ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣከዳድናኻ ንኣምላኽ የኽብሮ ድዩ፧

ኣከዳድናኻ ንኣምላኽ የኽብሮ ድዩ፧

“ኵሉ ንኽብሪ ኣምላኽ ግበርዎ።”—1 ቈረ. 10:31

መዝሙር፦ 34, 29

1, 2. ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዛዕባ ኣከዳድና ልዑል ስርዓት ዚስዕቡ ስለምንታይ እዮም፧ (ኣብ መእተዊ ዘላ ስእሊ ርአ።)

ሓንቲ ኣብ ነዘርላንድስ እትሕትም ጋዜጣ ብዛዕባ ኣኼባ መራሕቲ ቤተ ክርስትያን ኣብ ዘቕረበቶ ጸብጻብ፡ “ምናዳ ሃሩር ኣብ ዚዀነሉ እዋን፡ ዘይምዕሩግ ክዳውንቲ ትርኢ ኢኻ” በለት። ኣስዕብ ኣቢላ፡ “ኣብ ኣኼባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ግና ከምኡ ኣይኰነን። . . . ኣወዳትን ሰብኡትን፡ ጁባን ክራባታን ይገብሩ እዮም፣ ንውሓት እቲ ኣዋልድን ኣንስትን ዚገብራኦ ቐምሽ ድማ . . . ግቡእን ዘመናውን እዩ” በለት። እወ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ “ትሕትናን ልብምናን ብዜርኢ ግቡእ ክዳውንቲ፡ ንኣምላኽ ተወፋይነት [ንዘለዎም] ከም ዚግባእ” ስለ ዚስለሙ፡ ብዙሕ ሳዕ ይንኣዱ እዮም። (1 ጢሞ. 2:9, 10) ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ ብዛዕባ ኣንስቲ እኳ ይዛረብ እንተ ነበረ፡ እቲ መሰረታዊ ስርዓት ግና ንክርስትያን ሰብኡት እውን ዚምልከት እዩ።

2 ንሕና ህዝቢ የሆዋ ስለ ዝዀንና፡ ግቡእ ስርዓት ኣከዳድና ንዓና ኣገዳስነት ኣለዎ፣ ነቲ እነምልኾ ኣምላኽና እውን ኣገዳስነት ኣለዎ። (ዘፍ. 3:21) ቅዱሳት ጽሑፋት ብዛዕባ ኣከዳድናን ኣመለኻኽዓን ዚብሎ ነገር፡ እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዅሉ ፍጥረት ነቶም ናይ ሓቂ ኣምለኽቱ ብዛዕባ ኣከዳድና ጽቡቕ ስርዓት ኪህልዎም ከም ዚደልዮም ብዘየማትእ መገዲ ይሕብር እዩ። ስለዚ፡ ኣከዳድናናን ኣመለኻኽዓናን ከም ቃሕ ዝበለና ጥራይ ኪኸውን ኣይግባእን። የግዳስ፡ ነቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ እንታይ ባህ ከም ዜብሎ ኣብ ግምት ከነእቱ ኣሎና።

3. ካብቲ ኣምላኽ ንእስራኤላውያን ዝሃቦም ሕጊ ብዛዕባ ኣከዳድና እንታይ ንምሃር፧

3 ንኣብነት፡ እቲ ኣምላኽ ንእስራኤላውያን ዝሃቦም ሕጊ፡ በቲ ብዕሉግ ኣነባብራ እቶም ኣብ ዙርያኦም ዝነበሩ ኣህዛብ ከይመላለሱ ዜዕቍብ ሕግታት ነይርዎም እዩ። የሆዋ ነቲ ኣብ መንጎ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ብንጹር ዘይፈላሊ ዓይነት ኣከዳድና ኸም ዚጸልእ ከኣ፡ ኣብቲ ሕጊ ገሊጹ እዩ፣ ኣብዚ ግዜና ኸምኡ ዓይነት ቅዲ ኣሎ። (ዘዳግም 22:5 ኣንብብ።) ካብቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ኣከዳድና ዝሃቦ መምርሒ፡ ንደቂ ተባዕትዮ ኸም ደቂ ኣንስትዮ ዜምስሎም፡ ንደቂ ኣንስትዮ ድማ ከም ደቂ ተባዕትዮ ዜምስለን፡ ወይ ኣብ መንጎ ሰብኡትን ኣንስትን ዘሎ ፍልልይ ዘይንጹር ዚገብር ኣከዳድና ኸም ዘይፈቱ ብንጹር ክንርኢ ንኽእል ኢና።

