ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ታሪኽ ህይወት

“ንየሆዋ እየ ኽዓዪ ደልየ”

“ንየሆዋ እየ ኽዓዪ ደልየ”

ነቶም ክንበጽሖም ዝኸድና ኣብ ቍሸት ግራንቡሪ ዚርከቡ ሒደት ሰባት ኢድና እናኣወዛወዝና ተሰናበትናዮም። ግራንቡሪ ኣብ ውሽጢ እቲ ኣብ ሱሪናም ዝርከብ ጫካ እተደኰነት ቍሸት እያ። ድሕርዚ፡ ኣብ ሓንቲ ኻብ ሓደ ጕንዲ እተሰርሐት ታንኳ ተሰቒልና፡ ብፈለግ ታፓናሆኒ ኣቢልና ተጓዓዝና። ኣብ ሓደ እቲ ወሓይዝ ብፍጥነት ዚውሕዘሉ ኽፋል እቲ ፈለግ ምስ በጻሕና ግና፡ እቲ ኸም መጀለቢ ዘገልግል ሞተር እታ ታንኳ ምስ ከውሒ ተጋጨወ። ብኡብኡ እታ ጃልባ ብኣፍንጫኣ ንውሽጢ ተነቝተት። ንሕና እውን ናብ ውሽጢ እቲ ማይ ኣተና። ሽዑ ልበይ ኣመና ኽትወቅዕ ጀመረት። ሓላው ወረዳ ድሕሪ ምዃነይ ብዙሕ ግዜ እኳ ብጃለቡ እንተ ተጓዓዝኩ፡ ሓምቢሰ ግና ኣይክእልን እየ ነይረ!

ድሕሪኡ እንታይ ከም ዝዀነ ቕድሚ ምንጋረይ፡ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ብኸመይ ከም ዝጀመርኩ ኸዘንትወልኩም።

ብ1942 ኣብታ ኣብ ካሪበያ እትርከብ ውቅብቲ ደሴት ኩራሳኦ ተወለድኩ። መበቈላዊት ዓዲ ኣቦይ ሱሪናም እኳ እንተ ነበረት፡ ስራሕ ኪረክብ ኢሉ እዩ ናብታ ደሴት ግዒዙ። ካብቲ ኣነ እተወለድኩሉ ቕድሚ ሒደት ዓመታት ከኣ፡ ሓደ ኻብቶም ቀዳሞት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰይኑ ኣብ ኩራሳኦ ተጠምቀ። a ንዓና ንደቁ ኸኣ ዋላ እኳ እናኣሸገርናዮ ሰሙን ሰሙን መጽሓፍ ቅዱስ የጽንዓና ነበረ። ወዲ 14 ዓመት ምስ ኰንኩ፡ ኣቦይ ንብምሉእ ስድራ ቤት ሒዙ ነታ ብዕድመ ዝደፍአት ኣዲኡ ንምክንኻን ናብ ሱሪናም ገዓዘ።

ካብ ጥዑይ ዕርክነት ተጠቐምኩ

ኣብ ሱሪናም፡ ንየሆዋ ብንጥፈት ምስ ዜገልግሉ ዝነበሩ ኣብ ጉባኤና ዚርከቡ መንእሰያት ዕርክነት መስረትኩ። ካባይ ብቝሩብ እዮም ዚዓብዩ ነይሮም። ስሩዓት ፈለምቲ ዀይኖም እውን የገልግሉ ነይሮም እዮም። ብዛዕባ እቲ ኣብ ኣገልግሎት ዝረኸብዎ ተመክሮታት ኬዘንትዉ ኸለዉ፡ ገጾም ብሓጐስ ይበርህ እዩ ነይሩ። ድሕሪ ኣኼባታት ጉባኤ፡ ኣነን ኣዕሩኸይን ብዛዕባ ርእሰ ነገራት መጽሓፍ ቅዱስ ንዛራረብ ነበርና። ሓድሓደ ግዜ ኸኣ ኣብ ትሕቲ ኸዋኽብቲ ሰማያት ጫሕ ዝበለሉ ዄንና ኢና እንዛራረብ ኔርና። እዞም ኣዕሩኸይ ኣብ ህይወተይ እንታይ ከም ዝደሊ ኽፈልጥ ሓጊዞምኒ እዮም። ንየሆዋ እየ ኽዓዪ ደልየ። ስለዚ ወዲ 16 ዓመት ምስ ኰንኩ ተጠመቕኩ። ወዲ 18 ዓመት ምስ ኰንኩ ኸኣ ስሩዕ ፈላሚ ዀይነ ኸገልግል ጀመርኩ።

