ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ነዚ እትፈልጥዎ እንተ ዄንኩም፡ እንተ ጌርኩምዎ፡ ሕጉሳት ኢኹም”

“ነዚ እትፈልጥዎ እንተ ዄንኩም፡ እንተ ጌርኩምዎ፡ ሕጉሳት ኢኹም”

“ብልዐይሲ ፍቓድ እቲ ዝለኣኸኒ ኽገብር፡ ዕዮኡ እውን ክፍጽም እዩ።”—ዮሃ. 4:34

መዝሙር፦ 80, 35

1. እቲ ኣብ ዓለም ዚርአ ኣብ ጥቕሚ ርእስኻ ዘተኰረ መንፈስ ንትሕትናና ኺጸልዎ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

ነቲ ኻብ ቃል ኣምላኽ እተምሃርናዮ ትምህርቲ ኣብ ግብሪ ምውዓል ዚኸብደና ስለምንታይ እዩ፧ ሓደ ምኽንያት፡ ቅኑዕ ዘበለ ምግባር ትሕትና ስለ ዚሓትት እዩ። ኣብዘን “ዳሕሮት መዓልትታት” ዘለዉ ሰባት፡ “ፈተውቲ ርእሶም፡ ፈተውቲ ገንዘብ፡ ምኩሓት፡ ዕቡያት፡ . . . ርእሶም ዘይገትኡ” ስለ ዝዀኑ፡ ትሑት ምዃን ኣዝዩ ኸቢድ እዩ። (2 ጢሞ. 3:1-3) ኣገልገልቲ ኣምላኽ፡ እዞም ከምዚ ዓይነት ባህርያት ዜንጸባርቑ ሰባት ኪሰልጦምን ጽቡቕ ናብራ ኺነብሩን ኪርእዩ ኸለዉ፡ ነቲ ባህርያት ዚጸልእዎ እኳ እንተ ዀኑ፡ በቲ እቶም ጥቕሚ ርእሶም ዚደልዩ ሰባት ዚረኽብዎ ነገራት ግና ይቐንኡ ይዀኑ። (መዝ. 37:1፣ 73:3) ገሊኦም ድማ፡ ‘ንጥቕሚ ኻልኦት ምቕዳም እንታይ ይዓብሰለይ፧ “ርእሰይ ዜንእስ” እንተ ዀይነ፡ ካልኦት ብዛዕባይ ዘለዎም ኣረኣእያ ይትሕት ደዀን ይኸውን፧’ ኢሎም ይሻቐሉ እዮም። (ሉቃ. 9:48) እቲ ኣብ ዓለም ዚንጸባረቕ ኣብ ጥቕሚ ርእሲ ዘተኰረ መንፈስ ዚጸልወና እንተ ደኣ ዀይኑ፡ ነቲ ኣብ ጉባኤ ምስ ኣሕዋትና ዘሎና ፍቕራዊ ርክብን ንክርስትያናዊ መንነትናን ኬበላሽዎ ይኽእል እዩ። ብዛዕባ እቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እንረኽቦም ሰናይ ኣብነታት ነጽንዕን ንዓታቶም ክንመስሎም እንጽዕርን እንተ ደኣ ዄንና ግና፡ ብዙሕ ክንጥቀም ኢና።

2. እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ እንታይ ጽልዋ ኼሕድሩልና ይኽእሉ፧

2 ንእሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ኣርኣያና ኽንገብሮም እንተ ደሊና፡ ጽቡቕ ውጽኢት ኪረኽቡ ዝሓገዞም እንታይ ከም ዝዀነ ኽንምርምር ኣሎና። ምስ ኣምላኽ ጽቡቕ ርክብ ኪምስርቱን ሞገሱ ኺረኽቡን ፍቓዱ ኺገብሩ ዜኽእሎም ሓይሊ ኼጥርዩን ዝሓገዞም እንታይ እዩ፧ ከምዚ ዓይነት መጽናዕቲ ምግባር፡ ንርእስና ብመንፈሳዊ መዳይ እንምግበሉ ኣገዳሲ መገዲ እዩ።

