ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣቱም መንእሰያት፡ እምነትኩም ኣደልድሉ

ኣቱም መንእሰያት፡ እምነትኩም ኣደልድሉ

“እምነት . . . ናይቲ ዘይርአ ነገር ግሁድ መርኣያ እያ።”—እብ. 11:1

መዝሙር፦ 41, 11

1, 2. ሎሚ ዘለዉ መንእሰያት እንታይ ጸቕጢ ይወርዶም ኣሎ፧ ነዚ ንምጽዋሩኸ እንታይ ኪገብሩ ይኽእሉ፧

ሓንቲ ኣብ ብሪጣንያ እትነብር ተምሃሪት ንሓንቲ መማህርታ ዝዀነት መንእሰይ ሓብቲ፡ “ብለባምክስ ኣብ ኣምላኽ ትኣምኒ” በለታ። ሓደ ኣብ ጀርመን ዚነብር ሓው ከኣ፡ “መምህራነይ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ዛንታ ፍጥረት ከም ጽውጽዋይ ገይርዎም እዮም ዚርእይዎ። ኵሎም ተምሃሮ ኣብ ፍልቀት ዚኣምኑ ኸኣ እዩ ዚመስሎም” ኢሉ ጸሓፈ። ኣብ ፈረንሳ እትነብር ሓንቲ መንእሰይ ሓብቲ ድማ፡ “ኣብ ቤት ትምህርትና ዘለዉ መምህራን፡ ሕጂ እውን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚኣምኑ ተምሃሮ ምህላዎም ብዙሕ እዩ ዜስደምሞም” ትብል።

2 መንእሰይ ኣገልጋሊ የሆዋ እንተ ዄንካ ወይ ብዛዕባኡ እትምሃር ዘለኻ መንእሰይ እንተ ዄንካ፡ ብፈጣሪ ኣብ ክንዲ እትኣምን፡ ነቲ ኸም ፍልቀት ዝኣመሰለ ህቡብ እምነታት ክትቅበሎ ጸቕጢ ይወርደካ ድዩ፧ ከምኡ የጋጥመካ እንተ ኣልዩ፡ ንእምነትካ ንምድልዳላን ጽንዕቲ ጌርካ ንምዕቃባን ክትወስዶ እትኽእል ስጕምትታት ኣሎ። ሓደ ስጕምቲ፡ ነቲ ኣምላኽ ዝሃበካ ናይ ምምዝዛን ክእለት ምጥቃም እዩ። ከመይሲ፡ ምምዝዛን “ክትሕልወካ” እያ። ካብቲ ንእምነትካ ኼጥፍእ ዚኽእል ፍልስፍናታት ዓለም እውን ከተዕቍበካ እያ።—ምሳሌ 2:10-12 ኣንብብ።

3. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ኢና ኽንምርምር፧

3 ናይ ሓቂ እምነት ኣብቲ ብዛዕባ ኣምላኽ ዘሎና ልክዕ ፍልጠት እተመስረተት እያ። (1 ጢሞ. 2:4) ስለዚ፡ ቃል ኣምላኽን ክርስትያናዊ ጽሑፋትናን ከተጽንዕ ከለኻ፡ ላዕለ ላዕሉ ኣንቢብካ ጥራይ ኣይትሕለፎ። ነቲ እተንብቦ ምእንቲ ‘ኸተስተውዕሎ፡’ ኣመዛዝን። (ማቴ. 13:23) ከምኡ ምስ እትገብር፡ ነቲ ኣምላኽ ፈጣሪ ምዃኑን መጽሓፍ ቅዱስ ቃሉ ምዃኑን ዘሎካ እምነት ዜደልድል ነገር ክትረክብ ኢኻ፣ ኣብዚ መዳይ እዚ እውን ኣኺሉ ዚተርፍ “ዜእምን መርትዖ” ኣሎና።—እብ. 11:1፡ እ.ጽ.።

ንእምነትካ ብኸመይ ተደልድላ፧

4. ኣብ ፍልቀት ምእማን ምስ ኣብ ፍጥረት ምእማን ዜመሳስሎ እንታይ ነገር ኣለዎ፧ እሞ ደኣ ኣብ ቅኑዕ መደምደምታ ንምብጻሕ እንታይ ክንገብር ኣሎና፧

