ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኦነሲመን ዠራልዲንን

ናብ መበቈል ዓዶም ዚምለሱ፡ ዚረኽብዎ ብዙሕ በረኸት

ናብ መበቈል ዓዶም ዚምለሱ፡ ዚረኽብዎ ብዙሕ በረኸት

ኣብ ዝሓለፈ ግዝያት ካብተን ኣብ ምምዕባል ዘለዋ ሃገራት ናብ ምዕራባውያን ሃገራት ዝገዓዙ ብዙሓት ኣሕዋትን ኣሓትን ናብ መበቈል ዓዶም ተመሊሶም እዮም። በቲ ንየሆዋን ንሰባትን ዘለዎም ፍቕሪ ተደሪኾም፡ ዝያዳ ሰበኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ናብ ዜድልዩሉ ቦታታት ግዒዞም እዮም። (ማቴ. 22:37-39) እሞኸ እንታይ መስዋእቲ ገይሮም፧ እንታይ በረኸትከ ረኺቦም፧ ናይዚ መልሲ ንምርካብ፡ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ኣብ እትርከብ ሃገረ ካመሩን እስከ ነተኵር።

‘ንምግፋፍ ዓሳ ምሹእ ዝዀነ ቦታ’

ብ1998፡ ኦነሲመ ዝስሙ ሓው ኻብ ዓዱ ካመሩን ናብ ካልእ ዓዲ ተሰድደ። ን14 ዓመት ከኣ ኣብ ወጻኢ ሃገር ይነብር ነበረ። ሓደ መዓልቲ፡ ሓደ ተዛራባይ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባ ብዛዕባ ዕዮ ስብከት ብምሳሌ ገይሩ ኼብርህ ከሎ ሰምዐ። እቲ ተዛራባይ ከምዚ በለ፦ “ክልተ ኣዕሩኽ ኣብ እተፈላለየ ቦታ ዓሳ ይገፍፉ እንተ ኣልዮም እሞ ሓዲኦም ካብቲ ሓደ ዚበዝሕ ዓሳታት ይሕዝ እንተ ኣልዩ፡ እቲ ሒደት ዓሳታት ዚሕዝ ዘሎ ሰብ ናብቲ ብዙሓት ዚሕዝ ዘሎ ዓርኩ ዘለዋ ቦታዶ ኣይምኸደን፧”

ኦነሲመ ነታ ምሳሌ እቲኣ ምስ ሰምዐ፡ ናብቲ ብመንፈሳዊ መዳይ ብዙሕ ዓሳታት ዚግፈፈሉ ዓዱ ካመሩን ተመሊሱ ነቶም ኣብኡ ዘለዉ ኣስፋሕቲ ብዛዕባ ምሕጋዝ ሓሰበ። ዘተሓሳሰቦ ነገር ግና ነይርዎ እዩ። ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ወጻኢ ሃገር ድሕሪ ምጽናሑ፡ ኣብ ሃገሩ ምንባር ይለምዶ ደዀን ይኸውን፧ ነዚ ንምፍላጥ፡ ንሽዱሽተ ወርሒ ናብ ካመሩን ከደ። ድሕሪኡ፡ ብ2012 ጠቕሊሉ ገዓዘ።

ኦነሲመ ብዛዕባ እቲ ዘጋጠሞ ኺገልጽ ከሎ፡ “ነቲ ሃሩርን ነቲ መነባብሮን ክለምዶ ነይሩኒ። ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ከኣ፡ ኣብ ተሪር መንበር ኮፍ ምባል መሊሰ ክለምዶ ነይሩኒ” ይብል። ኣስዒቡ ፍሽኽ እናበለ ድማ፡ “ኣብቲ ትምህርቲ ብዝያዳ ብዘተኰርኩ መጠን፡ ተዘክሮታት እቲ ምሹእ መናብር እናሃሰሰ ኸይዱ” ይብል።

