ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 46

መዝሙር 49 ልቢ የሆዋ ነሐጕስ

ኣቱም ኣሕዋት፡ ኣገልገልቲ ጉባኤ ንምዃን ትመጣጠሩዶ ኣለኹም፧

ኣቱም ኣሕዋት፡ ኣገልገልቲ ጉባኤ ንምዃን ትመጣጠሩዶ ኣለኹም፧

“ካብ ምቕባል፡ ምሃብ የሐጕስ።”ግብ. 20:35

ኣትኵሮ

ንጥሙቓት ኣሕዋት፡ ኣገልገልቲ ጉባኤ ንምዃን ኪመጣጠሩን ብቕዓት ኬጥርዩን ንምትብባዕ።

1. ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ ኣገልገልቲ ጉባኤ ኸመይ ይስምዖ ነይሩ፧

 ኣገልገልቲ ጉባኤ ኣብ ጉባኤታት ኣገዳሲ ዕዮታት ይፍጽሙ እዮም። ሃዋርያ ጳውሎስ ነዞም እሙናት ሰብኡት እዚኦም ኣኽቢሩ እዩ ርእይዎም። ንኣብነት፡ ናብቶም ኣብ ፊልጲ ዝነበሩ ክርስትያናት ኪጽሕፍ ከሎ፡ ንኣገልገልቲ ጉባኤን ንሽማግለታትን ፈልዩ ብምጥቃስ ሰላምታ ሂብዎም እዩ።—ፊል. 1:1

2. ሉዊስ ዝስሙ ሓው ብዛዕባ እቲ ኣገልጋሊ ጉባኤ ዀይኑ ዚዓይዮ ዕዮ ኸመይ ተሰሚዕዎ፧

2 ብዙሓት ጥሙቓት ኣሕዋት፡ ንኣሽቱ ይኹኑ ዓበይቲ፡ ኣገልገልቲ ጉባኤ ዀይኖም ብምግልጋል ዓብዪ ሓጐስ ይረኽቡ እዮም። ንኣብነት፡ ደቨን ኪሽየም ከሎ ወዲ 18 ዓመት እዩ ነይሩ። በቲ ሓደ ሸነኽ ከኣ፡ ሉዊስ ዝስሙ ሓው ኣብ መጀመርታ 50ታት ዕድሚኡ እዩ ተሸይሙ። ንሱ ኸምዚ ዚስዕብ ብምባል ናይ ብዙሓት ስምዒት ገሊጹ ኣሎ፦ “ኣገልጋሊ ጉባኤ ዀይነ ምዕያየይ ዓብዪ ኽብሪ እዩ ዚስምዓኒ፣ ምናዳ ንዅሉ እቲ ጉባኤና እተርእየኒ ፍቕሪ ኽሓስበሉ ኸለኹ፡ ፍሉይ ስምዒት እዩ ዚፈጥረለይ!”

3. ሕጂ እንታይ ሕቶታት ኢና ኽንምርምር፧

3 ጥሙቕ ሓው እንተ ዄንካ እሞ ገና ኣገልጋሊ ጉባኤ እንተ ዘይኴንካ፡ ነዚ ሸቶኻ ኽትገብሮ ትኽእልዶ፧ ከምኡ ንምግባር እንታይ ኪሕግዘካ ይኽእል፧ ክትበጽሖ ዘሎካ ቕዱስ ጽሑፋዊ ብቕዓታትከ እንታይ እዩ፧ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ መልሲ እዚ ሕቶታት እዚ ኽንርኢ ኢና። ፈለማ ግና፡ ኣገልጋሊ ጉባኤ እንታይ ከም ዚዓዪ እስከ ንርአ።

ኣገልጋሊ ጉባኤ እንታይ ይዓዪ፧

4. ኣገልጋሊ ጉባኤ እንታይ ዕዮታት እዩ ዚዓዪ፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

