ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

በረኸት የሆዋ ንምርካብ ወትሩ ተቓለስ

በረኸት የሆዋ ንምርካብ ወትሩ ተቓለስ

“ምስ ኣምላኽን ምስ ሰብን ተቓሊስካ፡ ኣሕሚቕካ ኢኻ።” —ዘፍ. 32:28

መዝሙር፦ 23, 38

1, 2. ኣገልገልቲ የሆዋ እንታይ ዓይነት ቅልስ እዩ ዘለዎም፧

ካብቲ ናይ መጀመርታ እሙን ሰብ ዝነበረ ኣቤል ኣትሒዙ ኽሳዕ እዚ ግዜና ዘለዉ ንኣምላኽ ዜምልኹ እሙናት ሰባት ብዙሕ ይቃለሱ እዮም። ሃዋርያ ጳውሎስ ንእብራውያን ክርስትያናት፡ ሞገስን በረኸትን የሆዋ ንምርካብ ኪጽዕሩ ኸለዉ፡ ‘ብርቱዕ ቃልስን መከራን ከም እተጻወሩ’ ጽሒፉሎም ነይሩ። (እብ. 10:32-34) ጳውሎስ ንቓልሲ ክርስትያናት ምስቲ ኣትለታት ኣብ ውድድር ግሪኽ ዚገብርዎ ዝነበሩ ቕድድም ጕያን ቅልስን መኸተ ጕስጥን ኣወዳዲርዎ ኣሎ። (እብ. 12:1, 4) ሎሚ እውን ኣብ ቅድድም ህይወት ኢና ዘለና፣ ካብ ዕላማና ኼስግሉና፡ ኪዕንቅፉና፡ ኬውድቑና፡ ወይ ከኣ ሓጐስናን ኣብ መጻኢ እንረኽቦ በረኸትን ኪምንጥሉና ዚደልዩ ተጻባእቲ ኣለዉና።

2 ብቐዳምነት፡ ምስ ሰይጣንን ምስዛ እክይቲ ዓለሙን ብርቱዕ ቅልስ ኣሎና። (ኤፌ. 6:12) በዛ ናይዛ ዓለም እዚኣ “ጽኑዕ ዕርድታት፡” ማለት ብሰረተ እምነታታን ብፍልስፍናኣን ከም ምንዝርናን ትንባኾን ሓሽሽን ምብዛሕ ኣልኮላዊ መስተን ብዝኣመሰለ ጐዳኢ ተግባራታን ከይንጽሎ ምቅላስና ኣገዳሲ እዩ። ንዜጋጥመና ስጋዊ ድኽመታትን ተስፋ ምቝራጽን እውን ብቐጻሊ ኽንቃለሶ ኣሎና።—2 ቈረ. 10:3-6፣ ቈሎ. 3:5-9

3. ኣምላኽ ምስ ጸላእትና ኣብ እንገብሮ ቕልስ ምእንቲ ኽንዕወት ብኸመይ የሰልጥነና ኣሎ፧

3 ነዞም ሓያላት ተጻረርቲ ብሓቂ ኸነሰንፎም ንኽእል ዲና፧ እወ፡ ንኽእል ኢና፣ ግናኸ፡ ቃልሲ ይሓትት እዩ። ጳውሎስ ነቶም ብግዜኡ ዝነበሩ ተጓሰጥቲ ኸም ኣብነት ብምውሳድ፡ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ፡ “ንንፋስ ከም ዝወቅዕ . . . ኣይኰንኩን ዘጕስጥ ዘለኹ” በለ። (1 ቈረ. 9:26) ከምቲ ተጓሳጣይ ንመጻርርቱ ዚምክቶ፡ ንሕና እውን ንተጻረርትና ኽንምክቶም ኣሎና። የሆዋ ኣብ ቅልስና ምእንቲ ኽንዕወት የሰልጥነናን ይረድኣናን እዩ። ብቓሉ ኣቢሉ ህይወት ዜድሕን መምርሒታት ይህበና እዩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብእተመስረተ ጽሑፋትን ብሰሙናዊ ኣኼባታትን ብኣኼባታት ወረዳን ዞባን ኣቢሉ እውን ይሕግዘና እዩ። እሞኸ ነቲ እትምሃሮ ኣብ ግብሪ ተውዕሎዶ ኣለኻ፧ ከምኡ እንተ ዘይጌርካ፡ ‘ንንፋስ ከም እትወቅዕ’ ስለ እትኸውን፡ ንተጻራሪኻ ምሉእ ብምሉእ ኣይክትምክቶን ኢኻ።

