ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 46

ብሓጐስ ምእንቲ ኽንጻወር፡ የሆዋ ብኸመይ ይሕግዘና፧

ብሓጐስ ምእንቲ ኽንጻወር፡ የሆዋ ብኸመይ ይሕግዘና፧

“የሆዋ ግና ሞገስ ኬርእየኩም ብትዕግስቲ ይጽበ ኣሎ፣ ኪምሕረኩም ድማ ኪትንስእ እዩ።”—ኢሳ. 30:18

መዝሙር 3 ሓይልና፡ ተስፋና፡ እምንቶና

መላለዪ a

1-2. (ሀ) እንታይ ሕቶታት ኢና ኽንምርምር፧ (ለ) የሆዋ ንዓና ሓገዝ ንምሃብ ህንጡይ ምዃኑ ዜርእየና እንታይ እዩ፧

 የሆዋ ነቲ ኣብ ህይወትና ዜጋጥመና ብድሆታት ተጻዊርና ብሓጐስ ምእንቲ ኸነገልግሎ ኺሕግዘና ይኽእል እዩ። እሞ ደኣ ብኸመይ እዩ ዚሕግዘና፧ ካብቲ የሆዋ ዘዳለዎ ሓገዝ ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ኽንጥቀምከ እንታይ ክንገብር ኣሎና፧ እዚ ሕቶታት እዚ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ኺምለስ እዩ። ነዚ ሕቶታት ቅድሚ ምምርማርና ግና፡ ‘የሆዋስ ብሓቂዶ ኺሕግዘና ይደሊ እዩ፧’ ንእትብል ሕቶ ንመርምራ።

2 ሃዋርያ ጳውሎስ ናብ እብራውያን ኣብ ዝለኣኻ መልእኽቲ እትርከብ ቃል፡ መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ ኽንረክብ ተኽእለና እያ። ጳውሎስ፡ “የሆዋ ረዳእየይ እዩ፣ ኣይፈርህን እየ። ሰብከ እንታይ ከይገብረኒ፧” ኢሉ እዩ ጽሒፉ። (እብ. 13:6) መወከሲታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ እታ ኣብዛ ፍቕዲ እዚኣ “ረዳእየይ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ቓል፡ ንሓደ ዜእዊ ሰብ ጐይዩ ንዚረድእ እተመልክት ምዃና ይገልጽ። የሆዋ ንሓደ ኣብ ጭንቂ ዘሎ ሰብ ንምንጋፍ ኪጐዪ እሞ ብኣእምሮኻ ስኣሎ። እዚ መግለጺ እዚ መሸም ነቲ የሆዋ ረዳኢና ኪኸውን ዘለዎ ፍቓደኛነት፡ ካብኡ ሓሊፉ እውን ህንጥዮት ዜጕልሕ እዩ። ስለዚ፡ የሆዋ ኣብ ጐድንና ኻብ ኰነ ንዜጋጥመና ፈተናታት ብሓጐስ ክንጻወር ንኽእል ኢና።

3. ንዜጋጥመና ፈተናታት ብሓጐስ ምእንቲ ኽንጻወር፡ የሆዋ ንዓና ዚሕግዘሉ ሰለስተ መገድታት እንታይ እዩ፧

3 ንዜጋጥመና ፈተናታት ብሓጐስ ምእንቲ ኽንጻወር፡ የሆዋ ንዓና ዚሕግዘሉ ገለ መገድታት እንታይ እዩ፧ መልሲ እዛ ሕቶ ንምርካብ ኣብ መጽሓፍ ኢሳይያስ እስከ ንርአ። ስለምንታይ፧ ሓያሎ ኻብቲ ኢሳይያስ ብድራኸ መንፈስ ዝጸሓፎ ትንቢታት፡ ሎሚ ንዘለዉ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ይምልከቶም እዩ። ብተወሳኺ ድማ፡ ኢሳይያስ ንየሆዋ ብቐሊሉ ኺርድኣና ብዚኽእል ቃላት እዩ ዚገልጾ። ንኣብነት፡ ኣብ ኢሳይያስ ምዕራፍ 30 እስከ ንርአ። ኣብታ ምዕራፍ እቲኣ፡ ኢሳይያስ ነቲ የሆዋ ንህዝቡ ዚሕግዘሉ መገድታት ዚገልጽ ንጹር ስእልታት ስኢሉልና ኣሎ። ኣብኡ ድማ፡ (1) የሆዋ ንጸሎትና ጽን ኢሉ ብምስማዕን ምላሽ ብምሃብን፡ (2) ኣብ መገዲ ህይወትና ብምምራሕ፡ (3) ሕጅን ኣብ መጻእን በረኸት ብምሃብ ከም ዚሕግዘና ተገሊጹ ኣሎ። እምበኣር፡ ነዚ የሆዋ ንዓና ዚሕግዘሉ ሰለስተ መገድታት እስከ ብደቂቕ ንመርምሮ።

