ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 46

ኣቱም ሓደስቲ ሰብ ሓዳር፡ ንኣገልግሎት የሆዋ ኣብ ህይወትኩም ኣተኵሩሉ

ኣቱም ሓደስቲ ሰብ ሓዳር፡ ንኣገልግሎት የሆዋ ኣብ ህይወትኩም ኣተኵሩሉ

“የሆዋ ብርታዐይ . . . እዩ፣ ልበይ ብእኡ ይእመን እዩ።”—መዝ. 28:7

መዝሙር 131 “ኣምላኽ ዝጸመዶ”

መላለዪ *

1-2. (ሀ) ሓደስቲ ሰብ ሓዳር ብየሆዋ ኺእመኑ ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧ (መዝሙር 37:3, 4) (ለ) ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ኢና ኽንርኢ፧

 ክትምርዓዉ እትዳለዉ ዘለኹም ዲኹም፧ ወይ ሓደስቲ ሓዳርኩም ዝወጻእኩም ዲኹም፧ ከምኡ እንተ ዄንኩም፡ ምስ እትፈትውዎ ሰብ ንእተሕልፍዎ ህይወት ተሃንጢኹም ከም ዘለኹም ኣየጠራጥርን እዩ። ልክዕ እዩ፡ ሓዳር ናቱ ጸገም ኣለዎ፣ ኣገዳሲ ውሳነታት እውን ክትገብሩ ኣሎኩም። ነዚ ጸገማትን ውሳነታትን ዘሎኩም ኣተሓሕዛ፡ ንሓያሎ ዓመታት ነቲ ኻብ ሓዳርኩም እትረኽብዎ ሓጐስ ይጸልዎ እዩ። ብየሆዋ እንተ ተኣሚንኩም፡ ጽቡቕ ውሳነታት ክትገብሩ፡ ሓዳርኩም ኪድልድል፡ ዝያዳ ሓጐስ እውን ክትረኽቡ ኢኹም። ንኣተሓሳስባ ኣምላኽ ኣብ ግምት እንተ ዘየእቲኹም ግና፡ ኣብ ሓዳርኩም ውጥረት ኪፈጥር ዚኽእል ጸገማት ኬጋጥመኩም እዩ፣ እዚ ድማ ንሓጐስኩም ኬጥፍኦ ይኽእል እዩ።—መዝሙር 37:3, 4 ኣንብብ።

2 እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ኣብ ሓደስቲ ሰብ ሓዳር እተተኵር እኳ እንተ ዀነት፡ ንዅሎም ሰብ ሓዳር ዜጋጥሞም ጸገማት እያ እትገልጽ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ዚርከቡ ገሊኦም እሙናት ሰብኡትን ኣንስትን እንታይ ክንምሃር ከም እንኽእል ተጕልሕ እያ። እዞም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከቡ ኣብነታት፡ ኣብ እተፈላለየ መዳያት ህይወት፡ እንተላይ ኣብ መውስቦ ኽንትግብሮ እንኽእል ትምህርቲ ይህቡና እዮም። ካብ ተመክሮታት ገሊኦም ኣብዚ ግዜና ዘለዉ ሰብ ሓዳር እንታይ ክንምሃር ከም እንኽእል እውን ክንርኢ ኢና።

ሓደስቲ ሰብ ሓዳር እንታይ ጸገማት ኬጋጥሞም ይኽእል፧

ሓደስቲ ሰብ ሓዳር ንየሆዋ ዜቕርብዎ ኣገልግሎት ከየስፍሑ እንታይ ውሳነታት ኬጓናድቦም ይኽእል፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 3-4 ርአ)

3-4. ሓደስቲ ሰብ ሓዳር እንታይ ጸገማት የጋጥሞም ይኸውን፧

3 ገሊኦም ሰባት ንሓደስቲ ሰብ ሓዳር፡ ንቡር ዚብሃል ህይወት ኪነብሩ የተባብዕዎም እዮም። ንኣብነት፡ ወለድን ካልኦት ኣዝማድን ነቶም ሰብ ሓዳር ቀልጢፎም ኪወልዱ ጸቕጢ ይገብሩሎም ይዀኑ። ወይ ከኣ ገሊኦም ፈተውትን ቤተ ሰብን ካብ ጽቡቕ ሓሳብ ተላዒሎም፡ ገዛ ኺዕድጉ፡ ንገዛኦም እውን ብጽቡቕ ንብረት ኪመልእዎ ይደፋፍእዎም ይዀኑ።

