ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣቱም ወለዲ፡ ንውሉዳትኩም እምነቶም ኪሃንጹ ሓግዝዎም

ኣቱም ወለዲ፡ ንውሉዳትኩም እምነቶም ኪሃንጹ ሓግዝዎም

‘ኣጕባዝን ጐራዙትን ንስም የሆዋ ይወድስዎ።’ —መዝ. 148:12, 13

መዝሙር፦ 41, 48

1, 2. (ሀ) ንወለዲ እንታይ ብድሆ እዩ ዜጋጥሞም፧ ነቲ ብድሆኸ ብኸመይ ኪሰግርዎ ይኽእሉ፧ (ለ) ሕጂ እንታይ ኣርባዕተ ነጥቢ ኢና ኽንምርምር፧

ኣብ ፈረንሳ ዚነብሩ ሰብ ሓዳር፡ “ብየሆዋ ንኣምን ኢና፣ እዚ ማለት ግና ደቅና ብእኡ ኺኣምኑ እዮም ማለት ኣይኰነን” በሉ። ኣስዕብ ኣቢሎም ከኣ፡ “እምነት እትወርሳ ነገር ኣይኰነትን። ደቅና በብቝሩብ እዮም ዜጥርይዋ” በሉ። ሓደ ኣውስትራልያዊ ሓው ድማ፡ “ኣብ ልቢ ደቅኻ እምነት ምህናጽ፡ ካብ ኵሉ ዝዓበየ ብድሆ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኪሕግዘካ ዚኽእል ዘበለ ዅሉ ኽትጥቀም ኣሎካ። ውሉድካ ንዝሓተተካ ሕቶ ዜዕግብ ምላሽ ዝሃብካ ይመስለካ ይኸውን። ጸኒሑ ግና ነቲ ሕቶ እቲ መሊሱ የልዕሎ! እቲ ሎሚ ንውሉድካ ዜዕግቦ ምላሽ፡ ጽባሕ ዘየዕግቦ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ገሊኡ ጕዳያት ብተደጋጋሚ ኽትገልጸሉ የድልየካ ይኸውን” ኢሉ ጸሓፈ።

2 ወላዲ እንተ ዄንካ፡ ውሉዳትካ ናይ እምነት ሰብ ኰይኖም ምእንቲ ኺዓብዩ ዜድሊ ናይ ምምሃርን ናይ ምቕራጽን ሓላፍነት ከተማልእ ከም ዘይትኽእል ኰይኑዶ ይስምዓካ፧ ከም ሓቂ፡ ብናትና ጥበብ፡ ዋላ ሓዴና ነዚ ብቕዓት እዚ ኸነማልእ ኣይንኽእልን ኢና። (ኤር. 10:23) ነቲ ኣምላኽ ዚህበና መምርሒ እንተ ስዒብና ግና፡ ኣሳልጦ ኽንረክብ ንኽእል ኢና። ንውሉዳትካ እምነቶም ኪሃንጹ ኽትሕግዘሉ እትኽእል ኣርባዕተ ነገር እስከ ርአ፦ (1) ኣጸቢቕካ ፍለጦም። (2) ካብ ልቢ ምሃሮም። (3) ጽቡቕ ምሳሌታት ተጠቐም። (4) ዕጉስን ጸሎተኛን ኩን።