4. ብእከይ ምእንቲ ኸይንስነፍ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧

4 ጸላእትና ኣብ ዘይተጸበናዮን ኣብ ዝደኸምናሉን እዋን ኬጥቅዑና ስለ ዚኽእሉ፡ ወትሩ ንቝሓት ክንከውን ኣሎና። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ነቲ እከይ ደኣ ብሰናይ ስዓሮ እምበር፡ በቲ እከይ ኣይትሰዓር” ኢሉ የጠንቅቐና እዩ። (ሮሜ 12:21) እቲ “በቲ እከይ ኣይትሰዓር” ዚብል መተባብዒ፡ ንእከይ ከነሰንፎ ኸም እንኽእል እዩ ዜርኢ። ከነሰንፎ እንኽእል ድማ፡ ብቐጻሊ ምስ እንቃለስ እዩ። እንተ ዘይተጠንቂቕናን ቅልስና እንተ ኣቋሪጽናን ሰይጣንን እዛ እክይቲ ዓለሙን እቲ ዘይፍጹም ስጋናን ኬሰንፉና ይኽእሉ እዮም። ሰይጣን ኣፈራሪሁ ተሓሊልካ ኢድካ ኸም እትህብ ኪገብረካ ኣይትፍቀደሉ።—1 ጴጥ. 5:9

5. (ሀ) በረኸት ኣምላኽ ንምርካብ ብቐጻሊ ኽንቃለስ ኪሕግዘና ዚኽእል እንታይ እዩ፧ (ለ) ብዛዕባ ኣየኖት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተጠቕሱ ሰባት ኢና ኽንምርምር፧

5 እቶም ዚቃለሱ ዘለዉ ዕውታት ኪዀኑ እንተ ደልዮም፡ ዕላማ ቓልሶም ኪርስዑ የብሎምን። ሞገስን በረኸትን ኣምላኽ ንምርካብ፡ ኣብቲ ኣብ እብራውያን 11:6 ተዋሂቡ ዘሎ መረጋገጺ ኼተኵሩ ኣለዎም፣ እታ ጥቕሲ፡ “እቲ ናብ ኣምላኽ ዚቐርብሲ፡ ንሱ ኸም ዘሎን ነቶም ኣጸቢቖም ዚደልይዎ ዓስቢ ኸም ዚህቦምን ኪኣምን ይግብኦ እዩ” ትብል። እታ “ኣጸቢቖም ዚደልይዎ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽኛ ግሲ፡ ንሓያልን ትግሃት ንዝመልኦን ጻዕሪ ተመልክት። (ግብ. 15:17) ቅዱሳት ጽሑፋት ብዛዕባ እቶም በረኸት የሆዋ ንምርካብ ትግሃት ዝመልኦ ጻዕሪ ዝገበሩ ኣብነት ዝዀኑና ሰብኡትን ኣንስትን ይገልጽ እዩ። ያእቆብን ራሄልን ዮሴፍን ጳውሎስን ብስምዒታውን ብኣካላውን መዳይ ዜድክም ኵነታት እኳ እንተ ኣጋጠሞም፡ ጽንዓት ብዙሕ በረኸት ከም ዜምጽእ ኣርእዮም እዮም። ነዞም ኣርባዕተ ኣብነታውያን ተቓለስቲ ኽንመስሎም እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

