ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ቅድሚ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ነቲ ብስራት ምምጓት

ኣብ ቅድሚ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ነቲ ብስራት ምምጓት

‘እዚ ሰብኣይ እዚ ኣብ ቅድሚ ኣህዛብን ነገስታትን ስመይ ኪጸውር፡ ንዓይ ሕሩይ ኣቕሓ እዩ።’ (ግብ. 9:15) ጐይታና የሱስ ከምዚ ዝበለ፡ ብዛዕባ እቲ ክርስትያን ካብ ዚኸውን ነዊሕ ዘይገበረ ኣይሁዳዊ ሰብኣይ እዩ፣ እቲ ሰብኣይ እቲ ኸኣ፡ ሃዋርያ ጳውሎስ እዩ ነይሩ።

ሓደ ኻብቶም “ነገስታት፡” ኔሮ እቲ ሃጸይ ሮሜ እዩ ነይሩ። ኣብ ቅድሚ ኸምዚ ዝበለ ገዛኢ ንእምነትካ ኽትማጐተላ ኣጋጣሚ እንተ ትረክብ ከመይ ምተሰምዓካ፧ ክርስትያናት ንጳውሎስ ኪመስልዎ ምትብባዕ ተዋሂብዎም ኣሎ። (1 ቈረ. 11:1) እቲ ጳውሎስ ኣብ ግዜኡ ንዝነበረ ሕጊ እተጠቕመሉ መገዲ፡ ኣብነት ይዀነና እዩ።

ኣብ ምድሪ እስራኤል ዝነበሩ እስራኤላውያን ብሕጊ ሙሴ ይመሓደሩ ነበሩ፣ ኣብ ኵሉ ኸባቢ ዝነበሩ ቐናኣት ኣይሁዳውያን እውን ብእኡ ይምርሑ ነበሩ። ካብ ጰንጠቈስጠ 33 ድ.ክ. ኣትሒዙ ግና ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ ንሕጊ ሙሴ ኺሕልዉ ኣይግደዱን እዮም ነይሮም። (ግብ. 15:28, 29፣ ገላ. 4:9-11) ይኹን እምበር፡ ጳውሎስ ኰነ ኻልኦት ክርስትያናት ነቲ ሕጊ ኣየነኣኣስዎን፣ እዚ ድማ ንሓያሎ ማሕበረሰብ ኣይሁድ ብዘይ ገለ ጸገም ኪምስክሩሎም ኣኽኢልዎም እዩ። (1 ቈረ. 9:20) ጳውሎስ ብዙሕ ሳዕ ናብ ምኵራባት ይኣቱ፡ ኣብኡ ኸኣ ነቶም ብዛዕባ ኣምላኽ ኣብርሃም ዚፈልጡን ነቶም ብቕዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ኼዘራርቦም ዚኽእልን ሰባት ይምስክረሎም ነበረ።—ግብ. 9:19, 20፣ 13:5, 14-16፣ 14:1፣ 17:1, 2

እቶም ሃዋርያት፡ ንየሩሳሌም ዕዮ ስብከት ዚመርሑሉ ቐንዲ ማእከል ክትከውን ሓርዮምዋ ነበሩ። ኣብ ቤተ መቕደስ ኣዘውቲሮም ይምህሩ ነበሩ። (ግብ. 1:4፣ 2:46፣ 5:20) ሓደ እዋን፡ ጳውሎስ ናብ የሩሳሌም ምስ ከደ፡ ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ኣተወ። በዚ ኸምዚ ድማ እቲ ኣብ መወዳእታኡ ናብ ሮሜ ኸም ዚውሰድ ዝገበሮ ሕጋዊ መስርሕ ጀመረ።

ጳውሎስን ሕጊ ሮሜን

ሰበ ስልጣን ሮሜ ብዛዕባ እቲ ጳውሎስ ዚሰብኮ ዝነበረ እምነት እንታይ ዓይነት ኣረኣእያ እዩ ነይርዎም፧ መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ ንምርካብ፡ ሮማውያን ንሃይማኖታት ብሓፈሻ ብዛዕባ ዝነበሮም ኣረኣእያ ኽንፈልጥ ኣሎና። እቶም ኣብ ሃጸያዊ ግዝኣቶም ዝነበሩ ህዝቢ ሃይማኖቶም ምስ ሃገር ወይ ምስ ስነ ምግባር ዚጻባእ እንተ ዘይኰይኑ፡ ዝደለይዎ ኺስዕቡ ይኽእሉ ነይሮም እዮም።