4. ክርስትያናት ብዛዕባ ኣከዳድና ጽቡቕ ውሳነታት ምእንቲ ኺገብሩ እንታይ ይሕግዞም፧

4 ኣብ ቃል ኣምላኽ፡ ንክርስትያናት ብዛዕባ ኣከዳድና ጽቡቕ ውሳነታት ኪገብሩ ዚሕግዞም ስርዓታት ኣሎ። ዚነብሩሉ ዓዲ፡ ባህሊ፡ ወይ ክሊማ ብዘየገድስ፡ እዚ ስርዓታት እዚ ኺሕግዞም ይኽእል እዩ። ኣየናይ ቅዲ ኽዳውንቲ ቕቡል፡ ኣየናይ ድማ ዘይቅቡል ምዃኑ ንምውሳን፡ ዝርዝር መምርሒ ኣየድልየናን እዩ። የግዳስ፡ ንብሕታዊ ምርጫና እተወሰነ ቦታ ዚፈቅድ ቅዱስ ጽሑፋዊ ስርዓታት ኢና እንስዕብ። ብዛዕባ ኣከዳድናና ኣብ እንውስነሉ እዋን፡ “እቲ ሰናይን ቅቡልን ፍጹምን ፍቓድ ኣምላኽ” እንታይ ምዃኑ ኽንፈልጥ ዚሕግዘና ገለ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ እስከ ንርአ።—ሮሜ 12:1, 2

“ንርእስና ኸም ኣገልገልቲ ኣምላኽ ጌርና ነርኢ ኣለና”

5, 6. ኣከዳድናና ኣብ ሰባት እንታይ ጽልዋ ኺህልዎ ይግባእ፧

5 ሃዋርያ ጳውሎስ ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኹ፡ ኣብ 2 ቈረንቶስ 6:4 ሓደ ኣገዳሲ ስርዓት ኣጕሊሑ ኣሎ። (ኣንብብ።) ትርኢትና ብዛዕባና ብዙሕ ይዛረብ እዩ። ብዙሓት ሰባት ነቲ ‘ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም’ ዘሎ ርእዮም፡ ብዛዕባ ሰብ ሓደ ርእይቶ ይህልዎም እዩ። (1 ሳሙ. 16:7) ስለዚ፡ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ከም ምዃንና መጠን፡ ዚምሽኣና ወይ እንፈትዎ ኽዳን ጥራይ ንኽደን ማለት ኣይኰነን። እቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ እንረኽቦ መሰረታዊ ስርዓታት፡ ምስ ሰብነትና ዚጠብቕ፡ ንሰብነትና ዚቐልዕ፡ ወይ ጾታዊ ስምዒት ዜለዓዕል ክዳውንቲ ኸይንኽደን ይድርኸና እዩ። እዚ ኺብሃል ከሎ ድማ ጾታዊ ኣካላት ዚቐልዕ ወይ ዜጕልሕ ዓይነት ክዳውንቲ ጠሪሱ ኺሕሰብ የብሉን ማለት እዩ። ኣከዳድናና ንዝዀነ ይኹን ሰብ ኬሸቝርሮ ወይ ገጹ ኸም ዚመልስ ኪገብሮ የብሉን።