ጽንዓት በረኸት የምጽእ

6. ንያእቆብ ኪጸንዕ ዝሓገዞ እንታይ እዩ፧ ብኸመይከ ዓስቢ ረኺቡ፧ (ኣብ መእተዊ ዘላ ስእሊ ርአ።)

6 እቲ ሓደ ኻብቶም ኣበው ዝነበረ ያእቆብ ንየሆዋ የፍቅሮን ንመንፈሳዊ ነገራት የድንቕን በቲ የሆዋ ንዘርኡ ኸም ዚባርኾም ዘተስፈዎ ተስፋ ምሉእ ብምሉእ ይኣምንን ስለ ዝነበረ፡ ተቓሊሱን ጸኒዑን እዩ። (ዘፍ. 28:3, 4) በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ወዲ 100 ዓመት ኣቢሉ ምስ ኰነ እውን ከይተረፈ፡ በረኸት ኣምላኽ ንምርካብ ዝከኣሎ ዘበለ ገይሩ እዩ፣ ወረግ ስጋ ሰብ ምስ ዝለበሰ መልኣኽ እውን ተቓሊሱ እዩ። (ዘፍጥረት 32:24-28 ኣንብብ።) ያእቆብ ምስቲ ሓያል መልኣኽ እተቓለሰ ብናይ ርእሱ ብርታዐ ድዩ፧ ኣይፋሉን። ይኹን እምበር፡ ቈራጽ ተቓላሳይ እዩ ነይሩ፣ ካብቲ ዝቐረበሉ ብድሆ ኸም ዘየድሓርሕር ድማ ኣርእዩ እዩ። ሳላ እቲ ዘርኣዮ ጽንዓት ከኣ ተባሪኹ እዩ። ንዕኡ ዚበቅዕ እስራኤል (ትርጉሙ፡ “ምስ ኣምላኽ ተቓላሲ [ተጻዋሪ]” ወይ፡ “ኣምላኽ ይቃለስ”) ዚብል ስም ድማ ተዋህቦ። እወ፡ ያእቆብ ነቲ ንሕና እውን ክንረኽቦ እንደሊ ዓስቢ፡ ማለት ሞገስን በረኸትን የሆዋ ረኺቡ እዩ።

7. (ሀ) ራሄል እንታይ ዚደቍስ ኵነታት እዩ ኣጋጢምዋ፧ (ለ) ብቐጻሊ እተቓለሰትን እተባረኸትን ብኸመይ እያ፧

7 ራሄል ሰበይቲ ያእቆብ፡ የሆዋ ነቲ ንሰብኣያ ዘተስፈዎ ተስፋ ብኸመይ ከም ዚፍጽሞ ኽትርኢ ትህንጠ ነይራ እያ። ኰይኑ ግና፡ ፍታሕ ዘይብሉ ዚመስል ግድል ነይርዋ እዩ። ከመይሲ፡ ውሉድ ኣይነበራን። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ክትወልድ ዘይምኽኣል ከም ዓብዪ ወጽዓ እዩ ዚርአ ነይሩ። እሞኸ፡ ራሄል ነቲ ምሉእ ብምሉእ ካብ ቍጽጽራ ወጻኢ ዝነበረ ዚደቍስ ኵነታት ብቐጻሊ ኽትቃለሶ ዜኽእላ ስምዒታውን ኣካላውን ብርታዐ ዘጥረየት ብኸመይ እያ፧ ውሉድ ክትወልድ ተስፋ ኻብ ምግባር ዓዲ ኣይወዓለትን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ብዝያዳ ብምጽላይ ብቐጻሊ ትቃለስ ነበረት። የሆዋ ነቲ ልባዊ ልመናኣ ሰምዖ፡ ውሉድ ብምሃብ ከኣ ባረኻ። ራሄል፡ “ሓያል ቅልስ ተቓሊሰ፡ ተዓወትኩ” ምባላ እምበኣር ዜገርም ኣይኰነን።—ዘፍ. 30:8