ኣገዳሲ ትምህርትታት ተምሃርኩ

ኣብ ፓራማሪቦ ፈላሚ ዀይነ ኣብ ዘገልግለሉ ዝነበርኩ እዋን

ፈላሚ ዀይነ ኸገልግል ከለኹ ብዙሕ ትምህርቲ እየ ተማሂረ። እዚ ድማ ኣብቲ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊ ዀይነ ዘሕለፍክዎ ህይወት ሓጊዙኒ እዩ። ንኣብነት፡ ሓደ ኻብቲ እተምሃርክዎ ትምህርትታት ንኻልኦት ምስልጣን ዘለዎ ኣገዳስነት እዩ። ፈላሚ ዀይነ ኸገልግል ምስ ጀመርኩ፡ ቪለም ቫን ሴይ ዚብሃል ሚስዮናዊ ኼሰልጥነኒ ጀመረ። b ቲኦክራስያዊ ሓላፍነት ብኸመይ ከም ዝሕዝ ብዙሕ ምሃረኒ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ እቲ ስልጠና እቲ ብዙሕ የድልየኒ ምንባሩ ኣይተረድኣንን ነይሩ። ንዓመታኡ ግና ፍሉይ ፈላሚ ዀይነ ተሸምኩ። ድሕሪኡ እውን ኣብ ጫካ ሱሪናም ኣብ ዚርከባ እተገለላ ጕጅለታት ክሕግዝ ሓላፍነት ተዋህበኒ። ሽዑ ነቲ ኣሕዋት ዝሃቡኒ እዋናዊ ስልጠና ብዙሕ እየ ኣማስየሉ። ካብ ሽዑ ንነጀው ግዜ ወሲደ ንኻልኦት ብምስልጣን ኣብነቶም ክስዕብ እጽዕር እየ።

ካልኣይ እተምሃርክዎ ትምህርቲ ኸኣ ብመደብ ዚምራሕ ቀሊል ናብራ ጥቕሚ ኸም ዘለዎ እዩ። ኣብ መጀመርታ ወወርሒ፡ ኣነን እቲ ፍሉይ ፈላሚ ዝዀነ መገላግልተይን ነቲ ኣብ ዚቕጽል ሰሙናት ዜድልየና ስጋዊ ነገራት መደብ ነውጽእ ነበርና። ድሕሪኡ ሓዴና ነዊሕ ጕዕዞ ተጓዒዙ ናብታ ርእሲ ኸተማ ብምኻድ፡ ዜድልየና ይዓዳድግ ነበረ። ነቲ ንወጻኢታትና ንምሽፋን ዚውሃበና ዝነበረ ወርሓዊ ኣበል፡ ተጠንቂቕና ኢና ኽንጥቀመሉ ነይሩና። ነቲ ዝዓዳደግናዮ ነገራት እውን ንምሉእ ወርሒ ኸም ዚኣኽለና ጌርና ኸነከናውን ነይሩና። እንተ ተወዲኡና፡ ኣብቲ ጫካ ኺሕግዙና ዚኽእሉ ብዙሓት ሰባት ኣይነበሩን። ብመደብ ዚምራሕ ቀሊል ናብራ ምንባር ብንእስነተይ ስለ እተምሃርኩ፡ ኣብ ምሉእ ህይወተይ ኣብ ዕዮ የሆዋ ኸተኵር ከም ዝሓገዘኒ እየ ዚኣምን።