6 ኣከዳድናና ጽፉፍን ጽሩይን ትሕትና ዜርእን ግቡእን ምስ ዚኸውን፡ ከም ኣገልገልቲ እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ መጠን ኣኽብሮት ንረክብ ኢና። እዚ ኸኣ ንሰባት ናብ ኣምልኾኡ ይስሕቦም ይኸውን። ብዘይካዚ፡ ግቡእ ኣከዳድና ንውድብና ጽቡቕ ስም የውህባ እዩ። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ እቲ ህይወት ዜድሕን መልእኽትና ኣቓልቦ ይረክብ።

7, 8. ምናዳ መዓስ ኢና ግቡእ ክዳውንቲ ኽንክደን ዘሎና፧

7 ነቲ ቕዱስ ኣምላኽናን ንመንፈሳውያን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣብ ክልና ንዘለዉ ሰባትን ካብ ዘሎና ኣኽብሮት ተላዒልና፡ ነቲ ሒዝናዮ ዘሎና መልእኽቲ ዜማዕርግ፡ ንየሆዋ ድማ ዜኽብር ክዳውንቲ ኽንክደን ኣሎና። (ሮሜ 13:8-10) ምናዳ ኣብ ክርስትያናዊ ንጥፈታት ክንካፈል ከለና፡ ንኣብነት ኣብ ኣኼባታት ክንእከብ ወይ ኣብ ዕዮ ስብከት ክንካፈል ከለና፡ ነዚ ኣትኵሮ ኽንገብረሉ ይግባእ። “ንኣምላኽ ተወፋይነት [ንዘለዎም] ከም ዚግባእ” ክንክደን ኣሎና። (1 ጢሞ. 2:10) ልክዕ እዩ፡ ኣብ ገሊኡ ቦታ ግቡእ ዝዀነ ኽዳውንቲ፡ ኣብ ካልእ ቦታ ዘይግቡእ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ኣብ ብዘላ ዓለም ዘለዉ ህዝቢ የሆዋ ንሰባት ቅር ዜብል ነገር ምእንቲ ኸይገብሩ፡ ነቲ ኣብ ከባቢኦም ዘሎ ልምዲ ኣብ ግምት ከእትዉ ኣለዎም።

ኣከዳድናኻ ንኣምላኽ ዜኽብሮ ድዩ፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 7, 8 ርአ)

8 ቀዳማይ ቈረንቶስ 10:31 ኣንብብ። ኣብ ዓበይቲ ኣኼባታት ክንእከብ ከለና፡ ኣከዳድናና ነቲ ኣብ ዓለም ልሙድ ዝዀነ ጠገለ ዘይብሉ ቕድታት ዘይኰነስ፡ ግቡእን ትሕትና ዜርእን ኪኸውን ኣለዎ። ናብ ሆቴል ኬድና ኽፍሊ ኽንሕዝ ከለናን ካብኡ ኽንለቅቕ ከለናን፡ ከምኡ ድማ ቅድሚ ኣኼባን ድሕሪኡን ኣብ እንዘናግዓሉ እዋን፡ ጠገለ ዘይብሉ ወይ ወጅሃላይ ኣከዳድና ኺህልወና የብሉን። ከምኡ ምስ እንገብር፡ ከይተሰከፍና ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም ዝዀንና ገሊጽና ኽንላለ ንኽእል ኢና። እወ፡ ኣጋጣሚ ኪኽፈተልና ኸሎ፡ ንምምስካር ኣይክንሽቝረርን ኢና።

