ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣቱም ብዕድመ ዝደፋእኩም ክርስትያናት፡ የሆዋ ንተኣማንነትኩም ኣኽቢሩ እዩ ዚርእዮ

ኣቱም ብዕድመ ዝደፋእኩም ክርስትያናት፡ የሆዋ ንተኣማንነትኩም ኣኽቢሩ እዩ ዚርእዮ

ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ሽማግለታት፡ ነቲ ኣብ መንጎ ህዝቢ ኣምላኽ ዘለዎም ፍሉይ መሰላት ኣገልግሎት ኣኽቢሮም እዮም ዚርእይዎ። ንዅላትና ድማ በረኸት እዮም። ይኹን እምበር፡ ቅድሚ ሒደት እዋናት እተገብረ ምትዕርራያት ኣሎ። ብዕድመ ዝደፍኡ ሽማግለታት ገለ ኻብቲ ኸቢድ ሓላፍነታቶም ነቶም ብዕድመ ዝነኣሱ ሽማግለታት ኬረክቡ ተነጊርዎም እዩ። ብኸመይ፧

ብመሰረት እቲ ሓድሽ መሰናድዎ፡ ኣብ 70 ዓመት ዕድሚኦም ዝበጽሑ ሓለውቲ ወረዳን መምህራንን ነዚ ዓይነት ኣገልግሎት እዚ ኸም ዜቋርጹ ተገይሩ እዩ። ብዘይካዚ፡ 80 ዓመት ዝዕድሚኦም ሽማግለታት፡ ከም ኣተሓባባሪ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ወይ ኣተሓባባሪ ኣካል ሽማግለታት ጉባኤ ንዝኣመሰለ እተፈላለየ መዝነት ብዕድመ ንዝነኣሱ ሽማግለታት ከም ዜረክቡ ተገይሩ እዩ። እዞም ብዕድመ ዝደፍኡ ሽማግለታት ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ምትዕርራያት እንታይ ምላሽ ሂቦምሉ፧ ንየሆዋን ንውድቡን እሙናት ከም ዝዀኑ ኣርእዮም እዮም።

ኬን ዝስሙ ንኣስታት 49 ዓመት ኣተሓባባሪ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ኰይኑ ዝዓየየ ሓው፡ “ምስቲ ውሳነ ምሉእ ብምሉእ እየ ተሰማሚዐ” በለ። ወሲኹ እውን፡ “ኣብታ ብዛዕባ እዚ ዝፈለጥኩላ ንግሆ፡ ኣተሓባባሪ ዀይኑ ኼገልግል ዚኽእል ብዕድመ ዝነኣሰ ሓው ከም ዜድሊ ናብ የሆዋ ጸልየ እየ” በለ። ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ብዕድመ ዝደፍኡ እሙናት ኣሕዋት እውን ከም ናይ ኬን ዓይነት ስምዒት እዮም ኣንጸባሪቖም። ብርግጽ፡ ንኣሕዋቶም ምግልጋል ባህ ስለ ዜብሎም፡ ኣብ ፈለማ ብእተወሰነ ደረጃ ጕህዮም ነይሮም እዮም።

ኤስፐራንድዮ ዝስሙ ኣብ ጉባኤኡ ኣተሓባባሪ ኣካል ሽማግለታት ዝነበረ ሓው፡ “ቍሩብ ጕህየ ነይረ እየ” በለ። ግናኸ፡ “ጥዕና እስእን ስለ ዝነበርኩ፡ ንርእሰይ ክከናኸና ዝያዳ ግዜ የድልየኒ ነይሩ እዩ” ብምባል ተኣመነ። ኤስፐራንድዮ ብተኣማንነት ንየሆዋ ምግልጋሉን ንጉባኤ በረኸት ምዃኑን ቀጺሉ እዩ።

ንነዊሕ እዋን ገየሽቲ ሓለውቲ ዝነበሩ፡ ሕጂ ግና ኣብ ካልእ መዳይ ኣገልግሎት ዜገልግሉ ዘለዉ ኣሕዋትከ ኸመይ ተሰሚዕዎም፧ ኣለን ዝስሙ ን38 ዓመት ገያሺ ሓላዊ ዀይኑ ዘገልገለ ሓው፡ “ብዛዕባኡ ምስ ፈለጥኩ፡ ሰምቢደ እየ” በለ። ይኹን እምበር፡ ነቲ ዕዮ ዚዓይዩ መንእሰያት ኣሕዋት ምስልጣን ክሳዕ ክንደይ ጠቓሚ ኸም ዝዀነ ተገንዚቡ እዩ። ብተኣማንነት ከኣ ንየሆዋ የገልግል ኣሎ።

