ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኵሉ ዚኽእል፡ ግናኸ ሓላዪ

ኵሉ ዚኽእል፡ ግናኸ ሓላዪ

“[የሆዋ] ኸመይ ከም እተገበርናስ ኣጸቢቑ ይፈልጥ፡ ሓመድ ምዃንና ኸኣ ይዝክር እዩ።”—መዝ. 103:14

መዝሙር፦ 30, 10

1, 2. (ሀ) እቲ የሆዋ ንሰባት ዚሕዘሉ መገዲ ኻብቲ ሓያላት ሰባት ንኻልኦት ሰባት ዚሕዙሉ መገዲ እተፈልየ ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ኢና ኽንምርምር፧

መብዛሕትኡ ግዜ፡ ብዙሕ ሓይልን ጽልዋን ዘለዎም ሰባት ኣብ ልዕሊ ኻልኦት ‘ይስልጥኑ፡’ ካብኡ ሓሊፎም እውን ንኻልኦት ይገዝእዎም እዮም። (ማቴ. 20:25፣ መክ. 8:9) የሆዋ ግና ከቶ ኸምኡ ኣይገብርን እዩ። ኵሉ ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ንዘይፍጹማት ሰባት ብዙሕ ይሓልየሎም እዩ። ለዋህን ሓላይን እዩ። ንስምዒታትና ኣብ ግምት የእቱ፡ ብዛዕባ ዜድልየና ነገራት እውን ይግደስ እዩ። ‘ሓመድ ምዃንና ስለ ዚዝክር፡’ ካብ ዓቕምና ንላዕሊ ኽንገብር ኣይሓትተናን እዩ።—መዝ. 103:13, 14

2 ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ንኣገልገልቱ ብሓልዮት ዝሓዘሉ ኣጋጣሚታት ዚገልጽ ብዙሕ ኣብነታት ንረክብ ኢና። ሕጂ ኣብ ሰለስተ እስከ ነተኵር። ቀዳማይ፡ እቲ ኣምላኽ ነቲ ንእሽቶ ዝነበረ ሳሙኤል፡ ንኤሊ እቲ ሊቀ ኻህናት መልእኽቲ ፍርዲ ኼብጽሕ ዝሓገዘሉ መገዲ፣ ካልኣይ፡ እቲ የሆዋ ንሙሴ፡ መራሕ እስራኤላውያን ኪኸውን መዝነት ኣብ ዝሃቦ እዋን ብትዕግስቲ ዝሓዘሉ መገዲ፣ ሳልሳይ፡ ኣምላኽ ንእስራኤላውያን ካብ ግብጺ ኼውጽኦም ከሎ ሓልዮት ዘርኣየሉ መገዲ። ነዚ ኣብነታት እዚ ኸነስተንትነሉ ኸለና፡ ብዛዕባ የሆዋ እንታይ ከም እንምሃርን ንሕና ኣብ ግብሪ ኸነውዕሎ እንኽእል እንታይ ነጥብታት ከም ዘሎን እስከ ነስተብህል።

ንቘልዓ ዘርኣዮ ኣባታዊ ሓልዮት

3. ሓደ ለይቲ ንሳሙኤል እንታይ ፍልይ ዝበለ ነገር እዩ ኣጋጢምዎ፧ እዚኸ እንታይ ሕቶ እዩ ዜበግስ፧ (ኣብ መእተዊ ዘላ ስእሊ ርአ።)