9, 10. ፊልጲ 2:4 ኣብ ኣከዳድናና ጽልዋ ኺህልዋ ዚግባእ ስለምንታይ እዩ፧

9 ፊልጲ 2:4 ኣንብብ። ክርስትያናት ብዛዕባ እቲ ኣከዳድናኦም ኣብ ክርስትያናት ብጾቶም ዘለዎ ጽልዋ ኼተሓሳስቦም ዚግባእ ስለምንታይ እዩ፧ ሓደ ምኽንያት፡ ህዝቢ ኣምላኽ ነዚ ዚስዕብ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ምዕዶ ኺትግብርዎ ይጽዕሩ ስለ ዘለዉ እዩ፣ እቲ ምዕዶ ኸምዚ ይብል፦ “እምበኣር፡ ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ኣካላትኩም፡ ማለት ምንዝርና፡ ርኽሰት፡ ፋሉል ፍትወተ ስጋ፡ ክፉእ ትምኒት፡ ስስዐ፡ እዚ ድማ ኣምልኾ ጣኦት ቅተሉ።” (ቈሎ. 3:2, 5) ክርስትያናት ብጾትና ነዚ ምኽሪ እዚ ኺስዕቡ ኸም ዜጸግሞም ክንገብር ኣይንደንል ኢና። ብዕሉግ ህይወት ሓዲጎም ዝመጹ ኣሕዋትን ኣሓትን ምስ ድኻሞም ይቃለሱ ይህልዉ ይዀኑ። (1 ቈረ. 6:9-11) ቃልሶም መሸም ከነኽብደሎም ኣይንደልን ኢና።

10 ምስ መንፈሳውያን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ክንከውን ከለና፡ ጉባኤና ስነ ምግባራዊ ንጽህና ዝሰፈኖ ምዃኑ ኣብ ኣከዳድናና ኺንጸባረቕ ኣለዎ። ኣብ ኣኼባ ዀነ ኣብ ካልእ ዘይወግዓዊ ኣጋጣሚ ኽንተኣኻኸብ ከለና፡ ነዚ ኸነተኵረሉ ኣሎና። እንታይ ከም እንኽደን ናይ ምሕራይ ናጽነት ኣሎና። ይኹን እምበር፡ ካልኦት ንጽህናኦም ሓልዮም ንምምልላስ ዕንቅፋት ዘይኰኖም፡ ብሓሳብን ብቓልን ብኣካይዳን ስርዓታት ቅድስና ኣምላኽ ንምሕላው እውን ዘየኽብደሎም ኣከዳድና ናይ ምሕራይ ሓላፍነት ኣሎና። (1 ጴጥ. 1:15, 16) ከመይሲ፡ ናይ ሓቂ ፍቕሪ፡ “ስዲ ኣይኰነትን፡ ጥቕሚ ርእሳ [እውን] ኣይትደልን” እያ።—1 ቈረ. 13:4, 5

ነንግዜኡን ነንቦታኡን ግቡእ ዝዀነ ኣከዳድና

11, 12. ብዛዕባ ኣከዳድናና ኽንሓስብ ከለና እንታይ ኢና ኣብ ግምት ከነእቱ ዚግባእ፧

11 ኣገልገልቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ኣከዳድናኦም ውሳነታት ኪገብሩ ኸለዉ፡ ‘ንዅሉ ንጥፈት ገግዜኡ ኸም ዘለዎ’ ኣብ ግምት የእትዉ እዮም። (መክ. 3:1, 17) በበይኑ ዝዓይነቱ ኽሊማን ምልውዋጥ ወቕትታትን ንኣከዳድናና ኸም ዚጸልዎ ኣይከሓድን እዩ። እተፈላለየ ዅነታትን ኣነባብራን እውን ከምኡ ይጸልዎ እዩ። ስርዓታት የሆዋ ግና ምስ ኵነታት ኣየር ዚቀያየር ኣይኰነን።—ሚል. 3:6

