ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 38

ንግዜ ሰላም ብጥበብ ተጠቐመሉ

ንግዜ ሰላም ብጥበብ ተጠቐመሉ

“የሆዋ ዕረፍቲ ስለ ዝሃቦ፡ እታ ምድሪ ሃዲኣ ነበረት፡ በተን ዓመታት እቲአን እውን ውግእ ኣይነበሮን።”—2 ዜና 14:6

መዝሙር 60 ህይወት ነድሕን

መላለዪ *

1. ንየሆዋ ምግልጋል ኣጸጋሚ ዚዀነሉ እዋን መዓስ ኪኸውን ይኽእል፧

ንየሆዋ ምግልጋል ልዕሊ ዅሉ ኣጸጋሚ ዚዀነሉ እዋን መዓስ ይመስለካ—ከቢድ ጸገማት ኪህልወካ ኸሎዶ ወይስ ተዛማዲ ሰላም ኪህልወካ ኸሎ፧ ጸገማት ኬጋጥመና ኸሎ፡ ብቐሊሉ ናብ የሆዋ ንጽጋዕ ኢና። ህይወትና ሰላማዊ ኪኸውን ከሎ ግና እንታይ ኢና እንገብር፧ ንኣምላኽ ምግልጋል ንርስዖ ዲና፧ የሆዋ ንእስራኤላውያን፡ ከይርስዕዎ ኣጠንቂቕዎም ነይሩ እዩ።—ዘዳ. 6:10-12

ንጉስ ኣሳ ኣንጻር ናይ ሓሶት ኣምልኾ ወሳኒ ስጕምቲ ወሲዱ (ሕጡብ ጽሑፍ 2 ርአ) *

2. ንጉስ ኣሳ እንታይ ኣብነት እዩ ሓዲጉ፧

2 ንጉስ ኣሳ ምሉእ ብምሉእ ኣብ የሆዋ ብምውካል ብጥበብ ስለ እተመላለሰ፡ ብሉጽ ኣብነት ኪዀነና ይኽእል እዩ። ንየሆዋ ብግዜ ሽግር ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብግዜ ሰላም እውን ኣገልጊልዎ እዩ። ካብ መጀመርታ ኣትሒዙ፡ ‘ልቢ ኣሳ ምሉእ ብምሉእ ምስ የሆዋ እዩ ነይሩ።’ (1 ነገ. 15:14) ሓደ ኻብቲ ኣሳ ተወፋይነቱ ዘርኣየሉ መገድታት ከኣ፡ ናይ ሓሶት ኣምልኾ ኻብ ይሁዳ ብምጽራይ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ናይ ጓኖት መሰውኢታትን በረኽትን ኣወገደ፡ ሓወልትታት ኣምልኾ ሰባበረ፡ ኣዕኑድ ኣምልኾ እውን ቈረጸ” ይብል። (2 ዜና 14:3, 5) ንዓባዩ ማዓካ ድማ ካብቲ ኸም ኣደ ንጉስ ዝነበራ ስልጣን ስዒርዋ እዩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ኣምልኾ ጣኦት ተተባብዕ ነይራ እያ።—1 ነገ. 15:11-13

3. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ኢና ኽንምርምር፧

3 ኣሳ ንናይ ሓሶት ኣምልኾ ኻብ ምጽራይ ንላዕሊ ገይሩ እዩ። መንግስቲ ይሁዳ ናብ የሆዋ ኽትምለስ ብምሕጋዝ፡ ንጹህ ኣምልኾ ኣስፋሕፊሑ እዩ። የሆዋ ንኣሳን ንእስራኤላውያን፡ ግዜ ሰላም ብምሃብ ባሪኽዎም እዩ። * ብዘመን ንግስና ኣሳ ድማ፡ ንዓሰርተ ዓመት “እታ ምድሪ ሃዲኣ ነበረት።” (2 ዜና 14:1, 4, 6) ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ኣሳ ንግዜ ሰላም ብኸመይ ከም እተጠቕመሉ ኽንርኢ ኢና። ድሕሪኡ፡ እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ከም ኣሳ ንግዜ ሰላም ብኸመይ ከም እተጠቕሙሉ ኽንርኢ ኢና። ኣብ መወዳእታ፡ ነዛ ሕቶ እዚኣ መልሲ ኽንረኽበላ ኢና፦ ናጽነት ኣምልኾ ኣብ እተፍቅድ ዓዲ ትነብር እንተ ኣሊኻ፡ ነቲ ግዜ ሰላም ከመይ ጌርካ ብጥበብ ክትጥቀመሉ ትኽእል፧