3 ሳሙኤል ገና ንእሽቶ ኸሎ እዩ ‘ንየሆዋ ኼገልግሎ’ ጀሚሩ። (1 ሳሙ. 3:1) ሓደ ለይቲ፡ ሳሙኤል ምስ ደቀሰ፡ ፍልይ ዝበለ ነገር ኣጋጠመ። * (1 ሳሙኤል 3:2-10 ኣንብብ።) ብስሙ ዚጽውዖ ድምጺ ሰምዐ። ሳሙኤል ከኣ ድምጺ እቲ ብዕድመ ደፊኡ ዝነበረ ኤሊ ዚብሃል ሊቀ ኻህናት ስለ ዝመሰሎ፡ ብተኣዛዝነት ጐይዩ ናብኡ ኸይዱ፡ “ጸዊዕካኒ ኢኻ እሞ፡ እነኹ” በሎ። ኤሊ ድማ ከም ዘይጸውዖ ነገሮ። እዚ ነገር እዚ ኽልተ ሳዕ ምስ ተደጋገመ፡ ኣምላኽ ንሳሙኤል ይጽውዖ ኸም ዘሎ ኤሊ ኣስተውዓለ። ስለዚ፡ ንሳሙኤል እንታይ ኢሉ ኸም ዚምልስ ነገሮ፣ ሳሙኤል ድማ ከምቲ እተባህሎ ገበረ። የሆዋ ንሳሙኤል ብመልኣኽ ኣቢሉ ኣብቲ ቐዳማይ ኣጋጣሚ መንነቱ ዘይገለጸሉ ስለምንታይ እዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ብንጹር መልሲ ዘይህበና እኳ እንተ ዀነ፡ እቲ ድሕሪኡ ዝዀነ ነገራት ግና ንሳሙኤል ካብ ዘለዎ ሓልዮት ተላዒሉ ኪኸውን ከም ዚኽእል ይእምተልና እዩ። ከመይ ጌርና ኸምኡ ንብል፧

4, 5. (ሀ) ሳሙኤል ካብ ኣምላኽ መልእኽቲ ኼብጽሕ ምስ ተነግሮ እንታይ ገይሩ፧ እቲ ነገር ግና ንጽብሒቱ ኸመይ ኰይኑ፧ (ለ) እዚ ዛንታ እዚ ብዛዕባ የሆዋ እንታይ ይምህረና፧

4 ቀዳማይ ሳሙኤል 3:11-18 ኣንብብ። ቈልዑ ብዕድመ ንዝደፍኡ ሰባት፡ ምናዳ ኸኣ ንሹም ኬኽብሩ ኸም ዘለዎም ሕጊ የሆዋ ይእዝዝ ነይሩ እዩ። (ዘጸ. 22:28፣ ዘሌ. 19:32) ስለዚ፡ ምስ ነግሀ፡ ሳሙኤል ብትብዓት ናብ ኤሊ ኸይዱ፡ እቲ ኣምላኽ ዝነገሮ ሓያል መልእኽቲ ፍርዲ ምንጋር ቀሊል ኣይነበረን። እቲ ዛንታ እውን፡ “ሳሙኤል ንኤሊ ብዛዕባ እቲ ራእይ ከይነግሮ ፈርሀ” እዩ ዚብል። ይኹን እምበር፡ ኣምላኽ ንኤሊ፡ ንሳሙኤል ይጽውዖ ኸም ዘሎ ንጹር ገበረሉ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ፡ ኤሊ ንሳሙኤል ‘ካብ ኵሉ እቲ እተዛረበካ ሓንቲ ቓል እኳ ኣይትሕብኣለይ’ በሎ። ሳሙኤል ከኣ ብተኣዛዝነት “ኵሉ ነገሮ።”

5 እቲ ሳሙኤል ዝነገሮ መልእኽቲ ግና ንኤሊ ፈጺሙ ዘይተጸበዮ ነገር ኪዀኖ ኣይክእልን እዩ ነይሩ። ከመይሲ፡ ሓደ ስሙ ዘይተጠቕሰ “ናይ ኣምላኽ ሰብ” ነቲ ሊቀ ኻህናት ኣቐዲሙ ተመሳሳሊ ነገር ነጊርዎ ነይሩ እዩ። (1 ሳሙ. 2:27-36) እዚ ዛንታ እዚ፡ የሆዋ ኽሳዕ ክንደይ ሓላይን ጥበበኛን ምዃኑ እዩ ዜርኢ።

