ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 37

ንየሆዋ ኣዚና ንገዝኣዮ—ስለምንታይን ብኸመይን፧

ንየሆዋ ኣዚና ንገዝኣዮ—ስለምንታይን ብኸመይን፧

“ነቲ ኣቦ መንፈሳዊ ህይወትና ግዳ ኣዚና እናተገዛእናዮዶ ኽንነብር ኣይግብኣናን እዩ፧”—እብ. 12:9

መዝሙር 9 የሆዋ እዩ ንጉስና!

መላለዪ *

1. ስለምንታይ ኢና ንየሆዋ ኽንግዝኦ ዘሎና፧

የሆዋ ፈጣሪና ስለ ዝዀነ፡ ንዕኡ ኽንግዝኦ * ኣሎና። ፈጣሪና ብምዃኑ ኸኣ፡ ንፍጥረቱ መለክዒታት ናይ ምስራዕ መሰል ኣለዎ። (ራእ. 4:11) ኰይኑ ግና፡ ንዕኡ እንእዘዘሉ ኻልእ ጽቡቕ ምኽንያት እውን ኣሎና፣ ኣገዛዝኣኡ ብሉጽ እዩ። ኣብ ብምሉኡ ታሪኽ ወዲ ሰብ፡ ብዙሓት ሰብኣውያን ገዛእቲ ኣብ ልዕሊ ኻልኦት ጽልዋን ስልጣንን ነይርዎም እዩ። የሆዋ ምሳታቶም ኪነጻጸር ከሎ፡ ካብ ኵላቶም ዚበልጽ ጥበበኛን ፈቃርን መሓርን ርሕሩሕን ገዛኢ እዩ።—ዘጸ. 34:6፣ ሮሜ 16:27፣ 1 ዮሃ. 4:8

2. ኣብ እብራውያን 12:9-11፡ እንታይ ንየሆዋ ኽንግዝኣሉ ዚግባእ ምኽንያታት እዩ ተገሊጹ ዘሎ፧

2 የሆዋ ብቐዳምነት ብፍርሂ ኣይኰነን ክንእዘዞ ዚደሊ፣ የግዳስ፡ ስለ እነፍቅሮን ከም ፈቃር ኣቦና ስለ እንርእዮን እዩ ኽንእዘዞ ዚደሊ። ጳውሎስ ናብ እብራውያን ኣብ ዝለኣኻ መልእኽቲ፡ ነቲ “ንጥቕምና” ዜሰልጥነና ኣቦ “ኣዚና እናተገዛእናዮ . . . ኽንነብር” ከም ዚግባእ ገሊጹ ኣሎ።—እብራውያን 12:9-11 ኣንብብ።

3. (ሀ) ንየሆዋ ኸም እንግዝኦ ብኸመይ ኢና እነርኢ፧ (ለ) ሕጂ ነየናይ ሕቶታት ኢና መልሲ ኽንረኽበሉ፧

3 ንየሆዋ ኽንግዝኦ እንተ ዄንና፡ ኣብ ኵሉ ምእንቲ ኽንእዘዞ ዚከኣለና ኽንገብርን ነቲ ኣብ ኣእምሮና ኽንጽጋዕ ዘሎና ዝንባለ ኽንቃለሶን ኣሎና። (ምሳ. 3:5) ነቲ ጽቡቕ ባህርያቱ እናፈለጥናዮ ብዝኸደና መጠን፡ ንየሆዋ ኽንግዝኦ እናቐለለና እዩ ዚኸይድ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ እቲ ባህርያቱ ኣብ ኵሉ እቲ ግብርታቱ ይንጸባረቕ እዩ። (መዝ. 145:9) ብዛዕባ የሆዋ ብዝያዳ ብዝፈለጥና መጠን፡ ብዝያዳ ኢና እነፍቅሮ። ንየሆዋ እንተ ኣፍቂርናዮ ኸኣ፡ ‘እዚ ግበር’ ወይ ‘እቲ ኣይትግበር’ ዚብል ነዊሕ ዝርዝር ሕግታት ኣየድልየናን እዩ። የግዳስ፡ ኣተሓሳስባናን ስምዒትናን ምስ ጽቡቕ ንምስምማዕን ካብ ክፉእ ንምርሓቕን ንጽዕር ኢና። (መዝ. 97:10) ሓድሓደ ግዜ ግና፡ ንየሆዋ እዙዛት ምዃን ቃልሲ ይዀነና እዩ። ስለምንታይ፧ ሽማግለታትን ኣቦታትን ኣዴታትንከ ኻብ ነህምያ እቲ ሹምን ካብ ንጉስ ዳዊትን ካብ ማርያም ኣደ የሱስን እንታይ ኪምሃሩ ይኽእሉ፧ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ነዚ ሕቶታት እዚ ኽትምልሶ እያ።