ብ2013፡ ኦነሲመ ንሓንቲ ኣብ ፈረንሳ ትሽዓተ ዓመት ድሕሪ ምጽናሕ ናብ ካመሩን እተመልሰት ዠራልዲን ተመርዓዋ። እቶም ሰብ ሓዳር ኣብ ቲኦክራስያዊ ንጥፈታት ብምትኳሮም እንታይ በረኸት ረኺቦም፧ ኦነሲመ ኸምዚ ይብል፦ “ብሓባር ኣብ ቤት ትምህርቲ ወንጌላውያን መንግስቲ ኣምላኽ ተማሂርና፡ ኣብ ቤት-ኤል እውን ኣገልጊልና ኢና። ዓሚ፡ ኣብ ጉባኤና 20 ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠሚቖም እዮም። ሕጂ፡ ‘ንምግፋፍ ዓሳ’ ምሹእ ኣብ ዝዀነ ቦታ ኸም ዘለኹ እዩ ዚስምዓኒ።” (ማር. 1:17, 18) ዠራልዲን እውን፡ “ካብቲ ኽግምቶ ዝኽእል ንላዕሊ በረኸት ረኺበ እየ” ትብል።

መንፈሳውያን ውሉዳት ምርካብ ዜምጽኦ ሓጐስ

ጁዲትን ሳም-ካስትልን

ጁዲት ናብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ እኳ እንተ ገዓዘት፡ ኣገልግሎታ ኸተስፍሕ ግና ድሌት ነበራ። ንሳ ኸኣ፡ “ኣብ ካመሩን ንዚርከቡ ቤተ ሰበይ በጺሐ ዝምለሰሉ ግዜ ብዝኣኸለ መጠን፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዘጀመርክዎም ሰባት ሓዲገ እምለስ ብምንባረይ፡ እበኪ ነይረ” ትብል። ኰይኑ ግና፡ ናብ ካመሩን ቈሪጻ ኽትምለስ ኣይከኣለትን። ንሕክምና እቲ ኣብ ካመሩን ዚነብር ኣቦኣ ኽትከፍል ዜኽእል ጽቡቕ ደሞዝ ዘለዎ ስራሕ ነይርዋ እዩ። እንተዀነ ግና፡ ኣብ የሆዋ ተወኪላ ናብ ካመሩን ተመልሰት። ገለ ኻብቲ ኣብ ወጻኢ ሃገር ዘሎ ምሾት ብዘይምርካባ፡ ሕማቕ ተሰሚዕዋ ምንባሩ ኣይትኽሕዶን እያ። ስለዚ፡ ነቲ ዓዲ ምእንቲ ኽትለምዶ ኻብ የሆዋ ሓገዝ ንምርካብ ጸልያ እያ፣ ካብ ሓደ ሓላው ወረዳን ሰበይቱን ብዝረኸበቶ መተባብዒ እውን ተሓጊዛ እያ።

ጁዲት ምልስ ኢላ ተዘክሮኣ ኽትገልጽ ከላ፡ “ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ዓመት፡ ኣርባዕተ መንፈሳውያን ውሉዳት ብምርካበይ ተሓጒሰ እየ” ትብል። ብዘይካዚ፡ ጁዲት ፍልይቲ ፈላሚት ኰይና ኸተገልግል ጀመረት። ሎሚ፡ ምስ ሰብኣያ ሳም-ካስትል ኣብ ዕዮ ወረዳ የገልግሉ ኣለዉ። ኣቦኣ ደኣኸ እንታይ ኰይኑ፧ ንሳን ቤተ ሰባን ንኣቦኣ ወጻኢታቱ ሸፊኑ መጥባሕቲ ኺገብረሉ ዚኽእል ኣብ ወጻኢ ዚርከብ ሆስፒታል ረኸቡ። እቲ ዜሐጕስ ድማ፡ እቲ መጥባሕቲ ዕዉት እዩ ነይሩ።

