ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 45

መዝሙር 138 ጽባቐ ሽበት

ካብ ናይ ስንብታ ቓላት እሙናት ተምሃር

ካብ ናይ ስንብታ ቓላት እሙናት ተምሃር

“ጥበብ ኣብ ሽማግለታት ዚርከብ፡ ኣእምሮ እውን ምስ ነዊሕ ዕድመ ዚመጽእ ደይኰነን፧”እዮ. 12:12

ኣትኵሮ

ንየሆዋ ኣምላኽ እዙዝ ምዃን፡ ሕጂ በረኸት የምጽእ፡ ኣብ መጻኢ እውን ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ይመርሕ።

1. ካብ ዓበይቲ ኽንምሃር እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

 ኣገዳሲ ውሳነታት ንምግባር፡ ኵላትና ደገፍ የድልየና እዩ። መብዛሕትኡ ኻብዚ ደገፍ እዚ፡ ካብ ሽማግለታትን ካብ ካልኦት ብሱላት ክርስትያናትን ክንረኽቦ ንኽእል ኢና። ንሳቶም ብዕድመ ኣመና ዚዓብዩና እንተ ዀይኖም፡ ንምኽሮም ግዜ ኸም ዝሓለፎ ጌርና ተቐላጢፍና ዕሽሽ ክንብሎ የብልናን። የሆዋ ኻብ ዓበይቲ ኽንምሃር ይደልየና እዩ። ካባና ንዝነውሐ ግዜ ስለ ዝነበሩ፡ ዝያዳ ተመክሮን ኣእምሮን ጥበብን ኬጥርዩ ኽኢሎም እዮም።—እዮ. 12:12

2. ኣብዛ ዓንቀጽ ብዛዕባ እንታይ ኢና ኽንመያየጥ፧

2 ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ፡ የሆዋ በቶም ብዕድመ ዝደፍኡ እሙናቱ ኣቢሉ ንህዝቡ ኣተባቢዕዎምን ዜድልዮም ምኽሪ ሂብዎምን እዩ። ንኣብነት፡ ሙሴን ዳዊትን ሃዋርያ ዮሃንስን ዝገበርዎ እስከ ንርአ። ንሳቶም ኣብ እተፈላለየ ግዜያትን ኣብ በበይኑ ዅነታትን እዮም ዚነብሩ ነይሮም። ኣብ ኣጋ መወዳእታ ህይወቶም ከኣ፡ ንመንእሰያት ጥበባዊ ምኽሪ ሂቦም እዮም። እዞም ብዕድመ ዝደፍኡ እሙናት፡ ንኣምላኽ እዙዝ ምዃን ዘለዎ ኣገዳስነት ኣጕሊሖም እዮም። የሆዋ ድማ ነቲ ጥበብ ዝሓዘለ ቓላቶም ንዓና ዓቂቡልና ኣሎ። መንእሰያት ንኹን ዓበይቲ፡ ካብ ምኽሮም ክንጥቀም ንኽእል ኢና። (ሮሜ 15:4፣ 2 ጢሞ. 3:16) ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ እዞም ብዕድመ ዝደፍኡ ሰለስተ ሰባት እተዛረብዎ ቓላት ስንብታን ካብኡ እንረኽቦ ትምህርትን ክንርኢ ኢና።

“ኣብ . . . ምድሪ ነዊሕ ዕድመ ኽትነብር ኢኻ”

