ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 45

ወትሩ ንሓድሕድና ብተኣማንነት ንፋቐር

ወትሩ ንሓድሕድና ብተኣማንነት ንፋቐር

“ንሓድሕድኩም ከኣ ብተኣማንነት ተፋቐሩን ተምሓሓሩን።”—ዘካ. 7:9

መዝሙር 107 ፍቕሪ ኣምላኽ

መላለዪ *

1-2. ንሓድሕድና ብተኣማንነት ክንፋቐር እንታይ ጽቡቕ ምኽንያታት ኣሎና፧

 ንሓድሕድና ብተኣማንነት ክንፋቐር ዜኽእለና ጽቡቕ ምኽንያታት ኣሎና። ገለ ኻብዚ እንታይ እዩ፧ እዚ ብድራኸ መንፈስ እተጻሕፈ ምስላታት ነዛ ሕቶ ዚህቦ መልሲ እስከ ንርአ፦ “ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕርን ተኣማንነትን ካባኻ ኣይፈለ። . . . ሽዑ፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ኣምላኽን ሰብን ሞገስን ጽቡቕ ልቦናን ክትረክብ ኢኻ።” “ብተኣማንነት ዜፍቅር ሰብ ንርእሱ ይጠቅም።” “ንጽድቅን ብተኣማንነት ንዚርአ ፍቕርን ዚስዕብ፡ ህይወት . . . ይረክብ።”—ምሳ. 3:3, 4፣ 11:17፡ እ.ጽ.፣ 21:21

2 እዚ ምስላታት እዚ፡ ብተኣማንነት ከነፍቅረሉ ዚግባእ ሰለስተ ምኽንያታት ይዝርዝር እዩ። ቀዳማይ፡ ብተኣማንነት ምፍቃር ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ኣምላኽ ክቡራት ይገብረና እዩ። ካልኣይ፡ ብተኣማንነት ነፍቅር እንተ ዄንና፡ ንርእስና ንጠቅም ኢና። ንኣብነት፡ ምስ ካልኦት ነባሪ ዕርክነት ንምስርት ኢና። ሳልሳይ፡ ብተኣማንነት ንዚርአ ፍቕሪ ምስዓብ፡ ናብ ናይ መጻኢ በረኸት፡ እንተላይ ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ይመርሕ። እወ፡ ነቲ የሆዋ፡ “ንሓድሕድኩም ከኣ ብተኣማንነት ተፋቐሩን ተምሓሓሩን” ኢሉ ዝሃበና መዘኻኸሪ ንምስዓብ ጽቡቕ ምኽንያታት ኣሎና።—ዘካ. 7:9

3. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ሕቶታት ኢና ኽንምርምር፧

3 ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ንኣርባዕተ ሕቶታት መልሲ ኽንረኽበሉ ኢና። ንመን ኢና ብተኣማንነት ከነፍቅር ዘሎና፧ ካብ መጽሓፍ ሩት ብተኣማንነት ብዛዕባ እትርአ ፍቕሪ እንታይ ንምሃር፧ ሎሚ ብተኣማንነት ከነፍቅር እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ እቶም ብተኣማንነት ዜፍቅሩ እንታይ ጥቕምታት ይረኽቡ፧

ንመን ኢና ብተኣማንነት ከነፍቅር ዘሎና፧

4. ብተኣማንነት ብምፍቃር ዝመጸ ኸመይ ጌርና ኢና ንየሆዋ ኽንመስሎ እንኽእል፧ (ማርቆስ 10:29, 30)

4 ኣብ ዝሓለፈት ዓንቀጽ ከም ዝረኣናዮ፡ የሆዋ ነቶም ዜፍቅርዎን ዜገልግልዎን ጥራይ እዩ ብተኣማንነት ዜፍቅሮም ወይ ብቐጻሊ ምሳታቶም ብፍቕሪ ዚለግብ። (ዳን. 9:4) ንሕና ኸኣ ‘ከም ፍቑራት ውሉዳት፡ ንኣምላኽ ክንመስሎ’ ኢና እንደሊ። (ኤፌ. 5:1) ስለዚ፡ ንመንፈሳውያን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብተኣማንነት ከነፍቅሮም ንደሊ ኢና።—ማርቆስ 10:29, 30 ኣንብብ።