ሳልሳይ እተምሃርክዎ ትምህርቲ ኸኣ፡ ንሰባት ብመበቈላዊ ቛንቋኦም ምምሃር ዘለዎ ጥቕሚ እዩ። ኣብ ሱሪናም ብብዝሒ ዚዝውተር ቋንቋ ስራናንቶንጎ (ስራናን ተባሂሉ እውን ዚፍለጥ)፡ እንግሊዝኛ፡ ዳች፡ ፓፒያመንቶ እናተዛረብኩ እየ ዓብየ። ኣብቲ ጫካ ግና ሰባት ብቛንቋኦም ክንዛረብ ከለና ብዝያዳ ኸም ዚሰምዑና እርኢ ነይረ። ንገሊኡ ኻብዚ ቛንቋታት እዚ ምዝራብ፡ ንኣብነት፡ ንቛንቋ ሳራማካን ምዝራብ ኣዝዩ እዩ ዚኸብደኒ ነይሩ፣ ምኽንያቱ ፍልይ ዝበለ ደሃይ ኣለዎ። እቲ ዝገበርክዎ ጻዕሪ ግና ፍረ ረኺበሉ እየ። ብቛንቋኦም ክዛረብ ብምኽኣለይ ንብዙሓት ሰባት ሓቂ ኽምህር ክኢለ እየ።

ልክዕ እዩ ሓድሓደ ግዜ ዜሕፍር ነገራት የጋጥመካ እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ንሓንቲ ተዛራቢት ቋንቋ ሳራማካን ዝዀነት ተምሃሪት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ከብዳ ኣሕሚምዋ ስለ ዝነበረ እንተ ሒሽዋ ኽሓትታ ደለኹ። ከም ሓቂ ግና ጥንስቲ እንተ ዀይና እየ ሓቲተያ። እዚ ድማ ኣመና እዩ ኣሕፊርዋ። ከምዚ ዝኣመሰለ ጌጋታት እናኣጋጠመኒ ኽነሱ ነቶም ኣብ ምድበይ ዝነበሩ ሰባት ወትሩ ብቛንቋኦም ንምዝራብ እጽዕር ነይረ እየ።

ተወሳኺ ሓላፍነታት ተቐበልኩ

ብ1970 ሓላው ወረዳ ዀይነ ኸገልግል ተሸምኩ። በታ ዓመት እቲኣ ኸኣ “ንዓለምለኻዊ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምብጻሕ” ዘርእስቱ ስላይድ ኣብ ጫካ ንዚርከባ ሓያሎ ጕጅለታት ኣርኣኹ። ናብቲ ጕጅለታት ንምብጻሕ፡ ኣነን ምሳይ ዝኸዱ ኣሕዋትን ካብ ጕንዲ ብእተሰርሐት ታንኳ ወይ ጃልባ ኣብቲ ጫካ ብዚርከብ ኣፍላግ ንጐዓዝ ነበርና። ኣብታ ታንኳ ድማ ጀነሬተር፡ ነዳዲ ዝሓዘ ጀሪካን፡ ብላምባ ዚሰርሕ መብራህቲ፡ መርኣዪ ስላይድ ዚኸውን ኣቕሓ ጽዒንና ንጐዓዝ ነበርና። ናብቲ ኽንከዶ ዝሓሰብና ምስ በጻሕና፡ ንዅሉ እቲ ኣቕሑና ናብቲ ስላይድ እነርእየሉ ቦታ ተሰኪምና ነግዕዞ ነበርና። ብዛዕባ እዚ ጕዕዞታት ልዕሊ ዅሉ ትዝ ዚብለኒ ግና፡ እቶም ኣብቲ ግሉል ቦታታት ዚነብሩ ሰባት ነቲ ዚርእይዎ ኣዝዮም ዚፈትውዎ ምዃኖም እዩ። ስለዚ፡ ብዛዕባ የሆዋን ብዛዕባ እቲ ምድራዊ ኽፋል ውድቡን ኪፈልጡ ብምሕጋዘይ ኣዝዩ እዩ ዜሐጕሰኒ ነይሩ። እቲ ዝረኽቦ ዝነበርኩ መንፈሳዊ ዓስቢ፡ ካብቲ ዕዮ የሆዋ ኽዓዪ ኸለኹ ዝኸፍሎ ዝነበርኩ ኣካላዊ መስዋእቲ ኣዝዩ ይዓዝዝ ነይሩ።