ንውሉዳትካ ኣጸቢቕካ ፍለጦም

3. ወለዲ ኣብ ኣመሃህራኦም ኣብነት የሱስ ብኸመይ ኪስዕቡ ይኽእሉ፧

3 የሱስ ንሰዓብቱ፡ እንታይ ከም ዚኣምኑ ምሕታቶም ኣየፍርሆን እዩ ነይሩ። (ማቴ. 16:13-15) ንስኻ እውን ኣብነቱ ስዓብ። ውሉዳትካ ፍዅስ ኢልዎም ሓሳባቶም ኪገልጹ ኣብ ዚኽእሉሉ እዋን፡ ስምዒታቶም ኪገልጹ ሕተቶም። ብዛዕባ ዝዀነ ይኹን ዜጠራጥሮም ነገራት ከተዛራርቦም ትኽእል ኢኻ። ኣብ ኣውስትራልያ ዚነብር ወዲ 15 ዓመት ሓው፡ “ባባ ብዙሕ ግዜ ብዛዕባ እምነተይ የዛራርበንን ክሓስበሉ ይሕግዘንን እዩ። ‘መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧’ ‘ነቲ ዚብሎ ትኣምነሉ ዲኻ፧’ ‘ስለምንታይ ኢኻ እትኣምነሉ፧’ ኢሉ ይሓትተኒ። ብናተይ ኣባሃህላ ኽምልሰሉ ደኣ እዩ ዚደልየኒ እምበር፡ ንሱ ዝበለኒ ወይ ማማ ዝበለትኒ ኽደግም ኣይደልየንን እዩ። ብዕድመ እናዓበኹ ምስ ከድኩ፡ መልስታተይ እናሰፍሐ ኪኸይድ ነይርዎ” ኢሉ ጸሓፈ።

4. ውሉዳት ዚሓትትዎ ሕቶታት ኣርዚንካ ኺርአ ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧ ኣብነት ሃብ።

4 ውሉድካ ብዛዕባ ገሊኡ ትምህርቲ ዚጣራጠር እንተ ዀይኑ፡ እምብዛ ሓያል ምላሽ ከይትህቦ ወይ ከም ዝሰጋእካ ዄንካ ኸይትምልስ ተጠንቀቕ። የግዳስ፡ ነቲ ጕዳይ ኪሓስበሉ ብትዕግስቲ ሓግዞ። ሓደ ኣቦ፡ “ንሕቶታት ውሉድካ ኣርዚንካ ርኣዮ። ኣገዳስነት ከም ዘይብሉ ጌርካ ዕሽሽ ኣይትበሎ፣ ንዓኻ ስለ ዜሸቝርረካ ድማ ነቲ ጕዳይ ኣይትጕሰዮ” በለ። ከም ሓቂ እኳ ደኣስ፡ ውሉድካ ብቕንዕና ሕቶታት ዚሓትት፡ ተገዳስነት ስለ ዘለዎን ኪርዳእ ስለ ዚደልን እዩ። የሱስ ገና ወዲ 12 ዓመት ከሎ፡ ከቢድ ሕቶታት ሓቲቱ እዩ። (ሉቃስ 2:46 ኣንብብ።) ሓደ ኣብ ደንማርክ ዚነብር ወዲ 15 ዓመት ኰተቴ፡ “ሃይማኖትና ናይ ሓቂ እንተ ዀይኑ ርግጸኛ ኸም ዘይኰንኩ ምስ ተዛረብኩ፡ ወለደይ ብኣይ ተሻቒሎም ኪዀኑ ዚኽእሉ እኳ እንተ ዀኑ፡ ብህድኣት እዮም ኣዘራሪቦምኒ። ብመጽሓፍ ቅዱስ ገይሮም ድማ ንዅሉ ሕቶታተይ መሊሶምለይ” ኢሉ ተዘክሮኡ ገለጸ።

5. ወለዲ፡ ‘ደቀይ እምነት ኣለዎም’ ኢሎም ብቐሊሉ ኸም ዘይደምደሙ ብኸመይ ኬርእዩ ይኽእሉ፧

5 ንውሉዳትካ ኣጸቢቕካ ፍለጦም፣ ኣተሓሳስባኦምን ስምዒታቶምን ሻቕሎቶምን ፍለጥ። ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ስለ ዚእከቡን ምሳኻ ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ስለ ዚሳተፉን ጥራይ፡ እምነት ከም ዘለዎም ጌርካ ኣይትደምድም። የግዳስ፡ ኣብ መዓልታዊ ንጥፈታትካ ብዛዕባ መንፈሳዊ ነገራት ኣመያይጦም። ምሳታቶም ጸሊ፣ ምእንታኦም እውን ጸሊ። ኣብ እምነቶም እንታይ ፈተና ኸም ዜጋጥሞም ክትፈልጥ ጽዓር፣ ብኸመይ ከም ዚዋጽኡሉ ድማ ሓግዞም።