መንፈሳዊ ምግቢ፡ ሓበሬታ ጥራይ ኣይኰነን

3, 4. (ሀ) መንፈሳዊ መምርሒ እንረክብ ብኸመይ ኢና፧ (ለ) መንፈሳዊ ምግቢ፡ ፍልጠት ምቕሳም ጥራይ ኣይኰነን እንብል ስለምንታይ ኢና፧

3 ካብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ካብ ክርስትያናዊ ጽሑፋትና፡ ካብ ወብሳይታትና፡ ካብ ፈነወ JW፡ ካብ ሰሙናውን ዓበይትን ኣኼባታትና ጽቡቕ ምኽርን ስልጠናን ንረክብ ኢና። ይኹን እምበር፡ ብመሰረት እቲ ኣብ ዮሃንስ 4:34 ዘሎ ቓላት የሱስ፡ መንፈሳዊ ምግቢ፡ ፍልጠት ምቕሳም ጥራይ ኣይኰነን። እሞ ደኣ እንታይ የጠቓልል፧ የሱስ፡ “ብልዐይሲ ፍቓድ እቲ ዝለኣኸኒ ኽገብር፡ ዕዮኡ እውን ክፍጽም እዩ” ኢሉ ተዛሪቡ እዩ።

4 የሱስ፡ መንፈሳዊ ምግቢ ንመምርሒ ኣምላኽ ኣብ ግብሪ ምውዓል እውን ከም ዜጠቓልል እዩ ገሊጹ። ምስ ምግቢ እተመሳሰለ ግና ብኸመይ እዩ፧ ከምቲ ጽቡቕ ምግቢ ምስ ተመገብና ሰብነትና ዚዓግብን ዚዕንገልን፡ ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ምግባር ክንካፈል ከለና እውን ልብና ይድልድል፡ እምነትና ኸኣ ንናይ ዘለኣለም ህይወት ዚዀኖ ምግቢ ይረክብ እዩ። ንኣብነት፡ ደኺምካ ኸለኻ ናብ ኣኼባ ኣገልግሎት ወፍሪ ምስ ከድካ፡ ኣብ መወዳእታኡ ግና ጽቡቕ መዓልቲ ኣገልግሎት ስለ ዘሕለፍካ ተሓዲስካን ተበራቲዕካን እተመለስካሉ መዓልቲ ትዝክርዶ፧

5. ብጥበብ ክንመላለስ ምስ እንጽዕር፡ እንታይ ዓስቢ ኢና እንረክብ፧

5 ጥበብ መሰረታዊ ትርጉሙ፡ መለኮታዊ መምርሒ ኣብ ግብሪ ምውዓል ማለት እዩ። (መዝ. 107:43) ጥበበኛታት ክንከውን ምስ እንጽዕር ከኣ፡ ብዙሕ ዓስቢ ኢና እንረክብ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ጥበብ ኪገልጽ ከሎ፡ “እትምነዮ ዅሉ . . . ኣይወዳደራን። . . . ንዚሕዝዋስ ኦም ህይወት እያ፣ ኣጽኒዖም ዚሕዝዋ ድማ ሕጉሳት ኪብሃሉ እዮም” ኢሉ ኣሎ። (ምሳ. 3:13-18) የሱስ፡ “ነዚ እትፈልጥዎ እንተ ዄንኩም፡ እንተ ጌርኩምዎ፡ ሕጉሳት ኢኹም” ኢሉ እዩ። (ዮሃ. 13:17) ስለዚ፡ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ፡ እቲ ንሱ ዝኣዘዞም ነገራት ምስ ዚገብሩ፡ ሕጉሳት ኪዀኑ ይኽእሉ ነይሮም እዮም። ትምህርትታቱን ኣብነቱን ምስዓብ ድማ፡ ክፍሊ ህይወቶም ኪገብርዎ ነይርዎም።

6. ነቲ እተምሃርናዮ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ቀጻሊ ጻዕሪ ኽንገብር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

