ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 47

ካብ የሆዋ ሓደ እኳ ኣይፍለኻ

ካብ የሆዋ ሓደ እኳ ኣይፍለኻ

“ኦ የሆዋ፡ ብኣኻ እእመን እየ።”—መዝ. 31:14

መዝሙር 122 ጽኑዓት፡ ዘይትነቓነቑ ኹኑ!

መላለዪ a

1. የሆዋ ኽንቀርቦ ኸም ዚደልየና ኸመይ ጌርና ንፈልጥ፧

 የሆዋ ኽንቀርቦ ጻውዒት ኣቕሪቡልና ኣሎ። (ያእ. 4:8) ኣምላኽናን ኣቦናን ፈታዊናን ኪኸውን ይደሊ እዩ። ንጸሎትና ምላሽ ይህበሉ፡ ኣብ ኣጸጋሚ እዋናት እውን ይሕግዘና እዩ። ብውድቡ ኣቢሉ እውን ይምህረናን የዕቍበናን እዩ። ንየሆዋ ምእንቲ ኽንቀርቦ ግና እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧

2. ከመይ ጌርና ኢና ንየሆዋ ኽንቀርቦ እንኽእል፧

2 ናብ የሆዋ ብምጽላይን ቃሉ ብምንባብን ብዛዕባ እቲ ዘንበብናዮ ብምስትንታንን፡ ንየሆዋ ኽንቀርቦ ንኽእል ኢና። ከምኡ እንተ ጌርና፡ ልብና ንዕኡ ብዘሎና ፍቕርን ሞሳን እዩ ዚመልእ። እቲ ዚግብኦ ተኣዛዝነትን ውዳሰን ንምሃብ እውን ንለዓዓል ኢና። (ራእ. 4:11) ንየሆዋ ብዝያዳ ብዝፈለጥናዮ መጠን፡ ኣብኡ ዀነ ኣብታ ኽትድግፈና ኢሉ ዝሃበና ውድቡ ዘሎና እምንቶ ብዝያዳ እዩ ዚድልድል።

3. ከመይ ገይሩ እዩ ድያብሎስ ካብ የሆዋ ኺፈልየና ዚጽዕር፧ ግናኸ ንኣምላኽናን ንውድቡን ፈጺምና ኸይንሓድጎም ዚሕግዘና እንታይ እዩ፧ (መዝሙር 31:13, 14)

3 ድያብሎስ ግና ምናዳ ጸገማት ኬጋጥመና ኸሎ፡ ካብ የሆዋ ኺፈልየና ይጽዕር እዩ። እንታይ ስልቲኸ እዩ ዚጥቀም፧ በብቝሩብ ነቲ ኣብ የሆዋን ኣብ ውድቡን ዘሎና እምንቶ ኼዳኽሞ ይጽዕር እዩ። ነዚ ስልትታቱ ግና ክንጻረሮ ንኽእል ኢና። እምነትና ድልድልቲ እንተ ዀይና፡ ኣብ የሆዋ ዘሎና እምንቶ እውን ዘይንቕነቕ እንተ ዀይኑ፡ ንኣምላኽናን ንውድቡን ኣይንሓድጎምን ኢና።—መዝሙር 31:13, 14 ኣንብብ።

4. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ብዛዕባ እንታይ ኢና ኽንመያየጥ፧

4 ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ብዛዕባ እቲ ኻብ ጉባኤ ወጻኢ ዚመጽእ ሰለስተ ብድሆታት ክንመያየጥ ኢና፣ ሰለስቲኡ ኸኣ ነቲ ኣብ የሆዋን ኣብ ውድቡን ዘሎና እምንቶ ኼዳኽሞ ይኽእል እዩ። እሞ ደኣ እዚ ብድሆታት እዚ ኸመይ ገይሩ እዩ ኻብ የሆዋ ኺፈልየና ዚኽእል፧ ንጻዕርታት ሰይጣን ንምፍሻልከ እንታይ ኢና ኽንገብር እንኽእል፧

