ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንየሆዋ ብምምሳል፡ ሓላይን ለዋህን ኩን

ንየሆዋ ብምምሳል፡ ሓላይን ለዋህን ኩን

“ንትሑት ዚሓልየሉ ሕጉስ እዩ።”—መዝ. 41:1

መዝሙር፦ 130, 107

1. ኣብ መንጎ ህዝቢ ኣምላኽ ዘላ ፍቕሪ ብኸመይ እያ እትርአ፧

ህዝቢ ኣምላኽ ብፍቕሮም ዚልለዩ ኣባላት ሓንቲ ስድራ ቤት እዮም። (1 ዮሃ. 4:16, 21) ፍቕሮም ከኣ ኣብቲ ሳሕቲ ዜጋጥም ዓብዪ መስዋእቲ ዚሓትት እዋን ጥራይ ዘይኰነስ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ንኣሽቱ ነገራት እያ እትርአ። ንኣብነት፡ ኣብቲ ብሓልዮት ዚዝረብ ቃልን ብለውሃት ዚግበር ተግባርን ትርአ እያ። ንሰባት ክንልውሃሎምን ክንሓልየሎምን ከለና፡ ‘ከም ፍቑራት ውሉዳት፡ ንኣምላኽ ኢና እንመስሎ።’—ኤፌ. 5:1

2. የሱስ ከም ናይ ኣምላኽ ዝበለት ፍቕሪ ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧

2 የሱስ ንኣቦኡ ምሉእ ብምሉእ ይመስሎ ነይሩ እዩ። “ኣቱም ኵልኹም እትጽዕሩን ጾር ዝኸበደኩምን፡ ናባይ ንዑ፡ ኣነ ድማ ከዕርፈኩም እየ። ኣነ ልኡምን ትሑት ዝልቡን እየ” ኢሉ እውን ተዛሪቡ እዩ። (ማቴ. 11:28, 29) ‘ንትሑት ብምሕላይ’ ንክርስቶስ ክንመስሎ ኸለና፡ ሞገስ ሰማያዊ ኣቦናን ዓብዪ ሓጐስን ንረክብ ኢና። (መዝ. 41:1) ሕጂ እምበኣር፡ ንኣባላት ስድራ ቤትናን ኣብ ጉባኤና ንዚርከቡ ሰባትን ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ንእንረኽቦም ሰባትን ከመይ ጌርና ኸም እንሓልየሎም እስከ ንርአ።

ኣብ ስድራ ቤት ሓላዪ ኹን

3. ሰብኣይ ንሰበይቱ ኺርድኣላን ኪሓልየላን ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧ (ኣብ መእተዊ ዘላ ስእሊ ርአ።)

3 ሰብኡት ንኣባላት ስድራ ቤቶም ሓለይቲ ብምዃን ዝመጸ፡ መሪሕ ግደ ኺህልዎም ኣለዎ። (ኤፌ. 5:25፣ 6:4) ንኣብነት፡ ምስ ኣንስቶም “ብፍልጠት” ኪነብሩ ተማዒዶም እዮም። እተን፡ “ምስ ኣንስትኹም ብፍልጠት ንበሩ” ተባሂለን ተተርጒመን ዘለዋ ቓላት ድማ፡ “ንኣንስትኹም ሕለዩለን (ተረድእወን)” ተባሂለን ኪትርጐማ ይኽእላ እየን። (1 ጴጥ. 3:7፡ እ.ጽ.) ምርዳእን ሓልዮትን ብሓንሳእ ዚኸይድ ነገር እዩ። ንኣብነት፡ ንሰበይቱ ዚርድኣላ ሰብኣይ፡ ንሳ ኸም መመላእታኡ መጠን ብብዙሕ መዳያት ካብኡ እተፈልየት እኳ እንተ ዀነት፡ ካብኡ ኸም ዘይትትሕት ይፈልጥ እዩ። (ዘፍ. 2:18) ስለዚ፡ ንስምዒታ ይጥንቀቐሉ፡ ብኣኽብሮት ድማ ይሕዛ እዩ። ኣብ ካናዳ እትነብር ሓንቲ ሰበይቲ ብዛዕባ ሰብኣያ፡ “ንስምዒታተይ ፈጺሙ ኣየነኣእሶን ወይ ‘ከምዚ ኺስምዓኪ ኣይነበሮን’ ኣይብለንን እዩ። ንፉዕ ሰማዒ እዩ። ኣረኣእያይ ከዐሪ ኺሕግዘኒ ኸሎ፡ ብለውሃት እዩ ዚገብሮ” ትብል።

