ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ነቲ “ሕጉስ ኣምላኽ” ዜገልግሉ ሕጉሳት እዮም

ነቲ “ሕጉስ ኣምላኽ” ዜገልግሉ ሕጉሳት እዮም

“የሆዋ ዝኣምላኹ ህዝቢ ሕጉስ እዩ!”—መዝ. 144:15

መዝሙር፦ 44, 125

1. ኣምለኽቲ የሆዋ ሕጉሳት ህዝቢ ዝዀኑ ስለምንታይ እዮም፧ (ኣብ መእተዊ ዘላ ስእሊ ርአ።)

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሕጉሳት ህዝቢ እዮም። ኣብ ንኣሽቱ ኣኼባታት፡ ኣብ ዓበይቲ ኣኼባታት፡ ወይ ኣብ ማሕበራዊ ምትእኽኻብ ኪእከቡ ኸለዉ፡ ባህ ኢልዎም የዕልሉን ይስሕቁን እዮም። ስለምንታይ እዮም ኣዝዮም ሕጉሳት ዝዀኑ፧ እቲ ቐንዲ ምኽንያት፡ ነቲ “ሕጉስ ኣምላኽ” ዝዀነ የሆዋ ስለ ዚፈልጥዎን ስለ ዜገልግልዎን ኪመስልዎ ስለ ዚጽዕሩን እዩ። (1 ጢሞ. 1:11፣ መዝ. 16:11) የሆዋ ምንጪ ሓጐስ ስለ ዝዀነ፡ ሕጉሳት ክንከውን ይደልየና እዩ፣ ብዙሕ ዜሐጕስ ምኽንያት እውን ይህበና እዩ።—ዘዳ. 12:7፣ መክ. 3:12, 13

2, 3. (ሀ) ሓጐስ እንታይ እዩ፧ (ለ) ሕጉስ ምዃን ከቢድ ኪኸውን ዚኽእል ስለምንታይ እዩ፧

2 ንስኻኸ ኸመይ ኢኻ፧ ሕጉስ ዲኻ፧ ንሓጐስካ ኽትውስኸሉ ትኽእል ዲኻ፧ ሓጐስ ኪብሃል ከሎ፡ ጽቡቕ ስምዒት፡ ዕግበት፡ ወይ ባህታ ማለት እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ድማ፡ እቶም ምስ የሆዋ ጽቡቕ ርክብ ዘለዎም ጥራይ ናይ ሓቂ ሓጐስ ከም ዚረኽቡ ይገልጽ እዩ። ኣብዛ ዓለምና ግና፡ ሕጉስ ምዃን ቀሊል ኣይኰነን። ስለምንታይ፧

3 ከቢድ ኵነታት ኬጋጥመና ኸሎ፡ ንኣብነት፡ ሰብና ኺሞተና ኸሎ፡ እንቐርቦ ሰብ ኪውገድ ከሎ፡ ፍትሕ ኬጋጥመና ኸሎ፡ ወይ ካብ ስራሕ ክንስጐጕ ከለና፡ ሓጐስና ንስእን ኢና። ኣብ ቤት ዜጋጥም ግጭትን ዘይምርድዳእን እውን ሕማቕ ከም ዚስምዓና ኺገብር ይኽእል እዩ። መሳርሕትና ወይ መማህርትና ኼላግጹልና ኸለዉ፡ ብምኽንያት ሃይማኖትና መስጐጕቲ ኼጋጥመና ኸሎ፡ ወይ ብምኽንያት እምነትና ኽንእሰር ከለና፡ ሓጐስና ኺንኪ ይኽእል እዩ። ስእነት ጥዕና፡ ሕዱር ሕማም፡ ወይ ሕዱር ጭንቀት እውን ንሓጐስና ኼጥፍኦ ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ “እቲ ሕጉስን በይኑ ስልጣን ዘለዎን” የሱስ ክርስቶስ ንህዝቡ ደስ ኢልዎ መጸናንዕን ሓጐስን ይህቦም እዩ። (1 ጢሞ. 6:15፣ ማቴ. 11:28-30) ኣብቲ ኣብ ከረን ዝሃቦ ስብከቱ፡ ኣብዛ ናይ ሰይጣን ዓለም ዜጨንቕ ኵነታት እናኣጋጠመና ኽነሱ፡ ንሓጐስና ኣበርክቶ ዚገብር ባህርያት ዘርዚሩ ኣሎ።

