ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 38

“ናባይ ንዑ፡ ኣነ ድማ ከዕርፈኩም እየ”

“ናባይ ንዑ፡ ኣነ ድማ ከዕርፈኩም እየ”

“ኣቱም ኵልኹም እትጽዕሩን ጾር ዝኸበደኩምን፡ ናባይ ንዑ፡ ኣነ ድማ ከዕርፈኩም እየ።”—ማቴ. 11:28

መዝሙር 17 “እደሊ እየ”

መላለዪ *

1. ኣብ ማቴዎስ 11:28-30 ተመዝጊቡ ኸም ዘሎ፡ የሱስ እንታይ ቃል እዩ ዝኣተወ፧

የሱስ ነቶም ዚሰምዕዎ ዝነበሩ ህዝቢ፡ “ናባይ ንዑ፡ ኣነ ድማ ከዕርፈኩም እየ” ብምባል ባህ ዜብል ቃል ኣተወሎም። (ማቴዎስ 11:28-30 ኣንብብ።) እዚ ዝኣተዎ ቓል፡ ባዶ ኣይነበረን። ንኣብነት፡ ንሓንቲ ብዜስካሕክሕ ሕማም እትሳቐ ዝነበረት ሰበይቲ እንታይ ከም ዝገበረላ እሞ ሕሰብ።

2. የሱስ ንሓንቲ ሕምምቲ ሰበይቲ እንታይ እዩ ገይሩላ፧

2 እታ ሰበይቲ ብሓቂ ሓገዝ የድልያ ነበረ። እንተ ሓወየት ኢላ ናብ ብዙሓት ሓካይም ከደት። ን12 ዓመት ምስ ተሳቐየት ግና፡ ዜሕውያ ኽትረክብ ኣይከኣለትን። ብመሰረት ሕጊ ሙሴ ኸኣ፡ ርኽስቲ እያ ነይራ። (ዘሌ. 15:25) የሱስ ንሕሙማት ከም ዜሕዊ ድማ ሰምዐት፣ ስለዚ፡ ክትረኽቦ ኸደት። ምስ ረኸበቶ ኸኣ፡ ዘፈር ክዳኑ ተንከየት እሞ፡ ብኡብኡ ሓወየት! የሱስ ግና ካብ ሕማማ ጥራይ ኣይኰነን ኣሕውይዋ፣ ክብራ እውን ሓልዩላ እዩ። ንኣብነት፡ ምስኣ ኺዛራረብ ከሎ፡ “ጓለየ” ብምባል ፍቕሩን ኣኽብሮቱን ገሊጹላ እዩ። እታ ሰበይቲ እቲኣ፡ ብሓቂ እያ ዕረፍቲ ረኺባ፡ ሓይላ እውን ብሓቂ እዩ ተሓዲሱ!—ሉቃ. 8:43-48

3. ሕጂ እንታይ ሕቶታት ኢና መልሲ ኽንረኽበሉ፧

3 እታ ሰበይቲ ናብ የሱስ ከም ዝኸደት ግና ኣይንረስዕ። ንሳ ተበግሶ ወሲዳ እያ። ሎሚ እውን ተመሳሳሊ እዩ—ናብ የሱስ ንምኻድ ጻዕሪ ኽንገብር ኣሎና። ኣብዚ ግዜና፡ የሱስ ነቶም ናብኡ ዚኸዱ ብተኣምራዊ መገዲ ኻብ ኣካላዊ ሕማሞም ኣየሕውዮምን እዩ። ይኹን እምበር፡ ሕጂ እውን፡ “ናባይ ንዑ፡ ኣነ ድማ ከዕርፈኩም እየ” ዚብል ጻውዒት የቕርበልና ኣሎ። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ነዚ ሓሙሽተ ሕቶታት መልሲ ኽንረኽበሉ ኢና፦ ከመይ ጌርና ኢና ናብ የሱስ ክንከይድ እንኽእል፧ የሱስ “ኣርዑተይ ጹሩ” ኺብል ከሎ፡ እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧ ካብ የሱስ እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧ እቲ ንሱ ዝሃበና ዕዮ ዕረፍቲ ዜምጽኣልና ስለምንታይ እዩ፧ ከመይ ጌርናኸ ኢና ኣብ ትሕቲ ኣርዑት የሱስ ብቐጻሊ ዕረፍቲ ኽንረክብ እንኽእል፧