4 ሰብ ሓዳር እንተ ዘይተጠንቂቖም፡ ኣብ ከቢድ ዕዳ ዜእቱ ውሳነታት ኪገብሩ ይኽእሉ እዮም። ድሕሪኡ፡ ነቲ ዕዳኦም ንምኽፋል፡ ክልቲኦም ሰብኣይን ሰበይትን ነዊሕ ሰዓታት ኪሰርሑ ይግደዱ ይዀኑ። ዓለማዊ ስራሕ ከኣ ነቲ ኣብ ብሕታዊ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስን ኣምልኾ ስድራ ቤትን ኣገልግሎትን ኬሕልፍዎ ዚግባእ ግዜ ኺጨራርሞ ይጅምር። ዝያዳ ገንዘብ ምእንቲ ኺረኽቡ ወይ ስራሖም ከይስእኑ ኢሎም ሕልፊ ሰዓት ስለ ዚሰርሑ፡ ካብ ኣኼባታት ይበዅሩ ይዀኑ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ንየሆዋ ዜቕርብዎ ኣገልግሎት ንምስፋሕ ዝነበሮም ጽቡቕ ኣጋጣሚታት የምልጦም።

5. ካብ ክላውስን ማሪሳን እንታይ ትምሃር፧

5 ኣብ ስጋዊ ጥሪት ዘተኰረ ህይወት ናብ ሓጐስ ከም ዘይመርሕ፡ ብተመክሮ ተራእዩ እዩ። ክላውስን ማሪሳን ዝስሞም ሰብ ሓዳር ኣብዚ መዳይ እዚ እንታይ ከም እተማህሩ እስከ ንርአ። * ሓዳሮም ኣብ ዝጀመሩሉ እዋን፡ ምሾት ዘለዎ ህይወት ንምንባር፡ ክልቲኦም ብምሉእ ግዜኦም ይሰርሑ ነይሮም እዮም። ውሽጣዊ ዕግበት ግና ኣይነበሮምን። ክላውስ ከምዚ ይብል፦ “ብስጋዊ መዳይ ካብቲ ዜድልየና ንላዕሊ እዩ ነይሩና፣ ብመንፈሳዊ መዳይ ግና ሸቶታት ኣይነበረናን። ሓቂ ይሓይሽ፡ ህይወትና እተሓላለኸን ውጥረት ዝመልኦን እዩ ነይሩ።” ምናልባት ንስኻትኩም እውን ኣብ ስጋዊ ጥሪት እኳ እንተ ኣተኰርኩም፡ እዚ ዕግበት ከም ዘየምጽእ ኣስተብሂልኩም ትዀኑ። በዚ ግና ተስፋ ኣይትቝረጹ። ካልኦት ዝሓደግዎ ጽቡቕ ኣብነት ምምርማርኩም፡ ኣብዚ መዳይ እዚ ኺሕግዘኩም ይኽእል እዩ። ፈለማ፡ ሰብኡት ካብ ንጉስ ዮሳፋጥ እንታይ ኪምሃሩ ኸም ዚኽእሉ ንርአ።

