ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 36

ኣርማጌዶን ብስራት እያ!

ኣርማጌዶን ብስራት እያ!

“ንሳቶም ከኣ ናብ . . . ኣርማጌዶን . . . ኣከብዎም።”—ራእ. 16:16

መዝሙር 150 ክትድሕኑ እንተ ደሊኹም፡ ንየሆዋ ድለይዎ

መላለዪ *

1-2. (ሀ) ኣርማጌዶን ንደቂ ሰብ ብስራት ዝዀነት ስለምንታይ እያ፧ (ለ) ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ሕቶታት ክንምርምር ኢና፧

ሰባት ነታ “ኣርማጌዶን” እትብል ቃል ንኑክልየሳዊ ውግእ ወይ ንኣከባብያዊ ዕንወት ከም እተመልክት ገይሮም ኪጥቀሙላ ሰሚዕካዶ ትፈልጥ፧ ብኣንጻሩ ግና እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣርማጌዶን ዚብሎ ነገር ብስራት ወይ ዜሐጕስ ነገር እዩ! (ራእ. 1:3) ውግእ ኣርማጌዶን ንደቂ ሰብ ኬድሕኖም ደኣ እምበር፡ ኣይኬጥፍኦምን እዩ! ብኸመይ፧

2 ውግእ ኣርማጌዶን ንሰብኣዊ ግዝኣት ብምጥፋእ፡ ንደቂ ሰብ ከም ዜድሕኖም መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። እቲ ውግእ እቲ ንእኩያት ብምጥፋእን ንጻድቃን ብህይወት ብምሕዳግን ንደቂ ሰብ ኬድሕኖም እዩ። ንምድርና ኻብ ጥፍኣት ብምዕቋብ ድማ፡ ንደቂ ሰብ ኬድሕኖም እዩ። (ራእ. 11:18) እዚ ነጥብታት እዚ ብዝነጸረ ምእንቲ ኺርድኣና፡ ኣርባዕተ ሕቶታት እስከ ንመርምር፦ ኣርማጌዶን እንታይ እያ፧ እንታይ ፍጻመታት እዩ ናብ ኣርማጌዶን ዚመርሕ፧ ከመይ ጌርና ኢና ኻብቶም ካብ ኣርማጌዶን ዚድሕኑ ሰባት ክንከውን እንኽእል፧ ኣርማጌዶን እናቐረበት ክትከይድ ከላ ኸመይ ጌርና ኢና ተኣማንነትና ኽንሕሉ እንኽእል፧

ኣርማጌዶን እንታይ እያ፧

3. (ሀ) እታ “ኣርማጌዶን” እትብል ቃል እንታይ ትርጉም እዩ ዘለዋ፧ (ለ) ብመሰረት ራእይ 16:14, 16፡ ኣርማጌዶን ቃል ብቓሉ ንሓንቲ ቦታ ኣይተመልክትን እያ ኽንብል እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

3 ራእይ 16:14, 16 ኣንብብ። እታ “ኣርማጌዶን” እትብል ቃል ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ሓንሳእ ጥራይ እያ እትርከብ፣ “ከረን መጊዶ” ዚብል ትርጉም ካብ ዘለዎ ናይ እብራይስጢ ቓል ዝመጸት ድማ እያ። (ራእ. 16:16፣ እ.ጽ.) መጊዶ ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበረት ከተማ እያ። (እያ. 17:11) ኣርማጌዶን ግና ቃል ብቓሉ ኣብ ምድሪ ንዚርከብ ዝዀነ ይኹን ቦታ ኣይተመልክትን እያ። ብልክዕ ክንዛረብ እንተ ዄንና፡ ነቲ “ነገስታት ብዘላ ዓለም” ንየሆዋ ንምጽራር ዚእከቡሉ ዅነት እያ እተመልክት። (ራእ. 16:14) ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ግና፡ ነታ “ኣርማጌዶን” እትብል ቃል፡ ነቲ ነገስታት ዓለም ምስ ተኣከቡ ብኡብኡ ስዒቡ ዚኸውን ውግእ ንምምልካት እውን ክንጥቀመላ ኢና። ኣርማጌዶን ንምሳልያዊ ቦታ ኸም እተመልክት ከመይ ጌርና ንፈልጥ፧ ቀዳማይ፡ ቃል ብቓሉ ኸረን መጊዶ ዚብሃል የልቦን። ካልኣይ፡ ኣብ ከባቢ መጊዶ ዘሎ ቦታ ንእሽቶ ብምዃኑ፡ ን“ነገስታት ብዘላ ዓለም”ን ንሰራዊቶምን ንኣጽዋሮምን ኪሕዝ ኣይክእልን እዩ። ሳልሳይ፡ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ጸኒሕና ኸም እንርእዮ፡ “ነገስታት” ዓለም ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ብዘላ ምድሪ ፋሕ ኢሎም ዘለዉ ህዝቢ ኣምላኽ መጥቃዕቲ ምስ ፈነዉ እዩ ውግእ ኣርማጌዶን ዚጅመር።

