ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ታሪኽ ህይወት

ኣብ የሆዋ ስለ እተወከልኩ፡ ናይ ሓቂ ድሕንነት ረኺበ

ኣብ የሆዋ ስለ እተወከልኩ፡ ናይ ሓቂ ድሕንነት ረኺበ

ሰባት ብዛዕባ ህይወተይ ኪሓትቱኒ ኸለዉ፡ “ኣነ ኣብ ኢድ የሆዋ ዘለኹ ሳንጣ እየ!” ኢለ እየ ዝምልሰሎም። ከምቲ ንሳንጣይ ናብ ዝደለኽዎ ቦታ ዝወስዶ፡ የሆዋን ውድቡን ከምኡ ኺጥቀሙለይ እየ ዝደሊ። ናበይ ከም ዝኸይድን መዓስ ከም ዝኸይድን መምርሒ ኺህቡኒ እየ ዝደሊ። ጸገማትን እተወሰነ ሓደጋን ናብ ዘለዎ ቦታታት ምስ ተመደብኩ እውን፡ ነዚ ተቐቢለዮ እየ። ኣብ የሆዋ እንተ ተወኪለ ግና፡ ናይ ሓቂ ድሕንነት ከም ዝረክብ ተማሂረ እየ።

መጀመርታ እቲ ኣብ የሆዋ ዘሕደርክዎ ትውክልቲ

ብ1948 ኣብ ደቡብ ምዕራብ ናይጀርያ ኣብ እትርከብ ንእሽቶ ቝሸት እየ ተወሊደ። ኣብቲ ግዜ እቲ ሓው ኣቦይ ሙስጦፋን ዋሃቢ ዚብሃል ዓብዪ ሓወይን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰይኖም ተጠምቁ። ኣነ ወዲ ትሽዓተ ዓመት ከለኹ፡ ኣቦይ ሞተ። በዚ ድማ ኣመና ሓዘንኩ። ሽዑ፡ ዋሃቢ ንኣቦይ ብትንሳኤ ኸም እንረኽቦ ነገረኒ። እዚ ዜጸናንዕ ሓሳብ ድማ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክገብር ኣለዓዓለኒ። ብ1963 ድማ ተጠመቕኩ። ሰለስተ ኣሕዋተይ እውን ተጠምቁ።

ብ1965 ኣብ ሌጎስ ይነብር ናብ ዝነበረ ዊልሰን ዚብሃል ዓብዪ ሓወይ ከድኩ፡ ኣብ ጉባኤ ኢግቦቢ ምስ ዝነበሩ ስሩዓት ፈለምቲ እውን ጽቡቕ ግዜ ኣሕለፍኩ። እቲ ሓጐሶምን ቅንኣቶምን ንመንፈሰይ ስለ ዘለዓዓሎ ኸኣ፡ ኣብ ጥሪ 1968 ፈላሚ ዀይነ ኸገልግል ጀመርኩ።

ኣብ ቤት-ኤል ዜግልግል ዝነበረ ኣልበርት ኦሉግበቢ ዚብሃል ሓው ንመንእሰያት ዘበልና ፍሉይ ኣኼባ ገበረልና። ኣብ ሰሜናዊ ናይጀርያ ፍሉያት ፈለምቲ ኸም ዜድልዩ እውን ሓበረና። ነቲ ሓውና ኦሉግበቢ ብዉዕዉዕ ስምዒት፡ “መንእሰያት ኢኹም ግዜኹምን ጕልበትኩምን ንየሆዋ ኽትጥቀሙሉ ትኽእሉ ኢኹም። እቲ ሜዳ እንሆ!” ኢሉ ዘቕረቦ ምሕጽንታ ኽሳዕ ሕጂ እዝክሮ እየ። ከምቲ ንነብዪ ኢሳይያስ ዝነበሮ ናይ ፍታው መንፈስ ኪህልወኒ እደሊ ብምንባረይ፡ መመልከቲ መላእኩ።—ኢሳ. 6:8