6 ነቲ እተምሃርናዮ ሓቂ ኣብ ግብሪ ኸነውዕሎ ቐጻሊ ጻዕሪ ምግባር እውን ኣገዳሲ እዩ። ነዚ ብምሳሌ ንምብራህ፡ ሓደ መካኒክ ብዙሕ ናውቲ ዕዮን ኣቕሑን ፍልጠትን ይህልዎ ይኸውን። ይኹን እምበር፡ ነዚ ነገራት እዚ እንተ ዘይተጠቒሙሉ፡ ዋላ ሓንቲ ኣይረብሖን እዩ። ዕዮ መካኒክ ዚዓይን ብዙሕ ልምዲ ዘለዎ እኳ እንተ ዀነ፡ ወትሩ ኽኢላን ውጽኢታውን ምእንቲ ኪኸውን ግና ነቲ እተማህሮ ብቐጻሊ ኺሰርሓሉ ኣለዎ። ብተመሳሳሊ፡ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘንበብናዮ ነገራት ኣብ ግብሪ ምስ ኣውዓልናዮ፡ ብኡብኡ ጽቡቕ ውጽኢት ክንረክብ ንኽእል ኢና። ነባሪ ሓጐስ ክንረክብ እንኽእል ግና፡ መዓልቲ መዓልቲ ብመምርሒ የሆዋ ኽንመላለስ ምስ እንጽዕር እዩ።

7. ጥበብ ብምጥራይ ዝመጸ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ እተጠቕሱ ኣብነታት እንታይ ንምሃር፧

7 ሕጂ እምበኣር፡ ንትሕትናና ኺፍትን ዚኽእል እተፈላለየ ዅነታት ንመርምር። ብግዜ ጥንቲ ዝነበሩ እሙናት ሰባት ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ብኸመይ ትሑታት ኰይኖም ከም እተመላለሱ እውን ንርአ። ይኹን እምበር፡ ነዚ ሓበሬታ እዚ ብምምርማር ጥራይ መንፈሳዊ ብርታዐ ኽንረክብ ከም ዘይንኽእል ኣይትረስዕ። ስለዚ፡ ነቲ ሕጂ እንምሃሮ ነጥብታት ብብሕትና ብኸመይ ኣብ ግብሪ ኸም እነውዕሎ ኽንሓስብን ውዓል ሕደር ከይበልና ኣብ ግብሪ ኸነውዕሎን ኣሎና።

ብማዕረ ርኣዮም

8, 9. እቲ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 14:8-15 ዚርከብ ጸብጻብ፡ ብዛዕባ ትሕትና ሃዋርያ ጳውሎስ እንታይ ይምህረና፧ (ኣብ መእተዊ ዘላ ስእሊ ርአ።)

8 ፍቓድ ኣምላኽ፡ “ኵሉ ዓይነት ሰብ ኪድሕንን ናብ ልክዕ ፍልጠት ሓቂ ኺመጽእን” እዩ። (1 ጢሞ. 2:4) እሞ ደኣ ብዛዕባ እቶም ዛጊት ሓቂ ዘይተማህሩ እተፈላለዩ ዓይነት ሰባት እንታይ ዓይነት ኣረኣእያ እዩ ዘሎካ፧ ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ብዛዕባ ኣምላኽ እተወሰነ ፍልጠት ዝነበሮም ኣብ ምኵራብ ዚረኽቦም ዝነበረ ኣይሁድ ኪሰብከሎም ይጽዕር እኳ እንተ ነበረ፡ ነቶም ናይ ሓሶት ኣማልኽቲ ዜምልኹ ዝነበሩ ሰባት እውን ሰቢኹሎም እዩ። ነዞም ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ሰባት ምስባኽ ድማ ትሕትና ዚሓትት እዩ ነይሩ። ብኸመይ፧

9 ንኣብነት፡ ኣብ ቀዳማይ ሚስዮናዊ ጕዕዞ ጳውሎስ፡ ሰብ ሊቃኦንያ ንጳውሎስን ንበርናባስን ልዕለ ባህርያዊ ሓይሊ ኸም ዘለዎም ገይሮም ስለ ዝረኣይዎም፡ በቶም ድያን ሄርሜስን ዚብሃሉ ኣማልኽቶም ጸውዕዎም። እሞ ደኣ ጳውሎስን በርናባስን በቲ ዝረኸብዎ ዝና ተታሊሎም ድዮም፧ ኣብተን ቅድሚኡ ዝበጽሕወን ክልተ ኸተማታት ካብ ዘጓነፎም መስጐጕቲ እፎይታ ዝረኸቡ ዀይኑ ተሰሚዕዎም ድዩ፧ እቲ ዝረኸብዎ ተፈላጥነት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኬስፋሕፍሑ ኸም ዚሕግዞም ኰይኑኸ ተሰሚዕዎም ደዀን ይኸውን፧ ኣይፋልን። እኳ ደኣስ፡ ብኡብኡ ኽዳውንቶም ቀደዱ፡ ናብቲ ህዝቢ ጐይዮም ከኣ፡ “ስለምንታይ እዚ ትገብሩ ኣለኹም፧ ንሕና እውን ከማኻትኩም ዝድኻምና ሰባት ኢና” ኢሎም ጨደሩ።—ግብ. 14:8-15