ጸገማት ኬጓንፈና ኸሎ

5. ጸገማት ነቲ ኣብ የሆዋን ኣብ ውድቡን ዘሎና እምንቶ ኼዳኽሞ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

5 ሓድሓደ ግዜ፡ ጸገማት ኬጋጥመና ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ካብ ስድራ ቤትና ተቓውሞ ኼጋጥመና ይኽእል እዩ፡ ወይ ስራሕና ኽንስእን ንኽእል ኢና። ከምዚ ዝኣመሰለ ጸገማት ነቲ ኣብ ውድብ የሆዋ ዘሎና እምንቶ ኼዳኽሞ፡ ንዓና እውን ካብ የሆዋ ኺፈልየና ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧ ንነዊሕ እዋን ተጻብኦታት እንተ ተጻዊርና፡ ተስፋ ኽንቈርጽን ክንድቈስን ንኽእል ኢና። ሰይጣን በዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ኣጋጣሚታት ተጠቒሙ፡ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ንዓና ዘለዎ ፍቕሪ ኸም እንጠራጠር ኪገብረና ይደሊ እዩ። የሆዋ ወይ ውድቡ ጠንቂ መከራና ኸም ዝዀኑ ሕቶ ኸም ዚልዓለና ኺገብር ይደሊ እዩ። ንገሊኦም ኣብ ግብጺ ዝነበሩ እስራኤላውያን ተመሳሳሊ ነገር እዩ ኣጋጢምዎም። ኣብ ፈለማ፡ የሆዋ ንሙሴን ንኣሮንን ካብ ባርነት ኬድሕንዎም ከም ዝሸመሎም እዮም ኣሚኖም። (ዘጸ. 4:29-31) ጸኒሖም ግና ካብ ፈርኦን ዝያዳ ጭቈና ምስ ወረዶም፡ “ፈርኦንን ገላዉኡን ከም ዚጽየፉና ብምግባርኩም፡ ኪቐትሉና ኸኣ ኣብ ኢዶም ሰይፊ ብምትሓዝኩም፡ የሆዋ ይርኣየልኩም!” ኢሎም እዮም ወቒሶምዎም። (ዘጸ. 5:19-21) ንእሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ እዮም ወቒሶም። እዚ ብሓቂ ዜሕዝን እዩ። እሞ ደኣ ንነዊሕ እዋን ጸገማት ክትጻወር ዝጸናሕካ እንተ ዄንካ፡ ኣብ የሆዋን ኣብ ውድቡን ዘሎካ እምንቶ ወትሩ ድልዱል ጌርካ ኽትዕቅቦ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

6. ንጸገማት ብዛዕባ ምጽዋር፡ ካብ ነብዪ ኣንባቆም እንታይ ንምሃር፧ (ኣንባቆም 3:17-19)