ንየሆዋ ኽንግዝኦ ኣጸጋሚ ኪዀነና ዚኽእል ስለምንታይ እዩ፧

4-5. ብመሰረት ሮሜ 7:21-23፡ ንየሆዋ ኽንግዝኦ ኣጸጋሚ ዝዀነና ስለምንታይ እዩ፧

4 ንየሆዋ ኽንግዝኦ ኣጸጋሚ ኪዀነና ዚኽእል ሓደ ምኽንያት፡ ኵላትና ሓጢኣትን ዘይፍጽምናናን ስለ ዝወረስና እዩ። ስለዚ ናይ ዕልወት ዝንባለ ኣሎና። ኣዳምን ሄዋንን ካብ ኣምላኽ ዓልዮም ነታ እተኸልከለት ፍረ ምስ በልዑ፡ ናይ ርእሶም መለክዒታት ሰሪዖም እዮም። (ዘፍ. 3:22) ሎሚ፡ ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ የሆዋ ግዲ የብሎምን፣ ቅኑዕን ጌጋን ከኣ ባዕላቶም ይውስኑ እዮም።

5 እቶም ንየሆዋ ዚፈልጥዎን ዜፍቅርዎን እውን እንተ ዀኑ፡ ንዕኡ ምሉእ ብምሉእ ኪግዝእዎ ቓልሲ ይዀኖም እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ እዚ ብድሆ እዚ ነይርዎ እዩ። (ሮሜ 7:21-23 ኣንብብ።) ከም ጳውሎስ፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ቕኑዕ ዘበለ ኽንገብር ንደሊ ኢና። እንተዀነ ግና፡ ወትሩ ነቲ ጌጋ ንምግባር ዘሎና ባህጊ ኽንቃለሶ ኣሎና።

6-7. ንየሆዋ ኽንግዝኦ ኣጸጋሚ ዚዀነሉ ኻልኣይ ምኽንያት እንታይ እዩ፧ ኣብነት ሃብ።

6 ንየሆዋ ኽንግዝኦ ኣጸጋሚ ዚዀነሉ ኻልእ ምኽንያት፡ በቲ ዝዓበናሉ ባህሊ ስለ እተጸሎና እዩ። ብዙሕ ሰብኣዊ ሓሳባት ምስ ፍቓድ የሆዋ ይጋጮ እዩ፣ ገዛእ ርእስና ኻብቲ ልሙድ ኣተሓሳስባ ናጻ ምውጻእ እውን ቀጻሊ ቓልሲ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ሓደ ኣብነት ጥራይ እስከ ንርአ።