ደገፍ የሆዋ ምርካብ

ካሮሊንን ቪክቶርን

ቪክቶር ዝስሙ ሓው ናብ ካናዳ ገዓዘ። ብዛዕባ ዝለዓለ ትምህርቲ ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸት ዓንቀጽ ድሕሪ ምንባቡ ኸኣ፡ ንትምህርቱ ኺሓስበሉ ጀመረ። ነቲ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዚምሃሮ ዝነበረ ትምህርቲ ሓዲጉ ድማ፡ ሕጽር ዝበለ ተክኒካዊ ስልጠና ተማህረ። ብዛዕባኡ ኺገልጽ ከሎ ኸኣ፡ “እቲ ስልጠና፡ ቀልጢፈ ስራሕ ክረክብ ኣኽኢሉኒ፣ ነቲ ኻብ ቀደም ዝምነዮ ዝነበርኩ ፈላምነት ኪጅምር እውን ኣኽኢሉኒ” ይብል። ድሕርዚ፡ ቪክቶር ምስ ካሮሊን ተመርዓወ፣ ክልቲኦም ድማ ናብ ካመሩን ኪበጽሑ ኸዱ። ኣብኡ ኸኣ ናብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ምስ ከዱ፡ ኣብ ካመሩን ብዛዕባ ምግልጋል መተባብዒ ተዋህቦም። ቪክቶር ከምዚ ይብል፦ “እንኣብየሉ ምኽንያት ኣይነበረናን፣ ህይወትና ቐሊል ስለ ዝነበረ ኸኣ፡ ነቲ ዕድመ ኽንቅበሎ ኽኢልና ኢና።” ካሮሊን ጸገማት ጥዕና እኳ እንተ ኣለዋ፡ ናብ ካመሩን ኪግዕዙ ወሰኑ።

ኣብቲ ኽሊ ብዙሕ ተገዳስነት ብምንባሩ፡ ቪክቶርን ካሮሊንን ስሩዓት ፈለምቲ ዀይኖም ኬገልግሉ ጀመሩ። ንእተወሰነ እዋን ብዘዋህለልዎ ገንዘብ ይናበሩ ነበሩ። ድሕሪኡ፡ ናብ ካናዳ ኸይዶም ሒደት ኣዋርሕ ይሰርሑ እሞ፡ ናብ ካመሩን ተመሊሶም ፈላምነቶም ይቕጽሉ ነበሩ። እሞ ደኣ እንታይ በረኸት ረኺቦም፧ ኣብ ቤት ትምህርቲ ወንጌላውያን መንግስቲ ኣምላኽ ተማሂሮም እዮም፣ ፍሉያት ፈለምቲ ዀይኖም እውን ኣገልጊሎም እዮም። ሕጂ ድማ ኣገልገልቲ ህንጸት ኰይኖም የገልግሉ ኣለዉ። ቪክቶር ብዛዕባ እዚ ኺገልጽ ከሎ፡ “ነቲ ምሾትና ብምሕዳግና፡ ደገፍ የሆዋ ረኺብና ኢና” ይብል።

ርእሶም ንየሆዋ ኺውፍዩ ብምሕጋዝ ዚርከብ ሓጐስ

ስተፋኒን ኣለንን

ብ2002፡ ኣብ ጀርመን ኣብ ዚርከብ ዩኒቨርሲቲ ዚምሃር ዝነበረ ኣለን፡ መንእሰያት—ንህይወትኩም ኣብ ምንታይ መዓላ ኢኹም እተውዕልዋ፧ ዘርእስታ ትራክት ኣንበበ። እቲ ሓበሬታ ኸኣ፡ ሓድሽ ሸቶታት ኬውጽእ ደረኾ። ብ2006፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ መሰልጠኒ ኣገልገልቲ ተማህረ እሞ፡ ናብታ እተወልደላ ሃገረ ካመሩን ተመደበ።

