ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 44

መዝሙር 33 ጾርካ ናብ የሆዋ ደርቢ

ንዘይፍትሓውነት ብኸመይ ትጻወሮ፧

ንዘይፍትሓውነት ብኸመይ ትጻወሮ፧

“ነቲ እከይ ደኣ ብሰናይ ስዓሮ እምበር፡ በቲ እከይ ኣይትሰዓር።”ሮሜ 12:21

ኣትኵሮ

ዘይፍትሓዊ ተግባራት ኬጋጥመካ ኸሎ፡ ነቲ ነገር ብዘየጋድድ መገዲ ብኸመይ ከም እትሕዞ።

1-2. ዘይፍትሓውነት እንተ በዚ እንተ በቲ ንዅላትና ዚጸልወና ብኸመይ እዩ፧

 የሱስ ኣብ ዘዘንተዋ ምሳሌ፡ ሓንቲ መበለት ንሓደ ፈራዲ፡ ፍትሒ ኼውጽኣላ ደጋጊማ ለመነቶ። ብግዜ የሱስ ዝነበሩ ተራ ሰባት ግዳያት ዘይፍትሓዊ ተግባራት ይዀኑ ብምንባሮም፡ ብዙሓት ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ምስቲ ዛንታ ዚመሳሰል ነገር ኣሕሊፎም ኪዀኑ ኣለዎም። (ሉቃ. 18:1-5) ኵላትና እንተ በዚ እንተ በቲ ዘይፍትሓዊ ነገር ስለ ዜጋጥመና፡ እቲ ዛንታ ንዓና እውን ትርጉም ኣለዎ።

2 ሎሚ፡ ኣቐዲምካ ፍርድን ዘይማዕርነትን ጭቈናን ኣብ ዓለም ልሙድ ኰይኑ ኣሎ። ስለዚ፡ ዘይፍትሓዊ ነገር ኬጋጥመና ኸሎ፡ ኣይደንቀናን እዩ። (መክ. 5:8) ሓውና ወይ ሓብትና ኸምኡ ኺገብረና ግና ኣይንጽበን ንኸውን። ዝዀነ ዀይኑ ግና፡ ከምኡ የጋጥም እዩ። ልክዕ እዩ፡ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ተጻረርቲ ሓቂ ኣይኰኑን። ዘይፍጹማት ስለ ዝዀኑ እዮም ዚጋገዩ። ዝዀነ ዀይኑ፡ ካብቲ የሱስ ካብ እኩያት ተጻረርቲ ዘይፍትሓውነት ምስ ኣጋጠሞ ዝገበሮ ነገር ብዙሕ ክንምሃር ንኽእል ኢና። ዘይፍትሓዊ ነገር ንዚገብሩ ተጻረርቲ ኽንዕገሶም ካብ ከኣልና ኸኣ፡ ንክርስትያናት ብጾትና ግዳ ኽንደይ ኣብዚሕና ዘይንዕገሶም! ንምዃኑ፡ ኣብ ጉባኤና ብዘለዉ ክርስትያናት ኰነ ብኻልኦት ሰባት ኣደዳ ዘይፍትሓውነት ክንከውን ከለና፡ የሆዋ እንታይ ይስምዖ፧ ብሓቂዶ ይሓልየልና እዩ፧

3. የሆዋ በቲ ኣባና ዚወርድ ዘይፍትሓዊ ነገር ይግደስ ድዩ፧ ስለምንታይከ እዩ ዚግደስ፧

3 የሆዋ በቲ ኣባና ዚወርድ ነገር ኣጸቢቑ ይግደስ እዩ። “የሆዋስ ፍትሒ ይፈቱ እዩ።” (መዝ. 37:28) ግዜኡ ምስ ኣኸለ፡ ‘ቀልጢፉ ፍትሒ ኸም ዜውጽእ’ የሱስ መረጋገጺ ሂቡና ኣሎ። (ሉቃ. 18:7, 8) ኣብ ቀረባ ግዜ ኸኣ፡ ንዅሉ እቲ ዝወረደና መከራ ኼዐርዮ፡ ንዅሉ ዓይነት ዘይፍትሓውነት እውን ኬወግዶ እዩ።—መዝ. 72:1, 2

