ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 44

የሆዋ ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሪ ንዓኻ እንታይ ትርጉም ኣለዎ፧

የሆዋ ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሪ ንዓኻ እንታይ ትርጉም ኣለዎ፧

“ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ [ፍቕሪ የሆዋ] ንዘለኣለም ይነብር እዩ።”—መዝ. 136:1

መዝሙር 108 ኣምላኽና ብተኣማንነት የፍቅር

መላለዪ *

1. የሆዋ እንታይ መተባብዒ እዩ ሂቡና ዘሎ፧

 የሆዋ ብተኣማንነት ብዚርአ ፍቕሪ ደስ ይብሎ እዩ። (ሆሴ. 6:6) ንኣገልገልቱ ኸምኡ ኺገብሩ ኸኣ የተባብዖም እዩ። ብነብዪ ሚክያስ ኣቢሉ እውን፡ “ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕሪ ኽትፈቱ” ብምባል እንታይ ከም ዚደሊ ሓቢሩና ኣሎ። (ሚክ. 6:8፡ እ.ጽ.) ከምኡ ንምግባር ግና፡ ብተኣማንነት እትርአ ፍቕሪ እንታይ ምዃና ኽንፈልጥ ኣሎና።

2. ብተኣማንነት እትርአ ፍቕሪ እንታይ እያ፧

2 ብተኣማንነት እትርአ ፍቕሪ እንታይ እያ፧ እዚ “ብተኣማንነት እትርአ ፍቕሪ” ዚብል መግለጺ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም ኣስታት 230 ሳዕ ይርከብ። እዛ ባህርይ እዚኣ እንታይ እያ፧ ብመሰረት እቲ ኣብቲ ትርጉም መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ “ማህደረ ቓላት መጽሓፍ ቅዱስ፡” እዛ ባህርይ እዚኣ፡ “ነታ ብቓልን ብንጽህናን ብተኣማንነትን ተደሪኽካ እትርአ ፍቕሪ ተመልክት። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ኣምላኽ ንሰባት ምስ ዜርእዮም ፍቕሪ ተተሓሒዙ ተዓይዩላ እኳ እንተሎ፡ ኣብ መንጎ ሰባት ንዘሎ ፍቕሪ እውን ተመልክት እያ።” ብተኣማንነት ብምፍቃር ዝመጸ፡ የሆዋ እዩ ብሉጽ ኣብነት ዚዀነና። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ የሆዋ ንሰባት ከመይ ገይሩ ብተኣማንነት ከም ዘፍቀሮም ክንርኢ ኢና። ኣብ እትስዕብ ዓንቀጽ ከኣ፡ ንሕና ኣገልገልቱ ንሓድሕድና ብተኣማንነት ብምፍቓር ከመይ ጌርና ንዕኡ ኽንመስሎ ኸም እንኽእል ክንርኢ ኢና።

የሆዋ “ብዓል ብዙሕ ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕሪ”

3. የሆዋ ንሙሴ ገዛእ ርእሱ ዝገለጸሉ ብኸመይ እዩ፧

3 እስራኤላውያን ካብ ግብጺ ድሕሪ ምውጻኦም ነዊሕ ከይጸንሐ፡ የሆዋ ስሙን ባህርያቱን ብምእዋጅ፡ ንሙሴ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ኸምዚ ኢሉ ገሊጹሉ እዩ፦ “የሆዋ፡ የሆዋ፡ መሓርን ርሕሩሕን ኣምላኽ፡ ንቝጥዓ ደንጓዪ፡ ብዓል ብዙሕ ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕርን ሓቅን፡ ንኣሽሓት ብተኣማንነት ዜፍቅር፡ ስሕተትን ኣበሳን ሓጢኣትን ዚሓድግ።” (ዘጸ. 34:6, 7) የሆዋ በዚ ብዛዕባ ባህርያቱ እተዘርበ ልቢ ዚትንኪ ቓላት ገይሩ ንሙሴ፡ ነታ ፍልይ ዝበለት ብተኣማንነት እትርአ ፍቕሩ ገሊጹሉ እዩ። እዛ ባህርይ እዚኣ እንታይ እያ፧