ኣሳ ንግዜ ሰላም ብኸመይ ተጠቒሙሉ፧

4. ብመሰረት 2 ዜና መዋእል 14:2, 6, 7፡ ኣሳ ነቲ ግዜ ሰላም ብኸመይ ተጠቒሙሉ፧

4 ካልኣይ ዜና መዋእል 14:2, 6, 7 ኣንብብ። ኣሳ ነቶም ህዝቢ፡ ‘ኣብ ዙርያኦም ዕረፍቲ ዝሃቦም’ የሆዋ ምዃኑ ገለጸሎም። ይኹን እምበር፡ ነቲ ግዜ እቲ፡ እዋን ምዝናይ ገይሩ ኣይረኣዮን። እኳ ደኣስ፡ ከተማታትን መካበብያን ግምብታትን መዓጹን ኪሰርሕ ጀመረ። ንህዝቢ ይሁዳ ድማ፡ “እዛ ምድሪ ኣብ ቅድሜና ኣላ” በሎም። ከምኡ ኺብል ከሎ፡ እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧ ሰባት ኣብታ ኣምላኽ ዝሃቦም ምድሪ ኻብ ጸላእቶም ተጻብኦ ኸይገጠሞም ኪንቀሳቐሱን ኪሃንጹን ይኽእሉ ማለቱ እዩ ነይሩ። በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ነቶም ህዝቢ፡ ነቲ ግዜ ሰላም እቲ ኺጥቀሙሉ ተማሕጸኖም።

5. ስለምንታይ እዩ ኣሳ ሰራዊቱ ዝሃነጸ፧

5 ኣሳ ነቲ ግዜ ሰላም፡ ንሰራዊቱ ንምድልዳል እውን ተጠቒሙሉ እዩ። (2 ዜና 14:8) እዚ ግና ብየሆዋ ኸም ዘይእመን ዜርኢ ድዩ ነይሩ፧ ኣይፋልን። የግዳስ፡ ንጉስ ከም ምዃኑ መጠን ነቶም ህዝቢ፡ ነቲ ኣብ መጻኢ ኼጋጥሞም ዚኽእል ሽግራት ኬዳልዎም ሓላፍነት ከም ዝነበሮ ይፈልጥ ምንባሩ እዩ ዜርኢ። እቲ ይሁዳ ረኺባቶ ዝነበረት እዋን ሰላም ንሓዋሩ ኸም ዘይቅጽል ይፈልጥ ነይሩ እዩ፣ ከምኡ ድማ እዩ ዀይኑ።

ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ንግዜ ሰላም ብኸመይ ተጠቒሞምሉ፧

6. ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ንግዜ ሰላም ብኸመይ ተጠቒሞምሉ፧

6 ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ብዙሕ መስጐጕቲ እኳ እንተ ነበሮም፡ እዋን ሰላም እውን ነይርዎም እዩ። እሞኸ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ነቲ ኣጋጣሚታት እቲ ብኸመይ ተጠቒሞምሉ፧ እቶም እሙናት ሰብኡትን ኣንስትን ከየቋረጹ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ሰቢኾም እዮም። ኣብ ግብሪ ሃዋርያት ተመዝጊቡ ዘሎ ጸብጻብ፡ ‘ብፍርሃት የሆዋ ይመላለሱ’ ኸም ዝነበሩ ይሕብረና እዩ። ብቐጻሊ ነቲ ብስራት ሰቢኾም እዮም፣ ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ‘እናበዝሑ ይኸዱ’ ነይሮም እዮም። የሆዋ ነቲ ብግዜ ሰላም ብቕንኣት ዝገበርዎ ስብከት ባሪኽዎ እዩ።—ግብ. 9:26-31