ኣብ ግንቦት 1968፡ ኣብ ሰሜናዊ ናይጀርያ ናብ እትርከብ ካኖ እትብሃል ከተማ ፍሉይ ፈላሚ ዀይነ ተመደብኩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ውግእ ብያፍራ ተባሪዑ ነበረ (1967-1970)፡ እቲ ውግእ እቲ ኣብ ሰሜናዊ ናይጀርያ ብዙሕ ጕድኣት ድሕሪ ምውራዱ ናብ ምብራቕ ናይጀርያ ለሓመ። ስለዚ፡ ሓደ ሓው ካብ ጽቡቕ ሓሳብ ተላዒሉ ናብታ ቦታ ኻብ ምኻድ ኬታርፈኒ ፈተነ። ኣነ ግና፡ “ስለ ዝሓለኻለይ አመስግነካ። የሆዋ ኣብዚ ምድብ እዚ ኸገልግሎ እንተ ደልዩ ግና፡ ምሳይ ከም ዚኸውን ኣይጠራጠርን እየ” ኢለ መለስኩሉ።

ብውግእ ኣብ እተሓመሰ ኸባቢ ኣብ የሆዋ ዘሕደርክዎ ትውክልቲ

ኣብ ካኖ ዝነበረ ዅነታት ኣዝዩ ዜሕዝን እዩ ነይሩ። እቲ ውግእ ሓድሕድ ነታ ዓባይ ከተማ ኣዕንይዋ እዩ ነይሩ። ሓድሓደ ግዜ ኣብ ኣገልግሎት ከለና፡ ሬሳታት እቶም ኣብቲ ግጭት እተቐትሉ ንርኢ ኔርና። ኣብ ካኖ ጉባኤታት ቈይመን እኳ እንተ ነበራ፡ መብዛሕትኦም እቶም ኣሕዋት ግና ካብታ ኸተማ ሃዲሞም ነበሩ። ካብ 15 ዚውሕዱ ኣስፋሕቲ እዮም ነይሮም፡ ንሳቶም እውን ፈሪሆምን ተስፋ ቘሪጾምን እዮም ነይሮም። ሽዱሽተ ፍሉያት ፈለምቲ ምስ መጻእናሎም ግና፡ እቶም ኣሕዋትን ኣሓትን ኣዝዮም እዮም ተሓጒሶም። ነቲ ዝሃብናዮም መተባብዒ ጽቡቕ ምላሽ እዮም ሂቦምሉ። ኣኼባታትን ስብከትን ኪጅምሩ፡ ናብ ጨንፈር ድማ ጸብጻብ ኣገልግሎት ወፍርን ትእዛዝ ጽሑፋትን ኪልእኩ ሓጊዝናዮም ኢና።

እቶም ፍሉያት ፈለምቲ ዘበልና ቛንቋ ሃውሳ ኽንምሃር ጀመርና። ብዙሓት ካብቶም ደቂ እቲ ዓዲ ነቲ መልእኽቲ ብቛንቋኦም ክንሰብከሎም ምስ ጀመርና፡ ኪሰምዑና ጀመሩ። ምእመናን እቶም ዓበይቲ ሃይማኖታት ግና ንስብከትና ኣይፈተዉዎን፣ ስለዚ፡ ኣጸቢቕና ኽንጥንቀቕ ነበረና። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ ሓደ ሰብኣይ ካራ ሒዙ ንዓይን ንመገላግልተይን ጐየየና። እቲ ዜሐጕስ ግና፡ ጐዪና ኸነምልጥ ከኣልና። ሓደጋታት እኳ እንተ ነበረ፡ የሆዋ ‘ብደሓን እዩ ዜንብረና’ ነይሩ፡ ብዝሒ እቶም ኣስፋሕቲ እውን እናወሰኸ ኸደ። (መዝ. 4:8) ሎሚ፡ ኣብ ካኖ ኣብ ዚርከባ 11 ጉባኤታት ልዕሊ 500 ኣስፋሕቲ ኣለዉ።