6 ልብኻ ብጸሎት ናብ የሆዋ ኣፍስስ፡ ደገፍ ንምርካብ እውን ናብኡ ጠምት። ነብዪ ኣንባቆም ብዙሕ ጸገማት እዩ ኣሕሊፉ። ኣብ ሓደ እዋን ከኣ፡ የሆዋ ዚሓልየሉ እንተ ዀይኑ ተጠራጢሩ ዝነበረ እዩ ዚመስል። ስለዚ ድማ ብጸሎት ስምዒታቱ ናብ የሆዋ ኣፍሰሰ። ንየሆዋ ኸኣ፡ “ኦ የሆዋ፡ ከይሰማዕካንስ ክሳዕ መዓስ ከእዊ እየ፧ . . . ስለምንታይከ ኢኻ ጭቈና ስቕ ኢልካ እትርኢ፧” በሎ። (ኣን. 1:2, 3) የሆዋ ድማ ነቲ ኻብ እሙን ኣገልጋሊኡ ዝቐረበሉ ልባዊ ጸሎት መለሰሉ። (ኣን. 2:2, 3) ኣንባቆም ብዛዕባ ግብርታት ድሕነት የሆዋ ድሕሪ ምስትንታኑ፡ ከም ብሓድሽ ብሓጐስ ተመልአ። የሆዋ ኸም ዚሓልየሉን ዝዀነ ፈተና ኺጻወር ከም ዚሕግዞን ድማ ኣመነ። (ኣንባቆም 3:17-19 ኣንብብ።) ካብዚ እንታይ ንምሃር፧ ጸገማት ኬጋጥመካ ኸሎ፡ ናብ የሆዋ ጸሊ፡ ስምዒትካ እውን ንገሮ። ድሕሪኡ፡ ደገፍ ንምርካብ ናብኡ ጠምት። ከምኡ እንተ ጌርካ፡ የሆዋ ንጸገማትካ ንምጽዋር ዜኽእል ብርታዐ ኸም ዚህበካ ርግጸኛ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ። ደገፉ ምስ ረኣኻ ድማ፡ እምነትካ ብዝያዳ ኽትድልድል እያ።

7. ንሺርሊ ቤተ ሰባ እንታይ ኢሉ እዩ ኼእምና ፈቲኑ፧ ግናኸ ኣብ የሆዋ ዝነበራ እምነት ከይተጥፍእ ዝሓገዛ እንታይ እዩ፧

7 መንፈሳዊ ልማድካ ዓቂብካ ተመላለስ። ኣብ ፓፕዋ ኒው ጊኒ ንእትርከብ ሺርሊ ዝስማ ሓብቲ ኸምዚ ብምግባራ፡ ንዘጋጠማ ጸገም ክትዋጽኣሉ ብኸመይ ከም ዝሓገዛ እስከ ንርአ። b ሺርሊ ድኻ ስድራ ቤት እዮም ነይሮምዋ፣ ሓድሓደ ግዜ ድማ ምግቢ ንምርካብ እኳ ቓልሲ እዩ ዚዀኖም ነይሩ። ሓደ እዋን፡ ሓደ ቤተ ሰባ፡ ኣብ የሆዋ ዝነበራ እምንቶ ኼዳኽም ፈቲኑ ነይሩ እዩ። “ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ከም ዚሕግዘኪ ትዛረቢ። እቲ ሓገዙ ግና ኣበይ ኣሎ፧ ስድራኺ ድኻታት እዮም። ንስኺ ድማ ኣብ ስብከት ግዜኺ ተባኽኒ ኣለኺ” ኢሉ እዩ ተዛሪብዋ። ሺርሊ ብዛዕባ እቲ ሽዑ እተሰምዓ ኽትገልጽ ከላ፡ “‘ኣምላኽሲ ብዛዕባና ይግደስ ድዩ፧’ ኢለ ገዛእ ርእሰይ ሓቲተ እየ” ኢላ ትእመን። ኣስዕብ ኣቢላ ድማ፡ “ብኡብኡ ናብ የሆዋ ብምጽላይ ኣብ ኣእምሮይ ዘሎ ዅሉ ነጊረዮ። መጽሓፍ ቅዱስን ጽሑፋትናን ምንባብ ኣየቋረጽኩን፣ ብቐጻሊ እውን እሰብኽን ኣብ ኣኼባታት እእከብን ነይረ” ትብል። ድሕርዚ፡ ነዊሕ ከይጸንሐት ግና፡ የሆዋ ንስድራኣ ይሓልየሎም ከም ዘሎ ኸተስተውዕል ከኣለት። እቶም ስድራ ኣይጠመዩን፣ ኣብ ርእሲ እዚ ድማ ሕጉሳት እዮም። ሺርሊ ኣስዕብ ኣቢላ፡ “የሆዋ ንጸሎተይ ይምልሰለይ ከም ዘሎ እዩ ተሰሚዑኒ” ትብል። (1 ጢሞ. 6:6-8) እምበኣር፡ ንስኻ እውን መንፈሳዊ ልማድካ ዓቂብካ እንተ ተመላሊስካ፡ ጸገማት ኰነ ጥርጣረታት ካብ የሆዋ ኣይኪፈልየካን እዩ።

