ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ታሪኽ ህይወት

ኣብ ውግእ ኰነ ኣብ ሰላም፡ የሆዋ ኣበርቲዑና

ኣብ ውግእ ኰነ ኣብ ሰላም፡ የሆዋ ኣበርቲዑና

ፖል፦ ኣዚና ኢና ተሃንጢና ኔርና! እቲ እዋን እቲ፡ ሕዳር 1985 እዩ ነይሩ፣ ናብታ ሚስዮናውያን ኴንና እተመደብናላ ናይ መጀመርታ ዓዲ፡ ማለት ናብታ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ እትርከብ ላይበርያ ኢና ነቒልና ኔርና። እታ ዝነበርናላ ነፋሪት ኣብ ሰነጋል ዓለበት። ኣን ከኣ፡ “ድሕሪ ሓደ ሰዓት ኣቢልና፡ ኣብ ላይበርያ ኽንኣቱ ኢና!” በለት። ሽዑ ግና፡ “ናብ ላይበርያ እትኸዱ ተጓዓዝቲ ኻብዛ ነፋሪት ውረዱ። ብሰንኪ ግልበጣ መንግስቲ ኣብኡ ኽንዓልብ ኣይንኽእልን ኢና” ዚብል ምልክታ ሰማዕና። ኣብቲ ዚቕጽል ዓሰርተ መዓልቲ፡ ምስቶም ኣብ ሰነጋል ዝነበሩ ሚስዮናውያን ቀነና። ኣብኡ ኸለና ኸኣ፡ ኣብ ላይበርያ ብዙሓት ሰባት ይቕተሉ ምንባሮም፡ ሰዓት እቶ እቶ ኸም እተኣወጀ፡ ነዚ ዘየኽብሩ እውን ብጥይት ከም ዚቕተሉ ሰማዕና።

ኣን፦ ሓደገኛ ነገራት እንፈቱ ሰባት ኣይነበርናን። ከም ሓቂ እኳ ደኣስ፡ ካብ ሕጻንነተይ ኣትሒዘ ‘ጭንቕቲ’ እዮም ዚብሉኒ ነይሮም። ጽርግያ ምስጋር እኳ የፍርሃኒ ነይሩ! ናብቲ እተመደብናሉ ኽንከይድ ግና ቈሪጽና ኢና ኔርና።

ፖል፦ ኣነን ኣንን ኣብ ምዕራብ ዓዲ እንግሊዝ፡ ሸሞንተ ኪሎ ሜተር ጥራይ ተራሓሒቑ ኣብ ዚርከብ ቦታ ኢና ተወሊድና ዓቢና። ካልኣይ ደረጃ ትምህርትና ምስ ወዳእና፡ ወለደይን ኣደ ኣንን ብዝሃቡና መተባብዒ ተለዓዒልና ፈላምነት ጀመርና። ኣብቲ ህይወትና ንናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ንምውፋይ ዝገበርናዮ ውሳነ፡ ምሉእ ብምሉእ እዮም ደጊፎምና። ወዲ 19 ዓመት ምስ ኰንኩ፡ ናብ ቤት-ኤል ተጸዋዕኩ፣ ኣን ከኣ ብ1982 ምስ ተመራዓውና ተጸምበረትኒ።

ብ8 መስከረም 1985 ካብ ጊልዓድ ተመረቕና

ኣን፦ ቤት-ኤል ንፈትዎ ኔርና ኢና፣ እንተዀነ ግና፡ ዝያዳ ዓየይቲ ናብ ዜድልይዎ ኼድና ኸነገልግል ኢና እንደሊ ኔርና። ኣብ ቤት-ኤል፡ ኣቐዲሞም ሚስዮናውያን ምስ ዝነበሩ ኣሕዋትን ኣሓትን ነገልግል ብምንባርና ኸኣ፡ እዚ ድሌትና እናሓየለ እዩ ኸይዱ። ንሰለስተ ዓመት ነዚ ነገር እዚ ፈሊና እናጠቐስና ምሸት ምሸት ንጽሊ ኔርና ኢና። ስለዚ፡ ብ1985 ናብ መበል 79 ክፍሊ ጊልዓድ ክንኣቱ ጻውዒት ምስ ቀረበልና፡ ብሓጐስ ፍንጭሕ ኢና ኢልና! ድሕሪኡ ድማ፡ ናብታ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ እትርከብ ላይበርያ ተመዲብና።

