ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 45

ኣገልግሎትና ምእንቲ ኽንፍጽም፡ የሆዋ ብኸመይ ይሕግዘና፧

ኣገልግሎትና ምእንቲ ኽንፍጽም፡ የሆዋ ብኸመይ ይሕግዘና፧

“ነብዪ ኣብ መንጎኦም ከም ዝነበረ ብርግጽ ኪፈልጡ እዮም።”—ህዝ. 2:5

መዝሙር 67 “ነቲ ቓል ስበኽ”

መላለዪ a

1. እንታይ ኢና ኽንጽበ እንኽእል፧ ብዛዕባ እንታይከ ኢና ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል፧

 ስብከትና ኽንፍጽም ከለና፡ ተቓውሞ ኼጋጥመና ትጽቢት ንገብር ኢና። እዚ ተቓውሞ እዚ፡ ኣብ መጻኢ ኺውስኽ ይኽእል እዩ። (ዳን. 11:44፣ 2 ጢሞ. 3:12፣ ራእ. 16:21) ኰይኑ ግና፡ የሆዋ ዜድልየና ሓገዝ ከም ዚህበና ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ስለምንታይ፧ የሆዋ ንኣገልገልቱ፡ ነቲ ዚህቦም ዕዮ ንምፍጻም ወትሩ ይሕግዞም እዩ። ዋላ እኳ እቲ ዕዮ ኣጸጋሚ እንተ ዀነ፡ ኣይፍለዮምን እዩ። ከም ኣብነት፡ ኣብ ህይወት ነብዪ ህዝቅኤል ዘጋጠመ ፍጻመታት ክንምርምር ንኽእል ኢና። ህዝቅኤል ነቶም ኣብ ምርኮ ባቢሎን ዝነበሩ ኣይሁድ እዩ ዚሰብከሎም ነይሩ። እምበኣር፡ እንታይ ከም ዘጋጠሞ እስከ ንርአ።

2. የሆዋ ነቶም ህዝቅኤል ኣብ ዚሰብከሉ ኽሊ ዝነበሩ ሰባት ብኸመይ እዩ ገሊጽዎም፧ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣኸ እንታይ ኢና ኽንምርምር፧ (ህዝቅኤል 2:3-6)

2 ኣብቲ ህዝቅኤል ዚሰብከሉ ዝነበረ ኽሊ እንታይ ዓይነት ሰባት እዮም ነይሮም፧ የሆዋ ንዓታቶም፡ “ተዳፈርትን” “ተሪር ዝልቦምን” “ዓለውት”ን ኢሉ እዩ ገሊጽዎም። ከም እሾዅ ጐዳእቲ፡ ከም ዕንቅርቢት ድማ ሓደገኛታት እዮም ነይሮም። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እዩ የሆዋ ንህዝቅኤል ብተደጋጋሚ፡ “ኣይትፍራህ” ዝበሎ። (ህዝቅኤል 2:3-6 ኣንብብ።) ህዝቅኤል መዝነት ስብከቱ ኺፍጽም ዝኸኣለ፡ (1) ብየሆዋ ስለ እተላእከ፡ (2) ካብ መንፈስ ኣምላኽ ሓይሊ ስለ ዝረኸበ፡ (3) ብቓል ኣምላኽ ስለ እተዓንገለ እዩ። እሞ ደኣ እዚ ሰለስተ ረቛሒታት ንህዝቅኤል ብኸመይ ሓጊዝዎ፧ እዚ ንዓና ዚሕግዘናኸ ብኸመይ እዩ፧

