ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 47

መዝሙር 103 ውህበት ሰባት ዝዀኑ ጓሶት

ኣቱም ኣሕዋት፡ ሽማግለታት ኴንኩም ንምግልጋል ትመጣጠሩዶ ኣለኹም፧

ኣቱም ኣሕዋት፡ ሽማግለታት ኴንኩም ንምግልጋል ትመጣጠሩዶ ኣለኹም፧

“ሓደ እኳ ሓላዊ ኪኸውን እንተ ተመጣጢሩ፡ ሰናይ ግብሪ ይምነ ኣሎ።”1 ጢሞ. 3:1

ኣትኵሮ

ገለ ኻብቲ ሓደ ሓው፡ ሽማግለ ዀይኑ ንምግልጋል ኬማልኦ ዘለዎ ቕዱስ ጽሑፋዊ ብቕዓታት።

1-2. ሽማግለታት እንታይ “ሰናይ ግብሪ” እዮም ዚገብሩ፧

 ኣገልጋሊ ጉባኤ ዄንካ ተገልግል እንተ ኣሊኻ፡ ሽማግለ ናብ ምዃን ገጽካ ኢኻ እትግስግስ ዘለኻ። እሞ ደኣ ናብዚ “ሰናይ ግብሪ” ንምብጻሕ ክትመጣጠር ትኽእልዶ፧—1 ጢሞ. 3:1

2 ሽማግለ እንታይ ዕዮታት እዩ ዚዓዪ፧ ኣብ ስብከት ይመርሕ፡ ኣብ ጕስነትን ትምህርትን ብትግሃት ይዓዪ፡ ንጉባኤኡ ድማ ብቓልን ብኣብነትን ይሃንጽ። ስለዚ ድማ እዩ መጽሓፍ ቅዱስ ንትጉሃት ሽማግለታት፡ “ውህበት ሰባት” ኢሉ ዚጽውዖም።—ኤፌ. 4:8

3. ሓደ ሓው ከመይ ገይሩ እዩ ሽማግለ ዀይኑ ንምግልጋል ዜድልዮ ብቕዓት ኬጥሪ ዚኽእል፧ (1 ጢሞቴዎስ 3:1-7፣ ቲቶስ 1:5-9)

3 እሞ ደኣ ኸመይ ጌርካ ኢኻ ሽማግለ ንምዃን ዜኽእል ብቕዓት ከተማልእ እትኽእል፧ ንሽምግልና ዜድሊ ብቕዓት፡ ከምቲ ንዓለማዊ ስራሕ ዜድሊ ብቕዓት ኣይኰነን። ኣብ ዓለማዊ ስራሕ፡ እቲ ኣስራሒ ዚደልዮ መሰረታዊ ናይ ስራሕ ክእለት እንተ ኣልዩካ፡ እቲ ስራሕ ይውሃበካ እዩ። ሽማግለ ዄንካ ኽትሽየም እንተ ደሊኻ ግና፡ ናይ ምስባኽን ናይ ምምሃርን ክእለት ጥራይ ኣይኰነን ዜድልየካ። ኣብ 1 ጢሞቴዎስ 3:1-7 ቲቶስ 1:5-9 ተመዝጊቡ ዚርከብ ሽማግለታት ኬማልእዎ ዚግባእ ቅዱስ ጽሑፋዊ ብቕዓታት ከተማልእ ኣሎካ። (ኣንብብ።) ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ሽማግለታት ኣብ ሰለስተ ኣገዳሲ መዳያት እንታይ ኬማልኡ ኸም ዘለዎም ክንመያየጥ ኢና። እዚ ድማ ቀዳማይ፡ ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን ጉባኤ ጽቡቕ ስም ምጥራይ፣ ካልኣይ፡ ከም ርእሲ ስድራ ቤት መጠን ሰናይ ኣብነት ምዃን፣ ሳልሳይ፡ ንጉባኤ ንምግልጋል ፍቓደኛ ምዃን እዩ።