ብሰለስተ ዝኸረረ ገመድ ፈሓስኩ

ኣብ መስከረም 1971፡ ኣነን ኢተልን ተመራዓውና

ከይተመርዓኻ ምንባር ኣብ ኣገልግሎተይ ሓለፋ ኸም ዘለዎ እኳ እፈልጥ እንተ ነበርኩ፡ ኣብ ምሉእ ህይወተይ ብጸይቲ እትዀነኒ ሰብ ግና ደለኹ። ስለዚ ነቲ ኣብ ጫካ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊ ዀይነ ዜሕልፎ ኣጸጋሚ ህይወት፡ ብሓጐስ ክትጻወሮ እትኽእል ሰበይቲ ንምርካብ ፈልየ እናጠቐስኩ ኽጽሊ ጀመርኩ። ድሕሪ ሓደ ዓመት ኣቢሉ ኸኣ ንሓንቲ ኢተል ዝስማ፡ ጥቕሚ ርእሳ ናይ ምስዋእ መንፈስ ዘለዋ ፍልይቲ ፈላሚት ንሓዳር ሓሲበ ክቐርባ ጀመርኩ። ኢተል ካብ ንእስነታ ኣትሒዛ ንሃዋርያ ጳውሎስ ኣጸቢቓ እያ እተድንቖ ነይራ። ልክዕ ከምኡ ድማ ህይወታ ንክርስትያናዊ ኣገልግሎት ክትውፊ እያ እትደሊ ነይራ። ዝዀነ ዀይኑ ኣብ መስከረም 1971 ተመራዓውና፣ ኣብ ዕዮ ወረዳ እውን ብሓባር ከነገልግል ጀመርና።

ኢተል ብዙሕ ስጋዊ ምሾት ከይረኸበት እያ ዓብያ፣ ስለዚ ነቲ ኣብ ጫካ እንገብሮ ዕዮ መገሻ ንምልማድ ኣየጸገማን። ንኣብነት፡ ነተን ኣብ ማእከል ጫካ ዚርከባ ጉባኤታት ንምብጻሕ ክንከይድ ከለና፡ ሒደት ነገራት ጥራይ ኢና ንማላእ ኔርና። ክዳውንትና ዀነ ሰብነትና ኣብ ኣፍላግ ኢና እንሕጸብ ኔርና። ዘቕረቡልና ዘበለ ዅሉ ኢና እንበልዕ ኔርና። ኢጓና፡ ፒራና፡ ወይ ካብ ጫካ ሃዲኖም ዘምጽእዎ ዀነ ኻብ ፈለግ ሒዞም ዘምጽእዎ ዝዀነ ይኹን ነገር ንበልዕ ኔርና ኢና። ብያትታት ኣብ ዘይብሉ፡ ኣብ ቈጽሊ ባናና ጌርና ኢና ንበልዕ ኔርና። ማንካ ወይ ፋርኬታ ኣብ ዘይብሉ ኸኣ፡ ብኣእዳውና ኢና ንበልዕ ኔርና። ንየሆዋ ኽንዓዪ ኸለና ዝኸፈልናዮ መስዋእቲ፡ ከምቲ ብሰለስተ ዝኸረረ ገመድ ገይሩ ኣጸቢቑ ብሓባር ከም ዝፈሓሰና ጌርና ኢና እንኣምን። (መክ. 4:12) ነዚ ተመክሮታት እዚ ብዝዀነ ይኹን ነገር ኽንቅይሮ ኣይንደልን ኢና!