7 ኣብ ገሊኡ ዓድታት፡ መንእሰያት ብዙሕ ገንዘብ ኪረኽቡ ጸቕጢ ይግበረሎም እዩ። ሜሪ * ዝስማ ሓንቲ ሓብቲ፡ ከምዚ ዝበለ ብድሆ ኣጋጢምዋ ነይሩ እዩ። ብዛዕባ የሆዋ ቕድሚ ምፍላጣ፡ ኣብ ሓደ ኻብቲ ኣብ ሃገራ ዚርከብ ብሉጽ ኣብያተ ትምህርቲ እያ ተማሂራ። ክቡር ሞያ ሒዛ ልዑል ደሞዝ ዚኽፈሎ ስራሕ ክትረክብ ከኣ ካብ ቤተ ሰባ ጸቕጢ ኣጋጢምዋ እዩ። ንሳ እውን ነዚ ትደልዮ ነይራ እያ። እንተዀነ ግና፡ ብዛዕባ የሆዋ ምስ ተማህረትን ንዕኡ ምስ ኣፍቀረቶን፡ ሸቶታታ ቐየረት። ይኹን እምበር፡ ከምዚ ኢላ ስምዒታ ትገልጽ፦ “ሓድሓደ ግዜ፡ ብዙሕ ገንዘብ ክረኽበሉ ዝኽእል ግናኸ ንመንፈሳዊ ልማደይ ዚዘርግ ናይ ስራሕ ኣጋጣሚታት እርኢ እየ። ብምኽንያት ኣተዓባብያይ፡ ነዚ ምእባይ ቃልሲ ይዀነኒ እዩ። ንየሆዋ ኻብ ዘቕርቦ ኣገልግሎት ኬርሕቐኒ ዚኽእል ስራሕ ምእንቲ ኸይቅበል፡ ነቲ ዝመጸኒ ፈተና ንምጽራር ኪሕግዘኒ ንየሆዋ እልምኖ እየ።”—ማቴ. 6:24

8. ሕጂ እንታይ ኢና ኽንምርምር፧

8 ንየሆዋ እንተ ተገዚእናዮ፡ ገዛእ ርእስና ኢና እንጠቅም። ከም ሽማግለታትን ኣቦታትን ኣዴታትን ዝኣመሰሉ እተወሰነ ስልጣን ዘለዎም ሰባት ግና ንመምርሒ ኣምላኽ ንምስዓብ ተወሳኺ ምኽንያት ኣለዎም፣ ከመይሲ፡ ንኻልኦት ሰባት ንምጥቃም ኣጋጣሚ ኣለዎም። እምበኣር፡ ንስልጣንና፡ ንየሆዋ ባህ ብዜብሎ መገዲ ኸመይ ጌርና ኽንሕዞ ኸም ዚግባእ ዚምህረና ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ገለ ኣብነታት እስከ ንርአ።

ሽማግለታት ካብ ነህምያ እንታይ ይምሃሩ፧

ከምቲ ነህምያ ኣብ ዳግመ ህንጸት መካበብያ የሩሳሌም ብኣካል እተሳተፈ፡ ሽማግለታት ከኣ ኣብቲ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዚግበር ዕዮ ይሳተፉ (ሕጡብ ጽሑፍ 9-11 ርአ) *

9. እንታይ ብድሆታት እዩ ንነህምያ ኣጋጢምዎ፧

9 የሆዋ ንሽማግለታት፡ ንህዝቡ ኺጓስዩ ኣገዳሲ ሓላፍነት ሂብዎም ኣሎ። (1 ጴጥ. 5:2) ሽማግለታት ነቲ ነህምያ ንህዝቢ የሆዋ ዝሓዘሉ መገዲ ብምምርማር ብዙሕ ኪምሃሩ ይኽእሉ እዮም። ነህምያ ኣብ ልዕሊ ይሁዳ እተሸመ ሹም ብምንባሩ፡ ዓብዪ ስልጣን እዩ ነይርዎ። (ነህ. 1:11፣ 2:7, 8፣ 5:14) ገለ ኻብቲ ዘጋጠሞ ብድሆታት እሞ ኣብ ኣእምሮና ንስኣሎ። እቶም ህዝቢ ነታ ቤተ መቕደስ ከም ዘርከስዋ፡ ከምቲ እቲ ሕጊ ዚእዝዞ እውን ንሌዋውያን ብገንዘብ ከም ዘይድግፍዎም ፈሊጡ ነበረ። ኣይሁድ ንሕጊ ሰንበት ይጥሕሱ ነበሩ፣ ገሊኦም ሰብኡት ድማ ጓኖት ኣንስቲ ኣእትዮም ነበሩ። ነህምያ ብዛዕባ እዚ ኣጸጋሚ ዅነታት፡ ገለ ነገር ኪገብር ነይርዎ።—ነህ. 13:4-30