7-8. ጳውሎስን ካልኦት ክርስትያናትን ኣጋጣሚ ምስ ተኸፍተሎም እንታይ እዮም ገይሮም፧ ግለጽ።

7 ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ደቀ መዛሙርቲ ነቲ ብስራት ንምዝርጋሕ ኵሉ ኣጋጣሚታት ተጠቒሞም እዮም። ሓደ ኣብነት እስከ ንርአ፦ ኣብ ሓደ እዋን፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ኤፌሶን ከሎ ዓብዪ ኣፍ ደገ ኸም እተኸፍተሉ ምስ ኣስተውዓለ፡ ነቲ ኣብታ ኸተማ ንምስባኽን ደቀ መዛሙርቲ ንምግባርን እተኸፍተሉ ኣጋጣሚ ተጠቕመሉ።—1 ቈረ. 16:8, 9

8 ጕዳይ ግዝረት ብ49 ድ.ክ. መዕለቢ ምስ ተገብረሉ እውን፡ ንጳውሎስን ንኻልኦት ክርስትያናትን ካልእ ኣጋጣሚ ተኸፊቱሎም እዩ። (ግብ. 15:23-29) እቲ ውሳነ እቲ ናብ ጉባኤታት ምስ ተላእከ፡ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ‘ቓል የሆዋ ንምብሳር’ ብዙሕ ጽዒሮም እዮም። (ግብ. 15:30-35) እዚኸ እንታይ ኣፍርዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “እተን ጉባኤታት ብእምነት ይጸንዓ፡ መዓልቲ መዓልቲ ድማ ብቝጽሪ ይውስኻ ነበራ” ይብል።—ግብ. 16:4, 5

ሎሚ ንግዜ ሰላም ንጠቐመሉ

9. ሎሚ ኣብ ብዙሓት ዓድታት እንታይ ኵነታት ኣሎ፧ ገዛእ ርእስናኸ እንታይ ኢልና ኢና ኽንሓትት ዘሎና፧

9 ሎሚ ኣብ ብዙሓት ዓድታት ብህድኣት ክንሰብኽ ንኽእል ኢና። እሞኸ ናጽነት ኣምልኾ ኣብ እተፍቅድ ሃገር ዲኻ እትነብር፧ ከምኡ እንተ ዄንካ፡ ‘ነዚ ናጽነት እዚ ብኸመይ እጥቀመሉ ኣለኹ፧’ ኢልካ ገዛእ ርእስኻ ሕተት። ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት፡ ውድብ የሆዋ ኣብ ዓለም ብዕቤቱ ተራእዩ ዘይፈልጥ ወፈራ ስብከትን ትምህርትን ተካይድ ኣላ። (ማር. 13:10) ንህዝቢ የሆዋ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ተኸፊቱሎም ኣሎ።

ብዙሓት ናብ ካልእ ዓዲ ኸይዶም ብምግልጋል ወይ ነቶም ካልእ ቋንቋ ዚዛረቡ ብምምስካር፡ ብዙሕ በረኸት ረኺቦም ኣለዉ (ሕጡብ ጽሑፍ 10-12 ርአ) *

