዲኻ፧

“ብዝተረፈስ፡ ኣሕዋተየ፡ ተሓጐሱ፡ ተኣረሙ።”—2 ቈረ. 13:11፡ እ.ጽ.።

መዝሙር 54 “እታ መገዲ እዚኣ እያ”

መላለዪ *

1. ብመሰረት ማቴዎስ 7:13, 14፡ ኣብ ጕዕዞ ኢና ዘለና ኺብሃል ዚከኣል ብኸመይ እዩ፧

ኵላትና ኣብ ጕዕዞ ኢና ዘለና። መዓርፎና ወይ ሸቶና፡ ኣብ ትሕቲ ፍቕራዊ ግዝኣት የሆዋ ኣብ ሓዳስ ዓለም ምንባር እዩ። መዓልቲ መዓልቲ፡ በታ ናብ ህይወት እትመርሕ መገዲ ኽንመላለስ ንጽዕር ኢና። ከምቲ የሱስ ዝበሎ ግና፡ እታ መገዲ እቲኣ ጸባብ፡ ሓድሓደ ግዜ እውን ኣጸጋሚት እያ። (ማቴዎስ 7:13, 14 ኣንብብ።) ንሕና ድማ ዘይፍጹማት ኢና፣ ካብታ መገዲ እቲኣ እውን ብቐሊሉ ኸነላግስ ንኽእል ኢና።—ገላ. 6:1

2. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ክንርኢ ኢና፧ (“ ትሕትና ስጕምትና ኸነቕንዕ ትሕግዘና” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።)

2 በታ ጸባብ መገዲ ህይወት ክንመላለስ እንተ ዄንና፡ ኣተሓሳስባናን ኣረኣእያናን ተግባራትናን ንምእራም ድሉዋት ክንከውን ኣሎና። ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ቈረንቶስ ዝነበሩ ክርስትያናት፡ “ቅንዑ” ወይ “ተኣረሙ” ብምባል ነዚ ብቐጻሊ ኺገብርዎ ኣተባቢዕዎም እዩ። (2 ቈረ. 13:11፡ እ.ጽ.) እዚ ምኽሪ እዚ፡ ንዓና እውን ይምልከተና እዩ። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ መገድና ኸነቕንዕ ከም ዚሕግዘና፡ ካብ መገዲ ህይወት ምእንቲ ኸይንወጽእ ድማ ብሱላት ፈተውትና ብኸመይ ከም ዚሕግዙና ኽንርኢ ኢና። ካብ ውድብ የሆዋ ዚመጽእ መምርሒ ምስዓብ ከቢድ ዚዀነሉ ኣጋጣሚታት እውን ክንምርምር ኢና። ብዘይካዚ፡ ንየሆዋ ኸነገልግል ከለና ሓጐስና ኸየጥፋእና ለውጥታት ንምግባር፡ ትሕትና ብኸመይ ከም እትሕግዘና ኽንርኢ ኢና።

ቃል ኣምላኽ ኪእርመካ ፍቐድ

3. ቃል ኣምላኽ እንታይ ኪገብረልካ ይኽእል፧

3 ሓሳባትናን ስምዒታትናን ክንምርምር ከለና፡ ጸገም የጋጥመና እዩ። ልብና ጠላም ስለ ዝዀነ፡ ናበይ ይመርሓና ኸም ዘሎ ምፍላጥ ኣጸጋሚ እዩ። (ኤር. 17:9) “ብናይ ሓሶት ሓሳብ” ገዛእ ርእስና ብቐሊሉ ኸነታልል ንኽእል ኢና። (ያእ. 1:22) ስለዚ፡ ብቓል ኣምላኽ ጌርና ገዛእ ርእስና ኽንምርምር ኣሎና። ቃል ኣምላኽ ንውሽጣዊ መንነትና፡ ማለት ነቲ ልብና “ዚሓስቦን ዚሕልኖን” ይቐልዕ እዩ። (እብ. 4:12, 13) ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ቃል ኣምላኽ ከም ራጂ ዚስእል ማሽን ብምዃን፡ ውሽጥና ኽንርኢ የኽእለና እዩ። ግናኸ፡ ካብ ምኽሪ መጽሓፍ ቅዱስን ካብቲ ኻብ ተወከልቲ ኣምላኽ ዚመጽእ ምኽርን ክንጥቀም እንተ ዄንና፡ ትሑታት ክንከውን ኣሎና።

