ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

‘ኣእዳውካ ኣይተሓለላ’

‘ኣእዳውካ ኣይተሓለላ’

“ኣእዳውኪ ኣይተሓለላ።”—ጸፎ. 3:16

መዝሙር፦ 54, 32

1, 2. (ሀ) ሎሚ ሓያሎ ሰባት እንታይ ጸገማት እዩ ዜጋጥሞም ዘሎ፧ ውጽኢቱኸ እንታይ እዩ፧ (ለ) ኣብ ኢሳይያስ 41:10, 13 እንታይ ርግጽ ተስፋ እዩ ተዋሂቡና ዘሎ፧

ሓንቲ ስርዕቲ ፈላሚት ዝዀነት እሞ ንሓደ ሽማግለ ድማ እተመርዓወት ሓብቲ፡ “ጽቡቕ መንፈሳዊ ልማድ እኳ እንተ ኣሎኒ፡ ንሓያሎ ዓመታት ምስ ጭንቀት ክቃለስ ጸኒሐ እየ። ብሰንኩ ድቃስ ይኣብየኒ፡ ጥዕናይ ይትንከፍ፡ ምስ ካልኦት ዘሎኒ ርክብ ድማ ይበላሾ እዩ፣ አረ ሓድሓደ ግዜስ እሕለል እየ” በለት።

2 ንስምዒት እዛ ሓብቲ እዚኣ ኽትርድኦ ትኽእልዶ፧ እቲ ዜሕዝን፡ ኣብዛ ናይ ሰይጣን እክይቲ ዓለም፡ ናብራ ህይወት እዚ ዘይብሃል ጸቕጥታት እዩ ዚፈጥር፣ እዚ ኸኣ ጭንቀት ኬምጽእን ንሓደ ሰብ ከም ዚኸብዶ ኺገብርን ይኽእል እዩ። እዚ ምስቲ ንጃልባ ንቕድሚት ከይትኸይድ ዚኽልክል መልህቕ ኪመሳሰል ይኽእል እዩ። (ምሳ. 12:25) እሞኸ፡ ከምኡ ኸም ዚስምዓካ ኺገብር ዚኽእል እንታይ እዩ፧ ንኣብነት፡ ብሞት እተፍቅሮ ሰብካ ሓዚንካ፡ ብኸቢድ ሕማም ትሳቐ፡ ኣብዚ ብቝጠባዊ ዅነታት ከቢዱ ዘሎ እዋን ንስድራ ቤትካ ዜድሊ ኽትምእርር ላዕልን ታሕትን ትብል ትህሉ ትኸውን፡ ወይ ከኣ ተቓውሞ የጋጥመካ ይህሉ ይኸውን። እቲ ብሰንኩ ዚመጽእ ስምዒታዊ ጸቕጢ ንሓይልኻ ይጽንቅቖ ይኸውን። ሕሉፍ ሓሊፉ እውን ሓጐስካ የጥፍኣልካ ይኸውን። ይኹን እምበር፡ ኣምላኽ ብየማነይቲ ኢዱ ኺረድኣካ ድሉው ምዃኑ ኽትተኣማመን ትኽእል ኢኻ።—ኢሳይያስ 41:10, 13 ኣንብብ።

3, 4. (ሀ) መጽሓፍ ቅዱስ ነታ “ኣእዳው” እትብል ቃል ብኸመይ እዩ ዚጥቀመላ፧ (ለ) ኣእዳውና ኸም ዚሕለላ ኺገብር ዚኽእል እንታይ እዩ፧

3 መጽሓፍ ቅዱስ ንእተፈላለየ ባህርያት ወይ ተግባራት ንምብራህ መብዛሕትኡ ግዜ ኣካላት ሰብ ይጥቀም እዩ። ንኣብነት፡ ኢድ ኣማእታት ግዜ ተጠቒሱ ኣሎ። ኣእዳው ሰብ ምብርታዕ ኪብሃል ከሎ፡ ሓደ ነገር ንኽትገብር ምትብባዕ፡ ምጽናዕ፡ ወይ ኣኽእሎ ምርካብ ኬመልክት ይኽእል እዩ። (1 ሳሙ. 23:16፡ እ.ጽ.፣ እዝ. 1:6፡ እ.ጽ.) ብዛዕባ ዚመጽእ ኣወንታውን ትስፉውን ኣረኣእያ ምሓዝ እውን ኬመልክት ይኽእል እዩ።