10. ካልኣይ ጢሞቴዎስ 4:2 እንታይ ክንገብር ተተባብዓና፧

10 እሞ ደኣ ንግዜ ሰላም ብኸመይ ክትጥቀመሉ ትኽእል፧ (2 ጢሞቴዎስ 4:2 ኣንብብ።) ንስኻ ወይ ኣባል ስድራ ቤትካ ኣብ ዕዮ ስብከት ተወሳኺ ኽትገብሩ ትኽእሉ እንተ ዄንኩም፡ ምናልባት እውን ኣብ ኣገልግሎት ፈላምነት ክትሳተፉ ትኽእሉ እንተ ዄንኩም ንምፍላጥ፡ ንምንታይ ኵነታትካ ዘይትምርምር፧ እዚ እዋን እዚ፡ ነቲ ምሳና ብርቱዕ ጸበባ ዘይሰግር ሃብትን ስጋዊ ጥሪትን እንድልበሉ እዋን ኣይኰነን።—ምሳ. 11:4፣ ማቴ. 6:31-33፣ 1 ዮሃ. 2:15-17

11. ገሊኦም ብእተኻእለ መጠን ንብዙሓት ሰባት ብስራት ንምስባኽ እንታይ ይገብሩ ኣለዉ፧

11 ብዙሓት ኣስፋሕቲ ንምስባኽን ንምምሃርን ኪጥቀሙሉ ኢሎም ሓድሽ ቋንቋ ተማሂሮም ኣለዉ። ውድብ ኣምላኽ ከኣ ብብዙሕ ቋንቋታት መጽሓፍ ቅዱሳዊ ጽሑፋት እናኣዳለወት ትድግፎም ኣላ። ንኣብነት፡ ብ2010 ጽሑፋትና ብኣስታት 500 ቛንቋ ይርከብ ነይሩ። ሎሚ፡ እቲ ቝጽሪ እቲ ናብ ልዕሊ 1,000 ቋንቋ ወሲኹ ኣሎ።

12. ሰባት ንመልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ብመበቈላዊ ቛንቋኦም ምስማዖም ብኸመይ ይጠቕሞም፧ ኣብነት ሃብ።

12 ኣብ ቃል ኣምላኽ ዘሎ ሓቂ ብመበቈላዊ ቛንቋ ምስማዕ፡ ኣብ ሰባት እንታይ ጦብላሕታ ይሓድግ፧ ተመክሮ ሓንቲ ኣብ መምፊስ፡ ተነሲ፡ ሕ.መ.ኣ. ኻብ እተገብረ ኣኼባ ዞባ እተጠቕመት ሓብቲ እስከ ንርአ። እቲ ኣኼባ ኪንያሩዋንዳ ብዚብሃል ብቐንዱ ኣብ ሩዋንዳ፡ ኮንጎ (ኪንሻሳ)፡ ኡጋንዳ ዚዝረብ ቋንቋ እዩ ተገይሩ። እዛ ተዛራቢት ኪንያሩዋንዳ ዝዀነት ሓብቲ ድሕሪ እቲ ኣኼባ፡ “ካብቲ 17 ዓመት ይገብር ናብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዝገዓዝኩሉ ግዜ ንነጀው፡ እዚ ንፈለማ ግዜ ምሉእ ብምሉእ ክርድኦ ዝኸኣልኩ መንፈሳዊ ኣኼባ እዩ” በለት። እዛ ሓብቲ እዚኣ፡ ነቲ ኣኼባ ብቛንቋኣ ምስ ሰምዓቶ ውሽጣ ተተንክያ ኽትከውን ኣለዋ። እሞ ደኣ ዅነታትካ ዚፈቕደልካ እንተ ዀይኑ፡ ኣብ ክልኻ ዘለዉ ሰባት ንምሕጋዝ ካልእ ቋንቋ ኽትምሃር ትኽእልዶ፧ ምናዳ ኣብ ክሊ ጉባኤኹም ብኻልእ ቋንቋ ምዝራብ ዚጥዕሞም ምስ ዚህልዉ፡ ከምኡ ኽትገብር ኣይትድረኽንዶ፧ ከምኡ እንተ ጌርካ፡ ብዙሕ ክትከሓስ ኢኻ።