4. ሰብኣይ ምስ ካልኦት ኣንስቲ ኣብ ዘለዎ ርክብ ከመይ ገይሩ እዩ ንሰበይቱ ኺሓልየላ ዘለዎ፧

4 ሓላዪ ሰብኣይ ምስ ካልኦት ኣንስቲ ኣብ ዘለዎ ርክብ እውን ንስምዒታት ሰበይቱ ኣብ ግምት የእቱ እዩ። ንኻልኦት ኣንስቲ ኣየኳሽምን ወይ ዘይግቡእ ቈላሕታ ኣይገብረለንን እዩ፣ ብማሕበራዊ መራኸብን ብኢንተርነትን እውን ከምዚ ዓይነት ቈላሕታ ኣይገብርን እዩ። (እዮ. 31:1) እወ፡ ንሰበይቱ እሙን ኰይኑ ይመላለስ እዩ፣ ነዚ ኸኣ ካብቲ ንዓኣ ዘለዎ ፍቕሪ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ካብቲ ንኣምላኽ ዘለዎ ፍቕርን ንኽፍኣት ዘለዎ ጽልእን ተላዒሉ እዩ ዚገብሮ።—መዝሙር 19:14፣ 97:10 ኣንብብ።

5. ከመይ ገይራ እያ ሰበይቲ ንሰብኣያ ኽትሓልየሉ እትኽእል፧

5 ሰብኣይ ነቲ ርእሱ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ከም ኣርኣያኡ ገይሩ ዚስዕቦ እንተ ዀይኑ፡ ሰበይቱ ንዕኡ ‘ብዙሕ ከተኽብሮ’ ይሕግዛ እዩ። (ኤፌ. 5:22-25, 33) እቲ ኣኽብሮታ ኸኣ ሰብኣያ ንቲኦክራስያዊ ሓላፍነታት ዝያዳ ግዜ ኺውፊ ኸሎ ወይ ጸገማት ኬተሓሳስቦ ኸሎ፡ ክትሓልየሉ የለዓዕላ እዩ። ኣብ ብሪጣንያ ዚነብር ሓደ ሰብኣይ፡ “ሓድሓደ ግዜ፡ ጠባየይ ኣብ ዚቕየረሉ እዋን፡ ሓደ ነገር ይርብሸኒ ኸም ዘሎ ሰበይተይ ተስተውዕል እያ። ሽዑ፡ ነቲ ኣብ ምሳሌ 20:5 ዚርከብ መሰረታዊ ስርዓት ትዓይየሉ እያ፣ ምስኣ ኽመያየጠሉ ዝኽእል ጕዳይ እንተ ዀይኑ እውን ሓሳባተይ ‘ቀዲሓ’ ንምውጻእ ግቡእ ግዜ ትጽበ እየ” ይብል።

6. ኵላትና ንቘልዑ፡ ሓለይቲ ኪዀኑ ኸነተባብዖም እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ቈልዑኸ ኻብዚ ብኸመይ ይጥቀሙ፧