4 ኣገልጋሊ ጉባኤ ንሽማግለታት ንምሕጋዝ ብመንፈስ ቅዱስ ዚሽየም ጥሙቕ ሓው እዩ፣ ስለዚ፡ ኣብ ጉባኤ ብዙሕ ኣገዳሲ ዕዮታት ይዓዪ እዩ። ገሊኦም ኣገልገልቲ ጉባኤ፡ እኹል ክልታትን ጽሑፋትን ኣብ ኢድ ኣስፋሕቲ ኸም ዚበጽሕ ይገብሩ። ገሊኦም ከኣ ኣብ ጽሬትን ክንክንን ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ይሕግዙ። ብዘይካዚ፡ ኣአንገድቲ ዀይኖም የገልግሉ፡ ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ ድማ ናውቲ ድምጽን ቪድዮን ይቈጻጸሩ። መብዛሕትኡ እቲ ኣገልገልቲ ጉባኤ ዚዓይይዎ ዕዮ ግብራዊ ጥቕሚ ኣለዎ። ቅድም ቀዳድም ግና ኣገልገልቲ ጉባኤ መንፈሳውያን ሰብኡት እዮም፣ ንየሆዋ የፍቅርዎ እዮም፡ በቲ ቕኑዕ መለክዒታቱ እውን ኪመላለሱ ይደልዩ እዮም። ንክርስትያናት ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን እውን ዓሚቝ ፍቕሪ ኣለዎም። (ማቴ. 22:37-39) እሞ ደኣ ሓደ ጥሙቕ ሓው ከመይ ገይሩ እዩ ኣገልጋሊ ጉባኤ ንምዃን ኪመጣጠር ዚኽእል፧

ኣገልገልቲ ጉባኤ ንኻልኦት ብምግልጋል፡ ንየሱስ ይመስልዎ (ሕጡብ ጽሑፍ 4 ርአ)


5. ምምጥጣር ኪብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧

5 ኣገልገልቲ ጉባኤ ዀይኖም ዚሽየሙ ኣሕዋት እንታይ ብቕዓታት ኬማልኡ ኸም ዘለዎም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹ ኣሎ። (1 ጢሞ. 3:8-10, 12, 13) ነዚ ቕዱስ ጽሑፋዊ ብቕዓታት ብምጽናዕን ንምምዕባሉ ዚከኣለካ ብምጽዓርን፡ ነዚ መሰል ኣገልግሎት ክትመጣጠር ትኽእል ኢኻ። ፈለማ ግና፡ ነቲ ሓላፍነት እቲ እትመጣጠረሉ ምኽንያት ኣጸቢቕካ ኽትሓስበሉ ኣሎካ።

ብምንታይ ተለዓዒልካ ኢኻ እትመጣጠር፧

6. ብምንታይ ተለዓዒልካ ኢኻ ንኣሕዋትካን ንኣሓትካን ከተገልግል ዘሎካ፧ (ማቴዎስ 20:28፣ ስእሊ እውን ርአ።)

6 እቲ ኻብ ኵሉ ዝዓበየ ኣርኣያና ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ፡ ብፍቕሪ ተለዓዒሉ፡ ማለት በቲ ንኣቦኡ ዘለዎ ፍቕርን ንሰባት ዘለዎ ፍቕርን ተለዓዒሉ እዩ ዜገልግል ነይሩ። እታ ፍቕሪ እቲኣ ድማ ብትግሃት ኪዓይን ምእንቲ ኻልኦት ብትሕትና ኼገልግልን እያ ደሪኻቶ። (ማቴዎስ 20:28 ኣንብብ፣ ዮሃ. 13:5, 14, 15) ብፍቕሪ እንተ ተለዓዒልካ፡ የሆዋ ኺባርኸካ እዩ፣ ኣገልጋሊ ጉባኤ ንምዃን ብቕዓታት ከተጥሪ እውን ኪሕግዘካ እዩ።—1 ቈረ. 16:14፣ 1 ጴጥ. 5:5

የሱስ ንሃዋርያቱ፡ ብትሕትና ኼገልግሉ ደኣ እምበር፡ ስልጣን ከይደልዩ ብኣብነቱ ገይሩ መሃሮም (ሕጡብ ጽሑፍ 6 ርአ)


7. ሓደ ሓው ኣብ ጥቕሚ ርእሱ ኻብ ምትኳር ኪቝጠብ ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧

7 ኣብ ዓለም፡ ገዛእ ርእሶም ክብ ዜብሉ ሰባት ይንኣዱ እዮም። ኣብ ውድብ የሆዋ ግና ከምኡ ኣይኰነን። ከም የሱስ ብፍቕሪ ተደሪኹ ዜገልግል ሓው፡ ስልጣን፡ ጽልዋ፡ ወይ መዓርግ ኣይደልን እዩ። ህርፋን ስልጣን ዘለዎ ሰብ ኣብ ጉባኤ እንተ ዚሽየም ነይሩ፡ ነተን ክቡራት ኣባጊዕ የሆዋ ንምክንኻን ዜድሊ ትሑት ስራሕ ምስራሕ ምኣበየ። ከምዚ ዝበለ ዕዮ ንዕኡ ዚምጥን ከም ዘይኰነ ገይሩ ምሓሰበ። (ዮሃ. 10:12) የሆዋ ብትዕቢት ወይ ብጥቕሚ ርእሲ ተላዒልካ ንዚግበር ዝዀነ ይኹን ጻዕሪ ኣይባርኾን እዩ።—1 ቈረ. 10:24, 33፣ 13:4, 5

8. የሱስ ንሃዋርያቱ እንታይ ምኽሪ እዩ ሂብዎም፧

8 ሓድሓደ ግዜ፡ ናይ ቀረባ ኣዕሩኽ የሱስ እውን ከይተረፉ፡ ብግጉይ ምኽንያት ፍሉይ መሰል ንምርካብ ተመጣጢሮም እዮም። ንኣብነት፡ ያእቆብን ዮሃንስን ዚብሃሉ ኽልተ ሃዋርያት የሱስ እንታይ ከም ዝገበሩ እስከ ንርአ። ንሳቶም ንየሱስ፡ ኣብ መንግስቱ ፍሉይ ቦታ ኺህቦም ለመንዎ። የሱስ በቲ ሕቶኦም ኣይነኣዶምን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ንዅሎም እቶም 12 ሃዋርያቱ፡ “ካባኻትኩም ዓብዪ ኪኸውን ዚደሊ ዘበለ፡ ኣገልጋሊኹም ይኹን፣ ካባኻትኩም ቀዳማይ ኪኸውን ዚደሊ ዘበለ ድማ፡ ባርያ ዅላትኩም ይኹን” በሎም። (ማር. 10:35-37, 43, 44) ብግቡእ ምኽንያት ተለዓዒሎም ዚመጣጠሩ ኣሕዋት፡ ማለት ንኻልኦት ኬገልግሉ ዚደልዩ ኣሕዋት፡ ንጉባኤኦም በረኸት እዮም ዚዀኑ።—1 ተሰ. 2:8

ነቲ ንምምጥጣር ዘሎካ ድሌት እንታይ ኬሐይሎ ይኽእል፧

9. ነቲ ንምምጥጣር ዘሎካ ድሌት ብኸመይ ኢኻ ኸተሐይሎ እትኽእል፧

9 ንየሆዋ ኸም እተፍቅሮን ንሰባት ከተገልግል ከም እትደልን ኣብ ሕቶ ዚኣቱ ኣይኰነን። ይኹን እምበር፡ ኣገልጋሊ ጉባኤ ዚዓይዮ ተወሳኺ ዕዮታት ክትዓዪ ኣይትደልን ትኸውን። እሞ ደኣ ኸመይ ጌርካ ኢኻ ነቲ ንምግልጋል ዘሎካ ድሌት ከተሐይሎ እትኽእል፧ ብዛዕባ እቲ ንኣሕዋትካን ንኣሓትካን ምግልጋል ዜምጽኦ ሓጐስ ስለምንታይ ዘይትሓስብ፧ የሱስ፡ “ካብ ምቕባል፡ ምሃብ የሐጕስ” ኢሉ እዩ። (ግብ. 20:35) በዚ ስርዓት እዚ እውን እዩ ዚመላለስ ነይሩ። ንኻልኦት ብምግልጋል ናይ ሓቂ ሓጐስ ረኺቡ እዩ፣ ንስኻ እውን ከምኡ ኽትረክብ ትኽእል ኢኻ።

10. የሱስ ንኻልኦት ምግልጋል ከም ዜሐጕሶ ብኸመይ ኣርእዩ፧ (ማርቆስ 6:31-34)