4 ምሕላል ኣእዳው ድማ፡ ሓድሓደ ግዜ ተስፋ ንዝቘረጸ ወይ ንዝጐሃየ ሰብ ንምምልካት ውዒሉ ኣሎ። (2 ዜና 15:7፡ እ.ጽ.፣ እብ. 12:12) ሓደ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ዘሎ ሰብ ኢዱ ኺህብ ልሙድ እዩ። ከም እትጭነቕ ወይ ከኣ ብኣካላዊ፡ ብስምዒታዊ፡ ወይ ብመንፈሳዊ መዳይ ከም እትጽቀጥ ዚገብረካ ዅነታት እንተ ኣጋጢሙካ፡ ዜድልየካ ምትብባዕ ክትረክብ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧ ክትጸንዕን ክትሕጐስን እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

“ኢድ የሆዋ ንምድሓን ሓጻር ኣይኰነትን”

5. (ሀ) ጸገማት ኪልዓል ከሎ እንታይ ኢና ኽንገብር እንኽእል፧ ንርእስናኸ እንታይ ኢና ኸነዘኻኽራ ዘሎና፧ (ለ) ብዛዕባ እንታይ ኢና ኽንመያየጥ፧

5 ጸፎንያስ 3:16, 17 ኣንብብ። እቲ ሓላዪ ዝዀነ ሰማያዊ ኣቦና የሆዋ፡ ኣእዳውና ኺሕለላ ብምፍቃድ ብፍርህን ተስፋ ምቝራጽን ኣብ ክንዲ እንምብርከኽ፡ ‘ንዅሉ ጭንቀትና ናብኡ ኽንድርብዮ’ ዓዲሙና ኣሎ። (1 ጴጥ. 5:7) ነቲ ኣምላኽ ንእስራኤላውያን፡ እታ ሓያል ኢዱ ንእሙናት ኣገልገልቱ ‘ንምድሓን ሓጻር ከም ዘይኰነት’ ዝሃቦም ሓሳብ ከነቕልበሉ ንኽእል ኢና። (ኢሳ. 59:1) የሆዋ፡ ህዝቡ ዜሐልል ዚመስል እተፈላለየ ጸገማት እኳ እንተ ኣጋጠሞም፡ ፍቓዱ ምእንቲ ኺገብሩ ኼበርትዖም ድሌትን ክእለትን ከም ዘለዎ ዚገልጽ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመዝገበ ሰለስተ ጕሉሕ ኣብነታት ክንምርምር ኢና። እዚ ኣብነታት እዚ ብኸመይ ከም ዚሃንጸካ ርአ።

6, 7. እስራኤላውያን ንኣማሌቃውያን ምስዓሮም፡ እንታይ ኣገዳሲ ትምህርቲ ይምህረና፧

6 እስራኤላውያን ካብ ባርነት ግብጺ ብተኣምራዊ መገዲ ሓራ ድሕሪ ምውጻኦም ነዊሕ ከይጸንሑ፡ ኣማሌቃውያን ኣጥቅዕዎም። እቲ ተባዕ ዝነበረ እያሱ፡ መምርሒ ሙሴ ብምስዓብ ንእስራኤላውያን ናብ ውግእ መርሖም። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ሙሴ ነቲ ዓውዲ ውግእ ምእንቲ ኺርእይዎ፡ ንኣሮንን ንሑርን ኣብ ጥቓኦም ናብ ዝነበረ ዅርባ ሒዝዎም ከደ። እዞም ሰለስተ ሰብኡት እዚኦም፡ ካብቲ ውግእ ብፍርሂ ይሃድሙ ድዮም ነይሮም፧ ኣይፋሎምን!