4. የሆዋ ነቲ ናይ መወዳእታ ዓብዪ ውግእ ምስ መጊዶ ዘተሓሓዞ ስለምንታይ እዩ፧

4 የሆዋ ነቲ ናይ መወዳእታ ዓብዪ ውግእ ምስ መጊዶ ዘተሓሓዞ ስለምንታይ እዩ፧ መጊዶን እቲ ኣብ ጥቓኡ ዘሎ ስንጭሮ ይዝርኤልን ብዙሕ ውግእ እተገብረሉ ቦታታት እዩ። ኣብ ገሊኡ ኣጋጣሚ፡ የሆዋ ብቐጥታ ኣብዚ ውግኣት እዚ ኢዱ ኣእትዩ እዩ። ንኣብነት፡ “ኣብ ጥቓ ማያት መጊዶ፡” ኣምላኽ ነቲ እስራኤላዊ ፈራዲ ዝነበረ ባራቅ፡ ብሲሰራ ንዚምራሕ ሰራዊት ከነኣናውያን ኪስዕር ሓጊዝዎ እዩ። ባራቅን ነብዪት ዴቦራን ከኣ ስለቲ እተረኽበ ተኣምራዊ ዓወት ንየሆዋ ኣመስጊኖምዎ እዮም። “ካብ ሰማይ ከዋኽብቲ ተዋግኡ፣ . . . ምስ ሲሰራ ተዋግኡ። . . . ርባ ቂሶን ወሰዶም” ኢሎም ድማ ዘሚሮም እዮም።—መሳ. 5:19-21

5. ኣብ መንጎ ውግእ ኣርማጌዶንን ኣብ መንጎ እቲ ባራቅ እተዋግኦ ውግእን እንታይ ኣገዳሲ ፍልልይ ኣሎ፧

5 ባራቅን ዴቦራን ንመዝሙሮም፡ “ኦ የሆዋ፡ ኵሎም ጸላእትኻ ኸምኡ ይጥፍኡ፡ እቶም ዜፍቅሩኻ ግና፡ ከምታ ብኽብራ እትበርቕ ጸሓይ ይኹኑ” ብዚብል ቃላት እዮም ዛዚሞምዎ። (መሳ. 5:31) ኣብ ኣርማጌዶን እውን ጸላእቲ ኣምላኽ ኪጠፍኡ እዮም፣ እቶም ንኣምላኽ ዜፍቅርዎ ግና ኪድሕኑ እዮም። ኣብ መንጎ እዚ ኽልቲኡ ውግእ ግና ሓደ ኣገዳሲ ፍልልይ ኣሎ። ኣብ ኣርማጌዶን፡ ህዝቢ ኣምላኽ ኣይኪዋግኡን እዮም። ኣጽዋር እኳ ኣይኪዕጠቑን እዮም! የግዳስ፡ ‘ብርታዐኦም ኣብ ምህዳኦም፡’ ከምኡ ድማ ኣብ የሆዋን ኣብ ሰማያዊ ሰራዊቱን ‘ኣብ ምውካሎም ኪኸውን እዩ።’—ኢሳ. 30:15፣ ራእ. 19:11-15