6. ካብቲ ኣምላኽ ነቲ ንእሽቶ ዝነበረ ሳሙኤል ዝሓገዘሉ መገዲ እንታይ ትምህርቲ ንረክብ፧

6 ንስኻኸ ብዕድመ ንእሽቶ ዲኻ፧ ንእሽቶ እንተ ዄንካ፡ የሆዋ ንጸገማትካን ንስምዒታትካን ከም ዚርድኦ፡ ካብ ዛንታ ሳሙኤል ክትርዳእ ትኽእል ኢኻ። ምናልባት ሓፋር እንተ ዄንካ፡ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ንዓበይቲ ሰባት ምንጋር ወይ ካብ መዛኑኻ እተፈለኻ ምዃን ይኸብደካ ይኸውን። የሆዋ ኺሕግዝካ ኸም ዚደሊ ተኣማመን። ስለዚ፡ ብጸሎት ኣቢልካ ልብኻ ኣብ ቅድሚኡ ኣፍስስ። (መዝ. 62:8) ብዛዕባ እቶም ከም ሳሙኤል ዝኣመሰሉ ብዕድመ ንኣሽቱ ዝዀኑ ኣብነታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣስተንትን። ከም ናትካ ዝኣመሰለ ጸገማት ምስ ዘጋጠሞም ንኣሽቱ ዀኑ ዓበይቲ ክርስትያናት ብጾት ተዛራረብ። የሆዋ ብዘይተጸበይዎ መገዲ ብኸመይ ከም ዝደገፎም ይነግሩኻ ይዀኑ።

ንሙሴ ዘርኣዮ ሓልዮት

7, 8. የሆዋ ንሙሴ ብዙሕ ከም ዚሓልየሉ ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧

7 ሙሴ ወዲ 80 ዓመት ምስ ኰነ፡ የሆዋ ኸቢድ ዕዮ ሃቦ። ሙሴ ንእስራኤላውያን ካብ ባርነት ግብጺ ሓራ ኼውጽኦም ተነግሮ። (ዘጸ. 3:10) ኣብ ሚድያን ን40 ዓመት ጓሳ ዀይኑ ይዓዪ ብምንባሩ፡ እዚ ጻውዒት እዚ ምስ ቀረበሉ ሰምቢዱ ኪኸውን ኣለዎ። ስለዚ፡ ሙሴ፡ “ናብ ፈርኦን ዝኸይድን ንእስራኤላውያን ካብ ግብጺ ዘውጽኦምንከ ኣነ መን እየ፧” በለ። ኣምላኽ ግና፡ “ኣነ ምሳኻ ክኸውን እየ” ኢሉ ኣረጋገጸሉ። (ዘጸ. 3:11, 12) ዓበይቲ እስራኤል “ቃልካ . . . ብርግጽ ኪሰምዑ እዮም” እውን በሎ። ሙሴ ኣስዕብ ኣቢሉ፡ ‘ንቓለይ እንተ ዘይሰምዑኸ፧’ ኢሉ መለሰ። (ዘጸ. 3:18፣ 4:1) ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ሙሴ ንኣምላኽ፡ ‘እንተ ተጋገኻኸ፧’ እዩ ዚብሎ ነይሩ። የሆዋ ግና ትዕግስቱ ኣይወድአን። መሓልፎ እኳ ደኣስ፡ ተወሳኺ ነገር እዩ ገይሩሉ። ንሙሴ ሓይሊ ብምሃብ፡ ተኣምራት ኪገብር ኣኽኢልዎ እዩ፣ በዚ ኸምዚ፡ ሙሴ ኻብቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቦም ዚርከቡ ተኣምራት ዝገበሩ ሰባት፡ ናይ ፈለማ እዩ ነይሩ።—ዘጸ. 4:2-9, 21