ሓላፍነት ዘለዎም ኣሕዋት ኪግፍዑ ኸለዉ

8. ኣብ ውድብ የሆዋ ንዘለዉ ሓላፍነት ዘለዎም ኣሕዋት እንታይ ኬጋጥሞም ይኽእል፧

8 ጸላእትና ብመራኸቢ ብዙሓንን ብማሕበራዊ መራኸብን ገይሮም ብዛዕባ እቶም ኣብ ውድብ የሆዋ፡ ሓላፍነት ዘለዎም ኣሕዋት ሓሶት ወይ ግጉይ ሓበሬታ ይነዝሑ እዮም። (መዝ. 31:13) ገሊኦም ኣሕዋት ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ኣትዮምን ከም ገበነኛታት ተኸሲሶምን እዮም። ሃዋርያ ጳውሎስ ብጌጋ ምስ ተኸስሰን ምስ ተኣስረን፡ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ተመሳሳሊ ዅነታት ኣጋጢምዎም ነይሩ እዩ። እሞ ደኣ ሽዑ እንታይ ገይሮም፧

9. ሃዋርያ ጳውሎስ ምስ ተኣስረ፡ ገሊኦም ክርስትያናት እንታይ እዮም ገይሮም፧

9 ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ሮሜ ተኣሲሩ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ገሊኦም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ንዕኡ ዚህብዎ ዝነበሩ ደገፍ ኣቋሪጾም እዮም። (2 ጢሞ. 1:8, 15) ስለምንታይ፧ ብመብዛሕትኦም ሰባት ከም ገበነኛ ጌርካ ይርአ ብምንባሩ ብእኡ ስለ ዝሓፈሩ ድዮም፧ (2 ጢሞ. 2:8, 9) ወይስ ንሳቶም እውን ኣደዳ መስጐጕቲ ኸይኰኑ ስለ ዝፈርሁ እዮም፧ ምኽንያቶም እዚ ይኹን እቲ ብዘየገድስ፡ ጳውሎስ ከመይ ከም እተሰምዖ እሞ ንሕሰብ። ብዙሕ ጸገማት እዩ ኣሕሊፉ፣ ምእንታኦም ኢሉ እውን ህይወቱ ኣብ ሓደጋ ኣእትዩ እዩ። (ግብ. 20:18-21፣ 2 ቈረ. 1:8) እምበኣር፡ ከምቶም ኣብ እዋን ሽግሩ ንጳውሎስ ዝጠንጠንዎ ሰባት ፈጺምና ኣይንኹን! እሞ ደኣ ሓላፍነት ኣብ ልዕሊ ዘለዎም ኣሕዋት መስጐጕቲ ኺወርድ ከሎ እንታይ ኢና ኽንዝክር ዘሎና፧

10. ሓላፍነት ኣብ ልዕሊ ዘለዎም ኣሕዋት መስጐጕቲ ኺወርድ ከሎ፡ እንታይ ኢና ኽንዝክር ዘሎና፧ ስለምንታይከ፧

10 ስለምንታይ ከም እንስጐጕን ጠንቂ መስጐጕቲ መን ምዃኑን ንዘክር። 2 ጢሞቴዎስ 3:12፡ “ኵሎም እቶም ምስ ክርስቶስ የሱስ ብእተተሓሓዘ ንኣምላኽ ብዘለዎም ተወፋይነት ኪነብሩ ዚደልዩ እውን፡ ኪስጐጉ እዮም” ትብል። ስለዚ፡ ሰይጣን፡ ሓላፍነት ንዘለዎም ኣሕዋት ዕላማ መጥቃዕቱ እንተ ገበሮም ኬገርመና የብሉን። በዚ መጥቃዕቲ እዚ ኣቢሉ ንጽህናኦም ኬበላሹን ኬፈራርሃናን እዩ ዚደሊ።—1 ጴጥ. 5:8