6 ወለዲ ንሓድሕዶም ኪተሓላለዩ ኸለዉ፡ ንደቆም ሰናይ ኣብነት ይዀንዎም እዮም። ንውሉዳት ሓለይቲ ኪዀኑ ምስልጣን እውን ብቐዳምነት ሓላፍነት ወለዲ እዩ። ንኣብነት፡ ወለዲ ንደቆም፡ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ከይጓየዩ ኺምህርዎም ይኽእሉ እዮም። ኣብ ማሕበራዊ ምትእኽኻብ ከኣ፡ ምግቢ ኺልዓል ከሎ፡ ንዓበይቲ ቐዳምነት ኪህቡ ኸም ዚግባእ ኪምህርዎም ይኽእሉ እዮም። ኵሎም ኣባላት ጉባኤ እውን ንወለዲ ኺድግፍዎም ይኽእሉ እዮም። ሓደ ቘልዓ ሰናይ ተግባር ኪገብር ከሎ፡ ንኣብነት ንኻልኦት ማዕጾ ኪኸፍተሎም ከሎ፡ ክንንእዶ ኣሎና። ከምኡ ምስ እንገብር፡ ኣብቲ ቘልዓ ጽቡቕ ጽልዋ ኸነሕድር ንኽእል ኢና፣ እወ፡ “ካብ ምቕባል፡ ምሃብ የሐጕስ” ዚብል ቃላት ኣብ ልቡ ኽንቀርጸሉ ንኽእል ኢና።—ግብ. 20:35

ኣብ ጉባኤ “ንሓድሕድና ንተሓላለ”

7. የሱስ ነቲ ጸማም ሰብኣይ ከመይ ገይሩ እዩ ሓልዮት ዘርኣዮ፧ ካብቲ የሱስ ዝሓደጎ ኣብነትከ እንታይ ንምሃር፧

7 ሓደ ግዜ፡ የሱስ ኣብ ዞባ ደካጶሊስ ከሎ፡ “ሓደ ጸማምን ለኻትን . . . ኣምጽኡሉ።” (ማር. 7:31-35) የሱስ ከኣ ንዕኡ ኣብ ቅድሚ እቲ ህዝቢ ኣብ ክንዲ ዜሕውዮ፡ “ንበይኑ ወሲዱ” ኣሕወዮ። ስለምንታይ፧ እቲ ሰብኣይ ብሰንኪ ስንክልናኡ ኣብ መንጎ ህዝቢ ኪኸውን ከሎ ይሽቝረር ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። የሱስ ድማ ነዚ ተረዲኡ፡ ንበይኑ ወሲዱ ኣሕወዮ። ልክዕ እዩ፡ ንሕና ብተኣምራዊ መገዲ ኸነሕዊ ኣይንኽእልን ኢና። ንድሌትን ንስምዒትን ክርስትያናት ብጾትና ግና ሓልዮት ከነርኢ ንኽእል ኢና፡ ከነርኢ እውን ኣሎና። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ንፍቕርን ንሰናይ ግብርን ንምንቕቓሕ ንሓድሕድና ንተሓላለ” ኢሉ ጽሒፉ እዩ። (እብ. 10:24፡ እ.ጽ.) የሱስ፡ እቲ ጸማም ሰብኣይ ከመይ ከም እተሰምዖ ስለ እተረድኦ፡ ሓልዩሉ እዩ። እዝስ ንዓና ኸመይ ዝበለ ሰናይ ኣብነት ኰን እዩ!

8, 9. ንኣረጋውያንን ንስንኩላንን ከመይ ጌርና ኢና ኽንሓልየሎም እንኽእል፧ (ኣብነታት ሃብ።)

8 ንኣረጋውያንን ንስንኩላንን ንሕለየሎም። ክርስትያናዊት ጉባኤ ብስሉጥ ኣሰራርሓኣ ዘይኰነስ፡ ብፍቕራ እያ እትልለ። (ዮሃ. 13:34, 35) ስንኩላንን ኣረጋውያንን ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ምእንቲ ኺእከቡን ኣብ ስብከት እቲ ብስራት ምእንቲ ኺሳተፉን፡ ብፍቕሪ ተደሪኽና ብዙሕ መስዋእቲ ንኸፍለሎም ኢና። እቲ ዚገብርዎ ነገር ድሩት እኳ እንተ ዀነ፡ ከምኡ ንገብር ኢና። (ማቴ. 13:23) ብዓረብያ ስንኩላን ዚንቀሳቐስ ማይክል፡ ነቲ ስድራ ቤቱን ኣብ ጉጅለ ኣገልግሎት ወፍሪ ዘለዉ ኣሕዋትን ዚገብሩሉ ደገፍ ብዙሕ የማስወሉ እዩ። ሓሳቡ ኺገልጽ ከሎ ድማ፡ “ሳላ እቲ ዚገብሩለይ ደገፍ፡ ኣብ መብዛሕትኡ ኣኼባታት ክእከብ፡ ኣብ ኣገልግሎት ከኣ ብስሩዕ ክሳተፍ ክኢለ እየ። ምናዳ ነቲ ብግህዶ ዚግበር ምስክርነት እፈትዎ እየ” ይብል።

