ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 48

ናብ መጻኢ ‘ትኽ ኢልካ ርአ’

ናብ መጻኢ ‘ትኽ ኢልካ ርአ’

“ኣዒንትኻ ትኽ ኢለን ይርኣያ፣ እወ፡ ጠመተኻ ብቐጥታ ኣብ ቅድሜኻ የተኵር።”—ምሳ. 4:25

መዝሙር 77 ኣብ ጸልማት ዚበርህ ብርሃን

መላለዪ *

1-2. ነቲ ኣብ ምሳሌ 4:25 ዚርከብ ምኽሪ ብኸመይ ክንስዕቦ ንኽእል፧ ኣብነት ሃብ።

ነዚ ዚስዕብ ኣብነታት እሞ ሕሰበሉ። ሓንቲ ብዕድመ ዝደፍአት ክርስትያን ሓብቲ ብዛዕባ እቲ ዘሕለፈቶ ጽቡቕ ግዜ ትዝክር። ሕጂ ዘሎ ህይወታ ኣጸጋሚ እኳ እንተ ዀነ፡ ንየሆዋ ግና ብእተኻእላ መጠን ተገልግሎ ኣላ። (1 ቈረ. 15:58) መዓልቲ መዓልቲ ብዛዕባ እቲ ንሳን እትፈትዎም ሰባን ኣብ ሓዳስ ዓለም ዚነብሩሉ ተስፋ ትሓስብ። ካልእ ሓብቲ ድማ ብሓንቲ ክርስትያን ብጸይታ ኸም እተጐድአት ትዝክር፣ ግናኸ፡ ቅሬታኣ ኽትሓድጎ ትውስን። (ቈሎ. 3:13) ሓደ ሓው ከኣ ንሕሉፍ ጌጋታቱ ኣጸቢቑ ዚዝክሮ ኽነሱ፡ ካብ ሕጂ ንደሓር ግና እሙን ኣብ ምዃን የተኵር።—መዝ. 51:10

2 እዞም ሰለስተ ክርስትያናት እዚኦም እንታይ ሓባራዊ ነገር ኣለዎም፧ ኵላቶም ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ዘጋጠመ ይዝክርዎ እዮም፣ ኣብኡ ግና ኣይኰኑን ዚነብሩ ዘለዉ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ናብ መጻኢ እዮም ‘ትኽ ኢሎም ዚርእዩ’ ዘለዉ።—ምሳሌ 4:25 ኣንብብ።

3. ስለምንታይ ኢና ናብ መጻኢ ‘ትኽ ኢልና ኽንርኢ’ ዘሎና፧

3 ናብ መጻኢ ‘ትኽ ኢልና ኽንርኢ’ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ከምቲ ሓደ ሰብ ብቐጻሊ ናብ ድሕሪት ቍሊሕ ዚብል እንተ ዀይኑ ትኽ ኢሉ ኪኸይድ ዘይክእል፡ ብቐጻሊ ናብ ሕሉፍ ንርኢ እንተ ዄንና እውን ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ንቕድሚት ክንግስግስ ኣይንኽእልን ኢና።—ሉቃ. 9:62

4. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ክንርኢ ኢና፧

4 ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ኣብ ሕሉፍ ከም እንነብር ኪገብረና ዚኽእል ሰለስተ መጻወድያ ኽንርኢ ኢና። * እዚ ኸኣ፡ (1) ናፍቖት፡ (2) ቅሬታ፡ (3) መጠን ዝሓለፈ በደለኛነት እዩ። ኣብ ሰለስቲኡ ድማ፡ ኣብቲ ‘ብድሕሬና ዘሎ’ ኸየተኰርና፡ ናብቲ ‘ብቕድሜና ዘሎ’ ንምምጥጣር ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም ዚሕግዘና ኽንርኢ ኢና።—ፊል. 3:13

መጻወድያ ናፍቖት

ናብ መጻኢ ትኽ ኢልና ኸይንርኢ እንታይ ኪዓግተና ይኽእል፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 5, 9, 13 ርአ) *