8 ሙሴ ግና ንፉዕ ተዛራባይ ዘይምዃኑ ብምጥቃስ፡ መመኽነይታ ኣቕረበ። ኣምላኽ ከኣ፡ “ክትዛረብ ከለኻ ምሳኻ ክኸውን፡ እቲ እትብሎ ድማ ክምህረካ እየ” ኢሉ መለሰሉ። እሞኸ ሙሴ ኣብ መወዳእታኡ ነቲ ዕዮ ሕራይ ኢሉ ተቐቢልዎዶ፧ ኣይፋሉን፣ የግዳስ፡ ንኣምላኽ፡ ካልእ ሰብ ኪሰድድ እዩ ብትሕትና ለሚንዎ። ሽዑ፡ የሆዋ ተቘጥዐ። ኰይኑ ግና፡ ንስምዒት ሙሴ ገና ይሓሊ ብምንባሩ፡ ኣፈኛ ምእንቲ ኪዀኖ ኢሉ ንኣሮን መደበሉ።—ዘጸ. 4:10-16

9. የሆዋ ዘርኣዮ ትዕግስትን ሓልዮትን፡ ንሙሴ ኣብ ዕዮኡ ዝሓገዞ ብኸመይ እዩ፧

9 እዚ ዛንታ እዚ ብዛዕባ የሆዋ እንታይ ይምህረና፧ ኵሉ ዚኽእል ኣምላኽ ስለ ዝዀነ፡ ንሙሴ ኣፈራሪሁ ብቕጽበት ከም ዚእዘዞ ኺገብሮ ይኽእል ነይሩ እዩ። ኣብ ክንዳኡ ግና፡ የሆዋ ዕጉስን ለዋህን እዩ፣ ነቲ ትሑት ጊልያኡ ኸኣ ኬበርትዖ እዩ ጽዒሩ። እሞኸ እዚ ሓልዮቱስ ፍረ ኣፍርዩዶ፧ እወ። ሙሴ ኣብነት የሆዋ ብምስዓብ፡ ንኻልኦት ብልእመትን ብሓልዮትን ዚሕዝ ብሉጽ መራሒ እዩ ዀይኑ።—ዘሁ. 12:3

ምስ ካልኦት ኣብ ዘሎካ ርክብ፡ ንየሆዋ ትመስሎ ዲኻ፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 10 ርአ)

10. ከም የሆዋ ንሰባት እንሓሊ እንተ ዄንና፡ እንታይ ፍረ ኢና እንረክብ፧

10 እሞኸ ኣብ ግብሪ ኸነውዕሎ እንኽእል እንታይ ትምህርቲ ረኺብና፧ ሰብኣይ፡ ወላዲ፡ ወይ ሽማግለ ጉባኤ እንተ ዄንካ፡ እተወሰነ ስልጣን ኣሎካ። እምበኣር፡ ኣብ ትሕቴኻ ምስ ዘለዉ ሰባት ኣብ ዘሎካ ርክብ ሓላይን ለዋህን ዕጉስን ብምዃን፡ ንየሆዋ ኽትመስሎ ኣሎካ። (ቈሎ. 3:19-21፣ 1 ጴጥ. 5:1-3) ንየሆዋን ነቲ ኻብ ሙሴ ዚዓቢ የሱስ ክርስቶስን ክትመስሎም እንተ ጽዒርካ፡ ተቐራብን ንሰብ ዕረፍቲ እትህብን ክትከውን ኢኻ። (ማቴ. 11:28, 29) ንሰባት ከኣ ጽቡቕ ኣብነት ክትኰኖም ኢኻ።—እብ. 13:7

