ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ፍቕሪ ስለ እትሃንጽ፡ ብቐጻሊ ፍቕሪ ኣርኢ

ፍቕሪ ስለ እትሃንጽ፡ ብቐጻሊ ፍቕሪ ኣርኢ

“ፍቕሪ ግና ይሃንጽ።”—1 ቈረ. 8:1

መዝሙር፦ 109, 121

1. የሱስ ኣብታ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ዘሕለፋ ናይ መወዳእታ ምሽት ብዛዕባ እንታይ ኣገዳሲ ጕዳይ እዩ ተዛሪቡ፧

የሱስ ኣብታ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ዘሕለፋ ናይ መወዳእታ ምሸት፡ ንፍቕሪ ዳርጋ 30 ሳዕ ጠቒስዋ ኣሎ። ደቀ መዛሙርቱ ‘ንሓድሕዶም ኪፋቐሩ’ ኸም ዘለዎም ከኣ ብንጹር ሓቢሩ ኣሎ። (ዮሃ. 15:12, 17) እታ ንሓድሕዶም ዘላቶም ፍቕሪ ሓለፍ ዝበለት ካብ ምዃና እተላዕለ፡ ናይ ሓቂ ሰዓብቱ ምዃኖም ብንጹር ከም ዚልለዩ ትገብር እያ። (ዮሃ. 13:34, 35) እዛ ፍቕሪ እዚኣ ስምዒታዊት ጥራይ ኣይኰነትን። የሱስ ብዛዕባ እታ ኻብ ኵሉ ዝበለጸት ጥቕሚ ርእሳ እትስውእ ፍቕሪ እዩ ዚዛረብ ነይሩ። ብዛዕባኣ ኸኣ፡ “ንህይወቱ ምእንቲ ኣዕሩኹ ኣሕሊፉ ኻብ ዚህባ ሰብ፡ ዚዓቢ ፍቕሪ ዘለዎ የልቦን። ንስኻትኩም፡ እዚ ዝእዝዘኩም ዘለኹ እንተ ጌርኩም፡ ኣዕሩኸይ ኢኹም” ኢሉ እዩ።—ዮሃ. 15:13, 14

2. (ሀ) ኣብ መንጎ ህዝቢ ኣምላኽ እንታይ ኢና እንረክብ፧ (ለ) ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ነየናይ ሕቶታት ኢና ምላሽ ክንህበሉ፧

2 ሎሚ ህዝቢ ኣምላኽ በታ ኣብ መንጎኦም ዘላ ጥቕሚ ርእሳ እትስውእ ናይ ሓቂ ፍቕርን በታ ዘይትብተኽ ሓድነቶምን እዮም ዚልለዩ። (1 ዮሃ. 3:10, 11) ከም ናይ ክርስቶስ ዝኣመሰለት ፍቕሪ ኣብ መንጎ እቶም በበይኑ ዜግነትን ዓሌትን ቋንቋን ድሕረ ባይታን ዘለዎም ኣገልገልቲ የሆዋ ምስፋና ብዙሕ የሐጕሰና እዩ። ኰይኑ ግና፡ ከምዚ ኢልና ንሓትት ንኸውን፦ ‘ፍቕሪ ምናዳ ኣብዚ ግዜና እተድሊ ስለምንታይ እያ፧ ከመይ ገይሮም እዮም የሆዋን የሱስን ብፍቕሪ ዚሃንጹና፧ ንሕናኸ ብውልቅና ኸመይ ጌርና ኢና ኸም ናይ ክርስቶስ ዝኣመሰለት “እትሃንጽ” ፍቕሪ ኸነርኢ እንኽእል፧’—1 ቈረ. 8:1

