ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሰዓት ክንደይ ኰይኑ፧

ሰዓት ክንደይ ኰይኑ፧

ሰዓት ክንደይ ከም ዝዀነ ኽትፈልጥ ምስ ደለኻ፡ እንታይ ኢኻ እትገብር፧ ምናልባት ኣብ ኢድካ ዝኣሰርካያ ሰዓት ወይ ኣብ መንደቕ እተሰቕለ ሰዓት ትርኢ ትኸውን። ዓርክኻ ሰዓት ክንደይ ከም ዝዀነ እንተ ሓቲቱካ፡ እንታይ ኢልካ ኢኻ እትምልሰሉ፧ ሰዓት ክንደይ ከም ዝዀነ፡ ብእተፈላለየ መገዲ ኺግለጽ ይከኣል እዩ። ብኸመይ፧

ሰዓት ሓደን 30 ደቒቕን ድሕሪ ቐትሪ እዩ ንበል። ስለዚ፡ ‘ሰዓት ሓደን ፈረቓን’ ኢልካ ትምልስ ትኸውን። ብምኽንያት እቲ እትነብረሉ ዓድን ልምድን ከኣ፡ ነዚ ሰዓት እዚ 13:30 ኢልካ ትጽውዖ ትኸውን። እዚ ድማ ኣብቲ ናይ 24 ሰዓት ኣቈጻጽራ እተመርኰሰ እዩ። ነዚ ሰዓት እዚ፡ ‘ንኽልተ 30 ጐደል’ ተባሂሉ ዚግለጸሉ ዓዲ እውን ኣሎ።

ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበሩ ሰባት ሰዓት ክንደይ ምዃኑ ብኸመይ ከም ዚገልጹ ትሓስብ ትኸውን። ሓደ መገዲ ጥራይ ኣይነበሮምን። ኣብቲ ብእብራይስጢ እተጻሕፈ ኽፋል መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንግሆ፡” “ቀትሪ፡” “ፍርቂ መዓልቲ፡” “ምሸት” ተባሂሉ ተጠቒሱ ኣሎ። (ዘፍ. 8:11፣ 19:27፣ 43:16፣ ዘዳ. 28:29፣ 1 ነገ. 18:26) ሓድሓደ ግዜ ግና፡ ብዝያዳ ልክዕነቱ ዝሓለወ ግዜ ተጠቒሱ ይርከብ እዩ።

ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሓለውቲ ነይሮም እዮም። እቶም ሓለውቲ ኸኣ፡ ብሕልፊ ለይቲ እዮም ዚሕልዉ ነይሮም። ካብ ልደት የሱስ ዘመናት ኣቐዲሙ፡ እስራኤላውያን ንለይቲ ሓለዋታት ተባሂሉ ኣብ ዚፍለጥ ሰለስተ እዋናት ይኸፍልዎ ነይሮም እዮም። (መዝ. 63:6) ንኣብነት፡ ኣብ መሳፍንቲ 7:19፡ “ሓለዋ ፍርቂ ለይቲ” ተባሂሉ ተጠቒሱ ኣሎ። ብግዜ የሱስ፡ ኣይሁዳውያን ነቲ ግሪኻውያንን ሮማውያንን ዜዘውትርዎ ዝነበሩ ኣርባዕተ ሓለዋታት ለይቲ ኣተኣታትዮምዎ ነይሮም እዮም።

ወንጌላት ነዚ ሓለዋታት እዚ ብዙሕ ሳዕ ይጠቕሶ እዩ። ንኣብነት፡ የሱስ “ኣብ ራብዓይ ክፋል ሓለዋ ለይቲ” እዩ ብማየ ማይ እናኸደ ናብታ ደቀ መዛሙርቱ ዝነበርዋ ጃልባ በጺሑ። (ማቴ. 14:25) ኣብ ሓንቲ ንሱ ዝመሰላ ምሳሌ ኸኣ፡ “ብዓል ቤት፡ ሰራቒ ኣበየናይ እዋን ሓለዋ ኸም ዚመጽእ እንተ ዚፈልጥ ነይሩ፡ ምነቕሐ፡ ሰራቒ ናብ ቤቱ ኺኣቱ እውን ኣይምፈቐደን” ኢሉ እዩ።—ማቴ. 24:43

የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “እምበኣር፡ እቲ ብዓል ቤት መዓስ ከም ዚመጽእ ኣይትፈልጡን ኢኹም፣ ወይ ምሸት፡ ወይ ፍርቂ ለይቲ፡ ወይ ደርሆ ነቆ፡ ወይ ንግሆ ኺመጽእ ይኽእል እዩ እሞ፡ ንቕሑ” ኺብሎም ከሎ ድማ ንኣርባዕቲኡ ሓለዋ ለይቲ ጠቒስዎ ኣሎ። (ማር. 13:35) እቲ “ምሸት” ተባሂሉ ዘሎ ቐዳማይ ሓለዋ፡ ካብ ዕራርቦ ጸሓይ ክሳዕ ሰዓት ትሽዓተ ናይ ምሸት እዩ ነይሩ። እቲ “ፍርቂ ለይቲ” ተባሂሉ ዘሎ ኻልኣይ ሓለዋ፡ ካብ ሰዓት ትሽዓተ ናይ ምሸት ክሳዕ ፍርቂ ለይቲ እዩ ነይሩ። እቲ “ደርሆ ነቆ” ተባሂሉ ዘሎ ሳልሳይ ሓለዋ፡ ካብ ፍርቂ ለይቲ ኽሳዕ ሰዓት ሰለስተ ናይ ለይቲ እዩ ነይሩ። ኣብታ የሱስ እተታሕዘላ ለይቲ ኣብዚ ኽፋል ሓለዋ እዚ እዩ ደርሆ ነቅዩ ኪኸውን ዚኽእል። (ማር. 14:72) እቲ “ንግሆ” ተባሂሉ ዘሎ ራብዓይ ክፋል ሓለዋ ኸኣ፡ ካብ ሰዓት ሰለስተ ናይ ለይቲ ኽሳዕ በርቂ ጸሓይ እዩ ነይሩ።

እምበኣር፡ ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ንዝነበሩ ሰባት ሰዓት ዚሕብር መሳርሒ እኳ እንተ ዘይነበረ፡ መዓልቲ ዀነ ለይቲ ሰዓት ክንደይ ከም ዝዀነ ዚፈልዩሉ ሜላ ግና ነይርዎም እዩ።