ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 47

እምነትካ ኽሳዕ ክንደይ እያ ድልድልቲ ኽትከውን፧

እምነትካ ኽሳዕ ክንደይ እያ ድልድልቲ ኽትከውን፧

“ልብኹም ኣይረበሽ። . . . እመኑ።”—ዮሃ. 14:1

መዝሙር 119 እምነት ትሃልወና

መላለዪ *

1. እንታይ ሕቶ ኢና ገዛእ ርእስና ኽንሓትት እንኽእል፧

 ብዛዕባ እቲ ዚመጽእ ዘሎ ጥፍኣት ናይ ሓሶት ሃይማኖትን መጥቃዕቲ ጎግ ብዓል ማጎግን ውግእ ኣርማጌዶንን ክትሓስብ ከለኻስ፡ ሓድሓደ ግዜ ትጭነቕዶ፧ ‘እቲ ግዜ ምስ መጸ፡ ነቲ ዜፍርህ ነገራት ንጽህናይ ሓልየ ኽሰግሮ ድየ፧’ ኢልካ ገዛእ ርእስኻ ትሓትትዶ፧ ከምዚ ኢልካ ትሓስብ እንተ ዄንካ፡ እዚ ኣብቲ ኣብ ቀንዲ ጥቕስና ዘሎ ቓላት የሱስ እተመርኰሰ ትምህርቲ፡ ብዙሕ ኪጠቕመካ እዩ። የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ልብኹም ኣይረበሽ። . . . እመኑ” ኢልዎም እዩ። (ዮሃ. 14:1) ድልድልቲ እምነት ንመጻኢ ብምትእምማን ክንገጥመሉ ትሕግዘና እያ።

2. ከመይ ጌርና ኢና እምነትና ኸነደልድል እንኽእል፧ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣኸ እንታይ ክንምርምር ኢና፧

2 ብዛዕባ እቲ ሕጂ ዜጋጥመና ናይ እምነት ፈተናታት እንሰግረሉ መገዲ ብምሕሳብ፡ ነቲ ናይ መጻኢ ፈተናታት ንምጽዋር ዜድልየና እምነት ከነደልድል ንኽእል ኢና። ሕጂ ንዜጋጥመና ፈተናታት ብዛዕባ እንህቦ ምላሽ ክንሓስብ ከለና፡ ንእምነትና እነደልድለሉ መዳያት ክንፈልጥ ንኽእል ኢና። ፈተና ብዝሰገርና መጠን፡ እምነትና እናደልደለት እያ እትኸይድ። እዚ ኸኣ ናይ መጻኢ ፈተናታት ክንጻወር ይሕግዘና እዩ። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ንደቀ መዛሙርቲ የሱስ ተወሳኺ እምነት ከም ዜድልዮም ዘርኣየ ኣርባዕተ ዅነታት ክንርኢ ኢና። ሎሚ ተመሳሳሊ ጸገማት ብኸመይ ኬጋጥመና ኸም ዚኽእልን እዚ ንመጻኢ ብኸመይ ከም ዜዳልወናን ክንምርምር ኢና።

ኣምላኽ ብስጋ ዜድልየና ኸም ዜማልኣልና እነሕድሮ እምነት

ቍጠባዊ ጸገማት የጋጥመና ይኸውን፣ እምነትና ግና ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ከነተኵር ትሕግዘና (ሕጡብ ጽሑፍ 3-6 ርአ)