የሆዋ ይሰምዓና

4. (ሀ) የሆዋ ነቶም ብግዜ ኢሳይያስ ዝነበሩ ኣይሁድ ብኸመይ እዩ ገሊጽዎም፧ ኣብ መወዳእታኡኸ እንታይ ኪዀኑ እዩ ፈቒዱ፧ (ለ) የሆዋ ነቶም እሙናት ዘበሉ እንታይ ተስፋ እዩ ሂብዎም፧ (ኢሳይያስ 30:18, 19)

4 ኣብ መጀመርታ ኢሳይያስ ምዕራፍ 30፡ የሆዋ ንኣይሁድ፡ “ሓጢኣት ኣብ ልዕሊ ሓጢኣት” ዚውስኹ “ነቓጻት ደቂ” ኢሉ ገሊጽዎም ኣሎ። ኣስዕብ ኣቢሉ እውን፡ “ሕጊ የሆዋ ምስማዕ ዚኣብዩ” “ዓለውቲ ህዝቢ” ኢሉ ጸዊዕዎም ኣሎ። (ኢሳ. 30:1, 9) እቶም ህዝቢ ምስማዕ ስለ ዝኣበዩ ኸኣ፡ የሆዋ ኣደዳ መዓት ኪዀኑ ኸም ዚፈቅድ፡ ኢሳይያስ ተነብዩ ኣሎ። (ኢሳ. 30:5, 17፣ ኤር. 25:8-11) ከምቲ እተባህለ ኸኣ ናብ ምርኮ ባቢሎን ተወስዱ። እንተዀነ ግና፡ ካብ ኣይሁድ ገሊኦም እሙናት ሰባት ነይሮም እዮም። ኢሳይያስ ድማ ንዓታቶም መልእኽቲ ተስፋ ነበሮ። እወ፡ ሓደ መዓልቲ፡ የሆዋ ሞገስ ኬርእዮም ምዃኑ ሓበሮም። (ኢሳይያስ 30:18, 19 ኣንብብ።) ብልክዕ ድማ ከምኡ እዩ ዀይኑ። የሆዋ ንዓታቶም ካብ ምርኮ መለሶም። ኰይኑ ግና፡ ብኡብኡ ኣይኰነን ሓራ ኣውጺእዎም። እቲ፡ “የሆዋ . . . ሞገስ ኬርእየኩም ብትዕግስቲ ይጽበ ኣሎ” ዚብል ቃላት፡ እቶም እሙናት ሓራ ቕድሚ ምውጻኦም እተወሰነ ግዜ ኸም ዚሓልፍ ዚሕብር እዩ ነይሩ። እስራኤላውያን ኣብ ምርኮ ባቢሎን 70 ዓመት እዮም ኣሕሊፎም። ድሕሪ እቲ እዋን እቲ እዮም ገሊኦም ተረፍ ናብ የሩሳሌም ኪምለሱ ዝኸኣሉ። (ኢሳ. 10:21፣ ኤር. 29:10) ናብ ዓዶም ምስ ተመለሱ ግና፡ እቲ ኣብ ምርኮ ኸለዉ ዝነብዕዎ ናይ ሓዘን ንብዓት፡ ብናይ ሓጐስ ንብዓት እዩ ተተኪኡ።