ከም ንጉስ ዮሳፋጥ፡ ብየሆዋ ተኣመኑ

6. ንጉስ ዮሳፋጥ ከቢድ ጸገም ምስ ኣጋጠሞ፡ ምስቲ ኣብ ምሳሌ 3:5, 6 ዘሎ ምኽሪ ብምስምማዕ እንታይ እዩ ገይሩ፧

6 ኣቱም ሰብኡት፡ ሓላፍነታትኩም ልዕሊ ዓቕምኹም ዝዀነ ዀይኑዶ ይስምዓኩም፧ ከምኡ ዚስምዓኩም እንተ ዀይኑ፡ ካብቲ ንጉስ ዮሳፋጥ ዝሓደጎ ኣብነት ክትጥቀሙ ትኽእሉ ኢኹም። ዮሳፋጥ ንጉስ ከም ምዃኑ መጠን፡ ሓላፍነት ብዘሎ ህዝቡ እዩ ተሰኪሙ ነይሩ። ነቲ ኸቢድ ሓላፍነት እቲ ብኸመይ ተዋጺኡሉ፧ ነቶም ኣብ ትሕቲኡ ዘለዉ ንምዕቋብ ዚከኣሎ እዩ ገይሩ። ስለዚ፡ ኣብ ከተማታት ይሁዳ ዕርድታት ሰርሐ፡ ልዕሊ 1,160,000 ተዋጋእቲ ዚርከብዎ ሓያል ሰራዊት እውን ሃነጸ። (2 ዜና 17:12-19) ድሕርዚ፡ ዮሳፋጥ ከቢድ ጸገም ኣጋጠሞ። ዓብዪ ሰራዊት ዓሞናውያንን ሞኣባውያንን ሰብ ኣኽራን ሰዒርን ኪዋግእዎ ብምምጻኦም፡ ንዕኡን ንስድራ ቤቱን ንህዝቡን ኣብ ስግኣት ኣእተውዎም። (2 ዜና 20:1, 2) እሞ ደኣ ዮሳፋጥ እንታይ ገበረ፧ ሓገዝን ብርታዐን ንምርካብ ናብ የሆዋ ቝሊሕ በለ። እዚ ድማ ምስቲ ኣብ ምሳሌ 3:5, 6 ዚርከብ ጥበብ ዝሓዘለ ምኽሪ ይሰማማዕ እዩ። (ኣንብብ።) ኣብ 2 ዜና መዋእል 20:5-12 ተመዝጊቡ ዚርከብ ዮሳፋጥ ብትሕትና ዘቕረቦ ጸሎት፡ በቲ ፈቃር ሰማያዊ ኣቦኡ ኽሳዕ ክንደይ ከም እተኣመነ እዩ ዜርኢ። እሞ ደኣ የሆዋ ንጸሎቱ እንታይ ምላሽ ሂብዎ፧

7. የሆዋ ንጸሎት ዮሳፋጥ እንታይ ምላሽ እዩ ሂቡሉ፧

7 የሆዋ ንዮሳፋጥ በቲ ያሓዚኤል ዚብሃል ሌዋዊ ኣቢሉ ተዛረቦ። ነቶም ህዝቢ ድማ፡ “ቦታኹም ሒዝኩም ደው በሉ እሞ፡ እቲ የሆዋ ምእንታኹም ዚገብሮ ድሕነት ርኣዩ” በሎም። (2 ዜና 20:13-17) ውግእ መሸም በዚ ኸምዚ ኣይትዋጋእን ኢኻ! እንተዀነ ግና፡ እዚ መምርሒ እዚ ኻብ ሰብ ዘይኰነስ፡ ካብ የሆዋ እዩ ነይሩ። ዮሳፋጥ ከኣ ኣብ ኣምላኹ ምሉእ ትውክልቲ ስለ ዝነበሮ፡ ከምቲ እተባህሎ ገበረ። እቶም ህዝቢ ምስቶም ጸላእቶም ንምግጣም ኪኸዱ ኸለዉ፡ ኣብ ቅድሚ እቶም ተዋጋእቱ ሓያላት ጀጋኑ ዘይኰነስ፡ ዕጥቂ ዘይብሎም ዘመርቲ ገበረ። የሆዋ ድማ ንዮሳፋጥ ኣየሕፈሮን፣ እወ፡ ንሰራዊት ጸላኢ ሰዓሮም።—2 ዜና 20:18-23

ሓደስቲ ሰብ ሓዳር ብጸሎትን ብመጽናዕቲ ቓል ኣምላኽን ኣቢሎም ህይወቶም ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ኸም ዜተኵር ኪገብሩ ይኽእሉ (ሕጡብ ጽሑፍ 8, 10 ርአ)

