ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 48

ተኣማንነትካ ኺፍተን ከሎ፡ ቀልብኻ ሓሉ

ተኣማንነትካ ኺፍተን ከሎ፡ ቀልብኻ ሓሉ

“ብዅሉ ቐልብኻ ሓሉ።”—2 ጢሞ. 4:5

መዝሙር 123 ንቲኦክራስያዊ ስርዓት ብተኣማንነት ንገዛእ

መላለዪ a

1. ቀልብና ንሓሉ ኺብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧ (2 ጢሞቴዎስ 4:5)

 ተጻብኦታት ኬጋጥመና ኸሎ፡ ኣብ የሆዋን ኣብ ውድቡን ዘሎና ተኣማንነት ኪፍተን ይኽእል እዩ። እሞ ደኣ ነዚ ብድሆታት ብኸመይ ክንሰግሮ ንኽእል፧ ቀልብና ኽንሕሉ፡ ክንነቅሕ፡ ኣብ እምነት እውን ክንጸንዕ ኣሎና። (2 ጢሞቴዎስ 4:5 ኣንብብ።) ቀልብና ንምሕላው፡ ክንሃድእ፡ ብንጹር ክንሓስብ፡ ኣረኣእያ የሆዋ እውን ክንሕዝ ኣሎና። ከምኡ ኽንገብር ከለና፡ ስምዒታትና ንሓሳባትና ኣይቈጻጸሮን እዩ።

2. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ብዛዕባ እንታይ ኢና ኽንመያየጥ፧

2 ኣብ ዝሓለፈት ዓንቀጽ፡ ካብቲ ኻብ ጉባኤ ወጻኢ ኺመጽእ ዚኽእል ሰለስተ ብድሆታት ርኢና ኔርና። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ድማ፡ ካብ ውሽጢ ጉባኤ ተላዒሉ ነቲ ኣብ የሆዋ ዘሎና ተኣማንነት ኪፍትን ዚኽእል ሰለስተ ብድሆታት ክንርኢ ኢና። እዚ ድማ፡ (1) ክርስትያናት ብጾትና ኸም ዝበደሉና ዀይኑ ኺስምዓና ኸሎ፡ (2) ተግሳጽ ኪውሃበና ኸሎ፡ (3) ውድባዊ ለውጥታት ምልማድ ኪኸብደና ኸሎ እዩ። እዚ ብድሆታት እዚ ኼጋጥመና ኸሎ፡ ከመይ ጌርና ኢና ቐልብና ኽንሕሉ፡ ናብ የሆዋን ናብ ውድቡን እውን ብተኣማንነት ክንለግብ እንኽእል፧

ክርስትያን ብጻይና ኸም ዝበደለና ዀይኑ ኺስምዓና ኸሎ

3. ሓደ ክርስትያን ብጻይና ኸም ዝበደለና ዀይኑ እንተ ተሰሚዑና፡ እንታይ ኢልና ኢና ኽንሓስብ እንኽእል፧

3 ሓደ ክርስትያን ብጻይ፡ ምናልባት እውን ሓደ ሓላፍነት ዘለዎ ሓው ከም ዝበደለካ ዀይኑዶ ተሰሚዑካ ይፈልጥ፧ መሸም ኪጐድኣካ ኢሉ ሓሊኑ ኸም ዘይተላዕለ ፍሉጥ እዩ። (ሮሜ 3:23፣ ያእ. 3:2) ኰይኑ ግና፡ ተግባራቱ የጕህየካ ይኸውን። ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ክትሓስብ ድቃስ ስኢንካ ትኸውን። ሕሉፍ ሓሊፍካ እውን፡ ‘ሓደ ሓው ከምዚ ኺገብር ካብ ከኣለ፡ እዚኣስ ብሓቂዶ ውድብ የሆዋ እያ፧’ ኢልካ ሓሲብካ ትኸውን። ሰይጣን ከምኡ ኢልካ ኽትሓስብ እዩ ዚደልየካ። (2 ቈረ. 2:11) ከምዚ ዝኣመሰለ ኣሉታዊ ኣተሓሳስባ ኻብ የሆዋን ካብ ውድቡን ከም እንፍለ ኺገብረና ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ሓደ ሓው ወይ ሓብቲ ኸም ዝበደሉና ዀይኑ እንተ ተሰሚዑና፡ ከመይ ጌርና ኢና ቐልብና ኽንሕሉ፡ ካብ ጐዳኢ ሓሳባት እውን ክንርሕቕ እንኽእል፧