10. ጳውሎስን በርናባስን ንርእሶም ካብ ሰብ ሊቃኦንያ ኣብሊጾም ዘይረኣይዋ ስለምንታይ እዮም፧

10 ጳውሎስን በርናባስን፡ ከምኡ ኺብሉ ኸለዉ፡ ንሳቶም እውን ዘይፍጹማት ከም ዝዀኑ ደኣ እዮም ዚገልጹ ነይሮም ደኣ እምበር፡ ኣምልኾኦም ከምቲ ናይቶም ኣረማውያን ምዃኑ ኣይኰኑን ዚገልጹ ነይሮም። ከመይሲ፡ ክልቲኦም ብኣምላኽ እተላእኩ ሚስዮናውያን እዮም ነይሮም። (ግብ. 13:2) ብመንፈስ ቅዱስ እተቐብኡን ዜደንቕ ተስፋ ዝነበሮምን እዮም ነይሮም። ይኹን እምበር፡ ሰብ ሊቃኦንያ ነቲ ብስራት ጽቡቕ ምላሽ እንተ ደኣ ሂቦም፡ ንሳቶም እውን ተመሳሳሊ በረኸት ኪረኽቡ ኸም ዚኽእሉ ጳውሎስን በርናባስን ይፈልጡ ነይሮም እዮም።

11. ኣብ ስብከትና ነቲ ጳውሎስ ዘርኣዮ ትሕትና ኽንቀድሖ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

11 ነቲ ጳውሎስ ዘርኣዮ ትሕትና ኽንቀድሖ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ቀዳማይ፡ ነቲ ብሓይሊ የሆዋ ዝገበርናዮ ነገራት ውዳሰ ኽንረኽበሉ ድሌት ኪሓድረና የብሉን። ነፍሲ ወከፍና ንርእስና ኸምዚ ኢልና ኽንሓትታ ኣሎና፦ ‘ብዛዕባ እቶም ዚሰብከሎም ሰባት እንታይ ዓይነት ኣረኣእያ እዩ ዘሎኒ፧ ብዛዕባ ገሊኦም ዓይነት ሰባት ከምቲ ኣብ ማሕበረሰበይ ዚንጸባረቕ ዓይነት ኣረኣእያ ድዩ ዘሎኒ፧’ ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ብስራት ኪሰምዑ ፍቓደኛታት ዚዀኑ ዝያዳ ሰባት ኪረኽቡ ጻዕሪ ይገብሩ እዮም። ገሊኦም ከኣ፡ ቋንቋን ባህልን እቶም ብማሕበረሰብ ኣትሒትካ ዚርኣዩ ሰባት ኪምሃሩ ይጽዕሩ እዮም። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብቶም ብስራት ዚሰብኩሎም ሰባት ከም ዚበልጹ ገይሮም ከቶ ኣይሓስቡን እዮም። የግዳስ፡ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኪቕበል ምእንቲ ኺሕግዝዎ፡ ልቡ ኺትንክዩ ይጽዕሩ እዮም።

ስሞም ጠቒስካ ንኻልኦት ጸልየሎም

12. ኤጳፍራስ፡ ጥቕሚ ርእሱ ብምስዋእ ንኻልኦት ከም ዚሓልየሎም ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧

12 ትሕትናና ኸነርኢ እንኽእለሉ ኻልኣይ መገዲ ድማ፡ ስለ እቶም “ማዕረ እታ ናትና ዝኽብረታ እምነት ዝረኸቡ” ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብምጽላይ እዩ። (2 ጴጥ. 1:1) ኤጳፍራስ ከምኡ እዩ ገይሩ። ስሙ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ሰለስተ ሳዕ ጥራይ፡ ኣብተን ጳውሎስ ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ ዝጸሓፈን መልእኽትታት እዩ ዚርከብ። ጳውሎስ ኣብ ሮሜ ኣብታ እተኣስረላ ቤት ኰይኑ ነቶም ኣብ ቈሎሴ ዝነበሩ ክርስትያናት መልእኽቲ ኺጽሕፈሎም ከሎ፡ ‘ኤጳፍራስ ኵሉ ሳዕ ብጸሎቱ ይጋደለሎም ከም ዘሎ’ ገሊጹ እዩ። (ቈሎ. 4:12) ኤጳፍራስ ነቶም ኣሕዋት ኣጸቢቑ ይፈልጦምን ይሓልየሎምን ነይሩ እዩ። ‘መተኣስርቲ’ ጳውሎስ እኳ እንተ ነበረ፡ ኣሕዋቱ ብመንፈሳዊ መዳይ ብዛዕባ ዜድልዮም ነገራት ካብ ምሕላይ ግና ዓዲ ኣይወዓለን። (ፊሞ. 23) እኳ ደኣስ፡ ብዛዕባ ኣሕዋቱ ይጽሊ ነይሩ እዩ። እዝስ ኣብ ጥቕሚ ርእሱ ብዘይምትኳር ዘርኣዮ ኸመይ ዝበለ ሓልዮት ኰን እዩ! እወ፡ ብዛዕባ እቶም ከማና ኣገልገልቲ የሆዋ ዝዀኑ ኣሕዋትና፡ ብፍላይ ስሞም ጠቒስና ምጽላይና ብዙሕ ጽልዋ ኺህልዎ ይኽእል እዩ።—2 ቈረ. 1:11፣ ያእ. 5:16

13. ኣብ ጸሎትካ ንኤጳፍራስ ክትመስሎ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

13 ብዛዕባ እቶም ስሞም ጠቒስካ ኽትጽልየሎም እትኽእል ኣሕዋት ሕሰብ። ከም ኤጳፍራስ ዝኣመሰሉ ብዙሓት ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ብዛዕባ እቶም ኣብ ጉባኤኦም ዚርከቡ ኣሕዋት፡ ብዛዕባ እቶም ከቢድ ሓላፍነታት ዘለዎም ስድራ ቤታት፡ ከምኡ እውን ብዛዕባ እቶም ከቢድ ውሳነታት ወይ ፈተናታት ዜጋጥሞም ኣሕዋት ይጽልዩ እዮም። ብዙሓት ከኣ፡ ብዛዕባ እቶም ኣብ ወብሳይት jw.org ብስሞም ተጠቒሶም ዘለዉ ኣሕዋትና ይጽልዩ እዮም። ብዘይካዚ፡ ነቶም ሰቦም ዝሞቶም፡ ካብ ባህርያዊ ሓደጋ ወይ ውግእ ዝደሓኑ፡ ቍጠባዊ ጸገማት ዘጋጥሞም ኣሕዋትና ኽንጽልየሎም ኣሎና። ብርግጽ፡ ክንጽልየሎም ዘሎናን ካብ ጸሎትና ኺጥቀሙ ዚኽእሉን ብዙሓት ኣሕዋትን ኣሓትን ኣለዉ። ነዞም ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ሰባት ምስ እንጽልየሎም፡ ብዛዕባ ጥቕሚ ርእስና ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብዛዕባ ኻልኦት እውን ከም እንሓሊ ኢና እነርኢ። (ፊል. 2:4) የሆዋ ኸኣ ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ጸሎት ይሰምዖ እዩ።

‘ንምስማዕ ቅልጡፍ ኩን’