12 ብሕልፊ ኣብ ምዉቕ ክሊማ፡ ኣከዳድናና ምዕሩግን ውርዙውን ምግባሩ ፈታኒ ኪዀነና ይኽእል እዩ። ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብኣከዳድናና ምእንቲ ኸይጕህዩ፡ ክዳውንትና እምብዛ ምስ ሰብነትና ዚጠብቕ ወይ ኣመና ፍኑው ካብ ምዃኑ እተላዕለ ንኣካላትና ዜርኢ ኪኸውን ኣይግባእን። (እዮ. 31:1) ኣብ ገምገም ባሕሪ ወይ ኣብ መሐምበሲ ጋብላ ኽንዘናጋዕ ከለና እውን፡ እቲ ንመሐንበሲ ዚኸውን ክዳውንትና ትሕትና ዜርኢ ወይ ውርዙው ኪኸውን ይግባእ። (ምሳ. 11:2, 20) ኣብ ዓለም ዘለዉ ብዙሓት ሰባት እተቐላልዐ መሐንበሲ ዚኽደኑ እኳ እንተ ዀኑ፡ ንሕና ንየሆዋ እነገልግል ዘበልና ግና ነቲ እነፍቅሮ ቕዱስ ኣምላኽና ኽብሪ ኸነምጽእ ንደሊ ኢና።

13. ኣብ 1 ቈረንቶስ 10:32, 33 ዚርከብ ምኽሪ፡ ንምርጫ ኽዳውንትና ኺጸልዎ ዚግባእ ስለምንታይ እዩ፧

13 ግቡእ ክዳውንቲ ኽንሓሪ ዚሕግዘና ኻልእ ኣገዳሲ ስርዓት እውን ኣሎ። ብዛዕባ ሕልና ኻልኦት ክርስትያናት ብጾትና ዀኑ ኻልኦት ሰባት ክንሓስብ ኣሎና። (1 ቈረንቶስ 10:32, 33 ኣንብብ።) ንኻልኦት ቅር ኬብሎም ዚኽእል ክዳውንቲ ኽንክደን ኣይግባእን። ምስዚ ብዚተሓሓዝ፡ ጳውሎስ፡ “ነፍሲ ወከፍና ንብጻዩ ኺሃንጾስ፡ ብሰናይ ባህ የብሎ” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ። ከምኡ ዝበለሉ ምኽንያት ኪገልጽ ከሎ፡ ኣስዕብ ኣቢሉ፡ “ክርስቶስ እኳ ንርእሱ ባህ ኣየበለን” ኢሉ እዩ። (ሮሜ 15:2, 3) እወ፡ የሱስ ካብ ብሕታዊ ምርጫኡ ንላዕሊ ንኻልኦት ምሕጋዝ እዩ ቐዳምነት ሂቡ፣ ከመይሲ፡ ንሰባት ብምሕጋዝ፡ ፍቓድ ኣምላኽ እዩ ዚገብር ነይሩ። ስለዚ፡ እንፈትዎ እኳ እንተ ዀነ፡ ሰባት ከም ዘይሰምዑና ኺገብር ዚኽእል ክዳውንቲ ኣይንኽደንን ኢና።

14. ውሉዳት ብኣከዳድናኦም ንኣምላኽ ምእንቲ ኬኽብርዎ፡ ወለዲ ብኸመይ ኬሰልጥንዎም ይኽእሉ፧

14 ክርስትያን ወለዲ ንኣባላት ስድራ ቤቶም፡ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ ኼውዕሉ ናይ ምምሃር ሓላፍነት ኣለዎም። እዚ ኸኣ ንሳቶም ኰኑ ደቆም በቲ ትሕትና ዜርኢ ኣከዳድናኦምን ኣመለኻኽዓኦምን ኣቢሎም ንልቢ ኣምላኽ ኬሐጕሱ ምጽዓር የጠቓልል። (ምሳ. 22:6፣ 27:11) ወለዲ ንደቆም ጽቡቕ ኣብነት ብምዃንን ብፍቕሪ ግብራዊ መምርሒ ብምሃብን፡ ነቲ ቕዱስ ኣምላኽ ግቡእ ኣኽብሮት ኬስርጹሎም ይግባእ። ግቡእ ክዳውንቲ ኣበይን ብኸመይን ከም ዚረኽቡ ኺምህርዎም ይግባእ። ከምዚ ኺብሃል ከሎ፡ ውሉዳት ቃሕ ዝበሎም ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነቲ ዚውክልዎ የሆዋ ኣምላኽ ዜኽብር ክዳውንቲ ኺመርጹ ይግባእ ማለት እዩ።