ህዝቅኤል—ብየሆዋ እተላእከ

3. እንታይ ቃላት እዩ ንህዝቅኤል ኣበርቲዕዎ ኪኸውን ዘለዎ፧ የሆዋኸ ንህዝቅኤል ከም ዚድግፎ ብኸመይ እዩ ኣረጋጊጹሉ፧

3 የሆዋ ንህዝቅኤል፡ “እልእከካ ኣለኹ” ኢልዎ እዩ። (ህዝ. 2:3, 4) እዚ ቓላት እዚ ንህዝቅኤል ኣበርቲዕዎ ኪኸውን ኣለዎ። ስለምንታይ፧ የሆዋ ንሙሴን ንኢሳይያስን ከም ነብያቱ ገይሩ ኺምዝዞም ከሎ ተመሳሳሊ ቓላት ከም እተጠቕመ ህዝቅኤል ዘኪሩ ኪኸውን ኣለዎ። (ዘጸ. 3:10፣ ኢሳ. 6:8) ብዘይካዚ፡ የሆዋ ነዞም ክልተ ነብያት ዘጋጠሞም ብድሆታት ኪሰግሩ ኸም ዝሓገዞም ህዝቅኤል ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ስለዚ፡ የሆዋ ንህዝቅኤል ክልተ ሳዕ፡ “እልእከካ ኣለኹ” ኻብ በሎ፡ ንሱ ኣብ ደገፍ የሆዋ ንምእማን ጽቡቕ ምኽንያት ነይርዎ እዩ። ኣብ መጽሓፍ ህዝቅኤል፡ “ቃል የሆዋ መጸኒ” ዚብል ሓሳብ ብዙሕ ሳዕ ንረኽቦ ኢና። (ህዝ. 3:16) “ቃል የሆዋ . . . ኸም ብሓድሽ መጸኒ” ዚብል ሓሳብ እውን ብተደጋጋሚ ንረኽቦ ኢና። (ህዝ. 6:1) ስለዚ፡ ህዝቅኤል ብየሆዋ ኸም እተላእከ ኣሚኑ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። ብተወሳኺ፡ ወዲ ኻህን ስለ ዝነበረ፡ የሆዋ ንነብያቱ ብዛዕባ ደገፉ ወትሩ ኸም ዜረጋግጸሎም ካብ ኣቦኡ ተማሂሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። የሆዋ ንይስሃቅን ንያእቆብን ንኤርምያስን፡ “ምሳኻ እየ” ኢሉ ተዛሪብዎም እዩ።—ዘፍ. 26:24፣ 28:15፣ ኤር. 1:8

4. እንታይ ዜጸናንዕ ሓሳባት እዩ ንህዝቅኤል ኣበርቲዕዎ ኪኸውን ዘለዎ፧

4 እስራኤላውያን ብሓፈሻ ንስብከት ህዝቅኤል እንታይ ምላሽ ከም ዚህቡ እዩ ትጽቢት ተገይሩሎም፧ የሆዋ፡ “ቤት እስራኤል ግና ንዓይ ኪሰምዑኒ ኣይደልዩን እዮም እሞ፡ ንዓኻ ምስማዕ ኪኣብዩ እዮም” ኢልዎ እዩ። (ህዝ. 3:7) እቶም ህዝቢ ንህዝቅኤል ምስማዕ ኪኣብይዎ ኸለዉ፡ ንየሆዋ እዮም ምስማዕ ዚኣብይዎ ነይሮም። እዚ ቓላት እዚ ድማ ንህዝቅኤል፡ እቶም ህዝቢ ንዕኡ ዘይምቕባሎም ከም ነብዪ ዕዮኡ ኣይዓየየን ማለት ከም ዘይኰነ ዜረጋግጸሉ እዩ ነይሩ። ብዘይካዚ፡ የሆዋ ንህዝቅኤል እቲ ዝኣወጆ ፍርድታት ምስ ተፈጸመ፡ እቶም ህዝቢ፡ “ነብዪ ኣብ መንጎኦም ከም ዝነበረ ብርግጽ ኪፈልጡ እዮም” ኢሉ ኣረጋጊጹሉ እዩ። (ህዝ. 2:5፣ 33:33) እዚ ዜጸናንዕ ሓሳባት እዚ ንህዝቅኤል ኣገልግሎቱ ንምፍጻም ብርታዐ ኸም ዝሃቦ ኣየጠራጥርን እዩ።

ሎሚ ብየሆዋ እተላእኩ

ከም ህዝቅኤል፡ ዘይተገዳስነትን ተቓውሞን የጋጥመና ይኸውን፣ የሆዋ ምሳና ኸም ዝዀነ ግና ንፈልጥ ኢና (ሕጡብ ጽሑፍ 5-6 ርአ)