ፍቕሪ ምናዳ ኣብዚ ግዜና እተድሊ ስለምንታይ እያ፧

3. እዚ “ጽንኩር ግዜ” እዚ ንሰባት ብኸመይ ይጸልዎም ኣሎ፧

3 ህይወት “ሽግርን ጓህን” ዝመልኣ ብምዃና፡ ኣብዚ “ጽንኩር ግዜ” ንዘለዉ ብዙሓት ሰባት እተፈላለየ ደረጃ ዘለዎ ጭንቀት የጓንፎም እዩ። (መዝ. 90:10፣ 2 ጢሞ. 3:1-5) ብዙሓት ሰባት ይሕለሉ ኣለዉ። ግምታት ከም ዚሕብሮ፡ ኣብ ዓዓመት ልዕሊ 800,000 ሰባት ርእሰ ቕትለት ይፍጽሙ እዮም፣ እዚ ድማ ብገምጋም ሓደ ኣብ 40 ካልኢት ማለት እዩ። እቲ ዜሕዝን ከኣ፡ ገሊኦም ክርስትያናት እኳ በዚ ጸቕጥታት እዚ ስለ እተሰነፉ፡ ህይወቶም ኣጥፊኦም እዮም።

4. ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሶም ዘለዎ መነመን እዮም ሞት ተመንዮም ዝነበሩ፧

4 ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ገሊኦም እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ በቲ ዘጋጠሞም ኵነታት ዓቕሎም ስለ ዝጸበቦም፡ ሞት ተመንዮም ነይሮም እዮም። ንኣብነት፡ እቲ ቓንዛ እተወድአ እዮብ፡ “ንህይወት ፈንፊነያ እየ፣ ብህይወት ክነብር ከኣ ኣይደልን እየ” ኢሉ እዩ። (እዮ. 7:16፣ 14:13) ዮናስ ድማ ብውጽኢት እቲ እተዋህቦ ዕዮ ስለ ዝጐሃየ፡ “ሕጂ ኸኣ፡ ኦ የሆዋ፡ ብህይወት ካብ ምንባርሲ ሙማት ይሕሸኒ እሞ፡ በጃኻ ንህይወተይ ኣጥፍኣያ” ኢሉ እዩ። (ዮና. 4:3) እቲ እሙን ነብዪ ኤልያስ እውን ኣብ ሓደ እዋን በቲ ዘጋጠሞ ዅነታት ብዙሕ ስለ እተጸልወ፡ “ኦ የሆዋ፡ . . . ይኣኽለኒ፡ ሕጅስ ንህይወተይ ኣጥፍኣያ” ኢሉ ኺመውት ለሚኑ እዩ። (1 ነገ. 19:4) የሆዋ ግና ነዞም ውፉያት ኣገልገልቱ ኣኽቢሩ እዩ ዚርእዮም ነይሩ፡ ብህይወት ኪቕጽሉ እውን ደልይዎም እዩ። በቲ እተሰምዖም ኣብ ክንዲ ዚዅንኖም፡ ነቲ ሞት እተመነዩሉ ስምዒቶም ኬሰንፉ ሓጊዝዎም፡ ብተኣማንነት ምግልጋል ምእንቲ ኪቕጽሉ ድማ ብፍቕሪ ሃኒጽዎም እዩ።

5. ኣሕዋትን ኣሓትን ምናዳ ሕጂ ፍቕርና ዜድልዮም ስለምንታይ እዩ፧

5 ሎሚ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብዙሕ ውጥረት ስለ ዘለዎም፡ ብፍቕሪ ኺህነጹ የድልዮም እዩ። ገሊኦም መስጐጕትን ላግጽን ተጻዊሮም ይመላለሱ እዮም። ገሊኦም ድማ ኣብ ስራሕ ኣደዳ ነቐፌታ ወይ ሕሜት ይዀኑ እዮም። ገሊኦም ከኣ ሕልፊ ሰዓት ስለ ዚሰርሑ ወይ ኣብ ስራሖም ብርቱዕ ጸቕጢ ስለ ዘለዎም፡ ብርቱዕ ድኻም ይስምዖም እዩ። ገሊኦም እውን ኣብ ቤቶም ጸገማት ስለ ዜጋጥሞም፡ ምናልባት ከኣ ካብ ዘይኣማኒ መጻምድቶም ነቐፌታ ስለ ዚመጾም፡ ሓይሎም ይጽንቀቕ እዩ። ብሰንኪ እዚ ጸቕጥታት እዝን ካልእን ከኣ፡ ኣብ ጉባኤና ዘለዉ ብዙሓት ሰባት ኣካላውን ስምዒታውን ድኻም ይስምዖም እዩ። እሞ ደኣ ነዞም ተስፋ ዝቘረጹ መን ኪሕግዞም ይኽእል፧