3. ሙሴ እንታይ ሓላፍነታት ተሰኪሙ እዩ ዜገልግል ነይሩ፧

3 ሙሴ ምሉእ ብምሉእ ንየሆዋ ውፉይ እዩ ነይሩ። ነብይን ፈራድን ኣዛዝን ጸሓፍ ታሪኽን ኰይኑ ኣገልጊሉ እዩ። ኣብ ህይወቱ ብዙሕ ተመክሮ እዩ ነይርዎ! ንህዝቢ እስራኤል ካብ ባርነት ግብጺ ኣውጺእዎም፡ የሆዋ ዝገበሮ ሓያሎ ተኣምራት እውን ብዓይኑ ርእዩ እዩ። ነተን ቀዳሞት ሓሙሽተ መጻሕፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንመዝሙር 90፡ ምናልባት እውን ንመዝሙር 91 ንምጽሓፍ ድማ የሆዋ ተጠቒሙሉ እዩ። ንመጽሓፍ እዮብ እውን ንሱ እዩ ጽሒፍዋ ኪኸውን ዘለዎ።

4. ንመን እዩ ሙሴ ዘተባብዐ፧ ስለምንታይከ፧

4 ሙሴ ወዲ 120 ዓመት ኰይኑ ቕድሚ ሙማቱ፡ ንዅሎም እስራኤላውያን ኣኪቡ ብዛዕባ እቲ ዝረኣይዎን ዘሕለፍዎን ነገራት ኣዘኻኸሮም። ገሊኦም ካብቶም ሰማዕቱ ብንእስነቶም፡ የሆዋ ዝገበሮ ብዙሕ ትእምርትታትን ተኣምራትን ኣብ ልዕሊ ግብጺ ዘውረዶ ፍርድታትን ርእዮም እዮም። (ዘጸ. 7:3, 4) በቲ እተመቕለ ቐይሕ ባሕሪ ተሳጊሮም፡ ጥፍኣት ሰራዊት ፈርኦን እውን ርእዮም እዮም። (ዘጸ. 14:29-31) ኣብ በረኻ ኸኣ፡ ዕቝባን ሓልዮትን የሆዋ ርእዮም እዮም። (ዘዳ. 8:3, 4) ድሕርዚ፡ ኣብ ድርኵኺት ምድሪ ተስፋ ምስ ቀረቡ፡ ሙሴ በዚ ናይ መወዳእታ ኣጋጣሚ ተጠቒሙ ኣተባብዖም። a

5. ኣብ ዘዳግም 30:19, 20 ዚርከብ ሙሴ እተዛረቦ ቓል ስንብታ፡ ንእስራኤላውያን እንታይ መረጋገጺ እዩ ሂብዎም፧

5 ሙሴ እንታይ ኢሉ፧ (ዘዳግም 30:19, 20 ኣንብብ።) ህዝቢ እስራኤል ኣብ ቅድሚኦም ጽቡቕ መጻኢ እዩ ተነቢሩሎም ነይሩ። ብበረኸት የሆዋ፡ ኣብታ ዘተስፈዎም ምድሪ ነዊሕ ዕድመ ኺነብሩ ይኽእሉ ነይሮም እዮም። እታ ምድሪ ድማ ውቅብትን ፍርያምን ምድሪ እያ ነይራ! ሙሴ ነታ ምድሪ ኺገልጸሎም ከሎ፡ “ዘይሰራሕካየን ዓበይትን ጽቡቓትን ከተማታትን ዘይሰራሕካዮ ጽቡቕ ዘበለ ዝመልኣ ኣባይትን ዘይኰዓትካዮ ውቑር መዕቘሪታት ማይን ዘይተኸልካዮ ኣታኽልቲ ወይንን ኣእዋም ኣውልዕን” ኢሉ ተዛሪቡ ኣሎ።—ዘዳ. 6:10, 11