10. ነህምያ ነቲ ዘጋጠሞ ብድሆታት ብኸመይ እዩ ሰጊርዎ፧

10 ነህምያ ንስልጣኑ ብዘይግቡእ ኣይተጠቕመሉን፣ ኣብ ህዝቢ ኣምላኽ ናይ ርእሱ መለክዒታት ኣይጸዓነን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ብጽኑዕ ብምጽላይ ካብ የሆዋ መምርሒ ደለየ፣ ነቶም ህዝቢ ድማ ሕጊ የሆዋ መሃሮም። (ነህ. 1:4-10፣ 13:1-3) ኣብ ጐድኒ ኣሕዋቱ ዀይኑ ኸኣ ብትሕትና ዓየየ፣ ኣብ ዳግመ ህንጸት መካበብያ የሩሳሌም እውን ሓገዞም።—ነህ. 4:15

11. ብመሰረት 1 ተሰሎንቄ 2:7, 8፡ ሽማግለታት ንኣባላት ጉባኤኦም ብኸመይ እዮም ኪሕዝዎም ዚግባእ፧

11 ሽማግለታት ከምቲ ንነህምያ ዘጋጠሞ ዓይነት ጸገማት ኣየጋጥሞምን ይኸውን፣ ብብዙሕ መገድታት ግና ኪመስልዎ ይኽእሉ እዮም። ንኣብነት፡ ንጥቕሚ ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ብዙሕ ይጽዕሩ እዮም። ብስልጣኖም ከኣ ኣይዕበዩን እዮም። ኣብ ክንዳኡስ፡ ንጉባኤኦም ብልእመትን ብፍቕርን እዮም ዚሕዙ። (1 ተሰሎንቄ 2:7, 8 ኣንብብ።) ፍቕሮምን ትሕትናኦምን ከኣ ንኣዘራርባኦም ይጸልዎ እዩ። ኣንድሪው ዝስሙ ምኩር ሽማግለ፡ “ሓደ ሽማግለ ለዋህን ፈቃርን እንተ ዀይኑ፡ እዚ ንኣሕዋትን ንኣሓትን ልቦም ይትንክዮም እዩ። እዚ ባህርያት እዚ ኸኣ ነታ ጉባኤ ምስቶም ሽማግለታት ክትተሓባበር ይድርኻ እዩ” ኢሉ ገሊጹ ኣሎ። ቶኒ ዝስሙ ንነዊሕ ግዜ ዘገልገለ ሽማግለ ድማ፡ “ነቲ ኣብ ፊልጲ 2:3 ዚርከብ ምኽሪ ኽትግብሮ እፍትን እየ፡ ንኻልኦት ካብ ርእሰይ ኣብሊጸ ንምርኣይን ከኣ ወትሩ እጽዕር እየ። እዚ ድማ ከም ውልቀ መላኺ ኸይከውን ሓጊዙኒ እዩ” ዚብል ሓሳብ ሂቡ ኣሎ።

12. ሽማግለታት ትሑታት ኪዀኑ ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧

12 ከምቲ የሆዋ ተግባሩ ብትሕትና ዚገብር፡ ሽማግለታት እውን ትሑታት ኪዀኑ ኣለዎም። የሆዋ ልዑላዊ ጐይታ ዅሉ ፍጥረት ክነሱ፡ “ንትሑት ካብ ሓመድ” ኬተንስኦ ኢሉ “ይደንን” እዩ። (መዝ. 18:35፣ 113:6, 7) እወ፡ የሆዋ ንዕቡያትን ንምኩሓትን ይፍንፍኖም እዩ።—ምሳ. 16:5