5. ብመሰረት ኢሳይያስ 44:8፡ ካብ ምንታይ ኢና ብርታዐ እንረክብ፧

5 ንሕና እውን ብየሆዋ ኸም እተለኣኽና ምስ እንፈልጥ፡ እዚ ብርታዐ ይህበና እዩ። የሆዋ፡ “መሰኻኽረይ” ኢሉ ብምጽዋዕ ኣኽቢሩና ኣሎ። (ኢሳ. 43:10) እዚ ዓብዪ መሰል እዩ! ከምቲ የሆዋ ንህዝቅኤል፡ “ኣይትፍራህ” ኢሉ እተማሕጸኖ፡ ንዓና እውን “ኣይትርዓዱ” ኢሉ ተማሕጺኑና ኣሎ። ንተጻረርትና ኽንፈርሆም ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧ ከም ህዝቅኤል ብየሆዋ ኢና ተላኢኽና፣ ንሱ ድማ ይድግፈና እዩ።—ኢሳይያስ 44:8 ኣንብብ።

6. (ሀ) የሆዋ ኸም ዚድግፈና ዘረጋገጸልና ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ካብ ምንታይ ኢና ምጽንናዕን ብርታዐን እንረክብ፧

6 የሆዋ ኸም ዚድግፈና ኣረጋጊጹልና እዩ። ንኣብነት፡ “ንስኻትኩም መሰኻኽረይ ኢኹም” ቅድሚ ምባሉ፡ “ብማያት ምስ እትሓልፍ፡ ምሳኻ ክኸውን እየ፣ ኣፍላግ ምስ እትሳገር፡ ኣይኬዕለቕልቐካን እዩ። ብሓዊ ምስ እትኸይድ፡ ኣይክትሓርርን ኢኻ፣ ሃልሃልታ እውን ኣይኪልብልበካን እዩ” ኢሉ ቓል ኣትዩ እዩ። (ኢሳ. 43:2) ኣገልግሎትና ኽንፍጽም ከለና፡ ሓድሓደ ግዜ ኸም ፈለግ ዝኣመሰለ ዕንቅፋታትን ከም ሓዊ ዝኣመሰለ ፈተናታትን የጋጥመና እዩ። ኰይኑ ግና፡ ብሓገዝ የሆዋ ስብከትና ኣይነቋርጽን ኢና። (ኢሳ. 41:13) ሎሚ ዘለዉ መብዛሕትኦም ሰባት፡ ከምቶም ብግዜ ህዝቅኤል ዝነበሩ ሰባት፡ ንመልእኽትና ኣይቅበልዎን እዮም። ንመልእኽትና ዘይምቕባሎም ግና ንሕና ኸም መሰኻኽር ኣምላኽ ዕዮና ኣይንዓይይን ኣለና ማለት ዘይምዃኑ ንፈልጥ ኢና። ነቲ መልእኽቲ ብተኣማንነት ክንሰብኽ ከለና፡ የሆዋ በዚ ባህ ከም ዚብሎ ስለ እንፈልጥ፡ እዚ የጸናንዓናን የበርትዓናን እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ነፍሲ ወከፎም ከኣ ከከም ጻዕሩ ዓስቡ ኪቕበል እዩ” ኢሉ ጽሒፉ እዩ። (1 ቈረ. 3:8፣ 4:1, 2) ሓንቲ ንነዊሕ ግዜ ፈላሚት ኰይና ዘገልገለት ሓብቲ፡ “የሆዋ ንጻዕርታትና ዓስቢ ኸም ዚህበና ምፍላጠይ የሐጕሰኒ እዩ” ትብል።

ህዝቅኤል—ካብ መንፈስ ኣምላኽ ሓይሊ ዝረኸበ

ህዝቅኤል፡ ሰማያዊት ሰረገላ የሆዋ ብራእይ ይርኢ፣ እዚ ድማ ኣገልግሎቱ ንምፍጻም የሆዋ ኸም ዜበርትዖ እምነቱ የደልድለሉ (ሕጡብ ጽሑፍ 7 ርአ)