4. ንጉስ ሳኦል ምኩሕ ከም ዝዀነ ዚሕብረና እንታይ እዩ፧

4 ትሕትና ዘይብልና እንተ ዄንና እንታይ ክንከውን ከም እንኽእል፡ ንጉስ ሳኦል መለበሚ ኪዀነና ይኽእል እዩ። ሳኦል ኣመና ምኩሕ ካብ ምዃኑ እተላዕለ፡ ኣተሓሳስባኡን ተግባራቱን ኪእረም ከም ዜድልዮ ኺእመን ፍቓደኛ ኣይነበረን። (መዝ. 36:1, 2፣ ኣን. 2:4) የሆዋ ንዕኡ፡ ንኣማሌቃውያን ምስ ሰዓሮም እንታይ ኪገብር ከም ዘለዎ ንጹር መምርሒ ምስ ሃቦ፡ እቲ ጸገሙ ተጋሂዱ እዩ። ከመይሲ፡ ሳኦል ንየሆዋ ኣይተኣዘዞን። ነብዪ ሳሙኤል ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ምስ ተዛረቦ ድማ፡ ጌጋኡ ኣይተኣመነን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ነቲ ዘይተኣዛዝነቱ ዘምጽኦ ሳዕቤናት ብምንእኣስን ነቲ ዚሕተተሉ ጕዳይ ንኻልኦት ብምልጣፍን ኬመኻኒ እዩ ፈቲኑ። (1 ሳሙ. 15:13-24) ኣቐዲሙ እውን ተመሳሳሊ ጠባይ ኣርእዩ ነይሩ እዩ። (1 ሳሙ. 13:10-14) እቲ ዜሕዝን ከኣ፡ ንልቡ ኺዕበ ሓዲግዎ እዩ። ኣተሓሳስባኡ ኣይኣረመን፣ ስለዚ የሆዋ ገንሖ፡ ድሕሪኡ እውን ነዓቖ።

5. ካብ ሳኦል እንታይ ንምሃር፧

5 ሳኦል መለበሚ ምእንቲ ኪዀነና፡ ነዚ ሕቶታት እዚ ገዛእ ርእስና ኽንሓትት ኣሎና፦ ‘ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ምኽሪ ኸንብብ ከለኹ፡ ብዛዕባ ኣተሓሳስባይ መመኽነይታ አቕርብ ድየ፧ ነቲ ዘይተኣዛዝነት ዜምጽኦ ሳዕቤናት አነኣእሶ ድየ፧ ኣነ ዝሕተተሉ ተግባር ንኻልኦት እልጥፈሎም ድየ፧’ ንሓዲኡ ኻብዚ ሕቶታት እዚ ‘እወ’ ኢልና እንተ መሊስና፡ ኣተሓሳስባናን ኣረኣእያናን ክንእርም ኣሎና። እንተ ዘይኰኑ፡ ልብና ኣመና ኺዕበ እሞ፡ የሆዋ ፈተውቱ ኸይንኸውን ኪንዕቀና ይኽእል እዩ።—ያእ. 4:6

6. ኣብ መንጎ ንጉስ ሳኦልን ንጉስ ዳዊትን ዝነበረ ፍልልይ ግለጽ።

6 ኣብ መንጎ ንጉስ ሳኦልን ኣብ መንጎ እቲ ን“ሕጊ የሆዋ” ፍቕሪ ዝነበሮ ብድሕሪኡ ዝነገሰ ንጉስ ዳዊትን ዝነበረ ፍልልይ እስከ ንርአ። (መዝ. 1:1-3) ዳዊት፡ የሆዋ ንትሑታት ከም ዜድሕኖም፡ ንዕቡያት ግና ከም ዚጻረሮም ይፈልጥ ነይሩ እዩ። (2 ሳሙ. 22:28) ስለዚ፡ ሕጊ ኣምላኽ ንኣተሓሳስባኡ ኼዐርዮ ይፈቅድ ነይሩ እዩ። ከምዚ ኢሉ እውን ጽሒፉ እዩ፦ “ነቲ ዝመኸረኒ የሆዋ ኽውድሶ እየ። ብለይቲ እኳ ውሽጣዊ ሓሳባተይ ይእርመኒ።”—መዝ. 16:7