6. ኣብ ኣርማጌዶን፡ የሆዋ ንጸላእቱ ብኸመይ እዩ ዚስዕሮም፧

6 እሞ ደኣ ኣብ ኣርማጌዶን፡ ኣምላኽ ንጸላእቱ ብኸመይ እዩ ዚስዕሮም፧ ብዙሕ መገድታት ኪጥቀም ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ምንቅጥቃጥ ምድርን በረድን በርቅን ኪጥቀም ይኽእል እዩ። (እዮ. 38:22, 23፣ ህዝ. 38:19-22) ንጸላእቱ ንሓድሕዶም ከም ዚዋግኡ ኺገብሮም ይኽእል እዩ። (2 ዜና 20:17, 22, 23) ብመላእኽቱ ገይሩ እውን ንእኩያት ኪቐትሎም ይኽእል እዩ። (ኢሳ. 37:36) ኣምላኽ ዚጥቀመሉ መገዲ እዚ ይኹን እቲ፡ ዓወት ኪረክብ እዩ። ኵሎም ጸላእቱ ኺድምሰሱ እዮም። ኵሎም ጻድቃን ድማ ኪድሕኑ እዮም።—ምሳ. 3:25, 26

እንታይ ፍጻመታት እዩ ናብ ኣርማጌዶን ዚመርሕ፧

7-8. (ሀ) ብመሰረት 1 ተሰሎንቄ 5:1-6፡ መራሕቲ ዓለም እንታይ ፍሉይ ኣዋጅ እዮም ዚእውጁ፧ (ለ) እዚ ሓሶት እዚ ሓደገኛ ዚኸውን ስለምንታይ እዩ፧

7 ቅድሚ “መዓልቲ የሆዋ፡” “ሰላምን ደሓንን” ኪእወጅ እዩ። (1 ተሰሎንቄ 5:1-6 ኣንብብ።) ኣብ 1 ተሰሎንቄ 5:2፡ “መዓልቲ የሆዋ” ነቲ “ብርቱዕ ጸበባ” እያ እተመልክት። (ራእ. 7:14) እዚ ጸበባ እዚ ዚጅምረሉ ግዜ ኸም ዝኣኸለ ኸመይ ጌርና ኢና ኽንፈልጥ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ፍልይ ዝበለ ኣዋጅ ይነግረና እዩ። እቲ ኣዋጅ ድማ ብርቱዕ ጸበባ ዚጅምረሉ ግዜ ኸም ዝኣኸለ ምልክት ይዀነና እዩ።

8 እዚ ኸኣ እቲ ብትንቢት እተነግረሉ ኣዋጅ “ሰላምን ደሓንን” እዩ። ስለምንታይ እዮም መራሕቲ ዓለም ከምኡ ዚብሉ፧ መራሕቲ ሃይማኖትከ ኣብኡ ኺሳተፉ ድዮም፧ ምናልባት ይሳተፉ ይዀኑ። ይኹን እምበር፡ እቲ ኣዋጅ ካብ ኣጋንንቲ ዚመጽእ ሓሶት እዩ። እዚ ሓሶት እዚ ግና ንሰባት ቀቅድሚ እቲ ኣብ ታሪኽ ወዲ ሰብ ካብ ኵሉ ዝበርትዐ ጸበባ ናይ ሓሶት ደሓን ከም ዚስምዖም ስለ ዚገብር፡ ኣዝዩ ሓደገኛ ኪኸውን እዩ። እወ፡ “ንጥንስቲ ቕልውላው ከም ዚሕዛ፡ ሽዑ ሃንደበታዊ ጥፍኣት ብድንገት ይመጾም።” እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ ደኣኸ፧ መዓልቲ የሆዋ ሃንደበት ብምጅማራ ድቦላ ኽትኰኖም ትኽእል ትኸውን፣ ከይተዳለዉ ግና ኣይኰኑን ዚጸንሑ።

9. ኣምላኽ ንናይ ሰይጣን ዓለም ኸመይ ገይሩ እዩ በብደረጃ ዜጥፍኦ፧

9 የሆዋ ኸምቲ ብዘመን ኖህ ዝገበሮ፡ ንብዘሎ ናይ ሰይጣን ዓለም ብሓንሳእ ኣይኪድምስሶን እዩ። ኣብ ክንዳኡ ግና፡ ብቐንዱ ብኽልተ ደረጃ እዩ ኺድምስሶ። ቀዳማይ፡ ንዓባይ ባቢሎን፡ ማለት ነታ ናይ ዓለም ሃጸያዊት ግዝኣት ናይ ሓሶት ሃይማኖት ኬጥፍኣ እዩ። ድሕሪኡ፡ ኣብ ኣርማጌዶን፡ ንዝተረፈ ናይ ሰይጣን ዓለም፡ እንተላይ ንፖለቲካውን ንወተሃደራውን ንንግዳውን ስርዓታት ኬጥፍኦ እዩ። ነዚ ኽልተ ዓበይቲ ፍጻመታት እስከ ብደቂቕ ንመርምሮ።

