ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 39

“እንሆ፡ . . . ብዙሓት ህዝቢ”

“እንሆ፡ . . . ብዙሓት ህዝቢ”

“እንሆ፡ . . . ሓደ እኳ ኪቘጽሮም ዘይክእል ብዙሓት ህዝቢ፡ . . . ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋንን ኣብ ቅድሚ እቲ ገንሸልን ደው ኢሎም ረኣኹ።”—ራእ. 7:9

መዝሙር 60 ህይወት ነድሕን

መላለዪ *

1. ሃዋርያ ዮሃንስ ኣብ መወዳእታ ቐዳማይ ዘመን ድ.ክ. ኣብ ምንታይ ኵነታት እዩ ነይሩ፧

ኣብ መወዳእታ ቐዳማይ ዘመን ድ.ክ.፡ ሃዋርያ ዮሃንስ ኣብ ዜጨንቕ ኵነታት እዩ ነይሩ። ብዕድመ ሸምጊሉን ኣብ ደሴት ጳጥሞስ ተሓዪሩን እዩ ነይሩ፣ ኣብቲ ግዜ እቲ ብህይወት ዝነበረ ሃዋርያ ኸኣ ንሱ በይኑ ጥራይ እዩ ነይሩ ኪኸውን ዘለዎ። (ራእ. 1:9) ተጻረርቲ ንጉባኤታት የስሕቱን ይኸፋፍሉን ምንባሮም ይፈልጥ ነይሩ እዩ። እታ ንእሽቶ ሃልሃልታ ክርስትና ኸይትቕህም ዜስግእ ይመስል ነይሩ እዩ።—ይሁ. 4፣ ራእ. 2:15, 20፣ 3:1, 17

ሃዋርያ ዮሃንስ፡ “ብዙሓት ህዝቢ” ወለል ዚብል ጻዕዳ ኽዳውንቲ ተኸዲኖም፡ ኣብ ኣእዳዎም ከኣ ጨናፍር ስየ ሒዞም ረኣየ (ሕጡብ ጽሑፍ 2 ርአ)

2. ብመሰረት ራእይ 7:9-14፡ ዮሃንስ እንታይ ልቢ ዚሰልብ ትንቢታዊ ራእይ እዩ ርእዩ፧ (ኣብ ገበር ዘላ ስእሊ ርአ።)

2 ኣብ መንጎ እዚ ሕማቕ ኵነታት፡ ዮሃንስ ሓደ ልቢ ዚሰልብ ትንቢታዊ ራእይ ረኣየ። ኣብቲ ራእይ ድማ፡ ንሓደ ጕጅለ ባሮት ናይ መወዳእታ ማሕተም ክሳዕ ዚግበረሎም፡ መላእኽቲ ንዜጥፍእ ንፋሳት ብርቱዕ ጸበባ ኺሕዝዎ ተነግሮም። (ራእ. 7:1-3) እቶም ጕጅለ እቲኦም ከኣ፡ በቶም ምስ የሱስ ኣብ ሰማይ ኰይኖም ዚገዝኡ 144,000 ዝቘሙ እዮም። (ሉቃ. 12:32፣ ራእ. 7:4) ድሕሪኡ፡ ዮሃንስ ካልእ ጕጅለ ጠቐሰ፣ ኣባላት እቶም ጕጅለ ኣዝዮም ብዙሓት ብምንባሮም ድማ፡ “እንሆ” ብእትብል ቃል ኣድንቖቱ ገለጸ። እዛ ቓል እዚኣ ዘይተጸበዮ ነገር ብምርኣዩ ኸም እተገረመ ኸተመልክት ትኽእል እያ። እሞኸ ዮሃንስ እንታይ እዩ ርእዩ፧ “ካብ ኵሎም ኣህዛብን ነገዳትን ህዝብታትን ቋንቋታትን እተኣከቡ፡ ሓደ እኳ ኪቘጽሮም ዘይክእል ብዙሓት ህዝቢ፡ . . . ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋንን ኣብ ቅድሚ እቲ ገንሸልን ደው ኢሎም” እዩ ርእዩ። (ራእይ 7:9-14 ኣንብብ።) ዮሃንስ፡ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ዚስዕቡ ኣእላፋት ህዝቢ ኣብ መጻኢ ኸም ዚህልዉ ምፍላጡ ብዙሕ ተሓጒሱ ኪኸውን ኣለዎ!