ሮሜ ነቶም ኣብ ግዝኣታ ዝነበሩ ኣይሁድ፡ ሰፊሕ መሰል ሂባቶም ነይራ እያ። ባክግራውንድስ ኦቭ አርሊ ክርስችያንቲ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ “ኣይሁድነት ኣብ ሃጸያዊት ግዝኣት ሮሜ ፍሉይ መሰላት ረኺቡ ነይሩ እዩ። . . . ኣይሁድ ሃይማኖቶም ኬካይዱ ናጽነት ነበሮም፣ ኣማልኽቲ መንግስቲ ሮሜ ኼምልኹ ድማ ኣይግደዱን እዮም ነይሮም። ንማሕበረሰቦም ብናይ ገዛእ ርእሶም ሕጊ እናኣመሓደሩ ኺነብሩ እውን ይኽእሉ ነይሮም እዮም” በለት። ብዘይካዚ፡ ኣይሁድ ኣብ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ኪካፈሉ ኣይግደዱን እዮም ነይሮም። * ጳውሎስ ኣብ ቅድሚ ሰበ ስልጣን ሮሜ ንክርስትና ኺማጐተሉ ኸሎ፡ ነቲ ሕጊ ሮሜ ንእምነት ኣይሁድ ገይሩሉ ዝነበረ ዕቝባ ኺጥቀመሉ ኣጋጣሚ ነበሮ።

ተጻረርቲ ጳውሎስ፡ ንህዝብን ንሰበ ስልጣናትን ኣንጻር ጳውሎስ ንምልዕዓል እተፈላለየ መገድታት ፈቲኖም እዮም። (ግብ. 13:50፣ 14:2, 19፣ 18:12, 13) ብዛዕባ ሓደ ፍጻመ እስከ ንርአ። ኣብ ጉባኤ የሩሳሌም ዝነበሩ ክርስትያን ሽማግለታት፡ ጳውሎስ “ምስ ሙሴ ዚጻረር ክሕደት” ይምህር ከም ዘሎ ዚገልጽ ወረ ኣብ መንጎ ኣይሁድ ከም እተወርየ ሰምዑ። እዚ ወረ እዚ፡ ኣይሁድ ክርስትያናት፡ ጳውሎስ ንስርዓታት ኣምላኽ ከም ዘየኽብር ገይሮም ከም ዚሓስቡ ኺገብሮም ይኽእል ነይሩ እዩ። ኣባላት ዋዕላ ኣይሁድ እውን፡ ክርስትና ኻብ ኣይሁድነት ዝወጸ ኽሕደት ከም ዝዀነ ገይሮም ኪእውጁ ይኽእሉ ነይሮም እዮም። ከምኡ እንተ ገይሮም ከኣ፡ ምስ ክርስትያናት ዚሓብሩ ኣይሁድ ኪቕጽዑ ይኽእሉ ነይሮም። ማሕበረሰብ ኬግልሎም ይኽእል ነይሩ፣ ኣብ ቤተ መቕደስ ኰነ ኣብ ምኵራባት ከይሰብኩ እውን ኪኽልከሉ ይኽእሉ ነይሮም። ስለዚ፡ ሽማግለታት ጉባኤ ንጳውሎስ፡ ናብ ቤተ መቕደስ ከይዱ፡ ኪገብሮ ግዴታ ዘይብሉ ነገር ብምግባር እቲ ዚውረ ዝነበረ ወረ ሓሶት ምዃኑ ኼርኢ መኸርዎ።—ግብ. 21:18-27

ጳውሎስ ከምቲ እተባህሎ ብምግባሩ ኸኣ፡ ‘ነቲ ብስራት ኪማጐተሉን ብሕጊ ኺስርቶን’ ኣጋጣሚ ረኺቡ እዩ። (ፊል. 1:7) ኣብ ቤተ መቕደስ፡ ኣይሁድ ናዕቢ ኣልዓሉ፡ ንጳውሎስ ድማ ኪቐትልዎ ደለዩ። ሓደ ሮማዊ ሓለቓ ሽሕ ከኣ ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ኣእተዎ። ጳውሎስ ድማ፡ ኪገርፍዎ ምስ በሉ፡ ሮማዊ ምዃኑ ገለጸ። በዚ ኸምዚ ድማ፡ ናብታ ሮማውያን ንይሁዳ ዜመሓድሩላ ዝነበሩ ኸተማ ቂሳርያ ተወስደ። ኣብኡ ኸኣ፡ ንሰበ ስልጣን ኪምስክር ዜኽእሎ ፍሉይ ኣጋጣሚ ረኸበ። እዚ ድማ፡ ነቶም ብዛዕባ ክርስትና ብዙሕ ኣፍልጦ ዘይነበሮም ሰባት ዝያዳ ኺፈልጡ መገዲ ኸፈተሎም።