14. ጽን ኢልካ ብምስማዕ ዝመጸ፡ የሆዋ ብሉጽ ኣብነት ዝዀነና ብኸመይ እዩ፧

14 ክሳዕ ክንደይ ትሑታት ምዃንና ዜርኢ ኻልእ መገዲ ኸኣ፡ ንሰባት ክንሰምዖም ፍቓደኛታት ምዃንና እዩ። ያእቆብ 1:19፡ ‘ንምስማዕ ቅልጡፋት’ ክንከውን ትምዕደና እያ። ኣብዚ መዳይ እዚ ኸኣ፡ የሆዋ ብሉጽ ኣብነት ይዀነና እዩ። (ዘፍ. 18:32፣ እያ. 10:14) ካብቲ ኣብ ዘጸኣት 32:11-14 ተመዝጊቡ ዘሎ ጸብጻብ እንታይ ከም እንምሃር እሞ ሕሰብ። (ኣንብብ።) የሆዋ ኻብ ሙሴ ሓሳብ ኪረክብ ዘየድልዮ እኳ እንተ ነበረ፡ ንሙሴ ስምዒቱ ኺገልጽ ግና ፈቒዱሉ እዩ። ንሓደ ዚጋገ ሰብ ብትዕግስቲ ኺሰምዖን ሓሳቡ ኪቕበልን ፍቓደኛ ዚኸውን ሰብ መን ኣሎ፧ ኰይኑ ግና፡ የሆዋ ነቶም ብእምነት ናብኡ ዚጽልዩ ሰባት ብትዕግስቲ ይሰምዖም እዩ።

15. ንኻልኦት ብምኽባር ዝመጸ፡ ንየሆዋ ኽንመስሎ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

15 ኵላትና ኸምዚ ዚስዕብ ኢልና ንርእስና ኽንሓትታ ኣሎና፦ ‘የሆዋ ንኸም ኣብርሃምን ራሄልን ሙሴን እያሱን ማኖኣን ኤልያስን ህዝቅያስን ዝኣመሰሉ ሰባት ኪሰምዖም ርእሱ ትሕት ካብ ኣበለ፡ ኣነ እውን ንኣሕዋተይ ከኽብሮም፡ ርእይቶኦም ክሰምዕ፡ ወይ እውን ነቲ ዝሃብዎ ጽቡቕ ሓሳብ ክትግብሮ ዝያዳ ጻዕሪ ኽገብርዶ ኣይግብኣንን፧ ኣብ ጉባኤይ ወይ ኣብ ስድራ ቤተይ ኣቓልቦ ኽገብረሉ ዜድልዮ ሰብ ይህሉዶ፧ ነዚ ሰብ እዚ ኽገብረሉ ዚግብኣንን ክገብረሉ ዝኽእልን ነገርከ እንታይ እዩ፧’—ዘፍ. 30:6፣ መሳ. 13:9፣ 1 ነገ. 17:22፣ 2 ዜና 30:20

“ምናልባት የሆዋ መከራይ ይርኢ ይኸውን”

ዳዊት፡ “ሕደግዎ!” በለ። ንስኻ እንተ ትኸውን እንታይ ምገበርካ፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 16, 17 ርአ)

16. ንጉስ ዳዊት፡ ሺምዒ ምስ ጸረፎ እንታይ እዩ ገይሩ፧

16 ትሕትና፡ ካልኦት ኬቘጥዑና ኸለዉ ርእስና ኽንገትእ እውን ትሕግዘና እያ። (ኤፌ. 4:2) ኣብዚ መዳይ እዚ ብሉጽ ኣብነት ዝዀነና ዛንታ ኣብ 2 ሳሙኤል 16:5-13 ኽንረክብ ንኽእል ኢና። (ኣንብብ።) ዳዊትን ገላዉኡን፡ እቲ ዘመድ ንጉስ ሳኦል ዝነበረ ሺምዒ ንዝጸረፎም ጸርፍን ኣካላዊ መጥቃዕትን ተጻዊሮም እዮም። ዳዊት ንሺምዒ ደው ኬብሎ ሓይሊ እኳ እንተ ነበሮ፡ ብትዕግስቲ ተጻዊሩ እዩ። ስምዒቱ ኺቈጻጸር ዝሓገዞ ደኣ እንታይ እዩ፧ መዝሙር 3 ብምምርማር፡ ምላሽ እዛ ሕቶ እዚኣ ኽንረክብ ንኽእል ኢና።

17. ንዳዊት ስምዒቱ ኺቈጻጸር ዝሓገዞ እንታይ እዩ፧ ንሕናኸ ኣብነቱ ኽንቀድሕ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