5-6. እታ “ተኣማንነት” እትብል ቃል ንምንታይ ከተመልክት ትኽእል፧

5 ትርጉም እታ ብተኣማንነት እትርአ ፍቕሪ ብእተረድኣና መጠን፡ ንክርስትያናት ብጾትና ብዝሓሸ መገዲ ብተኣማንነት ከነፍቅሮም ከም እንኽእል መሸም ብርግጽ ትሰማማዓሉ ኢኻ። ብዛዕባ እታ ብተኣማንነት እትርአ ፍቕሪ ዘሎና ርድኢት ንምዕማቝ፡ ምስቲ መብዛሕትኡ ሰብ ንተኣማንነት ዚርድኣሉ መገዲ ነነጻጽራ። ሓደ ኣብነት እስከ ንርአ።

 6 ሎሚ፡ ሓደ ንነዊሕ እዋን ኣብ ሓደ ትካል ዝሰርሐ ሰብ፡ እሙን ሰራሕተኛ ይብሃል እዩ። ኣብ ኵሉ እቲ ምስቲ ትካል ዝጸንሓሉ ዓመታት ግና፡ ምስ ዋላ ሓደ ኻብቶም ወነንቲ እቲ ትካል ኣይራኸብን ይኸውን። ምስ ኣሰራርሓ እታ ትካል ፈጺሙ ኣይሰማማዕን ይኸውን። ነታ ትካል ኣይፈትዋን ይኸውን፣ ደሞዙ ዚኸፍሎ ስራሕ ብምርካቡ ግና ሕጉስ እዩ። ካልእ ዝሓሸ ስራሕ እንተ ዘይረኺቡ፡ ጡረታ ኽሳዕ ዚወጽእ ኣብኡ ይሰርሕ ይኸውን።

7-8. (ሀ) ሓደ ሰብ ብተኣማንነት ኬፍቅር ዜለዓዕሎ ድራኸ እንታይ እዩ፧ (ለ) ካብ መጽሓፍ ሩት እተወሰነ ነገራት እንምርምር ስለምንታይ ኢና፧

7 ኣብ መንጎ እታ ኣብ  ሕጡብ ጽሑፍ 6 ተገሊጻ ዘላ ተኣማንነትን ኣብ መንጎ እታ ብተኣማንነት እትርአ ፍቕርን ዘሎ ፍልልይ፡ እቲ ሰብ ነታ ባህርይ ኬርኢ ዜለዓዕሎ ድራኸ እዩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ህዝቢ ኣምላኽ ብተኣማንነት ኬፍቅሩ እተለዓዓሉ ስለምንታይ እዮም፧ ግዴታ ዀይንዎም ዘይኰነስ፡ ልቦም ስለ ዝደረኾም እዩ ብተኣማንነት ዜፍቅሩ። ንኣብነት፡ ዳዊት ዝገበሮ እስከ ንርአ። ሳኦል ኣቦ ዮናታን ኪቐትሎ እናደለየ ኽነሱ፡ ንሱ ግና ነቲ ዚፈትዎ ዓርኩ ዮናታን ብተኣማንነት ኣፍቂርዎ እዩ። ዮናታን ድሕሪ ሙማቱ ሓያሎ ዓመታት ጸኒሑ እኳ፡ ንመፊቦሸት ወዲ ዮናታን ብተኣማንነት ኣፍቂርዎ እዩ።—1 ሳሙ. 20:9, 14, 15፣ 2 ሳሙ. 4:4፣ 8:15፣ 9:1, 6, 7