ዜፍርህ፡ ግናኸ ሓላዪ መድሓኒ

11, 12. የሆዋ ንእስራኤላውያን ካብ ግብጺ መሪሑ ኼውጽኦም ከሎ፡ ከመይ ገይሩ እዩ ኸም ዚቐስኑን ከም ዘይሰግኡን ዝገበረ፧

11 ብ1513 ቅ.ክ. እስራኤላውያን ካብ ግብጺ ኣብ ዝወጹሉ እዋን፡ ብዝሖም ልዕሊ ሰለስተ ሚልዮን ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እቶም ህዝቢ ኸኣ ሰለስተ ወይ ኣርባዕተ ወለዶ ዝሓቘፉ ብምንባሮም፡ ኣብ መንጎኦም ቈልዑን ኣረጋውያንን ነይሮም እዮም፣ ዝሓመሙን ዝሰንከሉን እውን ነይሮምዎም እዮም። እምበኣር፡ ነቶም ካብ ግብጺ ዚወጹ ህዝቢ ሓላይን ፈቃርን መራሒ የድልዮም ነይሩ እዩ። የሆዋ ብሙሴ ኣቢሉ ኸምዚ ዓይነት መራሒ ምዃኑ ኣመስኪሩ እዩ። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ እስራኤላውያን ነታ ሓንቲ ዚፈልጥዋ ዓዲ ሓዲጎም ኪወጹ ኸለዉ ስግኣት ኣይተሰምዖምን።—መዝ. 78:52, 53

12 እሞ ደኣ የሆዋ ኸመይ ገይሩ እዩ ንህዝቡ ኸም ዚቐስኑን ከም ዘይሰግኡን ዝገበረ፧ ቅድም ቀዳድም፡ ካብ ግብጺ “ተሰሊፎም” ከም ዚወጹ ብምግባር፡ ብግቡእ ወዲብዎም እዩ። (ዘጸ. 13:18) ብግቡእ እተወደቡ ምዃኖም ከኣ፡ ኣምላኾም ንዅሉ ነገር ይቈጻጸሮ ምህላዉ ኺርእዩ ይኽእሉ ነይሮም እዮም። ብዘይካዚ፡ የሆዋ ምሳታቶም ከም ዘሎ ምእንቲ ኺርእዩ፡ “መዓልቲ ብደበና፡ ምሉእ ለይቲ እውን ብብርሃን ሓዊ” ይመርሖም ነይሩ እዩ። (መዝ. 78:14) ብኻልእ ኣበሃህላ፡ የሆዋ፡ “ኣይትፍርሁ። ኣነ ምእንቲ ኽመርሓኩምን ምእንቲ ኸዕቍበኩምን ምሳኻትኩም እየ” ይብሎም ነይሩ እዩ። እዚ መተባብዒ እዚ ኸኣ የድልዮም ነይሩ እዩ።

የሆዋ ንእስራኤላውያን ከም ዚሓልየሎም ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ብኸመይ ኣርእዩ፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 13 ርአ)

13, 14. (ሀ) የሆዋ ንእስራኤላውያን ከም ዚሓልየሎም ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ብኸመይ ኣርእዩ፧ (ለ) የሆዋ ኻብ ግብጻውያን ኣመና ኸም ዚሕይል ከመይ ገይሩ ኣርእዩ፧