ጳውሎስ ተኣሲሩ እኳ እንተ ነበረ፡ ኦኔሲፎሮስ ብትብዓት ደገፎ። ኣብዚ ተዋስኦ እዚ ኸም እንርእዮ፡ ሎሚ እውን ኣሕዋትና ኣሓትናን ንእተኣስሩ ክርስትያናት ብጾቶም ብትብዓት ይድግፍዎም እዮም (ሕጡብ ጽሑፍ 11-12 ርአ)

11. ካብ ኦኔሲፎሮስ እንታይ ንምሃር፧ (2 ጢሞቴዎስ 1:16-18)

11 ንኣሕዋትካ ደግፎም፡ ብተኣማንነት እውን ምሳታቶም ልገብ። (2 ጢሞቴዎስ 1:16-18 ኣንብብ።) ኦኔሲፎሮስ ዝስሙ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረ ክርስትያን፡ ጳውሎስ ኣብ እተኣስረሉ እዋን ካብቶም ካልኦት እተፈልየ ነገር እዩ ገይሩ። ጳውሎስ ብዛዕባኡ ኺገልጽ ከሎ፡ “ብሰንሰለት ማእሰርተይ . . . ኣይሓፈረን” ኢሉ ኣሎ። እወ፡ ኦኔሲፎሮስ ንጳውሎስ ሃለው ኢሉ ደለዮ፣ ምስ ረኸቦ ድማ ግብራዊ ደገፍ ሃቦ። ከምኡ ኺገብር ከሎ ኸኣ፡ ህይወቱ እዩ ኣብ ሓደጋ ኣእትዩ። ካብዚ እንታይ ንምሃር፧ ብፍርሂ ሰብ ተዳሂልና ኣብ ትሕቲ መስጐጕቲ ንዘለዉ ኣሕዋትና ኻብ ምድጋፍ ድሕር ክንብል የብልናን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ንምሕጋዞም ዚከኣለና ንግበር። (ምሳ. 17:17) ፍቕርናን ደገፍናን የድልዮም እዩ።

12. ካብቶም ኣብ ሩስያ ዘለዉ ኣሕዋትናን ኣሓትናን እንታይ ንምሃር፧

12 ኣብ ሩስያ ዘለዉ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ነቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ እተዳጐኑ ክርስትያናት ብጾቶም ብኸመይ ከም ዝደገፍዎም እስከ ንርአ። ገሊኦም ናብ ቤት ፍርዲ ኣብ ዚቐርቡሉ እዋን፡ ብዙሓት ኣሕዋትን ኣሓትን ኪድግፍዎም ኢሎም ናብ ቤት ፍርዲ ይኸዱ እዮም። ካብዚ እንታይ ንምሃር፧ ሓላፍነት ዘለዎም ኣሕዋትና፡ ስሞም ኪጽልም፡ ኪእሰሩ፡ ወይ ኪስጐጉ ኸለዉ በዚ ኽንድሃል የብልናን። የግዳስ፡ ንጸልየሎም፡ ንኣባላት ስድራ ቤቶም ንሕለየሎም፡ ደገፍና እነርእየሉ ግብራዊ መገድታት እውን ነናዲ።—ግብ. 12:5፣ 2 ቈረ. 1:10, 11

ኣደዳ ላግጺ ኽንከውን ከለና

13. ላግጺ ነቲ ኣብ የሆዋን ኣብ ውድቡን ዘሎና እምንቶ ኼዳኽሞ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