8. ሰብኡት ካብ ዮሳፋጥ እንታይ ኪምሃሩ ይኽእሉ፧

8 ኣቱም ሰብኡት፡ ካብ ዮሳፋጥ ክትምሃሩ ትኽእሉ ኢኹም። ንስድራ ቤትኩም ናይ ምእላይ ሓላፍነት ኣሎኩም፣ ስለዚ፡ ንስድራ ቤትኩም ንምዕቋብን ንምንባይን ኣበርቲዕኩም ትጽዕሩ ኢኹም። ጸገማት ኬጋጥመኩም ከሎ፡ ነቲ ጸገማት ባዕልኹም ክትዋጽኡሉ ዜኽእል ብልሓት ከም ዘሎኩም ይስምዓኩም ይኸውን። ኣብ ብርታዐኹም ከይትውከሉ ግና ተጠንቀቑ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ሓገዝ የሆዋ ንምርካብ ብውልቅኹም ጸልዩ። ብተወሳኺ፡ ምስ ሰበይትኹም ኴንኩም ካብ ልቢ ጸልዩ። መጽሓፍ ቅዱስን ውድብ ኣምላኽ እተዳልዎ ጽሑፋትን ብምጽናዕ፡ ካብ የሆዋ መምርሒ ድለዩ፣ ነቲ ዝረኸብክምዎ ምኽሪ ድማ ተግብርዎ። ገሊኦም ምስቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመርኲስኩም እትገብርዎ ውሳነታት ኣይሰማምዑን ይዀኑ፣ ሕሉፍ ሓሊፎም እውን ዓሺኹም ይብሉኹም ይዀኑ። ገንዘብን ገንዘብ ኪዕድጎ ዚኽእል ነገራትን፡ ንስድራ ቤትኩም ዝበለጸ ዕቝባ ኸም ዝዀነ ይዛረቡ ይዀኑ። ንዮሳፋጥ ግና ዘክርዎ። ብየሆዋ ተኣሚኑ፡ ነዚ እውን ብተግባሩ ኣርእዩ እዩ። የሆዋ ነቲ እሙን ሰብ ኣይሓደጎን፣ ንዓኻትኩም እውን ኣይኪሓድገኩምን እዩ። (መዝ. 37:28፣ እብ. 13:5) እሞ ደኣ ሰብ ሓዳር ዜሐጕስ ህይወት ምእንቲ ኺህልዎም እንታይ ኪገብሩ ይኽእሉ፧

ከም ነብዪ ኢሳይያስን ሰበይቱን፡ ንኣገልግሎት የሆዋ ኣብ ህይወትኩም ኣተኵሩሉ

9. ብዛዕባ ነብዪ ኢሳይያስን ሰበይቱን እንታይ ክንብል ንኽእል፧

9 ነብዪ ኢሳይያስን ሰበይቱን፡ ህይወቶም ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ዘተኰረ እዩ ነይሩ። ኢሳይያስ ነብዪ እዩ ነይሩ፣ ሰበይቱ እውን “ነብዪት” ተባሂላ ተጸዊዓ ስለ ዘላ፡ ንሳ እውን ትንበ ነይራ ኽትከውን ኣለዋ። (ኢሳ. 8:1-4) ኢሳይያስን ሰበይቱን ኣብ ኣምልኾ የሆዋ ዘተኰረ ህይወት እዩ ነይርዎም። ሎሚ ንዘለዉ ሰብ ሓዳር፡ ብሉጽ ኣብነት እዮም ዚዀኑ!

10. ሰብ ሓዳር ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ዜጽንዑ፡ ንየሆዋ ዚከኣሎም ኪገብሩ ቘራጽነት ዜሕድሩ ብኸመይ እዮም፧

10 ሎሚ ዘለዉ ሰብ ሓዳር፡ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ዚከኣሎም ብምግባር፡ ህይወቶም ኣብ ኣገልግሎቱ ኸም ዜተኵር ኪገብሩ ይኽእሉ እዮም። ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ብሓባር ብምጽናዕን ወትሩ ብኸመይ ከም ዚፍጸም ብምርኣይን፡ ኣብ የሆዋ ዘለዎም ትውክልቲ ኼደልድሉ ይኽእሉ እዮም። * (ቲቶ. 1:2) ኣብ ፍጻመ ገሊኡ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኺህልዎም ዚኽእል ተሳትፎ ኼስተንትኑ ይኽእሉ እዮም። ንኣብነት፡ ኣብቲ የሱስ መወዳእታ ቕድሚ ምምጻኡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ኵላ ዓለም ኪስበኽ ምዃኑ እተነበዮ ትንቢት እጃም ኪህልዎም ይኽእል እዩ። (ማቴ. 24:14) ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚፍጸም ብዝያዳ ርግጸኛታት ብዝዀኑ መጠን፡ ንየሆዋ ዚከኣሎም ንምግባር ዝያዳ ቘራጽነት እዮም ዜሕድሩ።