ኣብ ኒዠር ዘጋጠመና ተቓውሞ

ኣብ ኒያሚ፡ ኒዠር ፍሉይ ፈላሚ ዀይነ እናኣገልገልኩ

ኣብ ካኖ ሒደት ኣዋርሕ ምስ ኣሕለፍኩ፡ ኣብ ነሓሰ 1968 ምስ ክልተ ኻልኦት ፍሉያት ፈለምቲ ናብታ ኒያሚ እትብሃል ርእሲ ኸተማ ኒዠር ተመደብና። ሽዑ፡ እታ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ እትርከብ ኒዠር ሓንቲ ኻብተን ኣብ ምድሪ ዚርከባ ብርቱዕ ሙቐት ዘለወን ዓድታት ምዃና ፈለጥና። ነቲ ሃሩር ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነቲ ሓድሽ ወግዓዊ ቛንቋ፡ ማለት ንፈረንሳይኛ እውን ክንፈልጥ ነበረና። እዚ ጸገማት እናሃለወ እኳ ኣብ የሆዋ ብምውካል ምስቶም ሒደት ኣስፋሕቲ ሓቢርና ኣብታ ርእሰ ኸተማ ኽንሰብኽ ጀመርና። ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ ኣብ ኒያሚ ዚርከብ ኬንብብ ዚኽእል ዝነበረ ሰብ ነታ ናብ ናይ ዘልአለም ህይወት እትመርሕ ሓቂ ዘርእስታ ንመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እትሕግዝ መጽሓፍ ኪረክብ ከኣለ። ገሊኦም ሰባት እሞ ኸኣ ቅዳሕ እታ መጽሓፍ ንምርካብ መጺኦም ይሓትቱና ነይሮም እዮም።

ነዊሕ ከይጸንሐ፡ እቶም ሰበ ስልጣን ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም ዘይፈትውዎም ፈለጥና። ኣብ ሓምለ 1969፡ ኣብታ ሃገር እቲኣ ናይ መጀመርታ ኣኼባ ወረዳ ንምግባር ተኣከብና፣ ኣስታት 20 ተኣከብቲ ድማ ነበሩ። ክልተ ሓደስቲ ኣስፋሕቲ እውን ንጥምቀት ተዳልዮም ነበሩ። ኣብ መጀመርታ መዓልቲ እቲ ኣኼባ ግና፡ ፖሊስ መጺኦም ነቲ ኣኼባ ኣቋረጽዎ። ነቶም ፍሉያት ፈለምትን ነቲ ሓላው ወረዳን ከኣ ናብ መደበር ፖሊስ ወሰዱና። ናይ መርመራ ሕቶታት ድሕሪ ምሕታቶም፡ ንጽባሒቱ ኽንምለሶም ትእዛዝ ሃቡና። ሽግር ኪመጽእ ከም ዚኽእል ስለ እተረድኣና፡ ኣብ ናይ ውልቂ ቤት መደረ ጥምቀት ኣቕረብና፣ ነቶም ሕጹያት ጥምቀት ድማ ብጥበብ ኣብ ፈለግ ኣጥመቕናዮም።

ድሕሪ ሒደት ሰሙናት ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጕዳያት፡ ንዓይን ንሓሙሽተ ፍሉያት ፈለምትን ካብታ ዓዲ ሰጐጉና። ካብታ ሃገር ንምውጻእ 48 ሰዓት ጥራይ ሃቡና፡ ብናትና መገዲ ኽንወጽእ እውን ትእዛዝ ተዋህበና። ከምቲ እተባህለና ብምግባር ብቐጥታ ናብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ናይጀርያ ኸድና፣ ኣብኡ ኸኣ ሓድሽ ምድብ ተዋህበና።

ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኦሪሱንባረ ናብ እትብሃል ኣብ ናይጀርያ እትርከብ ቍሸት ተመደብኩ። ምስቶም ኣብኡ ዚነብሩ ሒደት ኣስፋሕቲ ብምግልጋል ከኣ ጽቡቕ ፍረ ረኸብኩ። ድሕሪ ሽዱሽተ ወርሒ ግና፡ እቲ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር በይነይ ናብ ኒዠር ክምለስ ሕቶ ኣቕረበለይ። ኣብ ፈለማ እዚ ኣሰንበደኒ፡ ቍሩብ እውን ፈሪሀ ነበርኩ። እንተዀነ ግና፡ ምስቶም ኣብ ኒዠር ዚርከቡ ኣሕዋት ንምርኻብ ሃንቀውታ ሓደረኒ።