4-5. (ሀ) የሆዋ ንገዛእ ርእሱ ብኸመይ ገሊጽዋ ኣሎ፧ (ለ) እንታይ ሕቶታት ኢና ኽንምርምር፧

4 የሆዋ ንገዛእ ርእሱ ኺገልጻ ኸሎ፡ ብተኣማንነት ዜፍቅር ጥራይ ዘይኰነስ፡ “ብዓል ብዙሕ ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕሪ” ኢሉ እዩ ተዛሪቡ። እዚ መግለጺ እዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ካልእ ሽዱሽተ ቦታታት እውን ይርከብ እዩ። (ዘሁ. 14:18፣ ነህ. 9:17፣ መዝ. 86:15፣ 103:8፣ ዮኤ. 2:13፣ ዮና. 4:2) ብምሉኡ ኸኣ ንሰባት ዘይኰነስ፡ ንየሆዋ እዩ ዜመልክት። የሆዋ ነታ ብተኣማንነት እትርአ ፍቕሩ ኣጸቢቑ ዜጕልሓ ምዃኑስ ዜደንቕ ደይኰነን፧ ስለዚ ድማ እያ ብተኣማንነት እትርአ ፍቕሪ ንዕኡ ኣገዳሲት ዝዀነት። * በዚ ምኽንያት እዚ እዩ ንጉስ ዳዊት ከምዚ ዝበለ፦ “ኦ የሆዋ፡ ብተኣማንነት እተርእዮ ፍቕርኻ ኽሳብ ሰማያት፡ . . . ይበጽሕ። ኦ ኣምላኽ፡ ብተኣማንነት እተርእዮ ፍቕርኻ ኽንደይ ክቡር እዩ! ኣብ ጽላል ኣኽናፍካ፡ ደቂ ሰብ ይምዕቈቡ።” (መዝ. 36:5, 7) እሞኸ ኸም ዳዊት ነቲ ኣምላኽ ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሪ ኣጸቢቕና ነማስወሉዶ፧

5 ብዛዕባ ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕሪ ዘሎና ርድኢት ንምስፋሕ፡ ክልተ ሕቶታት እስከ ንመርምር፦ የሆዋ ንመን እዩ ብተኣማንነት ዜፍቅር፧ ካብቲ ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕሪ የሆዋኸ ብኸመይ ክንጥቀም ንኽእል፧

የሆዋ ንመን እዩ ብተኣማንነት ዜፍቅር፧

6. የሆዋ ንመን እዩ ብተኣማንነት ዜፍቅር፧

6 የሆዋ ንመን እዩ ብተኣማንነት ዜፍቅር፧ መጽሓፍ ቅዱስ ብዙሕ ነገራት ክንፈቱ ኸም እንኽእል ይገልጽ እዩ፣ ገለ ኻብዚ “ሕርሻ፡” “ወይንን ዘይትን፡” “ተግሳጽ፡” “ፍልጠት፡” “ጥበብ” ኪጥቀስ ይከኣል። (2 ዜና 26:10፣ ምሳ. 12:1፣ 21:17፣ 29:3) ኰይኑ ግና፡ ንነገራት ወይ ንሓሳባት ብተኣማንነት ነፍቅሮ ኣይብሃልን እዩ፣ ንሰባት ጥራይ ኢና ብተኣማንነት እነፍቅሮም። ይኹን እምበር፡ የሆዋ ንዝዀነ ሰብ ኣይኰነን ብተኣማንነት ዜፍቅር። ነቶም ምስኡ ፍሉይ ርክብ ዘለዎም እዩ ብተኣማንነት ዜፍቅሮም። ኣምላኽና ንፈተውቱ እሙን እዩ። ንዓታቶም ዜደንቕ ዕላማ ኣለዎ፡ ብኣታቶም እውን ተስፋ ኣይቈርጽን እዩ።

የሆዋ ንዅሎም ደቂ ሰብ፡ እንተላይ ነቶም ዘየምልኽዎ ብዙሕ ሰናይ ይገብር (ሕጡብ ጽሑፍ 7 ርአ) *

7. የሆዋ ንደቂ ሰብ ብሓፈሻ ዘፍቀሮም ብኸመይ እዩ፧

7 የሆዋ ንደቂ ሰብ ብሓፈሻ ፍቕሪ የርእዮም እዩ። የሱስ ንሓደ ኒቆዲሞስ ዚብሃል ሰብ፡ “ኣምላኽሲ በቲ ሓደ ወዱ ዚኣምን ኵሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም [ንናይ ደቂ ሰብ ዓለም] ኣፍቂርዋ እዩ” ኢሉ ነጊርዎ እዩ።—ዮሃ. 3:1, 16፣ ማቴ. 5:44, 45