3. ኣብ ማቴዎስ 6:30, 33 ተመዝጊቡ ኸም ዘሎ፡ የሱስ ብዛዕባ እምነት እንታይ ነጥቢ እዩ ኣነጺሩ፧

3 ርእሲ ስድራ ቤት ንሰበይቱን ንደቁን እኹል ምግብን ክዳንን መጽለልን ኬቕርብ ምድላይ ባህርያዊ እዩ። ኣብዚ ጽንኩር እዋን ግና ከምኡ ምግባር ቀሊል ኣይኰነን። ኣብ ገሊኡ መዳያት፡ ክርስትያናት ብጾትና ስራሖም ስኢኖም እዮም፣ ዝጸዓሩ እኳ እንተ ጸዓሩ ኸኣ፡ ካልእ ስራሕ ኪረኽቡ ኣይከኣሉን። ገሊኦም ድማ ንክርስትያናት ዘይከውን ስራሕ ምስራሕ ኣብዮም እዮም። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት፡ የሆዋ ንስድራ ቤትና ዜድሊ ብገለ ኸም ዜማልኣልና ንምርኣይ ድልድልቲ እምነት ተድልየና እያ። የሱስ ኣብቲ ኣብ ከረን ዝሃቦ ስብከት ነዚ ነገር እዚ ንደቀ መዛሙርቱ ኣነጺሩሎም እዩ። (ማቴዎስ 6:30, 33 ኣንብብ።) የሆዋ ኸም ዘይሓድገና ምሉእ ብምሉእ ርግጸኛታት እንተ ዄንና፡ ኣትኵሮና ኣብቲ ኪዀኖ ዚግባእ፡ ማለት ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ክንገብሮ ንኽእል ኢና። የሆዋ ነቲ ብስጋ ዜድልየና ኸነማልእ ብኸመይ ይሕግዘና ኸም ዘሎ ምስ ረኣና፡ ንሱ ብዝያዳ ህያው ይዀነልና እዩ፡ እምነትና እውን ትድልድል እያ።

4-5. ኣባላት ሓንቲ ስድራ ቤት ነቲ ኣብ መነባብሮኦም ዘጋጠሞም ጭንቀት ኪዋጽኡሉ ዝሓገዞም እንታይ እዩ፧

4 ኣብ ቨነዝወላ ዚነብሩ ኣባላት ሓንቲ ስድራ ቤት፡ ብዛዕባ መነባብሮኦም ዜጨንቕ ነገራት ምስ ኣጋጠሞም፡ የሆዋ ብኸመይ ከም ዝሓገዞም እስከ ንርአ። ኣብ ሓደ እዋን፡ እንዳ ካስትሮ ኻብ ሕርሻኦም እኹል መነባብሮ ረኺቦም ይነብሩ ነበሩ። ድሕሪኡ፡ ዕጡቓት ጕጅለ ንንብረቶም ዘመትዎ፡ ካብ መሬቶም እውን ሰጐጕዎም። እቲ ሚገል ዝስሙ ኣቦ፡ “ሕጂ መብዛሕትኡ መነባብሮና ኣብ ንእሽቶ ናይ ልቓሕ መሬት ኣብ እነብቍሎ ነገር እዩ ዚምርኰስ። ንመዓልተይ፡ የሆዋ ናይታ ዕለት እንጌራና ኺህበና ብምልማን እየ ዝጅምራ” ይብል። ህይወት እዞም ስድራ እዚኦም ከቢድ እዩ። ኰይኑ ግና፡ እቲ ሰማያዊ ኣቦና ንዕለታዊ እንጌራኦም ከም ዚህቦም ምሉእ እምነት ብምሕዳር፡ ኣዘውቲሮም ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ ይእከቡ፡ ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ እውን ይሳተፉ ኣለዉ። ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ህይወቶም የቐድሙ ኣለዉ፣ የሆዋ ኸኣ ዜድልዮም የማልኣሎም እዩ።

5 ሚገልን ሰበይቱ ዩራይን ኣብ ኵሉ እቲ ጸገማቶም፡ ኣብቲ የሆዋ ዜርእዮም ሓልዮት እዮም ኣተኲሮም። ሓድሓደ ግዜ፡ የሆዋ ብክርስትያን ብጾቶም ገይሩ ንእሽቶ ስጋዊ ሓገዝ ሂብዎም ወይ ንሚገል ጽቡቕ ዓለማዊ ስራሕ ኪረክብ ኣኽኢልዎ እዩ። ኣብ ገሊኡ እዋናት ድማ፡ በቲ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ዚልእኮ ረድኤት ኣቢሉ መሰረታዊ ነገራት ከም ዚረኽቡ ገይሩ እዩ። ዝዀነ ዀይኑ፡ የሆዋ ኸቶ ኣይሓደጎምን። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ እቶም ስድራ ቤት እምነቶም ክትዓቢ ርእዮም እዮም። ንኣብነት፡ ዮሰሊን ዝስማ ዓባይ ጓሎም ሓደ ኻብቲ የሆዋ ዝሓገዘሉ መገዲ ድሕሪ ምጥቃስ፡ “ኢድ የሆዋ ብንጹር ምርኣይ ውሽጥኻ ይትንክየካ እዩ። ምሉእ ህይወተይ ዝጽግዖ ፈታውየይ ከም ዝዀነ ገይረ እየ ዝርእዮ” ትብል። ኣስዕብ ኣቢላ፡ “እቲ ብስድራ ቤት ዘጋጠመና ፈተናታት፡ ኣብ መጻኢ ንዜጋጥም ዝኸበደ ፈተናታት ኣዳልዩና እዩ” ትብል።