ቃል ኣምላኽ

ካብታ መገዲ ኽንወጽእ ከለና፡ ቃል ኣምላኽ የጠንቅቐና። ትሑታት እንተ ዄንና፡ ቃል ኣምላኽ ንኣተሓሳስባና ኺእርሞ ንፈቅድ ኢና (ሕጡብ ጽሑፍ 7 ርአ)

7. ትሑታት እንተ ዄንና እንታይ ኢና እንገብር፧

7 ትሑታት እንተ ዄንና፡ ግጉይ ኣተሓሳስባና ናብ ሕማቕ ተግባር ቅድሚ ምብጻሑ፡ ቃል ኣምላኽ ንኣተሓሳስባና ኺእርሞ ንፈቅድ ኢና። ቃል ኣምላኽ ከምቲ፡ “እታ መገዲ እዚኣ እያ። ብእኣ ተመላለሱ” ዚብል ድምጺ ይዀነልና እዩ። ካብታ መገዲ ናብ ጸጋም ወይ ናብ የማን ከነብል ከለና፡ የጠንቅቐና እዩ። (ኢሳ. 30:21) ንየሆዋ እንተ ሰሚዕናዮ፡ ብብዙሕ መገድታት ንጥቀም ኢና። (ኢሳ. 48:17) ንኣብነት፡ ካብ ሰብ መአረምታ ስለ ዘይውሃበና፡ ኣይንዋረድን ኢና። የሆዋ ኸም ፍቑራት ውሉዳቱ ገይሩ ይሕዘና ኸም ዘሎ ስለ እንፈልጥ ድማ፡ ብዝያዳ ንቐርቦ ኢና።—እብ. 12:7

8. ኣብ ያእቆብ 1:22-25 ተጠቒሱ ኸም ዘሎ፡ ቃል ኣምላኽ ከም መስትያት ኪዀነልና ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

8 ቃል ኣምላኽ ከም መስትያት ኪዀነልና ይኽእል እዩ። (ያእቆብ 1:22-25 ኣንብብ።) መብዛሕትና፡ ንግሆ ኻብ ገዛና ቕድሚ ምውጻእና መስትያት ንርኢ ኢና። በዚ ኸምዚ ድማ፡ ካልኦት ከይረኣዩና፡ ዜድሊ ምትዕርራያት ንገብር ኢና። ብተመሳሳሊ፡ መዓልቲ መዓልቲ ቓል ኣምላኽ ከነንብብ ከለና፡ ንኣተሓሳስባናን ንኣረኣእያናን ከነዐርየሉ እንኽእል መገድታት ንርኢ ኢና። ብዙሓት ሰባት ንግሆ ንግሆ ኻብ ገዛ ቕድሚ ምውጻኦም ጥቕሲ ዕለት ምንባብ ጠቓሚ ዀይኑ ረኺቦምዎ እዮም። እቲ ዜንብብዎ ነገር ንኣተሓሳስባኦም ኪጸሉ ይፈቕዱ እዮም። ድሕሪኡ ምሉእ መዓልቲ፡ ነቲ ኻብ ቃል ኣምላኽ ዝረኸብዎ ምኽሪ ዚትግብሩሉ መገዲ የናድዩ እዮም። ብዘይካዚ፡ መዓልቲ መዓልቲ ናይ ምጽናዕ ልማድ፡ ማለት ቃል ኣምላኽ ናይ ምንባብን ብዛዕባኡ ናይ ምስትንታንን ልማድ ኪህልወና ኣለዎ። እዚ ቐሊል ይመስል ይኸውን፣ ኰይኑ ግና፡ ሓደ ኻብቲ በታ ጸባብ መገዲ ህይወት ንምምልላስ ክንገብሮ እንኽእል ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ነገራት እዩ።

ንብሱላት ፈተውትኻ ስምዓዮም

ብሱላት ፈተውቲ

ብሱላት ክርስትያናት ብጾትና ብለውሃት የጠንቅቑና ይዀኑ። እሞኸ ፈታዊና ተቢዑ ብምዝራቡ ነመስግኖዶ፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 9 ርአ)