8 ካብታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ መጽሓፍ ሩት እተወሰነ ገጻት ብምምርማር፡ ብተኣማንነት ብዛዕባ እትርአ ፍቕሪ ብዙሕ ክንምሃር ንኽእል ኢና። ካብቲ ኣብታ መጽሓፍ ዚርከቡ ውልቀ ሰባት፡ ብተኣማንነት ብዛዕባ እትርአ ፍቕሪ እንታይ ንምሃር፧ ነዚ ትምህርትታት እዚ ኣብ ጉባኤና ብኸመይ ክንትግብሮ ንኽእል፧ *

ካብ መጽሓፍ ሩት ብተኣማንነት ብዛዕባ እትርአ ፍቕሪ እንታይ ንምሃር፧

9. ናእሚ፡ የሆዋ ይጻረራ ኸም ዘሎ ዝሓሰበት ስለምንታይ እያ፧

9 ኣብ መጽሓፍ ሩት፡ ዛንታ ናእሚን ሰበይቲ ወዳ ሩትን ዘመድ ሰብኣይ ናእሚ ዝዀነ ፍርሃት ኣምላኽ ዝነበሮ ቦኣዝን ነንብብ ኢና። ኣብ እስራኤል ጥሜት ስለ ዝዀነ፡ ናእሚን ሰብኣያን ክልተ ደቃን ናብ ሞኣብ ገዓዙ። ኣብኡ ኸለዉ ኸኣ፡ ሰብኣይ ናእሚ ሞተ። ድሕርዚ፡ ክልቲኦም ደቃ ተመርዓዉ፣ እቲ ዜሕዝን ግና ንሳቶም እውን ሞቱ። (ሩት 1:3-5፣ 2:1) እዚ ተደራራቢ ሓዘን እዚ፡ ንናእሚ ናብ ቅብጸት ከም እትጥሕል ገይርዋ እዩ። ብሓዘን ስለ እተደቝሰት፡ የሆዋ ይጻረራ ኸም ዘሎ እያ ሓሲባ ነይራ። ብዛዕባ ኣምላኽ ዚስምዓ ስምዒት፡ “ኢድ የሆዋ ኣንጻረይ ኰይና ኣላ፡” ከምኡ ድማ “እቲ ዅሉ ዚኽእል ንህይወተይ ኣዝያ መራር ገይሩዋ እዩ” ብዚብል ቃላት እያ ገሊጻ። ብዘይካዚ እውን፡ “የሆዋ ኻብ ተጻረረኒ፡ እቲ ዅሉ ዚኽእል ድማ መዓት ካብ ኣምጽኣለይሲ” ኢላ ተዛሪባ እያ።—ሩት 1:13, 20, 21

10. የሆዋ ነቲ ናእሚ ተመሪራ እተዛረበቶ ቓላት ምስ ሰምዐ እንታይ እዩ ገይሩ፧

10 እሞ ደኣ የሆዋ ነቲ ናእሚ ተመሪራ እተዛረበቶ ቓላት ምስ ሰምዐ እንታይ እዩ ገይሩ፧ ነታ ሓርቢትዋ ዝነበረት ኣገልጋሊቱ ኣይጠንጠናን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ፡ ድንጋጹ እዩ ኣርእይዋ። ‘ጭቈና ንጥበበኛ ኼጸልሎ ኸም ዚኽእል’ የሆዋ ይፈልጥ እዩ። (መክ. 7:7) ኰይኑ ግና፡ ናእሚ፡ የሆዋ ኣብ ጐድና ምዃኑ ምእንቲ ኺርኣያ ሓገዝ የድልያ ነይሩ እዩ። እሞ ደኣ ኣምላኽ እንታይ ሓገዝ ሂብዋ፧ (1 ሳሙ. 2:8) ንልቢ ሩት ብምድራኽ፡ ንናእሚ ብተኣማንነት ከም እተፍቅራ ገይሩ እዩ። ሩት ከኣ ንሓማታ ብፍታውን ብልእመትን ስምዒታውን መንፈሳውን ሚዛና ኽትሕሉ ሓጊዛታ እያ። ካብ ሩት እንታይ ንምሃር፧