10. ብመሰረት ራእይ 17:1, 6፣ 18:24፡ ስለምንታይ እዩ የሆዋ ንዓባይ ባቢሎን ዜጥፍኣ፧

10 “ፍርዲ እታ . . . ዓባይ ኣመንዝራ።” (ራእይ 17:1, 6፣ 18:24 ኣንብብ።) ዓባይ ባቢሎን ኣብ ስም ኣምላኽ ብዙሕ ጸርፊ ኣምጺኣ እያ። ብዛዕባ ኣምላኽ ድማ ብዙሕ ሓሶት ምሂራ እያ። ምስ ገዛእቲ ምድሪ ኺዳን ብምትእትታው ከኣ፡ ብመንፈሳዊ መዳይ መንዚራ እያ። ስልጣናን ጽልዋኣን ድማ ካብ መጓሰኣ ንምምዝማዝ ተጠቒማትሉ እያ። ብዘይካዚ፡ ብዙሕ ደም፡ እንተላይ ደም ኣገልገልቲ ኣምላኽ ኣፍሲሳ እያ። (ራእ. 19:2) እሞ ደኣ የሆዋ ንዓባይ ባቢሎን ከመይ ገይሩ እዩ ዚድምስሳ፧

11. እቲ “ቐይሕ ኣራዊት” ንምንታይ የመልክት፧ ነቲ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ዓባይ ባቢሎን ኪገብሮ ዚደሊ ኣብ ምፍጻምከ እንታይ እጃም ኪህልዎ እዩ፧

11 የሆዋ ነታ “ዓባይ ኣመንዝራ” በቲ “ዓሰርተ ቐርኒ” እቲ “ቐይሕ ኣራዊት” ገይሩ እዩ ዜጥፍኣ። እቲ ምሳልያዊ ኣራዊት ከኣ ንውድብ ሕቡራት ሃገራት እዩ ዜመልክት። እቲ ዓሰርተ ቐርኒ ድማ ነቶም ነቲ ውድብ ዚድግፉ ዘለዉ ፖለቲካውያን ሓይልታት የመልክት። ኣብቲ ኣምላኽ ዝመደቦ ግዜ፡ እቶም ፖለቲካውያን ሓይልታት ነታ ምሳልያዊት ባቢሎን ኪግልበጥዋ እዮም። “ኬጥፍእዋን ጥራያ ኺገብርዋን፡” ማለት ሃብታ ኺዘምትዎን እከያ ኼቃልዕዎን እዮም። (ራእ. 17:3, 16) እቲ ቕልጡፍ ጥፍኣት ድማ፡ ከም ብሓንቲ መዓልቲ ስለ ዚመጽእ፡ ንደገፍታ ኼሰምብዶም እዩ። ከመይሲ፡ ንነዊሕ እዋን፡ “ንግስቲ ዀይነ ተቐሚጠ እየ፡ መበለት ኣይኰንኩን፡ ሓዘን እውን ከቶ ኣይክርእን እየ” ኢላ ኽትምካሕ ጸኒሓ እያ።—ራእ. 18:7, 8

12. የሆዋ ንኣህዛብ እንታይ ኪገብሩ እዩ ዘይፈቕደሎም፧ ስለምንታይከ፧

12 ኣምላኽ ንኣህዛብ፡ ንህዝቡ ኼጥፍኡ ኣይኪፈቕደሎምን እዩ። ከመይሲ፡ ህዝቡ ንስሙ ተሓቢኖም ይጾሩ እዮም፣ ካብ ዓባይ ባቢሎን ኪወጹ እተዋህቦም ትእዛዝ እውን ሓልዮም እዮም። (ግብ. 15:16, 17፣ ራእ. 18:4) ካልኦት ካብኣ ምእንቲ ኺወጹ እውን፡ ብዙሕ ጽዒሮምሎም እዮም። ስለዚ፡ ኣገልገልቲ የሆዋ ‘ኻብቲ መዓታ ኣይካፈሉን’ እዮም። ኰይኑ ግና፡ እምነቶም ኪፍተን እዩ።