5. ብዛዕባ እንታይ መጻወድያ እያ መክብብ 7:10 እተጠንቅቐና፧

5 መክብብ 7:10 ኣንብብ። እዛ ጥቕሲ እዚኣ፡ “ስለምንታይ እየን እተን ናይ ቀደም መዓልትታት ጽቡቓት ነይረን፧” ኢልካ ምሕሳብ ጌጋ ኸም ዝዀነ ገይራ ኣየቕረበቶን። ጽቡቕ ተዘክሮታት ካብ የሆዋ እተዋህበና ውህበት እዩ። የግዳስ፡ እዛ ጥቕሲ፡ “‘ስለምንታይ እየን ካብዚኣተንሲ እተን ናይ ቀደም መዓልትታት ዚሕሻ፧’ ኣይትበል” እያ እትብል። ብኻልእ ኣበሃህላ፡ እቲ ናይ ቀደም ኵነታትና ምስዚ ህሉው ኵነታትና ብምውድዳር፡ ሕጂ ዅሉ ኸም ዝኸፍአ ጌርካ ምሕሳብ ጌጋ ምዃኑ እያ እትገልጽ።

እስራኤላውያን ካብ ግብጺ ምስ ወጹ፡ እንታይ ጌጋ ገይሮም፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 6 ርአ)

6. ሕሉፍ ህይወትና ዝሓሸ ኸም ዝነበረ ጌርና ወትሩ ምሕሳብ ጽቡቕ ዘይኰነ ስለምንታይ እዩ፧ ኣብነት ሃብ።

6 ሕሉፍ ህይወትና ዝሓሸ ኸም ዝነበረ ጌርና ወትሩ ምሕሳብ ጽቡቕ ዘይኰነ ስለምንታይ እዩ፧ ናፍቖት ነቲ ኣብ ሕሉፍ ግዜ ዝነበረ ጽቡቕ ነገራት ጥራይ ከም እንዝክር ይገብረና እዩ። ወይ ድማ ነቲ ሽዑ ዘጋጠመና ጸገማት ኣትሒትና ኸም እንርእዮ ይገብረና እዩ። ንኣብነት፡ ጥንቲ ዝነበሩ እስራኤላውያን እስከ ንርአ። ካብ ግብጺ ምስ ወጹ፡ ኣብኡ ኽሳዕ ክንደይ ከቢድ ህይወት ከም ዝነበሮም ረስዑ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ኣብቲ ዝበልዕዎ ጥዑም ምግቢ ኣተኰሩ። “እቲ ኣብ ግብጺ ብኸምኡ ዝበላዕናዮ ዓሳን ኣጕርስን ብርጭቕን ሽጕርቲ ቓንጫን ቀይሕ ሽጕርትን ጻዕዳ ሽጕርትን እባ ዘኪርና!” ኢሎም እውን ተዛረቡ። (ዘሁ. 11:5) ኰይኑ ግና፡ ብሓቂዶ “ብኸምኡ” እዮም ምግቢ ዚበልዑ ነይሮም፧ ኣይፋልን። እስራኤላውያን ከቢድ ዋጋ እዮም ከፊሎምሉ፣ ኣብ ግብጺ ኣብ ትሕቲ ኸቢድ ጭቈና ዝነበሩ ባሮት እዮም ነይሮም። (ዘጸ. 1:13, 14፣ 3:6-9) ደሓር ግና፡ ነቲ ጸገማት ረሲዖምሲ ንዝሓለፈ ግዜ ኺናፍቑ ጀሚሮም። ኣብቲ የሆዋ ዝገበረሎም ኣወንታዊ ነገር ኣብ ክንዲ ዜተኵሩ፡ “ጥዑም ከይበልናዮ ጥዑም ሓሊፉ” እዮም ዚብሉ ነይሮም። የሆዋ ብኣረኣእያኦም ኣይተሓጐሰን።—ዘሁ. 11:10