ግብሪ ሃዋርያት ምዕራፍ 24፡ ጳውሎስ ኣብ ቅድሚ እቲ ብዛዕባ እምነት ክርስትና እተወሰነ ኣፍልጦ ዝነበሮ ፌሊክስ እቲ ሮማዊ ኣመሓዳሪ ይሁዳ ኸም ዝቐረበ ትገልጽ። ኣይሁድ ንጳውሎስ፡ ሕጊ ሮሜ እንተ ወሓደ ብሰለስተ መገዲ ኸም ዝጠሓሰ ኸሰስዎ። ኣብ መላእ ግዝኣት ሮሜ ንዝነበሩ ኣይሁድ ከም ዘናዓበ፡ መራሒ ኑፋቐ ኸም ዝዀነ፡ ነታ ኣብ ትሕቲ ዕቝባ ሮማውያን ዝነበረት ቤተ መቕደስ ኬርክስ ከም ዝፈተነ ገለጹ። (ግብ. 24:5, 6) እዚ ኽስታት እዚ፡ ብሞት ኬቕጽዖ ይኽእል ነይሩ እዩ።

ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት፡ ጳውሎስ ነዚ ኽስታት እዚ ብኸመይ ከም ዝሓዞ ምምርማሮም ጠቓሚ እዩ። ጳውሎስ ብህድኣትን ብኣኽብሮትን እዩ ተዛሪቡ። ብዛዕባ ሕግን ነብያትን ጠቒሱ እዩ፣ ‘ንኣምላኽ ኣቦታቱ’ ኼምልኽ መሰል ከም ዘለዎ ድማ ገሊጹ እዩ። እዚ መሰል እዚ፡ ኣይሁድ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሮሜ እተዋህቦም መሰል እዩ ነይሩ። (ግብ. 24:14) ጸኒሑ ድማ፡ ጳውሎስ ኣብ ቅድሚ እቲ ሹም ዝነበረ ጶርቅዮስ ፌስጦስን ኣብ ቅድሚ ንጉስ ሄሮድስ ኣግሪጳን ንእምነቱ ተማጐተላ።

ኣብ መወዳእታ፡ ጳውሎስ ብዘይ ኣድልዎ ምእንቲ ኺስማዕ ኢሉ፡ ናብቲ ኣብቲ ግዜ እቲ ዝለዓለ ስልጣን ዝነበሮ፡ ማለት “ናብ ቄሳር ይግባይ ኢለ ኣለኹ!” በለ።—ግብ. 25:11

ጳውሎስ ኣብ ቤት ፍርዲ ቄሳር ቈመ

ጸኒሑ ሓደ መልኣኽ ንጳውሎስ፡ “ኣብ ቅድሚ ቄሳር ደው ክትብል ኣሎካ” በሎ። (ግብ. 27:24) ኔሮ እቲ ሃጸይ ሮሜ ኺገዝእ ኣብ ዝጀመረሉ እዋን፡ ኵሉ ጕዳያት በይኑ ኸም ዘይፈርዶ ገሊጹ ነይሩ እዩ። ኣብተን ናይ መጀመርታ ሸሞንተ ዓመት ግዝኣቱ ድማ፡ ነዚ ሓላፍነት እዚ ንኻልኦት ሂብዎም ነበረ። ዘ ላይፍ ኤንድ ኢፒስልስ ኦቭ ሰይንት ፖል ዘርእስታ መጽሓፍ ከም ዝገለጸቶ፡ ኔሮ ዚፈርዶ ጕዳይ ኪቐርበሉ ኸሎ፡ ብዙሕ ተመክሮን ጽልዋን ምስ ዘለዎም ኣማኸርቱ ዀይኑ ኣብ ቤተ መንግስቱ ይፈርድ ከም ዝነበረ ትገልጽ።

