ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 37

“ኢድካ ኣይተዕርፍ”

“ኢድካ ኣይተዕርፍ”

“ዘርእኻ ንግሆ ዝራእ፡ ክሳዕ ምሸት እውን ኢድካ ኣይተዕርፍ።”—መክ. 11:6

መዝሙር 68 ዘርኢ መንግስቲ ኣምላኽ ዝራእ

መላለዪ *

1-2. መክብብ 11:6 ምስ ስብከት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ብኸመይ ትተሓሓዝ፧

ኣብ ገሊኡ ሃገራት፡ ሰባት ንብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ተሓጒሶም ይቕበልዎ እዮም። ነዚ እዮም ኪጽበዩ ጸኒሖም! ኣብ ገሊኡ ሃገራት ግና፡ ሰባት ብዛዕባ ኣምላኽ ወይ መጽሓፍ ቅዱስ ብዙሕ ተገዳስነት የብሎምን። ኣብቲ እትነብረሉ ኸባቢ ዘለዉ ሰባት ከመይ እዮም፧ ዝዀነ ዀይኑ፡ እቲ ዕዮ ንየሆዋ ብዜዕግቦ ደረጃ ኽሳዕ ዚዛዘም፡ ንሱ ንዓና ኽንሰብኽ ይጽበየና እዩ።

2 ኣብቲ የሆዋ ዝመደቦ ግዜ፡ ዕዮ ስብከት ናብ መደምደምታኡ ኺበጽሕ እዩ፣ ሽዑ፡ “መወዳእታ ኺመጽእ እዩ።” (ማቴ. 24:14, 36) ክሳዕ ሽዑ ግና፡ ነቲ “ኢድካ ኣይተዕርፍ” ዚብል ቃላት ብኸመይ ክንእዘዞ ንኽእል፧ *መክብብ 11:6 ኣንብብ።

3. ኣብዛ ዓንቀጽ እንታይ ክንርኢ ኢና፧

3 ኣብ ዝሓለፈት ዓንቀጽ፡ ውጽኢታውያን “ገፈፍቲ ሰብ” ንምዃን ክንገብሮ እንኽእል ኣርባዕተ ነገራት ርኢና ኔርና። (ማቴ. 4:19) ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ዜጋጥመና ዅነታት ብዘየገድስ ንምስባኽ ዝገበርናዮ ቘራጽነት እነሐይለሉ ሰለስተ መገድታት ክንርኢ ኢና። (1) ወትሩ ኸነተኵር፡ (2) ዕጉሳት ክንከውን፡ (3) ድልድልቲ እምነት ክንዕቅብ ኣገዳሲ ዝዀነሉ ምኽንያት ክንርኢ ኢና።

ወትሩ ኣተኵር

4. ወትሩ ኣብቲ የሆዋ ዝሃበና ዕዮ ኸነተኵር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

4 የሱስ ንዳሕሮት መዓልትታት ምልክት ዚኸውንን ንሰዓብቱ ኻብ ዕዮ ስብከቶም ኬስግሎም ዚኽእልን እተፈላለየ ፍጻመታትን ኵነታትን ተነብዩ ነይሩ እዩ። ንደቀ መዛሙርቱ ኸኣ፡ “ንቕሑ” ኢሉ ምዒድዎም እዩ። (ማቴ. 24:42) ብዘመን ኖህ ዝነበሩ ሰባት ናብቲ እተዋህቦም መጠንቀቕታ ኸም ዘየቕልቡ ዚገብር መስገሊታት ነይርዎም እዩ፣ ሎሚ እውን ንዓና ተመሳሳሊ መስገሊታት ኣሎና። (ማቴ. 24:37-39፣ 2 ጴጥ. 2:5) ስለዚ፡ ወትሩ ኣብቲ የሆዋ ዝሃበና ዕዮ ኸነተኵር ኣሎና።