7. ህዝቅኤል ብዛዕባ እቲ ራእይ ምስትንታኑ እንታይ ጽልዋ ኣሕዲሩሉ ኪኸውን ኣለዎ፧ (ስእሊ ገበር ርአ።)

7 ህዝቅኤል መንፈስ ኣምላኽ ክሳዕ ክንደይ ሓያል ምዃኑ ርእዩ እዩ። መንፈስ ቅዱስ ኣብቶም ሓያላት መንፈሳውያን ፍጡራትን ኣብቲ ዓበይቲ መንኰራዅር እታ ሰማያዊት ሰረገላን ኪዓዪ ኸሎ ብራእይ ርእዩ እዩ። (ህዝ. 1:20, 21) እሞ እዚ ደኣ እንታይ ጽልዋ ኣሕዲሩሉ፧ ህዝቅኤል ነቲ ሽዑ ዝዀነ ነገር መዝጊብዎ ኣሎ። “ምስ ረኣኽዎ ኸኣ፡ ብገጸይ ወደቕኩ” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ። በቲ ዝረኣዮ እምብዛ ስለ እተደነቐ፡ ናብ ባይታ እዩ ወዲቑ። (ህዝ. 1:28) ጸኒሑ ብዛዕባ እቲ ዜደንቕ ራእይ ኬስተንትን ከሎ ብሓገዝ መንፈስ ኣምላኽ ኣገልግሎቱ ኺፍጽም ከም ዚኽእል እምነቱ ኣደልዲሉሉ ኪኸውን ኣለዎ።

8-9. (ሀ) ትእዛዝ የሆዋ ንህዝቅኤል እንታይ እዩ ሂብዎ፧ (ለ) የሆዋ ንህዝቅኤል ነቲ ኣጸጋሚ ኽሉ ድሉው ምእንቲ ኪኸውን ብኸመይ እዩ ኣበርቲዕዎ፧

8 የሆዋ ንህዝቅኤል፡ “ኣታ ወዲ ሰብ፡ ክዛረበካስ ብኣእጋርካ ደው በል” ኢሉ ኣዘዞ። እቲ ትእዛዝ እትን መንፈስ ኣምላኽን ንህዝቅኤል፡ ካብ ባይታ ኺትንስእ ብርታዐ ሃቦ። ስለዚ ድማ፡ ህዝቅኤል፡ “መንፈስ መጸኒ፣ . . . ብኣእጋረይ [እውን] ደው ኣበለኒ” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ። (ህዝ. 2:1, 2) ድሕርዚ እውን ህዝቅኤል ኣብ ምሉእ ኣገልግሎቱ ብ“ኢድ” ኣምላኽ፡ ማለት ብናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ይምራሕ ነይሩ እዩ። (ህዝ. 3:22፣ 8:1፣ 33:22፣ 37:1፣ 40:1) መንፈስ ኣምላኽ ንህዝቅኤል፡ ነቲ እተዋህቦ ዕዮ ኺፍጽም ኣበርቲዕዎ እዩ፣ በዚ ኸምዚ፡ ነቶም ኣብ ክሉ ዝነበሩ “ተሪር ዝርእሶምን ተሪር ዝልቦምን” ሰባት ኪሰብከሎም ክኢሉ እዩ። (ህዝ. 3:7) የሆዋ ንህዝቅኤል፡ “ንገጽካ ልክዕ ከም ገጾም ኣትሪረዮ፡ ንግምባርካ ድማ ልክዕ ከም ግምባሮም ኣትሪረዮ ኣለኹ። ንግምባርካ ኸም ኣልማዝ፡ ካብ ኣዝሒት ከኣ ዚተርር ገይረዮ ኣለኹ። . . . ኣይትፍርሃዮም፡ ብገጾም እውን ኣይትሸበር” ኢልዎ እዩ። (ህዝ. 3:8, 9) ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ‘እቶም ህዝቢ ተረርቲ ብምዃኖም ተስፋ ኣይትቝረጽ። ኣነ ኸጽንዓካ እየ’ እዩ ዚብሎ ነይሩ።