እቲ ኣብ መእተዊ ዝጠቐስክዎ ተመክሮ ንሓደ ኣብ ጫካ ዚርከብ ግሉል ቦታ በጺሕና ኽንምለስ ከለና እዩ ኣጋጢሙና። እታ ታንኳ ናብቲ ብፍጥነት ዚውሕዘሉ ኽፋል እቲ ፈለግ ምስ በጽሐት፡ ንሓጺር ህሞት ናብ ትሕቲ ማይ ተነቝተት። እንተዀነ ግና፡ ብኡብኡ ናብ ላዕሊ ወጸት። እቲ ጽቡቕ ድማ መንሳፈፊ ጃኬት ጌርና ነበርና። ካብታ ታንኳ እውን ኣይወደቕናን፣ ይኹን እምበር እታ ታንኳ ብማይ መልአት። ሽዑ ነቲ ኣብ ኣቕሓ ሒዝናዮ ዝነበርና ምግቢ ናብቲ ፈለግ ደርቢና፡ በቲ ኣቕሓ ጌርና ነቲ ነታ ታንኳ ዝመልኣ ማይ ጨንጒዕና ኣውጻእናዮ።

ንዅሉ እቲ ምግብና ስለ ዝደርበናዮ፡ በቲ ፈለግ እናኸድና ዓሳ ኽንሕዝ ፈተንና። ዋላ ሓንቲ ግና ክንሕዝ ኣይከኣልናን። ስለዚ ናብ የሆዋ ጸለና፣ ናይ ዕለት እንጌራና ኺህበና እውን ለመንናዮ። ድሕሪ እቲ ጸሎት ሓደ ሓው መቝለብ ዓሳ ደርበየ። ንሓሙሽቴና ዜጽግብ ድራር ዚኸውን ዓብዪ ዓሳ እውን ሓዘ።

ኣብ ርእሲ እቲ ኸም ሰብኣይን ሓላው ወረዳን ዝነበረኒ ሓላፍነት፡ ኣቦ እውን ኰንኩ

ኣነን ኢተልን ኣብ ዕዮ ወረዳ ንሓሙሽተ ዓመት ድሕሪ ምግልጋልና፡ ዘይተጸበናዮ በረኸት ረኸብና፣ ወለዲ ኽንከውን ምዃንና ፈለጥና። እዚ ንህይወትና ብኸመይ ከም ዚጸልዎ እኳ እንተ ዘይፈለጥኩ፡ ነዚ ምስ ሰማዕኩ ተሓጒሰ እየ። ኣነን ኢተልን እንተ ተኻኢሉ ኣብ ዕዮ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ክንጸንሕ ብርቱዕ ድሌት ነበረና። ብ1976 ወድና ኢትንኤል ተወልደ። ድሕሪ ኽልተ ዓመትን መንፈቕን ከኣ እቲ ኻልኣይ ወድና ጆቫኒ ተወልደ።

ኣብ ምብራቓዊ ሱሪናም፡ ኣብ ጥቓ ጎዶ ሆሎ ኣብ ዚርከብ ፈለግ ታፓናሆኒ ብ1983 እተገብረ ጥምቀት

ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ሱሪናም እኹላት ሓለውቲ ወረዳ ብዘይምንባሮም፡ ንደቅና እናኣዕበና ሓላው ወረዳ ዀይነ ኸገልግል እቲ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ምድላዋት ገበረለይ። ደቀይ ንኣሽቱ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን፡ ሒደት ጉባኤታት ናብ ዘለዉዎ ወረዳ እየ ዝምደብ ነይረ። እዚ ድማ ኣብ ወርሒ እተወሰነ ሰሙናት ሓላው ወረዳ ዀይነ ድሕሪ ምግልጋል ኣብቲ ዝተረፈ ሰሙናት ኣብታ እተመደብናላ ጉባኤ ፈላሚ ዀይነ ኸገልግል የኽእለኒ ነይሩ እዩ። ካብ ገዛና ብዙሕ ኣብ ዘይርሕቃ ጉባኤታት ከገልግል ከለኹ፡ ኢተልን ደቅናን ኣሰንዮምኒ ይኸዱ ነበሩ። ኣብ ጫካ ኣብ ዚርከባ ጉባኤታት ከገልግል ከለኹ ወይ ኣኼባ ወረዳ ኽመርሕ ከለኹ ግና፡ በይነይ እየ ዚኸይድ ነይረ።