“ናባይ ንዑ”

4-5. ገለ ኻብቲ ናብ የሱስ እንኸደሉ መገድታት እንታይ እዩ፧

4 ሓደ ኻብቲ ናብ የሱስ ክንከደሉ እንኽእል መገዲ፡ ብዛዕባ እቲ ዝበሎን ዝገበሮን ነገራት ብእተኻእለና መጠን ብዙሕ ክንፈልጥ ብምጽዓር እዩ። (ሉቃ. 1:1-4) ዋላ ሓደ ሰብ ነዚ ኺገብረልና ኣይክእልን እዩ፣ ነቲ ብዛዕባ የሱስ እተመዝገበ ዛንታታት ባዕልና ኸነጽንዖ ኣሎና። ብዘይካዚ ድማ፡ ንምጥማቕን ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ ንምዃንን ውሳነ ብምግባር፡ ናብ የሱስ ክንከይድ ንኽእል ኢና።

5 ናብ የሱስ እንኸደሉ ኻልእ መገዲ ድማ፡ ሓገዝ ኬድልየና ኸሎ ናብ ሽማግለታት ጉባኤ ብምኻድ እዩ። የሱስ በቶም “ውህበት ሰባት” ገይሩ ንኣባጊዑ ይከናኸነን እዩ። (ኤፌ. 4:7, 8, 11፣ ዮሃ. 21:16፣ 1 ጴጥ. 5:1-3) እምበኣር፡ ንሕና ተበግሶ ወሲድና ሓገዞም ክንሓትት ኣሎና። ሽማግለታት ኣብ ኣእምሮና ዘሎ ኼንብቡን እንታይ ከም ዜድልየና ኺፈልጡን ክንጽበዮም ኣይንኽእልን ኢና። ጁልያን ዝስሙ ሓው ከምዚ ይብል፦ “ብምኽንያት ጥዕና ኣብ ቤት-ኤል ዝዓይዮ ዕዮ ኽሓድጎ ነይሩኒ፣ ሓደ ኻብ ኣዕሩኸይ ከኣ ጕስነታዊ ምብጻሕ ክሓትት ሓሳብ ሂቡኒ። ኣብ ፈለማ፡ ዜድልየኒ ኣይመሰለንን ነይሩ። ደሓር ግና፡ ሓገዝ ሓቲተ፣ እቲ ጕስነታዊ ምብጻሕ ድማ ሓደ ኻብቲ ኣብ ህይወተይ ዝረኽብክዎ ብሉጽ ውህበታት እዩ ዀይኑለይ።” ከምቶም ንጁልያን ዝበጽሕዎ ዝኣመሰሉ እሙናት ሽማግለታት፡ “ሓሳብ ክርስቶስ” ክንፈልጥ፡ ማለት ንኣተሓሳስባን ንኣረኣእያን ክርስቶስ ተረዲእና ኽንስዕቦ ኺሕግዙና ይኽእሉ እዮም። (1 ቈረ. 2:16፣ 1 ጴጥ. 2:21) እዚ ሓደ ኻብቲ ንሳቶም ኪህቡና ዚኽእሉ ብሉጽ ውህበታት እዩ።

“ኣርዑተይ ጹሩ”

6. የሱስ፡ “ኣርዑተይ ጹሩ” ኺብል ከሎ እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧

6 የሱስ፡ “ኣርዑተይ ጹሩ” ኺብል ከሎ፡ “ንስልጣነይ ተቐበልዎ” ማለቱ ኪኸውን ይኽእል እዩ። “ምሳይ ኣብ ትሕቲ ኣርዑት እተዉ፡ ብሓባር ከኣ ንየሆዋ ኽንዓዪ ኢና” ማለቱ እውን ኪኸውን ይኽእል እዩ። እንተ በዚ እንተ በቲ፡ ኣርዑት ምጻር፡ ስራሕ ይሓትት እዩ።

7. ብመሰረት ማቴዎስ 28:18-20፡ እንታይ ዕዮ ኢና ኽንዓዪ ተዋሂቡና ዘሎ፧ ብዛዕባ እንታይከ ኢና ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል፧