ካብ ልቢ ምሃሮም

6. ወለዲ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቂ ኣብ ልቦም ምቕራጾም፡ ንደቆም ኪምህሩ ኸለዉ ብኸመይ ይሕግዞም፧

6 የሱስ ንየሆዋን ንቓል ኣምላኽን ንሰባትን ፍቕሪ ስለ ዘለዎ፡ ኪምህር ከሎ ልቢ ሰባት ይትንኪ ነይሩ እዩ። (ሉቃ. 24:32፣ ዮሃ. 7:46) ወለዲ እውን ከምዚ ዓይነት ፍቕሪ እንተ ኣልይዎም፡ ንልቢ ደቆም ኪትንክዩ ይኽእሉ እዮም። (ዘዳግም 6:5-8፣ ሉቃስ 6:45 ኣንብብ።) ስለዚ ኣቱም ወለዲ፡ ንመጽሓፍ ቅዱስን ንጽሑፋትናን ጽቡቕ ጌርኩም ኣጽንዕዎ። ኣብ ፍጥረትን ብዛዕባኡ ኣብ ዚገልጽ ጽሑፋትን ተገዳስነት ኣሕድሩ። (ማቴ. 6:26, 28) ከምኡ ምግባርኩም፡ ንፍልጠትኹም ኬስፍሖ፡ ብዛዕባ የሆዋ ዘሎኩም ግንዛበ ኼዕምቖ፡ ንደቅኹም ንምምሃር ከኣ ብዝያዳ እተዓጠቕኩም ኪገብረኩም እዩ።—ሉቃ. 6:40

7, 8. ልቢ ወለዲ በቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቂ ምስ ዚምላእ፡ እንታይ ፍረ እዩ ዚህልዎ፧ ኣብነት ሃብ።

7 ልብኹም በቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቂ ምስ ዚምላእ፡ ብዛዕባኡ ምስ ኣባላት ስድራ ቤትኩም ንምምይያጥ ድሌት ኪሓድረኩም እዩ። ነዚ ድማ ንክርስትያናዊ ኣኼባታት ኣብ እትዳለውሉ እዋን ወይ ኣብ ኣምልኾ ስድራ ቤት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ወትሩ ግበርዎ። ንኸምዚ ዓይነት ምይይጥ ከኣ ‘እስከ ንግበሮ’ ኢልኩም ግዴታ ተሰሚዕኩም ዘይኰነስ፡ ኣብ መዓልታዊ ዕላልኩም ብባህርያዊ መገዲ ኣእትውዎ። ንኣብነት፡ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዚነብሩ ሰብ ሓዳር፡ ብስድራ ቤት ኰይኖም ተፈጥሮ ኺርእዩ ኸለዉ ወይ ጥዑም ምግቢ ኺበልዑ ኸለዉ ብዛዕባ የሆዋ ይዛራረቡ እዮም። እቶም ወለዲ፡ “ንደቅና፡ ኣብቲ የሆዋ ዚህበና ነገራት ኵሉ ፍቕሩን ሓልዮቱን ከም ዚንጸባረቕ ንነግሮም ኢና” ይብሉ። ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዚነብሩ ሰብ ሓዳር፡ ምስ ክልተ ደቆም ኰይኖም ኣትክልቲ ኪከናኸኑ ኸለዉ፡ ነቲ ዘርኢ በቚሉ ተኽሊ ዚዀነሉ ዜደንቕ ኣገባብ ይገልጹለን እዮም። እቶም ወለዲ፡ “ደቅና ንህይወትን ነቲ ዜደንቕ ሕልኽልኻቱን ዓብዪ ኣኽብሮት ምእንቲ ኼሕድራ፡ ክንሕግዘን ንጽዕር ኢና” በሉ።