4. ዮሴፍ ግዳይ በደል ኣብ ዝዀነሉ እዋን ብኸመይ እዩ ቐልቡ ሓልዩ፧ ካብኡኸ እንታይ ንምሃር፧ (ዘፍጥረት 50:19-21)

4 ኣይትመረር። ዮሴፍ ገና መንእሰይ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ በቶም ብዕድመ ኻብኡ ዚዓብዩ ኣሕዋቱ ተበዲሉ እዩ። ኣብ ፈለማ፡ ጸልእዎ፣ ገሊኣቶም እሞ ኸኣ ኪቐትልዎ ይደልዩ ነበሩ። (ዘፍ. 37:4, 18-22) ኣብ መወዳእታኡ ኸኣ፡ ንባርነት ሸጥዎ። ብሰንኪ እዚ ድማ፡ ዮሴፍ ን13 ዓመት ዚኸውን ከቢድ ፈተናታት ኣሕለፈ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ የሆዋ ብሓቂ ዜፍቅሮ እንተ ዀይኑ ኺሓስብ ምኸኣለ ነይሩ። ኣብ እዋን ሽግሩ፡ የሆዋ ራሕሪሕዎ እንተ ዀይኑ እውን ኪሓስብ ምኸኣለ ነይሩ። ኰይኑ ግና፡ ኣይተመረረን። ኣብ ክንዳኡ ግና፡ ብህድኣት ብምምልላስ፡ ቀልቡ ሓለወ። ኣብ ልዕሊ ኣሕዋቱ ሕነ ኺፈዲ ኣጋጣሚ ምስ ረኸበ፡ ከምኡ ኻብ ምግባር ገዛእ ርእሱ ገትአ፡ ንኣሕዋቱ ፍቕሪ ኣርኣዮም፡ ይቕረ እውን በለሎም። (ዘፍ. 45:4, 5) ከምዚ ኺገብር ዝኸኣለ፡ ብንጹር ይሓስብ ብምንባሩ እዩ። ኣብ ጸገማቱ ኣብ ክንዲ ዜተኵር፡ ኣብቲ ዝዓበየ ስእሊ፡ ማለት ኣብ ዕላማ የሆዋ እዩ ኣተኲሩ። (ዘፍጥረት 50:19-21 ኣንብብ።) ካብዚ እንታይ ትምሃር፧ ግዳይ በደል እንተ ዄንካ ብየሆዋ ኣይትመረር፡ ወይ ከም ዝሓደገካ ጌርካ ኣይትሕሰብ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ነቲ ፈተና ኽትጻወሮ ብኸመይ ይሕግዘካ ኸም ዘሎ ኣስተንትን። ብተወሳኺ፡ ካልኦት ኪብድሉኻ ኸለዉ፡ ንዘይፍጽምናኦም ብፍቕሪ ሸፍኖ።—1 ጴጥ. 4:8

