ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምኽሪ መጽናዕቲ

ጽቡቕ ሃዋህው ፍጠር

ጽቡቕ ሃዋህው ፍጠር

ካብ ብሕታዊ መጽናዕትኻ ብዝያዳ ኽትጥቀም ትደሊዶ፧ እዚ ዚስዕብ ምኽሪ፡ ንመጽናዕቲ ዚኸውን ጽቡቕ ሃዋህው ኪፈጥር ይኽእል እዩ።

  • ጽቡቕ ቦታ ሕረ። እንተ ተኻኢሉ፡ ዘይጋሕመጠን እኹል ብርሃን ዘለዎን ቦታ ርኸብ። ጥቓ ሰደቓ ኮፍ ክትብል ትኽእል ኢኻ፣ ወይ ድማ ኣብ ግዳም ምሹእ ቦታ ኽትሓሪ ትኽእል ኢኻ።

  • ጽምዊ ቦታ ርኸብ። የሱስ ኪጽሊ ምስ ደለየ፡ “ኣንጊሁ” “ናብ ጽምዊ ቦታ” እዩ ኸይዱ። (ማር. 1:35) ምሉእ ብምሉእ ጽምዊ ቦታ ኽትረክብ ዘይትኽእል እንተ ዄንካ፡ ንስድራ ቤትካ ወይ ነቶም ምሳኻ ዚነብሩ ሰባት መዓስ ከም እተጽንዕ ሓብሮም፡ ነዚ ኣብ ግምት ኬእትዉልካ እውን ሕተቶም።

  • ኣተኵር። ኣቓልቦ ዚሰርቕ ነገራት ኣርሕቕ። ብተሌፎንካ ወይ ብታብለትካ እተጽንዕ እንተ ዄንካ፡ ኣብ መንጎ ምእንቲ ኸይትርበሽ፡ ነቲ መልእኽቲ ኺመጸካ ወይ ኪድወለልካ ኸሎ ዜፍልጥ መሐበሪ ድምጹ ኣጥፍኣዮ፡ ወይ ጠሪሱ ኸም ዘይመጸካ ግበሮ። ክትገብሮ ዘሎካ ነገር ትዝ እንተ ኢሉካ፡ ነቲ ጕዳይ ደሓር ምእንቲ ኽትከታተሎ ኣብ መዘኻኸሪ መዝግቦ። ኣትኵሮኻ ኺርበሽ እንተ ጀሚሩ፡ ብእግርኻ ንምዝዋር ወይ ንምውስዋስ ሓጺር ዕረፍቲ ግበር።