ሓላው ወረዳ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን፡ ግሉላት ጉባኤታት ንምብጻሕ ብዙሕ ግዜ ብጃልባ እጕዓዝ ነበርኩ

ንዅሉ ሓላፍነታተይ ንምፍጻም፡ ተጠንቂቐ መደባት ከውጽእ ነበረኒ። ኣብ ሰሰሙን መጽናዕቲ ስድራ ቤት ከም እንገብር ከረጋግጽ ነበረኒ። ኣብ ጫካ ንዚርከባ ጉባኤታት ክበጽሕ ከለኹ ኢተል ንደቅና መጽናዕቲ ስድራ ቤት ትመርሓሎም ነበረት። ብእተኻእለ መጠን ግና ስድራ ቤትና ብሓባር ኴንና ኢና መጽናዕቲ ንገብር ኔርና። ብተወሳኺ እውን፡ ኣነን ኢተልን ምስ ደቅና ብጥዑይ መዘናግዒ ንዘናጋዕ ኔርና ኢና። ንኣብነት፡ ጸወታ ንጻወት ወይ ንዙረት ንኸይድ ኔርና ኢና። ብዙሕ ግዜ ንቲኦክራስያዊ ሓላፍነተይ ንምድላው ምሸት አምሲ ነይረ እየ። ኢተል ድማ ከምታ ኣብ ምሳሌ 31:15 እተጠቕሰት ክኢላ ሰበይቲ ስለ ዝዀነት፡ ብስድራ ቤት ጥቕሲ ዕለት ምእንቲ ኸነንብብን ደቅና ናብ ቤት ትምህርቲ ቕድሚ ምኻዶም ብሓባር ቍርሲ ምእንቲ ኽንበልዕን ኣንጊሃ ትትንስእ ነበረት። ቅዱስ ጽሑፋዊ ሓላፍነታተይ ክፍጽም ወትሩ እትሕግዘኒ ጥቕሚ ርእሳ እትስውእ ሰበይቲ ብምርካበይ ብዙሕ እየ ዘመስግን።

ከም ወለዲ መጠን ደቅና ንየሆዋን ንክርስትያናዊ ኣገልግሎትን ምእንቲ ኺፈትዉ ብዙሕ ጽዒርና ኢና። ደቅና ንናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ከም ቀንዲ ዕዮ ህይወቶም ገይሮም ኪመርጽዎ ንደሊ ኔርና ኢና። ኰይኑ ግና ንሕና ስለ ዝደለናዮ ዘይኰነስ፡ ናታቶም ምርጫ ስለ ዝዀነ ኺመርጽዎ ኢና እንደሊ ኔርና። ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዘለዎ ሓጐስ ወትሩ ነጕልሓሎም ኔርና ኢና። ነቲ ዘጋጠመና ጸገማት ከይጐሰና እውን የሆዋ ብስድራ ቤት ብኸመይ ከም ዝሓገዘናን ከም ዝባረኸናን ነጕልሓሎም ኔርና ኢና። ብዘይካዚ፡ ደቅና፡ ንየሆዋ ኣብ ህይወቶም ቀዳምነት ብዚህቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም ዚኽበቡ ንገብር ኔርና ኢና።