13. ኣብ ሩስያ ዚርከቡ ኣሕዋትና ንግዜ ሰላም እተጠቕሙሉ ብኸመይ እዮም፧

13 ኵሎም ኣሕዋት ኣይኰኑን ብግህዶ ንምስባኽ ናጽነት ዘለዎም። ሓድሓደ ግዜ፡ ካብ መንግስቲ ዚግበር ቀይድታት ነቲ ንኣገልግሎትና እንፍጽመሉ መገዲ ብዙሕ ይድርቶ እዩ። ንኣብነት፡ ብዛዕባ እቶም ኣብ ሩስያ ዘለዉ ኣሕዋት እሞ ንሕሰብ። ንሓያሎ ዓመታት ኣብ ትሕቲ መስጐጕቲ ድሕሪ ምጽናሖም፡ ኣብ መጋቢት 1991 ወግዓዊ ተፈላጥነት ረኸቡ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኣብ ሩስያ ኣስታት 16,000 ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ ነበሩ። ድሕሪ 20 ዓመት፡ እቲ ቝጽሪ ናብ ልዕሊ 160,000 ኣስፋሕቲ ዓረገ! ብንጹር እምበኣር፡ ኣሕዋትና ነቲ ብናጽነት ኪሰብኩ ዝረኸብዎ ኣጋጣሚ ብጥበብ ተጠቒሞምሉ እዮም። ይኹን እምበር፡ እቲ ግዜ ሰላም ንሓዋሩ ኣይቀጸለን። እቲ ኣብ ኵነታት ዘጋጠመ ለውጢ ግና፡ ነቲ ንንጹህ ኣምልኾ ንምድንፋዕ ዘለዎም ቅንኣት ኣየዝሓሎን። ብእተኻእሎም ዘበለ ንየሆዋ ምግልጋል ኣየቋረጹን።

ግዜ ሰላም ንሓዋሩ ኣይቅጽልን እዩ

ንጉስ ኣሳ ኻብ ልቢ ድሕሪ ምጽላዩ፡ የሆዋ ንይሁዳ ኣብ ልዕሊ እቲ ዓብዪ ሰራዊት ጸላኢ ዓወት ሃቦ (ሕጡብ ጽሑፍ 14-15 ርአ)

14-15. የሆዋ ንኣሳ ንምድጋፍ ሓይሉ እተጠቕመ ብኸመይ እዩ፧

14 ብዘመን ኣሳ፡ እቲ ግዜ ሰላም ውዒሉ ሓዲሩ ኣብቂዑ እዩ። ሽዑ ኸኣ፡ ካብ ኢትዮጵያ ሓደ ሚልዮን ዚኣክል ዓብዪ ሰራዊት ኪዋግኦም መጸ። እቲ ዜራሕ ዝስሙ ኣዛዚ እቲ ሰራዊት ከኣ፡ ንሱን ሰራዊቱን ንይሁዳ ኸም ዚስዕርዋ ርግጸኛ ነበረ። ንጉስ ኣሳ ግና ኣብ ብዝሒ ዘይኰነስ፡ ኣብ የሆዋ ኣምላኹ ተወከለ። “ኦ የሆዋ ኣምላኽና፡ ብኣኻ ተኣሚንና፡ ብስምካ ኸኣ ኣንጻር እዚ ህዝቢ እዚ መጺእና ኣለና እሞ፡ ርድኣና” ኢሉ ድማ ጸለየ።—2 ዜና 14:11

15 ብዝሒ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዳርጋ ዕጽፊ እኳ እንተ ነበረ፡ ኣሳ ግና የሆዋ ንህዝቡ ንምድጋፍ ሓይልን ክእለትን ከም ዘለዎ ይኣምን ነይሩ እዩ። የሆዋ ድማ ኣየሕፈሮን፣ ሰራዊት ኢትዮጵያ ብዜዋርድ መገዲ ተሳዒሩ እዩ።—2 ዜና 14:8-13