ድልዱል መንፈሳውነት—መሰረት ሓጐስ

4, 5. ሓጐስ ክንረክብን ሓጐስና ኽንዕቅብን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

4 ምናዳ እቲ የሱስ ኣብ ፈለማ ዘተኰረሉ ነገር ኣገዳሲ እዩ፣ “መንፈሳዊ ነገራት ዚሃርፉ፡ መንግስተ ሰማያት ናታቶም እያ እሞ፡ ሕጉሳት እዮም” ኢሉ እዩ። (ማቴ. 5:3) መንፈሳዊ ነገራት ከም እንሃርፍ ከመይ ጌርና ነርኢ፧ መንፈሳዊ ምግቢ ብምምጋብን መንፈሳዊ ስርዓታት ብምሕላውን ነቲ ሕጉስ ኣምላኽ እነቕርቦ ኣምልኾ ቐዳምነት ብምሃብን ኢና እነርኢ። ነዚ ስጕምትታት እዚ እንተ ወሲድና፡ ሓጐስና ይዛይድ እዩ። እቲ ኣምላኽ ዘተስፈዎ ተስፋታት ከም ዚፍጸም ዘሎና እምነት ድማ ይድልድል እዩ። በቲ ቓል ኣምላኽ ንናይ ሓቂ ኣምለኽቲ ዚህቦ “ዜሐጕስ ተስፋ” ኸኣ ንተባባዕ ኢና።—ቲቶ. 2:13

5 ነባሪ ሓጐስ ንምርካብ፡ ምስ የሆዋ ድልዱል ርክብ ክንምስርት ኣሎና። ሃዋርያ ጳውሎስ ብመንፈስ ተደሪኹ፡ “ኵሉ ሳዕ ብጐይታ [ብየሆዋ] ተሓጐሱ። ደጊመ፡ ተሓጐሱ እብል ኣለኹ” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ። (ፊል. 4:4) ከምዚ ዝበለ ኽቡር ርክብ ምእንቲ ኺህልወና፡ መለኮታዊ ጥበብ ከነጥሪ ኣሎና። ቃል ኣምላኽ፡ “ጥበብ ዚረክብ፡ ምስትውዓል እውን ዜጥሪ ሰብ ሕጉስ እዩ። ንዚሕዝዋስ ኦም ህይወት እያ፣ ኣጽኒዖም ዚሕዝዋ ድማ ሕጉሳት ኪብሃሉ እዮም” ይብል እዩ።—ምሳ. 3:13, 18

6. ነባሪ ሓጐስ ንምርካብ እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧

6 ኰይኑ ግና፡ ነባሪ ሓጐስ ንምርካብ፡ ቃል ኣምላኽ ከነንብብ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነቲ ዘንበብናዮ ኣብ ግብሪ ኸነውዕሎ ኣሎና። የሱስ ነቲ እንምሃሮ ነገር ኣብ ግብሪ ኸነውዕሎ ኸም ዚግባእ ኪገልጽ ከሎ፡ “ነዚ እትፈልጥዎ እንተ ዄንኩም፡ እንተ ጌርኩምዎ፡ ሕጉሳት ኢኹም” ኢሉ እዩ። (ዮሃ. 13:17፣ ያእቆብ 1:25 ኣንብብ።) እዚ ነገር እዚ ንመንፈሳዊ ህርፋንካ ንምርዋይን ነባሪ ሓጐስ ንምርካብን ኣገዳሲ እዩ። እንተዀነ ግና፡ ኣብ ከባቢና ሓጐስና ኼጥፍእ ዚኽእል ብዙሕ ነገራት እናሃለወ ኽነሱ፡ ከመይ ጌርና ኢና ሕጉሳት ክንከውን እንኽእል፧ ነቲ የሱስ ቀጺሉ ኣብቲ ኣብ ከረን ዝሃቦ ስብከት ዝበሎ እስከ ንመርምሮ።