11. ለዋሃት ኣሕዋትን ኣሓትን ነቶም እተጨነቑ ኺድግፍዎም ዚጽዕሩ ስለምንታይ እዮም፧

11 ብተኣማንነት እትርአ ፍቕሪ ነቶም ኣብ ጭንቂ ዘለዉ ኽንድግፎም ትድርኸና። ከምቲ ሩት ናብ ናእሚ ዝለገበት፡ ሎሚ ዘለዉ ለዋሃት ኣሕዋትን ኣሓትን እውን ናብቶም ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ሕልናኦም ዝዓረቦምን እተጨነቑን ብፍታው ይለግቡ እዮም። ንኣሕዋቶምን ንኣሓቶምን የፍቅርዎም እዮም፣ ንምሕጋዞም እውን ዚከኣሎም ንምግባር ህንጡያት እዮም። (ምሳ. 12:25፡ እ.ጽ.፣ 24:10) እዚ ኸኣ ምስቲ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ንእተጨነቑ ኣጸናንዕዎም፡ ንድኹማት ደግፍዎም፡ ንዅሎም ተዓገስዎም” ኢሉ እተዛረቦ ምዕዶ ይሰማማዕ እዩ።—1 ተሰ. 5:14

ጽን ኢልና ብምስማዕ፡ ንሓደ ተስፋ ዝቘረጸ ሓው ወይ ሓብቲ ኽንሕግዝ ንኽእል (ሕጡብ ጽሑፍ 12 ርአ)

12. ንሓደ ተስፋ ዝቘረጸ ሓው ወይ ሓብቲ ኽትሕግዘሉ እትኽእል ብሉጽ መገዲ እንታይ እዩ፧

12 መብዛሕትኡ ግዜ ንሓደ ተስፋ ዝቘረጸ ሓው ወይ ሓብቲ ኽትሕግዘሉ እትኽእል ብሉጽ መገዲ፡ ሰማዒት እዝኒ ብምሃብን ፍቕርኻ ብምርግጋጽን እዩ። የሆዋ ንሓደ ኽቡር በጊዑ ቘላሕታ ኽትህብ ከለኻ የስተብህለሉ እዩ። (መዝ. 41:1) ምሳሌ 19:17፡ “ንትሑት ሞገስ ዜርእዮ፡ ንየሆዋ የለቅሖ፣ ንሱ ኸኣ ከም ግብሩ ይፈድዮ” ትብል።

ዖርጳ ናብ ሞኣብ ክትምለስ ከላ፡ ሩት ግና ናብ ናእሚ እታ ሓማታ ለገበት። ሩት ንናእሚ፡ “ናብ እትኸድዮ እኸይድ” በለታ (ሕጡብ ጽሑፍ 13 ርአ)

13. ሩት ካብ ዖርጳ ብምንታይ እያ እትፍለ ነይራ፧ ውሳነኣ ብተኣማንነት ከም እተፍቅር ዜርኢኸ ብኸመይ እዩ፧ (ኣብ ገበር ዘላ ስእሊ ርአ።)