9. እንታይ ኵነታት ኪፍጠር ከሎ እዩ ፈታዊኻ ኺእርመካ ዚለዓዓል፧

9 ካብ የሆዋ ብእተርሕቐካ መገዲ ኽትጐዓዝ ጀሚርካዶ ትፈልጥ፧ (መዝ. 73:2, 3) ሓደ ብሱል ፈታዊኻ ተቢዑ እንተ ኣሪሙካ፡ ዝበለካ ሰሚዕካ ንምኽሩ ተግቢርካዮዶ፧ ከምኡ እንተ ጌርካ፡ ቅኑዕ ኢኻ ጌርካ። ፈታዊኻ መጠንቀቕታ ስለ ዝሃበካ ድማ፡ ብርግጽ ተመስግኖ ኢኻ።—ምሳ. 1:5

10. ፈታዊኻ እንተ ኣሪሙካ እንታይ ኢኻ ኽትገብር ዘሎካ፧

10 ቃል ኣምላኽ፡ “ናይ ፈታዊ ምቝሳል እሙን እዩ” ይብል። (ምሳ. 27:6) እዚ ቓላት እዚ እንታይ ማለት እዩ፧ ምሳሌ እስከ ንርአ፦ ዋሕዚ ማካይን ኣብ ዘለዎ ጐደና ኽትሳገር እናተጸበኻ፡ ሞባይልካ ትድወል። በዚ ኣቓልቦኻ ስለ እተወስደ፡ የማነ ጸጋም ከይረኣኻ ናብቲ ጽርግያ ኽትኣቱ ትብል። ብሃንደበት ግና፡ ሓደ ፈታዊኻ ብኢድካ ወጢጡ ናብ መገዲ ኣጋር ይመልሰካ። ንኢድካ ዓትዒቱ ስለ ዝሓዞ፡ ስምብራት የውጽእ፣ ብቕልጡፍ ስጕምቲ ብምውሳዱ ግና፡ ካብታ ኽትገጭወካ ኢላ ዝነበረት ማኪና የድሕነካ። እቲ ስምብራት ንገለ መዓልትታት እኳ እንተ ኣሕመመካ፡ ‘ንምንታይ ዓትዒትካ ትሕዘኒ፧’ ኢልካ ምተቐየምካዮዶ፧ ኣይፋልን! የግዳስ፡ ስለቲ ሓገዙ መመስገንካዮ። ብተመሳሳሊ፡ ሓደ ፈታዊኻ፡ ዘረባኻ ወይ ተግባርካ ምስቲ ቕኑዕ መለክዒታት ኣምላኽ ከም ዘይሳነ መጠንቀቕታ እንተ ሂቡካ፡ ኣብ ፈለማ ኼሕምመካ ይኽእል እዩ። እንተዀነ ግና፡ ምኽሪ ስለ ዝሃበካ፡ ቅር ኪብለካ ወይ ክትቅየሞ የብልካን። ከምኡ ምግባር፡ ዕሽነት እዩ። (መክ. 7:9) ኣብ ክንዳኡስ፡ ፈታዊኻ ተቢዑ ብምዝራቡ፡ ኣመስግኖ።

11. ሓደ ሰብ ካብ ፈታዊኡ ዚውሃቦ ጽቡቕ ምኽሪ ዘይቅበለሉ ምኽንያት እንታይ ኪኸውን ይኽእል፧

11 ሓደ ሰብ ካብ ፈቃር ፈታዊኡ ዚውሃቦ ጽቡቕ ምኽሪ ዘይቅበለሉ ምኽንያት እንታይ ኪኸውን ይኽእል፧ ትዕቢት። ዕቡያት፡ “ኣእዛኖም ዚዅርኵዑሎም” ሰባት እዮም ዚደልዩ። ‘ንሓቂ ኻብ ምስማዕ ኣእዛኖም ይመልሱ’ እዮም። (2 ጢሞ. 4:3, 4) ብዛዕባ ኣመለኻኽታኦምን ብዛዕባ ገዛእ ርእሶምን እተጋነነ ኣረኣእያ እዩ ዘለዎም። እንተዀነ ግና፡ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ሓደ ሰብ ማንም ክነሱ፡ ኣገዳሲ ኸም ዝዀነ እንተ መሲልዎ፡ ንርእሱ እዩ ዜታልል ዘሎ” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ። (ገላ. 6:3) ንጉስ ሰሎሞን እውን ከምዚ ዚስዕብ ብምባል ነዚ ጽቡቕ ገይሩ ገሊጽዎ ኣሎ፦ “መጠንቀቕታ ምስማዕ ካብ ዘይፈልጥ ኣረጊትን ዓሻን ንጉስሲ፡ ድኻን ጥበበኛን ቈልዓ ይሓይሽ።”—መክ. 4:13