5. ኣብ ኢሳይያስ 30:19 እንታይ መረጋገጺ እዩ ተዋሂቡና ዘሎ፧

5 ሎሚ፡ በተን “እንተ ኣእዊኻ፡ ብርግጽ ሞገስ ኬርእየካ እዩ” ዚብላ ቓላት ንጸናናዕ ኢና። (ኢሳ. 30:19) ናብ የሆዋ ኸነእዊ ኸለና፡ ንሱ ኸም ዚሰምዓና፡ ንምህለላና እውን ቅልጡፍ ምላሽ ከም ዚህብ ኢሳይያስ ኣረጋጊጹልና ኣሎ። ኣስዕብ ኣቢሉ እውን፡ “ስምዕ ምስ ኣበለ፡ ኪምልሰልካ እዩ” ኢሉ ኣሎ። እዘን ዜጸናንዓ ቓላት እዚአን፡ ኣቦና ነቶም ናብኡ ኪቐርቡ ዚጽዕሩ ንምርዳእ ፍቓደኛ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ህንጡይ ምዃኑ እውን እየን ዜዘኻኽራና። ነዚ ምፍላጥና ኸኣ፡ ብሓጐስ ክንጻወር ይሕግዘና እዩ።

6. ቃላት ኢሳይያስ፡ የሆዋ ንጸሎት ነፍሲ ወከፍ ኣገልጋሊኡ ኸም ዚሰምዕ ዚሕብር ብኸመይ እዩ፧

6 ካብዛ ጥቕሲ እዚኣ ብዛዕባ ጸሎትና እንታይ ተወሳኺ መረጋገጺ ኽንረክብ ንኽእል፧ የሆዋ ንናይ ነፍሲ ወከፍና ጸሎት ብኣቓልቦ ይሰምዕ እዩ። ስለምንታይ ኢና ኸምኡ ኽንብል እንኽእል፧ ኣብ ቀዳማይ ክፋል ኢሳይያስ ምዕራፍ 30፡ የሆዋ ንህዝቡ ይዛረቦም ብምንባሩ፡ ንብዙሓት ይዛረብ ከም ዘሎ ጌርካ እዩ ሰፊሩ ዘሎ። ኣብ ፍቕዲ 19 ግና ንሓደ ሰብ ይዛረብ ከም ዘሎ ጌርካ እዩ ሰፊሩ ዘሎ፣ ስለምንታይሲ፡ እዚ መልእኽቲ እዚ ንውልቀ ሰባት እዩ። ኢሳይያስ፡ “ከቶ ኣይክትበክን ኢኻ፡” “ብርግጽ ሞገስ ኬርእየካ እዩ፡” “ኪምልሰልካ እዩ” ኢሉ እዩ ጽሒፉ። የሆዋ ፈቃር ኣቦ ስለ ዝዀነ፡ ተስፋ ንዝቘረጸ ውሉዱ፡ “ማዕረ ሓውካ ወይ ሓብትኻ ኽትከውን ኣሎካ” ኣይብልን እዩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ በብውልቂ ይሓልየልና እዩ፣ ንጸሎትና እውን ብብሕቲ ይሰምዖ እዩ።—መዝ. 116:1፣ ኢሳ. 57:15

ኢሳይያስ፡ “[ንየሆዋ] ኣይተዕርፍዎ” ኺብል ከሎ እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 7 ርአ)