10 ንኣብነት፡ የሱስ ንሰባት ምግልጋል ከም ዜሐጕሶ ዘርኣየሉ ኣጋጣሚ እስከ ንርአ። (ማርቆስ 6:31-34 ኣንብብ።) ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ የሱስን ሃዋርያቱን ደኸሙ። ኬዕርፉ ኢሎም ናብ ጽምዊ ቦታ ኪኸዱ ነቐሉ። ብዙሓት ህዝቢ ግና ትምህርቲ የሱስ ኪሰምዑ ደልዮም ቀደምዎም። ሽዑ፡ ኪኣብዮም ምኸኣለ ነይሩ። ስለምንታይሲ፡ ንሱን ብጾቱን፡ “ንምብላዕ እኳ ግዜ ኽሳዕ ዚስእኑ” እዮም ዚዓይዩ ነይሮም። ሓደ ወይ ክልተ ሓቅታት ጥራይ ድሕሪ ምምሃር እውን፡ ኬሰናብቶም ምኸኣለ ነይሩ። እንተዀነ ግና፡ ብፍቕሪ ስለ እተደረኸ፡ “ብዙሕ . . . ኪምህሮም ጀመረ።” ብዘይካዚ፡ ‘ግዜ ኽሳዕ ዚኸይድ’ እዩ ምሂርዎም። (ማር. 6:35) ግዴታ ስለ ዝዀኖ ኣይኰነን ከምኡ ገይሩሎም፣ የግዳስ፡ ስለ ‘ዝደንገጸሎም’ እዩ ምሂርዎም። የፍቅሮም ብምንባሩ፡ ኪምህሮም ይደሊ ነይሩ እዩ። ንኻልኦት ምግልጋል የሐጕሶ ነይሩ እዩ።

11. የሱስ ንሰማዕቱ ብግብራዊ መገዲ ዘገልገሎም ብኸመይ እዩ፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

11 የሱስ ነቶም ህዝቢ ኣብ ዘቕረቦ ኣገልግሎት፡ ካብ ምምሃር ንላዕሊ ገይሩ እዩ። ብስጋ ዜድልዮም ነገራት እውን ኣማሊኡሎም እዩ። ብተኣምራዊ መገዲ ምግቢ ምስ ኣዳለወ፡ ደቀ መዛሙርቱ ኸም ዚዕድልዎም ገበረ። (ማር. 6:41) በዚ ኸምዚ ድማ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ከመይ ገይሮም ንሰብ ከም ዜገልግሉ መሃሮም። ኣገልገልቲ ጉባኤ ዚዓይይዎ ዓይነት ግብራዊ ጥቕሚ ዘለዎ ዕዮታት ኣገዳሲ ምዃኑ እውን ኣርኣየ። እቶም ሃዋርያቱ፡ ‘ኵላቶም በሊዖም ክሳዕ ዚጸግቡ’ ነቲ ተኣምራዊ ምግቢ ኺዕድሉ ኸለዉ ዚስምዖም ሓጐስ እሞ ብኣእምሮኻ ስኣሎ! (ማር. 6:42) የሱስ ኣብዚ ኣጋጣሚ እዚ ጥራይ ኣይኰነን ንጥቕሚ ኻልኦት ካብ ጥቕሙ ኣቐዲሙ። ምሉእ ምድራዊ ህይወቱ ንሰባት ንምግልጋል እዩ ኣውዒልዎ። (ማቴ. 4:23፣ 8:16) ንሰባት ብምምሃርን ዜድልዮም ዘበለ ብምምላእን፡ ሓጐስን ዕግበትን ይረክብ ነይሩ እዩ። ንስኻ እውን ንምግልጋል ካብ ዘሎካ ድሌት ተለዓዒልካ ኣገልጋሊ ጉባኤ ንምዃን እንተ ተመጣጢርካ፡ ተመሳሳሊ ሓጐስ ክትረክብ ኢኻ።

ንየሆዋ ዘሎካ ፍቕርን ንኻልኦት ንምግልጋል ዘሎካ ድሌትን፡ ንጉባኤኻ ብእተኻእለካ ዅሉ ንምግልጋል ኬለዓዕለካ እዩ (ሕጡብ ጽሑፍ 11 ርአ) a