7 ህይወትና ንየሆዋ ወፊና ኽንጥመቕ ከለና፡ ነቲ የሱስ ዘቕረቦ ጻውዒት ንቕበሎ ኢና። እቲ ጻውዒት ንዅሉ ኽፉት እዩ፣ ንኣምላኽ ብቕንዕና ኼገልግል ንዚደሊ ዝዀነ ሰብ፡ የሱስ ማዕጾኡ ኣይዓጽወሉን እዩ። (ዮሃ. 6:37, 38) ኵሎም ሰዓብቲ ክርስቶስ ኣብቲ የሆዋ ንየሱስ ዝሃቦ ዕዮ ናይ ምስታፍ ፍሉይ መሰል ተዋሂብዎም ኣሎ። ነቲ ዕዮ እቲ ንምዕያይ ከኣ የሱስ ወትሩ ኸም ዚድግፈና ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።—ማቴዎስ 28:18-20 ኣንብብ።

“ካባይ . . . ተምሃሩ”

ከም የሱስ ንሰባት እተዕርፍ ኩን (ሕጡብ ጽሑፍ 8-11 ርአ) *

8-9. ትሑታት ሰባት ናብ የሱስ ዚስሓቡ ዝነበሩ ስለምንታይ እዮም፧ እንታይ ሕቶታትከ ኢና ገዛእ ርእስና ኽንሓትት ዘሎና፧

8 ትሑታት ሰባት ናብ የሱስ ይስሓቡ ነይሮም እዮም። (ማቴ. 19:13, 14፣ ሉቃ. 7:37, 38) ስለምንታይ፧ ኣብ መንጎ የሱስን ፈሪሳውያንን ዝነበረ ፍልልይ እሞ ንሕሰብ። እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ሕሱማትን ዕቡያትን እዮም ነይሮም። (ማቴ. 12:9-14) የሱስ ግና ፈቃርን ትሑትን እዩ ነይሩ። እቶም ፈሪሳውያን ኣብ ማሕበረ ሰቦም ልዑል ቦታ ይደልዩን ብስልጣኖም ይምክሑን ነይሮም እዮም። የሱስ ግና ልዑል ቦታ ንዚደልዩ ይነቅፍ ነይሩ እዩ፣ ንደቀ መዛሙርቱ ኸኣ ገዛእ ርእሶም ከም ትሑታት ኣገልገልቲ ገይሮም ኪርእዩ እዩ ምሂርዎም። (ማቴ. 23:2, 6-11) ፈሪሳውያን ነቲ ኣብ ልዕሊ ኻልኦት ዝነበሮም ስልጣን ብምፍርራህን ብምጕብዕባዕን እዮም ዚጥቀሙሉ ነይሮም። (ዮሃ. 9:13, 22) የሱስ ግና በቲ ፍቕራዊ ተግባራቱን በቲ ጥዑም ቃላቱን ንሰባት ዕረፍቲ እዩ ዜምጽኣሎም ነይሩ።

9 እሞ ደኣ ኻብ የሱስ እንታይ ተማሂርካ፧ ገዛእ ርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተት፦ ‘ካልኦት ከም ልኡምን ትሑትን ገይሮም ድዮም ዚርእዩኒ፧ ንኻልኦት ከገልግል ኢለ ብፍታወይ ትሑት ስራሕ እሰርሕ ድየ፧ ንሰባት እልውሃሎም ድየ፧’

10. የሱስ እንታይ ናይ ስራሕ ሃዋህው እዩ ፈጢሩ፧

10 የሱስ ነቶም መዓይይቱ ሰላማውን ማራኽን ሃዋህው ፈጢሩሎም ነይሩ እዩ፣ ንዓታቶም ምስልጣን እውን ባህ ይብሎ ነይሩ እዩ። (ሉቃ. 10:1, 19-21) ንደቀ መዛሙርቱ ሕቶታት ኪሓትቱ የተባብዖም ነይሩ እዩ፣ ርእይቶኦም ኪገልጹ ኸለዉ እውን ኪሰምዖም ይደሊ ነይሩ እዩ። (ማቴ. 16:13-16) እቶም ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ ከም ዝጠዓሞ ተኽሊ ዀይኖም ብቕልጡፍ ዓብዮም እዮም። ናብቲ የሱስ ዝመሃሮም ትምህርትታት ኣቕሊቦም፡ ሰናይ ግብሪ ብምግባር እውን ፍረ ፈርዮም እዮም።