4. ሎሚ የሆዋ እንታይ ሓገዝ እዩ ዚህበና፧

4 ጽድቂ ዚሰፍነሉ ግዜ እናተጸበና ግና፡ ንዘይፍትሓውነት ምእንቲ ኽንጻወር የሆዋ ይሕግዘና እዩ። (2 ጴጥ. 3:13) ክንግፋዕ ከለና፡ ነቲ ጸገም ዜጋድድ ነገር መሊስና ኸይንገብር ይምህረና እዩ። ብወዱ ኣቢሉ ኸኣ ንዘይፍትሓውነት ብኸመይ ከም እንጻወሮ ብሉጽ ኣብነት ሂቡና ኣሎ። ግዳይ ዘይፍትሓውነት ክንከውን ከለና ኽንትግብሮ እንኽእል ግብራዊ ምኽሪ እውን ይህበና እዩ።

ዘይፍትሓዊ ነገር ምስ ኣጋጠመካ፡ እንታይ ምላሽ ከም እትህብ ተጠንቀቕ

5. ዘይፍትሓዊ ነገር ምስ ኣጋጠመና፡ እንታይ ምላሽ ከም እንህብ ክንጥንቀቕ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

5 ዘይፍትሓዊ ነገር ኣመና ኺጐድኣናን ኬጨንቐናን ይኽእል እዩ። (መክ. 7:7) ከም እዮብን ኣንባቆምን ዝኣመሰሉ እሙናት ኣገልገልቲ ኸምኡ እዩ ተሰሚዕዎም። (እዮ. 6:2, 3፣ ኣን. 1:1-3) እዚ ስምዒት እዚ ንቡር እኳ እንተ ዀነ፡ ናይ ዕሽነት ተግባር ምእንቲ ኸይንገብር ግና፡ እንታይ ምላሽ ከም እንህብ ክንጥንቀቕ ኣሎና።

6. ካብ ኣቤሴሎም እንታይ መለበሚ ኢና እንረክብ፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

6 ዘይፍትሓዊ ነገር ኬጋጥመና ኸሎ፡ ዓጸፌታ ንምምላስ ንለዓዓል ንኸውን። እዚ ዓይነት ምላሽ ግና፡ ነቲ ነገር ኬጋድዶ ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ኣቤሴሎም ወዲ ንጉስ ዳዊት ዝገበሮ እስከ ንርአ። ኣምኖን ንሓብቱ ታማር ምስ ዓመጻ፡ ኣቤሴሎም ተቘጥዐ። ብመሰረት ሕጊ ሙሴ፡ ኣምኖን ኪመውት እዩ ዚግብኦ ነይሩ። (ዘሌ. 20:17) ኣቤሴሎም ምቝጣዑ ጌጋ እኳ እንተ ዘይኰነ፡ ባዕሉ ሕነ ኺፈዲ ግና ኣይምተገብኦን።—2 ሳሙ. 13:20-23, 28, 29

ኣቤሴሎም በቲ ኣብ ሓብቱ ታማር እተፈጸመ ግፍዒ ስለ እተቘጥዐ፡ ባዕሉ ሕነ ፈደየ (ሕጡብ ጽሑፍ 6 ርአ)


7. ሓደ ዘማሪ ብዘይፍትሓዊ ተግባራት ንግዜኡ እተጸልወ ብኸመይ እዩ፧

7 እቶም ዘይፍትሓዊ ተግባር ዚገብሩ ኻብ መቕጻዕቲ ዘምለጡ ዀይኑ ኺስምዓና ኸሎ፡ ቅኑዕ ምግባር ዋላ ሓንቲ ኸም ዘይዓብሰልና ኽንሓስብ ንኽእል ኢና። ንኣብነት፡ ሓደ ዘማሪ፡ እኩያት ንጻድቃን እናረገጹ ኸም ዚብልጽጉ ረኣየ። ስምዒቱ ኺገልጽ ከሎ፡ “እዚኣቶም እቶም ወትሩ ሃዲኦም ዚነብሩ እኩያት እዮም” በለ። (መዝ. 73:12) በቲ ዝረኣዮ ዘይፍትሓውነት ኣመና ስለ እተረበሸ፡ ንየሆዋ ምግልጋል ከም ዘይጠቅም ኪሓስብ ጀመረ፣ “ነዚ ኽርድኦ ምስ ፈተንኩ፡ ኣሸጊሩኒ ነይሩ” እውን በለ። (መዝ. 73:14, 16) ሕሉፍ ሓሊፉ እኳ፡ “ኣነ ግና፡ ኣእጋረይ ዳርጋ ኣላጊሰን ነይረን፣ ስጕምትታተይ ኬንደልህጻ ቐሪበን ነይረን” በለ። (መዝ. 73:2) ኣልበርቶ ኢልና ንዝሰመናዮ ሓው ተመሳሳሊ ነገር ኣጋጢምዎ እዩ።