3. (ሀ) እቲ ዮሃንስ ዝረኣዮ ራእይ ንእምነትና ኼደልድላ ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ክንምሃር ኢና፧

3 እቲ ራእይ እቲ ንእምነት ዮሃንስ ኣደልዲልዎ ኪኸውን ኣለዎ። እምበኣር፡ ንዓና እውን ብዝያዳ እምነትና ኼደልድለልና ኣለዎ፣ ከመይሲ፡ ንሕና ኣብቲ እቲ ራእይ ዚፍጸመሉ እዋን ኢና እንነብር ዘለና። ካብቲ ብርቱዕ ጸበባ ድሒኖም ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ንምንባር ተስፋ ዘለዎም ሚልዮናት ሰባት ኪእከቡ ርኢና ኢና። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ የሆዋ ንህዝቡ፡ ልዕሊ ሰማንያ ዓመት ይገብር መንነት እቶም ብዙሓት ህዝቢ ብኸመይ ከም ዝገለጸሎም ክንምሃር ኢና። ድሕሪኡ፡ ክልተ መዳይ እቶም ህዝቢ ኽንርኢ ኢና፣ እዚ ኸኣ (1) ብዝሒ እቶም ህዝቢ፡ (2) ካብ በበይኖም ህዝብታት እተኣከቡ ምዃኖም እዩ። እዚ ኽልተ ነጥቢ እዚ፡ ንዅሎም እቶም ካብቶም ብሩኻት ህዝቢ ኪዀኑ ዚደልዩ ዘበሉ እምነቶም ኬደልድለሎም ይግባእ።

እቶም ብዙሓት ህዝቢ ኣበይ እዮም ዚነብሩ፧

4. ህዝበ ክርስትያን ነየናይ ቅዱስ ጽሑፋዊ ሓቂ እያ ዘይትርድኦ፧ ኣብዚ መዳይ እዚኸ ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ እተፈልዩ ዝነበሩ ብኸመይ እዮም፧

4 ህዝበ ክርስትያን ብሓፈሻ ብዛዕባ እቲ ሓደ መዓልቲ እዙዛት ደቂ ሰብ ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ከም ዚነብሩ ዚገልጽ ቅዱስ ጽሑፋዊ ሓቂ ኣይትምህርን እያ። (2 ቈረ. 4:3, 4) ሎሚ፡ መብዛሕትአን ሃይማኖታት ህዝበ ክርስትያን፡ ኵሎም ቅኑዓት ሰባት ምስ ሞቱ ናብ ሰማይ ከም ዚኸዱ እየን ዚምህራ። እቶም ኣብ ኣጋ መወዳእታ 1800ታት መጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ ዚሓትሙ ዝነበሩ ንእሽቶ ጕጅለ ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ግና ካብዚ እተፈልየ ኣረኣእያ እዩ ነይርዎም። ኣምላኽ ንምድሪ ዳግም ገነት ከም ዚገብራ፡ ሚልዮናት እዙዛት ሰባት ከኣ ኣብ ሰማይ ዘይኰነስ ኣብዛ ምድሪ ኸም ዚነብሩ ተረዲእዎም ነይሩ እዩ። እቶም እዙዛት ደቂ ሰብ መን ምዃኖም ብንጹር ንምስትውዓል ግና ግዜ ወሲዱሎም እዩ።—ማቴ. 6:10

5. እቶም ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቶም 144,000 እንታይ እዮም ዚኣምኑ ነይሮም፧

5 እቶም ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ገሊኦም “ካብ ምድሪ እተዓደጉ” ሰባት ምስ የሱስ ኣብ ሰማይ ከም ዚገዝኡ ኻብ ቅዱሳት ጽሑፋት ኣስተውዒሎም ነይሮም እዮም። (ራእ. 14:3) እቶም ገዛእቲ ዚዀኑ ጕጅለ፡ በቶም ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ንኣምላኽ ብተኣማንነት ዘገልገሉ 144,000 ቀናኣትን ውፉያትን ክርስትያናት ከም ዚቘሙ ይኣምኑ ነይሮም እዮም። ብዛዕባ እቶም ብዙሓት ህዝቢ ደኣኸ እንታይ እዮም ዚኣምኑ ነይሮም፧

6. ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቶም ብዙሓት ህዝቢ እንታይ እዮም ዚኣምኑ ነይሮም፧

6 ዮሃንስ ኣብ ራእዩ፡ እቶም ጕጅለ እቲኦም “ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋንን ኣብ ቅድሚ እቲ ገንሸልን” ደው ኢሎም እዩ ርእዩ። (ራእ. 7:9) እቶም ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ድማ ካብዘን ቃላት እዚአን ተላዒሎም፡ እቶም ብዙሓት ህዝቢ ኸምቶም 144,000 ኣብ ሰማይ ከም ዚነብሩ ደምደሙ። እቶም 144,000ን እቶም ብዙሓት ህዝብን ኣብ ሰማይ ዚነብሩ እንተ ዀይኖም፡ ኣብ መንጎ እቶም ክልተ ጕጅለ ደኣ እንታይ ፍልልይ ኣሎ፧ እቶም ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እቶም ብዙሓት ህዝቢ በቶም ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ንኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ እዙዛት ዘይኰኑ ክርስትያናት ዝቘሙ ኪዀኑ ኸም ዘለዎም ይኣምኑ ነበሩ። ብዘይካዚ ድማ፡ ንጹህ ኪብሃል ዚከኣል ህይወት እኳ እንተ ነበሮም፡ ገሊኦም ኣባላት ህዝበ ክርስትያን ዝነበሩ ኪዀኑ ኸም ዚኽእሉ ይመስሎም ነበረ። ስለዚ፡ እቶም ጕጅለ እቲኦም ብእተወሰነ ቕንኣት እኳ እንተ ኣርእዩ፡ ምስ የሱስ ንምግዛእ ግና እኹል ቅንኣት ከም ዘየርኣዩ ገይሮም ይርእይዎም ነበሩ። ንኣምላኽ ዘላቶም ፍቕሪ እኹል ብርታዐ ስለ ዘይብላ ኸኣ፡ ኣብ ሰማይ ኣብ ዝፋን ንምቕማጥ ዘይበቕዑ እኳ እንተ ዀኑ፡ ኣብ ሰማይ ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋን ንምዃን ከም ዚበቕዑ ገይሮም ይኣምኑ ነበሩ።

7. እቶም ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብቲ ሽሕ ዓመት መን ኣብ ምድሪ ኸም ዚነብሩ እዮም ዚኣምኑ ነይሮም፧ ብዛዕባ እቶም ጥንቲ ዝነበሩ እሙናት ሰባትከ እንታይ ኢሎም እዮም ዚኣምኑ ነይሮም፧

7 እሞ ደኣ እቶም ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ፡ መን ኣብ ምድሪ ኸም ዚነብሩ እዮም ዚኣምኑ ነይሮም፧ እቶም ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እቶም 144,000ን እቶም ብዙሓት ህዝብን ናብ ሰማይ ምስ ተኣከቡ፡ ሚልዮናት ካልኦት ሰባት ካብ በረኸት እቲ ሽሓዊ ግዝኣት ክርስቶስ ንምክፋል ኣብ ምድሪ ብህይወት ኪነብሩ ኸም ዚፍቀደሎም ይኣምኑ ነበሩ። ነቶም ሚልዮናት ሰባት ድማ ንየሆዋ ቕድሚ ምጅማር ግዝኣት ክርስቶስ ኬገልግልዎ ኣይጽበይዎምን እዮም ነይሮም። ኣብ ክንዳኡስ፡ እዞም ጕጅለ እዚኦም ኣብቲ ሽሕ ዓመት መገድታት የሆዋ ኸም ዚምሃሩ እዮም ዚሓስቡ ነይሮም። ድሕሪኡ፡ እቶም ምስ መለክዒታት የሆዋ ተሰማሚዖም ዚመላለሱ፡ ኣብ ምድሪ ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም ዚረኽቡ፡ እቶም ዓለወኛታት ድማ ከም ዚጠፍኡ ይመስሎም ነበረ። ብዘይካዚ ድማ፡ ገለ ኻብቶም ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ምድሪ “መሳፍንቲ” ዀይኖም ዜገልግሉ ሰባት፡—እንተላይ እቶም ቅድሚ ክርስቶስ ዝሞቱ እሙናት ዝዀኑ “ጥንታውያን ብቑዓት” ዚብሃሉ ኻብ ምዉታት ዝተንስኡ ሰባት፡—ኣብ መወዳእታ እቲ ሽሕ ዓመት ሰማያዊ ህይወት ከም ዚውሃቦም ይኣምኑ ነበሩ።—መዝ. 45:16