ጽቡቕ ስም ምጥራይ

4. “ዘይውቀስ” ኪብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧

4 ሓደ ሓው ንሽምግልና ዜድሊ ብቕዓት ንምጥራይ፡ “ዘይውቀስ” ማለት በቲ ኣብ ጉባኤ ዘለዎ ኣካይዳ ዘይንቀፍ ብምዃኑ ሰናይ ስም ዘጥረየ ኪኸውን ኣለዎ። ብተወሳኺ፡ “ካብቶም ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ብጽቡቕ እተመስከረሉ” ኪኸውን ኣለዎ። ዘይኣመንቲ ንክርስትያናዊ እምነትካ ይነቕፍዎ ይዀኑ፣ ንቕንዕናኻ ወይ ንኣካይዳኻ ዚነቕፉሉ ብቑዕ ምኽንያት ግና ኪህሉ የብሉን። (ዳን. 6:4, 5) ስለዚ፡ ‘ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን ጉባኤ ጽቡቕ ስም ኣሎኒዶ፧’ ኢልካ ገዛእ ርእስኻ ሕተት።

5. ሓደ ሓው “ሰናይ ዚፈቱ” ምዃኑ ብኸመይ ኬርኢ ይኽእል፧

5 ሓደ ሓው “ሰናይ ዚፈቱ” እንተ ዀይኑ፡ ኣብ ናይ ካልኦት ጽቡቕ ጐድኒ የተኵር፡ ስለቲ ሰናይ ባህርያቶም እውን ይንእዶም እዩ። ብዘይካዚ፡ ተሓጒሱ ሰናይ ይገብር እዩ፣ ሕልፊ እቲ ትጽቢት ዚግበረሉ እውን ይኸይድ እዩ። (1 ተሰ. 2:8) ሽማግለታት እዚ ባህርይ እዚ ኣመና ዜድልዮም ስለምንታይ እዩ፧ ምኽንያቱ፡ መብዛሕትኡ ግዜኦም ንጉባኤ ንምጕሳይን ንምግልጋልን እዮም ዜውዕልዎ። (1 ጴጥ. 5:1-3) ይኹን እምበር፡ ንኻልኦት ብምግልጋል ዚርከብ ሓጐስ፡ ካብ ዝዀነ ይኹን መስዋእቲ ኣጸቢቑ ይዛይድ።—ግብ. 20:35

6. ገለ ኻብቲ “ተቐባል ጋሻ” እትዀነሉ መገድታት እንታይ እዩ፧ (እብራውያን 13:2, 16፣ ስእሊ እውን ርአ።)

6 ሓደ ሰብ ንናይ ቀረባ ፈተውቱ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንኻልኦት ሰባት እውን ሰናይ ነገር ምስ ዚገብረሎም፡ “ተቐባል ጋሻ” ኺብሃል ይከኣል እዩ። (1 ጴጥ. 4:9) ሓደ መወከሲ ጽሑፍ ንተቐባል ጋሻ ኺገልጾ ኸሎ፡ “ማዕጾ ቤቱ ዀነ ማዕጾ ልቡ ንዘይፈልጦም ሰባት ክፉት ኪኸውን ኣለዎ” ይብል። ስለዚ፡ ‘ንኣጋይሽ ብምቕባል ዝመጸ፡ እንታይ ስም እዩ ዘሎኒ፧’ ኢልካ ገዛእ ርእስኻ ሕተት። (እብራውያን 13:2, 16 ኣንብብ።) ተቐባል ጋሻ፡ እታ ዘላቶ እዩ ንኣጋይሹ ዜማቕል። ነቶም ብዙሕ ዘይብሎም ድኻታት ኰነ ነቶም ከም ሓለውቲ ወረዳን በጻሕቲ ተዛረብትን ዝኣመሰሉ ብትግሃት ዚዓይዩ ኣገልገልቲ እውን ኣይርስዖምን እዩ።—ዘፍ. 18:2-8፣ ምሳ. 3:27፣ ሉቃ. 14:13, 14፣ ግብ. 16:15፣ ሮሜ 12:13

ክርስትያን ሰብ ሓዳር ንሓደ ገያሺ ሓላውን ንሰበይቱን ኣብ ቤቶም ይቕበልዎም (ሕጡብ ጽሑፍ 6 ርአ)