8. ዘይፍትሓውነት ኣብ ሓደ ሓው እንታይ ጽልዋ እዩ ኣሕዲሩ፧

8 ኣልበርቶ ናይ ጉባኤ ገንዘብ ከም ዝሰረቐ ጌርካ ናይ ሓሶት ክሲ ቐረበሉ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ሓላፍነታቱ ሰኣነ፡ ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ዝሰምዑ ብዙሓት ደቂ ጉባኤኡ እውን ንዕኡ ዝነበሮም ኣኽብሮት ኣጥፍኡ። ብዛዕባኡ ተዘክሮኡ ኺገልጽ ከሎ፡ “ምረትን ቍጥዓን ብስጭትን እዩ ተሰሚዑኒ” ይብል። እቲ ስምዒታዊ ስቓዩ ንመንፈሳውነቱ ኺጸልዎ ፈቐደ፡ ንሓሙሽተ ዓመት እውን ዘይንጡፍ ኰነ። ብዘይፍትሓዊ ነገር እንተ ተመሪርና፡ እንታይ ክንከውን ከም እንኽእል ካብዚ ተመክሮ እዚ ኽንምሃር ንኽእል ኢና።

ነቲ ንዘይፍትሓውነት እተጻወረ የሱስ ምሰሎ

9. የሱስ እንታይ ዘይፍትሓዊ ተግባራት እዩ ተጻዊሩ፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

9 ንዘይፍትሓውነት ብምጽዋር ዝመጸ፡ የሱስ ፍጹም ኣብነት ሓዲጉልና ኣሎ። ነቲ ኻብ ስድራ ቤቱ ዀነ ኻብ ካልኦት ዘጋጠሞ ዘይፍትሓዊ ኣተሓሕዛ እሞ ሕስብ ነብሎ። እቶም ዘይኣመንቲ ኣዝማዱ ኸም እተጸለለ ገይሮም እዮም ርእዮምዎ፣ መራሕቲ ሃይማኖት ድማ ምስ ኣጋንንቲ ኸም ዚተሓባበር ገይሮም እዮም ከሲሶምዎ፣ ወተሃደራት ሮሜ ኸኣ ኣላጊጾምሉን ወቒዖምዎን ቀቲሎምዎን እዮም። (ማር. 3:21, 22፣ 14:55፣ 15:16-20, 35-37) ይኹን እምበር፡ እዚ ዅሉን ካልእን ዘይፍትሓዊ ተግባራት ኬጋጥሞ ኸሎ፡ ዓጸፌታ ኣይመለሰን። እሞ ደኣ ኻብ ኣብነቱ እንታይ ንምሃር፧

ንዘይፍትሓውነት ብምጽዋር ዝመጸ፡ የሱስ ፍጹም ኣብነት ሓዲጉልና ኣሎ (ሕጡብ ጽሑፍ 9-10 ርአ)


10. የሱስ ንዘይፍትሓውነት ብኸመይ ተጻዊርዎ፧ (1 ጴጥሮስ 2:21-23)

10 ቀዳማይ ጴጥሮስ 2:21-23 ኣንብብ። a ዘይፍትሓውነት ኣብ ዜጋጥመና እዋን፡ ነዚ ብኸመይ ክንጻወሮ ኸም ዚግባእ የሱስ ፍጹም ኣርኣያ ሓዲጉልና ኣሎ። ንሱ መዓስ ስቕ ከም ዚብልን መዓስ ከም ዚዛረብን ይፈልጥ ነይሩ እዩ። (ማቴ. 26:62-64) ንዅሉ እቲ ብዛዕባኡ እተዘርበ ሓሶት ምላሽ ኣይሃበሉን። (ማቴ. 11:19) ኪዛረብ ኣፉ ምስ ከፈተ ኸኣ፡ ንሰጐጕቱ ኣይጸረፎምን፡ ወይ ኣየፈራርሆምን። ‘ነቲ ብጽድቂ ዚፈርድ ነገሩ ኣሕሊፉ ስለ ዝሃበ’ ድማ፡ ርእሱ ኺገትእ ከኣለ። ልዕሊ ዅሉ ዜገድስ፡ ኣረኣእያ የሆዋ ምዃኑ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ስለዚ፡ የሆዋ ብግዜኡ ፍትሒ ኸም ዜውጽኣሉ ይኣምን ነበረ።