8. እንታይ ሰለስተ ጕጅለ እዮም ኣብ ዕላማ ኣምላኽ ቦታ ኸም ዝነበሮም ጌርካ ዚእመን ነይሩ፧

8 ስለዚ፡ እቶም ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እዞም ዚስዕቡ ሰለስተ ጕጅለ ኸም ዘለዉ እዮም ዚሓስቡ ነይሮም፦ (1) እቶም ኣብ ሰማይ ምስ ክርስቶስ ዚገዝኡ 144,000፣ (2) እቶም ኣብ ሰማይ ኣብ ቅድሚ ዝፋን የሱስ ደው ዚብሉ ብዙሓት ህዝቢ ዚብሃሉ ዝወሓደ ቕንኣት ዘለዎም ክርስትያናት፣ (3) ኣብቲ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣት ክርስቶስ መገድታት የሆዋ ኣብ ምድሪ ዚምሃሩ ሚልዮናት ሰባት። * ይኹን እምበር፡ የሆዋ ብግዜኡ ነቲ ምስዚ ጕዳይ እዚ ዚተሓሓዝ ብርሃን እናበርሀ ኸም ዚኸይድ ገይሩ እዩ።—ምሳ. 4:18

ብርሃን ሓቂ እናበርሀ ይኸይድ

ብ1935 ኣብ እተገብረ ዓብዪ ኣኼባ፡ ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም ብዙሓት ሰባት ተጠምቁ (ሕጡብ ጽሑፍ 9 ርአ)

9. (ሀ) እቶም ብዙሓት ህዝቢ ብኸመይ እዮም “ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋንን ኣብ ቅድሚ እቲ ገንሸልን” ደው ኪብሉ ዚኽእሉ፧ (ለ) እዚ ብዛዕባ ራእይ 7:9 ዝረኸብናዮ ግንዛበ ብቐሊሉ ዚውሓጠልና ስለምንታይ እዩ፧

9 ብ1935 መንነት እቶም ኣብቲ ዮሃንስ ዝረኣዮ ራእይ እተጠቕሱ ብዙሓት ህዝቢ ነጺሩ እዩ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ እቶም ብዙሓት ህዝቢ “ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋንን ኣብ ቅድሚ እቲ ገንሸልን” ደው ንምባል ቃል ብቓሉ ኣብ ሰማይ ኪዀኑ ኸም ዘይብሎም ኣስተውዓሉ። ኣብ ክንዳኡስ፡ እቲ ደው ዚብሉሉ ቦታ ምሳልያዊ ምዃኑ ተገንዘቡ። እቶም ብዙሓት ህዝቢ ኣብ ምድሪ ዚነብሩ እኳ እንተ ዀኑ፡ ንስልጣን የሆዋ ብምቕባልን ንልዑላውነቱ ተገዛእቲ ብምዃንን “ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋን” ደው ኪብሉ ይኽእሉ እዮም። (ኢሳ. 66:1) ብመስዋእታዊ በጃ የሱስ ብምእማን ከኣ፡ “ኣብ ቅድሚ እቲ ገንሸል” ደው ኪብሉ ይኽእሉ እዮም። ብተመሳሳሊ ድማ፡ ኣብ ማቴዎስ 25:31, 32፡ ኣብቲ የሱስ ኣብ ክቡር ዝፋኑ ዚቕመጠሉ እዋን “ኵሎም ኣህዛብ፡” እንተላይ እኩያት፡ “ኣብ ቅድሚኡ ኺእከቡ እዮም” ተባሂሉ ኣሎ። ኵሎም ኣህዛብ መሸም ኣብ ምድሪ ደኣ እምበር፡ ኣብ ሰማይ ኣይኰኑን ዘለዉ። እዚ እተዓረየ ግንዛበ ብቐሊሉ እዩ ዚውሓጠልና። መጽሓፍ ቅዱስ ነቶም ብዙሓት ህዝቢ ናብ ሰማይ ከም ዚኸዱ ገይሩ ስለምንታይ ከም ዘይገልጾም ክንርድኦ የኽእለና እዩ። ሓደ ጕጅለ ጥራይ እዮም ኣብ ሰማይ ንዘለኣለም ኪነብሩ ተስፋ ተዋሂብዎም ዘሎ፣ ንሳቶም ከኣ እቶም ‘ኣብ ልዕሊ ምድሪ ዚነግሱ’ 144,000 እዮም።—ራእ. 5:10