7. ሓደ ሽማግለ “ፈታው ገንዘብ [ከም] ዘይኰነ” ብኸመይ እዩ ዜርኢ፧

7 “ፈታው ገንዘብ ዘይኰነ።” ከምዚ ዓይነት ሰብ፡ ኣብ ስጋዊ ነገራት ኣየተኵርን እዩ። ስለዚ፡ ሃብታም ኩን ድኻ ብዘየገድስ፡ ኣብ ኵሉ መዳያት ህይወትካ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኢኻ እተቐድም። (ማቴ. 6:33) ግዜኻን ጕልበትካን ጥሪትካን ንየሆዋ ንምምላኽ፡ ንስድራ ቤትካ ንምክንኻን፡ ንጉባኤ ድማ ንምግልጋል ኢኻ እተውዕሎ። (ማቴ. 6:24፣ 1 ዮሃ. 2:15-17) ስለዚ፡ ‘ብዛዕባ ገንዘብ እንታይ ኣረኣእያ እዩ ዘሎኒ፧ በቲ ዜድልየኒ ነገራት ጥራይ እዓግብ ድየ፡ ወይስ ገንዘብ ኣብ ምውህላልን ብዙሕ ጥሪት ኣብ ምድላብን እየ ዘተኵር፧’ ኢልካ ገዛእ ርእስኻ ሕተት።—1 ጢሞ. 6:6, 17-19

8. “ወረጃ”ን “ርእሱ ዚገትእ”ን ከም ዝዀንካ እተርእየሉ ገለ መገድታት እንታይ እዩ፧

8 ሓደ ሓው “ወረጃ”“ርእሱ ዚገትእ”ን እንተ ዀይኑ፡ ኣብ ኵሉ መዳያት ህይወቱ ሚዛናዊ እዩ። እዚ ድማ ኣብ ምግብን ኣብ መስተን ኣብ ኣከዳድናን ኣብ ኣመለኻኽዓን ኣብ መዘናግዕን መጠን ምሕላው ወይ ሚዛናዊ ምዃን የጠቓልል። ከምኡ እንተ ዄንካ፡ ባርያ ኣነባብራ እዛ ዓለም እዚኣ ኣይኰንካን። (ሉቃ. 21:34፣ ያእ. 4:4) የግዳስ፡ ወረጃ ስለ ዝዀንካ፡ ዋላ እውን ዜቘጥዕ ነገር ኬጋጥመካ ኸሎ፡ ብህድኣት ኢኻ እትምልስ። ብዘይካዚ፡ ንሽምግልና ዚበቅዕ ሰብ፡ “ዘይሰክር” ተባሂሉ ኣሎ፣ መስተ እውን ኣየብዝሕን እዩ። ስለዚ፡ ‘ኣነባብራይ ወረጃን ርእሰይ ዝገትእን ከም ዝዀንኩ የርኢ ድዩ፧’ ኢልካ ገዛእ ርእስኻ ሕተት።

9. “ለባም”ን “ስርዓት ዚሕሉ”ን ኪብሃል ከሎ እንታይ የጠቓልል፧

9 “ለባም” ሰብ፡ ውሳነ ቕድሚ ምግባሩ፡ ኣብ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ተመርኲሱ እዩ ብጥንቃቐ ዚግምግም። ነቲ ስርዓታት ኣጸቢቑ ስለ ዚሓስበሉ፡ ልቦናን ኣእምሮን የጥሪ። ተቐላጢፉ ናብ መደምደምታ ኣይጐይይን እዩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ኵሉ እቲ ዜድሊ ሓቅታት ከም ዝረኸበ የረጋግጽ። (ምሳ. 18:13) ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ንኣተሓሳስባ የሆዋ ዜንጸባርቕ ሚዛናዊ ውሳነታት ይውስን። “ስርዓት ዚሕሉ” ሰብ፡ ምሕዱርን ኣኽባር ግዜን እዩ። ብዘይካዚ፡ ርጡብን መምርሒ ዚስዕብን እውን እዩ። እዚ ባህርያት እዚ፡ ንጽቡቕ ስሙ ኣበርክቶ ይገብር እዩ። ሕጂ እምበኣር፡ ከም ርእሲ ስድራ ቤት መጠን ሰናይ ኣብነት ምስ ምዃን ዚተሓሓዝ ቅዱስ ጽሑፋዊ ብቕዓታት ንመርምር።