7. ሓንቲ ሓብቲ ኻብ መጻወድያ ናፍቖት ክትርሕቕ ዝሓገዛ እንታይ እዩ፧

7 ከመይ ጌርና ኢና ኻብ መጻወድያ ናፍቖት ከነምልጥ እንኽእል፧ ብ1945 ኣብ ብሩክሊን ኣብ ዚርከብ ቤት-ኤል ከተገልግል ዝጀመረት ሓብቲ እስከ ኸም ኣብነት ንውሰድ። እታ ሓብቲ እቲኣ፡ ድሕሪ ገለ ዓመታት ንሓደ ቤት-ኤላዊ ተመርዓወት፣ ንብዙሕ ዓመታት ከኣ ኣብ ቤት-ኤል ኣገልገሉ። ኣብ መፋርቕ 1970ታት ግና፡ ሰብኣያ ሓመመ። ድሕርዚ፡ ሞቱ ኸም ዝቐረበ ምስ ፈለጠ፡ መበለት ኰይና ንዚህልዋ ህይወት ዚሕግዛ ጽቡቕ ምኽሪ ኸም ዝሃባ ገሊጻ ኣላ። “ጽቡቕ ሓዳር እዩ ነይሩና። ብዙሓት ሰባት ነዚ ኣይረኽብዎን እዮም” በላ። ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ ከምዚ ኢሉ ተላበዋ፦ “ተዘክሮታትኪ ዘይጠፍእ እኳ እንተዀነ፡ ብዛዕባ ሕሉፍ ክትሓስቢ ኣይትንበሪ። ምስ ግዜ ኽትክእልዮ ኢኺ። ኣይትመረርን ኣይትሕዘንን። ሓጐስን በረኸትን ብምርካብኪ ባህ ይበልኪ። . . . ተዘክሮታት ሓደ ኻብቲ ኣምላኽ ዝሃበና ውህበት እዩ።” እዚ ጽቡቕ ምኽሪ ኸም ዝነበረስ ኣይትሰማምዓሉንዶ፧

8. ሓብትና ኣብ ሕሉፍ ብዘይምትኳራ ብኸመይ ተጠቒማ፧

8 እታ ሓብትና ነዚ ቓላት እዚ ኣብ ልባ ኣሕደረቶ። ኣብ 92 ዓመት ዕድሚኣ ኽሳዕ እትመውት ከኣ ንየሆዋ ብተኣማንነት ኣገልገለቶ። ሒደት ዓመታት ቅድሚ ሙማታ ድማ ከምዚ ዚብል ሓሳብ ሂባ ነይራ፦ “ነቲ ንየሆዋ ብምሉእ ግዜይ ኣብ ምግልጋል ዘሕለፍክዎ ልዕሊ 63 ዓመት ምልስ ኢለ ኽርእዮ ኸለኹ፡ ብሓቂ ዜሐጕስ ህይወት እየ ኣሕሊፈ ኽብል እኽእል እየ።” ስለምንታይ፧ ከምዚ ኢላ ባዕላ ትምልስ፦ “ንህይወት ብሓቂ ሓጐስ ዝመልኣ ዚገብራ . . . ባህ ዜብል ሕውነት ከምኡውን ነቲ በይኑ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዝዀነ እቲ ዓብዪ ፈጣሪና የሆዋ ንዘለኣለም እናኣገልገልና ምስ ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብ ገነታዊት ምድሪ ናይ ምንባር ተስፋ ምርካብና እዩ።” * እዛ ሓብቲ እዚኣስ ናብ መጻኢ ትኽ ኢላ ብምርኣያ፡ ከመይ ዝበለት ብልጽቲ ኣብነት ኰን እያ እትዀነና!

መጻወድያ ቕሬታ

9. ኣብ ዘሌዋውያን 19:18 ተጠቒሱ ኸም ዘሎ፡ ቅሬታና ምሕዳግ ብዝያዳ ዚኸብደና መዓስ እዩ፧

9 ዘሌዋውያን 19:18 ኣንብብ። እቲ ሕማቕ ዝገበረና ሰብ፡ ክርስትያን ብጻይና፡ ናይ ቀረባ ፈታዊና፡ ወይ ቤተ ሰብና እንተ ዀይኑ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ቕሬታ ምሕዳግ ይኸብደና እዩ። ንኣብነት፡ ሓንቲ ክርስትያን ሓብቲ ንኻልእ ሓብቲ ገንዘብ ከም ዝሰረቐታ ገይራ ብጌጋ ኸሰሰታ። ደሓር፡ እታ ዝኸሰሰት ሓብቲ ይቕረታ ሓተተት፣ እታ ብጌጋ እተኸስሰት ሓብቲ ግና ነቲ ነገር ክትሓድጎ ኣይከኣለትን። ከምኡ ተሰሚዑካዶ ይፈልጥ፧ ተመሳሳሊ ዅነታት እኳ እንተ ዘየጋጠመና፡ መብዛሕትና ብሰብ ቅር ኢሉና ይፈልጥ እዩ፣ ነቲ ሰብ እውን ከቶ ይቕረ ኸም ዘይንብለሉ ተሰሚዑና ነይሩ ይኸውን እዩ።