6. ስለምንታይ እዩ ኣምላኽ፡ እስራኤላውያን ብኻልኦት ኣህዛብ ኪስዓሩ ዝፈቐደ፧

6 ብዘይካዚ፡ ሙሴ ንእስራኤላውያን መጠንቀቕታ ሂብዎም እዩ። ኣብታ ፍርያም ምድሪ ብህይወት ምእንቲ ኺነብሩ፡ ትእዛዛት የሆዋ ኺሕልዉ ነበሮም። ሙሴ ድማ፡ “ህይወት ሕረ” ኢሉ ተማሕጸኖም፣ እዚ ምእንቲ ኪኸውን ከኣ፡ “ድምጹ [ድምጺ የሆዋ] ስማዕ፡ ናብኡ እውን ልገብ” ኢሉ ተላበዎም። እስራኤላውያን ግና ንየሆዋ ኣይተኣዘዝዎን። ስለዚ፡ ንሱ ኣብ መጀመርታ ብኣሶራውያን፡ ደሓር ከኣ ብባቢሎናውያን ኪስዓሩን ናብ ምርኮ ኺውሰዱን ፈቐደ።—2 ነገ. 17:6-8, 13, 14፣ 2 ዜና 36:15-17, 20

7. ካብ ቃላት ሙሴ እንታይ ንምሃር፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

7 ካብዚ እንታይ ንምሃር፧ ተኣዛዝነት ናብ ህይወት ይመርሕ። ከምቲ እስራኤላውያን ኣብ ድርኵኺት ምድሪ ተስፋ ዝነበሩ፡ ንሕና እውን ኣብ ኣፍ ደገ ሓዳስ ዓለም ኢና ዘለና። ኣብ ቀረባ ግዜ፡ ምድሪ ናብ ገነት ክትቅየር እያ። (ኢሳ. 35:1፣ ሉቃ. 23:43) ሰይጣንን ኣጋንንቱን ኪጠፍኡ እዮም። (ራእ. 20:2, 3) ናይ ሓሶት ሃይማኖት ድሕሪ ደጊም ንደቂ ሰብ ካብ የሆዋ ኣይከተርሕቖምን እያ። (ራእ. 17:16) ሰብኣውያን መንግስትታት ድሕሪ ደጊም ነቶም ኣብ ትሕቲኦም ዘለዉ ኣይኪጭቍንዎምን እዮም። (ራእ. 19:19, 20) ዓለወኛታት ኣብ ገነት ቦታ ኣይኪህልዎምን እዩ። (መዝ. 37:10, 11) ኣብ ብዘላ ምድሪ ዚነብሩ ሰባት ንጽድቃዊ ሕግታት የሆዋ ኺሕልውዎ እዮም፣ እዚ ድማ ሓድነትን ሰላምን ኬስፍን እዩ። በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ንሓድሕዶም ኪፋቐሩን ኪተኣማመኑን እዮም። (ኢሳ. 11:9) እዝስ ዜደንቕ ደይኰነን፧ ኣብ ርእሲ እዚ እውን፡ ንየሆዋ እንተ ተኣዚዝናዮ፡ ንኣማእታት ዓመታት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንዘለኣለም ኣብ ገነታዊት ምድሪ ኽንነብር ኢና!—መዝ. 37:29፣ ዮሃ. 3:16

ንየሆዋ እንተ ተኣዚዝናዮ፡ ንኣማእታት ዓመታት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንዘለኣለም ኣብ ገነታዊት ምድሪ ኽንነብር ኢና (ሕጡብ ጽሑፍ 7 ርአ)


8. ተስፋ ናይ ዘለኣለም ህይወት ንሓደ ንነዊሕ ዓመታት ዘገልገለ ሚስዮናዊ ብኸመይ ሓጊዝዎ፧ (ይሁዳ 20, 21)

8 ነቲ ኣምላኽ ዝሃበና ተስፋ ናይ ዘለኣለም ህይወት ወትሩ ንዝክሮ እንተ ዄንና፡ ዘጋጠመ እኳ እንተ ኣጋጠመና ናብኡ ንለግብ ኢና። (ይሁዳ 20, 21 ኣንብብ።) እቲ ተስፋ እቲ፡ ምስ ብሕታዊ ድኽመታትና ንምቅላስ እውን ሓይሊ ኺህበና ይኽእል እዩ። ምስ ስጋዊ ድኽመቱ ብቐጻሊ እተቓለሰ ኣብ ኣፍሪቃ ንነዊሕ ዓመታት ዘገልገለ ሚስዮናዊ፡ “ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋይ ኣብ ሓደጋ ኺኣቱ ኸም ዚኽእል ምፍላጠይ፡ ምስ ጸገመይ ንምቅላስን ናብ የሆዋ ብጽኑዕ ንምምህላልን ብዝያዳ ኸም ዝቘርጽ እዩ ገይሩኒ። ብሓገዙ፡ ጸገመይ ክሰግር ክኢለ እየ” ይብል።