ሓጐስ ዜምጽኣልና ባህርያት

7. ዚሓዝኑ ሕጉሳት ኪዀኑ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧

7 “ዚሓዝኑ፡ ኪጸናንዑ እዮም እሞ፡ ሕጉሳት እዮም።” (ማቴ. 5:4) ገሊኦም ሰባት ግና፡ ‘ከመይ ገይሮም እዮም ዚሓዝኑ ሕጉሳት ኪዀኑ ዚኽእሉ፧’ ኢሎም ይሓትቱ ይዀኑ። የሱስ ብዝዀነ ይኹን ምኽንያት ዚሓዝኑ ዘበሉ ሰባት ማለቱ ኣይነበረን። ከመይሲ፡ እኩያት እውን እንተ ዀኑ፡ በቲ ኣብዚ “ጽንኩር ግዜ” ዘሎ ዜጨንቕ ጸገማት ይጕህዩ እዮም። (2 ጢሞ. 3:1) ግናኸ፡ ብዛዕባ ርእሶም ጥራይ ዚሓስቡ ብምዃኖም፡ ንየሆዋ ኣይቀርብዎን እዮም፣ ስለዚ፡ ሓጐስ ኣይረኽቡን እዮም። የሱስ ነዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ኺብል ከሎ፡ ብዛዕባ እቶም መንፈሳዊ ነገራት ዚሃርፉ እሞ በቲ ሰፊኑ ዘሎ ሕማቕ መንፈሳዊ ዅነታት ዚሓዝኑ ማለቱ እዩ ነይሩ። እዞም ሰባት እዚኦም ሓጥኣን ከም ዝዀኑን ሓጢኣት ሕማቕ ሳዕቤናት ከም ዜምጽእን ይግንዘቡ እዮም። የሆዋ ነዞም ብቕንዕና ዚሓዝኑ ሰባት የስተብህለሎም እዩ፣ ብቓሉ ገይሩ ኸኣ የጸናንዖም እዩ፣ ሓጐስን ህይወትን እውን ይህቦም እዩ።—ህዝቅኤል 5:11፣ 9:4 ኣንብብ።

8. ልእመት ንሓጐስ ብኸመይ ኣበርክቶ ኸም እትገብር ግለጽ።

8 “ልኡማት ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም እሞ፡ ሕጉሳት እዮም።” (ማቴ. 5:5) ከመይ ገይራ እያ ልእመት ንሓጐስ ኣበርክቶ እትገብር፧ ሰባት ልክዕ ፍልጠት ሓቂ ምስ ረኸቡ፡ ይልወጡ እዮም። ኣብ ሓደ እዋን፡ ሕሱማትን ተባኣስትን ቍጡዓትን ነይሮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ሓቂ ምስ ፍለጡ ግና፡ “ሓድሽ ስብእና” ይለብሱ፡ “ልባዊ ርሕራሐ፡ ለውሃት፡ ትሕትና፡ ልእመት፡ ዓቕሊ” ድማ የርእዩ እዮም። (ቈሎ. 3:9-12) ከም ፍሪኡ ኸኣ፡ ኣብ ህይወቶም ሰላምን ፍቕርን ሓጐስን ይረኽቡ እዮም። ቃል ኣምላኽ ድማ፡ ብዛዕባ ኸምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት፡ “ንምድሪ ኺርስተይዋ እዮም” ይብል እዩ።—መዝ. 37:8-10, 29

9. (ሀ) ልኡማት ‘ንምድሪ ዚወርስዋ’ ብኸመይ እዮም፧ (ለ) እቶም “ጽድቂ ዚጠምዩን ዚጸምኡን” ሕጉሳት ዝዀኑ ስለምንታይ እዮም፧