16. ግዜ ሰላም ንሓዋሩ ኸም ዘይቅጽል ከመይ ጌርና ንፈልጥ፧

16 ኣብ መጻኢ ብደረጃ ውልቀ ሰብ እንታይ ከም እንኸውን ብዝርዝር ዘይንፈልጥ እኳ እንተ ዀንና፡ ሕጂ ህዝቢ የሆዋ ዚረኽብዎ ግዜ ሰላም ግና ግዜያዊ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና። ከም ሓቂ እኳ ደኣስ፡ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት፡ “ብዅሎም ኣህዛብ ክትጽልኡ ኢኹም” ኢሉ ተነብዩሎም እዩ። (ማቴ. 24:9) ሃዋርያ ጳውሎስ እውን፡ “ኵሎም እቶም ምስ ክርስቶስ የሱስ ብእተተሓሓዘ ንኣምላኽ ብዘለዎም ተወፋይነት ኪነብሩ ዚደልዩ፡ . . . ኪስጐጉ እዮም” ኢሉ እዩ። (2 ጢሞ. 3:12) ሰይጣን “ብርቱዕ ቍጥዓ” ኣለዎ፣ ካብቲ ቝጥዓኡ ብገለ ኸነምልጥ ከም እንኽእል ጌርና እንተ ሓሲብና ኸኣ፡ ገዛእ ርእስና ኢና ነዐሹ ዘለና።—ራእ. 12:12

17. እምነትና ብኸመይ እያ ኽትፍተን እትኽእል፧

17 ኣብ ቀረባ እዋን፡ ኵላትና ንንጽህናና ዚፍትን ፈተና ኼጋጥመና እዩ። ድሕሪ ሓጺር እዋን፡ “ካብ መጀመርታ ዓለም ክሳዕ ሕጂ ዘይኰነ፡ ከቶ ድማ ዘይከውን ብርቱዕ ጸበባ ኪኸውን እዩ።” (ማቴ. 24:21) ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኣባላት ቤተ ሰብና ኣንጻርና ይለዓሉ ይዀኑ፡ ዕዮና እውን ይእገድ ይኸውን። (ማቴ. 10:35, 36) እሞኸ ንሕና ብብሕትና፡ ከም ኣሳ፡ ሓገዝን ዕቝባን ንምርካብ ኣብ የሆዋ ኽንውከል ዲና፧

18. ብመሰረት እብራውያን 10:38, 39፡ ነቲ ግዜ ሰላም ዜብቅዓሉ ግዜ ኽንዳሎ ዚሕግዘና እንታይ እዩ፧

18 የሆዋ ብመንፈሳዊ መገዲ ነቲ ዚመጽእ ኬዳልወና ጸኒሑ እዩ። ነቲ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ኸኣ ኣብ ኣምልኾና ኽንጸንዕ ዜኽእል ዓንጋሊ መንፈሳዊ ‘ምግቢ ብግዜኡ’ ኺህበና ይመርሖ ኣሎ። (ማቴ. 24:45) ኰይኑ ግና፡ ንሕና እጃምና ኽንገብርን ኣብ የሆዋ ድልድልቲ እምነት ክንሃንጽን ኣሎና።—እብራውያን 10:38, 39 ኣንብብ።

19-20. ብመሰረት 1 ዜና መዋእል 28:9፡ እንታይ ሕቶታት ኢና ገዛእ ርእስና ኽንሓትት ዘሎና፧ ስለምንታይከ ኢና ነዚ ሕቶታት እዚ ኽንሓትት ዘሎና፧