5. ሚኬያስ ከም እተበደለ ዀይኑ ኣብ እተሰምዖ እዋን ቀልቡ ኺሕሉ ዝኸኣለ ብኸመይ እዩ፧

5 ኣብ ደቡብ ኣመሪካ ንዚነብር ሚኬያስ ንዝስሙ ሽማግለ ዘጋጠሞ እስከ ንርአ። b እዚ ሓው እዚ፡ ገሊኦም ሓላፍነት ዘለዎም ኣሕዋት ኣመና ዝበደልዎ ዀይኑ እተሰምዖ እዋን ነይሩ እዩ። ብዛዕባ እዚ ኺገልጽ ከሎ ኸኣ ከምዚ ይብል፦ “ቅድሚኡ ኸምኡ ዓይነት ውጥረት ተሰሚዑኒ ኣይፈልጥን እዩ። ፈሪሀ እየ ነይረ። ለይቲ ድቃስ ዚብሃል ኣይወስደንን እዩ ነይሩ። ዝገብሮ ስለ ዝሓርበተኒ እውን፡ እነብዕ ነይረ።” ኰይኑ ግና፡ ሚኬያስ ቀልቡ ሓለወ፡ ስምዒቱ ንምቍጽጻር እውን ጸዓረ። ንምጽዋር ዜድልዮ መንፈስ ቅዱስን ብርታዐን ምእንቲ ኺውሃቦ ኸኣ፡ ናብ የሆዋ ብጽኑዕ ጸለየ። ኣብ ጽሑፋትና እውን፡ ኪሕግዞ ዚኽእል ሓበሬታ ኣናደየ። ካብዚ እንታይ ትምሃር፧ ሓው ወይ ሓብቲ ዝበደለካ ዀይኑ እንተ ተሰሚዑካ፡ ፈለማ ህዳእ፡ ንኣሉታዊ ስምዒታትካ እውን ክትቈጻጸሮ ጽዓር። እቲ ሰብ እቲ ነቲ ዘረባ ኸም ዚዛረብ ወይ ነቲ ተግባር ከም ዚገብር ዝገበሮ ዅነታት ኣይትፈልጥን ትኸውን። ስለዚ፡ ንየሆዋ ብጸሎት ተዛረቦ፣ ከም ናይቲ ሰብ ዓይነት ኣረኣእያ ምእንቲ ኺህልወካ እውን ኪሕግዘካ ለምኖ። ከምኡ እንተ ጌርካ፡ ንክርስትያን ብጻይካ ዕድል ክትህቦ፡ ንበደሉ እውን ዕሽሽ ክትብሎ ኢኻ። (ምሳ. 19:11) የሆዋ ንዅነታትካ ኸም ዚርድኦ፡ ክትጻወር እውን ሓይሊ ኸም ዚህበካ ኣይትረስዕ።—2 ዜና 16:9፣ መክ. 5:8

ተግሳጽ ኪውሃበና ኸሎ

6. ንተግሳጽ የሆዋ ኸም መግለጺ ፍቕሪ ጌርና ምርኣይ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ (እብራውያን 12:5, 6, 11)

6 ተግሳጽ ስምዒታዊ ስቓይ ኬስዕበልና ይኽእል እዩ። ኣብቲ ስቓይ እንተ ኣተኲርና ኸኣ፡ እቲ ተግሳጽ ዘይፍትሓዊ ኸም ዝዀነ ወይ እምብዛ ኸም ዝተረረ ጌርና ኸነቋናጽቦ ንኽእል ኢና። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ሓደ ፍሉይ ነገር ኬምልጠና ይኽእል እዩ፣ ንተግሳጽ ከም መግለጺ ፍቕሪ የሆዋ ጌርና ኸይንርእዮ ንኽእል ኢና። (እብራውያን 12:5, 6, 11 ኣንብብ።) ንስምዒታትና ኺቈጻጸረና እንተ ፈቒድናሉ ድማ፡ ሰይጣን ንስምዒታትና ኺምዝምዞ ኣጋጣሚ ኽንከፍተሉ ንኽእል ኢና። ሰይጣን ንተግሳጽ ክንነጽግ እዩ ዚደልየና። ካብኡ ዝገደደ ድማ ካብ የሆዋን ካብ ጉባኤኡን ክንርሕቕ እዩ ዚደልየና። እሞ ደኣ ተግሳጽ እንተ ተዋሂቡካ፡ ከመይ ጌርካ ኢኻ ቐልብኻ ኽትሕሉ እትኽእል፧

ጴጥሮስ ብትሕትና ምኽርን ተግሳጽን ተቐበለ፣ እዚ ድማ ንየሆዋ ጠቓሚ ከም ዚኸውን ገበሮ (ሕጡብ ጽሑፍ 7 ርአ)

7. (ሀ) ኣብ ስእሊ ተገሊጹ ኸም ዘሎ፡ ጴጥሮስ ተግሳጽ ምስ ተቐበለ፡ የሆዋ ብኸመይ እዩ ተጠቒሙሉ፧ (ለ) ካብ ጴጥሮስ እንታይ ትምሃር፧