6. ቍጠባዊ ጸገማት ኬጋጥመካ ኸሎ፡ ከመይ ጌርካ ኢኻ እምነትካ ኸተደልድል እትኽእል፧

6 ቍጠባዊ ጸገማት የጋጥመካዶ ኣሎ፧ የጋጥመካ እንተ ኣልዩ፡ እዚ ንዓኻ ኸቢድ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኵነታትካ ዝኸበደ እንተ ኸበደ ግና፡ ነዚ ግዜ እዚ እምነትካ ንምህናጽ ክትጥቀመሉ ትኽእል ኢኻ። ነቲ ኣብ ማቴዎስ 6:25-34 ዚርከብ ቃላት የሱስ ኣንብቦ፡ ኣስተንትነሉ እውን። ብዛዕባ እቲ የሆዋ ነቶም ኣብ ቲኦክራስያዊ ንጥፈታት ብዙሕ ዚነጥፉ ዘበሉ ዜድልዮም ከም ዘማልኣሎም ዜርኢ ዘመናዊ ኣብነታት ሕሰብ። (1 ቈረ. 15:58) ከምኡ ምስ እትገብር፡ ከምቲ ሰማያዊ ኣቦኻ ተመሳሳሊ ዅነታት ንዘለዎም ካልኦት ዝሓገዞም፡ ንዓኻ እውን ከም ዚሕግዘካ ዘሎካ እምንቶ ኼደልድለልካ እዩ። እንታይ ከም እትደሊ ይፈልጥ እዩ፣ ብኸመይ ከም ዚህበካ እውን ይፈልጥ እዩ። ኣብ ህይወትካ ሓገዝ የሆዋ ምስ ረኣኻ፡ እምነትካ ስለ እትድልድል፡ ኣብ መጻኢ ዝዓበየ ፈተናታት ንምጽዋር ዜኽእል ዓቕሚ ኺህልወካ እዩ።—ኣን. 3:17, 18

ብርቱዕ ህቦብላ ንምጽዋር እተድልየና እምነት

ድልድልቲ እምነት፡ ቃል ብቓሉ ዀነ ምሳልያዊ ብርቱዕ ህቦብላ ኽንሰግር ትሕግዘና (ሕጡብ ጽሑፍ 7-11 ርአ)