ከም ርእሲ ስድራ ቤት መጠን ሰናይ ኣብነት ምዃን

10. ከመይ ገይሩ እዩ ሓደ ሰብኣይ “ንቤተ ሰቡ ጽቡቕ ገይሩ ዜስተናብር”፧

10 ብዓል ሓዳር እንተ ዄንካ እሞ ሽማግለ ንምዃን ብቕዓት ከተጥሪ እንተ ደሊኻ፡ ስድራ ቤትካ ዘለዎም ስም ንብቕዓትካ ኺጸልዎ ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ሓደ ሽማግለ፡ “ንቤተ ሰቡ ጽቡቕ ገይሩ ዜስተናብር” ኪኸውን ኣለዎ። እምበኣር፡ ፈቃርን ሓላፍነት ዚስምዖን ርእሲ ስድራ ቤት ክትከውን ኣሎካ። እዚ ድማ ኣብ ኵሉ መዳያት ኣምልኾ ንስድራ ቤትካ ምምራሕ የጠቓልል። እዚ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ሓደ ሰብ ንቤተ ሰቡ ኼስተናብር ካብ ዘይክእልሲ፡ ንጉባኤ ኣምላኽ ደኣ ኸመይ ገይሩ ኺከናኸና ይኽእል፧” ኢሉ ብምሕታት ምላሽ ሂቡና ኣሎ።—1 ጢሞ. 3:5

11-12. ብቕዓታት ሓደ ሰብኣይ በቲ ኣባላት ስድራ ቤቱ ዘለዎም ኣካይዳ ዚጽሎ ብኸመይ እዩ፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

11 ሓደ ንሽምግልና ዚበቅዕ ኣቦ፡ “ብዅሉ ርዝነት ዚግዝኡ ውሉዳት ዘለውዎ” ኪኸውን ይግባእ። ስለዚ፡ ንውሉዳትካ ብፍቕሪ ኽትምህሮምን ከተሰልጥኖምን ኣሎካ። መሸም ከም ኵሎም ቈልዑ፡ ሰሓቕን ጸወታን ምፍታዎም ዘይተርፍ እዩ። ብምኽንያት እቲ እትህቦም ጽቡቕ ስልጠና ግና፡ እዙዛትን ኣኽበርቲ ሰብን እዱባትን ኪዀኑ ይግባእ። ብተወሳኺ፡ ደቅኻ ምስ የሆዋ ጽቡቕ ርክብ ምእንቲ ኼማዕብሉ፡ ብስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ምእንቲ ኺመላለሱ፡ ናብ ጥምቀት እውን ዕቤት ምእንቲ ኺገብሩ፡ ብእተኻእለካ መጠን ክትሕግዞም ኣሎካ።

12 “ብዝርጋን ወይ ብዕልወት ዘይተኸስሱ ኣመንቲ ውሉዳት ዘለውዎ።” ኣብ ቤት ዘሎ ኣማኒ ውሉድ ከቢድ ሓጢኣት እንተ ፈጺሙ፡ እዚ ንኣቦኡ ብኸመይ ይጸልዎ፧ እቲ ኣቦ ግቡእ ስልጠናን ተግሳጽን ዘይህብ እንተ ዀይኑ፡ ሽማግለ ዀይኑ ንምግልጋል ኣይበቅዕን እዩ።—ናይ 15 ጥቅምቲ 1996 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ፡ ገጽ 21፡ ሕ.ጽ. 6-7 ርአ።

ርእስታት ስድራ ቤት ንደቆም ኣብ እተፈላለየ መዳያት ቅዱስ ኣገልግሎት ብምስታፍ የሰልጥንዎም (ሕጡብ ጽሑፍ 11 ርአ)