12. ካብቲ ኣብ ገላትያ 2:11-14 ተመዝጊቡ ዘሎ ሃዋርያ ጴጥሮስ ዝሓደጎ ኣብነት እንታይ ንምሃር፧

12 ብዛዕባ እቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ንሃዋርያ ጴጥሮስ ኣብ ቅድሚ ኻልኦት ዝኣረመሉ እዋን እሞ ንሕሰብ። (ገላትያ 2:11-14 ኣንብብ።) ጴጥሮስ፡ ‘ኣዘራርባኡ ኣይፈቶኽዎን፣ ስለምንታይከ ኣብ ቅድሚ ሰብ ዚዛረበኒ፧’ ኢሉ ንጳውሎስ ኪቕየሞ ምኸኣለ ነይሩ። ግናኸ፡ ለባም እዩ ነይሩ። ነቲ እተዋህቦ ምኽሪ ተቐቢሉ እዩ፣ ንጳውሎስ እውን ቂም ኣይሓዘሉን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ጸኒሑ “ፍቑር ሓውና” ኢሉ ጸዊዕዎ ኣሎ።—2 ጴጥ. 3:15

13. ምኽሪ ኽትህብ ከለኻ፡ እንታይ ነጥብታት ኢኻ ኽትዝክር ዘሎካ፧

13 ንፈታዊኻ ምኽሪ ኽትህቦ ኸም ዘሎካ ዀይኑ እንተ ተሰሚዑካ፡ እንታይ ነጥብታት ኢኻ ኽትዝክር ዘሎካ፧ ንፈታዊኻ ቕድሚ ምዝራብካ፡ ‘“እምብዛ ጻድቕ” ድየ ዝኸውን ዘለኹ፧’ ኢልካ ገዛእ ርእስኻ ሕተት። (መክ. 7:16) እምብዛ ጻድቕ ዝዀነ ሰብ ንኻልኦት ሰባት ብመለክዒታት የሆዋ ዘይኰነስ፡ ብናቱ መለክዒታት እዩ ዚፈርዶም፣ ጌጋታት ኪረክብ ከሎ እውን ክሳዕ ክንድቲ ኣይምሕርን እዩ። ርእስኻ ድሕሪ ምምርማርካ ንፈታዊኻ ኽትዛረቦ ኸም ዚግባእ እንተ ተራእዩካ፡ ነቲ ጸገም ብንጹር ኣለልዮ፣ ፈታዊኻ ንጌጋኡ ምእንቲ ኺርድኦ ድማ፡ ኣረኣእያኡ ኺገልጽ ዜኽእሎ ሕቶታት ተጠቐም። ፈታዊኻ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ደኣ እምበር፡ ኣብ ቅድሜኻ ተሓታቲ ዘይምዃኑ ብምዝካር፡ እቲ እትብሎ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እተመስረተ ምዃኑ ኣረጋግጽ። (ሮሜ 14:10) ኣብቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ጥበብ ተመርኰስ፣ ክትመክር ከለኻ ኸኣ፡ ከም የሱስ ርሕሩሕ ንምዃን ጽዓር። (ምሳ. 3:5፣ ማቴ. 12:20) ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ የሆዋ ንዓና፡ ከምቲ ንኻልኦት እንሕዞም ገይሩ እዩ ዚሕዘና።—ያእ. 2:13

ካብ ውድብ ኣምላኽ ዚመጽእ መምርሒ ስዓብ

ውድብ ኣምላኽ

ውድብ ኣምላኽ ኣብ ቃል ኣምላኽ እተመስረተ ምኽሪ ዝሓዘ ጽሑፋትን ቪድዮታትን ኣኼባታትን ተዳሉ። ሓድሓደ ግዜ፡ ኣመሓዳሪ ኣካል ኣብ ኣወዳድባ እቲ ዕዮ ምትዕርራይ ይገብር እዩ (ሕጡብ ጽሑፍ 14 ርአ)