7. ኢሳይያስን የሱስን ከይተሓለልና ኽንጽሊ ኸም ዘሎና ዘጕልሑ ብኸመይ እዮም፧

7 ዜተሓሳስበና ጕዳይ ሒዝና ናብ የሆዋ ኣብ እንቐርበሉ እዋን፡ ነቲ ዅነታት ክንጻወሮ ዜኽእል ብርታዐ ምእንቲ ኽንረክብ ብኡብኡ ምላሽ ይህበና ይኸውን። ኰይኑ ግና፡ እቲ ፈተና ኸምቲ ዝሓሰብናዮ ብቕልጡፍ እንተ ዘየብቂዑ፡ ንምጽዋሩ ብርታዐ ምእንቲ ኽንረክብ ንየሆዋ ብተደጋጋሚ ኽንልምኖ የድሊ ይኸውን። የሆዋ ኸምኡ ኽንገብር ይዕድመና እዩ። እዚ ኣብታ፡ “ኣይተዕርፍዎ” እትብል ቃል ተኣሚቱ ኣሎ። (ኢሳ. 62:7) ከምዚ ኺብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧ ጸሎትና ቐጻሊ ኻብ ምዃኑ እተላዕለ፡ ንየሆዋ ዕረፍቲ ኸም እንኸልኦ ጌርካ እዩ ተሳኢሉ ዘሎ። እዛ ኢሳይያስ እተጠቕመላ ቓል ነቲ ኣብ ሉቃስ 11:8-10, 13 ዚርከብ የሱስ ብዛዕባ ጸሎት ዝመሰሎ ምሳሌታት እያ እተዘኻኽረና። ኣብቲ ምሳሌታት እቲ፡ የሱስ፡ መንፈስ ቅዱስ ንምርካብ ከምቲ ንዓርኩ ‘ላሕ ዘበሎ’ ጌርና ኽንጽሊ፡ ከምኡ እውን ‘ብቐጻሊ ኽንልምን’ እዩ ኣተባቢዑና። ብዘይካዚ ድማ፡ ግቡእ ውሳነታት ንምግባር፡ የሆዋ ምእንቲ ኺመርሓና ኽንልምን ንኽእል ኢና።

የሆዋ ይመርሓና

8. ብግዜ ጥንቲ ኣብ ኢሳይያስ 30:20, 21 ዘሎ ቓላት ብኸመይ ተፈጺሙ፧

8 ኢሳይያስ 30:20, 21 ኣንብብ። ሰራዊት ባቢሎን ንየሩሳሌም ንዓመትን መንፈቕን ምስ ከበባ፡ እዚ ዘስዓቦ ጭንቂ ኣመና ልሙድ ብምንባሩ፡ ከም እንጌራን ማይን እዩ ዀይንዎም። ብመሰረት ፍቕዲ 20ን 21ን ግና፡ የሆዋ ንኣይሁድን እንተ ተነሲሖምን ኣካይዳኦምን እንተ ቐዪሮምን ከም ዜናግፎም ቃል ኣትዩሎም ኣሎ። ኢሳይያስ ንየሆዋ “ዓብዪ መምህርካ” ኢሉ ድሕሪ ምጽዋዕ፡ የሆዋ ብቕቡል መገዲ ብኸመይ ከም ዜምልኽዎ ከም ዚምህሮም ገሊጹ ኣሎ። ኣይሁድ ካብ ምርኮ ሓራ ምስ ወጹ እዘን ቃላት እዚአን ተፈጺመን እየን። የሆዋ ዓብዪ መምህር እዩ ዀይኑሎም፡ ኣብ ትሕቲ መሪሕነቱ ኸኣ እቶም ህዝቢ ንጹህ ኣምልኾ ኺመልሱ ኽኢሎም እዮም። ሎሚ እውን የሆዋ ዓብዪ መምህርና ብምዃኑ ተባሪኽና ኢና።

9. ሓደ ኻብቲ የሆዋ ንዓና ዚመርሓሉ መገድታት እንታይ እዩ፧

9 ኢሳይያስ ኣብቲ ስእላዊ ቓላቱ፡ ብኽልተ መገድታት ብየሆዋ ኸም እንምሃር ተምሃሮ ገይሩ እዩ ገሊጹና ዘሎ። ፈለማ፡ “ኣዒንትኻ ድማ ነቲ ዓብዪ መምህርካ ኺርእያኦ እየን” ኢሉ ኣሎ። ኣብዚ ምሳልያዊ ኣዘራርባ እዚ፡ እቲ መምህር ኣብ ቅድሚ ተምሃሮኡ ኸም ዝቘመ ጌርካ እዩ ተገሊጹ ዘሎ። ሎሚ ኻብ ትምህርቱ ኽንጥቀም ምኽኣልና ዓብዪ ኽብሪ እዩ ዚስምዓና። እሞ ደኣ ብምንታይ ኣቢሉ እዩ ዚምህረና፧ ብውድቡ ኣቢሉ እዩ ዚምህረና። ካብቲ ምንጪ እቲ ንጹር መምርሒ ንረክብ ምዃንና ብዙሕ ኢና እነመስግን። እቲ ኣብ ኣኼባታት ጉባኤን ኣብ ዓበይቲ ኣኼባታትን፡ ብጽሑፋትን ብፈነወን ብኻልእ መገድታትን ኣቢሉ ዚውሃበና ትምህርቲ ኣብዚ ኣጸጋሚ እዋን ብሓጐስ ክንጻወር ይሕግዘና እዩ።