ከም ጵርስኪላን ኣኪላስን፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ቀዳምነት ሃብዋ

11. ጵርስኪላን ኣኪላስን እንታይ እዮም ኪገብሩ ኽኢሎም፧ ስለምንታይከ፧

11 ሓደስቲ ሰብ ሓዳር ካብቶም ኣብ ከተማ ሮሜ ዚነብሩ ዝነበሩ ጵርስኪላን ኣኪላስን ዚብሃሉ ኣይሁድ ሰብ ሓዳር ኪምሃሩ ይኽእሉ እዮም። ንሳቶም ብዛዕባ የሱስ ብስራት ምስ ሰምዑ፡ ክርስትያናት ኰኑ። ብህይወቶም መሸም ዕጉባት ነይሮም ኪዀኑ ኣለዎም። ኰይኑ ግና፡ ሃጸይ ቅላውዴዎስ፡ ኵሎም ኣይሁድ ካብ ሮሜ ኺወጹ ምስ ኣዘዘ፡ ዘይተሓስበ ለውጢ ኣጋጠሞም። እዚ ንኣኪላስን ንጵርስኪላን እንታይ ማለት ምዃኑ እሞ ንሕሰቦ። ዝለመድዎ ዓዲ ሓዲጎም፡ ኣብ ካልእ ዓዲ ኺሰፍሩ፡ ነቲ ድንኳን ናይ ምስፋይ ስራሖም እውን ኣብ ሓድሽ ቦታ ኺጅምርዎ ነይርዎም። እዚ ንናብራኦም ዚዘርግ ነገር ንመንግስቲ ኣምላኽ ካልኣይ ቦታ ኸም ዚህብዋ ገይርዎምዶ፧ መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ ኣይንስሕቶን ኢና። ኣብታ ዚነብሩላ ቈረንቶስ፡ ኣኪላስን ጵርስኪላን ኣብ ጉባኤ ይሕግዙ ነይሮም እዮም፡ ምስ ሃዋርያ ጳውሎስ ሓቢሮም እውን ንኣሕዋት የበርትዑ ነይሮም እዮም። ጸኒሖም ከኣ ዝያዳ ሰበኽቲ ናብ ዜድልዩሉ ኸተማታት ግዒዞም እዮም። (ግብ. 18:18-21፣ ሮሜ 16:3-5) ህይወቶም ሓጐስን ዕግበትን ዝመልኦ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ።

12. ሰብ ሓዳር መንፈሳዊ ሸቶታት ኬውጽኡ ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧

12 ኣብዚ ግዜና ዘለዉ ሰብ ሓዳር ንመንግስቲ ኣምላኽ ቀዳምነት ብምሃብ፡ ንጵርስኪላን ንኣኪላስን ኪመስልዎም ይኽእሉ እዮም። መጻምድቲ ብዛዕባ ሸቶታቶም ኪዛራረቡሉ ዚግባእ ዝበለጸ ግዜ፡ ቅድሚ መርዓ እዩ። ብሓባር ውሳነታት እንተ ገይሮም፡ ሓባራዊ መንፈሳዊ ሸቶታት ንምውቃዕ ከኣ እንተ ጽዒሮም፡ መንፈስ የሆዋ ኣብ ህይወቶም ኪዓዪ ኸሎ ንምርኣይ ዝያዳ ኣጋጣሚታት ይረኽቡ እዮም። (መክ. 4:9, 12) ተመክሮ ራስልን ኤሊዛቤትን እስከ ንርአ። ራስል፡ “ቅድሚ ምምርዓውና፡ ብዛዕባ መንፈሳዊ ሸቶታትና ብዝርዝር ተመያይጥና ኢና” ይብል። ኤሊዛቤት ከኣ፡ “እዚ ምይይጥ እዚ ዝገበርና፡ ደሓር በበይኑ ዓይነት ውሳነታት ምስ ኣጋጠመና፡ ውሳነታትና ነቲ ሸቶታት እቲ ኻብ ምውቃዕ ምእንቲ ኸየጓናድበና ኢልና ኢና” ትብል። ራስልን ኤሊዛቤትን ኵነታቶም ይፈቕደሎም ብምንባሩ፡ ዝያዳ ኣስፋሕቲ ኣብ ዜድልዩሉ ንምግልጋል ናብ ማይክሮነዥያ ገዓዙ።