ፍቕሪ የሆዋ ትሃንጸና

6. የሆዋ ንኣገልገልቱ ብፍቕሪ ዚሃንጾም ብኸመይ እዩ፧

6 የሆዋ ንኣምለኽቱ ዘይተቋርጽ ፍቕሪ ኸም ዘላቶ ብምርግጋጽ፡ ይሃንጾም እዩ። እቶም እሙናት እስራኤላውያን፡ “ኣብ ኣዒንተይሲ ኽቡር ኴንካ፣ እወ፡ እተኸበርካ ዄንካ፣ ኣነ እውን ኣፍቂረካ። . . . ኣነ ምሳኻ እየ እሞ፡ ኣይትፍራህ” ዚብል ቃላት የሆዋ ምስ ሰምዑ፡ ብዙሕ ተተባቢዖም ኪዀኑ ኣለዎም። (ኢሳ. 43:4, 5) ንስኻ እውን ሓደ ኻብ ኣገልገልቲ የሆዋ እንተ ዄንካ፡ የሆዋ ብዙሕ ከም ዜፍቅረካ ርግጸኛ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ። * ቃል ኣምላኽ ብዛዕባ እቶም ብንጹህ ኣምልኾ ዚመላለሱ ሰባት፡ “ከም ጅግና፡ ኬድሕነኪ እዩ። ብኣኺ ብዓብዪ ሓጐስ ኪፍሳህ እዩ” ይብል እዩ።—ጸፎ. 3:16, 17

7. ፍቕሪ የሆዋ ኸም ፍቕሪ እተጥቡ ኣደ ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧ (ኣብ መእተዊ ዘላ ስእሊ ርአ።)

7 የሆዋ ንህዝቡ ዜጓንፎም ፈተናታት ብዘየገድስ ከም ዚድግፎምን ከም ዜጸናንዖምን ቃል ኪኣቱ ኸሎ ኸምዚ ኢሉ ኣሎ፦ “ንስኻትኩም ከኣ ክትጠብዉ፡ ኣብ ጐድኒ ኽትሕቈፉ፡ ኣብ ኣብራኽ ድማ ክትሰራሰሩ ኢኹም። ከምቲ ኣደ ንውሉዳ እተጸናንዕ፡ ከምኡ ኣነ ኸጸናንዓኩም እየ።” (ኢሳ. 66:12, 13) ፈቃር ኣደ ንውሉዳ ኣብ ጐድና ኽትሓቝፎ ወይ ኣብ ኣብራኻ ኸተሰራስሮስ፡ ከመይ ዝበለ ልቢ ዚትንኪ ሓሳብ ኰን እዩ! የሆዋ ነቶም ንናይ ሓቂ ኣምለኽቱ ዘላቶ ሓያል ፍቕሪ በዚ ኸምዚ እዩ ገሊጽዎ ዘሎ። ንዓኻ ብውልቂ እውን ብዙሕ ከም ዚፈትወካን ከም ዜኽብረካን ኣይትጠራጠር።—ኤር. 31:3

8, 9. ፍቕሪ የሱስ ብኸመይ ኬበርትዓና ይኽእል፧

8 ናይ ሓቂ ክርስትያናት ብፍቕሪ ኣምላኽ ዚስሓቡሉ እዚ ዚስዕብ ምኽንያት እውን ኣለዎም፦ “ኣምላኽሲ በቲ ሓደ ወዱ ዚኣምን ኵሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቂርዋ እዩ።” (ዮሃ. 3:16) የሱስ እውን ህይወቱ በጃና ብምሃብ ዓባይ ፍቕሪ ኣርእዩና እዩ! እታ ፍቕሪ እቲኣ ኸኣ ሓያል ድራኸ ተሕድረልና እያ። ቃል ኣምላኽ እውን ‘ጸበባ ወይ ጭንቂ ኻብ ፍቕሪ ክርስቶስ ከም ዘይፈልየና’ ይገልጽ እዩ።—ሮሜ 8:35, 38, 39