ዝዀነ ዀይኑ ተመሊሰ ናብ ኒያሚ ኸድኩ። ጽባሕ እታ ናብታ ኸተማ ዝኣቶኹላ መዓልቲ፡ ሓደ ናይጀርያዊ ነጋዳይ፡ ናይ የሆዋ ምስክር ምዃነይ ስለ ዝፈለጠ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ሕቶታት ኪሓትተኒ ጀመረ። ንዕኡ ድማ መጽናዕቲ ጀመርኩሉ። ሽጋራ ምትካኽን ብዙሕ መስተ ምስታይን ምስ ሓደጎ ኸኣ ተጠምቀ። ድሕርዚ፡ ኣብቲ ኣብ እተፈላለየ ኽፋል ኒዠር ቀስ እናበልካ እተረኽበ ዕቤት ተሳትፎ ኺህልወኒ ብምኽኣሉ ተሓጒሰ እየ። ኣብቲ ዓዲ ኣብ ዝመጻእኩሉ እዋን ኣብታ ሃገር 31 ናይ የሆዋ መሰኻኽር እዮም ነይሮም፡ ካብታ ዓዲ ኣብ ዝወጻእኩሉ እዋን ከኣ ቍጽሮም ናብ 69 ደዪቡ ነበረ።

“ብዛዕባ እቲ ኣብ ጊኒ ዘሎ ዕዮ ስብከት ብዙሕ ኣይንፈልጥን ኢና”

ኣብ ኣጋ መወዳእታ 1977፡ ስልጠና ንምርካብ ናብ ናይጀርያ ተመለስኩ። ኣብ መወዳእታ እቲ ሰለስተ ሰሙን ዝወሰደ ትምህርቲ ኣተሓባባሪ ኮሚተ ጨንፈር ኰይኑ ዜገልግል ዝነበረ ማልኮም ቪጎ፡ ካብ ጨንፈር ሰራ ልዮን እተላእከት ደብዳበ ሃበኒ። እቶም ኣሕዋት፡ እንግሊዝኛን ፈረንሳይኛን ኪዛረብ ዚኽእል ጽቡቕ ጥዕና ዘለዎ ዘይተመርዓወ ፈላሚ እዮም ደልዮም፣ ነቲ ሓው ድማ ኣብ ጊኒ ሓላው ወረዳ ዀይኑ ኼገልግል እዮም ኪሸምዎ ደልዮም። ሓውና ቪጎ ነዚ ምድብ እስልጥን ከም ዘለኹ ሓበረኒ። ቀሊል ዕዮ ኸም ዘይኰነ ኣጕልሓለይ። “ቅድሚ ምምላስካ ሕሰበሉ” ኢሉ እውን ምኽሪ ሃበኒ። ኣነ ግና ብኡብኡ፡ “የሆዋ ይልእኸኒ ስለ ዘሎ፡ ክኸይድ እየ” በልክዎ።

ድሕርዚ፡ ብነፋሪት ናብ ሰራ ሊዮን ከድኩ፡ ምስቶም ኣብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ዚርከቡ ኣሕዋት እውን ተራኸብኩ። ሓደ ኣባል ኮሚተ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ድማ፡ “ብዛዕባ እቲ ኣብ ጊኒ ዘሎ ዕዮ ስብከት ብዙሕ ኣይንፈልጥን ኢና” በለኒ። እቲ ጨንፈር ነቲ ኣብ ጊኒ ዚርከብ ዕዮ ስብከት ብሓላፍነት ይመርሕ እኳ እንተ ነበረ፡ ብሰንኪ እቲ ሰፊኑ ዝነበረ ፖለቲካዊ ውጥረት፡ ምስ ኣስፋሕቲ ዝነበሮ ርክብ ተበቲኹ ነበረ። ብተደጋጋሚ ፈተነ እኳ እንተ ገበሩ፡ ናብታ ሃገር ተወካሊ ኺልእኩ ኣይከኣሉን። ስለዚ፡ ናብታ ኮናክሪ እትብሃል ርእሰ ኸተማ ጊኒ ክኸይድ እሞ፡ ኣብኡ መንበሪ ንምርካብ ክፍትን ተነግረኒ።

“የሆዋ ይልእኸኒ ስለ ዘሎ፡ ክኸይድ እየ”