8 ሓደ ኣብ ኣውስትራልያ ዚነብር ኣቦ፡ ወዱ ዳርጋ ወዲ ዓሰርተ ዓመት ምስ ኰነ፡ የሆዋ ፈጣሪ ምዃኑ ዘለዎ እምነት ኬደልድል ምእንቲ ኺሕግዞ፡ ናብ ሓደ ቤተ መዘክር ወሰዶ። እቲ ኣቦ ድማ ብዛዕባ እቲ ሽዑ ዝረኣይዎ ኸምዚ በለ፦ “ኣብቲ ንምርኢት እተቐመጠ፡ ኣሞኖይድን ትራይሎባይትን ዚብሃሉ ናይ ጥንቲ ፍጥረት ባሕሪ ርኢና። እዞም ዝጸነቱ እንስሳታት ድማ ማዕረ እዞም ሕጂ ዘለዉ ጽቡቓትን እተሓላለኹን ጐደሎ ዘይብሎምን ምዃኖም ብዙሕ ኣገሪሙና። እሞ ደኣ ህይወት ብመስርሕ ፍልቀት ካብ ቀሊል ናብ እተሓላለኸ ዓይነት ህይወት ዚምዕብል እንተ ዀይኑ፡ ከመይ ኢሎም እዮም እዞም ናይ ጥንቲ ፍጥረታት ካብ ቀደሞም እተሓላለኹ ዝነበሩ፧ እዚ ንዓይ ውሽጠይ ዝተንከየኒ ነጥቢ፡ ንወደይ እውን ኣካፊለዮ።”

ውጽኢታዊ ምሳሌታት ተጠቐም

9. ምሳሌታት ምጥቃም ውጽኢታዊ ዚኸውን ስለምንታይ እዩ፧ ሓንቲ ኣደኸ እንታይ ምሳሌ እያ ተጠቒማ፧

9 የሱስ ብዙሕ ሳዕ ምሳሌታት ይጥቀም ነይሩ እዩ፣ እዚ ድማ ንኣእምሮ ዜስፍሕን ልቢ ዚትንክን ንተዘክሮ ዚሕግዝን እዩ ነይሩ። (ማቴ. 13:34, 35) ቈልዑ ብኣእምሮኦም ናይ ምስኣል ሓያል ክእለት ኣለዎም። ስለዚ፡ ኣቱም ወለዲ፡ ኣብ ትምህርትኹም ብዙሕ ምሳሌታት ተጠቐሙ። ኣብ ጃፓን እትነብር ሓንቲ ኣደ ኸምኡ እያ ገይራ። ክልተ ደቃ፡ ወዲ ሸሞንተን ወዲ ዓሰርተን ኣብ ዝነበሩሉ እዋን፡ ብዛዕባ ኣብ ከባቢ ምድሪ ዘሎ ሃዋህውን የሆዋ ንዕኡ ብምፍጣር ዘርኣዮ ሓልዮትን መሃረቶም። ከምኡ ንምግባር ከኣ፡ ነቶም ኣወዳት ጸባን ሽኮርን ቡንን ሃበቶም። ድሕሪኡ፡ ንነፍሲ ወከፎም ማክያቶ ኼዳልዉላ ሓተተቶም። ብዛዕባ እቲ ዝገበርዎ ኽትገልጽ ከላ፡ ከምዚ በለት፦ “ተጠንቂቖም እዮም ኣዳልዮምዎ። ስለምንታይ ብዙሕ ከም እተጠንቀቑ ምስ ሓትትክዎም፡ ከምቲ ዝፈትዎ ዓይነት ማክያቶ ኼዳልዉለይ ከም ዝደለዩ ነጊሮምኒ። ኣነ ድማ ኣምላኽ ነቲ ኣብ ሃዋህው ዘሎ ጋዛት ብተመሳሳሊ ንዓና ኸም ዚኸውን ገይሩ ብጥንቃቐ ኸም ዝሓወሶ ገሊጸሎም።” እቲ ምሳሌ ምስ ዕድሚኦም ዚመጣጠን እዩ ነይሩ፣ እቲ ትምህርቲ ድማ ንሳቶም ዚሳተፉሉ ንጥፈታት ዘለዎ ብምንባሩ ኣሐጒስዎም እዩ። ነቲ ትምህርቲ እቲ መሸም ንነዊሕ እዋን ኣይርስዕዎን እዮም!