13 ዘጸኣት 14:19-22 ኣንብብ። ኣብኡ ምስ እስራኤላውያን ኣብ መንጎ ሓይልታት ፈርኦንን ቀይሕ ባሕርን ተቐርቂርካ ኸም ዘለኻ ጌርካ እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣል። ድሕሪኡ፡ ኣምላኽ ስጕምቲ ወሲዱ። እቲ ዓንዲ ደበና ናብ ድሕሪት እቲ ሰፈር ግዒዙ፣ ንግብጻውያን ከኣ ዓጊትዎም፣ ሰፈሮም እውን ጸልማት ኰይኑ። ሰፈር እስራኤላውያን ግና ብተኣምራዊ ብርሃን በሪሁ እዩ ዘሎ። ድሕሪኡ፡ ሙሴ ኢዱ ናብቲ ባሕሪ ኺዝርግሕ ርኢኻ፣ ብርቱዕ ንፋስ ምብራቕ ከኣ ነቲ ባሕሪ መቒልዎ። ንስኻን ስድራ ቤትካን ማልካን ከኣ ምስ ኵሉ እቲ ህዝቢ ኣብ ማእከል እቲ ባሕሪ ብንቑጽ ምድሪ ኽትሓልፉ ጀሚርኩም። ብኡብኡ፡ ሓደ ፍልይ ዝበለ ነገር ኣስተብሂልካ። ማእከል እቲ ባሕሪ ጨፈቃ ወይ በረድ ኣይኰነን፣ የግዳስ፡ ንቑጽ ስለ ዝዀነ፡ ብእኡ ንምኻድ ኣየሸገረካን። ስለዚ ድማ፡ እቶም ቀስ ኢሎም ዚጕዓዙ እውን እንተ ዀኑ፡ ኪሳገሩ ኽኢሎም።

14 ዘጸኣት 14:23, 26-30 ኣንብብ። እዚ ኪኸውን ከሎ፡ እቲ ዕቡይን ዓሻን ፈርኦን ደድሕሬኹም ስዒቡ ናብ ማእከል እቲ ባሕሪ ኣትዩ። ሙሴ ኸኣ ከም ብሓድሽ ኢዱ ናብ ልዕሊ እቲ ባሕሪ ዘርጊሑ። ሽዑ ድማ፡ እቲ ብኽልተ ሸነኽ ረጊኡ ኸም መንደቕ ኰይኑ ዝነበረ ማያት ኪውሕዝ ጀሚሩ። እቲ ባሕሪ ብፍጥነት ኪተሓዋወስ ከሎ ስለ እተናወጸ፡ ክልተ ሱናሚ ንሓድሕዱ ኸም እተጋጨወ እዩ ዀይኑ። ፈርኦንን ጭፍራኡን ድማ ኬምልጡሉ ዚኽእሉ ኣጋጣሚ ኣይነበሮምን።—ዘጸ. 15:8-10

15. እዚ ዛንታ እዚ ብዛዕባ የሆዋ እንታይ ይምህረካ፧

15 ካብዚ ዛንታ እዚ፡ የሆዋ ናይ ስርዓት ኣምላኽ ከም ዝዀነ ኽንርኢ ንኽእል ኢና፣ ስርዓት ከኣ ከይንሰግእን ክንቀስንን ይሕግዘና እዩ። (1 ቈረ. 14:33) ብዘይካዚ፡ የሆዋ ንህዝቡ ብግብራዊ መገድታት ዚሓልየሎም ፈቃር ጓሳ ምዃኑ ኣርእዩ እዩ። ብለውሃት ይሓቝፎምን ካብ ጸላእቶም የዕቍቦምን እዩ። እዚ ሓቅታት እዚ ድማ ናብ መወዳእታ እዚ ስርዓት እዚ ኽንቀርብ ከለና፡ ብዙሕ የተባብዓና እዩ።—ምሳ. 1:33