7 ሙሴ ነቲ እተዋህቦ ስልቲ ተግበሮ፣ እዚ ኸኣ ናብ ዓወት መርሖም። ንሱ ንኣእዳዉን ንበትሪ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽን ናብ ሰማይ ኣልዓለ። ሙሴ ኸምኡ ኺገብር ከሎ፡ የሆዋ ንኣእዳው እስራኤላውያን ኣኽእሎ ብምሃብ ንኣማሌቃውያን ከም ዚስዕርዎም ይገብር ነበረ። ኣእዳው ሙሴ ኺርብርባን ኪሕለላን ከለዋ ግና፡ ኣማሌቃውያን ይስዕሩ ነበሩ። ኣሮንን ሑርን ቈራጽ ስጕምቲ ብምውሳድ፡ “እምኒ ወሲዶም ኣብ ትሕቲኡ [ኣብ ትሕቲ ሙሴ] ኣንበሩ እሞ፡ ኣብኡ ተቐመጠ። ሽዑ፡ ኣሮንን ሑርን፡ ሓደ በዚ፡ ሓደ በቲ ዀይኖም፡ ንኣእዳዉ ደገፍወን፣ ጸሓይ ክሳዕ እትዓርብ ከኣ ኣእዳዉ ጸንዓ።” እወ፡ እታ ሓያል ኢድ ኣምላኽ ንእስራኤላውያን ኣብቲ ውግእ ኪስዕሩ ሓጊዛቶም እያ።—ዘጸ. 17:8-13

8. (ሀ) ኢትዮጵያውያን ንህዝቢ ይሁዳ ምስ ኣፈራርህዎም፡ ኣሳ እንታይ ገበረ፧ (ለ) ነቲ ኣሳ ኣብ ኣምላኽ እተወከለሉ መገዲ ብኸመይ ክንቀድሖ ንኽእል፧

8 የሆዋ ኣብ ግዜ ንጉስ ኣሳ እውን ኢዱ ሓጻር ከም ዘይኰነት ኣርእዩ እዩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ሓያሎ ውግኣት ተጠቒሱ ኣሎ። እቲ ኣንጻር ይሁዳ እተሰለፈ ዝዓበየ ሰራዊት ግና እቲ ብዜራሕ እቲ ኢትዮጵያዊ ዚምራሕ ዝነበረ ሰራዊት እዩ። ዜራሕ 1,000,000 ምኩራት ወተሃደራት ነበርዎ። ኢትዮጵያውያን ንሰራዊት ኣሳ ዳርጋ ብዕጽፊ ይበልጽዎም ነበሩ። ኣሳ ብቐሊሉ ኺጭነቕን ኪፈርህን ኣእዳዉ ሂቡ ኺሰዓርን ይኽእል ነይሩ እዩ። ይኹን እምበር፡ ሓገዝ ኪረክብ ብኡብኡ ናብ የሆዋ ቐረበ። ነቲ ዝነበረ ሰራዊት ኣብ ግምት ብምእታው ንኢትዮጵያውያን ክትስዕሮም ፈጺሙ ዘይከኣል ዚመስል እኳ እንተ ነበረ፡ “ብኣምላኽ ግና ኵሉ ይከኣል እዩ።” (ማቴ. 19:26) “ልቢ ኣሳ ብዅሉ ዘመኑ ምሉእ ብምሉእ ምስ የሆዋ” ስለ ዝነበረ፡ የሆዋ በቲ ዓብዪ ሓይሉ፡ ‘ነቶም ኢትዮጵያውያን ኣብ ቅድሚ ኣሳ ሰዓሮም።’—2 ዜና 14:8-13፣ 1 ነገ. 15:14

9. (ሀ) ንነህምያ መካበብያ የሩሳሌም ካብ ምህናጽ ዘይዓገቶ እንታይ እዩ፧ (ለ) ኣምላኽ ነቲ ነህምያ ዘቕረቦ ጸሎት ብኸመይ መሊሱሉ፧