10. ‘ብድሕሬና ቓል’ እንሰምዕ ብኸመይ ኢና፧

10 ኢሳይያስ ነቲ የሆዋ ንዓና ዚምህረሉ ኻልኣይ መገዲ ኺገልጽ ከሎ፡ “ኣእዛንካ ብድሕሬኻ፡ . . . ቃል ኪሰምዓ እየን” ኢሉ ኣሎ። ኣብዚ ድማ ንየሆዋ ኸምቲ ደድሕሪ ተምሃሮኡ እናኸደ መገዲ እናኣመልከተ መምርሒ ዚህቦም መምህር ገይሩ እዩ ገሊጽዎ ዘሎ። ሎሚ ድምጺ ኣምላኽ ብድሕሬና ንሰምዖ ኢና። ብኸመይ፧ ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈ ቓላት ነዊሕ ይገብር እዩ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ሰፊሩ። ስለዚ፡ ካብ ድሕሬና ኺመጽእ ኢና እንሰምዖ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ ከነንብቦ ኸለና፡ ድምጺ ኣምላኽ ካብ ድሕሬና ኸም ዚመጽእ ጌርካ ኺሰኣል ይከኣል እዩ።—ኢሳ. 51:4

11. ብሓጐስ ምእንቲ ኽንጻወር፡ እንታይ ክልተ ነገራት ኢና ኽንትግብር ዘሎና፧ ስለምንታይከ፧

11 ነቲ የሆዋ ብውድቡን ብቓሉን ኣቢሉ ንዓና ንምምራሕ ዝገበሮ መሰናድዎ ኸመይ ጌርና ኢና ምሉእ ብምሉእ ክንጥቀመሉ እንኽእል፧ ኢሳይያስ ክልተ ነገር ከም እተዛረበ ነስተብህል። ቀዳማይ፡ “እታ መገዲ እዚኣ እያ” ኢሉ። ካልኣይ ከኣ፡ “ብእኣ ተመላለሱ” ኢሉ። (ኢሳ. 30:21) ነታ “መገዲ” ምፍላጥ ጥራይ እኹል ኣይኰነን። ብእኣ ‘ኽንመላለስ’ እውን ኣሎና። ብቓል የሆዋን በቲ ውድቡ ብዛዕባ እቲ ቓል እትህቦ መግለጽን ኣቢልና፡ የሆዋ ኻባና እንታይ ከም ዚጽበ ንምሃር ኢና። ነቲ እተምሃርናዮ ብኸመይ ከም እንትግብሮ እውን ንምሃር ኢና። ብሓጐስ እናተጻወርና ንየሆዋ ምእንቲ ኸነገልግሎ፡ ነዚ ኽልቲኡ ኽንትግብሮ ኣሎና። ከምኡ እንተ ጌርና ጥራይ ኢና በረኸት የሆዋ ኽንረክብ እንኽእል።

የሆዋ ይባርኸና

12. ብመሰረት ኢሳይያስ 30:23-26፡ የሆዋ ብኸመይ እዩ ንህዝቡ ባሪኽዎም፧

12 ኢሳይያስ 30:23-26 ኣንብብ። እዚ ትንቢት እዚ ኣብቶም ካብ ምርኮ ባቢሎን ናብ ምድሪ እስራኤል እተመልሱ ኣይሁድ ብኸመይ እዩ ተፈጺሙ፧ ንሳቶም ኣዝዩ ብዙሕ ኣካላዊ ዀነ መንፈሳዊ በረኸት ረኺቦም እዮም። የሆዋ ንህዝቡ ኣኺሉ ዚተርፍ ስጋዊ ምግቢ ብምሃብ ባሪኽዎም እዩ። እቲ ልዕሊ ዅሉ ዜገድስ ግና፡ ንጹህ ኣምልኾ በብቝሩብ ናብ ዝነበሮ ኺምለስ ከሎ፡ ኣኺሉ ዚተርፍ መንፈሳዊ በረኸት ብምሃብ ሞገሱ ኣርእይዎም እዩ። እቲ ሽዑ ህዝቢ ኣምላኽ ዝረኸብዎ መንፈሳዊ በረኸት ካብቲ ቕድሚኡ ዝረኸብዎ ኣመና ዚበልጽ እዩ ነይሩ። ኣብ ፍቕዲ 26 ተገሊጹ ኸም ዘሎ፡ የሆዋ ንመንፈሳዊ ብርሃኑ ደሚቑ ኸም ዚበርህ ገይርዎ እዩ። (ኢሳ. 60:2) እዚ በረኸት የሆዋ ድማ ንኣገልገልቱ ‘ብሓጐስ ልቢ እልል ከም ዚብሉ ስለ ዝገበሮም፡’ ውሽጣዊ ብርታዐ ሃልይዎም ብታሕጓስ ኬገልግልዎ ሓጊዝዎም እዩ።—ኢሳ. 65:14