11. ንዘረባና ኽንቈጻጸር እንኽእለሉ መገድታት እንታይ እዩ፧ (ስእልታት እውን ርአ።)

11 ዘይፍትሓዊ ነገር ኬጋጥመና ኸሎ፡ ንዘረባና ብምቍጽጻር ንየሱስ ክንመስሎ ንኽእል ኢና። ገሊኡ ዘይፍትሓዊ ተግባራት ንኣሽቱ ስለ ዝዀነ፡ ዕሽሽ ኢልና ኽንሓልፎ ንኽእል ኢና። ወይ ከኣ ዜጋድድ ዘረባ ኸይንዛረብ ኢልና ስቕ ክንብል ንመርጽ ንኸውን። (መክ. 3:7፣ ያእ. 1:19, 20) ኣብ ገሊኡ ግዜያት ግና፡ ዘይፍትሓዊ ነገር ክንርኢ ኸለና ወይ ንሓቂ ኽንጣበቕ ኣብ ዜድልየሉ እዋን፡ ተቢዕና ኽንዛረብ ኣሎና። (ግብ. 6:1, 2) ክንዛረብ ከለና ግና፡ ብህድኣትን ብኣኽብሮትን ንምዝራብ ዚከኣለና ኽንገብር ኣሎና።—1 ጴጥ. 3:15 b

ዘይፍትሓዊ ነገር ኬጋጥመና ኸሎ፡ መዓስን ብኸመይን ምላሽ ከም እንህብ ተጠንቂቕና ብምውሳን ንየሱስ ክንመስሎ ንኽእል ኢና (ሕጡብ ጽሑፍ 11-12 ርአ)


12. ከመይ ጌርና ኢና ‘ነቲ ብጽድቂ ዚፈርድ ነገርና ኣሕሊፍና እንህብ፧’

12 ንሕና እውን ‘ነቲ ብጽድቂ ዚፈርድ ነገርና ኣሕሊፍና ብምሃብ፡’ ንየሱስ ክንመስሎ ንኽእል ኢና። ክንብደል ወይ ክንግፋዕ ከለና፡ የሆዋ ነዚ ኸም ዚፈልጦ ንኣምን ኢና። የሆዋ ንዅሉ ነገር ውዒሉ ሓዲሩ ኸም ዜዐርዮ ስለ እንፈልጥ፡ እዚ እምንቶ እዚ ንዜጋጥመና ዘይፍትሓዊ ነገራት ክንጻወር ይሕግዘና እዩ። ንጕዳይና ኣብ ኢድ የሆዋ ምስ እንሓድጎ፡ ቍጥዓ ወይ ቅሬታ ኣብ ልብና ኣይሓድርን እዩ። እንተዀነ ግና፡ ቍጥዓ ወይ ቅሬታ፡ ከም እንግንፍል ኪገብረና፡ ሓጐስና ኼስእነና፡ ምስ የሆዋ ንዘሎና ርክብ እውን ኬበላሽዎ ይኽእል እዩ።—መዝ. 37:8

13. ንዘይፍትሓዊ ነገራት ንምጽዋር እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧

13 ልክዕ እዩ፡ ምሉእ ብምሉእ ንየሱስ ክንስዕቦ ኣይንኽእል ኢና። ሓድሓደ ግዜ፡ ደሓር ዜጣዕሰና ነገር ክንገብር ወይ ክንዛረብ ንኽእል ኢና። (ያእ. 3:2) ገሊኡ ዘይፍትሓዊ ነገራት ከኣ ብቐሊሉ ዘይሃስስ ስምዒታዊ ወይ ኣካላዊ በሰላ ይሓድገልና ይኸውን። ከምኡ እንተ ኣሕሊፍካ፡ የሆዋ ነዚ ኸም ዚፈልጦ ተኣማመን። እቲ ዘይፍትሓዊ ነገር ዘሕለፈ የሱስ እውን፡ ስምዒትና ኺርድኣልና ይኽእል እዩ። (እብ. 4:15, 16) የሆዋ ነቲ ፍጹም ኣብነት ዚዀነና የሱስ ኣብ ርእሲ ምሃቡ፡ ዘይፍትሓዊ ነገራት ክንጻወር ዚሕግዘና ግብራዊ ምኽሪ እውን ይህበና እዩ። ኣብዚ መዳይ እዚ ኺሕግዘና ዚኽእል ኣብ መጽሓፍ ሮሜ ዚርከብ ክልተ ፍቕድታት እስከ ንመርምር።