10. እቶም ብዙሓት ህዝቢ ቕድሚ እቲ ሽሕ ዓመት መገድታት የሆዋ ኺምሃሩ ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧

10 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ 1935 ንነጀው፡ እቶም ዮሃንስ ብራእይ ዝረኣዮም ብዙሓት ህዝቢ በቶም ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ ዘለዎም እሙናት ክርስትያናት ከም ዚቘሙ እዮም ዚኣምኑ። እቶም ብዙሓት ህዝቢ ኻብቲ ብርቱዕ ጸበባ ንምድሓን፡ ቅድሚ እቲ ሽሕ ዓመት ምጅማሩ መገድታት የሆዋ ኺምሃሩ ኣለዎም። ‘ካብ ኵሉ እዚ ኪኸውን ዘለዎ ነገራት ምእንቲ ኼምልጡ’ ድማ፡ ቅድሚ እቲ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣት ክርስቶስ ድልድልቲ እምነት ኬርእዩ ኣለዎም።—ሉቃ. 21:34-36

11. ገሊኦም ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ገሊኦም ሰባት ድሕሪ እቲ ሽሕ ዓመት ናብ ሰማይ ከም ዚኸዱ ዚኣምኑ ዝነበሩ ስለምንታይ እዮም፧

11 ብዘይካዚ፡ ገሊኦም ኣብ ምድሪ ዝነበሩ ኣብነታውያን ሰባት ድሕሪ እቲ ሽሕ ዓመት ናብ ሰማይ ይኸዱ ዚብል ኣረኣእያ ነይሩ እዩ። እቲ ኣረኣእያ እቲ፡ ቅድሚ ሓያሎ ዓመታት ኣብ ናይ 15 ለካቲት 1913 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ እዩ ወጺኡ ነይሩ። ኣብኣ ኸኣ፡ ‘ገሊኦም ሸለልተኛታት ዝነበሩ ክርስትያናት ኣብ ሰማይ ህይወት እናረኸቡ ኽነሶም፡ ስለምንታይ እዮም ጥንቲ ዝነበሩ እሙናት ሰባት ምድራዊ ርስቲ ዚረኽቡ፧’ ዚብል ኣተሓሳስባ ተገሊጹ ኣሎ። እዚ ኣተሓሳስባ እዚ ብኽልተ ግጉይ ሓሳብ ተጸልዩ ነይሩ እዩ፣ እዚ ድማ፦ (1) እቶም ብዙሓት ህዝቢ ኣብ ሰማይ ይነብሩ ዚብል ኰይኑ፡ (2) እቶም ብዙሓት ህዝቢ በቶም ዝወሓደ ቕንኣት ዘለዎም ክርስትያናት ዝቘሙ እዮም ዚብል እዩ።