8. ዮሴፍ እንታይ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ኸቢድ ኵነታት እዩ ኣጋጢምዎ፧ እንታይ ጽቡቕ ኣብነትከ እዩ ገዲፉልና፧

8 እቲ ያእቆብን ራሄልን ዝሓደግዎ ጽኑዕ ኣብነት ኣብቲ ወዶም ዮሴፍ ንዘጋጠሞ ናይ እምነት ፈተና ዝሓዘሉ መገዲ ሓያል ጽልዋ ኣሕዲሩ እዩ። ዮሴፍ ወዲ 17 ዓመት ምስ ኰነ፡ ኣብ ህይወቱ ኸቢድ ጸገማት ኣጋጠሞ። ኣሕዋቱ ብቕንኢ ተለዓዒሎም ንባርነት ሸጥዎ። ጸኒሑ ድማ ኣብ ግብጺ ብዘይፍትሓዊ መገዲ ተኣስረ። (ዘፍ. 37:23-28፣ 39:7-9, 20, 21) ዮሴፍ ግና ተስፋ ኣይቈረጸን፣ ተቐይሙ ሕነ ኺፈዲ እውን ኣይሓሰበን። የግዳስ፡ ኣእምሮኡን ልቡን ኣብቲ ምስ የሆዋ ዘለዎ ጽቡቕ ርክብ ከም ዜተኵር ገበረ። (ዘሌ. 19:18፣ ሮሜ 12:17-21) እቲ ዮሴፍ ዝሓደጎ ኣብነት ንዓና እውን ይጠቕመና እዩ። ንኣብነት፡ ብቝልዕነትና ኸቢድ ኵነታት እንተ ኣሕሊፍና ወይ ኣብዚ ግዜ እዚ ተስፋ ዜቝርጽ ኵነታት እንተ ኣልዩና እውን፡ ብቐጻሊ ኽንቃለስን ክንጸንዕን ኣሎና። ከምኡ እንተ ጌርና የሆዋ ኸም ዚባርኸና ኽንተኣማመን ንኽእል ኢና።ዘፍጥረት 39:21-23 ኣንብብ።

9. ነቲ ያእቆብን ራሄልን ዮሴፍን ዝሓደግዎ ኣብነት ብምስዓብ፡ በረኸት የሆዋ ንምርካብ እንታይ ጻዕሪ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧

9 ብዛዕባ እቲ ዘጋጠመካ ኸቢድ ኵነታት ወይ ከኣ ፈተና ዝዀነካ ነገር እሞ ሕሰብ። ዘይፍትሓውነት፡ ኣድልዎ ወይ ላግጺ ኣጋጢሙካ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ወይ ከኣ ሓደ ሰብ ብቕንኢ ተለዓዒሉ ብሓሶት ከሲሱካ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ተሓሊልካ ኢድካ ኣብ ክንዲ እትህብ፡ ንያእቆብን ንራሄልን ንዮሴፍን ተሓጒሶም ብቐጻሊ ንየሆዋ ኼገልግልዎ ዝሓገዞም እንታይ ምዃኑ ዘክር። ንሳቶም ንመንፈሳዊ ነገራት ዓሚቝ ሞሳ ኸም ዘለዎም ስለ ዘርኣዩ፡ ኣምላኽ ኣበርቲዕዎምን ባሪኽዎምን እዩ። ብቐጻሊ ይቃለሱን ምስቲ ልባዊ ጸሎቶም ተሰማሚዖም ይመላለሱን ነይሮም እዮም። ንሕና ድማ፡ እዚ እኩይ ስርዓት እዚ ኺጠፍእ ኣብ ዝቐረበሉ እዋን ንነብር ስለ ዘለና፡ ነቲ ኣብ ቅድሜና ተነቢሩልና ዘሎ ተስፋ ኣጽኒዕና ኽንሕዞ ኣሎና። እሞኸ ሞገስ የሆዋ ንምርካብ ክትቃለስ ትደሊ ዲኻ፧