9 ኣብ ሓያሎ ኣባይቲ ቤት-ኤል፡ ኣረጋውያንን ስንኩላንን ኣለዉ። ለዋሃት ሓለውቲ ድማ ነዞም እሙናት ኣገልገልቲ፡ ኣብ ምስክርነት ደብዳበን ምስክርነት ተሌፎንን ኪሳተፉ መሰናድዎ ይገብሩሎም እዮም። ቢል ዝስሙ 86 ዓመት ዝዕድሚኡ ኣረጋዊ፡ ኣብ ግሉል ቦታታት ንዚርከቡ ሰባት ደብዳበ ይጽሕፈሎም እዩ፣ ብዛዕባ እዚ ኸኣ፡ “ደብዳበ ናይ ምጽሓፍ ፍሉይ መሰል ኣኽቢርና ኢና እንርእዮ” ይብል። ዳርጋ 90 ዓመት ዝዕድሚኣ ናንሲ ኸኣ፡ “ደብዳበ ምጽሓፍ፡ ኣብ ጶስጣታት ወረቓቕቲ ኽትውትፍ ከም ምውዓል ጥራይ ገይረ ኣይርእዮን እየ። እዚ ኣገልግሎት ወፍሪ እዩ። ሰባት ሓቂ ኺፈልጡ ኣለዎም!” ዚብል ሓሳብ ሂባ እያ። ብ1921 እተወልደት ኢተል ድማ፡ “ስቓይ ክፋል ህይወተይ እዩ። ሓድሓደ ግዜ፡ ብኽንደይ መከራ እየ ኽዳን ዝኽደን” ትብል። ምስክርነት ተሌፎን ትፈቱ እኳ እንተ ዀነት፡ ጽቡቕ ተመላሊስካ ምብጻሓት እውን ኣለዋ። ባርባራ ዝስማ ጓል 85 ዓመት ሰበይቲ ኸኣ፡ “ጥዕና ስለ ዘይብለይ፡ ስሩዕ ኣገልግሎት ወፍሪ ብዙሕ የጸግመኒ እዩ። ምስክርነት ተሌፎን ግና ንሰባት ከዘራርብ የኽእለኒ እዩ። የሆዋ ምስጋና ይብጻሕካ!” ኢላ ሓሳባታ ገሊጻ ኣላ። ሓደ ጕጅለ ኣረጋውያን፡ ሓደ ዓመት ኣብ ዘይመልእ ግዜ፡ 1,228 ሰዓት ኣብ ኣገልግሎት ወፍዮም፡ 6,265 ደብዳበ ጽሒፎም፡ ልዕሊ 2,000 ሳዕ ተሌፎን ደዊሎም፡ 6,315 ጽሑፋት እውን ኣበርኪቶም እዮም። እዚ ጻዕሪ እዚ ብርግጽ ንልቢ የሆዋ ኣሐጒስዎ እዩ።—ምሳ. 27:11

10. ኣሕዋትና ኻብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ኣጸቢቖም ምእንቲ ኺጥቀሙ፡ ንሕና ኸመይ ጌርና ኽንሕግዝ ንኽእል፧