ኣብ ኮናክሪ ምስ በጻሕኩ፡ ናብ ኤምባሲ ናይጀርያ ኸይደ ምስቲ ኣምባሳደር ተራኸብኩ። ኣብ ጊኒ ኽሰብኽ ኢለ ኸም ዝመጻእኩ እውን ነገርክዎ። ማእሰርቲ ወይ ካብኡ ዝገደደ ምእንቲ ኸይወርደኒ፡ ካብታ ዓዲ እንተ ወጻእኩ ኸም ዚሓይሽ መኸረኒ። “ናብ ናይጀርያ ተመሊስካ ኣብኡ ስበኽ” በለኒ። ኣነ ግና፡ “ኣብዚ ኽጸንሕ ቈሪጸ እየ” ኢለ መለስኩሉ። ስለዚ፡ ሓገዝ ምእንቲ ኽረክብ ኢሉ፡ ናብ ናይ ጊኒ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጕዳያት ደብዳበ ጸሓፈለይ፣ እቲ ሚኒስተር ከኣ ብኣኽብሮት ተቐበለኒ።

ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸናሕኩ፡ ናብቲ ኣብ ሰራ ሊዮን ዚርከብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ተመሊሰ፡ ነቶም ኣብኡ ዘለዉ ኣሕዋት እቲ ሚኒስተር ዝገበሮ ውሳነ ነገርክዎም። እቶም ኣሕዋት ከኣ፡ የሆዋ ንጕዕዞይ ብኸመይ ከም ዝባረኾ ምስ ሰምዑ፡ ብሓጐስ ጨደሩ። ስለምንታይሲ፡ ኣብ ጊኒ ኽነብር እዩ ተፈቒዱለይ!

ኣብ ሰራ ሊዮን ሓላው ወረዳ ዀይነ እናኣገልገልኩ

ካብ 1978 ክሳዕ 1989፡ ኣብ ጊኒን ሰራ ልዮንን ሓላው ወረዳ ዀይነ ኣገልገልኩ፣ ኣብ ላይበርያ እውን ተተካኢ ሓላው ወረዳ ዀይነ ኣገልገልኩ። ኣብ መጀመርታ ብዙሕ ሳዕ እየ ዝሓምም ነይረ። ሓድሓደ ግዜ፡ ኣብ ግሉል ከባቢታት ከለኹ እየ ዝሓምም ነይረ። ኣሕዋት ግና ናብ ሆስፒታል ኬብጽሑኒ ኢሎም ዚከኣሎም እዮም ዚገብሩ ነይሮም።

ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ብርቱዕ ዓሶ ሓመምኩ፣ ኣብቲ ግዜ እቲ እውን ናይ መዓናጡ ሓሳኹ ገይረ ነበርኩ። ኣብ መወዳእታኡ ምስ ሓወኹ፡ ኣሕዋት ኣበይ ከም ዚቐብሩኒ ይመያየጡ ምንባሮም ፈለጥኩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ንህይወተይ ዜስግኣ ኣጋጣሚታት እኳ እንተ ኣጓነፈኒ፡ ምድበይ ሓዲገ ክኸይድ ግና ፈጺመ ኣይሓሰብኩን። ናይ ሓቅን ነባርን ድሕንነት ካብቲ ንምዉታት ኬተንስእ ዚኽእል ኣምላኽ ከም ዚርከብ እኣምን እየ።

ኣነን ሰበይተይን ኣብ የሆዋ ዘሎና ትውክልቲ

ብ1988 ኣብ መዓልቲ መርዓና

ብ1988 ዶርካስ ምስ ዝስማ ትሕትትን መንፈሳዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎን ፈላሚት ተራኸብኩ። ምስ ተመርዓና፡ ምሳይ ሓቢራ ኣብ ዕዮ ወረዳ ኸተገልግል ጀመረት። ዶርካስ ፈቃርን ጥቕሚ ርእሳ እትስውእን ሰበይቲ እያ። ብሓባር ሳንጣታትና ተሰኪምና ኻብ ሓንቲ ጉባኤ ናብ ካልእ ጉባኤ ክሳብ 25 ኪሎ ሜተር ብእግርና ኼድና ንፈልጥ ኢና። ዝነውሐ ርሕቀት ናብ ዘለወን ጉባኤታት ክንከይድ ከለና ኸኣ፡ ብዝረኸብናዮ ዘበለ መጕዓዝያ ጭቃን ጐዳጕድን ኣብ ዝመልኦ መገዲ ንጕዓዝ ነበርና።