ህዝቢ ኣምላኽ ኣብ ዝሃለዉ ይሃልዉ፡ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ዚፍነወሉ እዋን ኣብ ኣምላኽ ይውከሉ (ሕጡብ ጽሑፍ 13 ርአ) *

13. (ሀ) ጎግ መን እዩ፧ (ለ) ብመሰረት ህዝቅኤል 38:2, 8, 9፡ እንታይ ምስ ኰነ እዩ ጎግ ናብቲ ኣርማጌዶን ዚብሃል ምሳልያዊ ቦታ ዚኣቱ፧

13 መጥቃዕቲ ጎግ። (ህዝቅኤል 38:2, 8, 9 ኣንብብ።) ኵለን ናይ ሓሶት ሃይማኖታዊ ውድባት ምስ ጠፍኣ፡ ህዝቢ ኣምላኽ ከምታ ድሕሪ ብርቱዕ ህቦብላ በይና ዝተረፈት ኦም ኰይኖም ኪቘሙ እዮም። በዚ ኸኣ፡ ሰይጣን ኪንድር እዩ። ነቲ ነድሩ ኸኣ በቲ ‘ብድራኸ መንፈስ ዚዝረብ ዘረባታት’ ተባሂሉ ዘሎ ኣጋንንታዊ ፕሮፓጋንዳ ገይሩ ኼውጽኦ እዩ፣ በዚ ኸምዚ፡ ነቶም ንኣገልገልቲ የሆዋ ኼጥቅዑ ኢሎም ዚሰምሩ ኣህዛብ ኬለዓዕሎም ኪፍትን እዩ። (ራእ. 16:13, 14) እቶም ስሙራት ኣህዛብ ከኣ “ጎግ ብዓል ሃገር ማጎግ” ተባሂሎም ይጽውዑ እዮም። እቶም ኣህዛብ መጥቃዕቶም ምስ ፈነዉ ድማ፡ ኣብቲ ኣርማጌዶን ዚብሃል ምሳልያዊ ቦታ ኺበጽሑ እዮም።—ራእ. 16:16

14. ሽዑ ጎግ እንታይ እዩ ኺፈልጥ፧

14 ጎግ በቲ ወተሃደራዊ ሓይሊ ዝዀነ “ቕልጽም ስጋ” ኺእመን እዩ። (2 ዜና 32:8) ንሕና ግና ብየሆዋ ኣምላኽና ኽንእመን ኢና፣ እዚ ኸኣ ንኣህዛብ ዕሽነት እዩ ዚመስሎም። ከመይሲ፡ ኣማልኽቲ እታ ሓያል ዝነበረት ዓባይ ባቢሎን እኳ፡ ካብቲ ‘ኣራዊትን ዓሰርተ ቐርኑን’ ከም ዘየድሓንዋ ኣህዛብ ኪርእዩ እዮም። (ራእ. 17:16) ስለዚ፡ ጎግ ብቐሊሉ ኺዕወት ትጽቢት ኪገብር እዩ። “ከምቲ ደበናታት ነታ ምድሪ ዚኸድና” ዀይኑ ድማ፡ ኣብ ህዝቢ የሆዋ መጥቃዕቲ ኺፍኑ እዩ። (ህዝ. 38:16) እንተዀነ ግና፡ ጎግ ነዊሕ ከይጸንሐ ናብ መጻወድያ ኸም ዝኣተወ ኺርኢ እዩ። ከምቲ ፈርኦን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝዀኖ፡ ጎግ እውን ምስ የሆዋ ይዋጋእ ከም ዘሎ ኺፈልጥ እዩ።—ዘጸ. 14:1-4፣ ህዝ. 38:3, 4, 18, 21-23

15. ብኸመይ እዩ ክርስቶስ ምሉእ ዓወት ዚረክብ፧

15 ክርስቶስን ሰማያዊ ሰራዊቱን ንህዝቢ ኣምላኽ ኪከላኸሉሎምን ንጭፍራታት ጎግ ኬጥፍእዎምን እዮም። (ራእ. 19:11, 14, 15) ግናኸ፡ እቲ ብፕሮፓጋንዳኡ ገይሩ ንኣህዛብ ናብ ኣርማጌዶን ዝመርሖም ቀንዲ ጸላኢ የሆዋ ዝዀነ ሰይጣን እንታይ ኪኸውን እዩ፧ የሱስ ንዕኡን ንኣጋንንቱን ናብ መዓሙቝ ኪድርብዮም እዩ፣ ኣብኡ ድማ ሽሕ ዓመት ኪእሰሩ እዮም።—ራእ. 20:1-3