12. ኣብ ጉባኤ ብዙሕ ከነበርክት ከም ዘይንኽእል ኰይኑ ኺስምዓና ዘይብሉ ስለምንታይ እዩ፧

12 ፍሉይ ክእለት ዘይብልካ ዀይኑ እንተ ተሰሚዑካ፡ በዚ ተስፋ ኣይትቝረጽ። ንጉባኤኻ ኽትጠቕመሉ እትኽእል ባህርያት ከም ዘሎካ ኣየጠራጥርን እዩ። ነቲ ኣብ 1 ቈረንቶስ 12:12-30 ዚርከብ ቃላት ጳውሎስ ብጸሎት ምስ እተንብቦ፡ ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ። ንስኻ ኸም ካልኦት ኣገልገልቲ የሆዋ ኣብ ጉባኤ ኣገዳሲ ግደ ኸም ዘሎካ፡ ጳውሎስ ንጹር ገይርዎ ኣሎ። ሕጂ ኣገልጋሊ ጉባኤ ንምዃን ዜኽእል ብቕዓታት ዘይተማልእ እንተ ዄንካ፡ በዚ ተስፋ ኣይትቝረጽ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ንየሆዋን ንኣሕዋትካን ንምግልጋል ንምንታይ ዚከኣለካ ዘይትገብር፧ ሽማግለታት ዝዀነ ይኹን ዕዮ ኺህቡኻ ኸለዉ፡ ክእለታትካ ኣብ ግምት የእትዉ እዮም።—ሮሜ 12:4-8

13. መብዛሕትኡ እቲ ንዚሽየሙ ሰብኡት እተሰርዐ ብቕዓታት፡ ንመን እውን እዩ ዚምልከቶም፧

13 ኣገልጋሊ ጉባኤ ንምዃን ክትመጣጠር ዜለዓዕለካ ሓደ ተወሳኺ ምኽንያት እስከ ንርአ፦ መብዛሕትኡ እቲ ብቕዓታት፡ ንዅሎም ክርስትያናት ዚምልከቶም እዩ። ኵሎም ክርስትያናት ንየሆዋ ኪቐርብዎ፡ ካብ ምሃብ ሓጐስ ኪረኽቡ፡ ኣብ ክርስትያናዊ ህይወቶም እውን ሰናይ ኣብነት ኪዀኑ ኣለዎም። እሞ ደኣ ሓደ ሓው ንምምጥጣር እንታይ እዩ ኺገብር ዘለዎ፧

ብኸመይ ትመጣጠር፧

14. “ረዘንቲ” ኺብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧ (1 ጢሞቴዎስ 3:8-10, 12)

14 ሕጂ ገለ ኻብቲ ኣብ 1 ጢሞቴዎስ 3:8-10, 12 ተዘርዚሩ ዘሎ ብቕዓታት ንመርምር። (ኣንብብ።) ኣገልገልቲ ጉባኤ “ረዘንቲ” ኪዀኑ ይግባእ። እዛ ቓል እዚኣ፡ “ክቡራት” ወይ “ሕፉራት” ተባሂላ እውን ክትትርጐም ትኽእል እያ። ከምዚ ኺብሃል ከሎ፡ ክትስሕቕ ወይ ክትዋዘ ኣይትኽእልን ኢኻ ማለት ኣይኰነን። (መክ. 3:1, 4) ኰይኑ ግና፡ ንዅሉ ሓላፍነታትካ ብርዝነት ክትርእዮ ኣሎካ። እሙንን ቁም ነገረኛን እንተ ዄንካ፡ ኣብ ጉባኤኻ ኣኽብሮት ክትረክብ ኢኻ።

15. “ሰብ ክልተ ልሳን ዘይኰኑ፡” ከምኡ እውን “ዘይግቡእ ረብሓ ንምርካብ ዘይሃርፉ” ኺብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧

15 “ሰብ ክልተ ልሳን ዘይኰኑ” ኺብሃል ከሎ፡ ሓቀኛታትን ቅኑዓትን እሙናትን ማለት እዩ። ስለዚ፡ ቃልካ ኽትሕሉ ኣሎካ፡ ንሰብ እውን ከተታልል የብልካን። (ምሳ. 3:32) “ዘይግቡእ ረብሓ ንምርካብ ዘይሃርፉ” ኺብሃል ከሎ ኸኣ፡ ኣብ ስራሕ ወይ ኣብ ኣተሓሕዛ ገንዘብ ብቕንዕና ይመላለሱ ማለት እዩ። ስለዚ፡ በቲ ምስ ክርስትያናት ብጾትካ ዘሎካ ጽቡቕ ርክብ ተጠቒምካ፡ ገንዘብ ንምርካብ ክትብለጽ ኣይትፍትንን ኢኻ።