12-13. እቶም ቅቡኣት ኰኑ እቶም ብዙሓት ህዝቢ ብዛዕባ ዓስቦም እንታይ እዮም ዚፈልጡ፧

12 ኣቐዲምና ኸም ዝረኣናዮ ግና፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ 1935 ኣትሒዞም፡ እቶም ካብ ኣርማጌዶን ዚድሕኑ ሰባት፡ እቶም ኣብቲ ዮሃንስ ዝረኣዮ ራእይ እተጠቕሱ ብዙሓት ህዝቢ ምዃኖም ብንጹር ተገንዚቦም እዮም። እቶም ብዙሓት ህዝቢ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ “ኻብቲ ብርቱዕ ጸበባ” ዚወጹ እዮም፣ “‘ድሕነት ካብቲ ኣብ ዝፋን እተቐመጠ ኣምላኽናን ካብቲ ገንሸልን እዩ’ እናበሉ ኸኣ ዓው ኢሎም ይጭድሩ” እዮም። (ራእ. 7:10, 14) ብተወሳኺ ድማ፡ እቶም ናብ ሰማያዊ ህይወት ዚትንስኡ ዘበሉ፡ ካብቲ ናይቶም ጥንቲ ዝነበሩ እሙናት ሰባት “ዚሓይሽ” ተስፋ ኸም ዚውሃቦም ቅዱሳት ጽሑፋት ይገልጽ እዩ። (እብ. 11:40) ስለዚ፡ እቶም ኣሕዋትና ንሰባት፡ ንዘለኣለም ኣብ ምድሪ ናይ ምንባር ተስፋ ሒዞም ንየሆዋ ኼገልግልዎ ብውዕዉዕ መንፈስ ኪዕድሙ ጀመሩ።

13 እቶም ብዙሓት ህዝቢ በቲ ተስፋኦም ሕጉሳት እዮም። የሆዋ ንእሙናት ኣምለኽቱ ኻብ ሰማይ ወይ ካብ ምድሪ ኣበይ ከም ዜገልግሉ ኸም ዚውስን ይግንዘቡ እዮም። እቶም ቅቡኣት ኰኑ እቶም ብዙሓት ህዝቢ፡ በቲ ብመስዋእታዊ በጃ የሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ እተገልጸ ጸጋ የሆዋ ጥራይ ዓስቦም ከም ዚረኽቡ ይፈልጡ እዮም።—ሮሜ 3:24

ብዝሒ እቶም ህዝቢ

14. ድሕሪ 1935፡ እቲ ብዛዕባ እቶም ብዙሓት ህዝቢ ዚገልጽ ትንቢት ብኸመይ ከም ዚፍጸም ንብዙሓት ክርስትያናት ዘይርድኦም ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧

14 ብ1935 ግንዛበ ህዝቢ የሆዋ ምስ ነጸረ፡ እቶም ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም ከመይ ገይሮም ብዙሓት ዝቝጽሮም ህዝቢ ኸም ዚዀኑ ንብዙሓት ክርስትያናት ኣይተረድኦምን ነይሩ። ንኣብነት፡ መንነት እቶም ብዙሓት ህዝቢ ኣብ ዝነጸረሉ እዋን፡ ሮናልድ ፓርኪን ወዲ 12 ዓመት እዩ ነይሩ። ተዘክሮኡ ኺገልጽ ከሎ ድማ፡ “ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኣብ ብዘላ ዓለም ኣስታት 56,000 ኣስፋሕቲ ነይሮም፣ ብዙሓት፡ ምናልባት እውን መብዛሕትኦም ድማ ቅቡኣት እዮም ነይሮም። ስለዚ፡ እቶም ብዙሓት ህዝቢ ኽሳዕ ክንድቲ ብዙሓት ኣይመስሉን እዮም ነይሮም” ይብል።

15. እቶም ብዙሓት ህዝቢ ብኸመይ እዮም ተኣኪቦም፧

15 ኣብቲ ስዒቡ ዝነበረ ዓመታት ግና፡ ሚስዮናውያን ናብ ሓያሎ ሃገራት ተላእኩ፣ ብዝሒ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ድማ ብቐጻሊ ኺውስኽ ጀመረ። ድሕሪኡ፡ ብ1968 በታ ናብ ናይ ዘልአለም ህይወት እትመርሕ ሐቂ ዘርእስታ መጽሓፍ ጌርካ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪምራሕ ተጀመረ። እታ መጽሓፍ እቲኣ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቅታት ብቐሊል ምግላጻ፡ ንዓቃላት ሰባት ቅድሚኡ ተራእዩ ብዘይፈልጥ ደረጃ ሰሓቦም። ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ዓመት ድማ፡ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ሓደስቲ ደቀ መዛሙርቲ ተጠምቁ። ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኣብ ላቲን ኣመሪካን ኣብ ካልኦት ሃገራትን ዘለዋ ጽልዋ እናነከየ ምስ ከደ፡ ኣብ ምብራቕ ኤውሮጳን ኣብ ገሊኡ ኽፋላት ኣፍሪቃን ኣብ ዕዮና እተገብረ ቐይድታት እውን ምስ ተላዕለ፡ ተወሰኽቲ ሚልዮናት ተጠምቁ። (ኢሳ. 60:22) ኣብቲ ድሕሪኡ ዘሎ ዓመታት ድማ፡ ውድብ የሆዋ፡ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ከም ዚምህር ንሰባት ንምምሃር ዜኽእል ውጽኢታዊ ናውቲ ኣዳልያ እያ። እምበኣር፡ ሕጂ ብዙሓት ህዝቢ ኸም እተኣከቡ ኣየጠራጥርን እዩ፣ ቍጽሮም እውን ልዕሊ ሸሞንተ ሚልዮን ኰይኑ ኣሎ።