ከመይ ጌርና ኢና ኻብ ኣርማጌዶን ክንድሕን እንኽእል፧

16. (ሀ) ከመይ ጌርና ኢና ‘ንኣምላኽ ከም እንፈልጦ’ እነርኢ፧ (ለ) ንየሆዋ ምፍላጥና ኣብ ኣርማጌዶን በረኸት ዝዀነና ስለምንታይ እዩ፧

16 ኣብ ሓቂ ንነዊሕ ዓመታት ዝጸናሕና ንኹን ኣይንኹን ብዘየገድስ፡ ካብ ኣርማጌዶን ንምድሓን፡ ‘ንኣምላኽ ከም እንፈልጦ’ ኸነርእን ‘ንብስራት ጐይታና የሱስ ኽንእዘዞን’ ኣሎና። (2 ተሰ. 1:7-9) ንኣምላኽ ንምፍላጥ፡ ንሱ ዚፈትዎን ዚጸልኦን ነገራት ኰነ መለክዒታቱ ኽንፈልጥ ኣሎና። ንዕኡ እነፍቅሮን እንእዘዞን ንበይኑ ተወፋይነት እንህቦን እንተ ዄንና እውን፡ ከም እንፈልጦ ነርኢ ኢና። (1 ዮሃ. 2:3-5፣ 5:3) ንኣምላኽ እንተ ፈሊጥናዮ፡ ‘ብእኡ ኽንፍለጥ’ ኢና፣ ንሱ እንተ ፈሊጡና ኸኣ፡ ካብ ኣርማጌዶን ክንድሕን ኢና! (1 ቈረ. 8:3) ብኸመይ፧ ምኽንያቱ፡ እቲ ‘ብእኡ ዚፍለጥ’ ዘበለ፡ ስምረት ኣምላኽ ይረክብ እዩ።

17. ‘ንብስራት ጐይታና የሱስ ንእዘዞ’ ኺብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧

17 “ብስራት ጐይታና የሱስ” ንዅሉ እቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ የሱስ ዝመሃሮ ሓቅታት የጠቓልል። ነቲ ብስራት ኣብ ህይወትና ኽንዓይየሉ ኸለና ኸኣ፡ ንእዘዞ ኺብሃል ይከኣል እዩ። እቲ ተኣዛዝነት ድማ ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ቀዳማይ ቦታ ምሃብን በቲ ኣምላኽ ዝሰርዖ መለክዒታት ጽድቂ ምምልላስን ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ምስባኽን የጠቓልል እዩ። (ማቴ. 6:33፣ 24:14) እቶም ቅቡኣት ኣሕዋት ክርስቶስ ነቲ ኸቢድ ሓላፍነታቶም ኪስከሙ ኸለዉ፡ ንዓታቶም ምድጋፍ እውን የጠቓልል እዩ።—ማቴ. 25:31-40

18. እቶም ቅቡኣት ኣሕዋት ክርስቶስ ነቲ እተገብረሎም ጽቡቕ ከመይ ገይሮም እዮም ውሬታ ኺመልሱ ዚኽእሉ፧

18 እቶም ቅቡኣት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ድሕሪ ሓጺር እዋን ነቲ እቶም “ካልኦት ኣባጊዕ” ዝገበሩሎም ጽቡቕ ነገር ውሬታ ኺመልሱ እዮም። (ዮሃ. 10:16) ብኸመይ፧ ውግእ ኣርማጌዶን ቅድሚ ምጅማሩ፡ ኵሎም እቶም 144,000 ዘይሞቱ መንፈሳውያን ፍጡራት ኰይኖም ናብ ሰማይ ኪትንስኡ እዮም። ሽዑ ድማ ክፍሊ እቲ ንጎግ ጨፍሊቑ ነቶም ብኣባጊዕ እተመሰሉ “ብዙሓት ህዝቢ” ዜዕቍቡ ሰማያዊ ሰራዊት ኪዀኑ እዮም። (ራእ. 2:26, 27፣ 7:9, 10) እወ፡ እቶም ብዙሓት ህዝቢ ነቶም ቅቡኣት ኣገልገልቲ የሆዋ ገና ኣብ ምድሪ ኸለዉ ኺድግፍዎም ምኽኣሎም፡ ብሓቂ ዓብዪ ኽብሪ ገይሮም እዮም ዚርእይዎ!