ብመሰረት እቲ ንጉስ ዳዊትን ነብዪ ዳንኤልን እተዛረብዎ ዘረባ፡ የሆዋ ነቶም ዚፈልጥዎን ዚፈርህዎን ዜፍቅርዎን ትእዛዛቱ ዚሕልዉን ብተኣማንነት የፍቅሮም (ሕጡብ ጽሑፍ 8-9 ርአ)

8-9. (ሀ) የሆዋ ንኣገልገልቱ ብተኣማንነት ዜፍቅሮም ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ቀጺልና እንታይ ኢና ኽንምርምር፧

8 ኣቐዲሙ ኸም እተጠቕሰ፡ የሆዋ ነቶም ምስኡ ጽቡቕ ርክብ ዘለዎም ኣገልገልቱ ጥራይ እዩ ብተኣማንነት ዜፍቅሮም። እዚ ኣብቲ ንጉስ ዳዊትን ነብዪ ዳንኤልን ዝበልዎ ነገር ንጹር ኰይኑ ኣሎ። ንኣብነት፡ ዳዊት ከምዚ ኢሉ እዩ፦ “ነቶም ዚፈልጡኻ ብተኣማንነት ኣፍቅሮም።” “እቲ ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕሪ የሆዋ ግና፡ ኣብቶም ዚፈርህዎ ንዘለኣለመ ኣለም እዩ።” ዳንኤል ከኣ፡ “ኦ የሆዋ፡ ኣታ ንዜፍቅርዎን ትእዛዛቱ ንዚሕልዉን . . . ብተኣማንነት ዜፍቅር . . . ናይ ሓቂ ኣምላኽ” ኢሉ ተዛሪቡ እዩ። (መዝ. 36:10፣ 103:17፣ ዳን. 9:4) ብመሰረት እዚ ብድራኸ መንፈስ እተዘርበ ቓላት፡ የሆዋ ንኣገልገልቱ ስለ ዚፈልጥዎ፡ ስለ ዚፈርህዎ፡ ስለ ዜፍቅርዎ፡ ትእዛዛቱ እውን ስለ ዚሕልዉ እዩ ብተኣማንነት ዜፍቅሮም። የሆዋ ንህዝቡ ወይ ንናይ ሓቂ ኣምለኽቱ ጥራይ እዩ ብተኣማንነት ዜፍቅር።

9 ንየሆዋ ኸነገልግል ቅድሚ ምጅማርና፡ ንደቂ ሰብ ብሓፈሻ ዜርእዮ ፍቕሪ ንረክብ ኔርና ኢና። (መዝ. 104:14) ኣምለኽቱ ምስ ኰንና ግና፡ ብተኣማንነት እዩ ዜፍቅረና። የሆዋ ንኣገልገልቱ፡ “ብተኣማንነት ዘርእየኪ ፍቕረይ . . . ካባኺ ኣይኬልግስን” ኢሉ ኣረጋጊጹሎም ኣሎ። (ኢሳ. 54:10) ከምቲ ዳዊት እተመከሮ፡ “የሆዋ ንእሙኑ ብፍሉይ መገዲ [ይሕዞ]” እዩ። (መዝ. 4:3) እሞ ደኣ እዚ የሆዋ ዚገብረልና ፍሉይ ኣተሓሕዛ እንታይ ንምግባር እዩ ድሌት ኬሕድረልና ዚግባእ፧ ሓደ ዘማሪ፡ “ጥበበኛ ዘበለ ነዚ ኺዕዘቦ፡ ብተኣማንነት ንዚርአ ፍቕሪ የሆዋ ድማ ተጠንቂቑ ኺሓስቦ እዩ” ኢሉ ኣሎ። (መዝ. 107:43) ነዚ ብድራኸ መንፈስ እተዋህበ ምዕዶ ሒዝና፡ ኣገልገልቲ የሆዋ ኻብቲ ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ዚጥቀመሉ ሰለስተ መገድታት እስከ ንርአ።