ንውሉዳትካ ብዛዕባ ህልውና ፈጣሪ ንምግላጽ፡ ተራ ነገራት ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ (ሕጡብ ጽሑፍ 10 ርአ)

10, 11. (ሀ) ንውሉድካ ኣብ ኣምላኽ ዘለዎ እምነት ኪሃንጽ ንምሕጋዝ፡ እንታይ ምሳሌ ኽትጥቀም ትኽእል፧ (ኣብ መእተዊ ዘላ ስእሊ ርአ።) (ለ) ውጽኢታዊ ዀይኑ ዝረኸብካዮ እንታይ ምሳሌታት ክትጠቅስ ትኽእል፧

10 ውሉድካ ኣብ ኣምላኽ ዘለዎ እምነት ምእንቲ ኺሃንጽ፡ ኣሰራርሓ ምግቢ ዚገልጽ መምርሒ ኽትጥቀም ትኽእል ኢኻ። ብኸመይ፧ ዶልሺ ወይ ብሽኮቲ ምስ ሰንከትካ፡ እቲ ብዛዕባ ኣሰራርሓኡ ዚገልጽ መምርሒ ዘለዎ ግደ ግለጸሉ። ድሕሪኡ ንውሉድካ ሓደ ፍሩታ፡ ንበል ቱፋሕ ሃቦ እሞ፡ “ብዛዕባ ኣሰራርሓ እዛ ቱፋሕ እዚኣ ዚገልጽ ዝርዝር መምርሒ ኸም ዘሎስ ትፈልጥዶ፧” ኽትብሎ ትኽእል ኢኻ። ቀጺልካ፡ ነታ ቱፋሕ ኣብ ክልተ ቘሪጽካ፡ ዘርኣ ሃቦ። እቲ ኣሰራርሓኣ ኣብቲ ዘርኣ “ተጻሒፉ” ኸም ዘሎ፡ ግናኸ ኻብቲ ኣሰራርሓ ምግቢ ዚገልጽ መምርሒ ብዝያዳ ብእተሓላለኸ መገዲ ሰፊሩ ኸም ዘሎ ኽትገልጸሉ ትኽእል ኢኻ። ድሕሪኡ፡ “ነዚ ንኣሰራርሓ ዶልሺ ዚገልጽ መምርሒ፡ ጸሓፊ ኻብ ኣድልዮ፡ ነቲ ኣብዛ ቱፋሕ ዘሎ ኣመና እተሓላለኸ ኣሰራርሓ መን ጽሒፍዎ፧” ኢልካ ኽትሓትቶ ትኽእል ኢኻ። ውሉድካ ዝጐበዘ እንተ ዀይኑ ኸኣ፡ እቲ ንኣሰራርሓ ቱፋሕ፡ ካብኡ ሓሊፉ እውን ንብምልእታ እታ ኦሞ ዚገልጽ መምርሒ፡ ኣብ ዲ.ኤን.ኤ. ኸም ዘሎ ኽትገልጸሉ ትኽእል ኢኻ። ብሓባር ድማ፡ ኣብታ ዘ ኦርጅን ኦቭ ላይፍ—ፋይቭ ኰስችንስ ዎርዝ ኣስኪንግ ዘርእስታ ብሮሹር፡ ነቲ ኻብ ገጽ 10 ኽሳብ 20 ዘሎ ስእልታት ክትርእይዎ ትኽእሉ ኢኹም።