ፍቕሪ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣበርቲዑና

ፖል፦ ናብታ ናብ ላይበርያ ኽትኣቱ እተፈቕደላ ቐዳመይቲ ነፋሪት ተሰቐልና። ሽዑ፡ ውጥረት ሰፊኑ ነይሩ፡ ሰዓት እቶ እቶ እውን ገና ኣይተላዕለን ነይሩ። ኵሉ ሰብ ተዳሂሉ ስለ ዝነበረ፡ ዋላ እኳ ኣብ ዕዳጋ ሞተር ማኪና እንተ ተባሪቑ፡ ኵሉ እዩ እግረይ ኣውጽእኒ ኢሉ ዚሃድም ነይሩ። ስለዚ፡ ምእንቲ ኽንሃድእ፡ ምሸት ምሸት ካብ መጽሓፍ መዝሙር ነንብብ ኔርና። ንምድብና ግና ብሓቂ ኢና እንፈትዎ ኔርና። ኣን ሚስዮናዊት ኰይና ናብ ስብከት ትወፍር ነይራ፣ ኣነ ኸኣ ምስ ጆን ቸሩክ ኣብ ቤት-ኤል አገልግል ነይረ። a እቲ ተመክሮኡን ብዛዕባ ዅነታት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዝነበሮ ፍልጠትን ስልጠና እዩ ዀይኑኒ።

ኣን፦ ‘ንላይበርያ ቐልጢፍኩም ዝፈቶኹምሉ ምኽንያት እንታይ እዩ፧’ እንተ ተባሂልና፡ ብምኽንያት ኣሕዋትና ኣሓትናን ኢና። ፈቃራትን ሕዉሳትን እሙናትን እዮም ነይሮም። ኣመና ኢና ተቐራሪብና፣ ሓድሽ ቤተ ሰብ እዮም ኰይኖምልና። ምኽሮም መንፈሳዊ ብርታዐ ሂቡና እዩ። እቲ ኣገልግሎት ከኣ፡ ዜደንቕ እዩ ነይሩ። እቶም እንሰብከሎም ሰባት፡ ቀልጢፍና ኽንፍለዮም ኣይደልዩን እዮም ነይሮም። ሰባት ኣብ ጐደናታት ብዛዕባ ቕዱስ ጽሑፋዊ ሕቶታት ኪመያየጡ ምርኣይ ልሙድ እዩ ነይሩ። ብቐሊሉ ናባታቶም ኬድካ ኽትሕወሶም ትኽእል ኢኻ። ኣዝዮም ብዙሓት መጽናዕትታት መጽሓፍ ቅዱስ ስለ ዝነበሩና፡ ንዅሎም መጽናዕቲ ኽንመርሓሎም ኣይከኣልናን። እዚ ጽቡቕ ጸገም እዩ ነይሩ!

እናፈራህና ኽነስና፡ ተበራቲዕና

ብ1990 ምስቶም ኣብ ላይበርያ ኣብ ዚርከብ ቤት-ኤል እተዓቝቡ ስደተኛታት

ፖል፦ ንኣርባዕተ ዓመት ተዛማዲ ሰላም ረኺብና ድሕሪ ምጽናሕ፡ ብ1989 ዜሰምብድ ነገር ተፈጥረ፣ ውግእ ሓድሕድ ተባርዐ። ብ2 ሓምለ 1990፡ ዓለወኛታት ወተሃደራት ነቲ ኣብ ከባቢ ቤት-ኤል ዘሎ ቦታ ተቘጻጸርዎ። ንሰለስተ ወርሒ ምስ ዓለም ዝነበረና ርክብ ተበትከ፣ ምስ ቤተ ሰብና ዀነ ምስ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት እውን ርክብ ኣይነበረናን። ስርዓት ኣልቦነትን ሕጽረት ምግብን ጾታዊ ዓመጻን ሰፊኑ ነበረ። እዚ ጸገማት እዚ ን14 ዓመት ቀጸለ፣ ንብዘላ እታ ሃገር እውን ጸለዋ።