ዶርካስ ኣዝያ ተባዕ እያ። ንኣብነት፡ ሓድሓደ ግዜ ሓራግጽ ንዝመልእዎ ማያት ንሰግር ኔርና ኢና። ኣብ ሓደ ሓሙሽተ መዓልቲ ኣብ ዝወሰደልና ጕዕዞ፡ እቲ ብዕንጨይቲ እተሰርሐ ድልድል ስለ እተሰብረ ነቲ ፈለግ ብታንኳ ኽንሰግሮ ነበረና። ዶርካስ ከኣ ኻብታ ታንኳ ኽትወርድ ኢላ ብድድ ምስ በለት፡ ናብ ዓሚቝ ማይ ወደቐት። ክልቴና ኽንሕምብስ ኣይንኽእልን ኢና ኔርና፡ ኣብቲ ፈለግ ድማ ሓራግጽ ነይሮም እዮም። እቲ ዜሐጕስ ግና፡ ገሊኦም መንእሰያት ዘሊሎም ኣትዮም ኣድሓንዋ። ብዛዕባ እቲ ሽዑ ዘጋጠመና ነገር፡ ንእተወሰነ እዋን ብሕልሚ ሃተፍተፍ ንብል ኔርና ኢና፣ ይኹን እምበር፡ ኣገልግሎትና ኣየቋረጽናን።

ጃህጊፍትን ኤሪክን ዚብሃሉ ደቅና ኻብ የሆዋ እተዋህቡና ውህበት እዮም ኰይኖምልና

ኣብ መጀመርታ 1992 ዶርካስ ከም ዝጠነሰት ምስ ፈለጥና፡ ዘይተጸበናዮ እዩ ዀይኑና። ስለዚ፡ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ንምቝራጽ ወይ ንዘይምቍራጽ ክንውስን ነበረና። “የሆዋ ህያብ ሂቡና” ኢልና ድማ ሓሰብና። ስለዚ ንጓልና ጃህጊፍት ኢልና ሰመናያ። ድሕሪ ጃህጊፍት፡ ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመት ከኣ ሓዋ ኤሪክ ሰዓበ። ክልቲኦም ደቅና ኻብ የሆዋ እተዋህቡና ውህበት እዮም ኰይኖምልና። ጃህጊፍት ኣብ ኮናክሪ ኣብ ዚርከብ ቤት ጽሕፈት ትርጉም ማዕዶ ንእተወሰነ ግዜ ኣገልጊላ እያ፡ ኤሪክ ድማ ኣገልጋሊ ጉባኤ እዩ።

ዶርካስ ፍሉይ ፈላምነት እኳ እንተ ኣቋረጸት፡ ዋላ እውን ንደቅና እናኣዕበየት ስርዕቲ ፈላሚት ኰይና ተገልግል ነበረት። ኣነ እውን ብሓገዝ የሆዋ ኣብ ፍሉይ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ቀጺለ እየ። ደቅና ምስ ዓበዩ፡ ዶርካስ ከም ብሓድሽ ፍልይቲ ፈላሚት ኰይና ኸተገልግል ጀመረት። ሕጂ ክልቴና ኣብ ኮናክሪ ሚስዮናውያን ወፍሪ ዄንና ነገልግል ኣለና።

ምንጪ ናይ ሓቂ ድሕንነት

ኵሉ ሳዕ የሆዋ ናብ ዝወሰደኒ ዘበለ እየ ዝኸይድ ነይረ። ኣነን ሰበይተይን ዕቝባኡን በረኸቱን ብዙሕ ሳዕ ርኢና ኢና። ኣብ የሆዋ ስለ እተወከልና፡ ካብቲ ነቶም ኣብ ስጋዊ ነገራት ዚውከሉ ዜጋጥሞም ብዙሕ ውጥረት ተሰቲርና ኢና። ኣነን ዶርካስን ካብቲ ዘሕለፍናዮ ብሕታዊ ተመክሮ ምንጪ ናይ ሓቂ ድሕንነት፡ እቲ “ኣምላኽ ድሕነትና” ዝዀነ የሆዋ ምዃኑ ተማሂርና ኢና። (1 ዜና 16:35) ህይወት ኵሎም እቶም ኣብኡ ዚውከሉ “ኣብ ከረጺት ህይወት ተጠቕሊላ ምስ የሆዋ” ኸም ዘላ እተኣማመን እየ።—1 ሳሙ. 25:29