5. ግብሪ ሃዋርያት 1:6-8፡ ስፍሓት እቲ ዕዮ ስብከት እትገልጽ ብኸመይ እያ፧

5 ሎሚ፡ ንዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ፍሉይ ቈላሕታ ኽንገብረሉ ኣሎና። የሱስ፡ እዚ ዕዮ እዚ ኸም ዚሰፍሕን ድሕሪ ሞቱ ንነዊሕ ግዜ ኸም ዚቕጽልን ተነብዩ ነይሩ እዩ። (ዮሃ. 14:12) የሱስ ድሕሪ ሙማቱ፡ ገሊኦም ደቀ መዛሙርቱ ናብ ምግፋፍ ዓሳ ተመሊሶም ነይሮም እዮም። ድሕሪ ትንሳኤኡ ድማ፡ ንገለ ኻብቶም ደቀ መዛሙርቱ ብተኣምራዊ መገዲ ዓሳ ኸም ዚሕዙ ገይሩ እዩ። በቲ ኣጋጣሚ እቲ ተጠቒሙ ድማ፡ ገፈፍቲ ሰብ ንምዃን እተዋህቦም ዕዮ፡ ካብ ዝዀነ ኻልእ ዕዮ ንላዕሊ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣረጋጊጹሎም እዩ። (ዮሃ. 21:15-17) የሱስ ናብ ሰማይ ቅድሚ ምዕራጉ፡ ንደቀ መዛሙርቱ፡ እቲ ንሱ ዝጀመሮ ዕዮ ምስክርነት ካብ ዶባት እስራኤል ሓሊፉ ናብ ርሑቕ ከም ዚዝርጋሕ ሓቢርዎም እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 1:6-8 ኣንብብ።) ድሕርዚ ሓያሎ ዓመታት ምስ ሓለፈ ድማ፡ የሱስ ንሃዋርያ ዮሃንስ፡ “ኣብ መዓልቲ ጐይታ” * ዚኸውን ነገራት ኣርእይዎ እዩ። ሓደ ኻብቲ ዮሃንስ ዝረኣዮ ነገራት ከኣ፡ ብሓቂ ዜደንቕ ነገር እዩ ነይሩ፦ ኣብቲ ራእይ እቲ፡ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት መላእኽቲ “ናይ ዘለኣለም ብስራት” “ንዅሎም ኣህዛብን ነገዳትን ቋንቋታትን ህዝብታትን” ይስበኸሎም ነይሩ። (ራእ. 1:10፣ 14:6) እምበኣር፡ ሎሚ የሆዋ ንዓና፡ እዚ ዓብዪ ዕዮ ምስክርነት እዚ ኽሳዕ ዚውዳእ፡ ኣብኡ ኽንሳተፍ ከም ዚደልየና ንጹር እዩ።

6. ከመይ ጌርና ኢና ወትሩ ኣብ ዕዮ ስብከት ከነተኵር እንኽእል፧

6 ብዛዕባ ዅሉ እቲ የሆዋ ንዓና ንምሕጋዝ ዚገብሮ ዘሎ እንተ ኣስተንቲንና፡ ወትሩ ኣብ ዕዮ ስብከት ከነተኵር ንኽእል ኢና። ንኣብነት፡ የሆዋ ብወረቐትን ብዲጂታውን ሕታማት፡ ብቕዳሓት ኣውድዮን ቪድዮን፡ ከምኡ እውን ብኢንተርነት ኣኺሉ ዚተርፍ መንፈሳዊ ምግቢ የዳልወልና ኣሎ። ሕስብ እሞ ኣብሎ፦ ኣብ ወግዓዊ ወብሳይትና፡ ብልዕሊ 1,000 ቋንቋ ሓበሬታ ኣሎ! (ማቴ. 24:45-47) ብፖለቲካን ብሃይማኖትን ብቝጠባን ኣብ እተበታተኸት ዓለም፡ ልዕሊ ሸሞንተ ሚልዮን ኣገልገልቲ ኣምላኽ ብዓለምለኻዊ ሕውነት ናይ ሓቂ ሓድነት ኣለዎም። ንኣብነት፡ ዓርቢ 19 ሚያዝያ 2019፡ ኣብ ብዘላ ዓለም ዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ብሓድነት ጥቕሲ ዕለት ተኸታቲሎም እዮም። በታ ምሸት እቲኣ ኸኣ፡ ዝኽሪ ሞት የሱስ ንምብዓል 20,919,041 ተኣኪቦም እዮም። ነዚ ዘመናዊ ተኣምር እዚ ምርኣይን ኣብኡ እጃም ምህላውን ክሳዕ ክንደይ ዓብዪ ኽብሪ ምዃኑ እንተ ኣስተንቲንናሉ፡ ወትሩ ኣብ ዕዮ መንግስቲ ኣምላኽ ከነተኵር ንድረኽ ኢና።

የሱስ ንሓቂ ኻብ ምምስካር ናብ ካልእ ኣየስገለን (ሕጡብ ጽሑፍ 7 ርአ)