ካብቲ ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕሪ የሆዋ ብኸመይ ክንጥቀም ንኽእል፧

የሆዋ ነቶም ዜምልኽዎ ተወሳኺ በረኸት ይህቦም (ሕጡብ ጽሑፍ 10-16 ርአ) *

10. ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕሪ ኣምላኽ ንዘለኣለም ዚነብር ምዃኑ ንዓና ብኸመይ ይጠቕመና፧ (መዝሙር 31:7)

10 ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕሪ ኣምላኽ ንዘለኣለም ይነብር። እዚ ኣገዳሲ መዳይ እቲ ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕሪ፡ ኣብ መበል 136 መዝሙር፡ 26 ሳዕ ተጠቒሱ ኣሎ። ንኣብነት፡ ኣብታ ቐዳመይቲ ፍቕዲ፡ “ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ንዘለኣለም ይነብር እዩ፡ ንሱ ድማ ሕያዋይ እዩ እሞ፡ ንየሆዋ ኣመስግንዎ” ዚብል ነንብብ። (መዝ. 136:1) ኣብ ፍቕዲ 2 ኽሳዕ 26፡ “ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ” ዚብል ቃላት ተደጋጊሙ ንረኽቦ ኢና። ዝተረፈ ኽፋል እዛ መዝሙር ከነንብብ ከለና፡ በቲ የሆዋ ብተኣማንነት ፍቕሩ ዜርእየሉ ብዙሕን ቀጻልን መገድታት ንድነቕ ኢና። እቲ “ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ” ዚብል ቃላት ብተደጋጋሚ ዚርከብ ምዃኑ፡ ኣምላኽ ንህዝቡ ዘላቶ ፍቕሪ ተለዋዋጢት ከም ዘይኰነት የረጋግጸልና። የሆዋ ብኣገልገልቱ ቐልጢፉ ተስፋ ዘይቈርጽ ምዃኑ፡ ብሓቂ ዜተባብዕ እዩ! ምስቶም ዜገልግልዎ ይለግብ እዩ፣ ምናዳ ብግዜ ጭንቆም ከኣ ካባታቶም ኣይፍለን እዩ። ብኸመይ ንጥቀም፦ የሆዋ ምሳና ኸም ዚለግብ ምፍላጥና፡ ንጭንቅና ኽንጸውርን ብመገዲ ህይወት ክንመላለስን ዜኽእል ሓጐስን ብርታዐን ይህበና እዩ።—መዝሙር 31:7 ኣንብብ።

11. ብመሰረት መዝሙር 86:5፡ ንየሆዋ ይቕረ ኺብል ዚድርኾ እንታይ እዩ፧

11 ኣምላኽ በቲ ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕሩ ይቕረ ኺብል ይድረኽ። የሆዋ ንሓደ ዚንሳሕን ንመገዲ ሓጢኣቱ ዚሓድጎን ሓጥእ ኪርኢ ኸሎ፡ በቲ ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕሩ ተደሪኹ ይቕረ ይብለሉ እዩ። ዳዊት እቲ ዘማሪ ብዛዕባ የሆዋ፡ “ከም ሓጢኣትና ኣይገበረናን፡ ከም መጠን ስሕተትና ኣይፈደየናን” ኢሉ ኣሎ። (መዝ. 103:8-11) በደለኛነት ዚስምዖ ሕልና ኽሳዕ ክንደይ ከቢድ ጾር ኪኸውን ከም ዚኽእል፡ ዳዊት ካብ ተመክሮ ይፈልጥ እዩ። እንተዀነ ግና፡ የሆዋ “ንይቕረታ ድልዊ” ምዃኑ እውን ይፈልጥ እዩ። እሞ ደኣ የሆዋ ብምንታይ ተደሪኹ እዩ ይቕረ ዚብል፧ መልሲ እዛ ሕቶ ኣብ መዝሙር 86:5 ኣሎ። (ኣንብብ።) እወ፡ ከምቲ ዳዊት ኣብ ጸሎቱ ዝገለጾ፡ የሆዋ ነቶም ዚጽውዕዎ ኣብዚሑ ብተኣማንነት ስለ ዜፍቅሮም እዩ ይቕረ ዚብል።