10. ቅር ኪብለና ኸሎ እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧

10 ቅር ኪብለና ኸሎ እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧ ቅድም ቀዳድም፡ የሆዋ ንዅሉ ኸም ዚርእዮ ንዘክር። ንዅሉ እቲ እነሕልፎ፡ እንተላይ ነቲ ዚወርደና ዘይፍትሓዊ ነገራት ይርእዮ እዩ። (እብ. 4:13) ሕማቕ ኬጋጥመና ኸሎ፡ ንሱ እውን ይስምዖ እዩ። (ኢሳ. 63:9) ነቲ ዘይፍትሓውነት ዜስዕቦ ዝዀነ ይኹን ጕድኣት ከም ዜዐርዮ ድማ ኣተስፍዩና ኣሎ።—ራእ. 21:3, 4

11. ቅሬታ ኽንሓድግ ከለና፡ ብኸመይ ኢና ገዛእ ርእስና እንጠቅም፧

11 ቅሬታ ኽንሓድግ ከለና፡ ገዛእ ርእስና ኸም እንጠቅም እውን ክንዝክር ንኽእል ኢና። እታ ብጌጋ እተኸስሰት ሓብቲ፡ ነዚ እያ ተገንዚባ። ጸኒሓ ይቕረታ ኽትገብር ክኢላ። ንሰብ በደሎም እንተ ሓዲግናሎም፡ የሆዋ በደልና ኸም ዚሓድገልና እውን ተገንዚባ። (ማቴ. 6:14) ነቲ ክርስትያን ብጸይታ ዝገበረቶ ነገር ኣየቃለለቶን ወይ ከተመኻንየሉ ኣይፈተነትን፣ እንተዀነ ግና፡ ይቕረታ ኽትገብረላ ወሰነት። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ዝያዳ ሓጐስ ክትረክብን ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ኸተተኵርን ከኣለት።

መጻወድያ መጠን ዝሓለፈ በደለኛነት

12. ካብ 1 ዮሃንስ 3:19, 20 እንታይ ንምሃር፧

12 ቀዳማይ ዮሃንስ 3:19, 20 ኣንብብ። ስምዒት በደለኛነት ዘይልሙድ ነገር ኣይኰነን። ንኣብነት፡ ገሊኦም ሰባት፡ ሓቂ ቕድሚ ምፍላጦም ብዝገበርዎ ነገር በደለኛነት ይስምዖም እዩ። ገሊኦም ከኣ ድሕሪ ጥምቀቶም ብዝገበርዎ ጌጋታት፡ በደለኛነት ይስምዖም እዩ። እዚ ስምዒታት እዚ ልሙድ እዩ። (ሮሜ 3:23) ቅኑዕ ዘበለ መሸም ክንገብር ንደሊ ኢና። ኰይኑ ግና፡ “ኵላትና . . . ብዙሕ ሳዕ ንስሕት ኢና።” (ያእ. 3:2፣ ሮሜ 7:21-23) ስምዒት በደለኛነት ባህ ዜብል እኳ እንተ ዘይኰነ፡ እተወሰነ ጽቡቕ ነገር ግና ኣለዎ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ስምዒት በደለኛነት ንመገድና ኽንእርምን ጌጋታትና ኸይንደግምን ይድርኸና እዩ።—እብ. 12:12, 13

