ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 35

የሆዋ ንትሑታት ኣገልገልቱ ኣኽቢሩ ይርእዮም

የሆዋ ንትሑታት ኣገልገልቱ ኣኽቢሩ ይርእዮም

“የሆዋ . . . ንትሑት የስተብህለሉ።”—መዝ. 138:6

መዝሙር 48 ምስ የሆዋ ንመላለስ

መላለዪ *

1. የሆዋ ብዛዕባ ትሑታት እንታይ ይስምዖ፧ ግለጽ።

የሆዋ ትሑታት ሰባት ይፈቱ እዩ። እቶም ብሓቂ ትሑታት ዝዀኑ ጥራይ እዮም ምስኡ ኣብ ፍቕሪ እተመስረተ ብሕታዊ ርክብ ኪህልዎም ዚኽእል። “ንዕቡይ ግና ካብ ርሑቕ ጥራይ እዩ ዚፈልጦ።” (መዝ. 138:6) ኵላትና ንየሆዋ ባህ ከነብሎን ፍቕሩ ኽንረክብን ንደሊ ኢና፣ ስለዚ፡ ትሕትና ንምምዕባል ዚድርኸና ጽቡቕ ምኽንያታት ኣሎና።

2. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ብዛዕባ እንታይ ኢና ኽንመያየጥ፧

2 ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ነዚ ሰለስተ ሕቶታት መልሲ ኽንረኽበሉ ኢና፦ (1) ትሕትና እንታይ እያ፧ (2) ነዛ ባህርይ እዚኣ ኸነማዕብላ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ (3) እንታይ ኵነታት እዩ ንትሕትናና ኺፍትና ዚኽእል፧ ቀጺልና ኸም እንርእዮ፡ ትሕትና እንተ ኣማዕቢልና፡ ንልቢ የሆዋ ሓጐስ ነምጽኣሉ ኢና፡ ገዛእ ርእስና እውን ንጠቅም ኢና።—ምሳ. 27:11፣ ኢሳ. 48:17

ትሕትና እንታይ እያ፧

3. ትሕትና እንታይ እያ፧

3 ትሕትና ዘይምዅራዕ ወይ ዘይምዕባይ ማለት እያ። ትሑት ሰብ ምስ የሆዋ ኣምላኽ ኰነ ምስ ሰብ ጽቡቕ ርክብ ከም ዚህልዎ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። ካልእ ሰብ ብገለ ኻብኡ ኸም ዚበልጽ ይእመን እዩ።—ፊል. 2:3, 4

4-5. ናይ ሓቂ ትሕትና በቲ መሲልና እንርኣዮ ኺልካዕ ዘይብሉ ስለምንታይ እዩ፧

4 ገሊኦም ሰባት ትሑታት መሲሎም ጥራይ እዮም ዚርኣዩ። ብተፈጥሮኦም ሓፋራት ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ብምኽንያት ባህሎም ወይ ኣተዓባብያኦም ሰብ የኽብሩ ወይ እሩማት ይዀኑ እዮም። ኣብ ውሽጦም ግና፡ ኣዝዮም ዕቡያት ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ዝዀነ ዀይኑ፡ ኣብ ልቦም ዘሎ መንነት ከይተቐልዐ ኣይተርፍን እዩ።—ሉቃ. 6:45

5 በቲ ሓደ ሸነኽ ከኣ፡ ብርእሶም ዚተኣማመኑን ሓሳቦም ብግሁድ ዚዛረቡን ሰባት ግድን ዕቡያት እዮም ማለት ኣይኰነን። (ዮሃ. 1:46, 47) ኰይኑ ግና፡ ደፋራት ሰባት ኣብ ተፈጥሮኣዊ ኽእለቶም ከይምርኰሱ ጥንቃቐ ኺገብሩ ኣለዎም። ብተፈጥሮና ደፋራት ንኹን ወይ ሓፋራት፡ ኵላትና ትሑት ልቢ ንምምዕባል ጻዕሪ ኽንገብር ኣሎና።

ሃዋርያ ጳውሎስ ትሑትን ንርእሱ ኽብ ዘየብልን እዩ ነይሩ (ሕጡብ ጽሑፍ 6 ርአ) *

6. ኣብ 1 ቈረንቶስ 15:10 ተገሊጹ ኸም ዘሎ፡ ካብ ኣብነት ሃዋርያ ጳውሎስ እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧

6 ንሃዋርያ ጳውሎስ እስከ ኸም ኣብነት ንውሰዶ። የሆዋ ንዕኡ ኣብ ከከተማኡ ሓደስቲ ጉባኤታት ንምቛም ብዙሕ ተጠቒሙሉ እዩ። ኣብ ኣገልግሎት ከኣ ካብ ካልኦት ሃዋርያት የሱስ ክርስቶስ ንላዕሊ ዓሚሙ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግና፡ ጳውሎስ ንርእሱ ኣብ መንጎ ኣሕዋቱ ኽብ ኣየበለን። የግዳስ፡ “ኣነስ ካብ ኵሎም ሃዋርያት ዝነኣስኩ እየ፣ ንጉባኤ ኣምላኽ ስለ ዝሰጐጕክዋ ኸኣ፡ ሃዋርያ ኽብሃል ብቑዕ ኣይኰንኩን” ኢሉ ብትሕትና ጽሒፉ እዩ። (1 ቈረ. 15:9) ድሕሪኡ፡ ነቲ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዘለዎ ጽቡቕ ስም፡ ብባህርያቱ ወይ ብጻዕሩ ዘይኰነስ፡ ብጸጋ ኣምላኽ ከም ዝረኸቦ ብምግላጽ ቅኑዕ ዘረባ ተዛሪቡ እዩ። (1 ቈረንቶስ 15:10 ኣንብብ።) ናብ ሰብ ቈረንቶስ ኣብ ዝጸሓፈን ደብዳበታቱ ብዛዕባ ትሕትና ጽቡቕ ትምህርቲ ሂቡ እዩ። ዋላ እኳ ገሊኦም ኣብ ጉባኤ ቈረንቶስ ዝነበሩ ሰባት ካብኡ ኸም ዚበልጹ ኼርእዩ ይጽዕሩ እንተ ነበሩ፡ ኣብ ደብዳበታቱ ግና ብርእሱ ኣይተመክሐን።—2 ቈረ. 10:10

ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ኰይኑ ዘገልገለ ካርል ክለይን ትሑት ሓው እዩ ነይሩ(ሕጡብ ጽሑፍ 7 ርአ)

7. ኣብዚ ግዜና፡ ገሊኦም ፍሉጣት ኣሕዋት ብኸመይ እዮም ትሕትና ኣርእዮም፧ ኣብነት ሃብ።

7 ብዙሓት ህዝቢ የሆዋ ብታሪኽ ህይወት እቲ ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ኰይኑ ዘገልገለ ሓውና ካርል ክለይን ተተባቢዖም እዮም። ሓውና ክለይን ኣብ ታሪኽ ህይወቱ ብዙሕ ብድሆታት ከም ዘጋጠሞ ገሊጹ እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ 1920ታት ኣብቲ ኣብ በቤት እናኸድካ ዚግበር ኣገልግሎት ንፈለማ ግዜ ምስ ተኻፈለ ኣመና ስለ ዝኸበዶ፡ ንኽልተ ዓመት መሊሱ ኣብኡ ኣይተሳተፈን። ደሓር፡ ኣብ ቤት-ኤል ኣብ ዜገልግለሉ ዝነበረ እዋን ከኣ፡ ምኽሪ ምስ ተዋህቦ ንእተወሰነ ግዜ ቕር ኢልዎ ነይሩ እዩ። ብዘይካዚ፡ ናይ ኣእምሮ ሕማም ኣጋጢምዎን ካብኡ ሓውዩን ነይሩ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ብዙሕ ዜደንቕ ፍሉይ መሰላት እውን ረኺቡ እዩ። እዚ ፍሉጥ ሓው እዚ ነዚ ድኽመታቱ ብቕንዕና ንምግላጽ ክሳዕ ክንደይ ትሑት ኪኸውን ከም ዘድለዮ እሞ ንሕሰብ! ብዙሓት ኣሕዋትን ኣሓትን ንሓውና ክለይንን ነቲ ብግልጺ ዝተረኾ ታሪኽ ህይወቱን ብጽቡቕ ይዝክርዎ እዮም። *