ተቐራብን ምቕሉልን ኩን

ንጡፍን ቀናእን ኩን

ትሑትን ትጉህን ኩን *

11. ገዛእ ርእስና እንታይ ሕቶታት ኢና ኽንሓትት ዘሎና፧

11 ንስኻኸ እተወሰነ ስልጣን ኣሎካዶ፧ ከምኡ እንተ ዄንካ፡ ገዛእ ርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተት፦ ‘ኣብ ስራሕ ወይ ኣብ ገዛ እንታይ ዓይነት ሃዋህው እየ ዝፈጥር፧ ሰላም ድየ ዘስፍን፧ ካልኦት ሕቶታት ኪሓትቱ አተባብዕ ድየ፧ ርእይቶኦም ክሰምዕከ ፍቓደኛ ድየ፧’ ከምቶም ንዚሓትቶም ዘበለ ዚቕየምዎን ምስ ናቶም ዚጻረር ርእይቶኡ ንዝገለጸሎም ዘበለ ዚሰጕጕዎን ፈሪሳውያን መሸም ጠሪስና ኽንከውን ኣይንደልን ኢና።—ማር. 3:1-6፣ ዮሃ. 9:29-34

“ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም”

12-14. ነቲ የሱስ ዝሃበና ዕዮ ምዕያይ ዕረፍቲ ዜምጽኣልና ስለምንታይ እዩ፧

12 ነቲ የሱስ ዝሃበና ዕዮ ምዕያይ ዕረፍቲ ዜምጽኣልና ስለምንታይ እዩ፧ ብዙሕ ምኽንያታት ኣሎ፣ ገለ ኻብኡ እስከ ንርአ።

13 ብሉጻት ሓለውቲ ኣለዉና። እቲ ልዕሊ ዅሉ ሓላዊና ዝዀነ የሆዋ፡ ዘየመስግን ወይ ሕሱም ኣስራሒ ኣይኰነን። ነቲ እንዓይዮ ዕዮ የማስወሉ እዩ። (እብ. 6:10) ሓላፍነትና ዜሰክመና ጾር ክንጸውር እውን ሓይሊ ይህበና እዩ። (2 ቈረ. 4:7፣ ገላ. 6:5፡ እ.ጽ.) ንጉስና የሱስ ከኣ ብኣብነት እዩ ዚመርሓና። (ዮሃ. 13:15) እቶም ዚጓስዩና ሽማግለታት ድማ ነቲ “ዓብዪ ጓሳ” ዝዀነ የሱስ ኪመስልዎ ይጽዕሩ እዮም። (እብ. 13:20፣ 1 ጴጥ. 5:2) ኪምግቡናን ኬዕቍቡናን ከለዉ፡ ለዋሃትን ኣተባባዕትን ተባዓትን ኪዀኑ እዮም ዚጽዕሩ።

14 ብሉጻት ብጾት ኣለዉና። ከማና ገይሩ ዕላማን ፍቕርን ዝረኸበ የልቦን። ሕስብ እሞ ነብሎ፦ ልዑል ስነ ምግባራዊ ስርዓታት ምስ ዘለዎም ግናኸ ዘይመጻደቑ ሰባት ናይ ምዕያይ ፍሉይ ኣጋጣሚ ኣሎና። ክኢላታት ግናኸ ትሑታት እዮም፣ ንኻልኦት ድማ ካብ ርእሶም ኣብሊጾም ይርእዩ እዮም። ከም መዓይይቲ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ከም ኣዕሩኽ ገይሮም ይርእዩና እዮም። እቲ ርክብና ኣዝዩ ጥቡቕ ካብ ምዃኑ እተላዕለ ድማ፡ ህይወቶም እኳ ኣሕሊፎም ኪህቡና ፍቓደኛታት እዮም!