13. ሽማግለ ‘ልሳኑ ኺለጕም’ ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧

13 ንየሆዋ ዚግዝኦ ሽማግለ ‘ልሳኑ ኺለጕም’ ኣለዎ። እንተ ዘይኰይኑ ግና፡ ሓደ ሰብ ምስ ዘየኽብሮ፡ ጐዳኢ ዘረባ ኺምልስ ይኽእል እዩ። (ያእ. 1:26፣ ገላ. 5:14, 15) እቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ኣንድሪው፡ “ሓድሓደ ግዜ፡ ኣኽብሮት ከም ዘይብሎም ንዝመሰሉኒ ሓው ወይ ሓብቲ ጐዳኢ ምላሽ ክህብ እፍተን እየ። ኰይኑ ግና፡ ብዛዕባ ኣብነት እቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ እሙናት ሰባት ኣስተንቲነ እየ፣ እዚ ኸኣ ትሑትን ዓቃልን ምዃን ዘለዎ ኣገዳስነት ክፈልጥ ሓጊዙኒ እዩ” ይብል። ሽማግለታት ምስቶም ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ክርስትያናት፡ እንተላይ ምስ ካልኦት ሽማግለታት ኪዛራረቡ ኸለዉ ብፍቕሪ ጥዑም ዘረባ ብምዝራብ፡ ንየሆዋ ዘለዎም ተገዛእነት ኬርእዩ ይኽእሉ እዮም።—ቈሎ. 4:6

ኣቦታት ካብ ንጉስ ዳዊት እንታይ ይምሃሩ፧

14. የሆዋ ንኣቦታት እንታይ ሓላፍነት እዩ ሂብዎም፧ እንታይ ኪገብሩኸ እዩ ዚጽበዮም፧

14 የሆዋ ንኣቦ፡ ርእሲ ስድራ ቤቱ ገይሩ ሸይምዎ እዩ፣ ንደቁ ኼሰልጥንን ኪግስጽን እውን ይጽበዮ እዩ። (1 ቈረ. 11:3፣ ኤፌ. 6:4) ስልጣን ኣቦ ግና ደረት ኣለዎ፣ ስለዚ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ዅሉ ዓሌት ካብኡ ዚስመ የሆዋ ተሓታቲ እዩ። (ኤፌ. 3:14, 15) ኣቦታት ንስልጣኖም፡ ንኣምላኽ ባህ ብዜብሎ መገዲ ብምጥቃም፡ ንየሆዋ ተገዛእቲ ምዃኖም ኬርእዩ ይኽእሉ እዮም። ህይወት ንጉስ ዳዊት ብምጽናዕ፡ ብዙሕ ኪምሃሩ ይኽእሉ እዮም።

ጸሎት ሓደ ክርስትያን ኣቦ ንትሕትናኡ ዜርኢ ኪኸውን ይግባእ (ሕጡብ ጽሑፍ 15-16 ርአ) *

15. ንጉስ ዳዊት ንኣቦታት ጽቡቕ ኣብነት ዝዀኖም ስለምንታይ እዩ፧

15 የሆዋ ንዳዊት ኣብ ስድራ ቤቱ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ብዘሎ ህዝቢ እስራኤል እውን ርእሲ ገይሩ ሸይምዎ እዩ። ዳዊት ንጉስ ብምንባሩ፡ ብዙሕ ስልጣን እዩ ነይርዎ። ሓድሓደ ግዜ፡ ንስልጣኑ ብዘይግቡእ ተጠቒሙሉን ከቢድ ጌጋታት ገይሩን እዩ። (2 ሳሙ. 11:14, 15) ተግሳጽ ብምቕባል ግና፡ ንየሆዋ ኸም ዚግዝኦ ኣርእዩ እዩ። ልቡ ብጸሎት ናብ የሆዋ ኣፍሲሱ እዩ። ምኽሪ የሆዋ ንምሕላው እውን ዚከኣሎ ገይሩ እዩ። (መዝ. 51:1-4) ትሑት ስለ ዝነበረ ኸኣ፡ ካብ ሰብኡት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ካብ ኣንስቲ እውን ጽቡቕ ምዕዶ ይቕበል ነይሩ እዩ። (1 ሳሙ. 19:11, 12፣ 25:32, 33) ዳዊት ካብ ጌጋታቱ ተማሂሩ እዩ፣ ህይወቱ ድማ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ኸም ዜተኵር ገይሩ እዩ።

