ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ታሪኽ ህይወት

“የሆዋ ኣይረስዓንን”

“የሆዋ ኣይረስዓንን”

ኣብ ጊያና፡ ደቡብ ኣመሪካ ኣብ እትርከብ ኣስታት 2,000 ሰባት ዚነብሩላ ኦሪያላ እትብሃል ቍሸት ኣመሪካውያን ህንዳውያን እየ ዝነብር። እታ ቝሸት ግልልቲ እያ፣ ብንእሽቶ ነፋሪት ወይ ብጃልባ ጥራይ ኢኻ ናብኣ ኽትበጽሕ እትኽእል።

ብ1983 እየ ተወሊደ። ብግዜ ቝልዕነተይ፡ ንቡር ቍልዕነት እዩ ነይሩኒ፣ ወዲ ዓሰርተ ዓመት ምስ ኰንኩ ግና፡ ኣብ ምሉእ ሰብነተይ ከቢድ ቃንዛ ኺስምዓኒ ጀመረ። ድሕሪ ኽልተ ዓመት ኣቢሉ፡ ሓደ ንግሆ ምስ ተበራበርኩ፡ ክንቀሳቐስ ኣይከኣልኩን። ኣእጋረይ ንምንቅስቓስ ሒዅ እኳ እንተ በልኩ፡ ሓይሊ ዚብሃል ኣይነበረንን። ካብታ መዓልቲ እቲኣ ኣትሒዘ፡ ብእግረይ ክኸይድ ኣይከኣልኩን። ብዘይካዚ፡ እቲ ሕማመይ ንዕቤተይ ደው ኣቢልዎ። ክሳዕ ሎሚ ድማ፡ ክንዲ ንእሽቶ ቘልዓ እየ ዝኸውን።

ክልተ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኪበጽሓና ኣብ ዝመጻሉ እዋን፡ ንኣዋርሕ ካብ ገዛ ኣይወጻእኩን ነይረ። በጻሕቲ ኺመጹና ኸለዉ፡ መብዛሕትኡ ግዜ እሕባእ እየ ነይረ፣ በታ መዓልቲ እቲኣ ግና፡ ነቲ ዚብላኒ ሰሚዐየን። ንሳተን ከኣ ብዛዕባ ገነት ነገራኒ፣ እዚ ድማ ነቲ ወዲ ሓሙሽተ ዓመት ኣቢለ ኸለኹ ዝሰማዕክዎ ኣዘከረኒ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኣብ ሱሪናም ዚነብር ጀትሮ ዝስሙ ሚስዮናዊ ኣብ ወርሒ ሓንሳእ ናብ ቍሸትና መጺኡ ንኣቦይ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ይመርሓሉ ነይሩ። ጀትሮ ንዓይ እውን ጽቡቕ ገይሩ እዩ ዚሕዘኒ ነይሩ። ብዙሕ እፈትዎ ነይረ። ብዘይካዚ፡ ኣቦሓጎይን ዓባየይን ናብቲ ኣብ ቍሸትና ዚግበር ገሊኡ ኣኼባታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ወሲዶምኒ ነይሮም እዮም። ስለዚ፡ እታ ፍሎረንስ ዝስማ ሓንቲ ኻብተን ኪበጽሓኒ ዚመጻ ኣንስቲ፡ ብዝያዳ ኽምሃር ዝደሊ እንተ ዀይነ ምስ ሓተተትኒ፡ ‘እወ’ ኢለያ።

ድሕሪዚ፡ ፍሎረንስ ምስቲ ጃስተስ ዝስሙ ሰብኣያ ተመሊሳ መጸት፣ ክልቲኦም ብሓባር ከኣ መጽሓፍ ቅዱስ ኬጽንዑኒ ጀመሩ። ንባብ ከም ዘይክእል ምስ ፈለጡ፡ ንባብ መሃሩኒ። ድሕሪ እተወሰነ ግዜ ድማ፡ ንባብ ከኣልኩ። ሓደ መዓልቲ፡ እቶም ሰብ ሓዳር ኣብ ሱሪናም ኬገልግሉ ኸም እተመደቡ ነገሩኒ። እቲ ዜሕዝን ከኣ፡ ኣብ ኦሪያላ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪቕጽለለይ ዚኽእል ሰብ ኣይነበረን። እቲ ዜሕጕስ ግና፡ የሆዋ ኣይረስዓንን።

ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ፍሎይድ ዝስሙ ፈላሚ ናብ ኦሪያላ መጸ፣ ንሱ ድማ ኣብ ኣኣጕዶ እናኸደ ኺሰብኽ ከሎ ረኸበኒ። ብዛዕባ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪዛረበኒ ኸሎ፡ ፍሽኽ በልክዎ። ንሱ ኸኣ፡ “ስለምንታይ ደኣ ፍሽኽ ትብል፧” ኢሉ ሓተተኒ። ኣነ ድማ ኣምላኽ ካባና ዝደልዮ ብቕዓት እንታይ ኢዩ፧ ዘርእስታ ብሮሹር ከም ዘጽናዕኩ፡ ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት ዘርእስታ መጽሓፍ እውን ከጽንዕ ከም ዝጀመርኩ ነገርክዎ። * እቲ መጽናዕቲ ስለምንታይ ከም እተቛረጸ ድማ ገለጽኩሉ። ምስ ፍሎይድ እቲ ዝተረፈ ኽፋል መጽሓፍ ፍልጠት ምስ ኣጽናዕና፡ ንሱ እውን ኣብ ካልእ ቦታ ኼገልግል ተመደበ። ኣነ ኸኣ ብዘይ መምህር መጽሓፍ ቅዱስ ተረፍኩ።

ኰይኑ ግና፡ ብ2004 ግራንቪልን ጆሹዋን ዚብሃሉ ኽልተ ፍሉያት ፈለምቲ ናብ ኦሪያላ ተመደቡ። ንሳቶም ድማ ኣብ ኣኣጕዶ እናኸዱ ኺሰብኩ ኸለዉ፡ ንዓይ ረኸቡኒ። ከጽንዕ ዝደሊ እንተ ዀይኑ ምስ ሓተቱኒ፡ ፍሽኽ በልክዎም። መጽሓፍ ፍልጠት ካብ መጀመርታ ኣትሒዞም ኬጽንዑኒ ሓተትክዎም። ምስቲ እቶም ቀዳሞት መምህራነይ ዝመሃሩኒ ሕደ ነገራት ዚምህሩኒ እንተ ዀይኖም ክርኢ እየ ደልየ ነይረ። ግራንቪል ከኣ ኣብታ ቝሸት ኣኼባታት ኪግበር ከም ዝጀመረ ነገረኒ። ዳርጋ ንዓሰርተ ዓመት ካብ ገዛ ወጺአ ዘይፈልጥ እኳ እንተ ዀንኩ፡ ኣብቲ ኣኼባ ኽእከብ ደለኹ። ስለዚ፡ ግራንቪል ኣብ ብሽክለታ ስንኩላን ገይሩ እናደፍአ ናብ ኣዳራሽ መንግስቲ ወሰደኒ።

ድሕርዚ፡ ግራንቪል ኣብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ክምዝገብ ኣተባብዓኒ። “ስንኩል እኳ እንተ ዀንካ፡ ክትዛረብ ትኽእል ኢኻ። ሓደ መዓልቲ፡ ህዝባዊ መደረ ኽትህብ ኢኻ። ኪኸውን እዩ” በለኒ። እቲ ዜተባብዕ ቃላቱ ድማ፡ ርእሰ ምትእምማን ከም ዘሕድር ገበረኒ።

ምስ ግራንቪል ኣብ ዕዮ ስብከት ክሳተፍ ጀመርኩ። ኰይኑ ግና፡ መብዛሕትኡ እቲ ኣብ ቍሸትና ዝነበረ ብስርዓት ዘይተጸርገ መገዲ ንብሽክለታ ስንኩላን ጥጡሕ ኣይኰነን። ስለዚ፡ ንግራንቪል፡ ኣብ ዓረብያ ኢድ ገይሩ እናደፍኣኒ ኪኸይድ ሓተትክዎ። እዚ ድማ ጽቡቕ የኺደና ነይሩ። ድሕርዚ፡ ኣብ ሚያዝያ 2005 ተጠመቕኩ። ድሕሪኡ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ኣሕዋት ብኸመይ ንጽሑፋት ጉባኤን ነቲ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዘሎ ናውቲ ድምጽን ከም ዝሕዞ ኣሰልጠኑኒ።