15. ብዛዕባ እቲ እንዓይዮ ዘሎና ዕዮ ኸመይ ኪስምዓና ኣለዎ፧

15 ብሉጽ ዕዮ ኣሎና። ንሰባት ብዛዕባ የሆዋ ሓቂ ንምህሮም፡ ነቲ ድያብሎስ ዝመሃዞ ሓሶታት እውን ነቃልዕ ኢና። (ዮሃ. 8:44) ሰይጣን ንሰባት፡ ኪስከምዎ ዘይክእሉ ጾር እዩ ዜሰክሞም ዘሎ። ንኣብነት፡ ‘የሆዋ ንሓጢኣትና ይቕረ ኣይብለልናን’ ከምኡ ድማ ‘ፍቕሪ ዚግብኣና ኣይኰንናን’ ኢልና ኽንኣምን ይደልየና እዩ። እዚ ንሰባት ኪደቍስ ዚኽእል ሕማቕ ሓሶት እዩ። ናብ ክርስቶስ ምስ እንኸይድ ግና፡ ሓጢኣትና ይቕረ ይብሃለልና እዩ። ከም ሓቂ ኸኣ፡ የሆዋ ንዅላትና ኣጸቢቑ የፍቅረና እዩ። (ሮሜ 8:32, 38, 39) ንሰባት ናብ የሆዋ ኺጽግዑ ምሕጋዝን ህይወቶም ኪመሓየሽ ምርኣይን ብሓቂ ዜሐጕስ እዩ።

ኣብ ትሕቲ ኣርዑት የሱስ ብቐጻሊ ዕረፍቲ ርኸብ

16. እቲ የሱስ ክንጾሮ ዚሓትተና ጾር ካብ ካልእ ክንጾሮ ዘሎና ጾር ዚፍለ ብኸመይ እዩ፧

16 እቲ የሱስ ክንጾሮ ዚሓትተና ጾር ካብ ካልእ እንጾሮ ጾር እተፈልየ እዩ። ንኣብነት፡ ብዙሓት ሰባት ዓለማዊ ስራሕ ኪሰርሑ ምስ ወዓሉ፡ ድኻም ይስምዖም ጥራይ ዘይኰነስ፡ ዕግበት እውን ኣይረኽቡን እዮም። ብኣንጻሩ ግና፡ ንየሆዋን ንክርስቶስን ድሕሪ ምግልጋልና፡ ዓሚቝ ዕግበት ይስምዓና እዩ። ክንሰርሕ ምስ ወዓልና ንደክም ንኸውን፡ ምሸት ናብ ኣኼባ ጉባኤ ንምኻድ እውን ንርእስና ነገድዳ ንኸውን። ኰይኑ ግና፡ ካብቲ ኣኼባ ሓይልና ተሓዲሱን ዕረፍቲ ተሰሚዑናን ኢና እንምለስ። ንምስባኽ ወይ ብሕታዊ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምግባር ምስ እንጽዕር እውን ከምኡ እዩ ዚስምዓና። እቲ እንረኽቦ ዓስቢ ኻብቲ እነህልኾ ጕልበት ኣጸቢቑ ይዛይድ እዩ።

17. ስለምንታይ ኢና ሚዛናውያንን ጥንቁቓትን ክንከውን ዘሎና፧

17 ሚዛናውያን ክንከውን ኣሎና። ነፍሲ ወከፍና ውሱን ጕልበት እዩ ዘሎና። ስለዚ፡ እንታይ ከም እንስከም ክንጥቀቕ ኣሎና። ንኣብነት፡ ስጋዊ ጥሪት ኣብ ምእካብ ጕልበትና ኸነባኽን ንኽእል ኢና። ነቲ የሱስ ንሓደ “ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኽወርስ፡ እንታይ ክገብር ኣሎኒ፧” ኢሉ ዝሓተቶ ሃብታም ጐበዝ ዝሃቦ ምላሽ እሞ ነስተብህለሉ። እቲ ጐበዝ ንሕጊ ሙሴ ይሕሉ ነይሩ እዩ። ኣብ ወንጌል ማርቆስ፡ የሱስ ንዕኡ፡ “ፈተዎ” ዚብል ብንጹር ተጠቒሱ ስለ ዘሎ፡ እቲ ጐበዝ ሕያዋይ ሰብ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። ስለዚ፡ የሱስ ነቲ ጐበዝ፡ “ኪድ፡ ዘሎካ ሼጥካ ንድኻታት ሃብ፡ . . . ንዓ እውን ሰዓብየይ ኩን” ኢሉ ዕድመ ኣቕረበሉ። እቲ ጐበዝ ልቡ ኣብ ክልተ ተኸፍለ፣ ነቲ “ብዙሕ ጥሪት” ኪሓድግ እውን ፍቓደኛ ኣይነበረን። (ማር. 10:17-22) በዚ ምኽንያት እዚ፡ ነቲ የሱስ ዘቕረበሉ ኣርዑት ኪጸውር ፍቓደኛ ኣይኰነን፣ የግዳስ “ንገንዘብ” ኪግዛእ ወሰነ። (ማቴ. 6:24) ንስኻኸ እንታይ ምርጫ ምገበርካ፧