ንናይ ምምራጽ ናጽነትካ ብጥበብ ተጠቐመሉ

15. ብዛዕባ ኣከዳድና ዘሎና ብሕታዊ ምርጫ ብምንታይ ኪምራሕ ይግባእ፧

15 ኣብ ቃል ኣምላኽ፡ ንኣምላኽ ዜኽብር ጥበባዊ ምርጫ ኽንገብር ዜኽእለና ግብራዊ መምርሒታት ኣሎ። ኰይኑ ግና፡ ኣብ ኣከዳድናና ብእተወሰነ ደረጃ ብሕታዊ ምርጫና ይንጸባርቕ እዩ። ውልቃዊ ምርጫ፡ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ይፈላለ እዩ፣ ገንዘባዊ ዓቕምና እውን ከምኡ። ይኹን እምበር፡ ክዳውንትና ወትሩ ጽፉፍ፡ ጽሩይ፡ ትሕትና ዜርኢ፡ ነቲ ኣጋጣሚ ግቡእ፡ ኣብ ከባቢና ድማ ቅቡል ኪኸውን ይግባእ።

16. ኣከዳድናና ግቡእ ኪኸውን ጻዕሪ ኽንገብር ዚግብኣና ስለምንታይ ኢና፧

16 ንዅሉ ረቛሒታት ኣብ ግምት ኣእቲኻ፡ ብምምዝዛንን ብልብምናን ምውሳን ቀሊል ዘይምዃኑ ዚከሓድ ኣይኰነን። ኣብ ብዙሕ እንዳ ኽዳውንቲ፡ ህቡብ ቅዲ ኽዳውንቲ ጥራይ እዩ ዚርከብ። ስለዚ፡ ትሕትና ዜርኢ ጎናን ቐምሽን ካምቻን ወይ እምብዛ ምስ ሰብነት ዘይጠብቕ ጁባን ስረን ንምርካብ፡ ዝያዳ ግዜን ጻዕርን የድሊ ይኸውን። ኰይኑ ግና፡ ክርስትያናት ብጾትና ነቲ ማራኽን ግቡእን ክዳውንቲ ንምርካብ እንገብሮ ልባዊ ጻዕሪ የስተብህሉሉን የድንቕዎን እዮም። ነቲ ፈቃር ሰማያዊ ኣቦና ኽብሪ ብምምጻእ ንረኽቦ ዕግበት ድማ፡ ካብቲ ኸነኽብሮ ኢልና እንኸፍሎ መስዋእቲ ዚዓዝዝ እዩ።

17. ሓደ ሓው ጭሕሚ ንምብቋል ወይ ንዘይምብቋል ኪውስን ዚሕግዞ ረቛሒታት እንታይ እዩ፧

17 ኣሕዋት ጭሕሚ ኼብቍሉ ግቡእ ድዩ፧ ብመሰረት ሕጊ ሙሴ፡ ሰብኡት ጭሕሚ ኼብቍሉ ትጽቢት ይግበረሎም ነይሩ እዩ። ክርስትያናት ግና ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሙሴ ስለ ዘይኰኑ፡ ኪሕልውዎ ኣይግደዱን እዮም። (ዘሌ. 19:27፣ 21:5፣ ገላ. 3:24, 25) ኣብ ገሊኡ ባህልታት፡ ብግቡእ እተቐምቀመ ጭሕሚ ቕቡልን ኣኽቢርካ ዚርአን ኪኸውን ይኽእል እዩ፣ ንመልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ካብ ምስማዕ ዘይዕንቅፍ እውን ኪኸውን ይኽእል እዩ። አረ፡ ገሊኦም እተሸሙ ኣሕዋትሲ ጭሕሚ የብቍሉ እዮም። ይኹን እምበር፡ ገሊኦም ኣሕዋት ጭሕሚ ዘይምብቋል ይመርጹ እዮም። (1 ቈረ. 8:9, 13፣ 10:32) ኣብ ገሊኡ ባህልታት ወይ ከባቢ ግና፡ ጭሕሚ ልሙድ ኣይኰነን፣ ንክርስትያናት ኣገልገልቲ እውን ቅቡል ኣይኰነን። ወረግ፡ ሓደ ሓው ጭሕሚ ምስ ዜብቍልሲ፡ ንኣምላኽ ዜኽብርን “ዘይውቀስ”ን ኪብሃል ኣይከኣልን እዩ።—ሮሜ 15:1-3፣ 1 ጢሞ. 3:2, 7