“ኪሰልጠካ እዩ”

9. ዳዊት ኣብ ህይወቱ እንታይ ፈተናታት እዩ ኣሕሊፉ፧

9 ዳዊት ዓብዪ ንጉስ እዩ ነይሩ። ብዘይካዚ፡ ሙዚቀኛን ገጣምን ተዋጋእን ነብይን እዩ ነይሩ። ብዙሕ ፈተናታት ኣሕሊፉ እዩ። ኣብ ገሊኡ ዓመታት፡ ካብቲ ዝቐንኣሉ ንጉስ ሳኦል ኪሃድም ነበሮ። ንጉስ ምስ ኰነ እሞ ወዱ ኣቤሴሎም ዝፋን ኪምንዝዕ ምስ ሓሰበ ኸኣ፡ ከም ብሓድሽ ኪሃድም ተገደደ። እዚ ዅሉ ጸገማትን ብሕታዊ ጕድለትን እናሃለዎ ኽነሱ ግና፡ ክሳዕ መወዳእታ ህይወቱ ንኣምላኽ እሙን ኰነ። የሆዋ ንዳዊት፡ “ከም ልበይ ዝዀነ ሰብኣይ” ኢሉ ገሊጽዎ ኣሎ። ስለዚ፡ ምኽሩ ይጠቕመና እዩ።—ግብ. 13:22፣ 1 ነገ. 15:5

10. ዳዊት ነቲ ንዕኡ ተኪኡ ዚነግስ ወዱ ምኽሪ ዝሃቦ ስለምንታይ እዩ፧

10 ንኣብነት፡ ዳዊት ነቲ ንዕኡ ተኪኡ ዚነግስ ወዱ ሰሎሞን እንታይ ከም ዝበሎ እስከ ንርአ። የሆዋ ነቲ ገና መንእሰይ ዝነበረ ሰሎሞን፡ ማእከል ንጹህ ኣምልኾ ዀይና እተገልግል ንኽብሩ እትኸውን ቤተ መቕደስ ኪሃንጽ ሓረዮ። (1 ዜና 22:5) እቲ ዕዮ ግና ጸገማት ነይርዎ እዩ። እሞ ደኣ ዳዊት እንታይ ኢልዎ፧ ቀጺልና እስከ ንርአ።

11. ብመሰረት 1 ነገስት 2:2, 3፡ ዳዊት ንሰሎሞን እንታይ መረጋገጺ እዩ ሂብዎ፧ እዚ ቓላት እዚ ልክዕ ምንባሩኸ ብኸመይ እዩ ተራእዩ፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

11 ዳዊት እንታይ ኢሉ፧ (1 ነገስት 2:2, 3 ኣንብብ።) ዳዊት ንወዱ፡ ንየሆዋ እንተ ተኣዚዝዎ፡ ከም ዚሰልጦ ነገሮ። ሰሎሞን ከኣ ንሓያሎ ዓመታት ብዙሕ ኣሳልጦ ረኸበ። (1 ዜና 29:23-25) እተደንቕ ቤተ መቕደስ ሃነጸ፡ ገሊኡ ኽፋል መጻሕፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ እውን ጸሓፈ። ብጥበቡን ብሃብቱን ስሙይ ኰነ። (1 ነገ. 4:34) ከምቲ ዳዊት ዝበሎ ግና፡ ንየሆዋ ኣምላኹ ኽሳዕ እተኣዘዘ ጥራይ እዩ ዚሰልጦ። እቲ ዜሕዝን ድማ፡ ሰሎሞን ኣብ እርጋኑ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኼምልኽ ጀመረ። ስለዚ፡ ሞገስ የሆዋ ሰኣነ፡ ብጽድቅን ብፍትሕን ንምምሕዳር ዜኽእሎ ዝነበረ ጥበብ እውን ኣጥፍአ።—1 ነገ. 11:9, 10፣ 12:4