13. ስለምንታይ ኢና ኻብ መጻወድያ መጠን ዝሓለፈ በደለኛነት ክንጥንቀቕ ዘሎና፧

13 በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ፡ መጠኑ ዝሓለፈ በደለኛነት ኪስምዓና ይኽእል እዩ፣ እዚ ማለት፡ ምስ ተነሳሕናን የሆዋ ይቕረ ምስ በለልናን እውን፡ በደለኛታት ከም ዝዀንና ዀይኑ ብቐጻሊ ይስምዓና ይኸውን። እቲ ዓይነት ስምዒት በደለኛነት እቲ፡ ጐዳኢ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (መዝ. 31:10፣ 38:3, 4) ብኸመይ፧ ሓንቲ ብዝሓለፈ ሓጢኣት ምስ ስምዒት በደለኛነት እትቃለስ ሓብቲ እስከ ኸም ኣብነት ንርአ። ስምዒታ ኽትገልጽ ከላ፡ “ብዝዀነ መገዲ ተስፋ ስለ ዘይብለይ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ እውን ክጽዕር ከም ዘይብለይ ኰይኑ ይስምዓኒ” ትብል። ብዙሓት ካባና ኸምዛ ሓብቲ ይስምዖም ይኸውን። እምበኣር፡ ካብ መጻወድያ መጠን ዝሓለፈ በደለኛነት ክንጥንቀቕ ኣሎና። የሆዋ ብኣና ተስፋ ኸይቈረጸ ኸሎ፡ ንሕና ብገዛእ ርእስና ተስፋ እንተ ቘሪጽና፡ ሰይጣን ክንደይ ከም ዚሕጐስ እሞ ሕስብ ነብል!—ምስ 2 ቈረንቶስ 2:5-7, 11 ኣረኣኢ።

14. የሆዋ ብኣና ተስፋ ኸም ዘይቈረጸ ኸመይ ጌርና ርግጸኛታት ንኸውን፧

14 ኰይኑ ግና፡ ‘የሆዋ ብኣይ ተስፋ ኸም ዘይቈረጸ ኸመይ ገይረ እፈልጥ፧’ ኢልና ንሓትት ንኸውን። ነዛ ሕቶ እዚኣ ኽንሓትት ከለና፡ ብእተወሰነ እውን መልሲ ንህብ ኣለና። ቅድሚ ሓያሎ ዓመታት ዝወጸት ግምቢ ዘብዐኛ ኸምዚ ኢላ ነይራ፦ “ኣብቲ ናይ ቅድም ኣነባብራና ካብቲ ንሕና እነስተብህለሉ ንላዕሊ ሱር ብዝሰደደ ገለ ሕማቕ ኣመል ብዙሕ ግዜ ንዕንቀፍን ንወድቕን [ንኸውን።] . . . ተስፋ ኣይትቝረጽ። ይቕረ ዘይበሃሎ ሓጢኣት ከም ዝፈጸምካ ኣይትደምድም። ሰይጣን ከምኡ ገይርካ ክትርዳእ ኢዩ ዝደልየካ። ብዛዕባ ገዛእ ርእስኻ ሓዘንን ጓህን ክስምዓካ ንርእሱ ብዙሕ ከም ዘይረሓቕካ ዘርኢ ኢዩ። ይቕሬታኡ ከጽርየካ ሓገዙ ብምድላይ፡ ናብ ኣምላኽ ብትሕትናን ብልብን ንምምላስ ፈጺምካ ኣይትሰልኪ። ከምቲ ቈልዓ ሓደ ዓይነት ጕድለት ክሳዕ ክንደይ ይደጋግሞ ብዘየገድስ፡ ናብ ኣቦኡ ዝኸይድ ናብኡ ቕረብ፡ የሆዋ ድማ ብምኽንያት እቲ ዘይንበቕዖ ሕያውነቱ ብጸጋ ሓገዝ ክህበካ ኢዩ።” *