13 ብዛዕባ እቲ ናእሚ ድሕሪ ሞት ሰብኣያን ክልተ ደቃን ዝረኸበቶ ነገር እንተ ሓሲብና፡ ብተኣማንነት ብዛዕባ እትርአ ፍቕሪ ዝዓመቘ ግንዛበ ንረክብ ኢና። ናእሚ፡ “የሆዋ ንህዝቡ ቘላሕታ ኸም ዝገበረሎም እሞ እንጌራ ኸም ዝሃቦም” ምስ ሰምዐት፡ ናብ ዓዳ ኽትምለስ ወሰነት። (ሩት 1:6) ክልቲአን ኣንስቲ ደቃ ኸኣ ምስኣ ነቐላ። ኣብ መገዲ ግና፡ ናእሚ ነተን ኣንስቲ ደቃ ናብ ሞኣብ ኪምለሳ ሰለስተ ሳዕ ተማሕጸነተን። ሽዑ ደኣኸ እንታይ ምላሽ ሂበን፧ “ዖርጳ ንሓማታ ስዒማታ ኸደት። ሩት ግና ምስኣ ለገበት” ዚብል ነንብብ። (ሩት 1:7-14) ዖርጳ ኽትምለስ ብምውሳን፡ ከምቲ ናእሚ ዝበለታ እያ ገይራ፣ ከምቲ ትጽቢት እተገብረላ እያ ገይራ። ሩት ግና ካብቲ ትጽቢት እተገብረላ ንላዕሊ እያ ገይራ። ንሳ እውን ክትምለስ ትኽእል ነይራ እያ፣ ነታ እተሸገረት ዘመዳ ብተኣማንነት ስለ እተፍቅራ ግና ክትድግፋ ወሰነት። (ሩት 1:16, 17) ሩት ግዴታ ዀይንዋ ዘይኰነስ፡ ብድሌታ ምስ ናእሚ ለገበት። እዚ ውሳነኣ፡ ብሓቂ ብተኣማንነት ከም እተፍቅር ዜርኢ እዩ ነይሩ። ካብዚ ዛንታ እዚ እንታይ ንምሃር፧

14. (ሀ) ሎሚ ፈቃራት ኣሕዋትን ኣሓትን ብፍታዎም እንታይ እዮም ዚገብሩ፧ (ለ) ብመሰረት እብራውያን 13:16፡ እንታይ መስዋእትታት እዩ ንየሆዋ ባህ ዜብሎ፧

14 ብተኣማንነት እትርአ ፍቕሪ ሓለፋ እቲ ትጽቢት ዚግበሮ ነገር ትገብር። ሎሚ እውን ከም ቀደም፡ ብዙሓት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣመንቲ ንዝዀኑ ብጾቶም፡ እንተላይ ነቶም ብኣካል ዘይፈልጥዎም ብተኣማንነት የፍቅሩ እዮም። ንኣብነት፡ ባህርያዊ ሓደጋ ከም ዘጋጠመ ምስ ሰምዑ፡ ብኸመይ ኪሕግዙ ኸም ዚኽእሉ ኺፈልጡ ይደልዩ እዮም። ኣብ ጉባኤ ዘሎ ክርስትያን ናይ መነባብሮ ጸገም ምስ ዜጋጥሞ፡ ብግብራዊ መገዲ ንምድጋፍ ድሕር ኣይብሉን እዮም። ከምቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ሰብ መቄዶንያ፡ ሓለፋ እቲ ትጽቢት እተገብረሎም ነገር ይገብሩ እዮም። ንእተሸገሩ ኣሕዋቶም ንምድጋፍ፡ ብሕታዊ መስዋእቲ ይገብሩ፡ “ሓለፋ ዓቕሞም እውን” ይህቡ እዮም። (2 ቈረ. 8:3) የሆዋ መሸም በዚ ናይ ፍቕሪ መንፈስ እዚ ኣዝዩ ባህ ይብሎ ኪኸውን ኣለዎ!—እብራውያን 13:16 ኣንብብ።

ሎሚ ብተኣማንነት ከነፍቅር እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

15-16. ሩት ዘይትሕለል ምዃና ዘርኣየት ብኸመይ እያ፧

15 ሩት ንናእሚ ብኸመይ ከም ዝሓገዘታ ብምምርማር፡ ብዙሕ ጽቡቕ ትምህርትታት ንረክብ ኢና። ሒደት ካብኡ እስከ ንርአ።

16 ኣይትተሓለል። ሩት ምስ ሓማታ ናብ ይሁዳ ኽትከይድ ፍቓደኛ ምዃና ምስ ገለጸት፡ ናእሚ ኣብ መጀመርታ ኣብያታ ነይራ እያ። ሩት ግና ኣይተሓለለትን። እዚኸ እንታይ ኣፍርዩ፧ እቲ ዛንታ፡ “ናእሚ ድማ ሩት ምስኣ ኽትከይድ ከም ዝቘረጸት ምስ ረኣየት፡ ከተእምና ምፍታን ሓደገቶ” ይብለና።—ሩት 1:15-18