በረኸት ንምርካብ ብፍታው ተቓለስ

10, 11. (ሀ) በረኸት ኣምላኽ ንምርካብ ብኸመይ ክንቃለስ ንኽእል፧ (ለ) ቅኑዕ ምርጫታት ክንገብርን ተስፋ ንዜቝርጸናን ንዚዓናቕፈናን ኵነታት ክንቃለሶን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

10 ገለ ኻብቲ በረኸት ኣምላኽ ንምርካብ ክንቃለስ ዜድልየሉ ዅነታት እንታይ እዩ፧ ሓደ ኻብቲ ብዙሓት ዚቃለስዎ ነገራት፡ ስጋዊ ድኽመት እዩ። ካልኦት ከኣ ብዛዕባ ኣገልግሎት ኣወንታዊ ኣመለኻኽታ ኼማዕብሉ ይቃለሱ እዮም። ምናልባት ከኣ ናይ ጥዕና ጸገም ወይ ጽምዋ ኽትጻወር የድልየካ ይኸውን። ነቲ ገሊኦም ንዝበደሎም ሰብ ይቕረ ንምባል ዚገብርዎ ቓልሲ እውን ዕሽሽ ክንብሎ የብልናን። ንየሆዋ ዘገልገልናሉ ዓመታት ብዘየገድስ፡ ኵላትና ነቲ ንእሙናት ዓስቢ ዚህብ ኣምላኽ ካብ ምግልጋል ኪዓናቕፈና ዚኽእል ነገራት ክንቃለሶ ኣሎና።

በረኸት ኣምላኽ ክትረክብ ትቃለስዶ ኣለኻ፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 10, 11 ርአ)

11 ቅኑዕ ምርጫ ምግባርን ብመገዲ ክርስትና ምምልላስን በዳሂ ኪኸውን ከም ዚኽእል ዚከሓድ ኣይኰነን። ብፍላይ ከኣ እቲ ጠላም ልብና ንድሕሪት ዚጐትተና እንተ ዀይኑ ዝያዳ ኪኸብደና ይኽእል እዩ። (ኤር. 17:9) ብእተወሰነ ደረጃ ብኣሉታዊ ነገራት ከም እተጸሎኻ እንተ ተሰሚዑካ፡ መንፈስ ቅዱስ ኪውሃበካ ኣበርቲዕካ ጸሊ። ጸሎትን መንፈስ ቅዱስን፡ በረኸት የሆዋ እትረኽበሉ ቕኑዕ መገዲ ኽትስዕብ ዜኽእለካ ሓይሊ ኺህበካ ይኽእል እዩ። ምስ ጸሎትካ ተሰማሚዕካ ተመላለስ። በብመዓልቱ እተወሰነ ኽፋል መጽሓፍ ቅዱስ ኣንብብ፣ ንብሕታዊ መጽናዕትን ንኣምልኾ ስድራ ቤትን ዚኸውን ግዜ ድማ መድብ።መዝሙር 119:32 ኣንብብ።