17 እቲ ኣብ ልዕለ ጽሑፍ መዝሙር 3 ዚርከብ ሓበሬታ፡ ዳዊት “ካብ ወዱ ኣቤሴሎም ኪሃድም ከሎ ዝዘመሮ መዝሙር” ምዃኑ ይሕብር እዩ። ፍቕዲ 1ን 2ን ከኣ፡ ኣብ ካልኣይ ሳሙኤል ምዕራፍ 16 ተጠቒሱ ምስ ዘሎ ፍጻመታት ዚሰማማዕ ሓሳብ ሒዘን ኣለዋ። ድሕሪኡ፡ መዝሙር 3:4፡ ዳዊት ዝነበሮ ምትእምማን ዜረጋግጽ ሓሳብ ተጕልሕ። “ዓው ኢለ ናብ የሆዋ ኽምህለል እየ፣ ንሱ ድማ ካብ ቅዱስ ከረኑ ኺምልሰለይ እዩ” ድማ ትብል። ንሕና እውን መጥቃዕቲ ኺወርደና ኸሎ ኽንጽሊ ኣሎና። የሆዋ ድማ ክንጻወር ዚሕግዘና መንፈስ ቅዱሱ ኺህበና እዩ። እሞኸ ኽትግፋዕ ከለኻ ርእስኻ ኽትገትእ ወይ ብናጻ ይቕረ ኽትብል ትኽእልዶ፧ የሆዋ ነቲ ዚበጽሓካ መከራ ኸም ዚርእዮን ከም ዚሕግዘካን ከም ዚባርኸካንከ ትተኣማመን ዲኻ፧

“ጥበብ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲት ነገር እያ”

18. ንመለኮታዊ ትምህርቲ ብቐጻሊ ኣብ ግብሪ እንተ ኣውዒልናዮ፡ ከመይ ጌርና ንጥቀም፧

18 ቅኑዕ ከም ዝዀነ እንፈልጦ ዘበለ ምግባርና፡ ብዙሕ በረኸት የምጽኣልና እዩ። ምሳሌ 4:7፡ “ጥበብ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲት ነገር እያ” እትብለና እውን በዚ ምኽንያት እዚ እያ። ጥበብ ኣብ ፍልጠት እተመስረተት እኳ እንተ ዀነት፡ ንነገራት ምስ ምርዳእ ጥራይ ዘይኰነትሲ፡ ምስቲ እንገብሮ ውሳነታት እውን ትተሓሓዝ እያ። ጻጸ እኳ ኸይተረፉ ጥበብ ከም ዘለዎም የርእዩ እዮም። ምግቦም ብሓጋይ ብምድላው፡ ብባህረት ጥበበኛታት ምዃኖም የርእዩ እዮም። (ምሳ. 30:24, 25) እቲ “ጥበብ ኣምላኽ” እተባህለ ክርስቶስ፡ ኵሉ ሳዕ ንኣቦኡ ባህ ዜብሎ ዘበለ ይገብር እዩ። (1 ቈረ. 1:24፣ ዮሃ. 8:29) ኣምላኽ ከኣ፡ ኣብ መንጎ ቕኑዕ ምርጫ ምምራጽን ነቲ ዝገበርካዮ ምርጫ ምትግባርን ዘሎ ፍልልይ ይፈልጥ እዩ። ነቶም ብትሕትና ዚጻወሩን ቅኑዕ ዘበለ ዚገብሩን ድማ ዓስቦም ይህቦም እዩ። (ማቴዎስ 7:21-23 ኣንብብ።) ስለዚ፡ ጉባኤኻ ናይ ሓቂ ትሕትና ዚርኣየላ ቦታ ኽትከውን ጽዓር። ነቲ ቕኑዕ ከም ዝዀነ ዝፈለጥናዮ ኣብ ግብሪ ኸነውዕሎ ግዜን ጻዕርን ዚሓትት እኳ እንተ ዀነ፡ ከምኡ ምግባርና ግና ትሕትናና እዩ ዜርኢ። ትሕትና ድማ ሕጅን ንዘለኣለምን ሕጉሳት ክንከውን ትሕግዘና እያ።