12-13. ሕሉፍ ጌጋታትና ብዜሕድረልና ናይ በደለኛነት ስምዒት እንተ ተደቚስና፡ እንታይ እዩ ኺሕግዘና ዚኽእል፧

12 ክንሓጥእ ከለና፡ ጣዕሳ ዚስምዓና ምዃኑ ግቡእን ጠቓምን እዩ። ክንንሳሕን ጌጋታትና ንምእራም ስጕምቲ ኽንወስድን ይድርኸና እዩ። ገሊኦም ኣገልገልቲ ኣምላኽ ግና፡ ብምኽንያት ሕሉፍ ጌጋታቶም ብናይ በደለኛነት ስምዒት ይድቈሱ እዮም። ዋላ እኳ እንተ ተነስሑ፡ እቲ ዚዅንኖም ልቦም፡ የሆዋ ይቕረ ኺብለሎም ከም ዘይክእል የእምኖም እዩ። ምስ ከምዚ ዝበለ ስምዒት ትቃለስ እንተ ኣሊኻ፡ ኣምላኽ ንኣገልገልቱ ብተኣማንነት ኬፍቅሮም ከም ዚደሊ ምፍላጥካ ይሕግዘካ እዩ።

13 ብኸመይ ንጥቀም፦ ዘይፍጽምና እናሃለወና ኽነሱ፡ ንየሆዋ ብንጹህ ሕልና ተሓጒስና ኸነገልግሎ ንኽእል ኢና። ስለምንታይሲ፡ “ደም የሱስ ወዱ . . . ኻብ ኵሉ ሓጢኣትና የንጽሃና እዩ።” (1 ዮሃ. 1:7) ብዘይፍጽምናኻ ተስፋ ኽትቈርጽ ከለኻ፡ የሆዋ ንዚንሳሕ ሓጥእ ይቕረ ኺብል ፍቓደኛ ምዃኑ፡ ካብኡ ሓሊፉ እውን ህንጡይ ምዃኑ ዘክር። ነቲ ዳዊት ኣብ መንጎ ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕርን ይቕረታን ዝገበሮ ምትሕሓዝ ዘክሮ። ንሱ ኸምዚ ኢሉ እዩ ጽሒፉ፦ “ሰማያት ካብ ምድሪ ልዕል ከም ዚብልሲ፡ እቲ ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ኣብቶም ዚፈርህዎ ኣዝዩ ዓብዪ እዩ። ምብራቕ ካብ ምዕራብ ከም ዚርሕቕ፡ ንኣበሳና ኻባና ኣዝዩ ኣርሒቕዎ።” (መዝ. 103:11, 12) እወ፡ የሆዋ “ብዙሕ ይቕረ” ኺብል ፍቓደኛ እዩ።—ኢሳ. 55:7

14. ዳዊት፡ እቲ ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕሪ ኣምላኽ ንዓና ዕቝባ ምዃኑ ዝገለጸ ብኸመይ እዩ፧

14 ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕሪ ኣምላኽ መንፈሳዊ ዕቝባ እዩ። ዳዊት ናብ የሆዋ፡ “ንስኻ መሕብእየይ ኢኻ፣ ካብ ጭንቂ ኽትሕልወኒ ኢኻ። ብእልልታ ድሕነት ክትከብበኒ ኢኻ። . . . እቲ ብየሆዋ ዚእመን . . . በቲ ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ይኽበብ” ኢሉ ጸልዩ እዩ። (መዝ. 32:7, 10) ከምቲ ንጥንታዊት ከተማ ዚኸብባ መካበብያ ንነበርታ ዜዕቍቦም፡ የሆዋ በቲ ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ኣቢሉ ምስ ዚኸብበና ኸኣ ንንጽህናና ኻብ ዚፍትን መንፈሳዊ ሓደጋታት ዕቝባ ንረክብ ኢና። ብተወሳኺ፡ የሆዋ ብተኣማንነት ብዚርአ ፍቕሩ ተደሪኹ ናብኡ ይስሕበና እዩ።—ኤር. 31:3

15. ኣብ መንጎ ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕሪ የሆዋን ኣብ መንጎ መዕቈብን ዕርድን እንታይ ምትሕሓዝ ኣሎ፧