16. ነቲ የሆዋ ንእስራኤላውያን ዘድሓነሉ መገዲ ምኽላስና፡ ከመይ ገይሩ ኺጠቕመና ይኽእል፧

16 ሎሚ እውን የሆዋ ንህዝቡ ብደረጃ ጕጅለ፡ ብመንፈሳዊ ዀነ ብስጋዊ መዳይ ይሓልየሎም እዩ። ኣብቲ ብቕልጡፍ ዚቐርብ ዘሎ ብርቱዕ ጸበባ እውን ሓልዮቱ ኼርእዮም እዩ። (ራእ. 7:9, 10) ስለዚ፡ ህዝቢ ኣምላኽ ንኣሽቱ ይኹኑ ዓበይቲ፡ ጥዕና ዘለዎም ይኹኑ ዘይብሎም፡ ኣብቲ ጸበባ ጠሪሶም ኣይኪስምብዱን ወይ ኣይኪጃጅዉን እዮም። * እኳ ደኣስ፡ ብኣንጻሩ እዩ ኺስምዖም! ነቲ የሱስ ክርስቶስ፡ “እዚ ኪኸውን ምስ ጀመረ ግና፡ ድሕነትኩም ስለ ዝቐረበ፡ ቅንዕ በሉ፡ ርእስኹም እውን ኣልዕሉ” ኢሉ እተዛረቦ ቓላት ኪዝክሩ እዮም። (ሉቃ. 21:28) ካብቶም ጎግ ተባሂሎም ዘለዉ ኻብ ናይ ጥንቲ ፈርኦን ኣመና ዚሕይሉ ኣህዛብ መጥቃዕቲ ኣብ ዚፍነወሉ እዋን እኳ እንተ ዀነ፡ እዚ እምንቶኦም እዚ ኣይኪጐድልን እዩ። (ህዝ. 38:2, 14-16) ስለምንታይ እዮም ግና ህዝቢ ኣምላኽ ዚተኣማመኑ፧ ምኽንያቱ፡ የሆዋ ኸም ዘይልወጥ ይፈልጡ እዮም። ንሱ ድማ ሓላዪ መድሓኒ ምዃኑ ኸም ብሓድሽ ኬመስክር እዩ።—ኢሳ. 26:3, 20

17. (ሀ) ካብቲ የሆዋ ንህዝቡ ሓልዮት ዘርኣየሉ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ዛንታታት ከመይ ጌርና ኽንጥቀም ንኽእል፧ (ለ) ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ፡ እንታይ ክንምርምር ኢና፧

17 ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ሒደት ካብቲ የሆዋ ንህዝቡ ብለውሃትን ብሓልዮትን እተከናኸነሉን ዝመርሓሉን ዘድሓነሉን ኣብነታት ጥራይ ኢና ርኢና። ነዚ ዛንታታት እዚ ኸተስተንትነሉ ኸለኻ፡ ብዛዕባ ባህርያት የሆዋ ሓድሽ ነገር ንምርካብ ንዝርዝር ነጥብታት ኣስተብህለሉ። ከምኡ እንተ ጌርካ፡ እቲ ጽቡቕ ባህርያት የሆዋ ብዝያዳ ኣብ ኣእምሮኻን ኣብ ልብኻን ኪቕረጽ እዩ፣ እዚ ድማ ነቲ ንኣምላኽ ዘሎካ ፍቕርን ነቲ ኣብኡ ዘሎካ እምነትን ኬደልድሎ እዩ። ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ፡ ንሰባት ሓልዮት ብምርኣይ ዝመጸ፡ ንየሆዋ ኸመይ ጌርና ኽንመስሎ ኸም እንኽእል ክንምርምር ኢና። ኣብ ስድራ ቤትን ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤን ኣብ ኣገልግሎት ወፍርን ድማ ከነተኵር ኢና።

^ ሕ.ጽ. 3 ጆሰፈስ ዚብሃል ኣይሁዳዊ ጸሓፍ ታሪኽ፡ ሳሙኤል ኣብቲ እዋን እቲ ወዲ 12 ዓመት ምንባሩ ገሊጹ ኣሎ።

^ ሕ.ጽ. 16 ገሊኦም ንኣርማጌዶን ዚሰግሩ ሰባት፡ ስንኩላን ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ‘ኵሉ ድናሰ’ ኣሕውዩ እዩ፣ እቲ ሽዑ ዝገበሮ ኸኣ፡ ነቶም ካብ ኣርማጌዶን ዚድሕኑ እንታይ ከም ዚገብረሎም ዜርኢ እዩ ነይሩ። (ማቴ. 9:35) እቶም ካብ ምዉታት ዚትንስኡ፡ ምሉእ ጥዕናን ሰብነትን ሒዞም እዮም ኪትንስኡ።