16. (ሀ) “ብዙሕ ወይኒ ንምስታይ ዘየድህቡ” ኺብሃል ከሎ፡ እንታይ ማለት እዩ፧ (ለ) “ንጹህ ሕልና” ዘለዎም ኪብሃል ከሎ፡ እንታይ ማለት እዩ፧

16 “ብዙሕ ወይኒ ንምስታይ ዘየድህቡ” ኺብሃል ከሎ፡ ብዙሕ ኣልኮላዊ መስተ ኣይሰትዩን ወይ ሰታያት ኣይኰኑን ማለት እዩ። “ንጹህ ሕልና” ዘለዎም ኪብሃል ከሎ ድማ፡ ብመለክዒታት የሆዋ ይመላለሱ ማለት እዩ። ፍጹም እኳ እንተ ዘይኰንካ፡ ምስ ኣምላኽ ጽቡቕ ርክብ ምምስራት ዜምጽኦ ሰላም ግና ኣሎካ።

17. ሓደ ሓው ‘ብቕዓቱ ዚምርመር’ ብኸመይ እዩ፧ (1 ጢሞቴዎስ 3:10፣ ስእሊ እውን ርአ።)

17 “ብቕዓቶም ይመርመር” ኪብሃል ከሎ፡ ሓላፍነት ንምስካም ዚእመኑ ምዃኖም ድሮ ዘርኣዩ እዮም ማለት እዩ። ስለዚ፡ ሽማግለታት ሓደ ዕዮ ኺህቡኻ ኸለዉ፡ ነቲ ኻባታቶም ኰነ ኻብ ውድብና ዚውሃብ መምርሒታት ተጠንቂቕካ ስዓቦ። እቲ ዕዮ እንታይ ከም ዜጠቓልልን መዓስ ኪዛዘም ከም ዘለዎን ፍለጥ። ዚውሃበካ ዘበለ ዕዮ ብትግሃት ክትዓዪ ኸለኻ፡ ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ክርስትያናት ንዕቤትካ ኼስተብህሉሉን ኬማስዉሉን እዮም። ኣቱም ሽማግለታት ከኣ፡ ንጥሙቓት ኣሕዋት ኣሰልጥንዎም። (1 ጢሞቴዎስ 3:10 ኣንብብ።) ኣብ ጉባኤኹም፡ ኣብ መጀመርታ ዓሰርተታት ዕድሚኦም ዚርከቡ ጥሙቓት ኣሕዋት ኣለዉዶ፧ ጽቡቕ ናይ ብሕታዊ መጽናዕቲ ልማድ ኣለዎምዶ፧ ኣብ ኣኼባታትን ኣብ ኣገልግሎት ወፍርን ኣዘውቲሮም ይሳተፉዶ፧ ከምኡ ዓይነት ኣሕዋት እንተ ኣልዮም፡ ምስ ዕድሚኦምን ኵነታቶምን ዚመጣጠን ዕዮ ሃብዎም። በዚ ኸምዚ፡ ‘ብቕዓቶም ይምርመር።’ ድሕሪኡ፡ ኣብ መወዳእታ ዓሰርተታት ዕድሚኦም፡ ኣገልገልቲ ጉባኤ ንምዃን ብቕዓት ኪህልዎም ይኽእል እዩ።

ሽማግለታት ንጥሙቓት ኣሕዋት ዕዮታት ብምሃብ፡ ‘ብቕዓቶም ኪምርምሩ’ ይኽእሉ (ሕጡብ ጽሑፍ 17 ርአ)


18. “ዚንቀፉሉ ዘይብሎም” ኪብሃል ከሎ፡ እንታይ ማለት እዩ፧

18 “ዚንቀፉሉ ዘይብሎም” ኪብሃል ከሎ፡ ብኸቢድ ጌጋ ዚኽሰሱሉ ብቑዕ ክሲ ዘይቀርበሎም ማለት እዩ። ልክዕ እዩ፡ ክርስትያናት ብሓሶት ይኽሰሱ ይዀኑ። የሱስ እውን እንተ ዀነ ብሓሶት ተኸሲሱ እዩ፣ ንሰዓብቱ ተመሳሳሊ ነገር ከም ዜጋጥሞም እውን ተነብዩ ነይሩ እዩ። (ዮሃ. 15:20) ይኹን እምበር፡ ከም የሱስ ኣካይዳኻ ንጹህ እንተ ዀይኑ፡ ኣብ ጉባኤ ጽቡቕ ስም ኪህልወካ እዩ።—ማቴ. 11:19