10 ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ንኣሕዋትና ንሕለየሎም። ኣሕዋትና ኻብ ኣኼባታትና ኣጸቢቖም ኪጥቀሙ ንደልዮም ኢና። ሓለይቲ እንተ ዄንና፡ ከምኡ ንምግባር ይሕግዘና እዩ። ብኸመይ፧ ሓደ መገዲ፡ ብዘየድሊ ንሰባት ምእንቲ ኸይንርብሽ፡ ናብ ኣኼባ ብእዋኑ ብምምጻእ እዩ። ሓድሓደ ግዜ፡ ዘይተጸበናዮ ነገር ኬደንጕየና ኸም ዚኽእል ዚከሓድ ኣይኰነን። ኣዘውቲርና ንድንጒ እንተ ዄንና ግና፡ ከመይ ጌርና ዝያዳ ሓልዮት ከም እነርኢ ኽንሓስበሉ ኣሎና። ዓደምትና የሆዋን ወዱን ምዃኖም ከኣ ኣይንረስዕ። (ማቴ. 18:20) ንዓታቶም እውን ብዙሕ ከነኽብሮም ኣሎና!

11. እቶም ኣብ ኣኼባ ኽፍልታት ዘለዎም ነቲ ኣብ 1 ቈረንቶስ 14:40 ዘሎ መምርሒ ኣብ ግብሪ ኼውዕልዎ ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧

11 ንኣሕዋትና ንሓልየሎም እንተ ዄንና፡ ነቲ፡ “ኵሉ ብኣገባብን ብስርዓትን ይኹን” ዚብል ትእዛዝ እውን ንስዕቦ ኢና። (1 ቈረ. 14:40) ኣብ ኣኼባ ኽፍልታት ዘለዎም ኣሕዋት፡ ካብቲ እተመደበሎም ግዜ ብዘይምሕላፍ ነዚ መምርሒ እዚ ይስዕብዎ እዮም። ከምኡ ምግባሮም ከኣ፡ ነቲ ዚቕጽል ተዛራባይ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንኣባላት እታ ጉባኤ እውን ሓልዮት ከም ዘለዎም ዜርኢ እዩ። ገሊኦም ኣሕዋት ቤቶም ርሑቕ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ገሊኦም ድማ ብህዝባዊ መጐዓዝያ ይጕዓዙ ይዀኑ። ገሊኦም ከኣ ኪምለሱ ተሃንጥዮም ዚጽበይዎም ዘይኣመንቲ መጻምድቲ ይህልውዎም ይዀኑ።

12. ንጻዕረኛታት ሽማግለታት ‘ብፍቕሪ ብሉጽ ኣኽብሮት’ ዚግብኦም ስለምንታይ እዩ፧ (“ ንዚመርሑና ንሕለየሎም” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።)

12 ኣብ ጉባኤ ብዙሕ ዚጽዕሩን ኣብ ኣገልግሎት ብቕንኣት ዚመርሑን መንፈሳውያን ጓሶት ብዙሕ ሓልዮት ወይ ብሉጽ ኣኽብሮት ይግብኦም እዩ። (1 ተሰሎንቄ 5:12, 13 ኣንብብ።) ነቲ ሽማግለታት ምእንታኻ ዚገብርዎ ጻዕርታት መሸም ኣኽቢርካ ኢኻ እትርእዮ። እምበኣር፡ ብእተኻእለካ መጠን ብፍታው ምሳታቶም ብምትሕብባርን ንዓታቶም ብምድጋፍን ነዚ ኣርእዮም። ከመይሲ፡ “ንሳቶም ጸብጻብ ከም ዚህቡ ዀይኖም፡ ነቒሖም [ይሕልዉኻ] ኣለዉ።”—እብ. 13:7, 17

ኣብ ኣገልግሎት ሓላዪ ኹን

13. ካብቲ የሱስ ንሰባት ዝሓዘሉ መገዲ እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧

13 ኢሳይያስ ብዛዕባ የሱስ፡ “ጭፍሉቕ ሻምብቆ ኣይኪሰብርን፡ ዚተክኽ ፈትሊ መብራህቲ እውን ኣይኬጥፍእን እዩ” ኢሉ ተነብዩ ነይሩ እዩ። (ኢሳ. 42:3) የሱስ ንሰባት የፍቅሮም ብምንባሩ፡ ይድንግጸሎም ነይሩ እዩ። ነቶም ብምሳልያዊ መገዲ ኸም ጭፍሉቕ ሻምብቆ ወይ ኪጠፍእ ከም ዝበለ ፈትሊ መብራህቲ ዝኣመሰሉ እውን ስምዒቶም ይርድኣሎም ነይሩ እዩ። ስለዚ ድማ፡ ሓላይን ለዋህን ዕጉስን እዩ ነይሩ። ቈልዑ እኳ ኸይተረፉ፡ ምስኡ ኪዀኑ ይደልዩ ነይሮም እዮም። (ማር. 10:14) ልክዕ እዩ፡ ከም ናይ የሱስ ዝበለ ልቦናን ክእለት ኣመሃህራን የብልናን። ኰይኑ ግና፡ ኣብ ክልና ንዚርከቡ ሰባት ክንሓልየሎም ንኽእል ኢና፡ ክንሓልየሎም እውን ኣሎና። እዚ ድማ ብኸመይ ከም እንዛረቦምን መዓስ ከም እንዛረቦምን ንኽንደይ ዚኣክል ንውሓት ግዜ ኸም እንዛረቦምን የጠቓልል።

14. ንሰባት ብኸመይ ከም እንዛረቦም ፍሉይ ጥንቃቐ ኽንገብር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

14 ንሰባት ብኸመይ ክንዛረቦም ኣሎና፧ ሎሚ፡ ሚልዮናት ሰባት ብብልሹዋትን ብሕሱማትን ነጋዶን ፖለቲከኛታትን መራሕቲ ሃይማኖትን ስለ ዚህሰዩ፡ “ግፉዓትን ድርቡያትን” ኰይኖም ኣለዉ። (ማቴ. 9:36) ከም ሳዕቤኑ ኸኣ፡ ብዙሓት ሰባት ንሰብ ዘይኣምኑን ተስፋ ኣልቦን ኰይኖም ኣለዉ። እምበኣር፡ ለውሃትናን ርሕራሐናን ኣብ ምርጫ ቓላትናን ኣብ ቃና ድምጽናን ኪንጸባረቕ ኣለዎ። ብዙሓት ናብ መልእኽትና ዚስሓቡ፡ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ብዘሎና ፍልጠት ወይ በቲ እነቕርቦ ጽቡቕ መረዳእታ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብሓቂ ስለ እንግደሰሎምን ስለ እንሓልየሎምን እዮም።

15. ንእንምስክረሎም ሰባት ብምንታይ ግብራዊ መገድታት ኢና ሓልዮትና እነርእዮም፧

15 ንእንምስክረሎም ሰባት ሓልዮትና እነርእየሉ ብዙሕ ግብራዊ መገድታት ኣሎ። ንኣብነት፡ እቲ እንሓትቶም ሕቶታት፡ ለውሃትን ኣኽብሮትን ዜንጸባርቕ ኪኸውን ኣለዎ። ሓደ ፈላሚ፡ ቍጡባትን ሓፋራትን ሰባት ኣብ ዚበዝሑሉ ኽሊ ስለ ዜገልግል፡ ዜሕፍር ሕቶ ኸይሓትት ይጥንቀቕ እዩ። ስለዚ፡ ሰባት ኪምልስዎ ዘይክእሉ ወይ ብጌጋ ዚምልስዎ ሕቶታት ኣይሓትትን እዩ። ንኣብነት፡ ‘ስም ኣምላኽ ትፈልጦዶ፧’ ወይ ‘መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ምዃና ትፈልጥዶ፧’ ወይ ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ሕቶታት ምሕታት ሓዲግዎ እዩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ “ኣምላኽ ብሕታዊ ስም ከም ዘለዎ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ተማሂረ እየ። ስሙ መን ምዃኑዶ ኸርእየካ፧” ዚብል ሕቶ ይጥቀም ኣሎ። በበይኑ ዓይነት ባህልን ህዝብን ስለ ዘሎ፡ ዝርዝር ሕግታት ከነውጽእ ኣየድልየናን እዩ። ይኹን እምበር፡ ንሰባት ወትሩ ሓልዮትን ኣኽብሮትን ከነርኢ ኣሎና፣ ከምኡ ንምግባር ከኣ፡ ኣብ ክልና ንዘለዉ ሰባት ኣጸቢቕና ኽንፈልጦም ኣሎና።