4 ‘ፍልቀት ስነ ፍልጠታዊ ስለ ዝዀነ እኣምኖ እየ። ሓደ እኳ ርእይዎ ብዘይፈልጥ ኣምላኽ ከመይ ጌርካ ትኣምን፧’ ኢሎም ዚዛረቡ ሰባት ኣጋጢሞምኻዶ ይፈልጡ፧ ብዙሓት ከምዚ ዓይነት ኣረኣእያ ኣለዎም። ልክዕ እዩ፡ ዋላ ሓደ ኻባና ንኣምላኽ ዝረኣዮ ወይ ሓደ ነገር ኪፍጠር ከሎ ዝረኣየ የልቦን። (ዮሃ. 1:18) ዋላ ሓደ ሰብ እውን እንተ ዀነ፡ ተመራማሪ ስነ ፍልጠት ይኹን ኣይኹን ብዘየገድስ፡ ሓደ ዓይነት ህይወት ብመስርሕ ፍልቀት ናብ ካልእ ዓይነት ህይወት ኪምዕብል ዝረኣየ የልቦን። ንኣብነት፡ ለማሚ ናብ መጥበዊ እንስሳ ኪምዕብል ዝረኣየ ሓደ እኳ የልቦን። (እዮ. 38:1, 4) ስለዚ እምበኣር፡ ኵላትና ነቲ ኣብዚ መዳይ ዘሎ መርትዖ መርሚርና በቲ ናይ ምምዝዛን ክእለትና ተጠቒምና ኣብ ቅኑዕ መደምደምታ ኽንበጽሕ ይግባእ። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ብዛዕባ ፍጥረት መርትዖ ኬቕርብ ከሎ፡ “ብግብሩ ዚፍለጥ ዘይርአ ባህርዩ ዀነ ናይ ዘለኣለም ሓይሉን ኣምላኽነቱንሲ፡ ካብ ፍጥረት ዓለም ኣትሒዙ ብንጹር ይርአ እዩ፣ ስለዚ፡ ዜመኻንይዎ የብሎምን” ኢሉ እዩ።—ሮሜ 1:20

ምስ ሰባት ክትዛራረብ ከለኻ፡ ነቲ ንምርምር ዚሕግዝ ናውቲ ተጠቐመሉ (ሕጡብ ጽሑፍ 5 ርአ)

5. ከም ህዝቢ ኣምላኽ መጠን ንናይ ምስትውዓል ክእለትና ኽንጥቀመሉ ዜዕጥቐና እንታይ ናውቲ ተዳልዩልና ኣሎ፧

5 እታ ኣብዛ ኣብ ላዕሊ ዘላ ጥቕሲ “ዚፍለጥ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ቓል፡ ርኡይ ወይ ግሁድ ንዘይኰነ ነገር ምስትውዓል እያ እተመልክት። (እብ. 11:3) እምበኣር፡ ኣስተውዓልቲ ሰባት ብኣዒንቶምን ብኣእዛኖምን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብኣእምሮኦም እውን ይጥቀሙ እዮም። ውድብ የሆዋ ኸኣ ንዓና ዚሕግዝ ሓያሎ ኣጸቢቕካ ምርምር እተገብረሉ ናውቲ ኣዳልያ ኣላ። እዚ ድማ ንፈጣሪና ብኣዒንቲ እምነት ‘ክንርእዮ’ የኽእለና። (እብ. 11:27) ገለ ኻብዚ ናውቲ እዚ፡ እታ ዘ ዎንደርስ ኦቭ ክሪኤሽን ረቪል ጎድስ ግሎሪ ዘርእስታ ቪድዮ፡ ዎዝ ላይፍ ክሪኤትድ፧ ከምኡ ድማ ዘ ኦርጅን ኦቭ ላይፍ—ፋይቭ ኰስችንስ ዎርዝ ኣስኪንግ ዘርእስተን ብሮሹራት፡ ኢዝ ዘር ኤ ክሪኤተር ሁ ኬርስ ኣባውት ዩ፧ ዘርእስታ መጽሓፍ ኪጥቀሳ ይከኣላ። ኣብ መጽሔታትና እውን ጽቡቕ ትምህርቲ ንረክብ ኢና። ሕጂ ኣብ ኣምላኽ ምስ ዚኣምኑ ተመራመርቲ ስነ ፍልጠትን ካልኦትን እተገብረ ቓለ መጠይቓት ድማ ኣብ መጽሔት ንቕሑ! ይወጽእ እዩ። ዓምዲ “ተነዲፉ ድዩ፧” ኸኣ ኣብ ፍጥረት እንርእዮ ዜደንቕ ንድፊ ተጕልሕ እያ። ብዙሕ ግዜ፡ ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት ነዚ ዜደንቕ ንጥፈታት ኪቐድሕዎ ይጽዕሩ እዮም።