17. ብቐሊሉ ኸይንሕለል ዚሕግዘና እንታይ እዩ፧

17 ኣወዓዕላ፦ ንእተጨነቑ ምሕጋዝ ትዕግስቲ ይሓትት እዩ፣ ኰይኑ ግና፡ ብኣታቶም ተስፋ ኽንቈርጽ የብልናን። ሓገዝ ዜድልያ ሓብቲ፡ ኣብ ፈለማ ሓገዝ ምቕባል ትኣቢ ትኸውን። * ኰይኑ ግና፡ ብተኣማንነት እነፍቅራ እንተ ዄንና፡ ናብኣ ንምልጋብ ዚከኣለና ኽንገብር ንድረኽ ኢና። (ገላ. 6:2) ውዒላ ሓዲራ ንምሕዝነትና ኸም እትቕበሎን ኣብ ጸገማ ኽንሕግዛ ኸም እተፍቅደልናን ተስፋ ንገብር ኢና።

18. ሩት እንታይ ነገር እዩ ኸቢድዋ ኪኸውን ዚኽእል፧

18 ቅር ኣይበልካ። ናእሚን ሩትን ናብ ቤት-ልሄም ምስ በጽሓ፡ ናእሚ ምስ ናይ ቀደም ጐረባብታ ተራኸበት። ንዓታተን ከኣ፡ “ክኸይድ ከለኹ ምሉእ ነይሩኒ፡ የሆዋ ግና ጥራይ ኢደይ መለሰኒ” በለተን። (ሩት 1:21) ሩት ነዚ ናእሚ እተዛረበቶ ዘረባ ምስ ሰምዐት፡ እንታይ ተሰሚዕዋ ኪኸውን ከም ዚኽእል እሞ ገምቶ! ሩት ንናእሚ ኽትሕግዛ ኢላ ዚከኣላ እያ ገይራ። ምስኣ ነቢዓ፡ ኣጸናኒዓታ፡ ንመዓልትታት እውን ብእግራ ተጓዒዛ እያ። እዚ ዅሉ ገይራ ኽነሳ ግና፡ ናእሚ፡ “የሆዋ ግና ጥራይ ኢደይ መለሰኒ” ኢላ ተዛሪባ። ናእሚ ነዚ ቓላት እዚ ብምዝራባ፡ ነታ ኣብ ጐድና ዝነበረት ሩት ዝገበረትላ ደገፍ ዋጋ ኸም ዘይሃበቶ እዩ ዚመስል። እዚ ንሩት ከቢድ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ! ኰይኑ ግና፡ ምስ ናእሚ ለገበት።

19. ምስ ሓንቲ ኣብ ጭንቂ ዘላ ሓብቲ ኽንለግብ ዚሕግዘና እንታይ እዩ፧

19 ኣወዓዕላ፦ ሎሚ፡ ኣብ ጭንቂ ዘላ ሓብቲ ንምሕጋዛ ብዙሕ ጻዕሪ እናተገብረ ኽነሱ፡ ኣብ ፈለማ ጐዳኢ ዘረባ ትዛረብ ትኸውን። በዚ ግና ቅር ኪብለና የብሉን። የግዳስ፡ ምስታ እተሸገረት ሓብትና ንለግብ ኢና፣ ንዓኣ እነጸናንዓሉ መገዲ ኽንረክብ እውን ካብ የሆዋ ሓገዝ ንልምን ኢና።—ምሳ. 17:17

ሎሚ፡ ክርስትያን ሽማግለታት ንቦኣዝ ብኸመይ ኪመስልዎ ይኽእሉ፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 20-21 ርአ)