19. “ሰብ ሓንቲ ሰበይቲ” ዚብል ብቕዓት እንታይ የጠቓልል፧

19 “ሰብ ሓንቲ ሰበይቲ።” ምርዑው እንተ ዄንካ፡ ነቲ የሆዋ ብዛዕባ መውስቦ ዘለዎ መለክዒ ኽትሕልዎ ኣሎካ፣ የሆዋ፡ ሓደ ሰብኣይ ንሓንቲ ሰበይቲ ኪኸውን እዩ ሓሊኑ። (ማቴ. 19:3-9) ሓደ ክርስትያን ሰብኣይ ኪምንዝር የብሉን። (እብ. 13:4) እዚ ግና ዝያዳ እውን የጠቓልል እዩ። እወ፡ ንሰበይትኻ እሙን ክትከውን ኣሎካ፣ ንኻልእ ሰበይቲ ኸኣ ዘይግቡእ ቈላሕታ ኽትገብር የብልካን።—እዮ. 31:1

20. ሓደ ሰብኣይ ንቤተ ሰቡ ‘ጽቡቕ ገይሩ ዜስተናብር’ ብኸመይ እዩ፧

20 “ደቆምን ቤተ ሰቦምን ጽቡቕ ገይሮም ዜስተናብሩ።” ርእሲ ስድራ ቤት እንተ ዄንካ፡ ንሓላፍነታትካ ኣርዚንካ ኽትርእዮ ኣሎካ። ብስሩዕ ኣምልኾ ስድራ ቤት ምራሕ። ብእተኻእለካ መጠን ብተደጋጋሚ ምስ ነፍሲ ወከፍ ኣባል ስድራ ቤትካ ኣብ ኣገልግሎት ተሳተፍ። ንደቅኻ ምስ የሆዋ ብሕታዊ ርክብ ኬማዕብሉ ሓግዞም። (ኤፌ. 6:4) ንስድራ ቤቱ ዚከናኸን ሰብኣይ፡ ንጉባኤ ኺሓሊ ኸም ዚኽእል የርኢ እዩ።—ምስ 1 ጢሞቴዎስ 3:5 ኣረኣኢ።

21. ኣገልጋሊ ጉባኤ ዄንካ ተገልግል እንተ ዘየሊኻ፡ እንታይ ኢኻ ኽትገብር እትኽእል፧

21 ኣቱም ኣሕዋት፡ ክሳዕ ሕጂ ኣገልገልቲ ጉባኤ ዄንኩም ተገልግሉ እንተ ዘየሊኹም፡ በጃኹም ነዚ ኣብዛ ዓንቀጽ ዘሎ ሓሳባት ብጸሎት ሕሰቡሉ። ኣገልገልቲ ጉባኤ እንታይ ብቕዓታት ኬማልኡ ኸም ዘለዎም ኣጽንዑ፡ ነዚ ብቕዓታት ንምምላእ ከኣ ብትግሃት ዕየዩ። ንየሆዋን ንኣሕዋትኩምን ንኣሓትኩምን ክሳዕ ክንደይ ከም እተፍቅርዎም ሕሰቡ። ንዓታቶም ንምግልጋል ዘሎኩም ድሌት ኣሐይሉ። (1 ጴጥ. 4:8, 10) ንመንፈሳውያን ስድራ ቤትኩም ብምግልጋል ዚርከብ ሓጐስ ኣስተማቕሩ። የሆዋ ነቲ ኣገልገልቲ ጉባኤ ንምዃን እትገብርዎ ጻዕርታት ኣብዚሑ ይባርኮ!—ፊል. 2:13

መዝሙር 17 “እደሊ እየ”

a መግለጺ ስእሊ፦ ኣብ ጸጋም፡ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ብትሕትና የገልግሎም፣ ኣብ የማን፡ ሓደ ኣገልጋሊ ጉባኤ ንሓደ ብዕድመ ዝደፍአ ሓው ይሕግዞ።