መወዳእታ እናቐረበ ኪኸይድ ከሎ ኸመይ ጌርና ኢና ተኣማንነትና ኽንሕሉ እንኽእል፧

19-20. ፈተናታት እኳ እናኣጋጠመና፡ ኣርማጌዶን እናቐረበት ምስ ከደት ከመይ ጌርና ኢና ተኣማንነትና ኽንሕሉ እንኽእል፧

19 ኣብዘን ጽንኩራት ዳሕሮት መዓልትታት፡ ብዙሓት ህዝቢ የሆዋ ፈተናታት የጋጥሞም ኣሎ። ይኹን እምበር፡ ብሓጐስ ክንጻወር ንኽእል ኢና። (ያእ. 1:2-4) ሓደ ኻብቲ ዚሕግዘና ወሳኒ ነገር፡ ጸኒዕና እነቕርቦ ልባዊ ጸሎት እዩ። (ሉቃ. 21:36) ቃል ኣምላኽ፡ እንተላይ እቲ ብዛዕባ ግዜና ዚገልጽ ዜደንቕ ትንቢታት መዓልቲ መዓልቲ ብምጽናዕን ብዛዕባኡ ብምስትንታንን ከኣ፡ ምስቲ ጸሎትና ዚሳነ ነገር ክንገብር ኣሎና። (መዝ. 77:12) እዚ ንጥፈታት እዝን ኣብ ኣገልግሎት እንገብሮ ምሉእ ተሳትፎን፡ ንእምነትና ኼደልድላን ንተስፋና ህያው ኪገብራን እዩ።

20 ዓባይ ባቢሎን ምስ ጠፍአትን ውግእ ኣርማጌዶን ምስ ተወድአን ክሳዕ ክንደይ ከም እትሕጐስ እሞ ሕስብ ኣብሎ! ልዕሊ ዅሉ ድማ፡ ስም ኣምላኽን ልዑላውነቱን ቅኑዕ ምዃኑ ምስ ተረጋገጸ ኽሳዕ ክንደይ ዓሚቝ ሓጐስ ከም ዚስምዓካ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ! (ህዝ. 38:23) እወ፡ ኣርማጌዶን ነቶም ንኣምላኽ ዚፈልጥዎን ነቶም ንወዱ ዚእዘዝዎን ነቶም ክሳዕ መወዳእታ ዚጻወሩን ብስራት እያ።—ማቴ. 24:13

መዝሙር 143 ወትሩ ንዕየ፡ ንጸበ፡ ንቋመት

^ ሕ.ጽ. 5 ህዝቢ የሆዋ ኻብ ቀደም ኣትሒዞም ንኣርማጌዶን ይጽበይዋ እዮም። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ኣርማጌዶን እንታይ ምዃናን ናብ ኣርማጌዶን ዚመርሕ እንታይ ምዃኑን መወዳእታ እናቐረበ ኪኸይድ ከሎ ኸመይ ጌርና ተኣማንነትና ኸም እንሕሉን ክንርኢ ኢና።

^ ሕ.ጽ. 71 መግለጺ ስእሊ፦ ኣብ ከባቢና ዚኸውን መስተንክር ፍጻመታት። ሽዑ፡ (1) ኣገልግሎትና ኽሳዕ እተኻእለና ኽንቅጽሎ ኢና፡ (2) መጽናዕትና ኣይከነቋርጽን ኢና፡ (3) ብቐጻሊ ኣብ ዕቝባ የሆዋ ኽንውከል ኢና።

^ ሕ.ጽ. 85 መግለጺ ስእሊ፦ ኣባላት ፖሊስ ናብ እንዳ ሓደ ክርስትያን ስድራ ቤት ጥሒሶም ኪኣትዉ ይዳለዉ፣ እቶም ስድራ ቤት ከኣ የሱስን መላእኽቱን ነቲ ዚኸውን ዘሎ ኸም ዚፈልጥዎ ይተኣማመኑ።