ትሕትና ኸነማዕብል ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

8. ትሕትና ንየሆዋ ባህ ከም እተብሎ፡ ኣብ 1 ጴጥሮስ 5:6 ብኸመይ ተገሊጹ ኣሎ፧

8 ትሕትና እነማዕብለሉ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ምኽንያት፡ ትሕትና ንየሆዋ ባህ እተብሎ ስለ ዝዀነት እያ። ሃዋርያ ጴጥሮስ ነዚ ብንጹር ገሊጽዎ ኣሎ። (1 ጴጥሮስ 5:6 ኣንብብ።) “ንዓ ስዓበኒ” ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ብዛዕባ እዚ ቓላት ጴጥሮስ ከምዚ ዚብል ሓሳብ ትህብ፦ “ትዕቢት ከም መርዚ እያ። እተስዕቦ ሳዕቤን ጐዳኢ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ንሓደ ብዙሕ ተውህቦ ዘለዎ ሰብ፡ ንኣምላኽ ከም ዘይጠቅም ክትገብሮ እትኽእል ባህርይ እያ። በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን ትሕትና ንሓደ ዝነኣሰ ሰብ እውን እንተ ዀነ፡ ንየሆዋ ኣዝዩ ጠቓሚ ትገብሮ እያ። . . . ንስኻ እውን ትሕትና እንተ ኣርኢኻ፡ ኣምላኽና . . . ዓስብኻ ኺህበካ እዩ።” * እሞ ደኣ ንልቢ የሆዋ ኻብ ምሕጓስ ዚዓቢዶ ኽንረክብ ንኽእል ኢና፧—ምሳ. 23:15

9. ትሕትና እንተ ኣልዩና፡ ሰባት ናባና ዚስሓቡ ብኸመይ እዮም፧

9 ትሕትና ኸነማዕብል ከለና፡ ንየሆዋ ኣብ ርእሲ ምሕጓስ፡ ብዙሕ ጥቕምታት እውን ንረክብ ኢና። ትሕትና እንተ ኣልዩና፡ ሰባት ናባና ይስሓቡ እዮም። ነዚ ምእንቲ ኺርድኣካ፡ ገዛእ ርእስኻ ኣብ ቦታ ኻልኦት ጌርካ ሕሰብ። (ማቴ. 7:12) ወትሩ ‘ኣነ ዝበልክዎ ይኹን’ ዚብልን ካብ ካልኦት ሓሳብ ዘይቅበልን ሰብ ኣይንፈቱን ኢና። ብኣንጻሩ ግና፡ ምስቶም ‘ደንገጽቲ፡ ሕውነታዊት ፍቕሪ ዘላቶም፡ ርሕሩሓት፡ ትሑታት’ ዝዀኑ ክርስትያናት ብጾትና ዘሎና ርክብ ባህ የብለና እዩ። (1 ጴጥ. 3:8) እምበኣር፡ በዞም ከምዚ ዝኣመሰሉ ሰባት ንስሓብ ካብ ኰንና፡ ንሕና ትሑታት ክሳዕ ዝዀንና ንሳቶም እውን ናባና ኺስሓቡ እዮም።

10. ትሕትና ንህይወትና እተቕልለልና ብኸመይ እያ፧

10 ትሕትና ንህይወትና እውን ተቕልለልና እያ። ኣብ ህይወትና ቕኑዕ ወይ ፍትሓዊ ዘይኰነ ነገር ንርኢ ኢና። እቲ ጥበበኛ ንጉስ ሰሎሞን፡ “ገላዉ ብኣፍራስ፡ መሳፍንቲ ግና ከም ገላዉ ብእግሮም ኪኸዱ ኸለዉ ረኣኹ” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ። (መክ. 10:7) እቶም ብሉጽ ክእለት ዘለዎም ኣይኰኑን ወትሩ ዚንኣዱ። ሓድሓደ ግዜ፡ ነቶም ዝተሓተ ኽእለት ዘለዎም ዝያዳ ኽብሪ ይውሃቦም እዩ። ይኹን እምበር፡ ኣብቲ ኣሉታዊ ነገራት ካብ ምትኳር፡ ነቲ ዘሎ ዅነታት ተቐቢልካዮ ምኻድ ከም ዚሓይሽ ሰሎሞን ገሊጹ ኣሎ። (መክ. 6:9) ትሑታት እንተ ዄንና፡ ህይወት ከምቲ ኽትኰኖ ዚግባእ ዘይኰነስ፡ ከም ዘላቶ ምቕባላ ይቐልለና እዩ።

እንታይ ኵነታት እዩ ንትሕትናና ኺፍትና ዚኽእል፧

ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ንትሕትናና ኺፍትና ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 11-12 ርአ) *