19 ከም ንጉስ ኣሳ፡ ‘ንየሆዋ ኽንደልዮ’ ኣሎና። (2 ዜና 14:4፣ 15:1, 2) ንየሆዋ ምድላይ ድማ፡ ንዕኡ ብምፍላጥን ስጕምቲ ወሲድና ብምጥማቕን እዩ ዚጅምር። ንየሆዋ ዘላትና ፍቕሪ ንምድልዳል ዜኽእል ኵሉ ኣጋጣሚታት ክንጥቀም ኣሎና። ኣብዚ መዳይ እዚ ኸመይ ከም ዘለና ገዛእ ርእስና ንምፍታን፡ ‘ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ ብስሩዕ እእከብ ድየ፧’ ኢልና ኽንሓትት ንኽእል ኢና። ውድብ የሆዋ ኣብ ዘዳለወቶ ኣኼባታት ክንእከብ ከለና፡ ናይ ሓቂ መንፈሳዊ ዕረፍትን ሃናጺ ሕብረትን ንረክብ ኢና። (ማቴ. 11:28) ብተወሳኺ ድማ፡ ‘ጽቡቕ ልማድ ብሕታዊ መጽናዕቲ ኣሎኒ ድዩ፧’ ኢልና ገዛእ ርእስና ንሕተት። ምስ ስድራ ቤትካ እትነብር እንተ ዄንካ ኸኣ፡ ሰሙናዊ ኣምልኾ ስድራ ቤት ትገብር ዲኻ፧ በይንኻ እትነብር እንተ ዄንካ ድማ፡ ከምቲ ብስድራ ቤት ዚግበር ጌርካ ንመጽናዕቲ ግዜ ትምድብ ዲኻ፧ ኣብ ናይ ምስባኽን ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባርን ዕዮ ብእተኻእለካ መጠን ምሉእ ተሳትፎ ትገብር ዲኻ፧

20 ስለምንታይ ኢና ነዚ ሕቶታት እዚ ኽንሓትት ዘሎና፧ የሆዋ ንሓሳባትናን ንልብናን ከም ዚምርምሮ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ፣ ስለዚ፡ ንሕና እውን ከምኡ ኽንገብር ኣሎና። (1 ዜና መዋእል 28:9 ኣንብብ።) ኣብ ሸቶታትና፡ ኣረኣእያና፡ ወይ ኣተሓሳስባና ገለ ለውጥታት ክንገብር ከም ዘሎና እንተ ኣስተውዒልና፡ ነቲ ለውጥታት እቲ ንምግባር ካብ የሆዋ ሓገዝ ክንልምን ኣሎና። ሕጂ ነቲ ዚመጽእ ፈተናታት እንዳለወሉ ግዜ እዩ። እምበኣር፡ ንግዜ ሰላም ብጥበብ ተጠቐመሉ!

መዝሙር 62 ሓድሽ መዝሙር

^ ሕ.ጽ. 5 ንየሆዋ ብናጽነት ከተምልኽ ኣብ እትኽእለላ ሃገር ዲኻ እትነብር፧ ከምኡ እንተ ዄንካ፡ ነዚ እዋን ሰላም ብኸመይ ትጥቀመሉ ኣለኻ፧ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ንኣሳ ንጉስ ይሁዳን ኣብ ቀዳማይ ዘመን ንዝነበሩ ክርስትያናትን ብኸመይ ክትመስሎም ከም እትኽእል ትምህር። ንሳቶም ነቲ ሰላም ዝነበረሉ ግዜ ብጥበብ ተጠቒሞምሉ እዮም።

^ ሕ.ጽ. 3 መግለጺ ቓላት፦ እታ “ሰላም” እትብል ቃል፡ ውግእ ካብ ዘይምህላው ንላዕሊ ተመልክት እያ። እታ ናይ እብራይስጢ ቓል፡ ጽቡቕ ጥዕናን ደሓንን ዚብል ሓሳብ ኣለዋ።

^ ሕ.ጽ. 57 መግለጺ ስእሊ፦ ንጉስ ኣሳ ንዓባዩ፡ ናይ ሓሶት ኣምልኾ ብምትብባዓ፡ ካብ ስልጣና ሰዓራ። እሙናት ደገፍቲ ኣሳ ኸኣ ኣብነቱ ስዒቦም ነቲ ጣኦታት የወግድዎ።

^ ሕ.ጽ. 59 መግለጺ ስእሊ፦ ብቕንኣት ዜገልግሉ ሰብ ሓዳር ኣብቲ ዝያዳ ኣስፋሕቲ ዜድልዩሉ ቦታ ኼገልግሉ ኢሎም ህይወቶም የቕልሉ።