9 ድሕሪኡ፡ መንፈስ ኣምላኽ ንህዝቅኤል ተሰኪሙ ናብቲ ዚሰብከሉ ኽሊ ወሰዶ። ህዝቅኤል ከኣ፡ “ኢድ የሆዋ ድማ በርቲዓ ኣባይ ዓሪፋ ነበረት” ኢሉ ጸሓፈ። ነቲ ዜብጽሖ መልእኽቲ ኺፈልጦን ኪርድኦን ምሉእ ሰሙን እዩ ኣድልይዎ። (ህዝ. 3:14, 15) ድሕርዚ የሆዋ ንህዝቅኤል ናብ ጐልጐል ስንጭሮ መርሖ፡ ኣብኡ ድማ ‘መንፈስ ኣተዎ።’ (ህዝ. 3:23, 24) በዚ ኸምዚ ህዝቅኤል ኣገልግሎቱ ንምጅማር ድሉው ኰነ።

ሎሚ ኻብ መንፈስ ኣምላኽ ሓይሊ ዝረኸቡ

ንሕና ኸም ህዝቅኤል፡ ኣገልግሎትና ንምፍጻም እንታይ ሓገዝ ኣሎና፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 10 ርአ)

10. ንዕዮ ስብከትና ንምፍጻም እንታይ ሓገዝ የድልየና፧ ስለምንታይከ፧

10 ንሕናኸ ንዕዮ ስብከትና ንምፍጻም እንታይ ሓገዝ እዩ ዜድልየና፧ ነዛ ሕቶ እዚኣ ንምምላስ ብዛዕባ ህዝቅኤል እስከ ንሕሰብ። ናይ ሓቂ ስብከት ቅድሚ ምጅማሩ፡ መንፈስ ኣምላኽ ዜድሊ ብርታዐ ሂብዎ እዩ። ሎሚ እውን ንሕና ኸም ህዝቅኤል ንዕዮ ስብከት ብሓገዝ መንፈስ ኣምላኽ ጥራይ ኢና ኽንፍጽሞ እንኽእል። ስለምንታይ ኢና ኸምኡ እንብል፧ ምኽንያቱ ሰይጣን ንንጥፈታት ስብከትና ደው ንምባል ይዋግኣና ኣሎ። (ራእ. 12:17) ብሰብኣዊ ዓይኒ ኺርአ ኸሎ፡ ምስ ሰይጣን ተቓሊስና ኸነሰንፍ ፈጺምና ኣይንኽእልን ኢና። ብዕዮ ምስክርነት ኣቢልና ግና ንስዕሮ ኣለና! (ራእ. 12:9-11) ብኸመይ፧ ኣብ ኣገልግሎት ክንሳተፍ ከለና፡ ንሰይጣን ከም ዘይንፈርሆ ኢና እነርኢ። ብዝሰበኽና መጠን ከኣ ሰይጣን ይሰዓር እዩ ዘሎ። እሞ ደኣ ተቓውሞ እናሃለወ ኽነሱ ኽንሰብኽ ምኽኣልና፡ እዚ ኣብ ምንታይ መደምደምታ እዩ ዜብጽሓና፧ ካብ መንፈስ ቅዱስ ሓይሊ ኸም ዝረኸብናን ሞገስ የሆዋ ኸም ዘሎናን ክንድምድም ንኽእል ኢና።—ማቴ. 5:10-12፣ 1 ጴጥ. 4:14

11. መንፈስ ቅዱስ እንታይ እዩ ዚገብረልና፧ ብቐጻሊ መንፈስ ቅዱስ ምእንቲ ኺውሃበናኸ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧

11 የሆዋ ብምሳልያዊ መገዲ ንገጽን ንግምባርን ህዝቅኤል ከም ዚተርር ምግባሩ እንታይ ተወሳኺ መረጋገጺ እዩ ዚዀነና፧ መንፈስ ኣምላኽ ነቲ ኣብ ኣገልግሎትና ዜጋጥመና ዝዀነ ይኹን ጸገም ክንሰግሮ የኽእለና እዩ። (2 ቈረ. 4:7-9) እሞ ደኣ ብቐጻሊ መንፈስ ኣምላኽ ምእንቲ ኽንረክብ እንታይ ክንገብር ኣሎና፧ የሆዋ ንጸሎትና ኸም ዚሰምዖ ብምትእምማን ከይተሓለልና ኽንጽሊ ኣሎና። የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ብቐጻሊ ለምኑ፣ . . . ብቐጻሊ ድለዩ፣ . . . ብቐጻሊ ዃሕኵሑ” ኢልዎም እዩ። ስለምንታይሲ፡ የሆዋ ‘ንዚልምንዎ ኣብዚሑ መንፈስ ቅዱስ ይህቦም እዩ።’—ሉቃ. 11:9, 13፣ ግብ. 1:14፣ 2:4

ህዝቅኤል—ብቓል ኣምላኽ እተዓንገለ

12. ብመሰረት ህዝቅኤል 2:9–3:3፡ እታ ጥቕልልቲ ኻበይ እያ መጺኣ፧ እንታይከ እያ ሒዛ ነይራ፧

12 ህዝቅኤል ብመንፈስ ኣምላኽ ሓይሊ ኣብ ርእሲ ምርካቡ፡ ብቓል ኣምላኽ ተዓንጊሉ እዩ። ኣብ ሓደ ራእይ፡ ጥቕልልቲ ጽሕፍቲ ዝሓዘት ኢድ ረኣየ። (ህዝቅኤል 2:9–3:3 ኣንብብ።) እታ ጥቕልልቲ ደኣ ኻበይ እያ መጺኣ፧ እንታይከ እያ ሒዛ ነይራ፧ ህዝቅኤል ብእኣ እተዓንገለኸ ብኸመይ እዩ፧ ቀጺልና እስከ ንርአ። እታ ጥቕልልቲ ኻብ ዝፋን ኣምላኽ እያ መጺኣ። የሆዋ ብሓደ ኻብቶም ህዝቅኤል ዝረኣዮም ኣርባዕተ መላእኽቲ ኣቢሉ እዩ ነታ ጥቕልልቲ ሂብዎ ኪኸውን ዘለዎ። (ህዝ. 1:8፣ 10:7, 20) እታ ጥቕልልቲ፡ ቃል ኣምላኽ፡ ማለት ህዝቅኤል ነቶም ዓለወኛታት ምሩኻት ዜመሓላልፈሎም ሰፊሕ መልእኽቲ ፍርዲ እያ ሒዛ ነይራ። (ህዝ. 2:7) እቲ መልእኽቲ ድማ ብቕድሚኣን ብድሕሪኣን እዩ ተጻሒፉ ነይሩ።

13. የሆዋ ንህዝቅኤል ነታ ጥቕልልቲ እንታይ ኪገብራ እዩ ኣዚዝዎ፧ እታ ጥቕልልቲ ጥዕምቲ ዝነበረትከ ስለምንታይ እያ፧

13 ድሕርዚ፡ የሆዋ ንነብዪኡ፡ ነታ ጥቕልልቲ ኺበልዓን ‘ከብዱ ኺመልእን’ ኣዘዞ። ህዝቅኤል ድማ ከምቲ እተባህሎ ንዅላ እታ ጥቕልልቲ በልዓ። እሞ ደኣ እዚ ራእይ እዚ እንታይ እዩ ትርጉሙ፧ ህዝቅኤል ነቲ ዜብጽሖ መልእኽቲ ምሉእ ብምሉእ ኪርድኦ ነይርዎ። እቲ መልእኽቲ ንውሽጣዊ ስምዒቱ ምእንቲ ኺጸልዎ፡ ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ኣብ ውሽጡ ኪኸውን ነይርዎ። ድሕርዚ፡ ሓደ ዜገርም ነገር ኰነ። ህዝቅኤል ነታ ጥቕልልቲ ምስ በልዓ፡ ኣብ ኣፉ “ኸም መዓር ጥዕምቲ ነበረት።” (ህዝ. 3:3) ስለምንታይ፧ ህዝቅኤል ነቲ ንየሆዋ ናይ ምውካል ክብሪ፡ ከም ጥዑም ወይ ባህ ከም ዜብል ገይሩ እዩ ዚርእዮ ነይሩ። (መዝ. 19:8-11) ነብዪ ዀይኑ ኼገልግል ብየሆዋ ተቐባልነት ምርካቡ፡ ብዙሕ ኣሐጒስዎ እዩ።