ንጉባኤ ምግልጋል

13. “ልዙብ”ን “ብርእሱ ዘይምካሕ”ን ሰብ ከም ዝዀንካ ብኸመይ ኢኻ ኸተርኢ እትኽእል፧

13 ጽቡቕ ክርስትያናዊ ባህርያት ዘለዎም ኣሕዋት፡ ንጉባኤኦም በረኸት እዮም ዚዀኑ። “ልዙብ” ሰብ፡ ሰላም የስፍን እዩ። ሰባት ከም ልዙብ ወይ ሚዛናዊ ሰብ ገይሮም ኪርእዩኻ እንተ ደሊኻ፡ ስምዓዮም፡ ንርእይቶኦም እውን ዕድል ሃቦ። ሕጊ ወይ ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክሳዕ ዘይተጣሕሰ፡ ናይ ብዙሓን ውሳነ ንምድጋፍ ፍቓደኛ ምዀንካዶ፧ “ብርእሱ ዘይምካሕ” ሰብ፡ ከምቲ ንሱ ዝበሎ ኪኸውን ግዲ ኣይብልን እዩ። ኣገዳስነት ብዙሓት ኣማኸርቲ ይርድኦ እዩ። (ዘፍ. 13:8, 9፣ ምሳ. 15:22) “ዘይብኣስ” ወይ “ዘይቍጡዕ” እውን ተባሂሉ ኣሎ። ተሪር ወይ ተገራጫዊ ኣይኰነን፣ የግዳስ፡ ብልእመትን ብሜላን እዩ ነገራት ዚሕዝ። ሰላማዊ ስለ ዝዀነ ኸኣ፡ ውጥረት ኣብ ዝሰፈኖ ዅነታት እኳ ብተበግሶኡ ሰላም ይገብር እዩ። (ያእ. 3:17, 18) ልኡም ቃላቱ ንተጻረርቲ ዀነ ንኻልኦት ኬህድኦም ይኽእል እዩ።—መሳ. 8:1-3፣ ምሳ. 20:3፣ 25:15፣ ማቴ. 5:23, 24

14. “ሓድሽ ወደ መዝሙር ኣይኹን” ከምኡ ድማ “እሙን” ኪብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧

14 ንሽምግልና ዚበቅዕ ሓው፡ “ሓድሽ ወደ መዝሙር ኣይኹን” ተባሂሉ ኣሎ። ስለዚ፡ ካብ እትጥመቕ ብዙሕ ዓመታት ክትገብር ግድን ዜድሊ እኳ እንተ ዘይኰነ፡ ብሱል ክርስትያን ንምዃን ግና ግዜ የድልየካ እዩ። ሽማግለ ቕድሚ ምዃንካ፡ ከም የሱስ ትሑት ከም ዝዀንካን ሓላፍነት ክሳዕ ዚውሃበካ ብትዕግስቲ ንየሆዋ ኸም እትጽበን ከተርኢ ኣሎካ። (ማቴ. 20:23፣ ፊል. 2:5-8) ናብ የሆዋን ናብቲ መለክዒታት ጽድቁን ብምልጋብ፡ ነቲ ብውድቡ ኣቢሉ ዚውሃበና መምርሒታት ከኣ ብምስዓብ፡ “እሙን” ምዃንካ ኸተርኢ ትኽእል ኢኻ።—1 ጢሞ. 4:15

15. ሓደ ሽማግለ ግድን ብሉጽ መዳሪ ኪኸውን ኣለዎዶ፧ ግለጽ።

15 ሓደ ሓላዊ “ንምስትምሃር ብቑዕ” ኪኸውን ከም ዚግብኦ፡ ቅዱሳት ጽሑፋት ብንጹር ይገልጽ እዩ። እሞ ደኣ ብሉጽ መዳሪ ኽትከውን ኣሎካ ማለት ድዩ፧ ኣይፋልን። ብቑዓት ዝዀኑ ብዙሓት ሽማግለታት፡ ብሉጻት መደርቲ እኳ እንተ ዘይኰኑ፡ ኣብ ኣገልግሎትን ኣብ ጕስነታዊ ምብጻሕን ብግቡእ ይምህሩ እዮም። (ምስ 1 ቈረንቶስ 12:28, 29ን ኤፌሶን 4:11ን ኣረኣኢ።) ይኹን እምበር፡ ንፉዕ መምህር ንምዃን፡ ብቐጻሊ ኽእለታትካ ኸተመሓይሽ ኣሎካ። እሞ ደኣ ኸመይ ጌርካ ኢኻ ንፉዕ መምህር እትኸውን፧

16. ከመይ ጌርካ ኢኻ ንፉዕ መምህር ክትከውን እትኽእል፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