16. ኣቦታት ካብ ዳዊት እንታይ ትምህርትታት ይምሃሩ፧

16 ኣቦታት ካብ ንጉስ ዳዊት ዚምሃርዎ ትምህርትታት እስከ ንርአ፦ ነቲ የሆዋ ዝሃበኩም ስልጣን ብዘይግቡእ ኣይትጠቐሙሉ። ጌጋታትኩም ተኣመኑ፣ ካብ ካልኦት እውን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ምኽሪ ተቐበሉ። ከምኡ እንተ ጌርኩም፡ ስድራ ቤትኩም ስለቲ ትሕትናኹም ኬኽብሩኹም እዮም። ምስ ስድራ ቤትኩም ብሓባር ክትጽልዩ ኸለኹም፡ ልብኹም ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣፍስሱ፣ ኣብኡ ኽሳዕ ክንደይ ከም እትጽግዑ ይስምዑኹም። ልዕሊ ዅሉ ኸኣ፡ ህይወትኩም ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ኸም ዜተኵር ግበርዎ። (ዘዳ. 6:6-9) እቲ ሰናይ ኣብነትኩም፡ ሓደ ኻብቲ ንስድራ ቤትኩም ክትህብዎ እትኽእሉ ብሉጽ ህያባት እዩ።

ኣዴታት ካብ ማርያም እንታይ ይምሃራ፧

17. የሆዋ ንኣዴታት እንታይ ሓላፍነት እዩ ሂብወን፧

17 የሆዋ ንኣደ ኣብ ስድራ ቤታ ኽቡር ሓላፍነት እዩ ሂብዋ፣ ኣብ ልዕሊ ደቃ እውን ኣገዳሲ ስልጣን ሂብዋ እዩ። (ምሳ. 6:20) ኣደ ኣብ ልዕሊ ደቃ ኺህልዋ ዚኽእል ጽልዋ ሓያልን ምሉእ ዕድሚኦም ዚቕጽልን ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ምሳ. 22:6) እምበኣር፡ ኣዴታት ካብ ማርያም ኣደ የሱስ እንታይ ከም ዚምሃራ እስከ ንርአ።

18-19. ኣዴታት ካብ ማርያም እንታይ ይምሃራ፧

18 ማርያም፡ ቅዱሳት ጽሑፋት ኣጸቢቓ ትፈልጥ ነይራ እያ። ንየሆዋ ብዙሕ ኣኽብሮት ኣሕዲራ፡ ምስኡ ድልዱል ብሕታዊ ርክብ እውን መስሪታ እያ። ዋላ እኳ ንብዘሎ ህይወታ ዚቕይር ኵነታት እንተ ኣጋጠማ፡ ንመምርሒ የሆዋ ኽትግዛእ ፍቓደኛ እያ ነይራ።—ሉቃ. 1:35-38, 46-55

ሓንቲ ኣደ እንተ ደኺማን እንተ ሓሪቓን፡ ንኣባላት ስድራ ቤታ ዘለዋ ፍቕሪ ንምግላጽ ብዙሕ ጻዕሪ ኽትገብር የድልያ ይኸውን (ሕጡብ ጽሑፍ 19 ርአ) *