18, 19. ብኣከዳድናና ንኣምላኽ ባህ ንምባል ክንጽዕር ከለና፡ ሚክያስ 6:8 ብኸመይ ትሕግዘና፧

18 የሆዋ ብዛዕባ ኣከዳድናናን ኣመለኻኽዓናን ዝርዝር ሕግታት ሂቡ ጾር ዘየኽብደልና ምዃኑ፡ ብሓቂ ዜሐጕስ እዩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ብቕዱስ ጽሑፋዊ ስርዓታት እናተመራሕና ንናይ ምምራጽ ናጽነትና ኽንጥቀመሉን ብልብምና ብሕታዊ ውሳነታት ክንገብርን ፈቒዱልና ኣሎ። በዚ ኸምዚ ድማ፡ ኣብ ኣከዳድናናን ኣብ ኣመለኻኽዓናን፡ ‘ምስ ኣምላኽና ብትሕትና ኽንመላለስ’ ከም እንደሊ ኸነርኢ ንኽእል ኢና።—ሚክ. 6:8

19 ብትሕትና እንመላለስ እንተ ዄንና፡ የሆዋ ንጹህን ቅዱስን ምዃኑ ስለ እንግንዘብ፡ ስርዓታቱ ብሉጽ መምርሒ ኸም ዚዀነና ነስተውዕል ኢና። ብዘይካዚ እውን፡ ትሕትና ምስ ዚህልወና፡ ንስምዒታትን ንርእይቶታትን ካልኦት ነኽብር ኢና። ስለዚ፡ ህይወትና ምስቲ ልዑል ስርዓታት ብምስምማዕን ንስምዒታት ሰባት ብምኽባርን፡ ‘ምስ ኣምላኽ ብትሕትና ኽንመላለስ’ ንኽእል ኢና።

20. ኣከዳድናናን ኣመለኻኽዓናን ኣብ ካልኦት እንታይ ጽልዋ ኺህልዎ ይግባእ፧

20 እንመርጾ ኽዳውንቲ፡ ኣምለኽቲ የሆዋ ምዃንና ብንጹር ዜፍልጠና ኪኸውን ይግባእ። ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኰኑ ኻልኦት ሰባት፡ ወኪላት እቲ ጻድቕ ኣምላኽ ንምዃን ብቑዓት ከም ዝዀንና ኺርእዩ ይግባእ። ንሱ ልዑል ስርዓታት ኣለዎ፣ ነዚ ስርዓታት እዚ ድማ ተሓጒስና ኽንሕልዎ ኣሎና። እቶም ብትርኢቶምን ብሰናይ ኣካይዳኦምን ኣቢሎም ቅኑዕ ንዝልቦም ሰባት ናብቲ ህይወት ዚህብ መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚስሕቡ፡ ንየሆዋ ኸኣ ዜኽብርዎን ዜሐጕስዎን ኣሕዋትን ኣሓትን ኪንኣዱ ይግብኦም እዩ። ብዛዕባ እንኽደኖ ኽዳውንቲ ጥበባዊ ውሳነታት ምግባር፡ ብሕጂ እውን እንተ ዀነ ነቲ “ኽብርን ግርማን” ዝለበሰ ኣምላኽ ከም ዜኽብሮ ኣየጠራጥርን እዩ።—መዝ. 104:1, 2