ግምቢ ዘብዐኛ—ሕታም መጽናዕቲ መስከረም 2016

እዛ ሕታም እዚኣ፡ ካብ 24 ጥቅምቲ ኽሳዕ 27 ሕዳር 2016 ዚጽናዕ ዓንቀጻት መጽናዕቲ ዝሓዘት እያ።

‘ኣእዳውካ ኣይተሓለላ’

የሆዋ ንኣገልገልቱ ዜበራትዖምን ዜተባብዖምን ብኸመይ እዩ፧

በረኸት የሆዋ ንምርካብ ወትሩ ተቓለስ

ህዝቢ ኣምላኽ ስምረቱ ንምርካብ ኪጽዕሩ ኸለዉ ብዙሕ ዕንቅፋት የጋጥሞም እዩ። ግናኸ ኪዕወቱ ይኽእሉ እዮም።

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

እቲ ኣብ እብራውያን 4:12፡ “ህያውን ዚዓይን” ተባሂሉ ዘሎ “ቓል ኣምላኽ” ንምንታይ የመልክት፧

ኣብ ቅድሚ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ነቲ ብስራት ምምጓት

እቲ ጳውሎስ ኣብ ግዜኡ ንዝነበረ ሕጊ እተጠቕመሉ መገዲ፡ ኣብነት ይዀነና እዩ።

ኣከዳድናኻ ንኣምላኽ የኽብሮ ድዩ፧

ቅዱስ ጽሑፋዊ ስርዓታት መምርሒና ኪኸውን ይኽእል እዩ።

ሎሚ ኻብ መምርሒ የሆዋ ተጠቐም

ኣብ ፖላንድን ፊጂን ዚነብራ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ጥበባዊ ምርጫ ገይረን።

ኣቱም መንእሰያት፡ እምነትኩም ኣደልድሉ

ህይወት ካብ ፍጥረት ዘይኰነስ ብፍልቀት መጺኡ ንዚብል ህቡብ እምነታት ክትቅበሎ ጸቕጢ ይወርደካ ድዩ፧ ከምኡ እንተ ዀይኑ፡ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ኽትጠቕመካ እያ።

ኣቱም ወለዲ፡ ንውሉዳትኩም እምነቶም ኪሃንጹ ሓግዝዎም

ናይ ምምሃር ሓላፍነትካ ኸተማልእ ከም ዘይትኽእል ኰይኑዶ ይስምዓካ፧ ንውሉዳትካ ኽትሕግዘሉ እትኽእል ኣርባዕተ ነገር ርአ።