16, 17. ንሰባት ንሓልየሎም እንተ ዄንና፡ (ሀ) መዓስ ኢና ናብ ቤቶም እንኸዶም፧ (ለ) ንምዝርራቦም ክንደይ ዚኣክል ንውሓት ግዜ ኢና እንወስድ፧

16 ንሰባት መዓስ ክንከዶም ኣሎና፧ ኣብ በቤት እናኸድና ኸነገልግል ከለና፡ ነቶም ሰባት፡ ብሃንደበት ከይተዓደምና ኢና እንኸዶም። ስለዚ፡ ኣብቲ ሰባት ንምዝርራብ ብዝያዳ ፍቓደኛታት ዚዀኑሉ እዋን ክንከዶም ኣሎና። (ማቴ. 7:12) ንኣብነት፡ ኣብ ኽልኻ ዘለዉ ሰባት ኣብ ቀዳመ ሰናብቲ ደቂሶም የርፍዱ ድዮም፧ ከምኡ እንተ ዀይኖም፡ ኣገልግሎትካ ብናይ መገዲ ምስክርነት፡ ብግህዶ ብዚግበር ምስክርነት፡ ወይ በቶም ካብ ድቃሶም ተንሲኦም ከም ዚጸንሑኻ እትፈልጦም ተመላሊስካ ምብጻሓት ክትጅምር ትኽእል ኢኻ።

17 ክንደይ ዚኣክል ንውሓት ግዜ ኢና ኽንጸንሕ ዘሎና፧ ብዙሓት ሰባት ብስራሕ ትሑዛት እዮም፣ ስለዚ፡ ምብጻሓትና ብሕልፊ ኣብ ፈለማ ሓጺር ኪኸውን ይግባእ። ምይይጥና ኻብ ዚነውሕ፡ እንተ ሓጸረ ይሓይሽ። (1 ቈረ. 9:20-23) ሰባት ንዅነታቶም ወይ ብስራሕ ተዋጢሮም ምህላዎም ከም እንርድኣሎም እንተ ርእዮም፡ ካልእ ግዜ ተመሊስና ኽንመጾም ፍቓደኛታት ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ኣብ ኣገልግሎትና ፍረ መንፈስ ኣምላኽ ብንጹር ኪርአ ኣለዎ። ከምኡ ምስ እንገብር፡ ብሓቂ “መዓይይቲ ኣምላኽ” ንኸውን ኢና፣ የሆዋ ድማ ብኣና ኣቢሉ ንሰባት ናብ ሓቂ ኺስሕቦም ይኽእል እዩ።—1 ቈረ. 3:6, 7, 9

18. ንሰባት ምስ እንሓልየሎም፡ እንታይ በረኸት ኢና እንረክብ፧

18 ስለዚ፡ ኣብ ስድራ ቤትን ኣብ ጉባኤን ኣብ ኣገልግሎት ወፍርን ንሰባት ሓለይቲ ንምዃን ዚከኣለና ዘበለ ንጽዓር። ከምኡ ምስ እንገብር፡ ሕጅን ኣብ መጻእን ብዙሕ በረኸት ክንረክብ ኢና። መዝሙር 41:1, 2፡ “ንትሑት ዚሓልየሉ ሕጉስ እዩ፣ የሆዋ ብመዓልቲ መዓት ኬናግፎ እዩ። . . . ኣብ ምድሪ ሕጉስ ኪኸውን እዩ” ትብል እያ።