ኣን፦ ካብ ገሊኡ ቐቢላታት ዝዀኑ ሰባት፡ ካብ ካልእ ቀቢላታት ምስ ዝዀኑ ሰባት ይዋግኡን ይቀታተሉን እዮም ነይሮም። ገለ ዚመስል ክዳውንቲ እተኸድኑ ኽሳዕ ኣፍንጫኦም እተዓጥቁ ተዋጋእቲ ኣብ ጐደናታት እናዞሩ፡ ናብ ኣባይቲ ኣትዮም ይዝርፉ ነይሮም እዮም። ገሊኦም ከኣ ንሰብ ምቕታል፡ “ደርሁ ምሕራድ” እዮም ዚብልዎ ነይሮም። ኣብ መፈተሺ ነቝጣታት፡ ሬሳታት ይዅመር ነይሩ። ገሊኡ ኸኣ ኣብ ጥቓ ጨንፈርና እዩ ነይሩ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ እሙናት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተቐቲሎም እዮም፣ ካባታቶም ከኣ ክልተ ሚስዮናውያን ይርከብዎም።

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ብምእታው እናተሃድኑ ይቕተሉ ንዝነበሩ ደቂ ኻልእ ቀቢላ ሓቢኦም እዮም። ሚስዮናውያንን ቤት-ኤላውያንን እውን ከምኡ ገይሮም እዮም። ኣብ ቤት-ኤል፡ ገሊኦም ካብ ቤቶም እተመዛበሉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ኣብ ምድሪ ቤት ይድቅሱ ነይሮም፣ ገሊኦም ከኣ ምሳና ኣብ ላዕሊ ኣብ ክፍልና ነይሮም። ሸውዓተ ኣባላት ሓንቲ ስድራ ቤት ምሳና ኣብ ክፍልና ነይሮም።

ፖል፦ መዓልቲ መዓልቲ፡ እቶም ተዋጋእቲ፡ ሰባት ሓቢእና እንተ ዄንና ንምርኣይ ኪኣትዉ ይፍትኑ ነይሮም። ብኣርባዕተ ሰብ ኢና ሓለዋ እንገብር ኔርና፦ ክልተ ብመስኰት ይቋመቱ፡ ክልተ ኸኣ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ ቐጽሪ ይዀኑ ነይሮም። እቶም ኣብ ኣፍ ደገ ዘለዉ ኽልተ፡ ኣእዳዎም ብቕድሚኦም እንተ ገይሮምዎ፡ ደሓን ማለት እዩ ነይሩ። ኣእዳዎም ብድሕሪኦም እንተ ገይሮምዎ ግና፡ እቶም ተዋጋእቲ ይንድሩ ኸም ዘለዉ ዜመልክት እዩ ነይሩ። ስለዚ፡ እቶም ብመስኰት ዚቋመቱ ዘበሉ ተቐላጢፎም ንኣሕዋትናን ንኣሓትናን ይሓብእዎም ነይሮም።