20. እንታይ እዩ ንሩት ከይትሕለል ብርታዐ ዝሃባ፧

20 እዋናዊ መተባብዒ ሃብ። ሩት ንናእሚ ብተኣማንነት እያ ኣፍቂራታ። ድሕሪኡ ግና፡ ሩት ንባዕላ እውን መተባብዒ ኣድለያ። የሆዋ ድማ ብቦኣዝ ገይሩ ኣተባብዓ። ቦኣዝ ንሩት፡ “የሆዋ ኸም ግብርኺ ይፍደኺ፣ ካብቲ ኣብ ትሕቲ ኣኽናፉ እተማዕቈብክሉ የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ድማ ዓስብኺ ምሉእ ይኹን” ኢሉ ተዛረባ። እዚ ልቢ ዚትንኪ ቓላት ንሩት ውሽጣ ስለ ዝተንከያ ኸኣ፡ ንቦኣዝ፡ “ንገረድካ ኣጸናኒዓካንን ልበይ ዜቕስን ተዛሪብካንን ኢኻ” ኢላ መለሰትሉ። (ሩት 2:12, 13) እቲ ቦኣዝ እተዛረቦ እዋናዊ ቓላት ንሩት፡ ከይትሕለል ብርታዐ ሂብዋ እዩ።

21. ኣብ ኢሳይያስ 32:1, 2 ተገሊጹ ኸም ዘሎ፡ ሓለይቲ ሽማግለታት እንታይ እዮም ዚገብሩ፧

21 ኣወዓዕላ፦ እቶም ብተኣማንነት ዜፍቅሩ ዘበሉ ሓድሓደ ግዜ መተባብዒ የድልዮም እዩ። ከምቲ ቦኣዝ ንሩት፡ ለውሃታ ዕሽሽ ከም ዘይተባህለ ዘረጋገጸላ፡ ሎሚ ዘለዉ ኣስተብሃልቲ ሽማግለታት እውን ንፈቃራት ኣሕዋትን ኣሓትን ስለቲ ዚህብዎ ሓገዝ ይንእድዎም እዮም። ከምዚ ዝበለ እዋናውን ጽቡቕን ናእዳ፡ ንኣሕዋትን ንኣሓትን ከይተሓለሉ ሰናይ ግብሮም ኪቕጽሉ ብርታዐ ይዀኖም እዩ።—ኢሳይያስ 32:1, 2 ኣንብብ።

እቶም ብተኣማንነት ዜፍቅሩ እንታይ ጥቕምታት ይረኽቡ፧

22-23. ኣረኣእያ ናእሚ ብኸመይ ተቐዪሩ፧ ስለምንታይከ፧ (መዝሙር 136:23, 26)

22 እተወሰነ ግዜ ምስ ሓለፈ፡ ቦኣዝ ንሩትን ንናእሚን ብልግሲ እኽሊ ሃበን። (ሩት 2:14-18) ናእሚ ንልግሲ ቦኣዝ ምስ ረኣየት እንታይ ኢላ እያ ተዛሪባ፧ “እቲ ንህያዋንን ንምዉታትን ብተኣማንነት ምፍቃር ዘይሓደገ የሆዋ ይባርኮ” እያ ኢላ። (ሩት 2:20ሀ) እዚ ንናእሚ ዓብዪ ነጥበ መቐይሮ እዩ ነይሩ። ኣቐዲማ ኻብ ስቓያ እተላዕለ፡ ‘የሆዋ ተጻሪሩኒ’ ኢላ እያ ተዛሪባ፣ ኣብዚ ግና ብታሕጓስ፡ ‘የሆዋ ብተኣማንነት ምፍቃር ኣይሓደገን’ እያ እትብል ዘላ። ኣብ ኣረኣእያኣ ለውጢ ኽትገብር ኣበርክቶ ዝገበረ እንታይ ኪኸውን ይኽእል፧