11. ምኽሪ ኺውሃበና ኸሎ እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧

11 መዓልቲ መዓልቲ፡ ትሕትና ኸነርእየሉ እንኽእል ብዙሕ ኣጋጣሚታት የጓንፈና እዩ። ሒደት ኵነታት እስከ ንርአ። ምኽሪ ምስ ዚውሃበና። ሓደ ሰብ ግዜ ወሲዱ ኺእርመና እንተ ፈቲኑ፡ ካብቲ ዝሓሰብናዮ ንላዕሊ ኣንፈትና ስሒትና ኽንከውን ንኽእል ኢና። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ እዋናት፡ ኣብ ፈለማ ነቲ ምኽሪ ኽንቅበሎ ኣይንደልን ንኸውን። ነቲ ምኽሪ ዝሃበና ሰብ ወይ ነቲ ምኽሪ ዝሃበሉ መገዲ ንነቕፎ ንኸውን። ትሑታት እንተ ዄንና ግና፡ ሚዛንና ኽንሕሉ ንጽዕር ኢና።

12. ብመሰረት ምሳሌ 27:5, 6፡ ምኽሪ ንዚህበና ሰብ ከነመስግኖ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ ብምሳሌ ኣረድእ።

12 ትሑት ሰብ ንዚውሃቦ ምኽሪ የመስግነሉ እዩ። ነዚ ብምሳሌ ንምብራህ፦ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባ ኸም ዘለኻ ጌርካ እሞ ሕሰብ። ምስ ገሊኦም ክርስትያናት ብጾትካ ኸተዕልል ድሕሪ ምጽናሕካ፡ ሓደ ኻባታቶም ንበይንኻ ፈልዩ ኣብ ስንኻ ምግቢ ተለጢፉ ኸም ዘሎ ይነግረካ። እዚ መሸም የሕፍረካ እዩ። ግናኸ፡ ስለ ዝነገረካስ ኣይመመስገንካዮንዶ፧ መሕልፎ እኳ ደኣስ፡ ሓደ ሰብ ኣቐዲሙ እንተ ዚነግረካ ደስ ምበለካ! ብተመሳሳሊ እምበኣር፡ ነቲ ምኽሪ ኣብ ዜድልየና እዋን ተቢዑ ዚመኽረና ክርስትያን ብጻይና ብትሕትና ኸነመስግኖ ኣሎና። ነቲ ሰብ እቲ ኸም ፈታዊና ደኣ እምበር ከም ጸላኢና ጌርና ኣይንርእዮን ኢና።—ምሳሌ 27:5, 6 ኣንብብ፣ ገላ. 4:16

ካልኦት ፍሉይ መሰል ኣገልግሎት ኪውሃቦም ከሎ ትሕትና ዜድልየና ስለምንታይ እዩ፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 13-14 ርአ) *

13. ካልኦት ፍሉይ መሰላት ኣገልግሎት ኪውሃቦም ከሎ፡ ከመይ ጌርና ኢና ትሑታት ክንከውን እንኽእል፧

13 ካልኦት ፍሉይ መሰላት ኣገልግሎት ምስ ዚውሃቦም። ጄሰን ዝስሙ ሽማግለ፡ “ካልኦት ፍሉይ መሰላት ኪውሃቦም ከሎ፡ ሓድሓደ ግዜ ኣነ ስለምንታይ ከም ዘይተሓረኹ እሓስብ እየ” ኢሉ ተኣሚኑ ኣሎ። ከምኡ ተሰሚዑካዶ ይፈልጥ፧ ዝዓበየ ፍሉይ መሰላት ኣገልግሎት ንምርካብ ‘ምምጥጣር’ ጌጋ ኣይኰነን። (1 ጢሞ. 3:1) ንሓሳብና ግና ክንጥንቀቐሉ ኣሎና። እንተ ዘይተጠንቂቕና፡ ኣብ ልብና ትዕቢት ኪዓቢ ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ሓደ ክርስትያን ሰብኣይ ንሓደ ዕዮ ብቕዓት ዘለዎ ንሱ ኸም ዝዀነ ገይሩ ኺሓስብ ይኽእል እዩ። ሓንቲ ክርስትያን ሓብቲ እውን፡ ‘ሰብኣየይ ካብ እገለ ንላዕሊ ብቕዓት ኣለዎ’ ኢላ ኽትሓስብ ትኽእል እያ። ይኹን እምበር፡ ብሓቂ ትሑታት እንተ ዄንና፡ ካብ ከምዚ ዝበለ መንፈስ ትዕቢት ንርሕቕ ኢና።