ካብ በበይኖም ህዝብታት እተኣከቡ

16. እቶም ብዙሓት ህዝቢ ኻብ ምንታይ እዮም ዚእከቡ፧

16 ዮሃንስ ኣብ ራእዩ፡ እቶም ብዙሓት ህዝቢ፡ “ካብ ኵሎም ኣህዛብን ነገዳትን ህዝብታትን ቋንቋታትን” እተኣከቡ ምዃኖም ጽሒፉ ኣሎ። ነብዪ ዘካርያስ እውን ኣቐዲሙ ተመሳሳሊ ነገር ተነብዩ ነይሩ እዩ። ንሱ ኸምዚ ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ፦ “በተን መዓልትታት እቲአን፡ ካብ ኵሉ ቛንቋታት ኣህዛብ ዝዀኑ ዓሰርተ ሰባት ንሓደ ኣይሁዳዊ ወለል ዚብል ክዳኑ ሒዞም፡ እወ ኣጽኒዖም ሒዞም፡ ‘ኣምላኽ ምሳኻትኩም ከም ዘሎ ሰሚዕና ኢና እሞ፡ ምሳኻትኩም ክንከይድ ንደሊ ኢና’ ኺብልዎ እዮም።”—ዘካ. 8:23

17. ንዅሎም ኣህዛብን ቋንቋታትን ንምሕጋዝ እንታይ ይግበር ኣሎ፧

17 ሰባት ካብ ኵሎም ቋንቋታት ኪእከቡ እንተ ዀይኖም፡ እቲ ብስራት ብብዙሕ ቋንቋታት ኪስበኽ ከም ዘለዎ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተገንዚቦም እዮም። ስለዚ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽናዕ ዚሕግዝ ጽሑፋት ንልዕሊ 130 ዓመት ክንትርጕም ጸኒሕና ኢና፣ ሕጂ ኸኣ ብኣማእታት ቋንቋታት ብምትርጓም፡ ኣብ ታሪኽ ተራእዩ ብዘይፈልጥ ደረጃ ዕዮ ትርጉም ንዓዪ ኣለና። ብንጹር እምበኣር የሆዋ ኣብዚ ግዜና ተኣምር እዩ ዚገብር ዘሎ፣ ካብ ኵሎም ኣህዛብ ብዙሓት ህዝቢ ይእክብ ኣሎ። ቍጽሩ እናበዝሐ ብዚኸይድ ዘሎ ቛንቋታት መንፈሳዊ ምግቢ ይዳሎ ብምህላዉ፡ እዞም ካብ በበይኖም ህዝብታት ዝመጹ ጕጅለ ብኣምልኾ ሓድነት ረኺቦም ኣለዉ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከኣ ኣብ ኣገልግሎት ብዘለዎም ቕንኣትን ብሕውነታዊ ፍቕሮምን ኣጸቢቖም ይፍለጡ እዮም። እዝስ ክሳዕ ክንደይ እምነት ዜደልድል ኰን እዩ!—ማቴ. 24:14፣ ዮሃ. 13:35

እቲ ራእይ ንዓና እንታይ ትርጉም ኣለዎ፧

18. (ሀ) ብመሰረት ኢሳይያስ 46:10, 11፡ የሆዋ ነቲ ብዛዕባ እቶም ብዙሓት ህዝቢ እተጻሕፈ ትንቢት ምፍጻሙ፡ ዘይተጸበናዮ ነገር ዘይኰነና ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) እቶም ኣብ ምድሪ ኺነብሩ ተስፋ ዚገብሩ ሰባት ሓደ ነገር ዘምለጦም ኰይኑ ዘይስምዖም ስለምንታይ እዩ፧