13. እቲ ብዛዕባ ምምላስ እተነግረ ትንቢት ኣብዚ ግዜና እተፈጸመ ብኸመይ እዩ፧

13 እቲ ብዛዕባ ምምላስ ንጹህ ኣምልኾ እተነግረ ትንቢት ንዓና እውን ይምልከተና ድዩ፧ እወ! ብኸመይ፧ ካብ 1919 ድ.ክ. ንደሓር፡ ሚልዮናት ሰባት ካብ ምርኮ እታ ናይ ዓለም ሃጸያዊት ግዝኣት ናይ ሓሶት ሃይማኖት ዝዀነት ዓባይ ባቢሎን ሓራ ወጺኦም ኣለዉ። ካብቲ ኣብ እስራኤል ዝነበረት ምድሪ ተስፋ ኣጸቢቑ ናብ ዝሓሸ ቦታ ኣትዮም ኣለዉ። እወ፡ ናብ መንፈሳዊ ገነት ኣትዮም ኣለዉ። (ኢሳ. 51:3፣ 66:8) እሞ ደኣ መንፈሳዊ ገነት እንታይ እዩ፧

14. መንፈሳዊ ገነት እንታይ እዩ፧ ሎሚ ኣብኡ ዚነብሩ ዘለዉኸ መን እዮም፧ (መግለጺ ቓላት ርአ።)

14 ካብ 1919 ድ.ክ. ንደሓር፡ እቶም ቅቡኣት ኣብ መንፈሳዊ ገነት ተሓጒሶም ይነብሩ ኣለዉ። b ግዜ እናሓለፈ ምስ ከደ ድማ፡ እቶም ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም “ካልኦት ኣባጊዕ” ኣብዚ መንፈሳዊ ገነት እዚ ይነብሩ ኣለዉ፡ ብዙሕ በረኸት የሆዋ እውን የስተማቕሩ ኣለዉ።—ዮሃ. 10:16፣ ኢሳ. 25:6፣ 65:13

15. መንፈሳዊ ገነት ኣበይ እዩ ዚርከብ፧

15 እሞ ደኣ ሎሚ እዛ መንፈሳዊት ምድሪ ወይ እዚ መንፈሳዊ ገነት ኣበይ እዩ ዚርከብ፧ ኣምለኽቲ የሆዋ ኣብ ኵሉ ኽፋላት ምድሪ ኺርከቡ ይኽእሉ እዮም። ስለዚ፡ እቲ ዚነብሩሉ መንፈሳዊ ገነት ኣብ ምሉእ ዓለም እዩ ዘሎ። እምበኣር፡ ሎሚ ኣብ ዝነበርና ንንበር፡ ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ብንጡፍ ክሳዕ ዝደገፍና፡ ኣብ መንፈሳዊ ገነት ክንኣቱ ንኽእል ኢና።

ነፍሲ ወከፍና ንጽባቐ መንፈሳዊ ገነት ኣበርክቶ ኽንገብር እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 16-17 ርአ)