14. ውድብ ኣምላኽ እንታይ እያ እተዳለወልና፧

14 የሆዋ ኣብታ ናብ ህይወት እትመርሕ መገዲ ብምድራዊ ኽፋል ውድቡ ኣቢሉ ይመርሓና እዩ። እታ ውድብ ከኣ ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ምኽሪ ኽንዓይየሉ ዚሕግዝ ቪድዮታትን ጽሑፋትን ኣኼባታትን ተዳሉ እያ። እቲ ትምህርቲ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እተመስረተ እዩ። ኣመሓዳሪ ኣካል ብዛዕባ እቲ ዕዮ ስብከት ዚዕየየሉ ኣገባብ ኪውስን ከሎ፡ ካብ መንፈስ ቅዱስ እዩ መምርሒ ዚደሊ። ይኹን እምበር፡ ኣመሓዳሪ ኣካል ብዛዕባ ኣወዳድባ እቲ ዕዮ በብግዜኡ ንውሳነታቱ ዳግም ይግምግሞ እዩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ “ትርኢት እዛ ዓለም እዚኣ ይልወጥ እዩ ዘሎ፡” ውድብ ኣምላኽ ከኣ ምስቲ ዅነታት ምትዕርራይ ክትገብር ኣለዋ።—1 ቈረ. 7:31

15. ገሊኦም ኣስፋሕቲ እንታይ ብድሆታት እዩ ዜጋጥሞም ዘሎ፧

15 ልክዕ እዩ፡ ነቲ ብዛዕባ ሰረተ እምነት ወይ ስነ ምግባር ዚምልከት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ መምርሒ ብቐሊሉ ንቕበሎ ኢና። ኰይኑ ግና፡ ውድብ ኣምላኽ ንኻልእ መዳያት ህይወትና ዚጸሉ ለውጢ ኽትገብር ከላ እንታይ ኢና እንገብር፧ ንኣብነት፡ ኣብ ቀረባ ዓመታት፡ ቦታታት ኣምልኾ ንምህናጽን ንምክንኻንን ዜድሊ ወጻኢታት ንሂሩ እዩ። ስለዚ፡ ኣመሓዳሪ ኣካል ንኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ብውጽኢታዊ መገዲ ኽንጥቀመሉ ወሲኑ ኣሎ። ብምኽንያት እዚ ምትዕርራይ ድማ፡ ገሊአን ጉባኤታት ኣብ ሓደ ተሓዊሰን፡ ገሊኡ ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ እውን ተሸይጡ እዩ። እቲ ገንዘብ ከኣ ብዝያዳ ኣብ ዜድልየሉ ቦታታት ንምህናጽ ይውዕል ኣሎ። ኣዳራሻት ኣብ እተሸጠሉን ጉባኤታት ኣብ እተሓወሳሉን ቦታታት ትነብር እንተ ኣሊኻ፡ ነቲ ሓድሽ ኵነታት ክትለምዶ የሸግረካ ይኸውን። ገሊኦም ኣስፋሕቲ ኣብ ኣኼባታት ንምእካብ ናብ ዝረሓቐ ቦታታት ይጕዓዙ እዮም። ገሊኦም ከኣ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ንምህናጽ ወይ ንምክንኻን ብዙሕ ጽዒሮም ኬብቅዑ፡ እቲ ኣዳራሽ ስለምንታይ ከም እተሸጠ ይሓስቡ ይዀኑ። ግዜኦምን ጻዕሮምን ከም ዝባኸነ ይስምዖም ይኸውን። ኰይኑ ግና፡ ምስቲ ሓድሽ መሰናድዎ ይተሓባበሩ ኣለዉ፣ በዚ ድማ ኪንኣዱ ይግብኦም እዩ።

16. ነቲ ኣብ ቈሎሴ 3:23, 24 ዚርከብ ምኽሪ ምትግባር፡ ሓጐስና ኽንዕቅብ ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧

16 ዕዮና ንየሆዋ ምዃኑ፡ ንሱ እውን ንውድቡ ይመርሓ ኸም ዘሎ እንተ ዘኪርና፡ ሓጐስና ኽንዕቅብ ንኽእል ኢና። (ቈሎሴ 3:23, 24 ኣንብብ።) ንጉስ ዳዊት ንህንጸት ቤተ መቕደስ ኪኸውን ገንዘብ ኣብ ዝወፈየሉ እዋን፡ ጽቡቕ ኣብነት ሓዲጉልና ኣሎ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኸምዚ ኢሉ ተዛሪቡ እዩ፦ “ከምዚ መስዋእቲ ፍታው ክንህብ ዝኸኣልናስ፡ ኣነ መን እየ፡ ህዝበይከ መን እዮም፧ ኵሉስ ካባኻ እዩ፡ ካብ ኢድካ ዝመጸ ኢና ሂብናካ ዘለና።” (1 ዜና 29:14) ገንዘብ ክንውፊ ኸለና፡ ካብ ኢድ የሆዋ ዝመጸ ኢና መሊስና እንህቦ ዘለና። ኰይኑ ግና፡ የሆዋ ነቲ ኽንዓዮ ዚደልዮ ዕዮ ንምድጋፍ እንውፍዮ ግዜን ጕልበትን ገንዘብን የማስወሉ እዩ።—2 ቈረ. 9:7

በታ ጸባብ መገዲ ንመላለስ

17. ስጕምትኻ ኸተቕንዕ እንተ ኣድልዩካ፡ ስለምንታይ ኢኻ ተስፋ ኽትቈርጽ ዘይብልካ፧

17 በታ ጸባብ መገዲ ህይወት ንምምልላስ፡ ኵላትና ኣስኣሰር የሱስ ክንስዕብ ኣሎና። (1 ጴጥ. 2:21) ስጕምትኻ ኸተቕንዕ እንተ ኣድልዩካ፡ በዚ ተስፋ ኣይትቝረጽ። መምርሒ የሆዋ ኽትስዕብ ከም እትደሊ ዜርኢ ጽቡቕ ምልክት ኪኸውን ይኽእል እዩ። የሆዋ፡ ገና ዘይፍጹማት ከለና፡ ኣብነት የሱስ ፍጹም ብዝዀነ ደረጃ ኽንስዕብ ኣይጽበየናን እዩ።

18. ሸቶና ንምብጻሕ እንታይ ክንገብር ኣሎና፧

18 ኵላትና ኣብ መጻኢ ነተኵር፡ ኣተሓሳስባናን ኣረኣእያናን ተግባራትናን ክንእርም እውን ፍቓደኛታት ንኹን። (ምሳ. 4:25፣ ሉቃ. 9:62) ወትሩ ትሑታት ንኹን፣ ብቐጻሊ እውን ‘ንተሓጐስን ንተኣረምን።’ (2 ቈረ. 13:11፡ እ.ጽ.) ከምኡ እንተ ጌርና፡ ‘ኣምላኽ ፍቕርን ሰላምን ምሳና ኪኸውን እዩ።’ ብዘይካዚ፡ ናብ መዓርፎና ኽንበጽሕ ኢና፣ በቲ ጕዕዞ እውን ክንሕጐስ ኢና።

መዝሙር 34 ብንጽህና ኽመላለስ እየ

^ ሕ.ጽ. 5 ገሌና ኣብ ኣተሓሳስባናን ኣረኣእያናን ተግባራትናን ለውጢ ምግባር የጸግመና እዩ። እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ስለምንታይ ኵላትና መአረምታ ኸም ዜድልየና፡ ከምኡ ኣብ እንገብረሉ እዋን ከኣ ብኸመይ ሓጐስና ኸም እንዕቅብ ትገልጽ።

^ ሕ.ጽ. 76 መግለጺ ስእሊ፦ ሓደ ብዕድመ ዝነኣሰ ሓው ሕማቕ ውሳነ ምስ ገበረ እንታይ ከም ዘጋጠሞ ኪገልጽ ከሎ፡ እቲ ብዕድመ ዝዓበየ ሓው (ብየማን) ምኽሪ ኺህብ እንተ ኣልይዎ ንምውሳን ብህድኣት ይሰምዖ።