እቲ ዜሕዝን፡ ብ2007 ኣቦይ ብሓደጋ ጃልባ ሞተ። ሽዑ፡ ብምሉእና ስድራ ቤት ብዙሕ ኢና ሰምቢድና። ግራንቪል ከኣ መጺኡ ጸለየልና፣ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እውን ዜጸናንዕ ጥቕስታት ኣንበበልና። ድሕሪ ኽልተ ዓመት፡ ካልእ ከቢድ ሓዘን ገጠመና፣ ግራንቪል ብሓደጋ ጃልባ ሞተ።

እታ ኣብ ሓዘን ዝነበረት ንእሽቶ ጉባኤና ብዘይ ሽማግለ፡ ሓደ ኣገልጋሊ ጉባኤ ጥራይ ሒዛ ተረፈት። ሞት ግራንቪል ብዙሕ እዩ ጐዲኡኒ፣ ዝፈትዎ ዓርከይ እዩ ነይሩ። ብመንፈሳውን ብስጋውን ዜድልየኒ ንምምላእ፡ ብተኣማንነት ሓጊዙኒ እዩ። ኣብታ ድሕሪ ሞቱ ዝነበረት ኣኼባ፡ ኣብ መጽናዕቲ ግምቢ ዘብዐኛ ኸንብብ ተመዲበ ነይረ። ዝገበርኩ ገይረ ኽልተ ሕጡብ ጽሑፍ ድሕሪ ምንባበይ፡ ንብዓተይ ክቈጻጸሮ ኣይከኣልኩን። ካብ መድረኽ ክወርድ ነይሩኒ።

ኣሕዋት ኪሕግዙና ኢሎም ካብ ካልእ ጉባኤ ናብ ኦሪያላ ኺመጹ ምስ ጀመሩ ግና እናቐለለኒ ኸደ። ብዘይካዚ፡ ቤት ጽሕፈት ጨንፈርና ኮጆ ንዚብሃል ፍሉይ ፈላሚ መደበልና። እቲ ዜሐጕስ ከኣ፡ ኣደይን ምንኣሰይ ሓወይን ኬጽንዑ ጀመሩ፡ ድሕሪኡ እውን ተጠምቁ። ኣብ መጋቢት 2015 ድማ፡ ኣገልጋሊ ጉባኤ ዀይነ ተሸምኩ። ድሕሪ እተወሰነ ግዜ፡ ንፈለማ ግዜ ህዝባዊ መደረ ኣቕረብኩ። በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ቅድሚ ብዙሕ ዓመታት ግራንቪል፡ “ሓደ መዓልቲ፡ ህዝባዊ መደረ ኽትህብ ኢኻ። ኪኸውን እዩ” ዝበለኒ ቓላት ዘኪረ ፍሽኽ በልኩ፡ ንብዓት እውን ሰዓረኒ።

ብፈነወ JW ኣቢለ፡ ከም ናተይ ዝኣመሰለ ዅነታት ብዛዕባ ዘለዎም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክፈልጥ ክኢለ እየ። ስንክልና እናሃለዎም ክነሱ፡ ኣፍረይትን ሕጉሳትን እዮም። ኣነ እውን፡ እጃመይ ከበርክት እኽእል እየ። እታ ዘላትኒ ዘበለት ጕልበት ንየሆዋ ኽህብ ባህጊ ስለ ዘሎኒ፡ ስሩዕ ፈላሚ ኪኸውን ተለዓዒለ እየ። ኣብ መስከረም 2019 ድማ ዘይተጸበኽዎ ነገር ረኺበ እየ! ኣብታ ወርሒ እቲኣ፡ ኣብታ ኣስታት 40 ኣስፋሕቲ ዘለውዋ ጉባኤና ሽማግለ ዀይነ ኸገልግል ተሸምኩ።

ነቶም መጽናዕቲ ዝመርሑለይን ኣገልግሎተይ ክገብር ዝሓገዙንን ፍቑራት ኣሕዋትን ኣሓትን ብዙሕ ከመስግኖም እደሊ እየ። ልዕሊ ዅሉ ኸኣ፡ የሆዋ ስለ ዘይረስዓኒ፡ ብዙሕ አመስግኖ እየ።

^ ሕ.ጽ. 8 ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት፣ ሕጂ ግና ኣይትሕተምን እያ ዘላ።