18. ሓሓሊፍና እንታይ ክንገብር ኣሎና፧ ስለምንታይከ፧

18 በብግዜኡ ነቲ ኣብ ህይወትና ቐዳምነት እንህቦ ነገራት ዳግም ክንግምግሞ ኣሎና። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ጕልበትና ብጥበብ ንጥቀም ምህላውና ኸነረጋግጽ ኣሎና። ማርክ ዝስሙ መንእሰይ ከምዚ ይብል፦ “ንሓያሎ ዓመታት፡ ቀሊል ናብራ ዝነብር ይመስለኒ ነይሩ። ፈላሚ ዀይነ አገልግል እየ ነይረ፣ ግናኸ ወትሩ ብዛዕባ ገንዘብን ኣብ ህይወተይ ምሾት ብዛዕባ ምርካብን እየ ዝሓስብ ነይረ። ስለምንታይ ህይወተይ ጾር ከም ዝዀነኒ እሓስብ ነይረ። ሽዑ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ጥቕመይ ከም ዝደልን ንየሆዋ ኸኣ ዝተረፈ ግዜይን ጕልበተይን ከም ዝህቦ ኣስተውዒለ።” ማርክ ኣብ ኣረኣእያኡን ኣብ ንኣነባብራኡን ምትዕርራይ ገበረ፣ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ብዝያዳ ንምዕያይ እውን ገዛእ ርእሱ ኣቕረበ። ከምዚ ድማ ይብል፦ “ሓድሓደ ግዜ እጭነቕ እየ፣ ብሓገዝ የሆዋን ብደገፍ የሱስን ግና፡ ብድሆታተይ እሰግሮ ኣለኹ።”

19. ቅኑዕ ኣረኣእያ ምሓዝ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

19 ሰለስተ ነገር እንተ ጌርና፡ ኣብ ትሕቲ ኣርዑት የሱስ ዕረፍቲ ኽንረክብ ኢና። ቀዳማይ፡ ቅኑዕ ኣረኣእያ ንሓዝ። ዕዮ የሆዋ ኢና እንዓዪ ዘሎና፣ ስለዚ፡ እቲ ዕዮ ብመገዲ የሆዋ ኺዕየ ኣለዎ። ንሕና ዓየይቲ ኢና፣ እቲ ጐይታ፡ የሆዋ እዩ። (ሉቃ. 17:10) ዕዮኡ ብናትና መገዲ ኽንዓዪ እንተ ፈቲንና፡ ምስቲ ኣርዑት ክንቃለስ ኢና። ሓደ ብዕራይ ዋላ እኳ ሓያል እንተ ዀነ፡ ወትሩ ብናቱ ኣንፈት ዚኸይድን ምስቲ ጐይታኡ ዚቈጻጸሮ ኣርዑት ዚቃለስን እንተ ዀይኑ፡ ገዛእ ርእሱ እዩ ዜቝስል። በቲ ኻልእ ሸነኽ ግና፡ መምርሒ የሆዋ እንተ ስዒብና፡ ዜደንቕ ነገር ክንገብርን ዝዀነ ዕንቅፋት ክንሰግርን ንኽእል ኢና። ፍቓዱ ኸይፍጽም ኪዓግቶ ዚኽእል ከም ዘየልቦ ኣይንረስዕ።—ሮሜ 8:31፣ 1 ዮሃ. 4:4