19 ኣትን ኣዴታት፡ ንማርያም ብብዙሕ መገድታት ክትመስላኣ ትኽእላ ኢኽን። ብኸመይ፧ ቀዳማይ፡ ብብሕታዊ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስን ብውልቅኽን ብእተቕርባኦ ጸሎትን ጌርክን ምስ የሆዋ ዘሎክን ብሕታዊ ርክብ ብምዕቃብ እዩ። ካልኣይ፡ ንየሆዋ ንምሕጓስ፡ ኣብ ህይወትክን ለውጥታት ንምግባር ፍቓደኛታት ብምዃን እዩ። ንኣብነት፡ ዘዕበዩኽን ወለዲ ብቐሊሉ ይቝጥዑ እሞ ንደቆም ሓያል ዘረባ ይዛረቡ ነይሮም ይዀኑ። ስለዚ፡ ንቘልዑ በዚ ኸምዚ ምዕባይ ንቡር ይመስለክን ነይሩ ይኸውን። መለክዒታት የሆዋ ምስ ተምሃርክን እውን እንተ ዀነ፡ ምናዳ ኣብ ዝደኸምክናሉ እዋን ደቅኽን ኣደብ እንተ ዘይገይሮም፡ ብህድኣትን ብትዕግስትን ምሓዞም ይኸብደክን ይኸውን። (ኤፌ. 4:31) ኣብ ከምዚ ዝበለ እዋናት፡ ካብ ካልእ ግዜ ብዝያዳ ብጸሎት ናብ የሆዋ ኽትጽግዓ ኣሎክን። ሊድያ ዝስማ ኣደ፡ “ወደይ ኣብ ዘይእዘዘሉ እዋን ብሕርቃን ምእንቲ ኸይዛረብ፡ ሓድሓደ ግዜ ተጊሀ ኽጽሊ ኣሎኒ። ኣብ መንጎ ዘረባይ ኣቋሪጸ፡ የሆዋ ኺሕግዘኒ ብልበይ ዝጸለኹሉ ግዜ እውን ኣሎ። ጸሎት የህድኣኒ እዩ” ትብል።—መዝ. 37:5

20. ገሊአን ኣዴታት እንታይ ጸገም እዩ ዘለወን፧ እቲ ጸገም እቲኸ ብኸመይ ኪስገር ይከኣል፧

20 ገሊአን ኣዴታት ከኣ ካልእ ጸገም ኣለወን፣ ፍቕረን ንደቀን ምግላጽ ይኸብደን እዩ። (ቲቶ. 2:3, 4) ገሊአን ደቂ ኣንስትዮ፡ ምስ ደቆም ብዘይቀራረቡ ወለዲ እየን ዓብየን። ኣትን ኣዴታት፡ ኣብ ከምኡ ዓይነት ስድራ እንተ ዓቢኽን፡ ጌጋታት ወለድኽን ክትደግማ የብልክንን። ንፍቓድ የሆዋ እትግዛእ ኣደ፡ ንደቃ ፍቕራ ብኸመይ ከም እትገልጽ ክትምሃር የድልያ ይኸውን። ኣተሓሳስባኣን ስምዒታን ተግባራን ክትቅይር የጸግማ ይኸውን። ግናኸ፡ ይከኣል እዩ፣ እዚ ለውጥታት እዚ ድማ ንዓኣን ንስድራ ቤታን ይጠቅም እዩ።