9 ነህምያ ናብ የሩሳሌም ምስ ከደ እንታይ ተሰሚዕዎ ኪኸውን ከም ዚኽእል እሞ ገምት። እታ ኸተማ ንሓደጋ እተቓልዐት እያ ነይራ፣ ኣይሁዳውያን ድማ ተስፋ ቘሪጾም እዮም ነይሮም። ኣይሁድ፡ ተጻረርቶም የፈራርህዎም ስለ ዝነበሩ፡ ኣእዳዎም ተሓለላ፡ ምህናጽ መካበብያ የሩሳሌም ከኣ ኣቋረጹ። ነህምያኸ በቲ ዅነታት ተዳሂሉ፡ ኣእዳዉ ኺሕለላ ፈቒዱ ድዩ፧ ኣይፋሉን! ከም ሙሴን ኣሳን ካልኦት እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋን፡ ብጸሎት ናብ የሆዋ ናይ ምቕራብ ልማድ ኣማዕቢሉ ነይሩ እዩ። ኣይሁድ እቲ ዝነበረ ዕንቅፋት ኪውገድ ዘይክኣል ኰይኑ ይስምዖም እኳ እንተ ነበረ፡ የሆዋ ነቲ ነህምያ ዘቕረቦ ልባዊ ልመና ምላሽ ሃበሉ። ነተን እተሓለላ ኣእዳው ኣይሁድ ከኣ፡ ‘ብዓብዪ ሓይሉን ብብርትዕቲ ኢዱን’ ኣበርቲዕወን እዩ። (ነህምያ 1:10፣ 2:17-20፣ 6:9 ኣንብብ።) ሎሚ እውን የሆዋ ‘ብዓብዪ ሓይሉን ብብርትዕቲ ኢዱን’ ንኣገልገልቱ ኼበርትዖም ከም ዚኽእል ትኣምን ዲኻ፧

የሆዋ ንኣእዳውካ ኼበርትዐን እዩ

10, 11. (ሀ) ሰይጣን ኣእዳውና ኸም ዚሕለላ ንምግባር ብኸመይ እዩ ዚጽዕር፧ (ለ) የሆዋ ምእንቲ ኼበርትዓናን ሓይሊ ምእንቲ ኺህበናን እንታይ እዩ ዚጥቀም፧ (ሐ) ካብ ቲኦክራስያዊ ትምህርትን ስልጠናን ብኸመይ ተጠቒምካ፧

10 ድያብሎስ ክርስትያናዊ ንጥፈታትና ደው ንምባል ኣብ ዚገብሮ ጻዕሪ ኣእዳዉ ኸም ዘይሕለላ ኣፍና መሊእና ኽንዛረብ ንኽእል ኢና። መንግስትታትን መራሕቲ ሃይማኖትን ከሓድትን ንዜዘውትርዎ ሓሶትን ምፍርራህን ይጥቀመሉ እዩ። ሸቶኡኸ እንታይ እዩ፧ ነቲ ኣእዳውና ኣብ ዕዮ ስብከት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ዜበርክታኦ እጃም ንምድኻም እዩ። ይኹን እምበር፡ የሆዋ ብመንፈሱ ኣቢሉ ብርታዐ ኺህበና ይኽእል እዩ፣ ኪህበና ድማ ይደሊ እዩ። (1 ዜና 29:12) ስለዚ፡ ነቲ ኻብ ሰይጣንን እዚ እኩይ ስርዓቱን ዚመጸና ብድሆታት ምእንቲ ኽንምክቶ ነቲ መንፈስ እቲ ኽንጥቀመሉ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። (መዝ. 18:39፣ 1 ቈረ. 10:13) ብዘይካዚ፡ እቲ ውጽኢት መንፈስ ቅዱስ ዝዀነ ቓል ኣምላኽ ስለ ዘሎና እውን ከነማሱ ንኽእል ኢና። ብዛዕባ እቲ ኣብ ወወርሒ እንረኽቦ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ መንፈሳዊ ምግቢ እውን ንሕሰብ። እተን ኣብ ዘካርያስ 8:9, 13 ዘለዋ ቓላት፡ ቤት መቕደስ የሩሳሌም ክትህነጽ ከላ እየን ተዘሪበን፣ ኣባና ድማ ኣጸቢቐን ይዓይያ እየን። (ኣንብብ።)