7. ብመሰረት ማቴዎስ 8:23-26፡ እቲ ማዕበል ንእምነት እቶም ደቀ መዛሙርቲ ዝፈተኖ ብኸመይ እዩ፧

7 የሱስን ደቀ መዛሙርቱን ኣብ ባሕሪ ማዕበል ምስ ኣጋጠሞም፡ የሱስ በቲ ኣጋጣሚ እቲ ተጠቒሙ ንደቀ መዛሙርቱ ኣብ ገሊኡ መዳይ ተወሳኺ እምነት ከም ዜድልዮም ሓበሮም። (ማቴዎስ 8:23-26 ኣንብብ።) እቲ ባሕሪ ብህቦብላ ምስ ተናወጸ እሞ ማይ ነታ ጃልባ ኺመልኣ ምስ ጀመረ፡ የሱስ ብሰላም ደቂሱ እዩ ነይሩ። እቶም በዚ እተሸበሩ ደቀ መዛሙርቱ ግና ካብ ድቃሱ ኣተንሲኦም “ኣድሕነና” ምስ በልዎ፡ “ኣቱም ጐደሎ ዝእምነቶም፡ ስለምንታይ እትፈርሁ፧” ኢሉ ገንሖም። እቶም ብፍርሂ ተዋሒጦም ዝነበሩ ደቀ መዛሙርቲ፡ የሆዋ ንየሱስን ነቶም ምስኡ ዝነበሩን ካብ ጕድኣት ኬዕቍቦም ኣጸቢቑ ኸም ዚኽእል ኪኣምኑ ነይርዎም። ካብዚ እንታይ ክንምሃር ከም እንኽእልሲ ተራእዩካዶ፧ ድልድልቲ እምነት እንተ ኣልያትና፡ ኣብ ህይወት ንዜጋጥም ቃል ብቓሉ ዀነ ምሳልያዊ ብርቱዕ ህቦብላ ኽንሰግር ንኽእል ኢና።

8-9. እምነት ኣነል ብኸመይ እያ ተፈቲና፧ እንታይከ እዩ ሓጊዝዋ፧

8 ኣብ ፖርቶ ሪኮ እትነብር ኣነል ዝስማ ንጽል ሓብቲ ንሓደ ኸቢድ ፈተና ኽትሰግር ከላ ብኸመይ ድልድልቲ እምነት ከም ዘጥረየት እስከ ንርአ። እቲ ንዓኣ ዘጋጠማ ብርቱዕ ህቦብላ፡ ቃል ብቓሉ እዩ ነይሩ። ኣብ መጀመርታ፡ ብ2017 ህቦብላ ማሪያ ንገዛ ኣነል ኣዕነዎ። ብሰንኪ እቲ ህቦብላ ኸኣ፡ ስራሓ ሰኣነት። ኣነል ብዛዕባ እዚ፡ “ኣብተን ጽንኩራት መዓልትታት፡ ተጨኒቐ ነይረ፣ ከመይ ገይረ ብጸሎት ኣብ የሆዋ ኸም ዝውከልን ጭንቀት ኬልምሰኒ ኸም ዘየፍቅድን ግና ተማሂረ እየ” ትብል።

9 ኣነል ነቲ መከራኣ ኽትክእሎ ዝሓገዛ ተወሳኺ ነገር እውን ትጠቅስ እያ፣ እዚ ድማ ተኣዛዝነት እዩ። ብዛዕባኡ ድማ ከምዚ ትብል፦ “መምርሒ ውድብ ምስዓበይ፡ ክሃድእ ሓጊዙኒ እዩ። ኣብቲ እተዋህበኒ መንፈሳዊ መተባብዕን ኣብቲ ኣሕዋት ዝገበሩለይ ስጋዊ ሓገዘን ኢድ የሆዋ ርእየ እየ።” ኣስዕብ ኣቢላ እውን፡ “የሆዋ ኻብቲ ኽልምኖ ዝኽእል ንላዕሊ እዩ ሂቡኒ፣ እምነተይ እውን ኣዝያ ደልዲላ እያ” ትብል።

10. ብርቱዕ ህቦብላ እንተ ኣጋጢሙካ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

10 ኣብ ህይወትካ ብርቱዕ ህቦብላ የጋጥመካዶ ኣሎ፧ እዚ ብሰንኪ ባህርያዊ ሓደጋ እተፈጥረ መከራ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ወይ ድማ ከም ከቢድ ጸገም ጥዕና ዝኣመሰለ ምሳልያዊ ህቦብላ ኪኸውን ይኽእል እዩ፣ ብሰንኪ እዚ ኸኣ ተስፋ ትቘርጽን እትገብሮ ይሕርብተካን ይኸውን። ሓድሓደ ግዜ፡ ትጭነቕ ትኸውን፣ ጭንቀትካ ግና ነቲ ኣብ የሆዋ ዘሎካ ትውክልቲ ዕንቅፋት ኪኸውን ኣይተፍቅድ። ብልባዊ ጸሎት ቅረቦ። ብዛዕባ እቲ የሆዋ ኣብ ሕሉፍ እዋን ዝሃበካ ሓገዝ ብምስትንታን፡ እምነትካ ኣደልድል። (መዝ. 77:11, 12) ሕጂ ዀነ ኣብ መጻኢ ኸም ዘይሓድገካ ኸኣ፡ ርግጸኛ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ።