20. ንኣርዑት የሱስ እንጾረሉ ድራኸ እንታይ ኪኸውን ይግባእ፧

20 ካልኣይ፡ ብቕኑዕ ድራኸ ንዕየ። ሸቶና ነቲ ፈቃር ኣቦና የሆዋ ኽብሪ ምምጻእ እዩ። እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ እሞ ብስስዐ ወይ ብጥቕሚ ርእሶም ተደሪኾም ዚመላለሱ ዝነበሩ ሰባት ነዊሕ ከይጸንሑ ሓጐሶም ኣጥፊኦምን ንኣርዑት የሱስ ሓዲጎምዎን እዮም። (ዮሃ. 6:25-27, 51, 60, 66፣ ፊል. 3:18, 19) ብኣንጻሩ ግና፡ እቶም በታ ኻብ ጥቕሚ ርእሳ ናጻ ዝዀነት ፍቕሪ ኣምላኽን ፍቕሪ ሰባትን እተደረኹ ሰባት፡ ነቲ ምስ ክርስቶስ ኣብ ሰማይ ዝነበሮም ተስፋ ሒዞም፡ ነቲ ኣርዑት ኣብ ምሉእ ምድራዊ ህይወቶም ተሓጒሶም ጾይሮምዎ እዮም። ንሕና እውን ከማታቶም ንኣርዑት ክርስቶስ ብቕኑዕ ድራኸ ንጾሮ እንተ ዄንና፡ ሕጉሳት ንኸውን ኢና።

21. ብመሰረት ማቴዎስ 6:31-33፡ ንየሆዋ እንታይ ኪገብር ኢና ኽንጽበዮ እንኽእል፧

21 ሳልሳይ፡ ግቡእ ትጽቢታት ይሃልወና። ጥቕሚ ርእስና እንስውኣሉን ብትግሃት እንዓይየሉን ህይወት ኢና እንሓሪ ዘለና። የሱስ ከም እንስጐጕ ኣጠንቂቑና እዩ። ኰይኑ ግና፡ ንዝዀነ ብድሆ ኽንጻወር ዜኽእል ብርታዐ ኻብ የሆዋ ኸም እንረክብ ትጽቢት ክንገብር ንኽእል ኢና። ብዝያዳ ብእተጻወርና መጠን ከኣ፡ ብዝያዳ ብርቱዓት ኢና እንኸውን። (ያእ. 1:2-4) የሆዋ ዜድልየና ኸም ዚህበና፡ የሱስ ከም ዚጓስየና፡ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ድማ ከም ዜተባብዑና ኽንጽበ ንኽእል ኢና። (ማቴዎስ 6:31-33 ኣንብብ፣ ዮሃ. 10:14፣ 1 ተሰ. 5:11) ካብዚ ንላዕሊ እሞ እንታይ ኢና እንደሊ፧

22. ብዛዕባ እንታይ ኢና ኸነመስግን ዘሎና፧

22 እታ የሱስ ዘሕወያ ሰበይቲ በታ ዝሓወየትላ መዓልቲ እያ ዕረፍቲ ረኺባ። ኰይኑ ግና፡ እምንቲ ሰዓቢት ክርስቶስ እንተ ዀይና ጥራይ እያ ነባሪ ዕረፍቲ እትረክብ። እሞኸ እንታይ ዝገበረት ይመስለካ፧ ኣርዑት የሱስ ክትጸውር እንተ ወሲና፡ እንታይ ዓስቢ ኸም ዝረኸበት እሞ ሕሰቦ—ምስ የሱስ ኣብ ሰማይ እያ እተገልግል ዘላ! ኵሉ እቲ ንክርስቶስ ንምስዓብ ዝኸፈለቶ መስዋእቲ ምስቲ በረኸት ዚነጻጸር ኣይኰነን። ንሕና እምበኣር ናይ ዘለኣለም ህይወት ተስፋና ኣብ ሰማይ ይኹን ወይ ኣብ ምድሪ፡ ነቲ የሱስ፡ “ናባይ ንዑ” ኢሉ ዘቕረቦ ጻውዒት ምቕባልናስ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢና ኸነመስግን ዘሎና!

መዝሙር 13 ክርስቶስ ኣርኣያና

^ ሕ.ጽ. 5 የሱስ፡ “ናባይ ንዑ” ኢሉ ዓዲሙና ኣሎ። ነዚ ጻውዒት እዚ ምቕባል እንታይ የጠቓልል፧ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ ትገልጽ፣ ኣብ ጐድኒ ክርስቶስ ኴንና ብምዕያይ ከመይ ጌርና ዕረፍቲ ኸም እንረክብ እውን ተዘኻኽረና።

^ ሕ.ጽ. 60 መግለጺ ስእሊ፦ የሱስ ንሰባት ብእተፈላለየ መገዲ ኣዕሪፍዎም ወይ መንፈሶም ኣሓዲሱሎም እዩ።

^ ሕ.ጽ. 66 መግለጺ ስእሊ፦ ሓደ ሓው ኣብነት የሱስ ብምስዓብ ንሰባት ብእተፈላለየ መገዲ መንፈሶም የሐድሰሎም።