11 ብተወሳኺ፡ በቲ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታትን ኣብ ኣኼባታት ወረዳን ኣብ ኣኼባታት ዞባን ኣብ ቲኦክራስያዊ ኣብያተ ትምህርትን ዚውሃበና መለኮታዊ ትምህርቲ እውን የበርትዓና እዩ። እቲ ዚውሃበና ስልጠና ቕኑዕ ድራኸ ኺህልወናን መንፈሳዊ ሸቶታት ከነውጽእን ንእተፈላለየ ክርስትያናዊ ሓላፍነትና ኽንፍጽምን ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። (መዝ. 119:32) እሞኸ፡ ካብቲ ዚውሃበካ ስልጠና ብርታዐ ኽትረክብ ልባዊ ጻዕሪ ትገብር ዲኻ፧

12. ብመንፈሳዊ መዳይ ወትሩ ድልዱላት ምእንቲ ኽንከውን እንታይ ክንገብር ኣሎና፧

12 እስራኤላውያን ብሓገዝ የሆዋ ንኣማሌቃውያንን ንኢትዮጵያውያንን ስዒሮምዎም እዮም። ብዘይካዚ፡ የሆዋ ንነህምያን ንብጾቱን ዕዮ ህንጸት ኪፍጽሙ ኣኽኢልዎም እዩ። ንዓና እውን፡ ተቓውሞን ዘይተገዳስነትን ጭንቀትን ኬጋጥመና ኸሎ ጸኒዕና ዕዮ ስብከትና ምእንቲ ኽንፍጽም የበርትዓና እዩ። (1 ጴጥ. 5:10) ሎሚ፡ የሆዋ ተኣምራት ኪገብረልና ኣይንጽበን ኢና። ኣብ ክንዳኡስ፡ ግዴና ኽንገብር ኣሎና። እዚ ኸኣ መዓልቲ መዓልቲ ቓል ኣምላኽ ምንባብ፡ ንሰሙናዊ ኣኼባታት ምድላውን ኣብቲ ኣኼባታት ምእካብን፡ ብናይ ብሕቲ መጽናዕትን ብናይ ኣምልኾ ስድራ ቤትን ንኣእምሮናን ንልብናን ምምጋብ፡ ወትሩ ብጸሎት ኣብ የሆዋ ምውካል የጠቓልል። ነቲ የሆዋ ንዓና ንምብርታዕን ንምትብባዕን ዚጥቀመሉ መገድታት ብኻልእ ዋኒናትን ንጥፈታትን ኪተዓናቐፍ ኣይንፍቀደሉ። በዚ እተጠቕሰ መዳያት ኣእዳውካ ኸም እተሓለላ ዀይኑ እንተ ተሰሚዑካ፡ ሓገዝ ኣምላኽ ክትረክብ ሕተት። ሽዑ፡ መንፈሱ ‘ድሌትን ንምግባር ዓቕምን ብምሃብ ብኸመይ ከም ዜበርትዓካ’ ርአ። (ፊል. 2:13) ንኣእዳው ካልኦት ንምብርታዕከ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

ዘርጋሕጋሕ ንዝበላ ኣእዳው ኣደልድለን

13, 14. (ሀ) ሓደ ሓው ሰበይቱ ምስ ሞተቶ ብርታዐ ዝረኸበ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ንኻልኦት ከነበርትዕ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