15 ዳዊት ነቲ ህዝቢ ኣምላኽ ዚረኽብዎ ዕቝባ ኺገልጽ ከሎ፡ ካልእ ጽቡቕ ስእላዊ ቓላት ተጠቒሙ ኣሎ። “ኣምላኽ እምባይ፡ እቲ ብተኣማንነት ዜፍቅረኒ ኣምላኽ እዩ” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ። ንየሆዋ እውን፡ “ንሱ ብተኣማንነት ፍቕሪ ዜርእየንን ዕርደይን፡ እምባይን መናገፍየይን፡ ዋልታይን መዕቈብየይን” ኢሉ ገሊጽዎ ኣሎ። (መዝ. 59:17፣ 144:2) ዳዊት ነቲ ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕሪ የሆዋ ምስ እምባን መዕቈብን ዕርድን ዘተሓሓዞ ስለምንታይ እዩ፧ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበርና ንንበር፡ ኣገልገልቲ የሆዋ ኽሳዕ ዝዀንና፡ ነቲ ምስኡ ዘሎና ኽቡር ርክብ ንምሕላው ዕቝባ ይገብረልና እዩ። እዚ መረጋገጺ እዚ ኣብ መዝሙር 91 እውን ይርከብ እዩ። ጸሓፊ እታ መዝሙር፡ “ንየሆዋ፡ ‘መዕቈብየይን ዕርደይን’ . . . ክብሎ እየ” ኢሉ ኣሎ። (መዝ. 91:1-3, 9, 14) ሙሴ ብዛዕባ መዕቈቢ ተመሳሳሊ ስእሊ እትህብ ቃል ተጠቒሙ ኣሎ። (መዝ. 90:1፡ እ.ጽ.) ብዘይካዚ፡ ኣብ ኣጋ መወዳእታ ህይወቱ፡ “ካብ ጥንቲ፡ ኣምላኽ መዕቈቢ እዩ፡ ዘለኣለማውያን ቀላጽሙ ኣብ ትሕቴኻ እየን” ብምባል ልቢ ዚትንኪ ሓሳብ ሂቡ ኣሎ። (ዘዳ. 33:27) እሞ ደኣ “ዘለኣለማውያን ቀላጽሙ ኣብ ትሕቴኻ እየን” ዚብል ሓረግ ብዛዕባ የሆዋ እንታይ ይምህረና፧

16. ብምንታይ ክልተ መገድታት ኢና ተባሪኽና ዘለና፧ (መዝሙር 136:23)

16 የሆዋ መዕቈቢና እንተ ዀይኑ፡ ውሕስነት ይስምዓና እዩ። ሓድሓደ መዓልትታት ግና፡ ክንድቈስ እሞ ምትንሳእ እውን ቃልሲ ኪዀነና ይኽእል እዩ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ግዜያት፡ የሆዋ እንታይ እዩ ዚገብረልና፧ (መዝሙር 136:23 ኣንብብ።) ቀላጽሙ ብትሕቴና ገይሩ ደጊፉ ሓፍ ብምባል ደው ክንብል ይሕግዘና እዩ። (መዝ. 28:9፣ 94:18) ብኸመይ ንጥቀም፦ ኣምላኽ ከም ዚድግፈና ወትሩ ኽንተኣማመን ከም እንኽእል ምፍላጥና፡ ብኽልተ መገዲ ኸም እተባረኽና ኽንዝክር ይሕግዘና እዩ። ቀዳማይ፡ ኣብ ዝሃለና ንሃሉ እምባ ወይ መዕቈቢ ይዀነና እዩ። ካልኣይ፡ እቲ ፈቃር ሰማያዊ ኣቦና ኣጸቢቑ ይሓልየልና እዩ።

ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕሪ ኣምላኽ ምትእምማን ዜሕድረልና ስለምንታይ እዩ፧

17. ሳላ ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕሪ ኣምላኽ፡ ብዛዕባ እንታይ ኢና ኽንተኣማመን እንኽእል፧ (መዝሙር 33:18-22)

17 ኣቐዲምና ኸም ዝረኣናዮ፡ ፈተና ኼጋጥመና ኸሎ፡ የሆዋ ነቲ ንጽህናና ንምሕላው ዜድልየና ደገፍ ከም ዚህበና ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። (2 ቈረ. 4:7-9) ነብዪ ኤርምያስ፡ “ሳላ እቲ የሆዋ ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሪ ኢና ዘይተወዳእና፣ ምሕረቱስ ከቶ ኣይውዳእን እዩ” ኢሉ ተዛሪቡ እዩ። (ድጕ. 3:22) ሓደ ዘማሪ ኸኣ፡ “ዓይኒ የሆዋ ንዚፈርህዎ፡ ነቶም ብተኣማንነት ንዜርእዮ ፍቕሩ ዚጽበዩ ትሕልዎም” ዚብል መረጋገጺ ስለ ዝሃበና፡ የሆዋ ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሪ ኣባና ኸም ዚዓርፍ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።—መዝሙር 33:18-22 ኣንብብ።