ኣብ ካመሩን፡ ኣለን ናይ ክፍለ ግዜ ስራሕ ረኸበ። ጸኒሑ፡ ዝሓሸ ደሞዝ ዘለዎ ስራሕ ረኸበ፣ ኰይኑ ግና፡ ብሰንኪ እዚ ኣገልግሎቱ ኸይንኪ ኣተሓሳሰቦ። ስለዚ፡ ፍሉይ ፈላሚ ዀይኑ ኼገልግል ምስ ተዓደመ፡ ነቲ ዕድመ ብኡብኡ ተቐበሎ። ኣስራሒኡ ዝሓሸ ደሞዝ እኳ እንተ ኣቕረበሉ፡ ውሳነኡ ኣይቀየረን። ድሕርዚ፡ ንሓንቲ ኣብ ፈረንሳ ንዓመታት እትነብር ዝነበረት ስተፋኒ ተመርዓዋ። ንሳኸ ናብ ካመሩን ምስ ገዓዘት እንታይ ጸገማት እዩ ኣጋጢምዋ፧

ስተፋኒ፡ “ንእሽቶ ሕማምን ኣለርጂን ኣሎኒ፣ ሕክምናዊ ኽትትል ብምግባር ግና፡ እፎይታ ኽረክብ ክኢለ እየ” ትብል። እዞም ሰብ ሓዳር እዚኦም፡ ስለቲ ተጻዋርነቶም ተባሪኾም እዮም። ብዛዕባ እዚ ድማ፡ ኣለን ከምዚ ይብል፦ “ካተ ኣብ እትብሃል ግልልቲ ቝሸት ክንሰብኽ ምስ ከድና፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኬጽንዑ ዚደልዩ ሰባት ረኺብና። ድሕርዚ፡ ብተሌፎን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ መሪሕናሎም። ክልተ ኻብቶም ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠሚቖም እዮም፣ ሓንቲ ጕጅለ ኣስፋሕቲ እውን ቈይማ ኣላ።” ስተፋኒ ኸኣ ከምዚ ትብል፦ “ሰባት ርእሶም ንየሆዋ ኺውፍዩ ኻብ ምሕጋዝ ንላዕሊ ዜሐጕስ የሎን። ኣብዚ ብምግልጋልና፡ ነቲ ሓጐስ እቲ ብእተዓጻጸፈ ረኺብናዮ ኢና።” ሎሚ ኣለንን ስተፋኒን ኣብ ዕዮ ወረዳ የገልግሉ ኣለዉ።

“ክንገብሮ እንደሊ ዘበለ ብልክዕ ጌርና ኢና”

ሊዮንስን ጂሰልን

ጂሰል ኣብ ኢጣልያ ኣብ ናይ ሕክምና ቤት ትምህርቲ ኸላ፡ ተጠምቀት። እቲ ነቶም መጽሓፍ ቅዱስ ዝመሃርዋ ፈለምቲ ሰብ ሓዳር ዝነበሮም ቀሊል ናብራ ይማርኻ ነበረ፣ ኣብ ኣገልግሎት ድማ ብዝያዳ ኽትዓዪ ደለየት። ስለዚ፡ ትምህርታ እናወድአት፡ ስርዕቲ ፈላሚት ኰይና ኸተገልግል ጀመረት።

ጂሰል ናብ ካመሩን ከይዳ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ብዝያዳ ኽትዓዪ ድሌት እኳ እንተ ነበራ፡ ዜተሓሳስባ ነገራት ግና ነበረ። ነዚ ኽትገልጾ ኸላ ድማ፡ “ነቲ ኣብ ኢጣልያ ዝነበረኒ መንበሪ ፍቓድ ክሓድጎ፡ ምስ ፈተውተይን ምስቶም ኣብ ኢጣልያ ዚነብሩ ስድራ ቤተይን ከኣ ክፈላለ ነይሩኒ” ትብል። ይኹን እምበር፡ ኣብ ግንቦት 2016 ናብ ካመሩን ተመልሰት። ድሕሪ እተወሰነ እዋን፡ ምስ ሊዮንስ ተመራዓዉ። ኣብ ካመሩን ዚርከብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ከኣ፡ ዝያዳ ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ናብ ዜድልዩላ ኣዮስ እትብሃል ንእሽቶ ኸተማ ኺግዕዙ ሓሳብ ኣቕረበሎም።