16 “ነቲ እሙን ቃል ኣጽኒዑ ዚሕዝ።” ንፉዕ መምህር ንምዃን፡ ነቲ ንህዝቢ እትምህሮ ትምህርቲ ዀነ ነቲ ብውልቂ እትህቦ ምኽሪ ኣብ ቃል ኣምላኽ ሰርቶ። ንፉዕ ተምሃራይ መጽሓፍ ቅዱስን ጽሑፋትናን ኩን። (ምሳ. 15:28፣ 16:23) ከተጽንዕ ከለኻ፡ ግቡእ ኣወዓዕላ ቕዱሳት ጽሑፋት ከመይ ከም ዝዀነ ኣጸቢቕካ ኣስተብህል። ክትምህር ከለኻ ኸኣ፡ ልቢ ሰማዕትኻ ንምትንካይ ጽዓር። ካብ ምኩራት ሽማግለታት ሓሳብ ኪውሃበካ እንተ ሓቲትካን ነዚ እንተ ተግቢርካዮን፡ ከም መምህር ክትመሓየሽ ኢኻ። (1 ጢሞ. 5:17) ሓደ ሽማግለ ንኣሕዋቱን ንኣሓቱን “ኬተባብዕ” ዚኽእል ኪኸውን ኣለዎ፣ ሓድሓደ ግዜ ግና፡ ኪምዕድ ወይ “ኪገንሕ” ኣለዎ። ነዚ ኽልቲኡ ብለውሃት ኪገብሮ ኣለዎ። ልኡምን ፈቃርን እንተ ዄንካ እሞ፡ ትምህርትኻ ኣብ ቃል ኣምላኽ እተሰረተ እንተ ዀይኑ፡ ነቲ ዓብዪ መምህር ዝዀነ የሱስ ስለ እትመስሎ፡ ንፉዕ መምህር ክትከውን ኢኻ።—ማቴ. 11:28-30፣ 2 ጢሞ. 2:24

ሓደ ኣገልጋሊ ጉባኤ ምስ ምኩር ሽማግለ ብምኻድ፡ ብኸመይ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚምህር ይስልጥን። እቲ ኣገልጋሊ ጉባኤ ኣብ ቅድሚ መስትያት ኰይኑ መደረኡ ይለማመድ (ሕጡብ ጽሑፍ 16 ርአ)


ብቐጻሊ ተመጣጠር

17. (ሀ) ኣገልገልቲ ጉባኤ ብቐጻሊ ምእንቲ ኺመጣጠሩ፡ እንታይ ኪሕግዞም ይኽእል፧ (ለ) ሽማግለታት ንኣሕዋት ንምሻም ኪግምግሙ ኸለዉ እንታይ እዮም ኣብ ግምት ኬእትዉ ዘለዎም፧ (“ ንኻልኦት ክትግምግም ከለኻ፡ ትሑት ኩን” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።)

17 ገሊኦም ኣገልገልቲ ጉባኤ ነቲ ሽማግለታት ንምዃን ዚሕተት ብቕዓታት ኪርእዩ ኸለዉ፡ ብቑዓት ኪዀኑ ኸም ዘይክእሉ ይስምዖም ይኸውን። ይኹን እምበር፡ የሆዋ ዀነ ውድቡ ነዚ ባህርያት እዚ ብደረጃ ፍጽምና ኸተማልኦ ኸም ዘይጽበዩኻ ዘክር። (1 ጴጥ. 2:21) ነዚ ብቕዓታት እዚ ኸተማልእ ዚሕግዘካ ድማ፡ እቲ ሓያል መንፈስ የሆዋ እዩ። (ፊል. 2:13) እሞ ደኣ ኸተመሓይሾ እትደሊ ባህርይ ኣሎዶ፧ ብዛዕባኡ ናብ የሆዋ ጸሊ። ነቲ ርእሰ ነገር ምርምር ግበረሉ፣ ብኸመይ ከም እተመሓይሽ ምኽሪ ንምርካብ ከኣ ንሓደ ኻብ ሽማግለታት ሕተት።

18. ኵሎም ኣገልገልቲ ጉባኤ እንታይ ኪገብሩ እዩ መተባብዒ ተዋሂብዎም ዘሎ፧

18 እምበኣር፡ ኵላትና ክርስትያናት፡ እንተላይ እቶም ሽማግለታት ኴንና እነገልግል ዘለና፡ ነዚ ኣብዛ ዓንቀጽ ዘሎ ባህርያት ብቐጻሊ ነማዕብሎ። (ፊል. 3:16) ንስኻኸ ኣገልጋሊ ጉባኤ ዲኻ፧ ተመጣጠር! ንየሆዋን ንጉባኤኡን ብዝያዳ ምእንቲ ኸተገልግል፡ ንሱ ኼሰልጥነካን ኪቐርጸካን ለምኖ። (ኢሳ. 64:8) የሆዋ ነቲ ሽማግለ ንምዃን እትገብሮ ጻዕርታት ኣብዚሑ ይባርኮ!

መዝሙር 101 ብሓድነት ንዕየ