13 የሆዋ ምትብባዕ ኪህቡና ዚኽእሉ ሓለይቲ ኣምለኽቱ ዝሓቘፈ ዓለምለኻዊ ሕውነት ሂቡና እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ዘርጋሕጋሕ ንዝበላ ኣእዳውን ረሸሽ ንዝበላ ኣብራኽን ኣደልድሉ፣ . . . ንኣእጋርኩም ትኽ ዝበለ መገዲ ግበሩ” ኸም ዝበለ ኣይንረስዕ። (እብ. 12:12, 13) ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ሓያሎ ክርስትያናት፡ ከምኡ ዝኣመሰለ መንፈሳዊ ምትብባዕ ረኺቦም እዮም። ሎሚ እውን ተመሳሳሊ እዩ። ሓደ ሓው ሰበይቱ ምስ ሞተቶን ካልእ ዜሳቒ ዅነታት ምስ ኣጋጠሞን ከምዚ በለ፦ “ንፈተናታትና ዀነ መዓስ ወይ ክንደይ ሳዕ ኬጋጥመና ኸም ዘለዎ ኽንመርጽ ከም ዘይንኽእል ተማሂረ እየ። ጸሎትን ናይ ብሕቲ መጽናዕትን ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ኣብ ማይ ምእንቲ ኸይጥሕል ልክዕ ከም መንሳፈፊ ጃኬት ኰይኑኒ እዩ። ካብ መንፈሳውያን ኣሕዋተይን ኣሓተይን ዝረኽቦ መንፈሳዊ ደገፍ ከኣ ብዙሕ ኣጸናኒዑኒ እዩ። ጸገማት ቅድሚ ምምጻኡ ምስ የሆዋ ጽቡቕ ናይ ብሕቲ ርክብ ምምዕባል ኣገዳሲ ምዃኑ ተገንዚበ እየ።”

ኣብ ጉባኤ ዘሎ ዅሉ ንኻልኦት ምንጪ ምትብባዕ ኪኸውን ይኽእል እዩ (ሕጡብ ጽሑፍ 14 ርአ)

14 ኣሮንን ሑርን ብግዜ ውግእ ንኣእዳው ሙሴ ቓል ብቓሉ ደጊፎምወን እዮም። ንሕና ድማ ንኻልኦት ክንድግፈሉን ግብራዊ ሓገዝ ክንህበሉን እንኽእል መገድታት ከነናዲ ንኽእል ኢና። ንመንከ ኢና ኽንድግፍ እንኽእል፧ ነቶም ምስ ሳዕቤናት እርጋንን ጥዕና ምስኣንን ተቓውሞ ስድራ ቤትን ጽምዋን ሞት ዜፍቅርዎ ሰብን ዚቃለሱ ዘለዉ ኽንሕግዞም ንኽእል ኢና። ብዘይካዚ፡ ኣብ ሕማቕ ተግባራት ኪጽመዱ፡ ወይ ከኣ ኣብዚ ስርዓት እዚ፡ ብትምህርቲ፡ ብገንዘብ፡ ወይ ብሞያ “ዕዉታት” ኪዀኑ ጸቕጥታት ንዜጋጥሞም መንእሰያት ከነበርትዖም ንኽእል ኢና። (1 ተሰ. 3:1-3፣ 5:11, 14) ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ፡ ኣብ ኣገልግሎት፡ ኣብ መኣዲ፡ ወይ ብተሌፎን ክትዘራረብ ከለኻ ናይ ሓቂ ተገዳስነት እተርእየሉ መገድታት ኣናዲ።

15. እቲ እትዛረቦ ሃናጺ ቓላት ኣመንቲ ንዝዀኑ ብጾትካ ብኸመይ ኪጸልዎም ይኽእል፧

15 ኣሳ ዜደንቕ ዓወት ምስ ረኸበ፡ ነብዪ ዓዛርያ ንኣሳን ንህዝቡን፡ “ንስኻትኩም ግና፡ ተግባርኩም ዓስቢ ኺረክብ እዩ እሞ፡ በርትዑ፡ ኣእዳውኩም ኣይተውርዱ” ኢሉ ኣተባብዖም። (2 ዜና 15:7፡ እ.ጽ.) ኣሳ ድማ በዚ ቓላት እዚ ምትብባዕ ስለ ዝረኸበ፡ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ንምምላስ ብዙሕ ለውጥታት ገበረ። ሎሚ እውን ብተመሳሳሊ፡ እቲ እትዛረቦ ሃናጺ ቓላት ኣብ ካልኦት ዓብዪ ጽልዋ ኺህልዎ ይኽእል እዩ። በዚ ኸምዚ ድማ፡ ንየሆዋ ምሉእ ብምሉእ ኬገልግልዎ ኽትሕግዞም ትኽእል ኢኻ። (ምሳ. 15:23) ነቲ ኣብ ኣኼባታት ኢድካ ኣልዒልካ ሃናጺ ሓሳባት ብምሃብ ኣብ ካልኦት ከተሕድሮ እትኽእል ሓያል ጽልዋ ኣቕሊልካ ኣይትርኣዮ።