13 ዘይኣመንቲ ኣዝማድና፡ መሳርሕትና፡ ወይ መማህርትና፡ ብምኽንያት ዕዮ ስብከትና፡ ወይ ነቲ የሆዋ ዝሰርዖ ልዑል መለክዒታት ስነ ምግባር ብምስዓብና የላግጹልና ይዀኑ። (1 ጴጥ. 4:4) “ኣነ እፈትወካ እየ። ሃይማኖትካ ግና ኣመና ጥብቂ እዩ፣ ምስዚ ግዜና እውን ዘይከይድ እዩ” ይብሉና ይዀኑ። ገሊኦም ከኣ ብዛዕባ እቶም ንውጉዳት እንሕዘሉ መገዲ፡ “እዚ እናገበርካስ፡ ከመይ ጌርካ ኢኻ ፈቃር እየ ኽትብል እትኽእል፧” ኢሎም ይነቕፉና ይዀኑ። ከምዚ ዝኣመሰለ ዘረባ ኣብ ኣእምሮና ጥርጣረ ኺዘርእ ይኽእል እዩ። ‘የሆዋ ኻባይ ዚጽበዮ ነገርሲ መጠኑ ዝሓለፈ ድዩ፧ ውድብና ኣመና ቐያዲት ድያ፧’ ኢልና ኽንሓስብ ንጅምር ንኸውን። ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት የጋጥመካ እንተ ኣልዩ፡ ከመይ ጌርካ ኢኻ ናብ የሆዋን ናብ ውድቡን ክትለግብ እትኽእል፧

እዮብ ነቲ እቶም ናይ ሓሶት ፈተውቱ ብላግጺ እተዛረብዎ ሓሶት ኣይኣመኖን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዘለዎ ንጽህና ኺሕሉ ቘረጸ (ሕጡብ ጽሑፍ 14 ርአ)

14. ብመለክዒታት የሆዋ ብምምልላስና ኣደዳ ላግጺ ኽንከውን ከለና፡ እንታይ ምላሽ ኢና ኽንህብ ዚግባእ፧ (መዝሙር 119:50-52)

14 ንመለክዒታት የሆዋ ንምድጋፍ ቍረጽ። እዮብ ኣደዳ ላግጺ እናዀነ ኽነሱ፡ ንመለክዒታት የሆዋ ንምድጋፍ ቈሪጹ እዩ ነይሩ። ሓደ ኻብቶም ከም ፈተውቱ መሲሎም ዝቐረብዎ ሰባት ከኣ፡ እዮብ መለክዒታት ኣምላኽ ምስዓቡ ወይ ዘይምስዓቡ ንኣምላኽ ከም ዘየገድሶ ኼእምኖ ጽዒሩ እዩ። (እዮ. 4:17, 18፣ 22:3) እዮብ ግና ነቲ ሓሶት እቲ ኣይኣመኖን። እቲ የሆዋ ብዛዕባ ቕኑዕን ጌጋን ዜውጽኦ መለክዒታት ልክዕ ምዃኑ ይፈልጥ ነይሩ እዩ፣ ንምድጋፉ እውን ቈሪጹ እዩ ነይሩ። ብሰንኪ ኻልኦት ሰባት ንጽህናኡ ንምሕዳግ ፍቓደኛ ኣይነበረን። (እዮ. 27:5, 6) ካብዚ እንታይ ንምሃር፧ ብሰንኪ ላግጺ ንመለክዒታት የሆዋ ኣብ ሕቶ ኣይተእትዎ። ብዛዕባ እቲ ኣብ ህይወትካ ዘሕለፍካዮ ተመክሮ እሞ ሕሰብ። መለክዒታት የሆዋ ቕኑዕ ምዃኑን ከም ዚጠቕመካን ብተደጋጋሚዶ ኣይረኣኻን ኢኻ፧ ነታ ነዚ መለክዒታት እትጣበቕ ውድብ ንምድጋፍ እውን ቈራጽነት ግበር። ከምኡ እንተ ጌርካ፡ ካብ ዝዀነ ይኹን ኣንፈት ዚመጽእ ላግጺ ኻብ የሆዋ ኣይኪፈልየካን እዩ።—መዝሙር 119:50-52 ኣንብብ።

