ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ስሩዕ መጽናዕቲ ንምግባር ዚሕግዘካ ነገራት

ስሩዕ መጽናዕቲ ንምግባር ዚሕግዘካ ነገራት

ብሕታዊ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብስሩዕ ምግባርን ባህ ዜብል ከም ዚኸውን ምግባርን የጸግመካዶ፧ ኵላትና ኸምኡ እተሰምዓና እዋን ነይሩ እዩ። ብዛዕባ እቲ ኣዘውቲርካ እትገብሮ ኻልእ ነገራት እሞ ሕሰብ። ንኣብነት፡ ምሕጻብ ሰብነት እስከ ንውሰድ። ሰብነትካ ኽትሕጸብ ግዜን ጻዕርን ይሓትት እዩ፣ ድሕሪኡ ግና፡ መንፈስካ እዩ ዚሕደስ! መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክንገብር ከለና እውን፡ ‘በቲ ቓል ጌርና ብማይ ስለ እንሕጸብ፡’ እዚ ንመንፈስና ኺሕድሶ ይኽእል እዩ። (ኤፌ. 5:26) ኣብዚ መዳይ እዚ ኺሕግዝ ዚኽእል ሓሳባት እስከ ንርአ፦

  • መደብ ግበር። ብሕታዊ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ሓደ ኻብቲ ክርስትያናት ዕሽሽ ኪብልዎ ዘይግባእ “ዚሓይሽ” ነገራት እዩ። (ፊል. 1:10) ስለዚ፡ ንመደብካ ምእንቲ ኽትስዕቦ፡ ብቐሊሉ ኣብ ዚርአ ቦታ፡ ንበል ኣብ ሰሌዳ ወይ ኣብ ፍሪጅ ንምንታይ ዘይትልጥፎ፧ ወይ ከኣ ሰዓት መጽናዕቲ ኪቐርብ ከሎ ዚሕብረካ መዘኻኸሪ ኣብ ሞባይልካ ኽትመልእ ትኽእል ኢኻ።

  • መምስ ኵነታትካ ተዋሃሃድ። ንንውሕ ዝበለ ግዜ ኸተተኵር ድዩ ዚቐልለካ፡ ወይስ ሕጽር ዝበለ ተደጋጋሚ መጽናዕቲ ምግባር፧ ንዅነታትካ ባዕልኻ ኢኻ እትፈልጦ። ስለዚ፡ መምስ ኵነታትካ ተዋሃሃድ። ግዜ መጽናዕቲ ምስ ኣኸለ እንተ ዘይተበሪሁካ፡ ንምንታይ ንዓሰርተ ደቒቕ ጥራይ ዘይተጽንዕ፧ እዚ ሓጺር እኳ እንተ ዀነ፡ ካብ ዘይምጽናዕ ይሓይሽ። ሓንሳእ ምስ ጀመርካዮ ድማ፡ ጥዒሙካ ትቕጽል ትኸውን።—ፊል. 2:13

  • ኣቐዲምካ ርእሰ ነገራት ሕረ። ንመጽናዕቲ ኾፍ ምስ በልካ እንታይ ከም እተጽንዕ ትሓስብ እንተ ዄንካ፡ ‘ንግዜኻ ብዝበለጸ ትጥቀመሉ’ ኣይኰንካን ዘለኻ። (ኤፌ. 5:16) እሞ ደኣ ዝርዝር እቲ ኸተጽንዖ እትደሊ ዓንቀጻት ወይ ርእሰ ነገራት ንምንታይ መዝጊብካ ዘይትሕዝ፧ ሕቶ እንተ መጺኡካ፡ መዝግቦ። መጽናዕቲ መምስ ወዳእካ ኸኣ፡ እንታይ ከተጽንዕ ከም እትደሊ ኣብቲ ዝርዝር ክትውስኾ ትኽእል ኢኻ።

  • ተዓጻጻፊ ኹን። መደብካ ተዓጻጻፊ ኸም ዚኸውን ክትገብሮ ፈትን። ንኣብነት፡ ኣብቲ ኣብ መጽናዕቲ እተሕልፎ ንውሓት ግዜ ወይ ኣብቲ እትሓርዮ ርእሰ ነገራት ተዓጻጻፊ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ። እቲ ልዕሊ ዅሉ ዜገድስ፡ መዓስ፡ ክንደይ ዚኣክል፡ ወይ እንታይ ኣጽኒዕካ ዘይኰነስ፡ መጽናዕትኻ ስሩዕ ምዃኑ እዩ።

ካብ ስሩዕ መጽናዕቲ ብዙሕ ኢና እንጥቀም። በዚ ኸምዚ፡ ንየሆዋ ንቐርቦ፡ ከመይ ጌርና ብጥበብ ከም እንመላለስ ንምሃር፡ መንፈስና እውን ይሕደስ።—እያ. 1:8