12, 13. ክልተ ክርስትያናት ንሕማቕ ትምኒት ኪቈጻጸርዎ ዝኸኣሉ ብኸመይ እዮም፧

12 ቃል ኣምላኽን መንፈሱን ክርስትያናዊ ጽሑፋትናን ንክርስትያናት ሕማቕ ትምኒት ኪቃለሱ ኸም ዝሓገዞም ዜርኢ ብዙሕ ኣብነታት ኣሎ። ሓደ ዀተቴ ነታ ኣብ ናይ 8 ታሕሳስ 2003 ሕታም ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ዝወጸት፡ “ንሕማቕ ትምኒት ብኸመይ ክትቃለሶ ትኽእል፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ኣንበበ። እሞኸ እንታይ በለ፧ “ሕማቕ ሓሳባት ንምቍጽጻር እቃለስ እየ ዘለኹ። ኣብታ ዓንቀጽ፡ ‘ንገሊኦም፡ ንሕማቕ ትምኒት ምቅላስ ይኸብዶም እዩ’ ዚብል ሓሳብ ምስ ኣንበብኩ፡ ኣነ እውን ኣባል እቶም ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ኣሕዋት ከም ዝዀንኩ ደኣ እምበር፡ በይነይ ከም ዘይኰንኩ ተሰምዓኒ” በለ። እዚ መንእሰይ እዚ፡ ካብታ ኣብ ናይ 8 ጥቅምቲ 2003 ሕታም ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ዝወጸት፡ “ንጾታዊ ርክብ ብዚምልከት ዝመረጽካዮ ኽትገብር ኣምላኽ ይሰምሮ ድዩ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ እውን ተጠቒሙ እዩ። ንገሊኦም እቲ ቓልሲ ‘ኣብ ስጋኦም እሾኽ’ ከም ዝዀኖም ተጠቒሱ ምህላዉ ድማ ኣስተብሃለ። (2 ቈረ. 12:7) ንሳቶም ብመገዲ ጽድቂ ኺመላለሱ ቐጻሊ ጻዕሪ ዚገብሩ እኳ እንተ ዀኑ፡ ብዛዕባ መጻኢ ብሩህ ተስፋ ኺህልዎም ይኽእል እዩ። ንሱ ኸምዚ በለ፦ “በዚ ምኽንያት እዚ፡ መዓልቲ ብዝሓለፈ መጠን፡ እሙን ክኸውን ከም ዝኽእል ብዝያዳ ኺስምዓኒ ጀሚሩ እዩ። ኣብዚ እኩይ ስርዓት እዚ ጸኒዕና ኽንመላለስ ብውድቡ ኣቢሉ ስለ ዚሕግዘና ንየሆዋ ኣዝየ አመስግኖ እየ።”

13 ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ እትነብር ሓብቲ ዘጋጠማ ተመክሮ እውን ከም ኣብነት ንርአ። ንሳ ኸምዚ ኢላ ጸሓፈት፦ “ዜድልየና ዘበለ ብግዜኡ ወትሩ ስለ እትምግቡና ኸመስግነኩም እፈቱ። መብዛሕትኡ ግዜ፡ እቲ ዘንብቦ ጽሑፍ ንዓይ ተባሂሉ ኸም እተጻሕፈ ዀይኑ እዩ ዚስምዓኒ። ንሓያሎ ዓመታት፡ ምስቲ የሆዋ ንዚጸልኦ ነገር ዝነበረኒ ሓያል ትምኒት ክቃለስ ጸኒሐ እየ። ሓድሓደ ግዜ፡ ተሓሊለ ኢደይ ብምሃብ ቃልሰይ ከቋርጽ እደሊ። የሆዋ መሓርን ይቕረ በሃልን ከም ዝዀነ እፈልጥ እኳ እንተ ዀንኩ፡ እዚ ሕማቕ ትምኒት እዚ ስለ ዘሎንን ብውሽጠይ ስለ ዘይጸልኦን፡ ሓገዙ ኽረክብ ከም ዘይበቅዕ ኰይኑ እዩ ዚስምዓኒ። እዚ ቐጻሊ ቓልሲ እዚ ድማ ንዅሉ ህይወተይ ጸልይዎ እዩ። . . . ነታ ኣብ ናይ 15 መጋቢት 2013 ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸት፡ ‘“ንየሆዋ ዚፈልጥ ልቢ” ድዩ ዘሎካ፧’ ዘርእስታ ዓንቀጽ ምስ ኣንበብኩ፡ የሆዋ ብሓቂ ኺሕግዘኒ ኸም ዚደሊ ተሰምዓኒ።”

14. (ሀ) ጳውሎስ ብዛዕባ እቲ ዚገብሮ ዝነበረ ቓልሲ እንታይ ተሰሚዕዎ፧ (ለ) ምስ ስጋዊ ድኽመትና ኣብ እንገብሮ ቓልሲ ኽንዕወት እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