15. ብሪጅት ኣደዳ ላግጺ ዝዀነት ስለምንታይ እያ፧

15 ተመክሮ ሓንቲ ኣብ ህንዲ እትነብር ብሪጅት ዝስማ ሓብቲ እስከ ንርአ። ኣባላት ቤተ ሰባ ብምኽንያት እምነታ የላግጹላ ነይሮም እዮም። ብ1997 ድሕሪ ምጥማቓ ነዊሕ ከይጸንሐት፡ እቲ ዘይኣማኒ ሰብኣያ ስራሑ ሰኣነ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ንብሪጅትን ንደቆምን ሒዙ ኣብ ካልእ ከተማ ናብ ዚርከቡ ወለዱ ኺግዕዝ ወሰነ። ኰይኑ ግና፡ ብሪጅት ዝዓበየ ጸገማት እዩ ኣጋጢምዋ። ሰብኣያ ስራሕ ስለ ዘይነበሮ፡ ንስድራ ቤቶም ዜድሊ ንምምእራር ምሉእ መዓልቲ ኽትሰርሕ ነይርዋ። ብተወሳኺ፡ ካብታ ንዓኣ ዝቐረበት ጉባኤ ኣስታት 350 ኪሎ ሜተር ርሒቓ እያ እትነብር ነይራ። ቤተ ሰብ ሰብኣያ ኸኣ ብምኽንያት እምነታ ይጻረርዋ ነይሮም እዮም። እቲ ተቓውሞ እናገደደ ብምኻዱ፡ እታ ስድራ ቤት ከም ብሓድሽ ክትግዕዝ ተገደደት። ድሕርዚ ብሃንደበት ሰብኣይ ብሪጅት ሞተ። ድሕሪኡ እውን፡ ሓንቲ ጓላ ገና ጓል 12 ዓመት ከላ ብሕማም መንሽሮ ሞተት። ኣብታ ዘላታ ተወሰኸታ ድማ፡ እቶም ቤተ ሰብ ንብሪጅት፡ እዚ ዅሉ ብሰንካ ኸም ዝመጸ ገይሮም ነቐፍዋ። ‘ናይ የሆዋ ምስክር እንተ ዘይትዀኒ ኔርኪ፡ እዚ ዅሉ መከራ ኣይምመጸክን’ በልዋ። ንሳ ግና ኣብ የሆዋ ዘለዋ እምንቶ ኣየጥፍአትን፡ ናብ ውድቡ እውን ለገበት።

16. ብሪጅት ናብ የሆዋን ናብ ውድቡን ብምልጋባ ብኸመይ ተባሪኻ፧

16 ብሪጅት ካብ ዝዀነ ጉባኤ ኣመና ርሒቓ ትነብር ብምንባራ፡ ኣብ ከባቢኣ ኽትሰብኽ፡ ኣብ ቤታ እውን ኣኼባታት ክትገብር፡ ሓደ ሓላው ወረዳ ኣተባብዓ። ኣብ ፈለማ፡ እዚ ኣመና እዩ ኸቢድዋ ነይሩ። ይኹን እምበር፡ ነቲ እተዋህባ መምርሒ ሰዓበት። ንሰባት ብስራት ኣበሰረት፡ ኣብ ቤታ ኣኼባታት ገበረት፡ ግዜ መዲባ እውን ምስ ደቃ ኣምልኾ ስድራ ቤት ገበረት። እሞኸ እዚ እንታይ ፍረ ኣፍርዩ፧ ብሪጅት ሓያሎ መጽናዕትታት መጽሓፍ ቅዱስ ከተጀምርን ክትመርሕን ከኣለት፣ ብዙሓት ካብቶም ተምሃሮኣ እውን ተጠምቁ። ብ2005 ስርዕቲ ፈላሚት ኰይና ኸተገልግል ጀመረት። ሳላ እቲ ኣብ የሆዋ ዝነበራ እምንቶን ንውድቡ ዝነበራ ተኣማንነትን ዓስቢ ረኸበት። ደቃ ኸኣ ብተኣማንነት ንየሆዋ የገልግላ ኣለዋ። ሕጂ ኣብቲ ኸባቢ ኽልተ ጉባኤታት ኣለዋ! ንሳ ድማ ነቲ ዘጋጠማ ጸገማት ክትክእሎን ካብ ቤተ ሰብ ንዝመጻ ላግጺ ኽትጻወርን የሆዋ ብርታዐ ኸም ዝሃባ እያ እትኣምን።