ሓደስቲ ሰብ ሓዳር ብመንፈሳዊ ሸቶታት ኣቢሎም ህይወቶም ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ኸም ዜተኵር ኪገብሩ ይኽእሉ (ሕጡብ ጽሑፍ 13 ርአ)

13. ብመሰረት መዝሙር 28:7፡ ብየሆዋ እንእመን እንተ ዄንና እንታይ ኢና እንረክብ፧

13 ብዙሓት ሰብ ሓዳር፡ ከም ራስልን ኤሊዛቤትን፡ ካብ ካልእ ዋጢጥ ናጻ ብምዃን፡ ንናይ ምስባኽን ምምሃርን ዕዮ ዚከኣሎም ግዜ ንምውፋይ ውሳነ ገይሮም ኣለዉ። ሰብ ሓዳር ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ጽቡቕ ሸቶታት ኬውጽኡ እሞ ነዚ ንምውቃዕ ኪዓይዩ ኸለዉ፡ ብዙሕ ጽቡቕ እዩ ዚዀነሎም። የሆዋ ብኸመይ ከም ዚሓልየሎም ይርእዩ፡ ኣብኡ ዘለዎም ትውክልቲ ይዓቢ፡ ናይ ሓቂ ሓጐስ እውን ይረኽቡ።—መዝሙር 28:7 ኣንብብ።

ከም ሃዋርያ ጴጥሮስን ሰበይቱን፡ በቲ የሆዋ ዘተስፈዎ ተስፋታት ተኣመኑ

14. ሃዋርያ ጴጥሮስን ሰበይቱን ኣብቲ ኣብ ማቴዎስ 6:25, 31-34 ዚርከብ ቃል ከም ዚኣምኑ ብኸመይ እዮም ኣርእዮም፧

14 ሰብ ሓዳር ካብ ሃዋርያ ጴጥሮስን ሰበይቱን እውን ኪምሃሩ ይኽእሉ እዮም። ሃዋርያ ጴጥሮስ ካብቲ ምስ የሱስ እተራኸበሉ ኣስታት ሽዱሽተ ወርሒ ወይ ዓመት ኣቢሉ ምስ ሓለፈ፡ ሓደ ኣገዳሲ ውሳነ ኺገብር ነበሮ። ኣብቲ ግዜ እቲ ብምግፋፍ ዓሳ እዩ ዚናበር ነይሩ። ስለዚ፡ የሱስ ንጴጥሮስ ብምሉእ ግዜኡ ኺስዕቦ ምስ ጸውዖ፡ ጴጥሮስ ንዅነታት ስድራ ቤቱ ኣብ ግምት ኬእቱ ነይርዎ እዩ። (ሉቃ. 5:1-11) ዝዀነ ዀይኑ፡ ጴጥሮስ ንየሱስ ኣብ ስብከቱ ኼሰንዮ ወሰነ። ብሓቂ ጥበባዊ ውሳነ እዩ ገይሩ! ሰበይቲ ጴጥሮስ እውን ንውሳነኡ ኸም ዝደገፈቶ ኽንኣምን ዜኽእለና ጽቡቕ ምኽንያት ኣሎና። የሱስ ድሕሪ ምትንሳኡ፡ ንሳ ምስ ጴጥሮስ ንእተወሰነ ግዜ ትጐዓዝ ከም ዝነበረት መጽሓፍ ቅዱስ ይሕብር እዩ። (1 ቈረ. 9:5) ንፍዕቲ ክርስትያን ሰበይቲ ነይራ ኽትከውን ኣለዋ፣ ከመይሲ፡ ጴጥሮስ ብድራኸ መንፈስ ተለዓዒሉ ንክርስትያን ሰብኡትን ኣንስትን ከይተሰከፈ ምኽሪ ኺህብ ክኢሉ እዩ። (1 ጴጥ. 3:1-7) ጴጥሮስን ሰበይቱን፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ክሳዕ ዘቐደሙ የሆዋ ዜድልዮም ከም ዜማልኣሎም ይኣምኑ ነይሮም ኪዀኑ ኣለዎም።—ማቴዎስ 6:25, 31-34 ኣንብብ።