ብድምር ን40 ዓመት ገያሺ ሓላውን መምህርን ኰይኑ ዘገልገለ ራስል ዝስሙ ሓው፡ ኣብ ፈለማ ንሱን ሰበይቱን ሓዚኖም ከም ዝነበሩ ገለጸ። “ነቲ ዝነበረና ፍሉይ መሰል ኣዚና ኽብ ኣቢልና ንርእዮ ስለ ዝነበርና፡ ነቲ ዕዮ ኽንቅጽሎ ዓቕሚ ዘሎና ዀይኑ ይስምዓና ነይሩ” ድማ በለ። ራስልን ሰበይቱን ነቲ ዝረኸብዎ ስልጠናን ተመክሮን ኣብ ጉባኤኦም ስለ እተጠቕሙሉ፡ እቶም ምሳታቶም ዜገልግሉ ኣስፋሕቲ ብዙሕ ተሓጒሶም እዮም።

ከምቶም ክንጠቕሶም ዝጸናሕና ኣሕዋት እተሰምዖም ዓይነት ስምዒት እኳ እንተ ዘይተሰምዓካ፡ እቲ ኣብ 2 ሳሙኤል ዚርከብ ጸብጻብ ንስምዒቶም ክትርድኣሎም ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ።

ትሑትን ዓቕሙ ዚፈልጥን ሰብ

ነቲ ኣቤሴሎም ወዲ ንጉስ ዳዊት ዝዓለወሉ እዋን እሞ ዘክሮ። ዳዊት ካብ የሩሳሌም ናብታ ብምብራቕ ፈለግ ዮርዳኖስ እትርከብ ማሓናዪም ሃደመ። ኣብኡ ድማ ዳዊትን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰባትን ንህይወት ዜድሊ መሰረታዊ ነገራት ኣድለዮም። ሽዑ እንታይ ከም ዘጋጠሞም ትዝክሮዶ፧

ኣብቲ ኸባቢ ዚቕመጡ ሰለስተ ሰብኡት ብልግሲ መደቀስን ምግብን እተፈላለየ ናውትን ኣምጽኡሎም። ሓደ ኻባታቶም ከኣ ባርዚላይ እዩ ነይሩ። (2 ሳሙ. 17:27-29) ኣቤሴሎም ምስ ተሳዕረ፡ ዳዊት ናብ የሩሳሌም ኪምለስ ከሎ፡ ባርዚላይ ክሳብ ዮርዳኖስ ኣሰነዮ። ዳዊት ከኣ ንባርዚላይ ምስኡ ናብ የሩሳሌም ኪኸይድ ተማሕጸኖ። ከም ዚቕልቦ ድማ ቃል ኣተወሉ። ኰይኑ ግና፡ ባርዚላይ “ኣዝዩ ሃብታም” ስለ ዝነበረ፡ እቲ ዳዊት ቃል ዝኣተወሉ ቐለብ ኣየድልዮን እዩ ነይሩ። (2 ሳሙ. 19:31-33) ኰይኑ ግና፡ ዳዊት ካብቲ ባርዚላይ ዝነበሮ ጽቡቕ ባህርያትን ብዕድመ ዝረኸቦ ተመክሮን ኪጥቀም ስለ ዝደለየ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ ቤተ መንግስቲ ምንባርን ምስራሕን ዓብዪ ኽብሪ ምንባሩ ድማ ፍሉጥ እዩ።

ባርዚላይ ግና ዓቕሙ ዚፈልጥን ትሑትን ስለ ዝነበረ፡ ወዲ 80 ዓመት ከም ዝዀነ ገለጸ። ወሲኹ ኸኣ፡ “ኣብ መንጎ ጽቡቕን ክፉእን ክፈሊዶ እኽእል እየ፧” በለ። እንታይ ማለት እዩ ነይሩ፧ ባርዚላይ ኣብቲ ነዊሕ ዕድሚኡ ብዙሕ ጥበብ ከም ዝረኸበ ርዱእ እዩ። ስለዚ፡ ከምቶም ድሕሪ ግዜ ንንጉስ ሮብዓም ጽቡቕ ምኽሪ ዝመኸርዎ “ዓበይቲ፡” ምኽሪ ኺህብ ይኽእል ነይሩ እዩ። (1 ነገ. 12:6, 7፣ መዝ. 92:12-14፣ ምሳ. 16:31) ስለዚ፡ ባርዚላይ ጽቡቕን ክፉእን ኪፈሊ ኸም ዘይክእል እተዛረቦ ዘረባ፡ ብሰንኪ ምድፋእ ዕድመ ንዘጋጠሞ ኣካላዊ ድሩትነት ዜመልክት ኪኸውን ይኽእል እዩ። ብሰንኪ እርጋኑ፡ ጣዕሚ እቲ ዚበልዖን ዚሰትዮን እውን ከም ዘይፈልጦ ተዛሪቡ እዩ። (መክ. 12:4, 5) ስለዚ፡ ባርዚላይ ነቲ ምናልባት ወዱ ኪኸውን ዚኽእል ኪምሃም ዚብሃል መንእሰይ ኪወስዶ ንዳዊት ተማሕጸኖ።—2 ሳሙ. 19:35-40