6. ነቲ ተዳልዩልና ዘሎ ናውቲ ምስ እንጥቀመሉ፡ እንታይ ረብሓታት ኢና እንረክብ፧ ንስኻኸ ብኸመይ ተጠቒምካ፧

6 ሓደ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዚነብር ወዲ 19 ዓመት ሓው ብዛዕባ እዘን ዝጠቐስናየን ክልተ ብሮሹራት፡ “እዚኣተን ብዙሕ እየን ጠቒመናኒ። ነዘን ብሮሹራት እዚአን ደጋጊመ ኣጽኒዐየን እየ” በለ። ኣብ ፈረንሳ እትነብር ሓንቲ ሓብቲ ድማ፡ “እታ፡ ‘ተነዲፉ ድዩ፧’ ዘርእስታ ዓምዲ ተደንቐኒ እያ! ብሉጻት መሃንድሳት ነቲ ኣብ ተፈጥሮ ዘሎ እተሓላለኸ ንድፊ ዚመስል ነገር ኪሰርሑ እኳ እንተ ኸኣሉ፡ ኪመዓራረይዎ ግና ከም ዘይክእሉ ትሕብር” ኢላ ጸሓፈት። ወለዲ ሓንቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ እትነብር ጓል 15 ዓመት ጐርዞ፡ “ጓልና መብዛሕትኡ ግዜ ኻብ መጽሔት ንቕሑ! ኣብ ፈለማ እተንብባ ነገር፡ ዓምዲ ‘ቓለ መጠይቕ’ እያ” በሉ። ንስኻኸ ነዚ መሰናድዎታት እዚ ኣጸቢቕካ ትጥቀመሉዶ ኣለኻ፧ እዚ ንእምነትካ ኸምታ ሰራውራ ኣዕሚቛ ዝሰደደት ኦም ኪገብራ ይኽእል እዩ። በዚ ኸምዚ፡ እምነትካ ነቲ ኸም ንፋሳት ናይ ሓሶት ትምህርትታት ዝበለ ጸቕጢ ኽትጻወር እያ።—ኤር. 17:5-8

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎካ እምነት

7. ኣምላኽ ንኣእምሮኻ ኽትጥቀመሉ ዚደልየካ ስለምንታይ እዩ፧

7 ብቕንዕና ተደሪኽና ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ሕቶታት ምሕታት ጌጋ ድዩ፧ ኣይኰነን! የሆዋ፡ ኣየናይ ሓቂ ምዃኑ መርሚርካ ምእንቲ ኽትፈልጥ፡ ‘ኣእምሮኻ’ ኽትጥቀም ይደልየካ እዩ። ካልኦት ስለ ዝኣመኑ ኢልካ ጥራይ ክትኣምን ኣይደልየካን እዩ። ስለዚ፡ ልክዕ ፍልጠት ንምርካብ፡ ንናይ ምምዝዛን ክእለትካ ተጠቐመሉ። እቲ ፍልጠት እቲ ኸኣ ድልዱል መሰረት ናይ ሓቂ እምነት ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ሮሜ 12:1, 2፣ 1 ጢሞቴዎስ 2:4 ኣንብብ።) ከምዚ ዝበለ ፍልጠት እትረኽበሉ ሓደ መገዲ፡ ብመደብ መጽናዕቲ ብምግባር እዩ።

8, 9. (ሀ) ገሊኦም እንታይ ዓይነት መደብ መጽናዕቲ እዩ ዘለዎም፧ (ለ) ገሊኦም ብዛዕባ እቲ ዘጽንዕዎ ብምስትንታን ብኸመይ ተጠቒሞም፧