15. ካብ ተመክሮ ቲያጎን ኢስተርን እንታይ ተማሂርካ፧

15 ካብ እትምርዓዉ ሒደት ዓመታት ጥራይ ዝገበርኩም እንተ ዄንኩም፡ ኣገልግሎትኩም ንምስፋሕ ከመይ ጌርኩም ድሌት ከተማዕብሉ ትኽእሉ፧ ሓደ መገዲ፡ ተመክሮታት ካልኦት ሰብ ሓዳር ብምርኣይ እዩ። ንኣብነት፡ ነቲ “ፈትዮም ይመጹ” ኣብ ዚብሃል ዓምዲ ዚወጽእ ዓንቀጻት ከተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። እዚ ዓንቀጻት እዚ ደቂ ብራዚል ንዝዀኑ ቲያጎን ኢስተርን ዚብሃሉ ሰብ ሓዳር፡ ዝያዳ ዓየይቲ ኣብ ዜድልዩሉ ኸይዶም ኬገልግሉ ብርቱዕ ድሌት ኣሕዲሩሎም እዩ። ብዛዕባ እዚ ቲያጎ፡ “የሆዋ ኣብዚ ግዜና ንዘለዉ ኣገልገልቱ ብኸመይ ከም ዝሓገዞም ዚገልጽ ተመክሮታት ምስ ኣንበብና፡ ኢድ የሆዋ ኽትመርሓናን ክትከናኸነናን ከላ ኽንርኢ ደሊና” ይብል። ድሕርዚ፡ ናብ ፓራጓይ ገዓዙ፣ ካብ 2014 ኣትሒዞም ከኣ ኣብ ቋንቋ ፖርቱጋልኛ የገልግሉ ኣለዉ። ኢስተር ድማ፡ “ክልቴና ኣጸቢቕና እንፈትዋ ጥቕሲ፡ ኤፌሶን 3:20 እያ። እዘን ቃላት እዚአን ኣብቲ ንየሆዋ እነቕርቦ ኣገልግሎት ብተደጋጋሚ ኺፍጸማ ርኢና ኢና” ትብል። ጳውሎስ ኣብታ ንሰብ ኤፌሶን እተላእከት መልእኽቲ፡ የሆዋ ኻብቲ እንልምኖ እምብዛ ኣዕዚዙ ኸም ዚህበና ገሊጹ ኣሎ። እዚ ሓቂ ምዃኑ ብዙሕ ሳዕ ተራእዩ እዩ!

ሓደስቲ ሰብ ሓዳር ካብ ብሱላት ብዚርከብ ምኽሪ ኣቢሎም ህይወቶም ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ኸም ዜተኵር ኪገብሩ ይኽእሉ (ሕጡብ ጽሑፍ 16 ርአ)

16. መንእሰያት ሰብ ሓዳር ሸቶታቶም ኪግምግሙ ኸለዉ፡ ካብ መን እዮም ምኽሪ ኺሓትቱ ዚኽእሉ፧

16 ሎሚ ዘለዉ መንእሰያት ሰብ ሓዳር፡ ካብ ተመክሮ እቶም ኣብ የሆዋ እተወከሉ ኻልኦት ሰባት ኪጥቀሙ ይኽእሉ እዮም። ገሊኦም ሰብ ሓዳር ንሓያሎ ዓመታት ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዘገልገሉ ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ሸቶታትኩም ክትግምግሙ ኸም ዜድሊ እንተ ተሰሚዑኩም፡ ንምንታይ ምኽሪ ዘይትሓትትዎም፧ እዚ ብየሆዋ ኸም እትእመኑ እተርእዩሉ ኻልእ መገዲ እዩ። (ምሳ. 22:17, 19) ሽማግለታት እውን ንመንእሰያት ሰብ ሓዳር፡ መንፈሳዊ ሸቶታት ኬውጽኡን ነቲ ሸቶታት ኪወቕዕዎን ኪሕግዝዎም ይኽእሉ እዮም።