14. ካብቲ ሙሴ፡ ካልኦት ሰባት ፍሉይ መሰላት ኣብ ዝረኸቡሉ እዋን ዝሃቦ ምላሽ እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧

14 ካብቲ ሙሴ፡ ካልኦት ሰባት ፍሉይ መሰላት ኣብ ዝረኸቡሉ እዋን ዝሃቦ ምላሽ ክንምሃር ንኽእል ኢና። ሙሴ ነቲ ንህዝቢ እስራኤል ንምምራሕ ዝነበሮ ሓላፍነት ኣኽቢሩ እዩ ዚርእዮ ነይሩ። ኰይኑ ግና፡ የሆዋ ንኻልኦት ሰባት ምስ ሙሴ ዀይኖም ኬገልግሉ ኽእለት ምስ ሃቦም፡ ሙሴ እንታይ ምላሽ እዩ ሂቡ፧ በዚ ኣይቀንአን። (ዘሁ. 11:24-29) ነቲ ኣብ ልዕሊ እቶም ህዝቢ ኸም ፈራዲ ዀይኑ ዝዓይዮ ዝነበረ ዕዮ ምእንቲ ኺሕግዝዎ ንኻልኦት ብትሕትና ፈቒዱሎም እዩ። (ዘጸ. 18:13-24) እዚ ኸኣ ንእስራኤላውያን ዝሓሸ ኣገልግሎት ኪረኽቡ ኣኽኢልዎም እዩ። በዚ ኸምዚ ድማ፡ ሙሴ ንፍሉይ መሰላቱ ኻብ ጥቕሚ ኻልኦት ኣየቐደመን። እዝስ ንዓና ኸመይ ዝበለ ሰናይ ኣብነት ኰን እዩ! ንየሆዋ ብሓቂ ኽንጠቕሞ እንተ ደሊና፡ ትሕትናና ኻብ ክእለትና ኽትበልጽ ከም ዘለዋ ኣይንረስዕ። “የሆዋ ልዑል እኳ እንተ ዀነ፡ ንትሑት የስተብህለሉ” እዩ።—መዝ. 138:6

15. ንብዙሓት ክርስትያናት እንታይ ሓድሽ ኵነታት እዩ ኣጋጢምዎም፧

15 ሓድሽ ኵነታት ምስ ዜጋጥመና። ኣብ ቀረባ ግዜያት፡ ንሓያሎ ዓመታት ዘገልገሉ ብዙሓት ክርስትያናት ናይ ምድብ ለውጢ ተዋሂብዎም እዩ። ንኣብነት፡ ብ2014 ሓለውቲ ኣውራጃን ኣንስቶምን ኣብ ካልእ ዓይነት ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ኬገልግሉ ጻውዒት ቀሪቡሎም እዩ። ካብታ ዓመት እቲኣ ኣትሒዙ ኸኣ፡ ሓለውቲ ወረዳ 70 ዓመት ዝዕድሚኦም ምስ ኰኑ፡ ነቲ ዕዮኦም ኬቋርጹ ተወሲኑ እዩ። ደቂ 80 ወይ ካብኡ ንላዕሊ ዝዀኑ ኣሕዋት ድማ፡ ድሕሪ ደጊም ኣብ ጉባኤ ኣተሓባባሪ ኣካል ሽማግለታት ኰይኖም ኣየገልግሉን እዮም። ብዘይካዚ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት፡ ብዙሓት ኣባላት ስድራ ቤት-ኤል ካብ ቤት-ኤል ወጻኢ ኼገልግሉ ተመዲቦም እዮም። ገሊኦም ከኣ ብሰንኪ ጸገማት ጥዕና፡ ሓላፍነት ስድራ ቤት፡ ወይ ካልእ ብሕታዊ ዅነታት፡ ፍሉይ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ኬቋርጹ ተገዲዶም እዮም።