ኣን፦ ሓያሎ ሰሙናት ምስ ሓለፈ፡ ሓደ መዓልቲ፡ ጕጅለ ተዋጋእቲ ጥሒሶም ኣተዉ። ኣነ ድማ ምስ ሓንቲ ሓብቲ ናብቲ ሰብነትና እንሕጸበሉ ኽፍሊ ድሕሪ ምእታው፡ ነቲ ማዕጾ ሸጐርክዎ። ኣብኡ እውን ስቱር መሕብኢ ዝነበራ ኸብሒ ነይራ። እታ ሓብቲ ኸኣ ኣብኡ ተወተፈት። እቶም ተዋጋእቲ ምስ ብረቶም ንዓይ ስዒቦም ናብቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ኽፍሊ መጹ። ብቝጥዓ ኸኣ ነቲ ማዕጾ ገም ገም ኣበልዎ። ፖል፡ “ሰበይተይ፡ ትሕጸብ እያ ዘላ” ኢሉ ለመኖም። ነታ ሓብቲ ኣብቲ መሕብኢ ኣእትየ ኽዓጽዎ ኸለኹ፡ ደሃይ ይስማዕ ነበረ፣ ድሕሪኡ፡ ኣብቲ ኸብሒ ዝነበረ ነገራት ናብ ዝነበሮ ምምላስ ግዜ ወሰደለይ። ስለዚ፡ ካብ ርእሰይ ክሳዕ እግረይ ራዕራዕ እብል ነበርኩ። ከመይ ገይረ ማዕጾ ኸም ዝኸፍተሎም ሓርበተኒ። ሽዑ፡ ብልበይ ካብ የሆዋ ሓገዝ ለመንኩ። ድሕሪኡ፡ ነቲ ማዕጾ ኸፈትክዎ፡ ብህድኣት ድማ ሰላም በልክዎም። ሓደ ኻባታቶም ንዓይ ደፊኡ ሓለፈ እሞ፡ ብቐጥታ ነቲ ኸብሒ ኸፊቱ ጐርጐሮ። ዋላ ሓንቲ ግና ኪረክብ ኣይከኣለን። ንሱን ምስኡ ዝመጹ ተዋጋእትን ናብ ካልእ ክፍልታትን ናብ ዋልድቢትን ከይዶም ፈተሹ። ኣብኡ እውን ዋላ ሓንቲ ኣይረኸቡን።

ሓቂ በርሀት

ፖል፦ ንኣዋርሕ ብሕጽረት ምግቢ ተሸገርና። ሳላ መንፈሳዊ ምግቢ ግና ህይወትና ኺድሕን ክኢሉ እዩ። ብዘይካ ናይ ቤት-ኤል ኣምልኾ ንግሆ፡ ካልእ “ቍርሲ” ኣይነበረናን። ካብኡ ዝረኸብናዮ ውሽጣዊ ብርታዐ ብዙሕ እዩ ጠቒሙና።

ቃል ብቓሉ ምግብን ማይን እንተ ዚውዳእ እሞ፡ ካብቲ ጨንፈር ክንወጽእ እንተ ንግደድ ኔርና፡ እቶም ተሓቢኦም ዝነበሩ ኣሕዋትና ምተቐተሉ ነይሮም። ሓድሓደ ግዜ፡ የሆዋ ዜድልየና ዚህበሉ መገድን ግዜን ተኣምር እዩ ነይሩ። የሆዋ ዜድልየና የማልኣልናን ካብ ፍርህና የህድኣናን ነይሩ እዩ።

ዓለም እናጸልመተት ክትከይድ ከላ፡ ሓቂ እናደመቐት በርሀት። ኣሕዋትናን ኣሓትናን ህይወቶም ንምድሓን ብተደጋጋሚ እዮም ሃዲሞም፣ እምነቶምን ክብረቶምን ግና ሓልዮም እዮም። ገሊኦም፡ እቲ ኣብ ውግእ ዘጋጠሞም ነገር፡ “ነቲ ብርቱዕ ጸበባ ልምምድ” ከም ዝዀኖም እዮም ገሊጾምዎ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ተባዓት ሽማግለታትን መንእሰያት ኣሕዋትን ሓላፍነት ተሰኪሞም እዮም። ኣሕዋትናን ኣሓትናን ካብ ዓዶም ኪመዛበሉ ኸለዉ፡ ንሓድሕዶም ይደጋገፉን ኣብ ዝኸድዎ ይሰብኩን ነበሩ። ኣብ ዱር ብዝረኸብዎ ነገራት ገይሮም ከኣ ኣኼባታት ዚገብሩሉ መጽለሊ ይሰርሑ ነበሩ። ኣብቲ ኣስፋሕፊሑ ዝነበረ ቕብጸት፡ ኣኼባታትና ቦታ ምትብባዕ እዩ ነይሩ። ስብከት ከኣ ነቲ ጸገማት ኪጻወርዎ ሓጊዝዎም እዩ። ረድኤት ክንዕድል ከለና፡ ክዳውንቲ ዘይኰነስ፡ ናይ ስብከት ቦርሳ ኺውሃቦም ምስ ሓተቱና ደንጽዩና እዩ። ብጓህን ብስምባድን እተደቝሱ ሰባት፡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንምስማዕ ኣእዛኖም ከፊቶም እዮም። ናይ የሆዋ መሰኻኸር ሕጉሳትን ኣወንታውያንን ምዃኖም ገሪምዎም እዩ፣ ኣብቲ ዅሉ ጸልማት እቲ ኸም ብርሃን እዮም በሪሆም። (ማቴ. 5:14-16) ሳላ እቲ ኣብ መንጎ ኣሕዋት ዝነበረ ቕንኣት፡ ገሊኦም ሕሱማት ተዋጋእቲ፡ ኣሕዋትና ኪዀኑ ኽኢሎም እዮም።