ወትሩ ንየሆዋ ንገዝኣዮ

21-22. ብመሰረት ኢሳይያስ 65:13, 14፡ ንየሆዋ እንተ ተገዚእናዮ፡ እንታይ ጥቕምታት ኢና እንረክብ፧

21 ንጉስ ዳዊት ንየሆዋ ተገዛኢ ምዃን ዘለዎ ጥቕምታት ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ስለዚ፡ ከምዚ ኢሉ ጽሒፉ እዩ፦ “ስርዓታት የሆዋ ጻድቕ እዩ፡ ንልቢ የሐጕሶ። ትእዛዝ የሆዋ ጽሩይ እዩ፡ ንኣዒንቲ የብርሀን። ጊልያኻ ብእኡ መጠንቀቕታ ይውሃቦ፣ ንዕኡ ምሕላው ከኣ ዓብዪ ዓስቢ ኣለዎ።” (መዝ. 19:8, 11) ሎሚ፡ ኣብ መንጎ እቶም ንየሆዋ ዚግዝእዎ ሰባትን ኣብ መንጎ እቶም ነቲ ፍቕራዊ ምኽሩ ዘይቅበሉ ሰባትን ዘሎ ፍልልይ ክንርኢ ንኽእል ኢና። እቶም ንየሆዋ ዚግዝእዎ፡ ‘ብሓጐስ ልቢ እልል ይብሉ እዮም።’—ኢሳይያስ 65:13, 14 ኣንብብ።

22 ሽማግለታትን ኣቦታትን ኣዴታትን ንየሆዋ ኣዝዮም እንተ ተገዚኦምዎ፡ ህይወቶም ይመሓየሽ፡ ስድራ ቤቶም ብዝያዳ ሕጉሳት ይዀኑ፡ ብዘላ ጉባኤ እውን ዝደልደለ ሓድነት ይህልዋ እዩ። ልዕሊ ዅሉ ኸኣ፡ ንልቢ የሆዋ የሐጕስዎ እዮም። (ምሳ. 27:11) ካብዚ ዚዓቢ እሞ እንታይ ዓስቢ ኣሎ፧

መዝሙር 123 ንቲኦክራስያዊ ስርዓት ብተኣማንነት ንገዛእ

^ ሕ.ጽ. 5 እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ስለምንታይ ንየሆዋ ኽንግዝኦ ኸም ዚግባእ ትገልጽ። እቶም እተወሰነ ስልጣን ዘለዎም ሽማግለታትን ኣቦታትን ኣዴታትን ካብ ነህምያ እቲ ሹምን ካብ ንጉስ ዳዊትን ካብ ማርያም ኣደ የሱስን እንታይ ኪምሃሩ ኸም ዚኽእሉ እውን ክንርኢ ኢና።

^ ሕ.ጽ. 1 መግለጺ ቓላት፦ እታ ተገዛእነት እትብል ቃልን ረባሕታኣን ነቶም ብሓይሊ ኺእዘዙ ዚግደዱ ሰባት ኣሉታዊ ትርጉም ኣለዋ። ህዝቢ ኣምላኽ ግና ንኣምላኾም ብምርጫኦም እዮም ዚግዝእዎ፣ ስለዚ፡ ንተገዛእነት ብኣሉታዊ መገዲ ኣይኰኑን ዚርእይዎ።

^ ሕ.ጽ. 7 ኣብዛ ዓንቀጽ ዚርከብ ገሊኡ ስማት ተቐዪሩ እዩ።

^ ሕ.ጽ. 62 መግለጺ ስእሊ፦ ከምቲ ነህምያ ኣብ ዳግመ ህንጸት መካበብያ የሩሳሌም ብኣካል እተሳተፈ፡ ሓደ ሽማግለ ኸኣ ምስ ወዱ ኣብ ጽገና ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ይዓዪ።

^ ሕ.ጽ. 64 መግለጺ ስእሊ፦ ሓደ ኣቦ ንስድራ ቤቱ ወኪሉ ናብ የሆዋ ይጽሊ።

^ ሕ.ጽ. 66 መግለጺ ስእሊ፦ ሓደ ቘልዓ ኣብ ገዛ እተዋህቦ ዕዮ ወይ ናይ ትምህርቱ ዕዮ ገዛ ኸይወድአ፡ ንብዙሕ ሰዓታት ቪድዮ ይጻወት። ኣዲኡ ኸኣ ካብ ስራሕ ደኺማ ምስ መጸት፡ ከይተቘጥዐት ወይ ተሪር ቃላት ከይተጠቕመት ትግስጾ።