ዳዊት ንወዱ ሰሎሞን እተዛረቦ ናይ ስንብታ ቓላት፡ ንየሆዋ እሙናት እንተ ዄንና፡ ጽቡቕ ውሳነታት ንምግባር ዜኽእለና ጥበብ ከም ዚህበና ይሕብር (ሕጡብ ጽሑፍ 11-12 ርአ) b


12. ካብ ቃላት ዳዊት እንታይ ንምሃር፧

12 ካብዚ እንታይ ንምሃር፧ ተኣዛዝነት ናብ ኣሳልጦ ይመርሕ። (መዝ. 1:1-3) ልክዕ እዩ፡ የሆዋ ማዕረ ናይ ሰሎሞን ሃብትን ክብርን ከም ዚህበና ቓል ኣይኣተወልናን። እንተዀነ ግና፡ ንኣምላኽ እንተ ተኣዚዝናዮ፡ ጽቡቕ ውሳነታት ክንገብር ዜኽእለና ጥበብ ይህበና እዩ። (ምሳ. 2:6, 7፣ ያእ. 1:5) ስርዓታቱ ኣብ ከም ስራሕ፡ ትምህርቲ፡ መዘናግዒ፡ ገንዘብ ዝኣመሰለ ጕዳያት ኪመርሓና ይኽእል እዩ። ብጥበብ ኣምላኽ እንተ ተመላሊስና ኸኣ፡ ካብ ነባሪ ጕድኣት ንስተር ኢና። (ምሳ. 2:10, 11) ብዘይካዚ፡ ጽቡቕ ዕርክነት ነማዕብል ኢና። ሓጐስ ዝሰፈኖ ስድራ ቤት እውን ይህልወና እዩ።

13. ካርመን ኣብ ህይወታ ኣሳልጦ ዝረኸበት ብኸመይ እያ፧

13 ኣብ ሞዛምቢክ እትነብር ካርመን፡ ዝለዓለ ትምህርቲ ናብ ኣሳልጦ ኸም ዚመርሕ ትኣምን ነበረት። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣትያ ድማ ስነ ህንጻ ኣጽንዐት። ብዛዕባኡ ኸኣ ከምዚ ትብል፦ “ነቲ ትምህርቲ ፈትየዮ። ኣዝዩ ብዙሕ ግዜን ጕልበትን ግና ወሲዱለይ። ካብ ሰዓት 7:30 ንግሆ ኽሳዕ ሰዓት 6:00 ምሸት ኣብ ቤት ትምህርቲ እየ ዘሕልፎ ነይረ። ናብ ኣኼባታት ምኻድ ከቢዱኒ ነይሩ፣ መንፈሳውነተይ እውን ተሃስዩ። ንኽልተ ጐይተት ከገልግል እጽዕር ምንባረይ፡ ብውሽጠይ ይፍለጠኒ ነይሩ።” (ማቴ. 6:24) ስለዚ፡ ብዛዕባ እቲ ዅነታታ ጸለየት፡ ኣብ ጽሑፋትና እውን ምርምር ገበረት። ኣስዕብ ኣቢላ ኸምዚ ትብል፦ “ካብ ብሱላት ኣሕዋትን ካብ ኣደይን ጽቡቕ ምኽሪ ምስ ረኸብኩ፡ ንዩኒቨርሲቲ ኽሓድጎ፡ ንየሆዋ እውን ብምሉእ ግዜይ ከገልግሎ ወሲነ። እዚ ኸኣ ኣብ ህይወተይ ብሉጽ ውሳነታት ክገብር ሓጊዙኒ፣ በዚ ድማ ጣዕሳ የብለይን።”