9 እሞ ደኣ ልኡማት ‘ንምድሪ ዚወርስዋ’ ብኸመይ እዮም፧ እቶም ብመንፈስ እተቐብኡ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ነገስታትን ካህናትን ኰይኖም ኪገዝኡ ኸለዉ እዮም ዚወርስዋ። (ራእ. 20:6) ሰማያዊ ጽውዓ ዘይብሎም ሚልዮናት ካልኦት ሰባት ግና፡ ኣብኣ ንዘለኣለም ብፍጽምናን ብሰላምን ብሓጐስን ኪነብሩ ምስ ጀመሩ እዮም ንምድሪ ዚወርስዋ። ብዛዕባ እዞም ሰባት እዚኦም ከኣ፡ “ጽድቂ ዚጠምዩን ዚጸምኡን . . . ሕጉሳት እዮም” ተባሂሉ ኣሎ። (ማቴ. 5:6) ንጽድቂ ዘለዎም መንፈሳዊ ጥሜትን ጽምእን፡ ኣብ ሓዳስ ዓለም ምሉእ ብምሉእ ኪረዊ እዩ። (2 ጴጥ. 3:13) ኣምላኽ ኣብ መወዳእታ ንዅሉ እከይ ምስ ኣጥፍኦ፡ ጥሕሰት ሕጊ ወይ ዓመጻ ስለ ዘይህሉ፡ ሓጐስ እቶም ጻድቃን ምሉእ ኪኸውን እዩ።—መዝ. 37:17

10. መሓርቲ ኺብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧

10 “መሓርቲ ኺምሓሩ እዮም እሞ፡ ሕጉሳት እዮም።” (ማቴ. 5:7) እታ ምስ ምሕረት እተተሓሓዘት ናይ እብራይስጢ ግሲ፡ “ምብቝባቝ፣ . . . ርሕሩሕ ምዃን” ማለት እያ። እታ ናይ ግሪኽኛ ግሲ ኸኣ ምስ ምድንጋጽ ትተሓሓዝ እያ። ኰይኑ ግና፡ ምሕረት ኪብሃል ከሎ፡ ለውሃት ማለት ጥራይ ኣይኰነን። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ምሕረት ኪብሃል ከሎ፡ ንኻልኦት ንምሕጋዝ ሓደ ነገር ምግባር የጠቓልል እዩ።

11. ካብ ምሳሌ እቲ ሕያዋይ ሳምራዊ፡ መሓርቲ ብዛዕባ ምዃን እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧

11 ሉቃስ 10:30-37 ኣንብብ። የሱስ ዝመሰላ ምሳሌ እቲ ሕያዋይ ሳምራዊ፡ ምሕረት ምግባር ኪብሃል ከሎ እንታይ ማለት ምዃኑ ብንጹር ተርእየና እያ። እቲ ሳምራዊ ብልባዊ ርሕራሐን ምሕረትን ተደሪኹ፡ ነቲ እተጐድአ ሰብኣይ ንምድጋፍ ኣወንታዊ ስጕምቲ ወሲዱ እዩ። የሱስ ከኣ ነታ ምሳሌ እቲኣ ድሕሪ ምምሳሉ፡ “ንስኻ እውን ኪድ እሞ፡ ከምኡ ግበር” ኢሉ ተዛሪቡ እዩ። ስለዚ፡ ገዛእ ርእስና ኸምዚ ኢልና ኽንሓትት ንኽእል ኢና፦ ‘ኣነኸ ኸምኡ እገብር ኣለኹ ድየ፧ ከምቲ ርሕሩሕ ሳምራዊ ዝገበሮዶ እገብር ኣለኹ፧ ንእተሸገሩ ሰባት ምሕረትን ለውሃትን ንምርኣይ ብዝያዳ ኽገብር እኽእልዶ፧ ንኣብነት፡ ብዕድመ ንዝደፍኡ ክርስትያናትን ንመበለታትን ነቶም ብመንፈሳዊ መዳይ ዝዘኽተሙን ብግብሪ እሕግዞም ድየ፧ ብተበግሶይ “ንእተጨነቑ አጸናንዕ” ድየ፧’—1 ተሰ. 5:14፣ ያእ. 1:27

ምሕረት ንምግባር ተበግሶ ውሰድ፣ እንታይ ሓጐስ ከም ዜፍሪ ድማ ርአ (ሕጡብ ጽሑፍ 12 ርአ)