ንመጻኢ እተገብረ መደብ

እቲ ኣብ መእተዊ እተጠቕሰ ንዕድመ ዚምልከት ምትዕርራይ ነቲ ባርዚላይ ዝነበሮ ኣረኣእያ ዜንጸባርቕ እዩ። ኣብዚ ግዜና፡ ከምቲ ኣብ ኵነታት ባርዚላይ እተራእየ፡ ኣብ ግምት ኪኣቱ ዘለዎ ናይ ሓደ ሰብ ኵነታትን ክእለትን ጥራይ ከም ዘይኰነ ርዱእ እዩ። የግዳስ፡ ነቶም ኣብ መላእ ዓለም ዜገልግሉ እሙናት ሽማግለታት እንታይ ከም ዜድልዮም ኣብ ግምት ዘእተወ ኪኸውን ኣለዎ።

እዞም ትሑታት ብዕድመ ዝደፍኡ ክርስትያን ሰብኡት እቲ ንነዊሕ እዋን ሒዞምዎ ዝጸንሑ ሓላፍነት ነቶም ብዕድመ ዝነኣሱ ኣሕዋት ዜረክብዎም እንተ ዀይኖም፡ ውድብ የሆዋ ቐጻሊ ዕቤት ክትገብር ከላ ኺርእዩ ይኽእሉ እዮም። ከምቲ ባርዚላይ ንወዱ፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ድማ ንጢሞቴዎስ ዘሰልጠንዎም፡ መብዛሕትኡ ግዜ፡ እቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ኣሕዋት ነቶም ብዕድመ ዝነኣሱ ኣሕዋት የሰልጥንዎም እዮም። (1 ቈረ. 4:17፣ ፊል. 2:20-22) እዞም ብዕድመ ዝነኣሱ ኣሕዋት እዚኦም “ንምህናጽ ሰብነት ክርስቶስ” ብምሕጋዝ፡ “ውህበት ሰባት” ምዃኖም ኣረጋጊጾም እዮም።—ኤፌ. 4:8-12፣ ምስ ዘሁልቍ 11:16, 17, 29 ኣረኣኢ።

ክትሳተፉሉ እትኽእሉሉ እተፈላለየ መዳያት

ኣብተን ህዝቢ ኣምላኽ ዚርከቡለን ጉባኤታት ዘለዉ እተወሰነ ሓላፍነታት ንኻልኦት ዝሃቡ ሓያሎ ኣሕዋት፡ ኣብ ዕዮ የሆዋ ኣገልግሎቶም ኬስፍሑ ኣጋጣሚታት ረኺቦም እዮም።

ን19 ዓመት ገያሺ ሓላዊ ዀይኑ ዘገልገለ ማርኮ፡ “እቲ ሓድሽ ኵነታተይ፡ ንዘይኣመንቲ ሰብኡት ኣሓትና ኺበጽሖም ኣጋጣሚ ኸፊቱለይ እዩ” በለ።

ዠራልዶ ዚብሃል ን28 ዓመት ኣብ ዕዮ መገሻ ዘገልገለ ሓዉ ድማ፡ “ሓድሽ ሸቶታትና ንዘይንጡፋት ምሕጋዝን ብዙሕ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምምራሕን የጠቓልል” በለ። ዛጊት ንሱን ሰበይቱን 15 መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚመርሑን ንሓያሎ ዘይንጡፋት ኣሕዋት ናብ ኣኼባ ኺመጹ ኸም ዝሓገዙን ተዛሪቡ እዩ።

እቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ኣለን፡ “ሕጂ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ዕዮ ስብከት ከነተኵር ኣጋጣሚ ረኺብና ኢና። ብግህዶ ኣብ ዚግበር ምስክርነትን ኣብ ቦታ ንግዲ ምግልጋልን ንጐረባብትና ምምስካርን ባህ እዩ ዚብለና፣ ክልተ ኻብቶም ዝመስከርናሎም ሰባት ድማ ናብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ መጺኦም እዮም” በለ።