8 ገሊኦም ብዛዕባ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ የጽንዑ እዮም፣ ወይ ከኣ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ዛንታታት ምስ ታሪኽን ስነ ጥንትን ስነ ፍልጠትን ብምንጽጻር ብዛዕባ ልክዕነቱ የጽንዑ እዮም። ንኣብነት፡ ኣብ ዘፍጥረት 3:15 ሓደ ማራኺ ትንቢት ኣሎ። እታ ፍቕዲ እቲኣ፡ ቀንዲ ፍረ ነገር መጽሓፍ ቅዱስ ሒዛ ኣላ፣ እዚ ድማ ልዑላውነት ኣምላኽ ቅኑዕ ምዃኑ ኸም ዚረጋገጽን ብመንግስቲ ኣምላኽ ኣቢሉ ስሙ ኸም ዚቕደስን እዩ። ኣብታ ሓንቲ ፍቕዲ እቲኣ ጥራይ፡ የሆዋ ንዅሉ እቲ ደቂ ሰብ ካብ ኤደን ኣትሒዙ ዝወረዶም መከራ ብኸመይ ከም ዚፈትሖ ብስእላዊ ቓላት ተገሊጹ ኣሎ። እሞ ደኣ ንዘፍጥረት 3:15 ብኸመይ ከተጽንዓ ትኽእል፧ ሓደ መገዲ፡ ሰሌዳ ግዜ ምድላው እዩ። ኣምላኽ ከመይ ገይሩ በብግዜኡ ብዛዕባ እዚ ንሰባት ከም ዝገለጸሎምን እቲ ትንቢት መዓስ ከም እተፈጸመን ዚሕብር ቀንዲ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብኡ ዘርዝር። ኣብ መንጎ እቲ ጥቕስታት ዘሎ ስኒት ምስ ረኣኻ፡ ነብያትን ጸሓፍት መጽሓፍ ቅዱስን “ብመንፈስ ቅዱስ ተደሪኾም” ከም ዝጸሓፉ ኽትድምድም ኢኻ።—2 ጴጥ. 1:21

9 ኣብ ጀርመን ዚነብር ሓደ ሓው፡ ኵሉ መጻሕፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ብዝርዝር ዚገልጽ ሓሳባት ከም ዘለዎ ድሕሪ ምግላጹ፡ “ንመጽሓፍ ቅዱስ 40 ሰባት እኳ እንተ ጸሓፍዎ፡ ስኒት ኣለዎ። መብዛሕትኦም ድማ ኣብ እተፈላለየ ግዜ እዮም ዚነብሩ ነይሮም፣ ንሓድሕዶም እውን ብኣካል ኣይፋለጡን እዮም ነይሮም” ኢሉ ጸሓፈ። ሓንቲ ኣብ ኣውስትራልያ እትነብር ሓብቲ ኸኣ፡ በታ ኣብ ናይ 15 ታሕሳስ 2013 ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸት ትርጉም ፋስጋ እትገልጽ ዓንቀጽ መጽናዕቲ ልባ ተተንከየት። እቲ ፍሉይ በዓል እቲ ምስ ዘፍጥረት 3:15ን ምስ ምምጻእ እቲ መሲሕን ኣጸቢቑ ይተኣሳሰር እዩ። ስለዚ፡ እታ ሓብቲ፡ “እቲ መጽናዕቲ፡ የሆዋ ኽሳዕ ክንደይ ዜደንቕ ምዃኑ እዩ ኣዒንተይ ከፊቱለይ። እቲ ንእስራኤላውያን እተዋህበ መሰናድዎ፡ ኣብ የሱስ ምፍጻሙ ብሓቂ እዩ መሲጡኒ። እቲ ትንቢታዊ ድራር ፋስጋ ኽሳዕ ክንደይ ዜደንቕ ምዃኑ ሓንሳእ ደው ኢለ ኸስተንትን ነይሩኒ!” ኢላ ጸሓፈት። ስለምንታይ እዩ ነታ ሓብቲ ኸምኡ እተሰምዓ፧ ብዛዕባ እቲ ዘንበበቶ ኣዕሚቛ ሓሲባ፡ ነቲ ዘንበበቶ እውን ‘ኣስተውዒላቶ’ እያ። እዚ ኸኣ ንእምነታ ኣደልዲልዎን ብዝያዳ ናብ የሆዋ ኣቕሪብዋን እዩ።—ማቴ. 13:23

10. ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ጽሑፋቶም ዘርኣይዎ ቕንዕና ንእምነትና ዜደልድሎ ብኸመይ እዩ፧