14. ሙሴን ዳዊትን እንታይ መሰረታዊ መልእኽቲ እዮም ኣመሓላሊፎም፧

14 ሙሴን ዳዊትን ንየሆዋ የፍቅርዎ ነይሮም እዮም፡ ንዕኡ እዙዛት ምዃን ዘለዎ ኣገዳስነት እውን ኣጸቢቖም ይፈልጡ ነይሮም እዮም። ስለዚ፡ ኣብቲ ናይ ስንብታ ቓላቶም ንሰማዕቶም፡ ኣብነቶም ኪስዕቡን ናብ የሆዋ ኣምላኾም ኪለግቡን እዮም ኣተባቢዖምዎም። ክልቲኦም እውን፡ እቶም ንየሆዋ ዚሓድግዎ ዘበሉ ሞገሱን በረኸቱን ከም ዚስእኑ ኣጠንቂቖም እዮም። ሎሚ፡ ካብ ምኽሮም ብዙሕ ክንጥቀም ንኽእል ኢና። ብዘይካዚ ግና፡ ድሕሪ ዘመናት ዚነብር ዝነበረ ኻልእ ኣገልጋሊ የሆዋ፡ ብተኣማንነት ምምልላስ ዘለዎ ኣገዳስነት ኣጕልሑ ኣሎ።

“[ካብዚ] ዚዓቢ ሓጐስ የብለይን”

15. ሃዋርያ ዮሃንስ ኣብ ህይወቱ እንታይ እዩ ርእዩ፧

15 ዮሃንስ ፍቑር ሃዋርያ የሱስ ክርስቶስ እዩ ነይሩ። (ማቴ. 10:2፣ ዮሃ. 19:26) ንየሱስ ኣብ ምሉእ ኣገልግሎቱ ኣሰንይዎ፡ ተኣምራቱ ብዓይኑ ርእዩ፡ ኣብ ግዜ ጸገማቱ እውን ናብኡ ለጊቡ እዩ። ጐይታኡ ኪቕተል ከሎ ርእዩ እዩ፣ ካብ ምዉታት ድሕሪ ምትንሳኡ እውን ረኺብዎ እዩ። ኣብ ቀዳማይ ዘመን፡ በቶም ሒደት እሙናት ዝጀመረ ክርስትና ኼስፋሕፍሕን እቲ ብስራት ‘ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዘሎ ዅሉ ፍጥረት ኪስበኽን’ ከሎ እውን ርእዩ እዩ።—ቈሎ. 1:23

16. ካብ መልእኽትታት ዮሃንስ መን እዮም ተጠቒሞም፧

16 ዮሃንስ ኣብ ኣጋ መወዳእታ እቲ ነዊሕ ዕድሚኡ፡ ኣብቲ ብድራኸ መንፈስ እተጻሕፈ ቓል ኣምላኽ ኣበርክቶ ገበረ። ነቲ “የሱስ ክርስቶስ ዝሃቦ ራእይ” ኪምዝግብ ከኣለ። (ራእ. 1:1) ብስሙ እትጽዋዕ ወንጌል ከኣ ጸሓፈ። ብዘይካዚ፡ ብመንፈስ ተደሪኹ ሰለስተ መልእኽትታት ጸሓፈ። እታ ሳልሰይቲ መልእኽቲ ናብቲ ፍቑር መንፈሳዊ ወዱ ዝዀነ ጋይዮስ ዚብሃል እሙን ክርስትያን እዩ ልኢኽዋ። (3 ዮሃ. 1) ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ንዮሃንስ መንፈሳውያን ደቁ ዝዀኑ ብዙሓት ሰባት ነይሮም ኪዀኑ ኣለዎም። እዚ እሙን ሽማግለ ዝጸሓፎ ነገር፡ ክሳዕ ሎሚ ንዘለዉ ሰዓብቲ የሱስ የተባብዖም ኣሎ።