7 ተግሳጽ ተቐበል፡ ዜድሊ ምትዕርራያት እውን ግበር። የሱስ ንጴጥሮስ፡ ኣብ እተፈላለየ ኣጋጣሚታት ኣብ ቅድሚ ኻልኦት ሃዋርያት ኣሪምዎ እዩ። (ማር. 8:33፣ ሉቃ. 22:31-34) እዚ ንጴጥሮስ ዜዋርድ ኰይኑ ኺስምዖ ይኽእል ነይሩ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ጴጥሮስ ንየሱስ እሙን ኰይኑ ቐጺሉ እዩ። ነቲ እተዋህቦ ተግሳጽ ተቐቢሉ፡ ካብ ጌጋታቱ እውን ተማሂሩ እዩ። ስለዚ ድማ፡ የሆዋ ንጴጥሮስ ስለቲ ተኣማንነቱ ዓስቢ ሃቦ፣ ኣብ ጉባኤ እውን ከቢድ ሓላፍነት ኣሰከሞ። (ዮሃ. 21:15-17፣ ግብ. 10:24-33፣ 1 ጴጥ. 1:1) እሞ ደኣ ኻብ ጴጥሮስ እንታይ ንምሃር፧ ኣብቲ ተግሳጽ ኪውሃበና ኸሎ ዚስምዓና ውርደት እንተ ዘየተኲርና፡ መአረምታ እንተ ተቐቢልና፡ ዜድሊ ምትዕርራያት እውን እንተ ጌርና፡ ንገዛእ ርእስናን ንኻልኦትን ንጠቅም ኢና። ከምኡ እንተ ጌርና ኸኣ፡ ንየሆዋን ንኣሕዋትናን ብዝያዳ ኢና እንጠቅም።

8-9. በርናርዶ ተግሳጽ ምስ ተዋህቦ ኣብ ፈለማ እንታይ እዩ ተሰሚዕዎ፧ ንኣተሓሳስባኡ ኼዐሪ ዝሓገዞ ግና እንታይ እዩ፧

8 ኣብ ሞዛምቢክ ንዚነብር በርናርዶ ዚብሃል ሓው ዘጋጠሞ እስከ ንርአ። እዚ ሓው እዚ፡ ካብ ሽምግልናኡ ተሰረዘ። እሞ ደኣ ኣብ ፈለማ ኸመይ ተሰምዖ፧ “ነቲ እተዋህበኒ ተግሳጽ ስለ ዘይፈቶኽዎ፡ ቅሬታ ነይሩኒ” ኢሉ ስምዒቱ ገሊጹ ኣሎ። ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ኻልኦት ብዛዕባኡ ዜሕድርዎ ኣረኣእያ እዩ ኣተሓሳሲብዎ ነይሩ። “ብዛዕባ እቲ ዅነታት ቅኑዕ ኣረኣእያ ንምሓዝ፡ ኣብ የሆዋን ኣብ ውድቡን እውን ከም ብሓድሽ እምነት ንምሕዳር ኣዋርሕ እዩ ወሲዱለይ” ኢሉ እውን ተኣሚኑ ኣሎ። እሞ ደኣ ንበርናርዶ፡ ቅኑዕ ኣረኣእያ ኺሕዝ ዝሓገዞ እንታይ እዩ፧

9 በርናርዶ ንኣተሓሳስባኡ ኣረመ። ከምዚ ብምባል ድማ ይገልጽ፦ “ሽማግለ ዀይነ ኣብ ዘገልግለሉ ዝነበርኩ እዋን፡ ን​እብራውያን 12:7፡ ንኻልኦት ሰባት ብዛዕባ ተግሳጽ የሆዋ ቕኑዕ ኣረኣእያ ኺሕዙ እጥቀመላ ነይረ። ሕጂ ኸኣ፡ ‘ነዛ ጥቕሲ እዚኣ ኺትግብራ ዘለዎ መን እዩ፧’ ኢለ ገዛእ ርእሰይ ሓቲተ። ኵሉ ኣገልጋሊ የሆዋ እዩ፣ ዋላ እውን ኣነ።” ድሕርዚ፡ በርናርዶ ኣብ የሆዋን ኣብ ውድቡን ዘለዎ እምንቶ ዳግም ንምህናጽ ተወሳኺ ስጕምትታት ወሰደ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዝያዳ ኼንብብ ጀመረ፡ ብዝያዳ ዕምቈት እውን ኬስተንትን ጀመረ። ኣሕዋቱን ኣሓቱን ብኸመይ ከም ዚርእይዎ የሰክፎ እኳ እንተ ነበረ፡ ኣብ ኣገልግሎት ምሳታቶም ኣገልገለ፣ ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ እውን ተሳተፈ። ጸኒሑ በርናርዶ ዳግም ሽማግለ ዀይኑ ተሸመ። ንስኻ እውን ከም በርናርዶ ተግሳጽ እንተ ተዋሂቡካ፡ ኣብቲ ዚፈጥረልካ ናይ ውርደት ስምዒት ኣይተተኵር፡ ምኽሪ ተቐበል፡ ዜድሊ ምትዕርራያት እውን ግበር። c (ምሳ. 8:33፣ 22:4) ከምኡ እንተ ጌርካ፡ የሆዋ ናብኡን ናብ ውድቡን ብተኣማንነት ብምልጋብካ፡ ብርግጽ ዓስቢ ኺህበካ እዩ።