9 ብኣካላዊ፡ ብስምዒታዊ፡ ወይ ብመንፈሳዊ መዳይ ንሓይልና ምስ ዚጽንቅቕ ጸገማት ክንቃለስ ከለና፡ ፍቕሪ ክርስቶስ ነቲ ጸገማትና ንምጽዋሩ ኸተበርትዓና ትኽእል እያ። (2 ቈረንቶስ 5:14, 15 ኣንብብ።) ሓደጋ፡ መስጐጕቲ፡ ጓሂ፡ ወይ ጭንቀት ኬጋጥመና ኸሎ፡ ፍቕሪ የሱስ እንተ ኣልዩና ኣይንሕለልን ኢና።

ንኣሕዋትና ፍቕርና ኸነርእዮም ኣሎና

ብዛዕባ ኣብነት የሱስ እንተ ኣጽኒዕካ፡ ብፍቕሪ ንምህናጽ ክትድረኽ ኢኻ (ሕጡብ ጽሑፍ 10, 11 ርአ)

10, 11. ተስፋ ንዝቘረጹ ኣሕዋት ናይ ምህናጽ ሓላፍነት ዘለዎ መን እዩ፧ ግለጽ።

10 ሓደ ኻብቲ የሆዋ ብፍቕሪ ዚሃንጸሉ መገዲ፡ ብክርስትያናዊት ጉባኤ ኣቢሉ እዩ። ንመንፈሳውያን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብመንፈሳዊ መዳይ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብስምዒታዊ መዳይ እውን ፍቕርና ብምግላጽን ብምህናጽን፡ ንየሆዋ ዘላትና ፍቕሪ ኽንገልጽ ንኽእል ኢና። (1 ዮሃ. 4:19-21) ሃዋርያ ጳውሎስ ንክርስትያናት፡ “ከምቲ እትገብርዎ ዘለኹም፡ ንሓድሕድኩም ተተባብዑን ተሃናነጹን” ኢሉ ተማሕጺንዎም እዩ። (1 ተሰ. 5:11) እወ፡ ሽማግለታት ጥራይ ዘይኰኑስ፡ ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ዅሎም ክርስትያናት ንኣሕዋትን ንኣሓትን ብምጽንናዕን ብምህናጽን ዝመጸ ንየሆዋን ንየሱስን ኪመስልዎም ይኽእሉ እዮም።—ሮሜ 15:1, 2 ኣንብብ።

11 ገሊኦም ኣብ ጉባኤና ዚርከቡ ስምዒታዊ ቐውሲ ዜጋጥሞም ሰባት፡ ካብ ክኢላታት ሰብ ሞያ ሓገዝን ሕክምናን የድልዮም እዩ። (ሉቃ. 5:31) ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ሽማግለታትን ካልኦት ሰባትን፡ ሰብ ሞያ ኣእምሮኣዊ ሕክምና ዘይምዃኖም ይፈልጡ እዮም። ኰይኑ ግና፡ ንሳቶም ኰኑ ኣብታ ጉባኤ ዘለዉ ኻልኦት፡ ኣገዳሲ እጃም ኪህልዎም ይኽእል እዩ፣ እወ፡ ‘ንእተጨነቑ ኼጸናንዕዎም፡ ንድኹማት ኪድግፍዎም፡ ንዅሎም ኪዕገስዎም’ ይኽእሉ እዮም። (1 ተሰ. 5:14) ኵሎም ክርስትያናት ንኣሕዋቶም ብፍቕሪ ተደሪኾም ድንጋጽን ትዕግስትን ኬርእይዎም፡ ተስፋ ንዝቘረጹ ንምህናጽ ከኣ ኬጸናንዕዎም ይኽእሉ እዮም። እሞኸ ንስኻ ንእተጨነቑ ተጸናንዕን ተተባብዕን ዲኻ፧ ከመይ ጌርካ ኽትሕግዝ ከም እትኽእል ምፍላጥካ፡ ብዝያዳ ውጽኢታዊ ንምዃን ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ።