11. ነቶም ዚመርሑና እዙዛት ንምዃን ክንቈርጽ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

11 ፈተናታት ንምጽዋር እንታይ ተወሳኺ ነገር ኪሕግዘካ ይኽእል፧ ከምቲ ኣነል ዝበለቶ፡ ተኣዛዝነት ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ። ነቶም የሆዋን የሱስን ዚኣምንዎም ሰባት እመኖም። ሓድሓደ ግዜ፡ እቶም ኪመርሑና እተሸሙ ሰባት፡ ኪርድኣና ዘይክእል መምርሒ ይህቡ ይዀኑ። እንተዀነ ግና፡ የሆዋ ንተኣዛዝነት ይባርኽ እዩ። ተኣዛዝነት፡ ህይወት ከም ዜድሕን፡ ካብ ቃሉን ካብ ተመክሮ እሙናት ኣገልገልትን ትፈልጥ ኢኻ። (ዘጸ. 14:1-4፣ 2 ዜና 20:17) ብዛዕባ እዚ ኣብነታት እዚ ኣስተንትን። ከምኡ እንተ ጌርካ፡ ነቲ ሕጂ ዀነ ኣብ መጻኢ ምስ ውድባዊ ስርዓት ክትተሓባበር ዘሎካ ቘራጽነት ኬደልድሎ እዩ። (እብ. 13:17) በዚ ኸምዚ፡ ነቲ ኣብ ቀረባ ግዜ ዚመጽእ ብርቱዕ ህቦብላ ኣይክትፈርሆን ኢኻ።—ምሳ. 3:25

ዘይፍትሓውነት ክንጻወር እተድልየና እምነት

ብቐጻሊ ምጽላይ፡ ንእምነትና የደልድላ (ሕጡብ ጽሑፍ 12 ርአ)

12. ሉቃስ 18:1-8 ኣብ መንጎ እምነትን ኣብ መንጎ ዘይፍትሓውነት ምጽዋርን እንታይ ምትእስሳር እያ ገይራ ዘላ፧

12 የሱስ፡ ዘይፍትሓውነት ንእምነት ደቀ መዛሙርቱ ኸም ዚፍትና ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ነዚ ምእንቲ ኺጻወርዎ ኸኣ፡ ኣብ መጽሓፍ ሉቃስ ተመዝጊባ እትርከብ ምሳሌ ኣዘንትዩሎም እዩ። ኣብታ ምሳሌኡ፡ ብዛዕባ ሓንቲ ፍትሒ ደልያ ናብ ሓደ ዓማጺ ፈራዲ ብቐጻሊ እትጠርዕ መበለት ኣዘንትዩ ኣሎ። ብቐጻሊ እተቕርቦ ልማኖ፡ ፍረ ኸም ዜፍርየላ ርግጸኛ እያ ነይራ። ኣብ መወዳእታ፡ እቲ ፈራዲ ንልማኖኣ ሰምዓ። ካብዚ እንታይ ንምሃር፧ የሆዋ ዓማጺ ኣይኰነን። ስለዚ የሱስ፡ “ኣምላኽ ግዳ . . . ነቶም መዓልትን ለይትን ናብኡ ዚጭርሑ ሕሩያቱ ፍትሒዶ ኣየውጽኣሎምን፧” ኢሉ ተዛሪቡ እዩ። (ሉቃስ 18:1-8 ኣንብብ።) ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ፡ “ወዲ ሰብ ምስ መጸ ግና፡ ነዛ እምነት እዚኣ ደዀን ኣብ ምድሪ ኺረኽባ እዩ፧” ዚብል ሕቶ ኣቕሪቡ እዩ። ኣደዳ ዘይፍትሓዊ ተግባራት ክንከውን ከለና፡ ከምታ መበለት ድልድልቲ እምነት ከም ዘላትና ብትዕግስትናን ብጽንዓትናን ከነርኢ ኣሎና። እዛ እምነት እዚኣ እንተ ኣልያትና፡ ይውዓል ይሕደር የሆዋ ስጕምቲ ኸም ዚወስድ ርግጸኛታት ንኸውን ኢና። ጸሎት ሓይሊ ኸም ዘለዎ እውን ክንኣምን ኣሎና። ሓድሓደ ግዜ፡ ጸሎትና ዘይተጸበናዮ ነገር የምጽእ እዩ።