ውድባዊ ለውጥታት ምልማድ ኪኸብደና ኸሎ

10. እንታይ ውድባዊ ለውጢ እዩ ንተኣማንነት ገሊኦም እስራኤላውያን ሰብኡት ፈቲንዎ ኪኸውን ዚኽእል፧

10 ውድባዊ ለውጥታት ንተኣማንነትና ኺፍትኖ ይኽእል እዩ። እንተ ዘይተጠንቂቕና፡ ካብ የሆዋ እውን ኪፈልየና ይኽእል እዩ። ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሙሴ እተገብረ ውድባዊ ለውጢ ንገሊኦም እስራኤላውያን ብኸመይ ኪጸልዎም ይኽእል ከም ዝነበረ እስከ ንርአ። እቲ ሕጊ ቕድሚ ምቛሙ፡ ርእስታት ስድራ ቤት ከም ካህን ኰይኖም የገልግሉ ነይሮም እዮም። መሰውኢ ይሰርሑ፡ ምእንቲ ስድራ ቤቶም ከኣ ንየሆዋ መስዋእቲ ይስውኡሉ ነይሮም እዮም። (ዘፍ. 8:20, 21፣ 12:7፣ 26:25፣ 35:1, 6, 7፣ እዮ. 1:5) እቲ ሕጊ ምስ ቈመ ግና፡ እዚ ፍሉይ መሰል እዚ ነቶም ርእስታት ስድራ ቤት ኣይተዋህበን። የሆዋ ንዓሌት ኣሮን እዩ መስዋእትታት ዚስውኡ ኻህናት ገይሩ ሸይምዎም። እቲ ውድባዊ ለውጢ ኺዓዪ ድሕሪ ምጅማሩ፡ ሓደ ኻብ ዓሌት ኣሮን ዘይኰነ ርእሲ ስድራ ቤት ከም ካህን ኰይኑ ኺዓዪ እንተ ጀሚሩ፡ ኪቕተል ይኽእል ነይሩ እዩ። d (ዘሌ. 17:3-6, 8, 9) ቆራሕን ዳታንን ኣቢራምን 250 ሹማምንትን ካብ ስልጣን ሙሴን ኣሮንን ከም ዚዓልዉ ዝገበሮም ሓደ ምኽንያት እዚ ደዀን ኪኸውን ይኽእል፧ (ዘሁ. 16:1-3) ርግጸኛታት ኴንና ኽንዛረብ ኣይንኽእልን ኢና። ዝዀነ ዀይኑ፡ ቆራሕን ምስኡ ዝሓበሩ ሰባትን ንየሆዋ ዝነበሮም ተኣማንነት ኣይሓለዉን። እሞ ደኣ ውድባዊ ለውጥታት ንተኣማንነትካ እንተ ፈቲንዎ እንታይ ኢኻ ኽትገብር እትኽእል፧

ቀሃታውያን ናይ ምድብ ለውጢ ምስ ተዋህቦም፡ ዘመርቲ፡ ሓለውቲ ኣፍ ደገ፡ ወይ ኣብ ማዕከናት ዚዓይዩ ዓየይቲ ዀይኖም ብፍታዎም ኣገልገሉ (ሕጡብ ጽሑፍ 11 ርአ)