12. ሓንቲ ሓብቲ በቲ ኣባላት ጉባኤኣ ዘርኣይዋ ፍቕሪ ብኸመይ ከም እተሃንጸት ግለጽ።

12 ፍቕርና ነቶም ስምዒታዊ ስቓይ ዘለዎም ብኸመይ ኪሃንጾም ይኽእል፧ ሓንቲ ኣብ ኤውሮጳ እትነብር ክርስትያን ሓብቲ ኸምዚ ትብል፦ “ሓድሓደ ግዜ፡ ርእሰይ ክቐትል እሓስብ እየ። እንተዀነ ግና፡ ጽቡቕ ደገፍ እረክብ እየ። ኣባላት ጉባኤና ንህይወተይ ኣድሒኖምዋ እዮም። ኣሕዋትን ኣሓትን ወትሩ ብዙሕ የተባብዑኒ እዮም፡ ኣዝዮም ፈቃራት እውን እዮም። ብሕዱር ጭንቀት ከም ዝሳቐ ዚፈልጡ ብዙሓት እኳ እንተ ዘይኰኑ፡ ኣባላት ጉባኤና ግና ወትሩ ይድግፉኒ እዮም። ሓደ ጽምዲ ሰብ ሓዳር ከም መንፈሳውያን ወለደይ እዮም። ጽቡቕ ገይሮም ይከናኸኑኒ እዮም፣ ቃል ብቓሉ ኣብ መዓልቲ 24 ሰዓት ካባይ ኣይፍለዩን እዮም።” ልክዕ እዩ፡ ኵሉ ኣይኰነን ብማዕረ ኺድግፍ ዚኽእል። እቲ ደገፍ ንምሃብ ካብ ልብና እንዛረቦ ዘረባ ግና፡ ነቶም ስምዒታዊ ስቓይ ዘለዎም ብዙሕ ኪሕግዞም ይኽእል እዩ። *

ከመይ ጌርና ብፍቕሪ ኽንሃንጽ ንኽእል፧

13. ንኻልኦት ንምህናጽ እንታይ ክንገብር ኣሎና፧

13 ጽቡቕ ጌርካ ስማዕ። (ያእ. 1:19) ብድንጋጽ ንሰምዕ እንተ ዄንና፡ ፍቕሪ ኢና እነርኢ። ስለዚ፡ ስምዒት እቲ እተጐድአ ክርስትያን ብጻይካ ንምርዳእ፡ ብሜላን ብድንጋጽን ሕቶታት ሕተቶ። ከምኡ እንተ ጌርካ፡ ክትርሕርሓሉን ክትሃንጾን ትኽእል ኢኻ። እቲ ኻብ ልቢ ዝነቐለ ፍቕራዊ ሓልዮትካ ኸኣ ኣብ ገጽካ ይነበብ። እቲ ክርስትያን ብጻይካ ጕዳዩ ብዝርዝር ኬረድኣካ እንተ ደልዩ፡ ብትዕግስቲ ስምዓዮ፡ ከይትዀልፎ ድማ ተጠንቀቕ። ብትዕግስቲ እንተ ሰሚዕካዮ፡ ስምዒቱ ኽትርድኣሉ ኢኻ። እዚ ኸኣ ነቲ እተጐድአ ክርስትያን ብጻይካ ኸም ዚኣምነካ ኺገብሮ እዩ፣ ንስኻ ኽትሃንጾ ኽትፍትን ከለኻ ድማ ኪሰምዓካ ድሉው ኪኸውን እዩ። ብሓቂ ኸም እትሓልየሉ እንተ ኣርኢኻዮ፡ እቲ ፍቕራዊ ሓልዮትካ ብዙሕ ኬጸናንዖ እዩ።

14. ነቓፊ ኽትከውን ዘይብልካ ስለምንታይ ኢኻ፧

14 ነቓፊ ኣይትኹን። ሕዱር ጭንቀት ዘለዎም ሰባት ከም ዝነቐፍናዮም ኰይኑ እንተ ተሰሚዕዎም፡ ዝገደደ ሕማቕ ስምዒት ኪስምዖም ይኽእል እዩ። ድሕሪኡ ኸኣ፡ ነቲ ብፍቕሪ ንምህናጾም እንገብሮ ልባዊ ጻዕሪ ኸይቅበልዎ ይኽእሉ እዮም። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ብዘይ ሓልዮት ዚዝረብ ዘረባ ኸም ሰይፊ ይወግእ፣ ልሳን ጥበበኛታት ግና የሕዊ” ይብል። (ምሳ. 12:18) ልክዕ እዩ፡ ሕዱር ጭንቀት ንዘለዎም ሰባት ኰነ ኢልና ብጐዳኢ ዘረባ ‘ኣይንወግኦምን’ ኢና። ኰይኑ ግና፡ ሓደ ሰብ ዋላ እኳ ብዘይፍላጥ እንተ ‘ተወግአ፡’ ብዙሕ ኪሳቐ ይኽእል እዩ። እምበኣር፡ ንኻልኦት እናኣተባባዕና ብፍቕሪ ኽንሃንጾም እንተ ደሊና፡ ክንድንግጸሎም ወይ ገዛእ ርእስና ኣብ ቦታኦም ኣእቲና ኽንሓስብ ኣሎና።—ማቴ. 7:12