11 ብዙሓት ወለዲ በታ ኣብ ንቕሑ! እትወጽእ ዓምዲ “ተነዲፉ ድዩ፧” ገይሮም ንደቆም ምምይያጥ የሐጕሶም እዩ። ወይ ከኣ በታ ዓምዲ ገይሮም ንንኣሽቱ ደቆም ቀሊል ትምህርቲ ይምህርዎም እዮም። ንኣብነት፡ ኣብ ደንማርክ ዚነብሩ ሰብ ሓዳር ንነፈርቲ ምስ ኣዕዋፍ እናኣነጻጸሩ ኸምዚ ዚብል ሕቶታት ኣቕሪቦም እዮም፦ “ነፈርቲ ልክዕ ንኣዕዋፍ እየን ዚመስላ። ግናኸ፡ ነፈርቲ እንቋቝሖ ኺወልዳን ንኣሽቱ ነፈርቲ ኼጫጭሓን ይኽእላዶ፧ ኣዕዋፍከ ፍሉይ መዕረፊ ጽርግያ የድልየንዶ፧ ደሃይ ነፈርቲ ምስ መዝሙር ኣዕዋፍ ከተነጻጽርዎ ኸለኹም ከመይ እዩ፧ እሞ ደኣ መን እዩ ብዝያዳ በሊሕ፡—እቲ ንነፈርቲ ዝሰርሐዶ፡ ወይስ እቲ ንኣዕዋፍ ዝፈጠረ፧” ውሉዳት ብጽቡቕ ሕቶታት እተሰነየ ኸምዚ ዝበለ ሓሳባት ምስ ዚውሃቦም፡ ናይ “ምምዝዛን” ክእለቶም ኬማዕብሉን ኣብ ኣምላኽ ዘለዎም እምነት ኪሃንጹን ይኽእሉ እዮም።—ምሳ. 2:10-12

12. ምሳሌታት ነቲ ውሉዳት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘለዎም እምነት ዜደልድለሎም ብኸመይ እዩ፧

12 ውጽኢታዊ ምሳሌታት ነቲ ውሉድ ኣብ ልክዕነት መጽሓፍ ቅዱስ ዘለዎ እምነት እውን ኬደልድለሉ ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ እዮብ 26:7 እስከ ንውሰድ። (ኣንብብ።) እዛ ጥቕሲ እዚኣ ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ ከም እተጻሕፈት ከመይ ጌርካ ኽትገልጽ ትኽእል፧ ጭቡጥ ሓቅታት ጥራይ ኣብ ክንዲ እትጠቅስ፡ ውሉድካ ነቲ ብኣእምሮኡ ናይ ምስኣል ክእለቱ ኺጥቀመሉ ንምንታይ ዘይትሕግዞ፧ ፈለማ፡ እዮብ ይነብረሉ ኣብ ዝነበረ እዋን፡ ተለስኮፕን ንጠፈር ዚውንጨፍ መጓዓዝያን ከም ዘይነበረ ጥቐስ። ወድኻ ድማ ከም ምድሪ ዝበለ ኣዝዩ ገዚፍ ነገር ኣብ ገለ ዘይብሉ ኺንጥልጠል ዚብልዎ ሓሳብ ንምእማኑ ዜሸግር ከም ዝዀነ ገይሩ ይዋሳእ። ምናልባት ብዅዕሶ ወይ ብእምኒ እናተጠቕመ፡ ክብደት ዘለዎ ነገር ተሰካሚ ኸም ዜድልዮ ይማጐት። በዚ ኸምዚ፡ እቲ የሆዋ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘመዝገቦ ሓቅታት፡ ሰባት መርትዖ ኬቕርቡሉ ኣብ ዘይክእሉ እዋን ከም እተጻሕፈ ንውሉድካ ንጹር ይዀነሉ።—ነህ. 9:6

ኣገዳስነት ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ግለጽ

13, 14. ከመይ ገይሮም እዮም ወለዲ ኣብ ኣእምሮ ደቆም ኣገዳስነት ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኪቐርጹ ዚኽእሉ፧

13 ኣገዳስነት ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ኣእምሮ ደቅኻ ምቕራጽ፡ ኣዝዩ ኣድላዪ እዩ። (መዝሙር 1:1-3 ኣንብብ።) ከምኡ ኽትገብረሉ እትኽእል ብዙሕ መገድታት ኣሎ። ንኣብነት፡ ንውሉዳትካ ናብ ግልልቲ ደሴት ይግዕዙ ኸም ዘለዉ እሞ ምሳታቶም ዚነብሩ ሰባት ኪሓርዩ ኣጋጣሚ ኸም እተዋህቦም ጌርካ ንገሮም። ድሕሪኡ፡ “ኵሎም ብሰላምን ብስኒትን ምእንቲ ኺነብሩ፡ ነፍሲ ወከፍ ሰብ እንታይ ባህርያት ኪህልዎ ኣለዎ፧” ኢልካ ሕተቶም። ብዛዕባ እቲ ኣብ ገላትያ 5:19-23 ዚርከብ ጥበባዊ መምርሒታት እውን ከተዛራርቦም ትኽእል ኢኻ።