17. ብመሰረት 3 ዮሃንስ 4፡ እንታይ እዩ ዓብዪ ሓጐስ ዜምጽእ፧

17 ዮሃንስ እንታይ ጽሒፉ፧ (3 ዮሃንስ 4 ኣንብብ።) ዮሃንስ፡ ንኣምላኽ እዙዝ ምዃን ሓጐስ ከም ዜምጽእ ጽሒፉ ኣሎ። ነዛ ሳልሰይቲ መልእኽቱ ኣብ ዝጸሓፈሉ እዋን፡ ገሊኦም ሰባት ናይ ሓሶት ትምህርትታት ይነዝሑ፡ ክፍፍል ከኣ ይፈጥሩ ነበሩ። ገሊኦም ግና “በታ ሓቂ ይመላለሱ” ነበሩ። ‘ከም ትእዛዛት የሆዋ ገይሮም እውን ይመላለሱ ነበሩ።’ (2 ዮሃ. 4, 6) እዞም እሙናት ክርስትያናት እዚኦም፡ ንዮሃንስ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንየሆዋ እውን ኣሐጕሶምዎ እዮም።—ምሳ. 27:11

18. ካብ ቃላት ዮሃንስ እንታይ ኢና እንምሃር፧

18 ካብዚ እንታይ ንምሃር፧ ተኣማንነት ናብ ሓጐስ ይመርሕ። (1 ዮሃ. 5:3) ንኣብነት፡ ንየሆዋ ኸም እነሐጕሶ ምፍላጥና የሐጕሰና እዩ። ንሱ ድማ ንፈተናታት እዛ ዓለም እዚኣ ነጺግና ሓቂ ኽንቅበል ከለና ይሕጐስ እዩ። (ምሳ. 23:15) ብተወሳኺ፡ ኣብ ሰማይ ዚነብሩ ኻልኦት ፍጡራት ይሕጐሱ እዮም። (ሉቃ. 15:10) ንሕና እውን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ፈተናታት እናኣሕለፉ ኽነሶም ብተኣማንነት ኪመላለሱ እንተ ርኢና፡ በዚ ንሕጐስ ኢና። (2 ተሰ. 1:4) ድሕሪኡ፡ እዚ ስርዓት እዚ ምስ ሓለፈ፡ ኣብታ ሰይጣን ዝገዛኢኣ ዓለም ንየሆዋ እሙናት ምንባርና ዕግበት ኬምጽኣልና እዩ።

19. ሬቸል ዝስማ ሓብቲ ንሰባት ሓቂ ብዛዕባ ምምሃር እንታይ እያ ኢላ፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

19 ምናዳ ሓቂ ንሰባት ከነካፍል ከለና፡ ፍሉይ ሓጐስ እዩ ዚስምዓና። ኣብ ዶመኒካዊት ሪፓብሊክ እትነብር ሬቸል ብዛዕባ እቲ ዜደንቕ ኣምላኽና ንሰባት ምምሃር፡ ብቓላት ኪግለጽ ዘይከኣል ክብሪ ኸም ዝዀነ እዩ ዚስምዓ። ብዛዕባ እቶም መንፈሳውያን ደቃ ኽትሓስብ ከላ ኸኣ ከምዚ ትብል፦ “እቶም ዝመሃርክዎም ሰባት ንየሆዋ ኼፍቅርዎ፡ መልህቖም ኪገብርዎ፡ ንዕኡ ንምሕጓስ ድማ ህይወቶም ኬዐርዩ ኽርእዮም ከለኹ ዚስምዓኒ ሓጐስ ብቓላት ዚግለጽ ኣይኰነን። እቲ ስምዒት እቲ፡ ካብቲ ንዓታቶም ንምምሃር ዝገበርክዎ ጻዕርን መስዋእትን ይበልጽ።”

