ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሎሚ ኻብ መምርሒ የሆዋ ተጠቐም

ሎሚ ኻብ መምርሒ የሆዋ ተጠቐም

ኣብ ፖላንድ እተገብረ ጥበባዊ ምርጫ

“ክጥመቕ ከለኹ ጓል 15 ዓመት እየ ነይረ፣ ድሕሪ ሽዱሽተ ወርሒ ድማ ሓጋዚት ፈላሚት ኰይነ ኸገልግል ጀሚረ። ድሕሪ ሓደ ዓመት ከኣ ስርዕቲ ፈላሚት ክኸውን ኣመልኪተ። ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ምስ ወዳእኩ፡ ዝያዳ ሰበኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ዜድልዩሉ ቦታ ኸይደ ኸገልግል ሓቲተ። ካብታ እተወለድኩላ ኸተማ ናብ ካልእ ቦታ ኽግዕዝ እየ ደልየ ነይረ፣ ከመይሲ፡ ኣብቲ ግዜ እቲ ምስ ዓባየይ እየ ዝነብር ነይረ፡ ንሳ ድማ ናይ የሆዋ ምስክር ኣይነበረትን። ሓላው ወረዳና ኣብታ እተወለድኩላ ኸተማ ዀይነ ኸገልግል ከም እተመደብኩ ምስ ነገረኒ ግና፡ ብዙሕ እየ ሓዚነ። እንታይ ከም እተሰምዓኒ ግና ከፍልጦ ኣይደለኹን። ርእሰይ ኣድኒነ ኸይደ ነቲ ዝበለኒ ሓሲበሉ። ሽዑ ነታ መገላግልተይ፡ “ከም ዮናስ ዝዀንኩ ይመስለኒ ኣሎ። ኣብ መወዳእታኡ ግና ዮናስ ናብ ነነዌ ኸይዱ እዩ። ስለዚ፡ ኣነ እውን ኣብ እተመደብክዎ ቦታ ኸገልግል እየ” ኢለያ።

“ሎሚ፡ ንዝሓለፈ ኣርባዕተ ዓመት፡ ኣብዛ እተወለድኩላ ኸተማ ስርዕቲ ፈላሚት ኰይነ አገልግል ኣለኹ። ነቲ እተዋህበኒ መምርሒ ምስዓበይ፡ ክሳዕ ክንደይ ጥበባዊ ምንባሩ ድማ ርእየ እየ። ቀንዲ ጸገመይ፡ እቲ ዝነበረኒ ኣሉታዊ ኣረኣእያ እዩ ነይሩ። ሕጂ ግና ብዙሕ ሓጐስ እየ ረኺበ። ፈላሚት ካብ ዝኸውን ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ፡ ን24 ሰባት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክመርሓሎም ክኢለ። ሳላ የሆዋ ድማ ምስታ እትጻረርኒ ዝነበረት ዓባየይ እውን መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዕ ጀሚረ።”

ኣብ ፊጂ እተረኽበ ዜሐጕስ ፍረ

ሓንቲ ኣብ ፊጂ እትነብር ተምሃሪት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ናብ ክርስትያናዊ ዓብዪ ኣኼባ ወይ ምስ ብዓል ቤታ ንልደት ዘመድ ናብ እተዳለወ ድግስ ካብ ምኻድ ሓዲኡ ኽትመርጽ ነበራ። ብዓል ቤታ ናብቲ ኣኼባ ኽትከይድ ፈቐደላ። ንሳ ድማ ካብ ኣኼባ ምስ ተመልሰት፡ ናብቲ ድግስ ከም እትመጽእ ነገረቶ። ኰይኑ ግና፡ ናብ ቤታ ምስ ተመልሰት፡ ብመንፈሳዊ መዳይ ሓደገኛ ኪኸውን ናብ ዚኽእል ቦታ እንተ ዘይከደት ከም ዚሓይሽ ወሰነት እሞ፡ ካብቲ ድግስ ተረፈት።

እዚ ኪኸውን ከሎ፡ ብዓል ቤታ ንኣዝማዱ፡ ንሰበይቱ ድሕሪ “ኣኼባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር” ናብቲ ድግስ ክትመጽእ ስለ ዝሓተታ፡ ከም እትመጽእ ነገሮም። እቶም ኣዝማዱ ግና፡ “ናይ የሆዋ መሰኻኽር ልደት ስለ ዘየብዕሉ፡ ኣይትመጽእን እያ” ኢሎም መለሱሉ። *

እቲ ዜገርም ግና፡ ንሳ ኸይከደት ምስ ተረፈት፡ ብዓል ቤታ ምስ እምነታን ምስ ሕልናኣን ዚሰማማዕ መትከል ብምሓዛ፡ ብኣኣ ተሓበነ። እቲ ተኣማንነታ ድማ ንሰብኣያን ንኻልኦትን ክትምስክር ኣጋጣሚ ኸፈተላ። እዚኸ እንታይ ፍረ ኣፍረየ፧ ብዓል ቤታ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪገብርን ምስ ሰበይቱ ናብ ኣኼባታት ኪኸይድን ጀመረ።

^ ሕ.ጽ. 7 ኣብ ናይ 15 ታሕሳስ 2001 ግምቢ ዘብዐኛ እትርከብ፡ “ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ” ርአ።