16. ሽማግለታት ከም ነህምያ፡ ኣእዳው እቶም ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ኣስፋሕቲ ኼበርትዑ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትካ ብብሕቲ ብኸመይ ከም ዝሓገዙኻ ኣብነት ሃብ።

16 ነህምያን ብጾቱን ደገፍ የሆዋ ምስ ረኸቡ፡ ነቲ እተዋህቦም ዕዮ ኺፍጽሙ ኣእዳዎም ኣበርቲዖም እዮም። ንመካበብያ የሩሳሌም ድማ ኣብ ውሽጢ 52 መዓልቲ ወድእዎ! (ነህ. 2:18፡ እ.ጽ.፣ 6:15, 16) ነህምያ ነቲ ዕዮ ይቈጻጸሮ ጥራይ ኣይነበረን። ኣብ ዳግመ ህንጸት መካበብያ የሩሳሌም ተሳቲፉ እዩ። (ነህ. 5:16) ሎሚ ዘለዉ ሓያሎ ፈቃራት ሽማግለታት እውን፡ ንቲኦክራስያዊ ፕሮጀክትታት ህንጸት ብምድጋፍ ወይ ነቲ ዚእከቡሉ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምጽራይን ኣብ ምጽጋንን ብምክፋል ኣስኣሰር ነህምያ ይስዕቡ እዮም። ምስ ኣስፋሕቲ ኣብ ኣገልግሎት ብምክፋልን ጕስነታዊ ምብጻሕ ብምግባርን እውን፡ ኣእዳው እቶም ጭኑቕ ዝልቦም የበርትዑ እዮም።—ኢሳይያስ 35:3, 4 ኣንብብ።

‘ኣእዳውካ ኣይተሓለላ’

17, 18. ጸገም ኬጋጥመና ኸሎ ወይ ክንጭነቕ ከለና፡ ብዛዕባ እንታይ ኢና ኽንተኣማመን ዘሎና፧

17 ምስ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ሓቢርና ምግልጋልና፡ ሓድነት ከም ዚህሉ ይገብር እዩ። ብዘይካዚ፡ ነባሪ ምሕዝነት ክንፈጥርን በቲ ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ እንረኽቦ በረኸት ብዝያዳ ኽንተኣማመንን ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። ኣእዳው ካልኦት ከነደልድል ከለና፡ ተስፋ ንዜቝርጽ ኵነታት ኪቃለሱን ብዛዕባ መጻኢ ኣወንታውን ትስፉውን ኣረኣእያ ኺህልዎምን ንሕግዞም ኢና። ንኻልኦት በዚ ኸምዚ ምሕጋዝና ድማ፡ ኣብ መንፈሳዊ ነገራት ከነተኵርን ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ኣዳልዩልና ዘሎ ነገራት ክንሓስብን ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። እወ፡ ነተን ናትና ኣእዳው እውን ኬበርትዐን ይኽእል እዩ።

18 የሆዋ ኣብ እተፈላለየ እዋናት ንእሙናት ኣገልገልቱ ብኸመይ ከም ዝደገፎምን ከም ዘዕቈቦምን ምርኣይና፡ ኣብኡ ንዘሎና እምነትን ትውክልትን የደልድሎ እዩ። ስለዚ፡ ጸቕጢ ወይ ጸገም ኬጋጥመካ ኸሎ፡ ‘ኣእዳውካ ኣይተሓለላ።’ የግዳስ፡ ናብ የሆዋ ጸሊ፣ እታ ሓያል ኢዱ ኸተበርትዓካን በረኸት መንግስቲ ኣምላኽ ንምርካብ ክትሕግዘካን ድማ ፍቐደላ።—መዝ. 73:23, 24