18 እቲ ብዛዕባ እቶም ብዙሓት ህዝቢ እተጻሕፈ ትንቢት ብዙሕ እዩ ዜሐጕሰና! የሆዋ ነቲ ትንቢት እቲ ብዜደንቕ መገዲ ምፍጻሙ፡ ዘይተጸበናዮ ነገር ኣይኰነን። (ኢሳይያስ 46:10, 11 ኣንብብ።) እቶም ብዙሓት ህዝቢ ነቲ የሆዋ ዝሃቦም ተስፋ ብዙሕ የመስግኑሉ እዮም። ካብቶም ምስ የሱስ ኣብ ሰማይ ንምግልጋል ብመንፈስ ኣምላኽ እተቐብኡ ሰባት ስለ ዘይኰኑ፡ ሓደ ነገር ዘምለጦም ኰይኑ ኣይስምዖምን እዩ። ኣብ ብዘሎ ቕዱሳት ጽሑፋት፡ ናይ እምነት ሰብኡትን ኣንስትን ብመንፈስ ቅዱስ ከም እተመርሑ ዚሕብር ታሪኽ ነንብብ ኢና፣ ኰይኑ ግና፡ ንሳቶም ካብቶም 144,000 ኣይነበሩን። ዮሃንስ መጥምቕ ሓደ ኻባታቶም እዩ። (ማቴ. 11:11) ካልእ ድማ ዳዊት ኪጥቀስ ይከኣል እዩ። (ግብ. 2:34) ንሳቶምን ብዙሓት ካልኦትን ኣብታ ገነታዊት ምድሪ ንምንባር ኪትንስኡ እዮም። ኵላቶም፡—ምስቶም ብዙሓት ህዝቢ ተደሚሮም፡—ንየሆዋን ንልዑላውነቱን ዘለዎም ተኣማንነት ኬርእዩ ኣጋጣሚ ኺረኽቡ እዮም።

19. ፍጻመ እቲ ዮሃንስ ብዛዕባ እቶም ብዙሓት ህዝቢ ዝረኣዮ ራእይ ንህጹጽነት እዚ ግዜና ዜጕልሕ ብኸመይ እዩ፧

19 ኣምላኽ ኣብ ታሪኽ ወዲ ሰብ ከም ሕጂ ገይሩ ኻብ ኵሎም ኣህዛብ ንእተኣከቡ ሚልዮናት ሰባት ሓድነት ሂቡ ኣይፈልጥን እዩ። ተስፋና ኣብ ሰማይ ምንባር ይኹን ወይስ ኣብ ምድሪ፡ ብእተኻእለና መጠን ንብዙሓት ሰባት ካብቶም ክፍሊ እተን “ካልኦት ኣባጊዕ” ዝዀኑ ብዙሓት ህዝቢ ንምዃን ክንሕግዞም ኣሎና። (ዮሃ. 10:16) ኣብ ቀረባ ግዜ፡ የሆዋ ነቲ ብትንቢት እተነግረሉ ብርቱዕ ጸበባ ኼምጽኦ እዩ፣ ሽዑ ድማ፡ እተን ጠንቂ መከራ ደቂ ሰብ ዝዀና መንግስትታትን ሃይማኖታትን ኪጠፍኣ እየን። ኵሎም ኣባላት እቶም ብዙሓት ህዝቢ ድማ ንየሆዋ ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ናይ ምግልጋል ዜደንቕ መሰል ኪረኽቡ እዮም።—ራእ. 7:14

መዝሙር 139 ንሓዳስ ዓለም ብኣእምሮኻ ስኣላ

^ ሕ.ጽ. 5 እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ነቲ ዮሃንስ ብዛዕባ ምእካብ እቶም “ብዙሓት ህዝቢ” ዝረኣዮ ትንቢታዊ ራእይ ትገልጽ። ብርግጽ እውን ንእምነት ኵሎም ኣባላት እቶም ብሩኻት ጕጅለ ኸተደልድል እያ።

^ ሕ.ጽ. 8 ኣብታ ጂሆቫስ ዊትነስስ—ፕሮክለይመርስ ኦቭ ጎድስ ኪንግደም ዘርእስታ መጽሓፍ፡ (እንግሊዝኛ) ኣብ ገጽ 159-163 ርአ።