12. መሓርቲ ምስ እንኸውን ከመይ ጌርና ኢና ሓጐስ እንረክብ፧

12 መሓርቲ ምስ እንኸውን ግና ከመይ ጌርና ኢና ሓጐስ እንረክብ፧ ንሰባት ምሕረት ክንገብረሎም ከለና፡ ብምሃብ ዚርከብ ሓጐስ ንረክብ ኢና። ብዘይካዚ ድማ፡ ንየሆዋ ባህ ነብሎ ኸም ዘለና ንፈልጥ ኢና። (ግብ. 20:35፣ እብራውያን 13:16 ኣንብብ።) ንጉስ ዳዊት ብዛዕባ ሓላዪ ሰብ፡ “የሆዋ ኺሕልዎን ብህይወት ኬንብሮን እዩ። ኣብ ምድሪ ሕጉስ ኪኸውን እዩ” ኢሉ ተዛሪቡ እዩ። (መዝ. 41:1, 2) ርሕራሐና ብግብሪ እንተ ኣርኢና ኸኣ፡ የሆዋ እውን ምሕረት ይገብረልና እዩ፣ እዚ ኸኣ ዘለኣለማዊ ሓጐስ ኬምጽኣልና ይኽእል እዩ።—ያእ. 2:13

“ጽሩይ ዝልቦም” ሕጉሳት ዝዀኑ ስለምንታይ እዮም፧

13, 14. ኣብ መንጎ ጽሩይ ልብን ሓጐስን እንታይ ዝምድና ኣሎ፧

13 የሱስ፡ “ጽሩይ ዝልቦም፡ ንኣምላኽ ኪርእይዎ እዮም እሞ፡ ሕጉሳት እዮም” እውን ኢሉ እዩ። (ማቴ. 5:8) ንልብና ጽሩይ ምእንቲ ኽንገብሮ፡ ውሽጥና ንጹህ ኪኸውን፡ ፍቕርናን ትምኒትናን እውን ንጹህ ኪኸውን ኣለዎ። እቲ ንየሆዋ ዘሎና ተወፋይነት ምእንቲ ኸይብከል ድማ፡ ንሓሳባትና ንጹህ ክንገብሮ ኣሎና።—2 ቈረንቶስ 4:2 ኣንብብ፣ 1 ጢሞ. 1:5

14 እቶም ጽሩይ ዝልቦም፡ ምስ የሆዋ ጽቡቕ ርክብ ኪህልዎም ይኽእል እዩ፣ ብዛዕባኦም ድማ፡ “ነቲ ወለል ዚብል ክዳውንቶም ዚሓጽቡ ሕጉሳት እዮም” ተባሂሉ ኣሎ። (ራእ. 22:14) “ወለል ዚብል ክዳውንቶም ዚሓጽቡ” ኺብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧ ምስቶም ቅቡኣት ክርስትያናት ብእተተሓሓዘ፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ንጹሃት ይዀኑ፡ ኣብ ሰማያዊ ቦታኦም ከኣ ዘይትመውት ህይወት ይውሃቦምን ንዘለኣለም ሓጐስ ይረኽቡን ማለት እዩ። ምስቶም ኣብ ምድሪ ኺነብሩ ተስፋ ዚገብሩ ብዙሓት ህዝቢ ብእተተሓሓዘ ድማ፡ ከም ኣዕሩኽ ኣምላኽ መጠን ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ይጸድቁ ማለት እዩ። ንሳቶም ከኣ ሕጂ እውን እንተ ዀነ፡ “ነቲ ወለል ዚብል ክዳውንቶም . . . ብደም እቲ ገንሸል ሓጺቦም ኣጻዕድዮምዎ እዮም።”—ራእ. 7:9, 13, 14

15, 16. ከመይ ገይሮም እዮም ጽሩይ ዝልቦም ‘ንኣምላኽ ዚርእይዎ’፧

15 ‘ሰብ ንኣምላኽ ርእይዎ ብህይወት ዘይነብር’ እንተ ዀይኑ፡ ከመይ ገይሮም ደኣ እዮም ጽሩይ ዝልቦም ‘ንኣምላኽ ዚርእይዎ’፧ (ዘጸ. 33:20) እታ “ኺርእይዎ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽኛ ቓል፡ “ብኣእምሮ ምርኣይ፡ ምስትውዓል፡ ምፍላጥ” ዚብል ሓሳብ ኣለዋ። እቶም ‘ብኣዒንቲ ልቦም’ ንኣምላኽ ዚርእይዎ፡ ንዕኡ ብሓቂ ይፈልጥዎን ባህርያቱ ይርድእዎን እዮም። (ኤፌ. 1:18) የሱስ ንባህርያት ኣምላኽ ፍጹም ብዝዀነ መገዲ ስለ ዘንጸባረቐ፡ “እቲ ንዓይ ዝረኣየ፡ ንኣቦ እውን ርእይዎ እዩ” ኺብል ክኢሉ እዩ።—ዮሃ. 14:7-9