23 ኣብ መወዳእታ፡ ናእሚ ኢድ የሆዋ ኣብ ህይወታ ኽትርኢ ጀመረት። የሆዋ ብሩት ገይሩ ኣብቲ ናብ ይሁዳ ዝገበረቶ ጕዕዞ ደጊፍዋ እዩ። (ሩት 1:16) ሓደ ኻብቶም ‘ተበጀውተን’ ዝነበረ ቦኣዝ ነተን ክልተ ኣንስቲ ብፍቕሪ ተደሪኹ ምስ ለገሰለን እውን፡ ናእሚ ኢድ የሆዋ ርእያ እያ። * (ሩት 2:19, 20ለ) ‘ኣሃ፡ ሕጂ ተረዲኡኒ። የሆዋ ፈጺሙ ኣይሓደገንን። ኣብዚ ዅሉ እዋን ካባይ ኣይተፈልየን!’ ኢላ ሓሲባ ኽትከውን ኣለዋ። (መዝሙር 136:23, 26 ኣንብብ።) ሩትን ቦኣዝን ብእኣ ተስፋ ብዘይምቝራጾምሲ፡ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኣመስጊና ኽትከውን ኣለዋ! በቲ ጽቡቕ ፍረ ሰለስቲኦም ተሓጒሶም ኪዀኑ ኣለዎም።

24. ንክርስትያናት ብጾትና ወትሩ ብተኣማንነት ከነፍቅሮም እንደሊ ስለምንታይ ኢና፧

24 ካብ መጽሓፍ ሩት፡ ብተኣማንነት ብዛዕባ እትርአ ፍቕሪ እንታይ ተማሂርና፧ ብተኣማንነት እትርአ ፍቕሪ በቶም ኣብ ጭንቂ ዘለዉ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብቐሊሉ ተስፋ ኸይንቘርጽ ትድርኸና። ንምሕጋዞም መስዋእቲ ኽንገብር እውን ትድርኸና። ሽማግለታት ነቶም ንኻልኦት ብተኣማንነት ዜፍቅሩ ዘበሉ እዋናውን ጽቡቕን ናእዳ ኺህብዎም ኣለዎም። እቶም እተሸገሩ መንፈሳዊ ብርታዐ ኺረኽቡ እንተ ርኢና፡ ዓሚቝ ሓጐስ እዩ ዚስምዓና። (ግብ. 20:35) ወትሩ ብተኣማንነት እነፍቅረሉ ቐንዲ ምኽንያት ግና እንታይ እዩ፧ ነቲ “ብዓል ብዙሕ ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕሪ” ዝዀነ የሆዋ ኽንመስሎን ባህ ከነብሎን ስለ እንደሊ እዩ።—ዘጸ. 34:6፣ መዝ. 33:22

መዝሙር 130 ይቕረ በሃልቲ ንኹን

^ ሕ.ጽ. 5 የሆዋ ኣብ ጉባኤ ንዘለዉ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብተኣማንነት ከነፍቅሮም ይደልየና እዩ። ገሊኦም ኣብ ሕሉፍ ግዜያት ዝነበሩ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ከመይ ገይሮም ብተኣማንነት ከም ዘፍቀሩ ብምምርማር፡ ብዛዕባ እዛ ባህርይ እዚኣ ዘሎና ርድኢት ከነዕምቝ ንኽእል ኢና። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ካብ ሩትን ናእሚን ቦኣዝን እንታይ ክንምሃር ከም እንኽእል ክንርኢ ኢና።

^ ሕ.ጽ. 8 ካብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ኽትጥቀም፡ ሩት ምዕራፍ 1ን 2ን ከተንብብ ነተባብዓካ።

^ ሕ.ጽ. 17 ካብ ናእሚ እንምሃሮ ነገራት ንርኢ ስለ ዘለና፡ ሓገዝ ብዛዕባ ዜድልየን ኣሓት ንገልጽ ኣለና። ኣብዛ ዓንቀጽ ዘሎ ነጥብታት ግና፡ ብማዕረ ንኣሕዋት ይምልከት እዩ።

^ ሕ.ጽ. 23 ቦኣዝ ከም ተበጃዊ መጠን ብዛዕባ ዝነበሮ ግደ ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብ ናይ 1 ጥቅምቲ 2012 ግምቢ ዘብዐኛ፡ ገጽ 20 ዝወጸት፡ “ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ—‘ደጊ ሰበይቲ’” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።