ነቲ ጳውሎስ ዘቕረቦ ይግባይ ሰሚዑ ዝፈረደሉ ኔሮ ባዕሉ እንተ ዀይኑ ወይ ካልእ ሰብ ንጕዳይ ጳውሎስ ሰሚዑ ንኔሮ ጸብጻብ ሂቡ እንተ ዀይኑ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይገልጽን እዩ። ዝዀነ ዀይኑ ግና፡ ጳውሎስ ንኣምላኽ ኣይሁድ ዜምልኽ ምዃኑ ኸም ዝገለጸ፡ ንዅሎም ሰባት ከኣ ንመንግስቲ ግቡእ ኣኽብሮት ኪህቡ ኸም ዘተባብዐ ርዱእ እዩ። (ሮሜ 13:1-7፣ ቲቶ. 3:1, 2) ጳውሎስ ኣብ ቅድሚ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ነቲ ብስራት ንምምጓት ዝገበሮ ጻዕሪ ድማ ተዓዊቱሉ እዩ፣ ከመይሲ፡ ቤት ፍርዲ ቄሳር ናጻ ኣውጺእዎ እዩ።—ፊል. 2:24፣ ፊሞ. 22

ነቲ ብስራት ክንማጐተሉ እተዋህበና መዝነት

የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ንዓታቶምን ንኣህዛብን ንምስክር ምእንቲ ኪኸውን፡ ምእንታይ ኣብ ቅድሚ ሹማምንትን ነገስታትን ክትቀርቡ ኢኹም” ኢልዎም እዩ። (ማቴ. 10:18) በዚ መገዲ እዚ ንየሱስ ወኪልካ ምቕራብ ፍሉይ መሰል እዩ። ነቲ ብስራት ክንማጐተሉ ኣብ እንገብሮ ጻዕሪ ሕጋዊ ዓወታት ክንረክብ ንኽእል ኢና። ዘይፍጹማት ሰባት ዚውስንዎ ነገር ነቲ ብስራት ምሉእ ብምሉእ ‘ብሕጊ ኸም ዘይስርቶ’ ርዱእ እዩ። ካብ ግፍዕን ዘይፍትሓውነትን ነባሪ እፎይታ እተምጽኣልና መንግስቲ ኣምላኽ ጥራይ እያ።—መክ. 8:9፣ ኤር. 10:23

ይኹን እምበር፡ ሎሚ እውን ክርስትያናት ንእምነቶም ኪማጐቱላ ኸለዉ ስም የሆዋ ኪኸብር ይኽእል እዩ። እምበኣር፡ ንሕና እውን ከም ጳውሎስ ብህድኣትን ብኣኽብሮትን ብዜእምን መገድን ክንዛረብ ንጽዓር። የሱስ ንሰዓብቱ፡ “ከመይ ከም እትማጐቱ፡ ኣቐዲምኩም ከይትሓስቡ፡ ኣብ ልብኹም ኣንብርዎ፣ ከመይሲ፡ ኵሎም ተጻረርትኹም ብሓባር ኪቃወምዎ ወይ ኪከራኸርዎ ዘይክእሉ ኣፍን ጥበብን ክህበኩም እየ” ኢልዎም እዩ።—ሉቃ. 21:14, 15፣ 2 ጢሞ. 3:12፣ 1 ጴጥ. 3:15

ክርስትያናት ኣብ ቅድሚ ነገስታትን ሹማምንትን ካልኦት ሰበ ስልጣንን ንእምነቶም ኪማጐቱላ ኸለዉ፡ ነቶም ብኻልእ መገዲ መልእኽቲ ክርስትና ኺበጽሖም ዘይክእል ሰባት ኪምስሩሎም ኣጋጣሚ ይረኽቡ እዮም። ገሊኡ ኣብ ኣብያተ ፍርዲ ዝረኸብናዮ ዓወታት፡ ሕጊ ኸም ዚመሓየሽ ብምግባር፡ ንናይ ምዝራብን ምምላኽን ናጽነት ውሕስነት ሂቡ እዩ። ይኹን እምበር፡ ኣብ ኣብያተ ፍርዲ እንረኽቦ ውጽኢት ብዘየገድስ፡ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ፈተና ኼጋጥሞም ከሎ ዜርእይዎ ትብዓት ንኣምላኽ የሐጕሶ እዩ።

ንእምነትና ኽንማጐተላ ኸለና፡ ስም የሆዋ ይኸብር

^ ሕ.ጽ. 8 ጀምስ ፓርከስ ዝስሙ ጸሓፊ ኸምዚ ይብል፦ “ኣይሁድ . . . ናይ ርእሶም ሕጊ ኺስዕቡ መሰል ነይርዎም እዩ። ሮማውያን ነዚ መሰል እዚ ብምሃቦም ሓለፋ ኣይገበሩን፣ ከመይሲ፡ ንእተፈላለየ ኽፋል ሃጸያዊ ግዝኣቶም መሰል ርእሰ ምምሕዳር ይህቡ ነይሮም እዮም።”