11. ካብቶም ቀሃታውያን ዝዀኑ ሌዋውያን እንታይ ንምሃር፧

11 ንውድባዊ ለውጥታት ብምሉእ ልብኻ ደግፎ። እስራኤላውያን ኣብ በረኻ ኣብ ዚጕዓዙሉ ዝነበሩ እዋን፡ ቀሃታውያን ፍሉይ ዕዮ እዩ ተዋሂብዎም ነይሩ። እስራኤላውያን ካብ ሓደ ሰፈር ናብ ካልእ ሰፈር ኣብ ዚጕዓዙሉ ዝነበሩ እዋን፡ ገሊኦም ቀሃታውያን ነቲ ታቦት ኪዳን ጾይሮም ኣብ ቅድሚ ዅሎም ህዝቢ ይጕዓዙ ነይሮም። (ዘሁ. 3:29, 31፣ 10:33፣ እያ. 3:2-4) እዚ ዓብዪ መሰል እዩ ነይሩ! እስራኤላውያን ኣብ ምድሪ ተስፋ ምስ ሰፈሩ ግና፡ ነገራት ተቐያየረ። እቲ ታቦት በብእዋኑ ኻብ ቦታ ናብ ቦታ ኣይግዕዝን እዩ ነይሩ። ስለዚ፡ ሰሎሞን ንጉስ ኰይኑ ኣብ ዚገዝኣሉ ዝነበረ እዋን፡ ገሊኦም ቀሃታውያን ዘመርቲ ዀይኖም እዮም ዜገልግሉ ነይሮም፣ ገሊኦም ከኣ ሓለውቲ ኣፍ ደገ ዀይኖም እዮም ዜገልግሉ ነይሮም፣ ገሊኦም ድማ ኣብ ልዕሊ እቲ ማዕከናት እዩ ሓላፍነት ተዋሂብዎም ነይሩ። (1 ዜና 6:31-33፣ 26:1, 24) ቀሃታውያን ነቲ ፍሉይ ታሪኾም እናዘከሩ ኸም ዘማረሩ፡ ወይ ክብ ኣቢልካ ዚርአ ቦታ ኺውሃቦም ከም ዝሓተቱ ዚሕብር ጸብጻብ የሎን። ካብዚ እንታይ ንምሃር፧ ነቲ ውድብ የሆዋ እትገብሮ ለውጥታት፡ እንተላይ ነቲ ንዕዮኻ ዚጸሉ እውን እንተ ዀነ፡ ብምሉእ ልብኻ ደግፎ። በቲ ዚውሃበካ ዕዮ ተሓጐስ። ከም ሰብ ዘሎካ ዋጋ ብዕዮኻ ኸም ዘይግመት ኣይትረስዕ። የሆዋ ንተኣዛዝነትካ ኻብ ዝዀነ ይኹን ዕዮ ንላዕሊ ኽብ ኣቢሉ እዩ ዚርእዮ።—1 ሳሙ. 15:22

12. ዛይና ኻብ ቤት-ኤል ወጻኢ ኸተገልግል ምስ ተመደበት፡ ከመይ ተሰሚዕዋ፧

12 ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ንእትነብር ዛይና ዝስማ ሓብቲ ዘጋጠማ እስከ ንርአ። እዛ ሓብቲ እዚኣ፡ ናይ ምድብ ለውጢ ተዋህባ፡ እትፈትዎ ፍሉይ መሰላ እውን ሰኣነት። ኣብ ቤት-ኤል ን23 ዓመት ድሕሪ ምግልጋላ፡ ካብ ቤት-ኤል ወጻኢ ኸተገልግል ተመደበት። ብዛዕባ እቲ ሽዑ እተሰምዓ ኽትገልጽ ከላ ኸምዚ ትብል፦ “እዚ ናይ ምድብ ለውጢ እዚ ኣመና እዩ ኣሰምቢዱኒ። ዋጋ ዘይብለይ ኰይኑ እዩ ተሰሚዑኒ። ‘እንታይ እየ በዲለ፧’ ኢለ እውን ገዛእ ርእሰይ እሓትት ነይረ።” እቲ ዜሕዝን ድማ፡ ገሊኦም ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ኣሕዋትን ኣሓትን፡ “ንፍዕቲ እንተ ትዀኒ ኔርኪ፡ ውድብና ኣይመሰናበተትክን ነይራ” ኢሎም ኣብ ልዕሊ ስቓያ ስቓይ ወሰኹላ። ንእተወሰነ እዋን፡ ዛይና ጕህያ ነበረት፣ ምሸት ምሸት እውን ትበኪ ነበረት። ኰይኑ ግና፡ “ንውድብና ዀነ ንፍቕሪ የሆዋ ፈጺመ ኣይተጠራጠርኩን” ብምባል ዝነበራ ቘራጽነት ትገልጽ። እሞ ደኣ ዛይና ቐልባ ኽትሕሉ ዝኸኣለት ብኸመይ እያ፧