14 እዚ ኸኣ ንደቅኻ ኽልተ ኣገዳሲ ትምህርቲ ኺምህሮም እዩ። ቀዳማይ፡ ስርዓታት ኣምላኽ ናይ ሓቂ ሰላምን ስኒትን የስፍን እዩ። ካልኣይ፡ የሆዋ በዚ ሕጂ ዚህበና ዘሎ ትምህርቲ ኣቢሉ ነቲ ኣብ ሓዳስ ዓለም ዚህሉ ህይወት የዳልወና ኣሎ። (ኢሳ. 54:13፣ ዮሃ. 17:3) ነዚ ነጥብታት እዚ ዜራጕድ ተመክሮ ድማ ካብ ጽሑፋትና ኽትሓሪ ትኽእል ኢኻ። ምናልባት ነታ ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ እትወጽእ፡ “መጽሓፍ ቅዱስ፡ ህይወት ሰባት ይቕይር” ዘርእስታ ዓምዲ ኽትጥቀመላ ትኽእል ኢኻ። ንየሆዋ ምእንቲ ኼሐጕስ ኢሉ ኣብ ህይወቱ ብዙሕ ለውጥታት ዝገበረ ሰብ ኣብ ጉባኤኹም እንተ ኣልዩ ድማ፡ ታሪኹ ምእንቲ ኺነግረኩም ናብ ቤትኩም ክትዕድምዎ ትኽእሉ ኢኹም። ከምዚ ዝበለ ኣብነታት ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ህያው ይገብሮ እዩ።—እብ. 4:12

15. ንደቅኻ ኽትምህሮም ከለኻ፡ ቀንዲ ሸቶኻ እንታይ ኪኸውን ይግባእ፧

15 እቲ ኺመሓላለፍ ተደልዩ ዘሎ ነጥቢ እዚ እዩ፦ ንውሉዳትካ ኽትምህር ከለኻ፡ ወግሐ ጸብሐ ኣብ ሓደ ሜላ ጥራይ ዕንክሊል ኣይትበል። ንናይ ምምሃዝ ክእለትካ ተጠቐመሉ። ምስ ዕድሚኦም ዚኸይድ ሜላ ጌርካ፡ ንኣእምሮኦም ኣስፍሓዮ። ኣመሃህራኻ ባህ ዜብልን እምነት ዜደልድልን ይኹን። ከምቲ ሓደ ኣቦ ዝበሎ፡ “ንዝጸንሐ ትምህርትታት ብሓድሽ መገድታት ንምቕራቡ ድሕር ኣይትበል።”

እሙንን ዕጉስን ጸሎተኛን ኩን

16. ንውሉዳትካ ኽትምህሮም ከለኻ፡ ትዕግስቲ ኣገዳሲት ዝዀነት ስለምንታይ እያ፧ ኣብነት ሃብ።

16 ድልድልቲ እምነት ምእንቲ ኽትህልወና፡ መንፈስ ኣምላኽ የድልየና እዩ። (ገላ. 5:22, 23) እምነት ከም ሓንቲ ፍረ ብምዃና፡ ክትዓቢ ግዜ የድልያ እዩ። ስለዚ፡ ንደቅኻ ኽትምህሮም ከለኻ፡ ትዕግስትን ጽንዓትን የድልየካ እዩ። ምስዚ ብዚተሓሓዝ፡ ኣብ ጃፓን ዚነብር ኣቦ ኽልተ ኸምዚ በለ፦ “ኣነን ሰበይተይን ንደቅና ብዙሕ ቈላሕታ ጥራይ ኢና እንገብረሎም። ሕጻናት ካብ ዝነበሩሉ ግዜ ኣትሒዘ፡ ብዘይካ ኣብተን ክርስትያናዊ ኣኼባታት ዝነበረና መዓልትታት፡ መዓልቲ መዓልቲ ን15 ደቒቕ ምሳታቶም አጽንዕ ነይረ እየ። 15 ደቒቕ ንዓና ዀነ ንዓታቶም ኣይከብዶምን እዩ ነይሩ።” ሓደ ሓላው ወረዳ ድማ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ፦ “ኰተቴ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን፡ ብቓላት ክገልጾ ኻብ ዝኽእል ንላዕሊ ሕቶታት ወይ ጥርጣረታት ነይሩኒ እዩ። ምስ ግዜ፡ ንመብዛሕትኡ እዚ ሕቶታተይ ኣብ ኣኼባታት ወይ ኣብ መጽናዕቲ ስድራ ቤት ወይ ኣብ ብሕታዊ መጽናዕቲ ምላሽ ረኺበሉ እየ። ስለዚ ድማ እዮም ወለዲ ብቐጻሊ ኺምህሩ ዘለዎም።”