“ነቲ ቝጥዓስ ቦታ ሕደጉሉ”

14. “ነቲ ቝጥዓስ ቦታ ሕደጉሉ” ኺብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧ (ሮሜ 12:19)

14 ሮሜ 12:19 ኣንብብ። ሃዋርያ ጳውሎስ ንክርስትያናት፡ “ነቲ ቝጥዓስ ቦታ ሕደጉሉ” ኢሉ ኺምሕጸኖም ከሎ፡ ብዛዕባ ናይ መን ቍጥዓ እዩ ዚዛረብ ነይሩ፧ ኣብቲ ኸባቢ ዘሎ ሓሳባት ከም ዚሕብሮ፡ ብዛዕባ ናይ የሆዋ ቝጥዓ እዩ ዚዛረብ ነይሩ። የሆዋ ኣብ ግዜኡን ብመገዱን ፍትሒ ኼውጽእ ምስ እንዕገስ፡ ንቝጥዓ የሆዋ ቦታ ንሓድገሉ ኣለና ኺብሃል ይከኣል እዩ። ንኣብነት፡ ዘይፍትሓዊ ነገር ዘጋጠሞ ጆን ዝስሙ ሓው፡ “ነቲ ንጌጋ ብናተይ መገዲ ኸዐሪ ዝሓደረኒ ድፍኢት ክቃለሶ ነይሩኒ። ሮሜ 12:19 ንየሆዋ ኽጽበዮ ሓጊዛትኒ እያ” በለ።

15. የሆዋ ንጸገማትና ኼዐርየልና ምጽባይ ኣጸቢቑ ዚሓይሽ ስለምንታይ እዩ፧

15 የሆዋ ንጸገማትና ኼዐርየልና ንጽበ እንተ ዄንና፡ ጥቕሚ ንረክብ ኢና። ካብቲ ነቲ ጸገም ባዕልና ንምፍታሕ ክንህቅን ከለና ዚመጽእ ጾርን ብስጭትን ንስተር ኢና። የሆዋ ኺሕግዘና ይደሊ እዩ። ‘ዘይፍትሓዊ ነገራት ናባይ ሕደግዎ፣ ንዅሉ ባዕለይ ከዐርዮ እየ’ ኸም ዝበለና ጌርና ኽንርእዮ ንኽእል ኢና። ነቲ የሆዋ፡ “ኣነ ኽፈድዮ እየ” ብምባል ዝኣተወልና ቓል እንተ ተቐቢልናዮ፡ ነቲ ነገር ንሱ ኣጸቢቑ ብዝሓሸ መገዲ ኸም ዚሕዞ ብምትእምማን ናብኡ ኽንሓድጎ ንኽእል ኢና። ነቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ጆን እውን፡ እዚ እዩ ሓጊዝዎ። ንሱ፡ “ንየሆዋ ኽጽበዮ እንተ ኽኢለ፡ ካባይ ኣጸቢቑ ብዝሓሸ መገዲ ኺፈትሖ እዩ” በለ።

“ነቲ እከይ ደኣ ብሰናይ ስዓሮ”

16-17. ጸሎት ‘ነቲ እከይ ብሰናይ ንምስዓር’ ብኸመይ ኪሕግዘና ይኽእል፧ (ሮሜ 12:21)