እሞ ደኣ ህይወት ኣብ ኣዮስ ከመይ እዩ ነይሩ፧ ጂሰል ከምዚ ኢላ ተዘንቱ፦ “ብዙሕ ግዜ ኤለክትሪክ ንሰሙናት ስለ ዘይነበረ፡ ንሞባይል ተሌፎናትና ኽንመልአን ኣይንኽእልን ኢና ኔርና። መብዛሕትኡ ግዜ ኣይሰርሓን እየን ነይረን። ኣነ ድማ ብዕንጨይቲ ሓዊ ኣጒደ ምግቢ ምኽሻን ለሚደ፣ ምሸት ከኣ ዓረብያን ላምፓዲናን ሒዝና ማይ ንወርድ ኔርና፣ ምኽንያቱ ሽዑ እዩ ብዝሒ ሰብ ዚንኪ።” እዞም ሰብ ሓዳር ነዚ ብኸመይ ተጻዊሮምዎ፧ ጂሰል ከምዚ ኢላ ትምልስ፦ “መንፈስ የሆዋን ንሓድሕድና ንደጋገፍ ምዃንናን ካብ ስድራ ቤትናን ካብ ፈተውትናን ዚመጸና መተባብዕን ሓሓሊፎም ዚህቡና ገንዘባዊ ደገፍን ሓጊዙና እዩ።”

እሞኸ ጂሰል ናብ መበቈል ዓዳ ብምምላሳ ሕጕስቲ ድያ፧ ከምዚ ኢላ ትምልስ፦ “እወ! ብዘይ ጥርጥር። ኣብ ፈለማ፡ ጸገማትን ተስፋ ምቝራጽን ነይሩ እዩ፣ ኣነን ሰብኣየይን ነዚ ሓንሳእ ምስ ሰገርናዮ ግና፡ ዝደለናዮ ዘበለ ብልክዕ ከም ዝገበርና እዩ ተሰሚዑና። ንየሆዋ ንኣምኖ ኢና፡ ብዝያዳ ዝቐረብናዮ ዀይኑ እውን ይስምዓና እዩ።” ሊዮንስን ጂሰልን ኣብ ቤት ትምህርቲ ወንጌላውያን መንግስቲ ኣምላኽ ተማሂሮም እዮም፣ ሕጂ ድማ ግዝያውያን ፍሉያት ፈለምቲ ዀይኖም የገልግሉ ኣለዉ።

ከምቲ ገፈፍቲ ዓሳ ብዙሓት ዓሳታት ንምሓዝ ኣጸጋሚ ዅነታት ብትብዓት ዚጻወሩ፡ እቶም ናብ መበቈል ዓዶም ዚምለሱ ድማ ነቶም ንመልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዚቕበልዎ ቕኑዕ ዝልቦም ሰባት ንምሕጋዝ ብፍታዎም መስዋእቲ ይገብሩ እዮም። የሆዋ ነዞም ጻዕረኛታት ኣስፋሕቲ ስለቲ ንስሙ ዘርኣይዎ ፍቕሪ ብጽቡቕ ከም ዚዝክሮም ኣየጠራጥርን እዩ። (ነህ. 5:19፣ እብ. 6:10) ኣብ ወጻኢ ሃገር ትነብር እንተ ኣሊኻ እሞ ኣብ መበቈል ሃገርካ ዝያዳ ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዜድልዩ እንተ ዀይኖም፡ ክትምለስ ትኽእልዶ፧ ከምኡ እንተ ጌርካ፡ ብዙሕ በረኸት ክትረክብ ኢኻ።—ምሳ. 10:22