ልብና ዚሰብር ነገር እኳ እንተ ኣጋጠመና፡ ተበራቲዕና

ፖል፦ ሓድሓደ ግዜ፡ ካብታ ሃገር ክንወጽእ ንግደድ ኔርና ኢና፣ ሰለስተ ሳዕ ንሓጺር እዋን፡ ክልተ ሳዕ ድማ ንዓመት ምሉእ ወጺእና ኢና። ሓንቲ ሚስዮናዊት ሓብቲ ነቲ ሽዑ ዚስምዓና ስምዒት ከምዚ ዚስዕብ ብምባል ጽቡቕ ገይራ ገሊጻቶ እያ፦ “ኣብ ጊልዓድ፡ ልብና ኣብቲ ምድብና ኽንገብር ይምህሩና እዮም፣ ከምኡ ኸኣ ኢና ጌርና። ስለዚ፡ ንኣሕዋትና ኣብዚ ዅነታት እዚ ኽንሓድጎም ከለና፡ ልብና ተመንቊሱ ኸም ዝወጸ ዀይኑ እዩ ዚስምዓና!” እቲ ዜሐጕስ ግና፡ ካብተን ኣብ ከባቢ ዚርከባ ሃገራት ኴንና ነቶም ኣብ ላይበርያ ዝነበሩ ኽንሕግዝ ንኽእል ኔርና ኢና።

ብ1997 ተሓጒስና ናብ ላይበርያ ኽንምለስ ከለና

ኣን፦ ኣብ ግንቦት 1996፡ ኣርባዕቴና ኣብ ሓንቲ ናይ ጨንፈር ማኪና፡ ኣገዳሲ መዛግብቲ ጨንፈር ሒዝና ነቐልና። ናብቲ 16 ኪሎ ሜተር ርሒቑ በቲ ሓደ ሸነኽ እታ ኸተማ ዚርከብ ዝሓሸ ሰላም ዘለዎ ቦታ ኢና ኽንከይድ ሓሲብና። ሽዑሽዑ ግና ኣብቲ ኸባቢ መጥቃዕቲ ተፈነወ። ቍጡዓት ተዋጋእቲ ናብ ሰማይ ተኰሱ፡ ንዓና ደው ኣበሉና፡ ንሰለስቴና ኻብታ ማኪና ኣውረዱና፡ ፖል ገና ኣብታ ማኪና ኸሎ ድማ ነታ ማኪና ሒዞምዋ ኸዱ። ተዓኒድና ደው በልና። ብሃንደበት፡ ፖል ካብ ርእሱ ደም ጥብጥብ እናበለ ብመንጎ ሰባት ብእግሩ ናባና ኺምለስ ረኣናዮ። ኣብቲ ሕንፍሽፍሽ እቲ፡ ብጥይት ዝቘሰለ መሰለና። እንተዀነ ግና፡ ከምኡ እንተ ዚኸውን ነይሩ፡ ብእግሩ ኪኸይድ ይኽእል ዘይምንባሩ ተገንዘብና። ሓደ ኻብቶም ተዋጋእቲ፡ ካብ ማኪና ደፊኡ ኼውጽኦ ኸሎ እዩ ወቒዕዎ። ንእሽቶ ጥራይ እዩ ተጐዲኡ።