ንሰባት ብኸመይ ንየሆዋ ኸም ዜፍቅርዎን ከም ዚእዘዝዎን ምምሃር፡ ሓጐስ የምጽኣልና (ሕጡብ ጽሑፍ 19 ርአ)


ካብ ናይ ስንብታ ቓላት እሙናት ተጠቐም

20. ምስ ሙሴን ዳዊትን ዮሃንስን እንታይ ሓባራዊ ነገራት ኣሎና፧

20 ሙሴን ዳዊትን ዮሃንስን ካብ ናትና እተፈልየ ግዜን ኵነታትን እዩ ነይርዎም። እንተዀነ ግና፡ ምሳታቶም ሓባራዊ ዚገብረና ብዙሕ ነገራት ኣሎ። ንናይ ሓቂ ኣምላኽ እዮም ዜገልግሉ ነይሮም፣ ንሕና እውን ከምኡ ኢና እንገብር። ከማታቶም ናብ የሆዋ ንጽሊ፡ ናብኡ ንጽጋዕ፡ መምርሒ እውን ካብኡ ንደሊ ኢና። ከምዞም ናይ ጥንቲ ሰባት ከኣ፡ የሆዋ ንዚእዘዝዎ ኣብዚሑ ኸም ዚባርኾም ርግጸኛታት ኢና።

21. ንምኽሪ እቶም ከም ሙሴን ዳዊትን ዮሃንስን ዝኣመሰሉ ብዕድመ ዝደፍኡ እሙናት ዚስዕቡ ዘበሉ እንታይ በረኸት እዮም ዚረኽቡ፧

21 እምበኣር፡ ቃላት ስንብታ እዞም ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት ንስዓብ፡ ትእዛዛት የሆዋ እውን ንሓሉ። ሽዑ፡ ኣብ እንገብሮ ዅሉ ኺሰልጠና እዩ። “ነዊሕ ዕድመ” ኽንነብር፡ እወ ንዘለኣለም ክንነብር ኢና! (ዘዳ. 30:20) ነቲ ንተስፋታቱ ኻብቲ እንሓስቦ ንላዕሊ እምብዛ ኣዕዚዙ ዚፍጽም ፈቃር ሰማያዊ ኣቦና ባህ ስለ እነብሎ እውን ሓጐስ ክንረክብ ኢና።—ኤፌ. 3:20

መዝሙር 129 ክንጻወር ኢና

a እቶም ነቲ የሆዋ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝገበሮ ተኣምራት ዝረኣዩ መብዛሕትኦም እስራኤላውያን ንምድሪ ተስፋ ኣይረኣይዋን። (ዘሁ. 14:22, 23) እቶም ካብ ወዲ 20 ዓመት ንላዕሊ እተመዝገቡ ዘበሉ ኣብ በረኻ ኸም ዚሞቱ የሆዋ ተዛሪቡ ነይሩ እዩ። (ዘሁ. 14:29) ይኹን እምበር፡ እያሱን ካሌብን ብዙሓት ብዕድመ ዝነኣሱ ወለዶን ነገድ ሌዊን ንፈለግ ዮርዳኖስ ሰጊሮም ናብ ምድሪ ከነኣን ምስ ኣተዉ፡ ነቲ የሆዋ ዘተስፈዎም ኪፍጸም ከሎ ርእዮም እዮም።—ዘዳ. 1:24-40

b መግለጺ ስእሊ፦ ጸጋም፦ ዳዊት ንወዱ ሰሎሞን ጥበብ ዝሓዘለ ናይ ስንብታ ቓላት የካፍሎ። የማን፦ ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣገልግሎት ፈለምቲ ዚምሃሩ ተምሃሮ፡ ካብ ቲኦክራስያዊ ትምህርቲ ይጥቀሙ።