ንየሆዋን ንውድቡን እሙን ኩን

17. እንታይ ንምግባር ኢና ቘሪጽና ዘለና፧

17 ሰይጣን፡ የሆዋ ኣብ ግዜ መከራና ኸም ዚሓድገና፡ ንውድብ የሆዋ ምድጋፍ ከኣ ተወሳኺ ጸገም ጥራይ ከም ዜምጽኣልና ኽንኣምን እዩ ዚደልየና። ሓላፍነት ዘለዎም ኣሕዋት ስሞም ኪጽልም፡ መስጐጕቲ ኺወርዶም፡ ወይ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኺዳጐኑ ኸለዉ፡ በዚ ኽንድሃል እዩ ዚደልየና። ብላግጺ ኣቢሉ ኸኣ፡ ነቲ ኣብ መለክዒታት የሆዋን ኣብ ውድቡን ዘሎና እምንቶ ኼዳኽሞ እዩ ዚደሊ። ይኹን እምበር፡ ነቲ እኩይ ስልትታቱ ኣጸቢቕና ንፈልጦ ኢና፣ በዚ ድማ ኣይንዕሾን ኢና። (2 ቈረ. 2:11) ስለዚ፡ ነቲ ሰይጣን ዚነዝሖ ሓሶት ንየው በሎ፣ ንየሆዋን ንውድቡን ድማ እሙን ኩን። የሆዋ ኸቶ ኸም ዘይሓድገካ ኣይትረስዕ። (መዝ. 28:7) እምበኣር፡ ሓደ እኳ ኻብ የሆዋ ኣይፍለኻ!—ሮሜ 8:35-39

18. ኣብ ዚቕጽል ዓንቀጽ ብዛዕባ እንታይ ኢና ኽንመያየጥ፧

18 ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ካብቲ ኻብ ጉባኤ ወጻኢ ብዛዕባ ዚመጽእ ብድሆታት ኢና ተመያይጥና። ኰይኑ ግና፡ ካብ ውሽጢ ጉባኤ ዚመጽእ ብድሆታት እውን ነቲ ኣብ የሆዋን ኣብ ውድቡን ዘሎና እምንቶ ኺፍትኖ ይኽእል እዩ። እሞ ደኣ ነዚ ብድሆታት እዚ ብኸመይ ክንዋጽኣሉ ንኽእል፧ ብዛዕባ እዚ ኣብ ዚቕጽል ዓንቀጽ ክንመያየጥ ኢና።

መዝሙር 118 “እምነት ወስኸና”

a ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ብተኣማንነት ንምጽዋር፡ ንየሆዋን ንውድቡን ክንኣምኖም ኣሎና። ድያብሎስ ብፈተናታት ገይሩ ነቲ እምንቶና ኼበላሽዎ ይጽዕር እዩ። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ድያብሎስ ዚጥቀመሉ ሰለስተ ብድሆታት ክንርኢ ኢና፣ ነቲ ጻዕርታቱ ንምፍሻል እንታይ ክንገብር ከም እንኽእል እውን ክንርኢ ኢና።

b ገሊኡ ስማት ተቐዪሩ እዩ።