ደቅና ኸነዕቢ ኸለና፡ የሆዋ ዜድልየና ዘበለ ዅሉ ኣማሊኡልና እዩ። ልክዕ እዩ፡ ኣነ እውን እጃመይ ክገብር ጽዒረ እየ። ከይተመርዓኹ ፍሉይ ፈላሚ ዀይነ ኣብ ጫካ ኣብ ዘገልግለሉ ዝነበርኩ እዋን ዘሕለፍክዎ ተመክሮ፡ ብስጋዊ ዜድልየና ነገራት ኣቐዲመ መደብ ክገብር ምሂሩኒ እዩ። ሓድሓደ ግዜ ግና ዝገበርና እኳ እንተ ገበርና ዜድልየና ዅሉ ኽንረክብ ኣይንኽእልን ኢና ኔርና። ኣብቲ ኣጋጣሚታት እቲ፡ የሆዋ ዝሓገዘና ዀይኑ እዩ ዚስምዓና። ንኣብነት፡ ኣብ መወዳእታ 1980ታትን ኣብ መጀመርታ 1990ታትን ኣብ ሱሪናም ናዕቢ ተላዒሉ ነበረ። ኣብቲ ዓመታት እቲ ኸኣ፡ መሰረታዊ ነገራት ምርካብ እኳ ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዩ ነይሩ። ይኹን እምበር፡ የሆዋ ዜድልየና ኣማሊኡልና እዩ።—ማቴ. 6:32

ህይወተይ ምልስ ኢለ ኽሓስቦ ኸለኹ

ካብ ጸጋም ናብ የማን፦ ምስ ሰበይተይ ኢተል

እቲ ዓብዪ ወድና ኢትንኤልን ሰበይቱ ናታሊን

ወድና ጆቫኒን ሰበይቱ ክሪስታልን

ኣብ ምሉእ ህይወትና፡ የሆዋ ወትሩ ሓልዮቱ ኣርእዩና እዩ። ዓሚቝ ሓጐስን ዕግበትን እውን ሂቡና እዩ። ደቅና ዓብዪ በረኸት እዮም ኰይኖምና። ንዓታቶም ንየሆዋ ኸም ዜገልግሉ ጌርካ ምዕባይ ከኣ ዓብዪ መሰል እዩ። ንሳቶም እውን ንናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ናይ ህይወቶም ቀንዲ ዕዮ ገይሮም ብምሕራዮም ደስ ኢሉና እዩ። ኢትንኤልን ጆቫኒን ካብ ቲኦክራስያዊ ኣብያተ ትምህርቲ ተመሪቖም እዮም። ሕጂ ድማ ምስ ኣንስቶም ኣብቲ ኣብ ሱሪናም ዚርከብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር የገልግሉ ኣለዉ።

ሕጂ ኣነን ኢተልን ብዕድመ ደፊእና ኢና፣ ከም ፍሉያት ፈለምቲ ዄንና ንየሆዋ ኣብ እንዓይዮ ዕዮ ግና ትሑዛት ኢና ዘለና። ከም ሓቂ እኳ ደኣስ ብዕዮ ኣመና ትሑዝ ስለ ዝዀንኩ ምሕምባስ፡ ክለምድ ዜኽእለኒ ግዜ ኽረክብ ኣይከኣልኩን። እንተዀነ ግና፡ ጣዕሳ የብለይን። ምልስ ኢለ ኽሓስቦ ኸለኹ፡ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ናይ ህይወተይ ቀንዲ ዕዮ ኪኸውን ብንእስነተይ ዝገበርክዎ ውሳነ፡ ኣብ ህይወተይ ክገብሮ ዝኸኣልኩ ብሉጽ ውሳነ ኸም ዝዀነ እዩ ዚስምዓኒ።

b ታሪኽ ህይወት ቪለም ቫን ሴይ ኣብ ናይ 8 ጥቅምቲ 1999 ሕታም ንቕሑ! (እንግሊዝኛ)፡ “እቲ ኽውንነት ካብቲ ትጽቢታተይ ንላዕሊ ዀይኑ” ኣብ ዘርእስታ ዓንቀጽ ተሓቲሙ ኣሎ።