ንፉዕ መምህር ምእንቲ ኽትከውን፡ ቃል ኣምላኽ ቅድም ኣብ ልብኻ ኪኸውን ኣለዎ (ሕጡብ ጽሑፍ 17 ርአ)

17. ወለዲ ጽቡቕ ኣብነት ኪዀኑ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ሓደ ጽምዲ ሰብ ሓዳር ንደቆም ጽቡቕ ኣብነት ዝዀንወን ብኸመይ እዮም፧

17 ካልእ ኣዝዩ ኣገዳሲ ነገር ከኣ፡ ብእምነትካ ኣብነት ምዃን እዩ። ደቅኻ ነቲ እትገብሮ ይዕዘብዎ እዮም፣ እዚ ድማ ብርግጽ ጽቡቕ ጽልዋ ኺገብረሎም እዩ። ስለዚ፡ ኣቱም ወለዲ፡ ወትሩ እምነትኩም ህነጹ። የሆዋ ንዓኻትኩም ክሳዕ ክንደይ ጋህዲ ኸም ዚዀነልኩም፡ ንውሉዳትኩም ኣርእይዎም። ኣብ በርሙዳ ዚነብሩ ሰብ ሓዳር ዜጨንቕ ኵነታት ኬጋጥሞም ከሎ፡ የሆዋ ምእንቲ ኺመርሖም ምስ ደቆም ብሓባር ኰይኖም ይጽልዩ እዮም፣ ንደቆም ከኣ በይነን ኪጽልያ የተባብዕወን እዮም። ብዛዕባ እዚ ኺገልጹ ኸለዉ፡ “ብዛይካዚ፡ ነታ ዓባይ ጓልና፡ ‘ብየሆዋ ምሉእ ብምሉእ ተኣመኒ፣ ብኣገልግሎት መንግስቲ ኣምላኽ ትሕዝቲ ኹኒ፣ ብዙሕ እውን ኣይትጨነቒ’ ንብላ ኢና። ኣብ መወዳእታ፡ ውጽኢቱ ምስ ረኣየት፡ የሆዋ ይሕግዘና ኸም ዘሎ ትፈልጥ እያ። እዚ ኣብቲ ኣብ ኣምላኽን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስን ዘለዋ እምነት ዓብዪ ጽልዋ ገይሩ እዩ” ይብሉ።

18. ወለዲ እንታይ ኣገዳሲ ሓቂ እዮም ኪርስዑ ዘይብሎም፧

18 ኣብ መወዳእታኡ፡ ውሉዳት ናይ ርእሶም እምነት ኬማዕብሉ ኸም ዘለዎም ዚከሓድ ኣይኰነን። ይኹን እምበር፡ ኣቱም ወለዲ፡ ክትተኽሉን ማይ ከተስትዩን ትኽእሉ ኢኹም። እቲ ዜብቍል ግና ኣምላኽ ጥራይ እዩ። (1 ቈረ. 3:6) ስለዚ፡ መንፈሱ ንምርካብ ጸልዩ፡ ነቶም ፍቑራት ደቅኹም ተጊህኩም ምሃርዎም፣ ከምኡ ምስ እትገብሩ፡ የሆዋ ኣብዚሑ ኺባርኸኩም እዩ።—ኤፌ. 6:4