13. ኣደዳ ዘይፍትሓዊ ተግባር ንዝዀኑ ኣባላት ስድራ ቤት ጸሎት ዝሓገዞም ብኸመይ እዩ፧

13 ተመክሮ ሓንቲ ኣብ ደሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ እትነብር ቬሮ ዝስማ ሓብቲ እስከ ንርአ። ሚሊሽያ ኣብታ እትነብረላ ቝሸት መጥቃዕቲ ምስ ፈነዉ፡ ቬሮን ዘይኣማኒ ሰብኣያን ጓል 15 ዓመት ጓሎምን ኪሃድሙ ተገደዱ። ኣብ መገዲ ኸኣ፡ እቶም ሚሊሽያ ኣብ ዚቈጻጸርዎ ነቝጣ ፍተሻ በጽሑ፣ ንሳቶም ከኣ ኣሰርዎም፡ ኪቐትልዎም ምዃኖም እውን ኣጕባዕብዑሎም። ቬሮ ኽትበኪ ምስ ጀመረት፡ ጓላ ዓው ኢላ ብምጽላይን ኣብ ጸሎታ ስም የሆዋ ብተደጋጋሚ ብምጥቃስን ከተህድኣ ፈተነት። ጸሎታ ምስ ወድአት፡ ኣዛዚ እቶም ሚሊሽያ፡ “መን ጸሎት ምሂሩኪ፧” ኢሉ ሓተታ። ንሳ ድማ፡ “በቲ ኣብ ማቴዎስ 6:9-13 ዚርከብ ኣብነት ገይራ ኣደይ እያ ምሂራትኒ” ኢላ መለሰትሉ። ሽዑ እቲ ኣዛዚ፡ “ምስ ወለድኺ ብሰላም ኪዲ፣ የሆዋ ኣምላኽኪ እውን የዕቍብኪ!” በላ።

14. እንታይ እዩ ንእምነትና ኺፍትና ዚኽእል፧ ክንጻወር ዚሕግዘናኸ እንታይ እዩ፧

14 ከምዚ ዝበለ ተመክሮታት፡ ንኣገዳስነት ጸሎት ፈጺምና ኸይንርስዕ ይምህረና እዩ። ጸሎትካ ግና ብቕልጡፍ ወይ ብትንግርታዊ መገዲ እንተ ዘይተመለሰኸ፧ ከምታ ኣብ ምሳሌ የሱስ እተጠቕሰት መበለት፡ ኣምላኽ ከም ዘይሓድገካ፡ ብግዜኡን ብመገዱን እውን ከም ዚምልሰልካ እናኣመንካ ብቐጻሊ ጸሊ። መንፈስ ቅዱስ ንምርካብ ንየሆዋ ብቐጻሊ ለምኖ። (ፊል. 4:13) ኣብ ቀረባ ግዜ፡ የሆዋ ኣብዚሑ ስለ ዚባርኸካ፡ ዝሓለፈ መከራኻ ብምሉኡ ኸም እትርስዖ ዘክር። ብሓገዝ የሆዋ ፈተናታት ብተኣማንነት ምስ ተጻወርካ፡ ንመጻኢ ዜድሊ ብርታዐ ኽትረክብ ኢኻ።—1 ጴጥ. 1:6, 7