16 ሮሜ 12:21 ኣንብብ። ጳውሎስ ንክርስትያናት፡ “ነቲ እከይ ደኣ ብሰናይ ስዓሮ” ኢሉ እውን ተማሕጺንዎም እዩ። የሱስ ኣብቲ ኣብ ከረን ዝሃቦ ስብከት፡ “ጸላእትኹም ኣፍቅሩ፡ ምእንቲ እቶም ዚሰጕጉኹም እውን ጸልዩ” ኢሉ እዩ። (ማቴ. 5:44) ብልክዕ ድማ ከምኡ እዩ ገይሩ። ወተሃደራት ሮሜ ኣብ ጕንዲ ኺሰቕልዎ ኸለዉ፡ ከቢድ ስቓይ እዩ ኣሕሊፉ። ሽዑ ዘሕለፎ ስቓይን ውርደትን ግፍዕን መሸም ካብቲ ኽንግምቶ እንኽእል ንላዕሊ እዩ ነይሩ።

17 የሱስ በቲ ዘጋጠሞ ዘይፍትሓዊ ተግባራት ኣይተሳዕረን። ነቶም ወተሃደራት ኣይጸረፎምን፣ የግዳስ፡ “ኣቦ፡ ዚገብርዎ ኣይፈልጡን እዮም እሞ፡ ሕደገሎም” ኢሉ ጸለየ። (ሉቃ. 23:34) ንሕና እውን ነቶም ዚገፍዑና ኽንጽልየሎም ከለና፡ ቅሬታናን ቍጥዓናን ኪንኪ፡ ብዛዕባ እቶም ዝበደሉና ሰባት ዘሎና ኣረኣእያ እውን ኪቕየር ይኽእል እዩ።

18. ኣልበርቶን ጆንን ንዘይፍትሓውነት ንምጽዋር ካብ ጸሎት ሓገዝ ዝረኸቡ ብኸመይ እዮም፧

18 ጸሎት ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ንእተጠቕሱ ኽልተ ኣሕዋት፡ ንዘይፍትሓውነት ኪጻወሩ ሓጊዝዎም እዩ። ኣልበርቶ፡ “ነቶም ብዘይፍትሓዊ መገዲ ዝሓዙኒ ኣሕዋት ጸልየሎም። ንየሆዋ ድማ ነቲ ዘይፍትሓዊ ነገር ንምስጋር ኪሕግዘኒ ለሚነዮ” ይብል። እቲ ዜሐጕስ ድማ፡ ኣልበርቶ ንየሆዋ ብተኣማንነት የገልግሎ ኣሎ። ጆን ከኣ፡ “ነቲ ዝጐድኣኒ ሓው ብዙሕ ሳዕ ጸልየሉ እየ። እዚ ጸሎት ድማ ሚዛናዊ ኣረኣእያ ኽሕዝን ንዕኡ ኸይፈርዶን ሓጊዙኒ። ናይ ኣእምሮ ሰላም እውን ሂቡኒ” ይብል።

19. ክሳዕ መወዳእታ እዚ ስርዓት እዚ እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧ (1 ጴጥሮስ 3:8, 9)

19 እዚ ስርዓት እዚ ኽሳዕ ዜብቅዕ፡ እንታይ ዘይፍትሓዊ ነገራት ከም ዜጋጥመና ኣይንፈልጥን ኢና። ዝመጸ እንተ መጸ ግና፡ ካብ የሆዋ ሓገዝ ንምርካብ ኣዘውቲርና ንጸሊ። ንዘይፍትሓዊ ነገራት ምላሽ ክንህብ ከለና ኸኣ፡ ኣብነት የሱስ ንስዓብ፡ ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ እውን ወትሩ ንተግብር። ከምኡ እንተ ጌርና፡ ካብ የሆዋ በረኸት ከም እንወርስ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።—1 ጴጥሮስ 3:8, 9 ኣንብብ።

መዝሙር 38 ኬበርትዓካ እዩ

a ሃዋርያ ጴጥሮስ ኣብታ ዝለኣኻ ቐዳመይቲ መልእኽቱ፡ ኣብ ምዕራፍ 2ን ኣብ ምዕራፍ 3ን፡ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ብዙሓት ክርስትያናት ብሰንኪ ሕሱማት ጐይተቶም ወይ ብሰንኪ ዘይኣመንቲ ሰብኡት፡ ግዳያት ዘይፍትሓዊ ተግባር ምዃኖም ገሊጹ ኣሎ።—1 ጴጥ. 2:18-20፣ 3:1-6, 8, 9

b ኣብ jw.org፡ ፍቕሪ ናብ ናይ ሓቂ ሰላም ብኸመይ ይመርሕ፧ ዘርእስታ ቪድዮ ርአ።