15-16. ገሊኦም ሰባት፡ የሆዋ ብኣታቶም ተስፋ ኸም ዘይቈረጸ ምስ ፈለጡ ኸመይ ተሰሚዕዎም፧

15 ካብ ህዝቢ የሆዋ ዝዀኑ ብዙሓት ሰባት፡ የሆዋ ብኣታቶም ተስፋ ኸም ዘይቈረጸ ብምፍላጦም ተጸናኒዖም እዮም። ንኣብነት፡ ቅድሚ ገለ ዓመታት ሓደ ሓው ኣብቲ “መጽሓፍ ቅዱስ፡ ህይወት ሰባት ይቕይር” ዘርእስቱ ዓምዲ ብዝወጸ ተመክሮ ልቡ ተተንከየ። ኣብታ ዓንቀጽ እቲኣ፡ ሓንቲ ሓብቲ ብሰንኪ እቲ ሕሉፍ ተመክሮኣ፡ የሆዋ ኸም ዜፍቅራ ገይራ ምሕሳብ ከም ዚኸብዳ ገሊጻ ነይራ። ድሕሪ ጥምቀታ እኳ ኸይተረፈ ንብዙሕ ዓመታት ምስዚ ስምዒት እዚ ትቃለስ ነይራ እያ። ብዛዕባ እቲ ክርስቶስ ዝኸፈሎ በጃ ምስ ኣስተንተነት ግና፡ ኣረኣእያኣ ኪቕየር ጀሚሩ። *

16 እሞ ደኣ እቲ ተመክሮኣ ነቲ ሓው ብኸመይ ጸልይዎ፧ ከምዚ ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ፦ “መንእሰይ ከለኹ፡ ስእለ ጽዩፍ ምስ ናይ ምርኣይ ወልፊ እቃለስ ነበርኩ። ኣብ ቀረባ እዋን ድማ፡ ደጊሱኒ ነበረ። ሓገዝ ክርስትያን ሽማግለታት ስለ ዘናደኹ ግና፡ ነቲ ጸገም ቀስ ብቐስ እዋጽኣሉ ኣለኹ። እቶም ሽማግለታት፡ ኣምላኽ ከም ዜፍቅረንን ምሕረት ከም ዚገብረለይን ኣረጋገጹለይ። ሓድሓደ ግዜ ግና፡ ዘይረብሕን የሆዋ ዘየፍቅረንን ኰይኑ ይስምዓኒ እዩ። ንተመክሮ [እታ ሓብቲ] ምንባበይ ሓጊዙኒ እዩ። ኣምላኽ ይቕረ ኺብለለይ ከም ዘይክእል ገይረ ኽሓስብ ከለኹ፡ ብኻልእ ኣዘራርባ፡ መስዋእቲ ወዱ ንሓጢኣተይ ኪሽፍኖ ኸም ዘይክእል ገይረ እሓስብ ከም ዝነበርኩ ተገንዘብኩ። ዘይረብሕ ኰይኑ ኺስምዓኒ ኸሎ ምእንቲ ኸንብባን ምእንቲ ኸስተንትነላን፡ ነታ ዓንቀጽ ቈሪጸ ኣውጺአያ እየ።”

17. ሃዋርያ ጳውሎስ ካብ መጻወድያ መጠን ዝሓለፈ በደለኛነት ኪርሕቕ ዝኸኣለ ብኸመይ እዩ፧

17 ከምዚ ዝኣመሰለ ተመክሮታት ብዛዕባ ሃዋርያ ጳውሎስ እዩ ዜዘኻኽረና። ጳውሎስ ክርስትያን ቅድሚ ምዃኑ፡ ብዙሕ ከቢድ ሓጢኣት ገይሩ እዩ። ነቲ ዝገበሮ ድማ ይዝክሮ ነይሩ እዩ፣ ግናኸ፡ ወትሩ ብዛዕባኡ ኣይኰነን ዚሓስብ ነይሩ። (1 ጢሞ. 1:12-15) ነቲ ክርስቶስ ዝኸፈሎ በጃ፡ ንዕኡ ኸም እተዋህቦ ውህበት ገይሩ ይርእዮ ነይሩ እዩ። (ገላ. 2:20) በዚ ኸምዚ ድማ፡ ካብ መጻወድያ መጠን ዝሓለፈ በደለኛነት ኪርሕቕን ካብ ሽዑ ንደሓር ንየሆዋ ብሉጹ ኣብ ምሃብ ኬተኵርን ክኢሉ እዩ።