ኣብቲ ኸባቢ ዝነበረት ናይ ወተሃደራት ማኪና ብፍርሂ ብዝረዓዱ ሰባት መሊኣ ነበረት። ስለዚ፡ ኣብ ውሽጢ እታ ማኪና ቦታ ስለ ዘይነበረ፡ ብደጊኣ ደየብና እሞ ኣብኡ ጠልጠል በልና። እቲ መራሕ ማኪና ብልዑል ፍጥነት ኪዝውር ምስ ጀመረ፡ ዳርጋ ወዲቕና ኢና ኔርና። ደው ኪብል ለመንናዮ፣ ንሱ ግና ኣመና ፈሪሁ ስለ ዝነበረ ኺሰምዓና እውን ኣይከኣለን። ዝገበርና ጌርና ጠልጠል ኢልና ኣብቲ ዝሓሰብናዮ በጻሕና፣ ኰይኑ ግና፡ ብፍርህን ብድኻምን ረድረድ ኢና እንብል ኔርና።

ፖል፦ ብዘይካ እቲ ኣብ ዝባንና ዝነበረ ረሳሕን እተቐዳደደን ክዳውንቲ ኻልእ ዋላ ሓንቲ ኣይሓዝናን ኔርና። ንሓድሕድና እናተጠማመትና ኸኣ፡ ብህይወት ምትራፍና ተገረምና። ኣብ ጥቓ ሓንቲ ብጠያይት እተወቕዐት ሄሊኮፕተር ኣብ ግዳም ሓደርና። ንጽብሒቱ ድማ በታ ሄሊኮፕተር ናብ ሰራ ልዮን ከድና። ብህይወት ምትራፍና ኣዚና ኢና ተሓጒስና፣ በቶም ክርስትያን ኣሕዋትና ግና ብዙሕ ኢና ተሻቒልና ኔርና።

ሓድሽ ዘይተጸበናዮ ብድሆ እኳ እንተ ኣጋጠመና፡ ተበራቲዕና

ኣን፦ ብደሓን ናብቲ ኣብ ፍሪታውን፡ ሰራ ልዮን ዚርከብ ቤት-ኤል በጻሕና፡ ጽቡቕ ክንክን እውን ተገብረልና። ኣነ ግና ተዘክሮታት ቅጅል ኪብለኒ ጀመረ። ቀትሪ፡ ሕማቕ ነገር ከየጋጥመኒ እሰግእን እፈርህን ነይረ፣ ኵሉ ኸባብየይ እውን ሕውዝውዝ ይብለኒ ነይሩ፡ ከም ሕልሚ ኸኣ ይመስለኒ ነይሩ። ኣብ ለይቲ ድማ፡ ብፍርሂ ተዋሒጠ ራዕራዕ እናበልኩ ኻብ ድቃሰይ እበራበር ነይረ። ምትንፋስ እውን የጸግመኒ ነይሩ። ፖል ከኣ ሓቚፉኒ ይጽሊ ነይሩ። ክሳዕ ዝሃድእ እውን መዝሙራት መንግስቲ ኣምላኽ ንዝምር ኔርና። እጽለል ከም ዘለኹ ዀይኑ እዩ ተሰሚዑኒ ነይሩ፣ ሚስዮናዊት ኰይነ ዝቕጽል እውን ኣይመሰለንን ነይሩ።

ድሕሪኡ ዘጋጠመ ነገር ፈጺመ ኣይርስዖን እየ። በታ ሰሙን እቲኣ፡ ክልተ መጽሔታት ተቐበልና። እታ ሓንቲ፡ ናይ 8 ሰነ 1996 ንቕሑ! እያ ነይራ። ኣብኣ ኸኣ ንስምባድ ብኸመይ ከም እትጻወሮ እትገልጽ ዓንቀጽ ነይራ። ስለዚ፡ እንታይ እኸውን ምንባረይ ተረዲኡኒ። እታ ኻልአይቲ፡ ናይ 15 ግንቦት 1996 ግምቢ ዘብዐኛ እያ ነይራ። ኣብኣ ድማ፡ “ሓይሎም ካበይ ኢዮም ዝረኽብዎ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ነይራ። ኣብታ ግምቢ ዘብዐኛ፡ ስእሊ ናይ ሓንቲ ገሊኡ ኽፋል ኣኽናፋ እተቘርጸ ጽምብላሊዕ ኣሎ። ኣብታ ዓንቀጽ ከኣ፡ ከምቲ ጽምብላሊዕ ኣኽናፋ ተቘሪጹ ኽነሱ ምብላዕን ምንፋርን ዘይትሓድጎ፡ ንሕና እውን ብስምዒታዊ መዳይ ተጐዲእና ኽነስና ብሓገዝ መንፈስ የሆዋ ንሰባት ክንሕግዝ ከም እንኽእል ተገሊጹ ኣሎ። እዚ ኸኣ ብግዜኡ ኻብ የሆዋ ዝመጸ ዜበራትዕ ምግቢ እዩ ነይሩ። (ማቴ. 24:45) ብተወሳኺ፡ ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ምርምር ብምግባረይን ብዛዕባኡ ዚገልጽ ዓንቀጻት ኣብ ፋይል ብምእካበይ ተጠቒመ እየ። እናሓደረ፡ እቲ ጭንቀተይ እናፈዀሰኒ እዩ ኸይዱ።