15. ንኻልኦት ብፍቕሪ ንምህናጽ እንታይ ብዋጋ ዘይሽነን ንዋት ክንጥቀም ንኽእል፧

15 ብቓል ኣምላኽ ጌርካ ኣጸናንዕ። (ሮሜ 15:4, 5 ኣንብብ።) ቅዱሳት ጽሑፋት ንምጽንናዕን ንምድዕዓስን ዚኸውን ክቡር ሃብቲ ኣለዎ። መጽሓፍ ቅዱስ ካብቲ “ተጻዋርነትን መጸናንዕን ዚህብ ኣምላኽ” ዝመጸ እዩ። ኣብ ርእሲ እዚ ዜጸናንዕ ቅዱሳት ጽሑፋት ከኣ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽናዕ ዚሕግዝ ሓያሎ ጽሑፋት ኣሎና። ዎች ታወር ፓብሊኬሽንስ ኢንደክስ ወይ መሐበሪ ምርምር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክንጥቀም ንኽእል ኢና። እዚ ናውቲ እዚ ኸኣ ንዅሉ ዓይነት ጸገማት ዚኸውን ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ንምርካብ ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። በዚ ኸምዚ ድማ፡ ንኣሕዋትናን ንኣሓትናን ንምጽንናዖምን ንምትብባዖምን ዜኽእል ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስን ጽሑፋትን ክንረክብ ንኽእል ኢና።

16. ሕዱር ጭንቀት ንዘለዎም ክርስትያናት ከነተባብዕ ከለና እንታይ ባህርያት የድልየና፧

16 ርሕሩሕን ልኡምን ኩን። ርሕራሐን ልእመትን ንሰብ ኣብ እነተባብዓሉን ኣብ እንሃንጸሉን እዋን እነርእየን መግለጺ ናይ ሓቂ ፍቕሪ እየን። የሆዋ “ኣቦ ርሕራሐን ኣምላኽ ኵሉ ምጽንናዕን” እዩ፣ ንኣገልገልቱ እውን “ርሕራሐ” ኣለዎ። (2 ቈረንቶስ 1:3-6 ኣንብብ፣ ሉቃ. 1:78፣ ሮሜ 15:13) ኣብዚ መዳይ እዚ፡ ጳውሎስ ጽቡቕ ኣብነት ይኸውን እዩ፣ ስለዚ ድማ እዩ ኸምዚ ኢሉ ዝጸሓፈ፦ “ከምታ ንደቃ እትሕብሕብ እተጥቡ ኣደ ዄንና፡ ኣብ ማእከልኩም ልኡማት ኢና ኔርና። ንዓኻትኩም ልባዊ ፍቕሪ ስለ ዘሕደርና ኸኣ፡ ገዛእ ርእስና እውን እምበር፡ ብስራት ኣምላኽ ጥራይ ኣይኰንናን ከነካፍለኩም ቈሪጽና ዝነበርና፣ ምኽንያቱ፡ ኣፍቂርናኩም ኢና።” (1 ተሰ. 2:7, 8) ከም ኣምላኽ ርሕሩሓት ምስ እንኸውን፡ እተጨነቐ ሰብ ንዚጽልዮ ጸሎት ምላሽ ክንከውን ንኽእል ኢና።