17. ክላውስን ማሪሳን እንታይ እዩ ኣጋጢምዎም፧ ካብ ተመክሮኦምከ እንታይ ንምሃር፧

17 ሓድሓደ ግዜ ግና፡ ኣገልግሎትና ንምስፋሕ ዝገበርናዮ ውሳነ ናብ ዘይተጸበናዮ ኣንፈት የምርሕ ይኸውን። ኣብ መእተዊ እተጠቕሱ ክላውስን ማሪሳን ዘጋጠሞም እስከ ንርአ። ኣብ ሓዳር ሰለስተ ዓመት ድሕሪ ምግባሮም፡ ካብ ዓዶም ናብ ጨንፈር ፊንላንድ ከይዶም ኣብ ዕዮ ህንጸት ንምዕያይ ወለንተኛታት ኰኑ። ኰይኑ ግና፡ ኣብኡ ልዕሊ ሽዱሽተ ወርሒ ኺጸንሑ ኸም ዘይፍቀደሎም ፈለጡ። ፈለማ፡ በዚ ጐሃዩ። እንተዀነ ግና፡ ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐ ትምህርቲ ቛንቋ ዓረብኛ ኺምሃሩ ጻውዒት ቀረበሎም፣ ሕጂ ድማ ኣብ ካልእ ሃገር ብቛንቋ ዓረብኛ ተሓጒሶም የገልግሉ ኣለዉ። ማሪሳ ነዚ ምልስ ኢላ ኽትርእዮ ኸላ፡ “ካብቲ ዝለመድካዮ ምውጻእን ኣብ የሆዋ ምሉእ ብምሉእ ምውካልን የፍርህ እዩ። የሆዋ ብዘይተጸበናዮ መገድታት ወትሩ ኸም ዚሕግዘና ግና ርእየ እየ። ነዚ ምስ ጠዓምክዎ፡ ኣብ የሆዋ ዘሎኒ እምንቶ ደልዲሉ እዩ” ትብል። እዚ ኣብነት እዚ ኸም ዚሕብሮ፡ የሆዋ ብእኡ ምሉእ ብምሉእ እንተ ተኣሚንኩም፡ ወትሩ ዓስብኹም ከም ዚህበኩም ርግጸኛታት ክትኰኑ ትኽእሉ ኢኹም።

18. ሰብ ሓዳር ብየሆዋ ምእንቲ ኺእመኑ እንታይ ኪገብሩ ይኽእሉ፧

18 መውስቦ ኻብ የሆዋ ዚውሃብ ውህበት እዩ። (ማቴ. 19:5, 6) ንሱ ድማ ንሰብ ሓዳር በቲ ውህበት እቲ ኺሕጐሱ እዩ ዚደልዮም። (ምሳ. 5:18) ኣቱም መንእሰያት ሰብ ሓዳር፡ ህይወትኩም ብኸመይ ትጥቀሙሉ ኸም ዘለኹም ንምንታይ ዘይትምርምሩ፧ ንየሆዋ ስለቲ ዝሃበኩም ውህበታት ምስጋናኹም ንምግላጽ ዚከኣለኩም ኵሉ ዲኹም እትገብሩ ዘለኹም፧ ንየሆዋ ብጸሎት ተዛረብዎ። ኣብ ኵነታትኩም ዚዓዪ ስርዓታት ንምርካብ ንቓሉ ሃሰስ በልዎ። ድሕሪኡ፡ ነቲ ዚህበኩም ምዕዶ ስዓቡ። ሓዳርኩም ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ኸም ዜተኵር እንተ ጌርኩምዎ፡ ሓጐስን ዕግበትን ዘለዎ ህይወት ከም ዚህልወኩም ርግጸኛታት ክትኰኑ ትኽእሉ ኢኹም!

መዝሙር 132 ሓደ ኢና

^ ሕ.ጽ. 5 ገሊኡ እንገብሮ ውሳነታት ነቲ ንየሆዋ ንምግልጋል እንህቦ ግዜን ጕልበትን ኪጸልዎ ይኽእል እዩ። ምናዳ ሓደስቲ ሰብ ሓዳር፡ ኣብ ህይወቶም ነባሪ ጽልዋ ኺህልዎ ዚኽእል ውሳነታት የጋጥሞም እዩ። እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ሓጐስን ትርጉምን ዘለዎ ህይወት ኪረኽቡ ዜኽእል ውሳነታት ንምግባር ትሕግዝ።

^ ሕ.ጽ. 5 ገሊኡ ስማት ተቐዪሩ እዩ።