ናብ መጻኢ ኣተኵር

ናብ መጻኢ ምእንቲ ኸነተኵር፡ ቈራጽነት ንግበር (ሕጡብ ጽሑፍ 18-19 ርአ) *

18. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ኢና ተማሂርና፧

18 ካብቲ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ዝመርመርናዮ መጻወድያታት እንታይ ተማሂርና፧ (1) ጽቡቕ ተዘክሮታት ካብ የሆዋ እተዋህበና በረኸት እዩ፣ ኣብ ሕሉፍ ዝነበረና ህይወት ሽሕ ሳዕ ይጸብቕ ብዘየገድስ ግና፡ መጻኢና ማለት ኣብ ሓዳስ ዓለም ዚህልወና ህይወት ይበልጽ። (2) ሰባት ይጐድኡና ይዀኑ፣ ይቕረታ ኽንገብር እንተ ወሲንና ግና፡ ንቕድሚት ክንግስግስ ንኽእል ኢና። (3) መጠን ዝሓለፈ በደለኛነት ንየሆዋ ብታሕጓስ ከይነገልግሎ ኺዓግተና ይኽእል እዩ። ስለዚ ኸም ጳውሎስ፡ የሆዋ ይቕረ ኸም ዝበለልና ኽንኣምን ኣሎና።

19. ኣብ ሓዳስ ዓለም ብዛዕባ ሕሉፍ ህይወትና ጣዕሳ ኸም ዘይስምዓና ኸመይ ጌርና ንፈልጥ፧

19 ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ ኣሎና። ኣብታ ኣምላኽ ዘዳልዋ ሓዳስ ዓለም፡ ብዛዕባ ሕሉፍ ህይወትና ጣዕሳ ኣይኪህልወናን እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ግዜ እቲ፡ “እቲ ናይ ቀደም ኣይኪዝከርን” ይብል እዩ። (ኢሳ. 65:17) ሕስብ እሞ ኣብሎ፦ ገሌና ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ብዕድመ ደፊእና ኢና፣ ኣብ ሓዳስ ዓለም ግና ናብ ንእስነትና ኽንምለስ ኢና። (እዮ. 33:25) እምበኣር፡ ኣብ ሕሉፍ ከይንነብር ቈራጽነት ንግበር። ኣብ ክንዳኡስ፡ ናብ መጻኢ ንጠምት፡ ኣብኡ እውን ነተኵር!

መዝሙር 142 ንተስፋና ኣጽኒዕና ንሓዛ

^ ሕ.ጽ. 5 ዝሓለፈ ምዝካር ጥዑም እዩ። ኣብ ሕሉፍ እምብዛ ኻብ ምትኳርና እተላዕለ ግና ንህሉው ከይተጠቐምናሉ ኺሓልፍ ወይ ኣብ መጻኢ ንዚኸውን ነገር ክንርስዖ ኣይንደልን ኢና። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ኣብ ሕሉፍ ከም እንነብር ኪገብረና ዚኽእል ሰለስተ መጻወድያ ክንርኢ ኢና። ካብ ኵሉ እቲ መጻወድያ ኽንርሕቕ ዜኽእለና ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ እውን ክንምርምር ኢና።

^ ሕ.ጽ. 4 መግለጺ ቓላት፦ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ “ኣብ ሕሉፍ ምንባር” ኪብሃል ከሎ፡ ብዛዕባ ሕሉፍ ብቐጻሊ ምሕሳብ፡ ማለት ወግሐ ጸብሐ ብዛዕባኡ ምዝራብ፡ ብዛዕባኡ እናሓሰብካ ምስትምሳል፡ ወይ ህይወትና ሽዑ ዝሓሸ ኸም ዝነበረ ጌርና ምሕሳብ የመልክት።

^ ሕ.ጽ. 14 ናይ 15 ለካቲት 1954 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ገጽ 123 ርአ።

^ ሕ.ጽ. 59 መግለጺ ስእሊ፦ ናፍቖትን ቅሬታን መጠን ዝሓለፈ በደለኛነትን ከም ዚጕተት ከቢድ ጾር እዩ፣ እዚ ድማ ኣብ መገዲ ህይወት ንቕድሚት ከይንግስግስ ይዓግተና እዩ።

^ ሕ.ጽ. 66 መግለጺ ስእሊ፦ ነዚ ጾር ዚኸውን ስምዒታት ምስ ሓደግናዮ፡ እፎይታን ሓጐስን ይስምዓና፡ ሓይልና እውን ይሕደስ። ድሕሪኡ፡ ናብ ቅድሚት ክንጥምት ንኽእል።