ዕንቅፋታት ንምስጋር እተድልየና እምነት

15. ኣብ ማቴዎስ 17:19, 20 ተመዝጊቡ ኸም ዘሎ፡ እንታይ ብድሆታት እዩ ንደቀ መዛሙርቲ የሱስ ኣጓኒፍዎም፧

15 የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ እምነት ዕንቅፋታት ኪሰግሩ ኸም እትሕግዞም ምሂርዎም እዩ። (ማቴዎስ 17:19, 20 ኣንብብ።) ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ ከምቲ ኣብ ካልእ ግዜ ኺገብርዎ ዝኸኣሉ፡ ኣጋንንቲ ኼውጽኡ ኣይከኣሉን። እቲ ጸገም እንታይ እዩ ነይሩ፧ የሱስ ከም ዝገለጾ፡ ጕድለት እምነት እዩ ነይሩ። ስለዚ፡ እኹል እምነት እንተ ሃልይዎም፡ ከም ከረን ዝበለ ዕንቅፋት ኬግዕዙ ኸም ዚኽእሉ ነጊርዎም እዩ። ሎሚ፡ ንሕና እውን ዘይስገር ዚመስል ብድሆታት የጓንፈና እዩ።

ብርቱዕ ሓዘን የጓንፈና ይኸውን፣ እምነት ግና ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ትሑዛት ክንከውን ትሕግዘና (ሕጡብ ጽሑፍ 16 ርአ)

16. ጌዲ ብርቱዕ ሓዘን ምስ ኣጋጠማ፡ እምነታ ነዚ ኽትጻወር ዝሓገዘታ ብኸመይ እያ፧

16 ተመክሮ ሓንቲ ኣብ ጓተማላ እትነብር ጌዲ ዝስማ ሓብቲ እስከ ንርአ። ንሳ ምስ ሰብኣያ ኢዲ ኻብ ኣኼባ ጉባኤ ኽትምለስ ከላ፡ ሰብኣያ ተቐትለ። እሞ ደኣ ጌዲ ነዚ ዓብዪ ሓዘን እዚ ምእንቲ ኽትክእሎ፡ እምነታ ብኸመይ ሓጊዛታ፧ ከምዚ ትብል፦ “ጾረይ ናብ የሆዋ ምእንቲ ኽድርቢ፡ ጸሎት ሓጊዙኒ እዩ፣ እዚ እውን ሰላም ይህበኒ እዩ። የሆዋ ብቤተ ሰበይን ኣብ ጉባኤ ብዘለዉ ፈተውተይን ኣቢሉ ኺከናኸነኒ እርኢ እየ። ኣብ ኣገልግሎት ትሕዝቲ ምዃነይ፡ ሓዘነይ የፍኵሰለይ፡ ብዛዕባ ጽባሕ ከይተጨነቕኩ ኣብ ሎሚ ኸተኵር እውን የኽእለኒ እዩ። በዚ ድሕሪ ምሕላፈይ፡ ኣብ መጻኢ ዝዀነ ዓይነት ፈተና እኳ እንተ መጸ፡ ብሓገዝ የሆዋን የሱስን ውድቡን ክሰግሮ ኸም ዝኽእል ፈሊጠ እየ።”

17. ከም ከረን ዝበለ ዕንቅፋት ኬጋጥመና ኸሎ፡ እንታይ ኢና ኽንገብር እንኽእል፧

17 ብሞት እትፈትዎ ሰብካ ትሓዝን ዘለኻ ዲኻ፧ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ዛንታታት ትንሳኤ ብምንባብ፡ ግዜ ወሲድካ ኣብ ተስፋ ትንሳኤ ዘሎካ እምነት ኣደልድል። ኣባል ስድራ ቤትካ ስለ እተወገደ ትሓዝን ዘለኻ ዲኻ፧ ኣምላኽ ተግሳጽ ዚህበሉ መገዲ ወትሩ ብሉጽ ምዃኑ ንምእማን ዜኽእል መጽናዕቲ ግበር። ዝዀነ ጸገም እኳ እንተ ኣጓነፈካ፡ እምነትካ ንምህናጽ ተጠቐመሉ። ልብኻ ናብ የሆዋ ኣፍስስ። ርእስኻ ኣይትፍለ፣ የግዳስ፡ ናብ ኣሕዋትካን ኣሓትካን ልገብ። (ምሳ. 18:1) ዋላ እውን እናነባዕካ፡ ክትጻወር ኣብ ዚሕግዘካ ንጥፈታት ተሳተፍ። (መዝ. 126:5, 6) ኣዘውቲርካ ኣብ ኣኼባታት ተኣከብ፡ ኣብ ስብከት ተሳተፍ፡ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ኣንብብ። ኣብቲ የሆዋ ኣንቢሩልካ ዘሎ ዜደንቕ በረኸት እውን ኣተኵር። የሆዋ ብኸመይ ከም ዚሕግዘካ ምስ ረኣኻ፡ ኣብኡ ዘላትካ እምነት ብዝያዳ ኽትድልድል እያ።