16 ብተወሳኺ ድማ፡ ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ ነቲ ኣምላኽ ምእንታኦም ዚገብሮ ተግባራት ብምዕዛብ፡ ‘ንኣምላኽ ይርእይዎ’ እዮም። (እዮ. 42:5) ‘ንኣዒንቲ ልቦም’ እውን ኣብቲ ኣምላኽ ነቶም ብንጽህና ኺመላለሱን ብተኣማንነት ኬገልግልዎን ዚደልዩ ዘዳለዎ ዜደንቕ በረኸት ከም ዜተኵር ይገብሩ እዮም። እቶም ካብ ምዉታት ዝተንስኡ ቕቡኣት ድማ፡ ሰማያዊ ዓስቦም ምስ ረኸቡ፡ ቃል ብቓሉ ንየሆዋ ኺርእይዎ እዮም።—1 ዮሃ. 3:2

ጸገማት እናሃለወ ኽነሱ ሕጉሳት

17. ሰላም ኣብ ሓጐስ እንታይ ግደ ኣለዎ፧

17 የሱስ ቀጺሉ፡ “ገበርቲ ሰላም፡ . . ሕጉሳት እዮም” ኢሉ እዩ። (ማቴ. 5:9) ሰላም ንምግባር ተበግሶ ዚወስዱ ሰባት፡ ሕጉሳት ዚዀኑሉ ጽቡቕ ምኽንያት ኣለዎም። ያእቆብ እቲ ወደ መዝሙር፡ “ፍረ ጽድቂ እውን ምእንቲ እቶም ሰላም ዚገብሩ ብሰላም ይዝራእ እዩ” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ። (ያእ. 3:18) ኣብ ጉባኤና ወይ ኣብ ስድራ ቤትና ምስ ሰብ ዘሎና ርክብ እንተ ሓርፊፉ፡ ገበርቲ ሰላም ንምዃን ካብ ኣምላኽ ሓገዝ ክንልምን ንኽእል ኢና። በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ናይ የሆዋ መንፈስ ቅዱስ ስለ እንረክብ፡ ጽድቂ ዜፍርዮ ባህርይ ከነፍርን ሓጐስ ክንረክብን ንኽእል ኢና። የሱስ ሰላም ንምግባር ተበግሶ ኽንወስድ ከም ዘሎና ኼጕልሕ ከሎ ኸምዚ ኢሉ እዩ፦ “እምበኣር፡ መባእካ ናብ መሰውኢ እንተ ኣምጺእካ፡ ኣብኡ ኸኣ ሓውካ ጕህዩልካ ኸም ዘሎ እንተ ዘኪርካ፡ መባእካ ኣብኡ ኣብ ቅድሚ እቲ መሰውኢ ሓዲግካ ኺድ። ቅድም፡ ምስ ሓውካ ተዓረቕ፣ ድሕሪኡ፡ ተመሊስካ መባእካ ኣቕርብ።”—ማቴ. 5:23, 24