18-19. (ሀ) እንታይ ኢና ኽንዝክር እንደሊ፧ (ለ) ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ እንታይ ኢና ኽንምርምር፧

18 እሞ ደኣ እንታይ ኢና ኽንዝክር እንደሊ፧ ንየሆዋ ምግልጋል ቅድሚ ምጅማርና፡ ነቲ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ብሓፈሻ ዜርእዮ ፍቕሪ ንረክብ ኔርና ኢና። ኣምለኽቱ ምስ ኰንና ግና ካብቲ ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ንጥቀም ኢና። በታ ፍቕሪ እቲኣ ተደሪኹ ድማ፡ የሆዋ በተን ዜዕቍባ ቐላጽሙ ይሓቝፈና እዩ። ወትሩ ኻብ ጥቓኡ ኣይኪፈልየናን እዩ፣ ንዓና ዘለዎ ዕላማ እውን ኪፍጽም እዩ። ክንዕወት እዩ ዚደልየና! (መዝ. 46:1, 2, 7) ስለዚ፡ ዝዀነ ፈተና እኳ እንተ ኣጋጠመና፡ የሆዋ ንጽህናና ኽንሕሉ ዜኽእለና ብርታዐ ይህበና እዩ።

19 የሆዋ ንኣገልገልቱ ኸመይ ገይሩ ብተኣማንነት ከም ዜፍቅሮም ርኢና ኢና። ንሕና እውን ብተራና፡ ንሓድሕድና ብተኣማንነት ክንፋቐር ይደልየና እዩ። ከመይ ጌርና ኸምኡ ንገብር፧ ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ፡ ነዚ ኣገዳሲ ጕዳይ ክንምርምር ኢና።

መዝሙር 136 ካብ የሆዋ፡ ‘ዓስብኻ ምሉእ ይኹን’

^ ሕ.ጽ. 5 ብተኣማንነት እትርአ ፍቕሪ እንታይ እያ፧ የሆዋ ንመን እዩ ብተኣማንነት ዜፍቅር፧ እቶም ነዛ ዓይነት ፍቕሩ ዚረኽቡኸ ብኸመይ እዮም ዚጥቀሙ፧ መልሲ እዚ ሕቶታት እዚ፡ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ኽንረክብ ኢና። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣን ኣብ እትቕጽልን ከኣ፡ ብዛዕባ እዛ ባህርይ እዚኣ ኽንምሃር ኢና።

^ ሕ.ጽ. 4 ኣምላኽ ብዓል ብዙሕ ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕሪ ምዃኑ ዚገልጽ ሓሳብ ኣብ ካልእ ፍቕድታት መጽሓፍ ቅዱስ እውን ተገሊጹ ይርከብ እዩ።—ነህምያ 13:22፣ መዝሙር 69:13፣ 106:7፣ ድጕዓ 3:32 ርአ።

^ ሕ.ጽ. 54 መግለጺ ስእሊ፦ የሆዋ ንደቂ ሰብ ብሓፈሻ፡ እንተላይ ንኣገልገልቱ ፍቕሩ የርእዮም። ኣብ ልዕሊ እቶም ሰባት ዘሎ ስእልታት፡ ገለ ኻብቲ ፍቕሪ ኣምላኽ ዚግለጸሉ መገዲ የርኢ። ልዕሊ ዅሉ፡ እቲ ኻብ በጃ ወዱ ኺጥቀሙ እተገብረ መሰናድዎ ኺጥቀስ ይከኣል።

^ ሕ.ጽ. 62 መግለጺ ስእሊ፦ የሆዋ ነቶም ዜገልግልዎን በቲ በጃ ዚኣምኑን ብፍሉይ መገዲ ይሕዞም። ኣገልገልቲ የሆዋ ኣብ ርእሲ እቲ ንሱ ንደቂ ሰብ ብሓፈሻ ዜርእዮም ፍቕሪ፡ ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕሪ ኣምላኽ እውን ይረኽቡ እዮም። ገለ ኻብኡ ድማ ኣብቲ ስእልታት ተጠቒሱ ኣሎ።