16. ኣሕዋትናን ኣሓትናን ነቲ ሓድሽ ኵነታቶም ኪለምድዎ ኸለዉ ትሕትና ዘርኣዩ ብኸመይ እዮም፧

16 እዚ ለውጥታት እዚ ነዞም ኣሕዋትን ኣሓትን እዚኦም ቀሊል ኣይነበረን። ነቲ ንዓመታት ዚዓይይዎ ዝነበሩ ዕዮ ይፈትውዎ ነይሮም እዮም። ገሊኦም ከኣ ነቲ ሓድሽ ኵነታቶም ክሳዕ ዚለምድዎ፡ “ሓዘን” ተሰሚዕዎም እዩ። ጸኒሖም ግና፡ ምትዕርራይ ኪገብሩ ኽኢሎም እዮም። ስለምንታይ፧ ልዕሊ ዅሉ፡ ስለቲ ንየሆዋ ዘለዎም ፍቕሪ እዩ። ንሓደ ስራሕ፡ ንሓደ ሽመት፡ ወይ ንሓደ ዕዮ ዘይኰነስ፡ ንኣምላኽ ከም እተወፈዩ ይፈልጡ እዮም። (ቈሎ. 3:23) ንየሆዋ ብዝዀነ ይኹን መገዲ ብትሕትና ኼገልግልዎ ምኽኣሎም የሐጕሶም እዩ። ንሱ ኸም ዚሓልየሎም ስለ ዚፈልጡ፡ ‘ንዅሉ ጭንቀቶም ናብኡ ይድርብይዎ እዮም።’—1 ጴጥ. 5:6, 7

17. ቃል ኣምላኽ፡ ትሕትና ኸነማዕብል ዜተባብዓና ምዃኑ ኸነመስግን ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

17 ቃል ኣምላኽ፡ ትሕትና ኸነማዕብል ዜተባብዕና ምዃኑስ ከነመስግንዶ ኣይግባእን፧ ነዛ ተፈታዊት ባህርይ እዚኣ ኸነማዕብል ከለና፡ ንርእስናን ንኻልኦትን ንጠቅም ኢና። ኣብ ህይወት ንዜጋጥም ብድሆታት ክንጻወሮ ተኽእለና ኢና። ልዕሊ ዅሉ ኸኣ፡ ናብ ሰማያዊ ኣቦና ብዝያዳ ንቐርብ ኢና። ንሱ “እቲ ልዑልን እቲ ኽብ ዝበለን” እኳ እንተ ዀነ፡ ንትሑታት ኣገልገልቱ ኸም ዜፍቅሮምን ኣኽቢሩ ኸም ዚርእዮምን ምፍላጥና ብዙሕ የሐጕሰና እዩ።—ኢሳ. 57:15

መዝሙር 45 ምስትንታን ልበይ

^ ሕ.ጽ. 5 ሓንቲ ኻብተን ከነማዕብለን ዘሎና ኣዝየን ኣገደስቲ ባህርያት፡ ትሕትና እያ። ትሕትና እንታይ እያ፧ ስለምንታይ ኢና ኸነማዕብላ ዘሎና፧ ለውጥታት ንትሕትናና ዚፍትናኸ ብኸመይ እዩ፧ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ነዚ ኣገዳሲ ሕቶታት ክንመያየጠሉ ኢና።

^ ሕ.ጽ. 7 ኣብ ናይ 1 ጥቅምቲ 1984 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ዝወጸት፡ “የሆዋ ኺሒሱኒ እዩ” ዘርእስታ ዓንቀጽ፡ ከምኡ ድማ ኣብ ናይ 1 ግንቦት 2001 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸት፡ “የሆዋ ብዙሕ ጽቡቕ ገይሩለይ ኢዩ!” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

^ ሕ.ጽ. 53 መግለጺ ስእሊ፦ ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ እንዳ ሓደ ሓው፡ ብትሕትና ምስ ካልኦት ሰባት፡ እንተላይ ምስ ቈልዑ ይቀራረብ።

^ ሕ.ጽ. 57 መግለጺ ስእሊ፦ ሓደ ሓው ብዕድመ ኻብ ዚንእሶ ኻልእ ሓው መጽሓፍ ቅዱሳዊ ምኽሪ ይቕበል።

^ ሕ.ጽ. 59 መግለጺ ስእሊ፦ እቲ ብዕድመ ዝነኣሰ ሓው ኣብ ጉባኤ ፍሉይ መሰል ተዋሂብዎ ኼገልግል ከሎ፡ እቲ ብዕድመ ዝዓበየ ሓው ብእኡ ኣይቀንእን።