13. ዛይና ነቲ ኣሉታዊ ስምዒታታ ንምስናፍ እንታይ እያ ገይራ፧

13 ዛይና ንኣሉታዊ ስምዒታታ ኽትዋጽኣሉ ኸኣለት። ብኸመይ፧ ብዛዕባ ብሕታዊ ጸገማታ ዚምልከት ኣብ ጽሑፋትና ዝወጸ ዓንቀጻት ኣንበበት። ኣብ ናይ 1 ለካቲት 2001 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸት፡ “ንተስፋ ምቝራጽ ክትዋጽኣሉ ትኽእል ኢኻ!” ዘርእስታ ዓንቀጽ ብዙሕ እያ ሓጊዛታ። ኣብታ ዓንቀጽ እቲኣ፡ እቲ ሓደ ኻብ ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነ ማርቆስ ናይ ምድብ ለውጢ ምስ ተዋህቦ፡ ምስ ተመሳሳሊ ስምዒታት ተቓሊሱ ኪኸውን ከም ዚኽእል ተገሊጹ ኣሎ። ዛይና፡ “ኣብነት ማርቆስ ነቲ ዚስምዓኒ ዝነበረ ተስፋ ምቝራጽ ክሰግሮ ዚሕግዝ ፈውሲ እዩ ዀይኑለይ” ትብል። ብተወሳኺ፡ ምስ ፈተውታ ኣይተረሓሓቐትን፡ ገዛእ ርእሳ ኣይፈለየትን፡ በቲ ዘጋጠማ ድማ ኣየስተማሰለትን። መንፈስ የሆዋ ኣብ ውድቡ ኸም ዚዓዪ፡ እቶም ኪመርሑና ሓላፍነት እተዋህቦም እውን ኣጸቢቖም ከም ዚሓልዩላ ደምደመት። ብተወሳኺ ድማ፡ እታ ውድብ ነቲ የሆዋ ዝሃበና ንምዕያይ፡ ዝበለጸ መገዲ ኽትጥቀም ከም ዘለዋ ተገንዘበት።

14. ቫልዶ እንታይ ውድባዊ ለውጢ እዩ ምልማድ ከቢድዎ ነይሩ፧ ግናኸ እንታይ እዩ ሓጊዝዎ፧

14 ቫልዶ ዝስሙ ኣብ ስሎቨንያ ዚነብር ወዲ 73 ዓመት ሽማግለ፡ ጉባኤኡ ምስ ካልእ ጉባኤ ምስ ተሓወሰት እሞ እቲ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ምስ ተዓጽወ ኸቢድዎ ነይሩ እዩ። ብዛዕባ እቲ ሽዑ እተሰምዖ ኺገልጽ ከሎ ኸምዚ ይብል፦ “እቲ ውቁብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ስለምንታይ ከም እተዓጽወ ኺርድኣኒ ኣይከኣለን። ነቲ ኣዳራሽ ኣብ ቀረባ ግዜ ስለ ዝሓደስናዮ፡ እዚ ንስምዒተይ ጐዲእዎ ነይሩ። ኣነ ጸራቢ እየ፡ ንገለ ኻብቲ ኣቕሑ እውን ኣነ እየ ሰሪሐዮ። ብዘይካዚ፡ እቲ ዳግመ ውዳበ ንዓና ብዕድመ ንዝደፋእና ኣስፋሕቲ ዘይጥዕም ብዙሕ ለውጥታት ኣምጺኡ እዩ።” እሞ ደኣ ቫልዶ ነቲ መምርሒ ኺድግፍ ዝሓገዞ እንታይ እዩ፧ ከምዚ ብምባል ይገልጽ፦ “ምስቲ ውድብ የሆዋ እትገብሮ ለውጥታት ተሰማሚዕካ ምኻድ፡ ወትሩ በረኸት እዩ ዜምጽእ። እዚ ምትዕርራያት እዚ ኸኣ ነቲ ኣብ መጻኢ ዚመጽእ ዝዓበየ ለውጥታት እዩ ዜዳልወና ዘሎ።” ንስኻኸ ምትሕውዋስ ጉባኤታት ወይ ናይ ምድብ ለውጢ ንዜስዕቦ ምትዕርራያት ክትለምዶዶ ኸቢዱካ ኣሎ፧ የሆዋ ንስምዒትካ ኸም ዚርድኣልካ ኣይትጠራጠር። ነዚ ለውጥታት እዚ እንተ ደጊፍካ፡ ናብ የሆዋን ናብቲ ንሱ ዚጥቀመላ ዘሎ ውድቡን ከኣ ብተኣማንነት እንተ ለጊብካ፡ ብርግጽ ክትባረኽ ኢኻ።—መዝ. 18:25