14 ሮሜ 7:21-25 ኣንብብ። ጳውሎስ ምስ ትምኒትን ድኽመትን ሓጥእ ስጋና ምቅላስ ክሳዕ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ ባዕሉ ተመኪርዎ እዩ። ይኹን እምበር፡ ብጸሎት ኣብ የሆዋ ብምውካልን ኣብ መስዋእታዊ በጃ የሱስ እምነት ብምሕዳርን ነቲ ዝነበሮ ውሽጣዊ ቓልሲ ኼሰንፎ ኸም ዚኽእል ምሉእ ምትእምማን ነይርዎ እዩ። ንሕና እውን ኣብቲ ምስ ስጋዊ ድኽመትና እንገብሮ ቓልሲ ኽንዕወት ንኽእል ኢና። ብኸመይ፧ ከም ጳውሎስ ኣብ ርእስና ዘይኰነስ፡ ኣብ የሆዋ ምሉእ ብምሉእ ብምውካልን ኣብ በጃ የሱስ ብምእማንን እዩ።

15. ጸሎት ክንጸንዕን ፈተናታት ክንጻወርን ኪሕግዘና ዚኽእል ስለምንታይ እዩ፧

15 ሓድሓደ ግዜ፡ ኣምላኽ ብዛዕባ ሓደ ዜተሓሳስበና ነገር ክሳዕ ክንደይ ከም እንጭነቕ ከነርኢ ይደልየና እዩ። ንኣብነት፡ ንሕና (ወይ ኣባል ስድራ ቤትና) ኸቢድ ሕማም ምስ እንሓምም ወይ ዘይፍትሓዊ ነገራት ምስ ዜጋጥመና እንታይ ኢና እንገብር፧ ንየሆዋ እሙናት ክንከውንን ሓጐስና ኸይነጥፍእን መንፈሳዊ ሚዛንና ኽንሕሉን ዜኽእለና ብርታዐ ኺህበና ብጸሎት ብምልማን ምሉእ ብምሉእ ብእኡ ኸም እንእመን ነርኢ ኢና። (ፊል. 4:13) ብግዜ ጳውሎስን ብግዜናን ካብ ዘጋጠመ ሓያሎ ተመክሮታት ከም እተራእየ፡ ጸሎት ንሓይልና ኺሕድሶ፡ ብቐጻሊ ኽንጸንዕ ዜኽእለና ምትእምማን ምእንቲ ኽንረክብ ድማ ኪሕግዘና ይኽእል እዩ።

በረኸት የሆዋ ንምርካብ ወትሩ ተቓለስ

16, 17. ኣብ ቃልስኻ እንታይ ክትገብር ኢኻ ቘሪጽካ ዘለኻ፧

16 ድያብሎስ ተሓሊልካ ኢድካ ኽትህብ እዩ ዚደልየካ። እምበኣር፡ ‘ነቲ ሰናይ ኣጽኒዕካ ሓዞ።’ (1 ተሰ. 5:21) ኣብቲ ምስ ሰይጣንን ምስታ እክይቲ ዓለሙን ምስ ሓጥእ ዝንባለታትካን እትገብሮ ቓልሲ ኽትዕወት ትኽእል ኢኻ። እወ፡ ኣምላኽ ኬበርትዓካ ኸም ዚኽእል ምሉእ ብምሉእ ምስ እትተኣማመን፡ ክትዕወት ኢኻ።—2 ቈረ. 4:7-9፣ ገላ. 6:9

17 ስለዚ፡ ቃልስኻ ኣይተቋርጽ። ኣበርቲዕካ ተቓለስ። ወትሩ መክት። ጽናዕ። የሆዋ ‘ሓንቲ እኳ ኽሳዕ ዘይጐድለካ በረኸት ከም ዜፍስሰልካ’ ድማ ምሉእ ብምሉእ ተኣማመን።—ሚል. 3:10