14. ህዝቅኤል ዕዮኡ ንምፍጻም ድሉው ኪኸውን ዝሓገዞ እንታይ እዩ፧

14 ድሕርዚ፡ የሆዋ ንህዝቅኤል፡ “ንዅሉ እቲ ዝዛረበካ ቓላተይ ኣብ ልብኻ ኣሕድሮን ስምዓዮን” በሎ። (ህዝ. 3:10) በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ነቲ ኣብታ ጥቕልልቲ እተጻሕፈ ቓላት ኣብ ተዘክሮኡ ኪቐርጾን ኬስተንትነሉን ነገሮ። ህዝቅኤል ከምኡ ብምግባሩ ተዓንጊሉ እዩ። ነቲ ህዝቢ ዜብጽሓሉ ሓያል መልእኽቲ እውን ኪረክብ ክኢሉ እዩ። (ህዝ. 3:11) መልእኽቲ ኣምላኽ ኣብ ልቡን ኣብ ከናፍሩን ስለ ዝነበረ ኸኣ፡ ዕዮኡ ንምፍጻም ድሉው ኰይኑ እዩ።—ምስ መዝሙር 19:14 ኣረኣኢ።

ሎሚ ብቓል ኣምላኽ እተዓንገሉ

15. ኣብ ኣገልግሎትና ንምጽናዕ፡ እንታይ ኢና ‘ኣብ ልብና ኸነሕድር’ ዘሎና፧

15 ንሕና እውን ኣብ ኣገልግሎትና ንምጽናዕ፡ ብቐጻሊ ብቓል ኣምላኽ ክንዕንገል ኣሎና። ንዅሉ እቲ የሆዋ ዚዛረበና ቓላት ‘ኣብ ልብና ኸነሕድሮ’ ኣሎና። ሎሚ የሆዋ በቲ ኣብ ጽሑፍ ዝሰፈረ ቓሉ መጽሓፍ ቅዱስ ኣቢሉ እዩ ዚዛረበና። እሞ ደኣ ቓል ኣምላኽ ንሓሳባትናን ንስምዒታትናን ንውሽጣዊ ድራኸታትናን ብቐጻሊ ኸም ዚጸልዎ ብኸመይ ከነረጋግጽ ንኽእል፧

16. ምስ ቃል ኣምላኽ ብእተተሓሓዘ እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧ ከመይ ጌርናኸ ኢና ኣብ ልብና ኸም ዚሓድር ክንገብር እንኽእል፧

16 ከምቲ ምግቢ ምስ በላዕናን ነቲ ዝበላዕናዮ ምስ ኣሕቀቕናዮን ኣካላትና ዚዕንገል፡ ቃል ኣምላኽ ምስ ኣጽናዕናን ምስ ኣስተንተንናሉን እውን ብመንፈሳዊ መዳይ ንዕንገል ኢና። ነቲ ኻብታ ጥቕልልቲ ዚርከብ ትምህርቲ ኣይንረስዓዮ። ምስ ቃል ኣምላኽ ብእተተሓሓዘ፡ የሆዋ ‘ኸብድና ኽንመልእ፡’ ማለት ንቓሉ ኽንርድኦ እዩ ዚደልየና። ብጸሎትን ብንባብን ብምስትንታንን ኣቢልና ኸምኡ ኽንገብር ንኽእል ኢና። ፈለማ፡ ሓሳባት ኣምላኽ ምእንቲ ኽንቅበል፡ ልብና ንምድላው ክንጽሊ ኣሎና። ድሕሪኡ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ከነንብብ ኣሎና። ቀጺልና፡ ሓንሳእ ደው ኢልና ብዛዕባ እቲ ዘንበብናዮ ኸነስተንትን ወይ ኣዕሚቝና ኽንሓስብ ኣሎና። ከምዚ እንተ ጌርና እንታይ ፍረ ኢና እንረክብ፧ ብዝያዳ ብዘስተንተንና መጠን፡ ቃል ኣምላኽ ብዝያዳ እዩ ኣብ ምሳልያዊ ልብና ዚሓድር።

17. ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እነንብቦ ኸነስተንትነሉ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

17 ንመጽሓፍ ቅዱስ ከነንብቦን ከነስተንትነሉን ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ ከምኡ እንተ ጌርና፡ ሕጂ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ንምስባኽ፡ ኣብ ቀረባ መጻኢ ድማ ከቢድ መልእኽቲ ፍርዲ ንምእዋጅ ዜኽእል ውሽጣዊ ብርታዐ ንረክብ ኢና። ብዘይካዚ፡ ብዛዕባ እቲ ማራኺ ባህርያት የሆዋ ኸነስተንትን ከለና፡ ምስኡ ዘሎና ርክብ እናደልደለ እዩ ዚኸይድ። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ብሓቂ ጥዑም ነገር፡ ወይ ባህ ዜብል ነገር ኢና እንረክብ፣ እወ፡ ውሽጣዊ ሰላምን ዕግበትን ኢና እንረክብ።—መዝ. 119:103

ብተጻዋርነት ኪመላለሱ እተላዕሉ

18. እቶም ኣብ ክልና ዘለዉ ሰባት ኣብ መጻኢ እንታይ እዮም ኪእመኑ፧ ስለምንታይከ፧

18 ህዝቅኤል ነብዪ እዩ ነይሩ፣ ንሕና ግና ብድራኸ መንፈስ እንንበ ነብያት ኣይኰንናን። ይኹን እምበር፡ እቲ ዕዮ ስብከት ንየሆዋ ብዜዕግብ ደረጃ ኽሳዕ ዚዛዘም፡ ነቲ ኣብ ቃሉ ዚርከብ ብድራኸ መንፈስ እተጻሕፈ መልእኽቲ ብቐጻሊ ንምብጻሕ ቈሪጽና ኢና ዘለና። ግዜ ፍርዲ ምስ ኣኸለ፡ እቶም ኣብ ክልና ዘለዉ ሰባት፡ መጠንቀቕታ ኸም ዘይተዋህቦም፡ ወይ ኣምላኽ ዕሽሽ ከም ዝበሎም ገይሮም ዜመኻንዩሉ ባይታ ኣይኪህልዎምን እዩ። (ህዝ. 3:19፣ 18:23) ኣብ ክንዳኡስ፡ እቲ ዝሰበኽናዮ መልእኽቲ ኻብ ኣምላኽ ምንባሩ ኺፈልጡ እዮም።

19. ኣገልግሎትና ንምፍጻም እንታይ እዩ ብርታዐ ዚህበና፧

19 እሞ ደኣ ኣገልግሎትና ንምፍጻም እንታይ እዩ ብርታዐ ዚህበና፧ እቲ ንህዝቅኤል ዘበርትዖ ሰለስተ ረቛሒታት ብርታዐ ይህበና እዩ። ብየሆዋ ኸም እተለኣኽና ስለ እንፈልጥ፡ ካብ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ሓይሊ ስለ እንረክብ፡ ከምኡ እውን ብቓል ኣምላኽ ስለ እንዕንገል፡ ብቐጻሊ ንሰብኽ ኢና። ብሓገዝ የሆዋ ኣገልግሎትና ኽንፍጽም፡ “ክሳዕ መወዳእታ” ድማ ክንጻወር ተላዒልና ኢና።—ማቴ. 24:13

መዝሙር 65 ንገስግስ!

a ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ንነብዪ ህዝቅኤል ስብከቱ ኺፍጽም ዝሓገዞ ሰለስተ ረቛሒታት ክንርኢ ኢና። ነቲ የሆዋ ንነብዪኡ ዝሓገዘሉ መገድታት ክንምርምር ከለና፡ ንዓና እውን ኣገልግሎትና ንምፍጻም ከም ዚሕግዘና እምንቶና ኸነደልድል ኢና።