“እምነት ወስኸና”

18. ኣብ እምነትካ ድኽመት እንተ ርኢኻ፡ እንታይ ኢኻ ኽትገብር እትኽእል፧

18 ኣብ ዝሓለፈ ወይ ሕጂ ዘጋጠመካ ፈተናታት፡ ኣብ እምነትካ ድኽመት ከም ዘሎ እንተ ኣቃሊዑ፡ በዚ ተስፋ ኣይትቝረጽ። እምነትካ ንምድልዳል ኣጋጣሚ ኸም ዝረኸብካ ጌርካ ርኣዮ። ከምቶም ሃዋርያት የሱስ፡ “እምነት ወስኸና” ኢልካ ለምን። (ሉቃ. 17:5) ብዛዕባ እቶም ኣብዛ ዓንቀጽ እተጠቕሱ ኣብነታት እውን ኣስተንትን። ከም ሚገልን ዩራይን፡ ንዅሉ እቲ የሆዋ ሓገዝ ዝሃበሉ እዋናት ዘክሮ። ከም ጓል ቬሮን ኣነልን፡ ምናዳ ብርቱዕ ጸገም ኬጋጥመካ ኸሎ፡ ብጽኑዕ ናብ የሆዋ ጸሊ። ከም ጌዲ ኸኣ፡ የሆዋ ብቤተ ሰብ ወይ ብፈተውቲ ኣቢሉ ዜድሊ ሓገዝ ከም ዚህብ ፍለጥ። ነቲ ሕጂ ዜጋጥመካ ፈተናታት ኽትሰግር የሆዋ ኺሕግዘካ እንተ ፈቒድካ፡ ኣብቲ ኣብ መጻኢ ዜጋጥም ዝዀነ ፈተና ኸም ዚሕግዘካ ብዝያዳ ርግጸኛ ኽትከውን ኢኻ።

19. ብዛዕባ እንታይ እዩ የሱስ ርግጸኛ ነይሩ፧ ንስኻኸ ብዛዕባ እንታይ ኢኻ ርግጸኛ ኽትከውን እትኽእል፧

19 የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ እምነቶም ዝጐደለሉ መዳያት ሓቢርዎም እዩ፣ ብሓገዝ የሆዋ ኣብ መጻኢ ዜጋጥሞም ፈተና ኸም ዚሰግሩ ግና ኣይተጠራጠረን። (ዮሃ. 14:1፣ 16:33) ድልድልቲ እምነት ዘላቶም ብዙሓት ህዝቢ ነቲ ብርቱዕ ጸበባ ኸም ዚሰግሩ ርግጸኛ እዩ ነይሩ። (ራእ. 7:9, 14) ንስኻኸ ሓደ ኻባታቶም ክትከውን ዲኻ፧ ሕጂ ነቲ ንእምነትካ ንምህናጽን ንምድልዳልን እትረኽቦ ዅሉ ኣጋጣሚታት እንተ ተጠቒምካሉ፡ ብጸጋ የሆዋ ሓደ ኻባታቶም ክትከውን ኢኻ!—እብ. 10:39

መዝሙር 118 “እምነት ወስኸና”

^ ሕ.ጽ. 5 ንመወዳእታ እዚ ስርዓት እዚ ብሃንቀውታ ንጽበዮ ኢና። ሓድሓደ ግዜ ግና፡ እምነትና ነቲ እዋን እቲ ኸተሳግረና ትኽእል እንተ ዀይና ንሓስብ ኢና። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ እምነትና ንምድልዳል ዚሕግዘና ተመክሮታትን ግብራዊ ትምህርትታትን ክንርኢ ኢና።