ምስ ለውጢ ንምውህሃድ ተበራቲዕና

ፖል፦ ናብ ላይበርያ በብዝተመለስና መጠን፡ ኣዚና ኢና እንሕጐስ ኔርና። ኣብ መወዳእታ 2004 ከኣ፡ ኣብቲ ምድብና ዳርጋ 20 ዓመት ጌርና ኔርና። ሽዑ፡ እቲ ውግእ ኣብቂዑ ነይሩ። ኣብቲ ጨንፈር ከኣ ህንጸት ንምክያድ መደባት ተታሒዙ ነይሩ። ብሃንደበት ግና፡ ሓድሽ ምድብ ክንቅበል ሕቶ ቐረበልና።

እዚ ዓብዪ ፈተና እዩ ነይሩ። ምስቶም መንፈሳውያን ስድራ ቤትና ኣዚና ንቀራረብ ስለ ዝነበረና፡ ከመይ ጌርና ነዚ ኸም እንጾሮ ሓርቢቱና ነይሩ። ካብ ቤተ ሰብና ተፈሊና ናብ ጊልዓድ ስለ ዝኸድና ግና፡ ንዅሉ ነገር ኣብ ኢድ የሆዋ ምሕዳጉ ብኸመይ ናብ በረኸት ከም ዚመርሕ ርኢና ኔርና ኢና። ስለዚ፡ ነቲ ጻውዒት ተቐበልናዮ። በዚ ኸምዚ፡ ናብታ ኣብቲ ኸባቢ እትርከብ ጋና ተመደብና።

ኣን፦ ካብ ላይበርያ ኽንወጽእ ከለና ብዙሕ ኢና ነቢዕና። ፍራንክ ዝስሙ ብዕድመ ዝደፍአ ለባም ሓው፡ “ንዓና ኽትርስዑና ኣሎኩም!” ምስ በለና፡ ብሓቂ እዩ ደንጽዩና። ኣስዕብ ኣቢሉ ኸኣ፡ “ከቶ ኸም ዘይትርስዑና ንፈልጥ ኢና፣ ግናኸ፡ ምሉእ ልብኹም ኣብቲ ሓድሽ ምድብኩም ክትገብሩ ኣሎኩም። ንየሆዋ ኢልኩም ኢኹም እትገብርዎ፣ ስለዚ፡ ኣብቶም ኣብኡ ዘለዉ ኣሕዋትን ኣሓትን ኣተኵሩ” ብምባል እንታይ ማለቱ ምዃኑ ገለጸልና። እዚ ድማ ኣብቲ ብዙሓት ፈለጥትና ዘይብሉ ዓዲ ኸም ብሓድሽ ክንጅምር ዜኽእል ብርታዐ ሂቡና እዩ።