17. ብዛዕባ ኣሕዋትና እንታይ ሚዛናዊ ኣረኣእያ እንተ ሒዝና ኢና ብፍቕሪ ኽንህንጾም እንኽእል፧

17 ካብ ኣሕዋትካ ፍጽምና ኣይትጸበ። ብዛዕባ መንፈሳውያን ኣሕዋትካን ኣሓትካን ሚዛናዊ ኣረኣእያ ይሃሉኻ። ኣሕዋትካ ጕድለት ኣልቦ ኪዀኑ ኣይክእሉን እዮም፣ ከምኡ እንተ ተጸቢኻ፡ ክትጕሂ ኢኻ። (መክ. 7:21, 22) የሆዋ ኻብ ኣገልገልቱ ዚጽበዮ ነገር ሚዛናዊ እዩ። ንዕኡ ኽንመስሎ እንተ ደሊና፡ ንዘይፍጽምና ኻልኦት ሰባት ክንዕገስ ኣሎና። (ኤፌ. 4:2, 32) እኹል ከም ዘይጸዓሩ ዀይኑ ኸም ዚስምዖም ኣብ ክንዲ እትገብር፡ በቲ ዚገብርዎ ዘለዉ ንኣዶም። እዚ ኼተባብዖም ይኽእል እዩ። ልባዊ ናእዳ ኺሃንጽ ይኽእል እዩ፣ እቲ ዚንኣድ ሰብ ድማ በቲ ዜቕርቦ ቕዱስ ኣገልግሎት “ዜሐጕሶ ነገር” ኪረክብ እዩ። ንሰባት ምስ ካልኦት እናኣነጻጸርና ኣብ ክንዲ እነበሳጭዎም፡ በቲ ዘለዎም ምንኣድ ጽቡቕ ፍረ ኣለዎ።—ገላ. 6:4

18. ንሓድሕድና ብፍቕሪ ኽንተሃናነጽ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

18 የሆዋን እቲ መስዋእታዊ በጃ ዝኸፈለልና የሱስን ንነፍሲ ወከፍ በጊዖም ኣኽቢሮም እዮም ዚርእዩ። (ገላ. 2:20) ንሕና ድማ ንመንፈሳውያን ኣሕዋትናን ኣሓትን ብዙሕ ነፍቅሮም ኢና። ብለውሃትን ብፍቕርን እውን ክንሓልየሎም ንደሊ ኢና። እምበኣር፡ ምንጪ ዕረፍቲ ምእንቲ ኽንኰኖም፡ “ደጊም ሰላም ዜስፍንን ንሓድሕድና ዚሃንጽን ነገር ንስዓብ።” (ሮሜ 14:19) ኵላትና ነታ ተስፋ ዜቝርጽ ኵነታት ዘይህልወላ ገነት ተሃንጢና ኢና እንጽበያ ዘለና። ኣብኣ ሕማምን ውግእን ዝወረስናዮ ሞትን መስጐጕትን ዘቤታዊ ግጭትን ጓህን ኣይኪህሉን እዩ። እቲ ሽሕ ዓመት ምስ ሓለፈ ኸኣ፡ ደቂ ሰብ ናብ ፍጽምና ኺበጽሑ እዮም። እቶም ነቲ ናይ መወዳእታ ፈተና ዚሓልፉ፡ ደቂ የሆዋ ኣምላኽ ብምዃን ውልድነት ኪረኽቡን ‘ክቡር ሓርነት ደቂ ኣምላኽ ኪህልዎምን’ እዩ። (ሮሜ 8:21) እምበኣር፡ ኵላትና እትሃንጽ ፍቕሪ ነርኢ፡ ናብታ እተደንቕ ሓዳስ ዓለም ንምእታው እውን ንሓድሕድና ንደጋገፍ።

^ ሕ.ጽ. 12 ምስ ርእሰ ቕትለት ንእተተሓሓዘ ሓሳባት ወይ ስምዒታት ብኸመይ ክትቃለሶ ኸም እትኽእል ግብራዊ ሓሳባት ንምርካብ፡ ኣብ መጽሔት ንቕሑ! ዝወጸ ዚስዕብ ዓንቀጻት ርአ፦ “ስለምንታይ እየ ብህይወት ዝነብር፧—ብህይወት እትነብረሉ ሰለስተ ምኽንያት” (ሚያዝያ 2014)፣ “ብህይወት ተስፋ ኽትቈርጽ ከለኻ” (ጥሪ 2012 [እንግሊዝኛ])፣ “ብህይወት ምንባር ጽቡቕ እዩ” (22 ጥቅምቲ 2001 [እንግሊዝኛ])።