ብዅሉ ቐልብኻ ሓሉ

15. ካብ ውሽጢ ጉባኤ ብድሆታት ኬጋጥመና ኸሎ፡ ከመይ ጌርና ኢና ቐልብና ኽንሕሉ እንኽእል፧

15 ናብ መወዳእታ እዚ ስርዓት እዚ እናቐረብና ብዝኸድና መጠን፡ ካብ ውሽጢ ጉባኤ ብድሆታት ኪመጽእ ትጽቢት ንገብር ኢና። እዚ ብድሆታት እዚ ኸኣ ነቲ ንየሆዋ ዘሎና ተኣማንነት ኪፍትኖ ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ቀልብና ንሓሉ። ክርስትያናት ብጾትካ ኸም ዝበደሉኻ ዀይኑ እንተ ተሰሚዑካ፡ ኣይትመረር። ተግሳጽ እንተ ተዋሂቡካ፡ ኣብቲ እዚ ዚፈጥረልካ ናይ ውርደት ስምዒት ኣይተተኵር፡ ነቲ ምኽሪ ተቐበሎ፡ ዜድሊ ምትዕርራያት እውን ግበር። ውድብ የሆዋ ንዓኻ ብውልቂ ዚጸሉ ለውጥታት እንተ ገይራ ድማ፡ ነዚ ብምሉእ ልብኻ ተቐበሎ፡ ንዚውሃበካ መምርሒ እውን ተኣዘዝ።

16. ኣብ የሆዋን ኣብ ውድቡን ዘሎና እምነት ሓሊና ኽንመላለስ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

16 ተኣማንነትካ ኺፍተን ከሎ፡ ኣብ የሆዋን ኣብ ውድቡን ዘሎካ እምነት ሓሊኻ ኽትመላለስ ትኽእል ኢኻ። ከምኡ ንምግባር ግና፡ ቀልብኻ ኽትሕሉ ኣሎካ፣ ማለት፡ ክትሃድእ፡ ብንጹር ክትሓስብ፡ ብኣረኣእያ የሆዋ እውን ክትርኢ ኣሎካ። ብዛዕባ እቶም ንተመሳሳሊ ዅነታት ብዓወት እተዋጽኡሉ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተጠቕሱ ኣብነታት ኣጽንዕ፣ ብዛዕባ እቲ ዝሓደግዎ ኣብነት እውን ኣስተንትን። ሓገዝ ንምርካብ ናብ የሆዋ ጸሊ። ካብ ጉባኤ እውን ርእስኻ ኣይትፍለ። ከምኡ እንተ ጌርካ፡ ዝመጸ እኳ እንተ መጸ፡ ሰይጣን ካብ የሆዋን ካብ ውድቡን ኣይኪፈልየካን እዩ።—ያእ. 4:7

መዝሙር 126 ንቕሑ፡ ጽንዑ፡ ሰብኡት ኩኑ

a ምናዳ ኻብ ውሽጢ ጉባኤ ብድሆታት ኬጋጥመና ኸሎ፡ ንየሆዋን ውድቡን ዘሎና ተኣማንነት ኪፍተን ይኽእል እዩ። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ሰለስተ ኻብዚ ብድሆታት ክንርኢ ኢና። ንየሆዋን ንውድቡን እሙናት ኴንና ምእንቲ ኽንመላለስ እንታይ ክንገብር ከም ዘሎና እውን ክንመያየጥ ኢና።

b ገሊኡ ስማት ተቐዪሩ እዩ።

c ኣብታ ኣብ ናይ 15 ነሓሰ 2009 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ፡ ኣብ ገጽ 30 ዝወጸት፡ “ነቲ ቕድሚ ሕጂ ዝነበረካ ፍሉይ መሰል መሊስካ ኽትረኽቦ ትኽእልዶ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ፡ ተወሳኺ ሓጋዚ ሓሳባት ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

d ርእስታት ስድራ ቤት ስጋ ኺበልዑ ኢሎም ካብ እንስሳታቶም ኪሓርዱ እንተ ደልዮም፡ ነቲ እንስሳ ናብ መቕደስ ኪወስድዎ ኸም ዚግባእ፡ እቲ ሕጊ ይእዝዝ ነይሩ እዩ። ነቶም ካብታ መቕደስ ርሒቖም ዚነብሩ ርእስታት ስድራ ቤት ግና ሕድገታት ይግበረሎም ነይሩ እዩ።—ዘዳ. 12:21