ክኢላን እሙንን ሓው እንተ ዄንካ እሞ ሓደ ኻብቶም ናብ ሓድሽ ዕዮ እተመደቡ ክርስትያን እንተ ዄንካ፡ ከተገልግለሉ እትኽእል ካልእ ፍሉይ መዳይ ኣሎ። ነቲ ዘሎካ ጠቓሚ ተመክሮ ነቶም ኣብ ጉባኤ ዘለዉ መንእሰያት ብምክፋል፡ ንዕዮ የሆዋ ኽትድግፍ ትኽእል ኢኻ። እቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ራስል፡ “የሆዋ ነቶም ተፈተውትን ጽቡቕ ተውህቦ ዘለዎምን መንእሰያት የሰልጥኖምን ይጥቀመሎምን ኣሎ” በለ። ወሲኹ ድማ፡ “ኣሕዋት ካብቲ ውዕዉዕ ኣመሃህራኦምን ዚገብርዎ ጕስነታዊ ምብጻሕን ይጥቀሙ እዮም” በለ። ነታ “ ነቶም ብዕድመ ዝነኣሱ፡ ንዅሉ ኽእለቶም ኪጥቀምሉ ሓግዞም” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።

የሆዋ ንተኣማንነትካ ኣኽቢሩ እዩ ዚርእዮ

ኣብ ቀረባ እዋን፡ ኣብ እተፈልየ መዳይ ኣገልግሎት ዝኣቶኻ እንተ ዄንካ ኣወንታዊ ኽትከውን ጽዓር። በቲ ኻብ ልብኻ ዝዓየኻዮ ዕዮ ኣቢልካ ንህይወት ሓያሎ ሰባት ዝተንከኻ እንተ ዄንካ ኸኣ ከምኡ ምግባርካ ቐጽል። ኣሕዋትካ ኸም ዜፍቅሩኻ፡ ንሓዋሩ እውን ከም ዜፍቅሩኻ ኣይትረስዕ።

ልዕሊ ዅሉ ድማ ኣብ ልቢ የሆዋ ነባሪ ጦብላሕታ ኢኻ ኣሕዲርካ። ኣምላኽ፡ ‘ግብርኻ ኰነ ንስሙ ዘርኣኻዮ ፍቕሪ፡ ማለት ነቲ ነቶም ቅዱሳት ዘገልገልካዮምን እተገልግልሎም ዘለኻን ኣይርስዖን እዩ።’ (እብ. 6:10) እዚ ብድራኸ መንፈስ እተጻሕፈ ቓላት እዚ፡ እቲ ኣምላኽ ዝሃበና ተስፋ ኣብቲ ቕድሚ ሕጂ ዝዓየናዮ ዕዮ ጥራይ ዘተኰረ ዘይምዃኑ የረጋግጸልና እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ንየሆዋ ንምሕጓስ ዝገበርካዮ ጻዕርን እቲ ብቐጻሊ እተገብሮ ዘለኻ ጻዕርን ኣብ ቅድሚኡ ኣዚኻ እተፈቶኻ ስለ ዚገብረካ፡ የሆዋ ፈጺሙ ኣይርስዓካን እዩ።

ሓደ ኻብቶም ኣብ ላዕሊ እተገልጹ ለውጢ ምደባ ዘጋጠሞም ኣሕዋት እንተ ዘይኴንካኸ፧ እዚ ጕዳይ እዚ ንዓኻ እውን ብቐጥታ ኺጸልወካ ይኽእል እዩ። ብኸመይ፧

ንስኻ ኣብዚ ግዜ እዚ ምስ ሓደ ለውጢ ምደባ ዘጋጠሞ ብዕድመ ዝደፍአ እሙን ሓው ተገልግል እንተ ኣሊኻ፡ ካብ ብስለቱን ካብቲ ናይ ነዊሕ ዓመታት ተመክሮኡን ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ። ካብኡ ምኽሪ ኽትረክብ ጽዓር። ርእይቶኡ ኼካፍለካ ኸኣ ሕተቶ። ኣብቲ ሕጂ ዚዓይዮ ዘሎ ዕዮ፡ ነቲ ብተኣማንነት ዘሕለፎ ተመክሮ ብኸመይ ኣብ ግብሪ የውዕሎ ኸም ዘሎ ድማ ተዓዘብ።

እምበኣር፡ ካብቶም ሓድሽ ለውጢ ምደባ እተዋህቦም ብዕድመ ዝደፋእካ ኹን ኣይትኹን ብዘየገድስ፡ የሆዋ ነቶም ንነዊሕ ዓመታት ብተኣማንነት ዘገልገልዎን ነቶም ብሕጂ እውን ኬገልግልዎ ዚደልዩን ኣኽቢሩ ኸም ዚርእዮም ኣይትረስዕ።