16. ጽባቐ መንፈሳዊት ገነት ወትሩ ምእንቲ ኺርኣየና እንታይ ክንገብር ኣሎና፧

16 ካብ መንፈሳዊ ገነት ምእንቲ ኸይንወጽእ፡ ንዓለምለኻዊት ክርስትያናዊት ጉባኤ ዘሎና ዓሚቝ ሞሳ ኽንዕቅብ ኣሎና። ከመይ ጌርና ኢና ኸምኡ ኽንገብር እንኽእል፧ ኣብ ዘይፍጽምና ዘይኰነስ፡ ኣብ ጽባቐ እቶም ኣብኡ ዚነብሩ ብምትኳር ኢና ኸምኡ ኽንገብር እንኽእል። (ዮሃ. 17:20, 21) እዚ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ነዚ ዚስዕብ ምሳሌ እስከ ንርአ። ኣብ ሓደ ውቁብ መናፈሻ ወይ ስፍራ ኣታኽልቲ በብዓይነቱ ኣእዋም ንርኢ ኢና። ብተመሳሳሊ፡ እቲ ሎሚ ኣብ ጉባኤታትና ዘሎ መንፈሳዊ ገነት እውን፡ ከም ኣእዋም ብዝኣመሰሉ እተፈላለዩ ሰባት እዩ ተሰሊሙ ዘሎ። (ኢሳ. 44:4፣ 61:3) እምበኣር፡ ኣብ ኣበር እቲ ኣብ ጥቓና ዘሎ “ኣእዋም” ዘይኰነስ፡ ኣብ ጽባቐ እቲ “ዱር” ከነተኵር ኣሎና። ብሰንኪ ዘይፍጽምናና ወይ ብሰንኪ ዘይፍጽምና እቶም ኣብ ጉባኤና ዘለዉ ሰባት፡ ንሓፈሻዊ ጽባቐ እታ ሓድነት ዘለዋ ዓለምለኻዊት ክርስትያናዊት ጉባኤ ዓይንና ኣይንዓምት።

17. ንሓድነት ጉባኤ ኣበርክቶ ንምግባር ነፍሲ ወከፍና እንታይ ክንገብር ንኽእል፧

17 እሞ ደኣ ነዚ ሓድነት እዚ ኣበርክቶ ንምግባር፡ ብውልቅና እንታይ ክንገብር ንኽእል፧ ገበርቲ ሰላም ክንከውን ንኽእል ኢና። (ማቴ. 5:9፣ ሮሜ 12:18) ኣብ ጉባኤና ምስ ዘለዉ ሰባት ብሰላም ንምንባር ተበግሶ ብዝወሰድና መጠን፡ ንጽባቐ እቲ መንፈሳዊ ገነት ኢና እንውስኸሉ ዘለና። ንነፍሲ ወከፍ ኣብቲ መንፈሳዊ ገነት ዘሎ ሰብ ናብ ንጹህ ኣምልኾ ኺመጽእ የሆዋ ኸም ዝሰሓቦ ኽንርስዕ የብልናን። (ዮሃ. 6:44) ነቲ ኣብ መንጎ እቶም የሆዋ ዚፈትዎም ኣገልገልቱ ዘሎ ሰላምን ሓድነትን ንምድንፋዕ ዚከኣለና ኽንገብር ከለና፡ ንሱ ኽሳዕ ክንደይ ከም ዚሕጐስ እሞ ብኣእምሮና ንስኣሎ!—ኢሳ. 26:3፣ ሃጌ 2:7

18. ብዛዕባ እንታይ ኢና ብዙሕ ሳዕ ከነስተንትን ዘሎና ስለምንታይከ፧

18 ካብቲ ኸም ኣገልገልቲ ኣምላኽ መጠን እንረኽቦ በረኸት ከመይ ጌርና ምሉእ ብምሉእ ክንጥቀም ንኽእል፧ ብዛዕባ እቲ ኣብ ቃል ኣምላኽን ኣብ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ጽሑፋትናን እንገብሮ መጽናዕቲ ብዕምቈት ክንሓስብ ኣሎና። እዚ መጽናዕትን ምስትንታንን ከኣ ክርስትያናዊ ባህርያት ከነማዕብል ስለ ዚሕግዘና፡ ኣብ ጉባኤ ‘ብሕውነታዊት ፍቕሪ ንሓድሕድና ኻብ ልቢ ኽንፋቐር’ የለዓዕለና እዩ። (ሮሜ 12:10) ብዛዕባ እቲ ሕጂ ረኺብናዮ ዘለና በረኸት ምስ እነስተንትን ከኣ፡ ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ ይድልድል እዩ። ብተወሳኺ፡ ነቲ የሆዋ ኣብ መጻኢ ዓቚሩልና ዘሎ በረኸት ምስ እነስተንትነሉ፡ እቲ ንዕኡ ንዘለኣለም ንምግልጋል ዘሎና ተስፋ ህያው እዩ ዚዀነልና። እዚ ዅሉ ኸኣ፡ ሎሚ ንየሆዋ ብታሕጓስ ከነገልግሎ የኽእለና እዩ።