10 እቶም ንመጽሓፍ ቅዱስ ዝጸሓፉ ሰባት ተባዓትን ቅኑዓትን ምንባሮም እውን ንእምነትና የደልድሎ እዩ። ብዙሓት ጥንታውያን ጸሓፍቲ ንመራሕቶም ይሽሕጡን ንመንግስትታቶም የመጕሱን ነይሮም እዮም። ነብያት የሆዋ ግና ወትሩ ሓቂ እዮም ዚዛረቡ ነይሮም። ጕድለታት ህዝቦምን ነገስታቶምን ካብ ምሕባር ድሕር ኣይበሉን። (2 ዜና 16:9, 10፣ 24:18-22) ጕድለታት ገዛእ ርእሶምን ጕድለታት ካልኦት ገላዉ ኣምላኽን እውን ብንጹር ገሊጾም እዮም። (2 ሳሙ. 12:1-14፣ ማር. 14:50) ሓደ ኣብ ብሪጣንያ ዚነብር መንእሰይ ሓው፡ “ከምዚ ዝበለ ቕንዕና ሳሕቲ እዩ ዚርከብ። እዚ ኸኣ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ ኻብ የሆዋ ምዃኑ እምንቶ ኸም እነሕድር ይገብረና” በለ።

11. መንእሰያት ብዛዕባ እቲ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ዘለዎ ጥቕሚ ብኸመይ ግንዛበኦም ኬስፍሑ ይኽእሉ፧

11 ብዙሓት ሰባት ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ስርዓታት ምስ ረኣዩ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ ከም እተጻሕፈ ኣሚኖም እዮም። (መዝሙር 19:7-11 ኣንብብ።) ንኣብነት፡ ኣብ ጃፓን እትነብር ሓንቲ መንእሰይ ሓብቲ፡ “ንትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ብስድራ ቤት ኣብ ግብሪ ምስ ኣውዓልናዮ፡ ናይ ብሓቂ ሕጉሳት ኢና ዄንና። ሰላምን ሓድነትን ፍቕርን ረኺብና” ኢላ ጸሓፈት። ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ካብቲ ንብዙሓት ሰባት ባሮት ዝገበረ ናይ ሓሶት ኣምልኾን ማሪታዊ እምነትን ሓራ ይገብረና እዩ። (መዝ. 115:3-8) በቲ ሓደ ሸነኽ ድማ፡ ኣምላኽ የልቦን ዚብሉ ኣለዉ፣ እሞኸ ኣብዚ እተመስረተ ፍልስፍናታት ንሰባት ይጸልዎም ድዩ፧ ትምህርቲ ፍልቀት ንተፈጥሮ ኸም ኣምላኽ እዩ ዚገብሮ፣ ከም ናይ የሆዋ ዓይነት ሓይሊ ኸም ዘለዎ ገይሩ እውን እዩ ዚገልጾ። እቶም ኣምላኽ የልቦን ዚብሉ ሰባት፡ መጻኢና ምሉእ ብምሉእ ኣብ ኢድና ኸም ዘሎ እዮም ዚኣምኑ። ዝሓሸ መጻኢ ኸም ዚህሉ ግና፡ ርግጽ ተስፋ ኣይህቡን እዮም።—መዝ. 146:3, 4

ንሰባት ምዝርራብ

12, 13. ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ መማህርትኻ ወይ ምስ መምህራንካ ወይ ምስ ካልኦት ብኸመይ እንተ ተዛራረብካ ይሓይሽ፧

12 ከመይ ጌርካ ኢኻ ንሰባት ብዛዕባ ፍጥረትን ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስን ብውጽኢታዊ መገዲ ኸተዘራርቦም እትኽእል፧ ቀዳማይ፡ ‘ካልኦት ከምዚእዮም ዚኣምኑ’ ኢልካ ቐልጢፍካ ኣይትደምድም። ገሊኦም ሰባት ኣብ ፍልቀት ከም ዚኣምኑ ይዛረቡ እዮም፣ ግናኸ፡ ኣምላኽ ከም ዘሎ እውን ይኣምኑ እዮም። ኣምላኽ ብመስርሕ ፍልቀት ገይሩ በብዓይነቱ ህይወት ከም ዝፈጠረ ይኣምኑ እዮም። ገሊኦም ድማ ‘ትምህርቲ ፍልቀት ጭቡጥ ሓቂ እንተ ዘይከውን፡ ኣብ ስርዓተ ትምህርቲ ኣይምኣተወን’ ኢሎም እዮም ዚኣምኑ። ገሊኦም ከኣ ብሃይማኖት ተስፋ ስለ ዝቘረጹ፡ ኣብ ኣምላኽ ምእማን ሓዲጎምዎ እዮም። ስለዚ፡ ምስ ሰብ ብዛዕባ መበቈል ህይወት ክትመያየጥ ከለኻ፡ ፈለማ ሕቶታት እንተ ሓተትካ ይሓይሽ። እቲ ሰብ እቲ እንታይ ከም ዚኣምን ፍለጥ። ሚዛናዊ እንተ ዄንካ፡ ዘረባኡ ድማ እንተ ሰሚዕካዮ፡ ንሱ እውን ኪሰምዓካ እዩ።—ቲቶ. 3:2፡ እ.ጽ.።