18, 19. ክርስትያናት መስጐጕቲ እናኣጋጠሞም ክነሱ ዚሕጐሱ ስለምንታይ እዮም፧

18 “ምእንታይ ምስ ዚጸርፉኹምን ምስ ዚሰጕጉኹምን ክፉእ ዘበለ ብሓሶት ምስ ዚዛረቡልኩምን፡ ሕጉሳት ኢኹም።” የሱስ እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧ ኣስዕብ ኣቢሉ፡ “ቅድሜኹም ንዝነበሩ ነብያት እውን ከምኡ ሰጒጎምዎም እዮም እሞ፡ ኣብ ሰማያት ዓስብኹም ብዙሕ ስለ ዝዀነ፡ ተሓጐሱ፡ ባህ እውን ይበልኩም” ኢሉ እዩ። (ማቴ. 5:11, 12) ሃዋርያት ምስ ተገርፉን ከይሰብኩ ትእዛዝ ምስ ተዋህቦምን፡ “ካብ ቅድሚ እቲ ዋዕላ እናተሓጐሱ” እዮም ከይዶም። ልክዕ እዩ፡ ብቓንዛ እቲ መግረፍቲ ደስ ኣይበሎምን። ኰይኑ ግና፡ “ምእንቲ ስሙ [ስም የሱስ] ኪሓስሩ ብቑዓት ኰይኖም ስለ እተቘጽሩ፡” ተሓጒሶም እዮም።—ግብ. 5:41

19 ኣብዚ ግዜና እውን፡ ህዝቢ የሆዋ ምእንቲ ስም የሱስ መከራ ኺጸግቡ ወይ ከቢድ ፈተና ኼሕልፉ ኸለዉ፡ ይሕጐሱ እዮም። (ያእቆብ 1:2-4 ኣንብብ።) ከምቲ ሃዋርያት ብመከራ ደስ ዘይበሎም፡ ንሕና እውን ብዝዀነ ዓይነት መከራ ደስ ኣይብለናን እዩ። ኰይኑ ግና፡ ፈተናታት ኬጋጥመና ኸሎ ንኣምላኽ ዘሎና ንጽህና እንተ ሓሊና፡ የሆዋ ኽንጸንዕ ይሕግዘና እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ ነሓሰ 1944፡ ሄንሪክ ዶርኒክን ሓዉን ናብ መዳጐኒ ደምበ ተወስዱ። ኰይኑ ግና፡ እቶም ተጻረርቲ፡ “ዝዀነ ነገር ንኺገብሩ ኸተእምኖም ዘይከኣል እዩ። ሰማእት ኴንካ ሙማት ሓጐስ እዩ ዜምጽኣሎም” ኢሎም ተኣሚኖም እዮም። ሓውና ዶርኒክ ከኣ፡ “ሰማእት ክኸውን ድሌት እኳ እንተ ዘይነበረኒ፡ ንመከራ ብትብዓት ምስጋረይ ከምኡውን ንየሆዋ እሙን ብምዃን ክብረተይ ምሕላወይ ግን ሓጐስ ኣምጺኡለይ እዩ። . . . እቲ ዝገብሮ ዝነበርኩ ልባዊ ጸሎት ናብ የሆዋ ብዝያዳ ኸም ዝቐርብ ገበረኒ፡ ንሱ ድማ ክተኣማመነሉ ዝኽእል ሓጋዚ ምዃኑ ብግብሪ ኣርእዩ እዩ” ኢሉ ተዛሪቡ እዩ።

20. ነቲ “ሕጉስ ኣምላኽ” ምግልጋል ዜሐጕሰና ስለምንታይ እዩ፧

20 ሞገስ እቲ “ሕጉስ ኣምላኽ” እንተ ረኺብና፡ መስጐጕቲ፡ ተቓውሞ ስድራ ቤት፡ ሕማም፡ ወይ እርጋን እናሃለወ ኽነሱ፡ ሕጉሳት ክንከውን ንኽእል ኢና። (1 ጢሞ. 1:11) እቲ “ኺሕሱ ዘይክእል” ኣምላኽ ነቲ ዘተስፈወና ተስፋታት ከም ዚፍጽሞ ርግጸኛታት ስለ እንኸውን እውን፡ ሕጉሳት ንኸውን ኢና። (ቲቶ. 1:2) የሆዋ ንተስፋታቱ ምስ ፈጸሞ፡ ነቲ ሕጂ ዜጋጥመና ጸገማትን ፈተናታትን ኣይክንዝክሮን ኢና። ኣብታ እትመጽእ ገነት፡ እቲ ኻብ የሆዋ ዚመጽእ በረኸት ካብቲ እንሓስቦ ንላዕሊ ኪኸውን እዩ። ብርግጽ ከኣ ዘይተኣደነ ሓጐስ ክንረክብ ኢና። እወ፡ ‘ብብዝሒ ሰላም ኣዝዩ ደስ ኪብለና እዩ።’—መዝ. 37:11