ፖል፦ ይኹን እምበር፡ ነቶም ኣብ ጋና ዚርከቡ መንፈሳውያን ስድራ ቤትና ንምፍታው ነዊሕ ኣይወሰደልናን። ኣብኡ ኣዝዮም ብዙሓት ናይ የሆዋ መሰኻኽር እዮም ጸኒሖምና! ካብ ጽንዓትን መንፈሳዊ ብርታዐን እቶም ሓደስቲ ፈተውትና ብዙሕ ተማሂርና ኢና። ድሕርዚ፡ ኣብ ጋና 13 ዓመት ድሕሪ ምግልጋልና፡ ካልእ ዘይተጸበናዮ ምድብ ተዋህበና። ኣብቲ ኣብ ኬንያ ዚርከብ ጨንፈር ምብራቕ ኣፍሪቃ ኸነገልግል ሕቶ ቐረበልና። ነቶም ኣብ ዝሓለፈ ምድባትና ዚነብሩ ፈተውትና ብዙሕ ንናፍቖም እኳ እንተ ዀንና፡ ምስቶም ኣብ ኬንያ ዚርከቡ እሙናት ግና ብኡብኡ ዕርክነት መስረትና። ክሳዕ ሕጂ እውን ኣብዚ ብዙሓት ዓየይቲ ዜድልይዎ ኣዝዩ ሰፊሕ ክሊ ነገልግል ኣለና።

ብ2023 ኣብ ጨንፈር ምብራቕ ኣፍሪቃ ምስ ዚርከቡ ሓደስቲ ፈተውትና

ካብቲ ዘሕለፍናዮ ተመክሮ ዝረኸብናዮ ትምህርቲ

ኣን፦ ብዙሕ ዜርዕድን ዜፍርህን ነገራት ኣሕሊፈ እየ። ሓደገኛ ወይ ዜጨንቕ ኵነታት፡ ኣካላውን ስምዒታውን ጽልዋ ኼሕድረልና ይኽእል እዩ። የሆዋ ብተኣምራዊ መገዲ ኻብዚ ኣየዕቍበናን እዩ። ደሃይ ጠያይትን መዳፍዕን እንተ ሰሚዐ፡ ኣምዑተይ ይዝረግ፡ ኣእዳወይ እውን ይድንዝዝ እዩ። እንተዀነ ግና፡ ኣብ ኵሉ እቲ የሆዋ ኼበርትዓና ኢሉ ዘዳለዎ ሓገዝ ምምርኳስ፡ እንተላይ ኣብቲ ኻብ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዚርከብ ሓገዝ ምምርኳስ ተማሂረ እየ። ቀጻሊ መንፈሳዊ ልማድ ምስ ዚህልወና ኸኣ፡ የሆዋ ኣብ ምድብና ኽንጸንዕ ከም ዚሕግዘና ርእየ እየ።

ፖል፦ ገሊኦም፡ “ንምድብኩም ትፈትውዎ ዲኹም፧” ኢሎም ይሓትቱና እዮም። ገሊአን ሃገራት ጽቡቓት እየን፣ ኰይኑ ግና፡ ዘይተረጋግኣን ሓደገኛታትን ኪዀና ይኽእላ እየን። ስለዚ፡ ‘ካብ ሃገር ንላዕሊ እንፈትዎ እንታይ እዩ፧’ እንተ ኢልና፡ እቶም ስድራ ቤትና ዝዀኑ ፍቑራት ኣሕዋትናን ኣሓትናን እዮም። በበይኑ ድሕረ ባይታ እኳ እንተ ሃለወና፡ ሓደ ሓሳብ እዩ ዘሎና። ከነተባብዖም ከም እተለኣኽና እዩ መሲሉና ነይሩ፣ ከም ሓቂ ግና ንሳቶም እዮም ኣበራቲዖምና።

ካብ ሓደ ዓዲ ናብ ካልእ ክንግዕዝ ከለና፡ እቲ ዘመናዊ ተኣምር ዝዀነ ሕውነትና ኢና እንርኢ። ክፍሊ ጉባኤ ዄንና ኽሳዕ ዝቐጸልና፡ ምስ ስድራና ኣብ ዓድና ኸም ዘሎና ዀይኑ እዩ ዚስምዓና። ብሕጂ እውን ናብ የሆዋ ኽሳዕ እተጸጋዕና፡ ንሱ ዜድልየና ብርታዐ ኺህበና እዩ።—ፊል. 4:13

a ታሪኽ ህይወት ጆን ቸሩክ ኣብታ፡ “I Am Grateful to God and Christ” ዘርእስታ ናይ 15 መጋቢት 1973 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ርአ።