13 ሓደ ሰብ ነቲ ኣብ ፍጥረት ዘሎካ እምነት ይነቕፎ ዘሎ ዀይኑ እንተ ተሰሚዑካ፡ ንስኻ ኽትገልጸሉ ኣብ ክንዲ እትጽዕር፡ ብሜላ ሕቶታት ክትሓትቶ ትኽእል ኢኻ። ህይወት ብዘይ ፈጣሪ ኸመይ ኢሉ ኸም ዝጀመረ ኺገልጽ ሕተቶ። እቲ ፈለማ ዝነበረ ህይወት ምእንቲ ኪቕጽል፡ ኪፋረ የድልዮ ነይሩ እዩ። ሓደ ፕሮፌሰር ስነ ቐመም፡ ገለ ኻብቲ ኣብዚ መዳይ እዚ ዜድሊ ነገራት፡ (1) መከላኸሊ ዚኸውን መምብራና ወይ ሽፋን፡ (2) ጸዓት ናይ ምርካብን ናይ ምምስራሕን ክእለት፡ (3) ኣብ ጂን ዚቕመጥ ሓበሬታ፡ (4) ነዚ ሓበሬታ እዚ ናይ ምቕዳሕ ክእለት ዘርዚሩ ኣሎ። ኣስዕብ ኣቢሉ፡ “እቲ ዝነኣሰ ዚብሃል ህይወት እውን እንተ ዀነ፡ ኣዝዩ እተሓላለኸ ምዃኑ ዜደንቕ እዩ” በለ።

14. ብዛዕባ ፍልቀት ወይ ፍጥረት ክትመያየጥ ዚኸብደካ ዀይኑ እንተ ተሰሚዑካ፡ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

14 ብዛዕባ ፍልቀት ወይ ፍጥረት ክትመያየጥ ዚኸብደካ ዀይኑ እንተ ተሰሚዑካ፡ በቲ ጳውሎስ እተጠቕመሉ መሰረታዊ ሓሳብ ጌርካ ንሰብ ከተዛራርብ ትኽእል ኢኻ። ንሱ፡ “ቤት ዘበለትሲ ሰራሒኣ ኣለዋ፣ እቲ ንዅሉ ዝሰርሐ ግና ኣምላኽ እዩ” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ። (እብ. 3:4) እዚ ሓሳብ እዚ ንሰባት ብቐሊሉ ዚውሓጠሎምን ውጽኢታውን እዩ። እወ፡ ብዘይ ዜስተውዕል ኣእምሮ፡ እተሓላለኸ ንድፍታት ኪህሉ ኣይክእልን እዩ። ኣብ ርእሲ እዚ፡ ጽሑፋትና እውን ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ። ሓንቲ ሓብቲ ንሓደ ኣብ ኣምላኽ ዘይኰነስ፡ ኣብ ፍልቀት ዚኣምን መንእሰይ፡ ነተን ኣቐዲመን እተጠቕሳ ብሮሹራት ሃበቶ። ድሕሪ ሓደ ሰሙን ኣቢሉ እቲ መንእሰይ፡ “ሕጂ ኣብ ኣምላኽ እኣምን እየ” በላ። ድሕሪዚ ኸኣ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጀመረ፣ ሓውና እውን ኰነ።

15, 16. ኣብቲ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ እትገብሮ ምይይጥ እንታይ ምትዕርራያት ክትገብር ትኽእል፧ ሸቶኻኸ እንታይ ኪኸውን ኣለዎ፧