ብተጻዋርነት ንምምልላስ ቍረጽ

19. (ሀ) ብመሰረት ኢሳይያስ 30:18፡ ብዛዕባ እንታይ ኢና ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል፧ (ለ) እንታይ እዩ ብሓጐስ ክንጻወር ዚሕግዘና፧

19 የሆዋ ነዛ እክይቲ ዓለም እዚኣ ብምጥፋእ፡ ምእንታና “ኺትንስእ” እዩ። (ኢሳ. 30:18) ንሱ “ኣምላኽ ፍትሒ” ስለ ዝዀነ፡ ንናይ ሰይጣን ዓለም ክንየው እቲ ፍትሒ ዚጠልቦ እዋን ንሓንቲ መዓልቲ እውን እንተ ዀነ ኽትጸንሕ ኣይኬፍቅድን እዩ። (ኢሳ. 25:9) ነታ መዓልቲ ድሕነትና ብትዕግስቲ ኢና እንጽበያ። ክሳዕ ሽዑ ግና፡ ንፍሉይ መሰል ጸሎትና ኣኽቢርና ኽንርኢ፡ ቃል ኣምላኽ ከነጽንዕን ክንትግብርን፡ ከምኡ እውን ብዛዕባ በረኸትና ኸነስተንትን ቈሪጽና ኢና ዘለና። ከምኡ ኽንገብር ከለና ኸኣ፡ የሆዋ ኣብቲ ንዕኡ እነቕርቦ ኣምልኾ ብሓጐስ ክንጻወር ይሕግዘና እዩ።

መዝሙር 142 ንተስፋና ኣጽኒዕና ንሓዛ

a ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ የሆዋ ንኣምለኽቱ፡ ኣብ ህይወት ዜጋጥሞም ብድሆታት ብሓጐስ ኪጻወሩ ዘኽኣለሉ ሰለስተ መገድታት ክንርኢ ኢና። ብዛዕባ እዚ ሓገዝ እዚ ንምፍላጥ ከኣ፡ ን​ኢሳይያስ ምዕራፍ 30 ኽንምርምራ ኢና። ነዛ ምዕራፍ እዚኣ ኽንምርምራ ኸለና፡ ናብ የሆዋ ምጽላይን ቃሉ ምጽናዕን ብዛዕባ እቲ ሕጅን ኣብ መጻእን እንረኽቦ በረኸት ምስትንታንን ዘለዎ ኣገዳስነት ክንዘኻኸር ኢና።

b መግለጺ ቓላት፦ “መንፈሳዊ ገነት” ኪብሃል ከሎ ነቲ ንየሆዋ ብሓድነት እነምልኸሉ ውሑስ ሃዋህው እዩ ዜመልክት። ኣብዚ ሃዋህው እዚ፡ ካብ ሃይማኖታዊ ሓሶታት ናጻ ዝዀነ ኣኺሉ ዚተርፍ መንፈሳዊ ምግቢ ኣሎና። ብተወሳኺ ድማ፡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ናይ ምስባኽ ብዙሕን ዜዕግብን ዕዮ ኣሎና። ኣብኡ ኸኣ ምስ የሆዋ ናይ ቀረባ ርክብ ነስተማቕር፡ ምስቶም ኣብ ህይወት ዜጋጥመና ጸገማት ብሓጐስ ክንጻወር ዚሕግዙና ፈቃራት ኣሕዋትናን ኣሓትናን እውን ብሰላም ንነብር ኢና። ናብ መንፈሳዊ ገነት ንምእታው፡ ንየሆዋ ብቕኑዕ መገዲ ኸነምልኾን ንዕኡ ንምምሳል ዚከኣለና ኽንገብርን ኣሎና።