15 ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ጥርጣረ ንዘለዎ ሰብ ከተዛራረብ ከለኻ፡ ተመሳሳሊ መሰረታዊ ስርዓታት ክጥቀም ትኽእል ኢኻ። ፈለማ፡ እንታይ ከም ዚኣምንን እንታይ ርእሰ ነገራት ከም ዜገድሶን ፍለጥ። (ምሳ. 18:13) ብስነ ፍልጠት ዚግደስ እንተ ዀይኑ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ስነ ፍልጠት ከም ዚሰማማዕ ምንጋርካ ኺምስጦ ይኽእል እዩ። ገሊኦም ሰባት ከኣ፡ በቲ መጽሓፍ ቅዱስ ልክዕ ትንቢታትን ልክዕ ታሪኽን ሒዙ ኸም ዘሎ ዚገልጽ ኣብነታት ልቦም ይትንከ እዩ። ገሊኦም ሰባት ድማ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ንህይወቶም መምርሒ ዚኸውን ስርዓታት ምስ ረኣዩ፡ ንኣብነት ነቲ ኣብ ከረን እተዋህበ ስብከት ምስ ኣንበብዎ፡ ውሽጦም ይትንከ እዩ።

16 ሸቶኻ ልቢ ንምትንካይ ደኣ እምበር፡ ኣብ ክርክር ንምርታዕ ከም ዘይኰነ ኣይትረስዕ። ስለዚ፡ ጽን ኢልካ ስማዕ። ብቕንዕና ሕቶታት ሕተት። ምናዳ ምስ ዓበይቲ ኽትዛራረብ ከለኻ ድማ፡ ብልእመትን ብኣኽብሮትን ተዛረብ። ከምኡ ምስ እትገብር፡ ንኣረኣእያኻ ዝያዳ ኣኽብሮት ኪህልዎም ይኽእል እዩ። ነቲ መሰረታዊ እምነታትካ ብዙሕ ከም ዝሓሰብካሉ እውን ኪግንዘቡ እዮም። ብዙሓት መንእሰያት ከምኡ ኣይገብሩን እዮም። በቲ ሓደ ሸነኽ ግና፡ ነቶም ክትዕ ዚፈትዉ ወይ ብእምነትካ ኼላግጹልካ ዚደልዩ ኽትምልሰሎም ከም ዘይትግደድ ኣይትረስዕ።—ምሳ. 26:4

ንሓቂ ኣጥርያ

17, 18. (ሀ) ንሓቂ ምእንቲ ኸተጥርያ፡ እንታይ ኪሕግዘካ ይኽእል፧ (ለ) ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ ነየነይቲ ሕቶ እዩ ምላሽ ዚውሃበላ፧

17 ብመሰረታዊ ፍልጠት መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ ድልዱል እምነት ኪጥረ ኣይከኣልን እዩ። ስለዚ፡ ንሕቡእ መዛግብቲ ኸም እትደሊ ጌርካ ኣብ ቃል ኣምላኽ ኣዕሚቝካ ዅዓት። (ምሳ. 2:3-6) ነቲ ንምርምር ዚሕግዝ ናውቲ ተጠቐመሉ፣ ንኣብነት፡ ዎችታወር ላይብረሪ ኣብ ዲቪዲ፡ ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ፡ ወይ መሐበሪ ምርምር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ። ንብምሉኡ መጽሓፍ ቅዱስ ንምንባብ እውን ሸቶ ግበር። ኣብ ሓደ ዓመት ክትውድኦ ፈትን። ቃል ኣምላኽ ከም ምንባብ ገይሩ ንእምነትና ዜደልድሎ ኻልእ የልቦን። ሓደ ሓላው ወረዳ ብዛዕባ ግዜ ንእስነቱ ዘለዎ ተዘክሮ ኺገልጽ ከሎ፡ “መጽሓፍ ቅዱስ ቃል ኣምላኽ ምዃኑ ኽግንዘብ ዝሓገዘኒ ሓደ ነገር፡ ንብምሉኡ ምንባበይ እዩ። ከምኡ ምስ ገበርኩ፡ ነቲ ንእሽቶ ኸለኹ ዝፈልጦ ዝነበርኩ ዛንታታት መጽሓፍ ቅዱስ ክርድኦ ኽኢለ። እዚ ኣብ መንፈሳዊ ዕቤተይ መቐይሮ እዩ ነይሩ” በለ።

18 ኣቱም ወለዲ፡ ኣብ መንፈሳዊ ዕቤት ውሉዳትኩም ዓብዪ ግደ ኣሎኩም። እሞ ደኣ ውሉዳትኩም ድልድልቲ እምነት ምእንቲ ኺሃንጹ፡ ከመይ ጌርኩም ክትሕግዝዎም ትኽእሉ፧ እዚ ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ ኪግለጽ እዩ።