7. ኣብነት የሱስ ኣትኵሮና ኽንሕሉ ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧

7 ወትሩ ኣብ ዕዮ ስብከት ከነተኵር እንኽእለሉ ኻልእ መገዲ፡ ኣብነት የሱስ ብምስዓብ እዩ። ንሱ ኻብቲ ንሓቂ ኺምስክር ዚገብሮ ዝነበረ ጻዕሪ ዋላ ሓንቲ ነገር ኬስግሎ ኣይፈቐደን። (ዮሃ. 18:37) ሰይጣን “ኵለን መንግስትታት ዓለምን ክብረንን” ምስ ኣቕረበሉ፡ በዚ ኣይሃረረን፣ ሰባት ኬንግስዎ ምስ ደለዩ እውን በዚ ኣይተፈተነን። (ማቴ. 4:8, 9፣ ዮሃ. 6:15) ብትምኒት ስጋዊ ሃብቲ ኣይተጸልወን፡ ብብርቱዕ ተቓውሞ እውን ክምህ ኣይበለን። (ሉቃ. 9:58፣ ዮሃ. 8:59) ኣብ እምነትና ፈተናታት ኬጋጥመና ኸሎ፡ ምኽሪ ሃዋርያ ጳውሎስ ንዝክር እንተ ዄንና፡ ኣትኵሮና ኽንሕሉ ንኽእል ኢና። ንሱ ንክርስትያናት፡ ምእንቲ ‘ኸይደኽሙን ከይሕለሉን’ ኣብነት የሱስ ኪስዕቡ ተማሕጺንዎም እዩ።—እብ. 12:3

ዕጉስ ኩን

8. ትዕግስቲ ኺብሃል ከሎ እንታይ የመልክት፧ ምናዳ ሕጂ ኣድላዪ ዝዀነኸ ስለምንታይ እዩ፧

8 ትዕግስቲ ኺብሃል ከሎ፡ ሓደ ዅነታት ኪልወጥ ብህድኣት ናይ ምጽባይ ክእለት የመልክት። መወዳእታ ሕማቕ ኵነታት ወይ ንነዊሕ እንምነዮ ጽቡቕ ነገር ክንጽበ ኸለና፡ ትዕግስቲ የድልየና እዩ። ነብዪ ኣንባቆም ኣብ ይሁዳ ዓመጻ ኼብቅዕ ተጸብዩ እዩ። (ኣን. 1:2) ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ከኣ፡ መንግስቲ ኣምላኽ “ብቕጽበት እትገሃድ” እሞ ኻብ ጭቈና ሮማውያን እተናግፎም ይመስሎም ነይሩ እዩ። (ሉቃ. 19:11) ንሕና ድማ፡ ነታ መንግስቲ ኣምላኽ ንእከይ ኣወጊዳ ጽድቂ ዚነብረላ ሓዳስ ዓለም እተምጽኣላ መዓልቲ ብሃረርታ ንጽበያ ኢና። (2 ጴጥ. 3:13) ኰይኑ ግና፡ ትዕግስቲ ኽንገብርን ነቲ የሆዋ ዝመደቦ ግዜ ኽንጽበን ኣሎና። ገለ ኻብቲ የሆዋ ንዓና ትዕግስቲ ዚምህረሉ መገድታት እስከ ንርአ።

9. ትዕግስቲ የሆዋ ዜርኢ እንታይ ኣብነታት ክንጠቅስ ንኽእል፧

9 የሆዋ ፍጹም ኣብነት ትዕግስቲ እዩ። ንኖህ መርከብ ኪሰርሕን “ሰባኽ ጽድቂ” ዀይኑ ኼገልግልን እኹል ግዜ ሂብዎ እዩ። (2 ጴጥ. 2:5፣ 1 ጴጥ. 3:20) ንኣብርሃም ከኣ፡ ብዛዕባ እቲ ነቶም እኩያት ነበርቲ ሶዶምን ጎሞራን ንምጥፋእ ዝገበሮ ውሳነ ደጋጊሙ ኺሓትቶ ፈቒዱሉ እዩ። (ዘፍ. 18:20-33) ንሓያሎ ዘመናት፡ የሆዋ ንዘይእሙናት ህዝቢ እስራኤል ሓለፍ ዝበለ ትዕግስቲ ኣርእይዎም እዩ። (ነህ. 9:30, 31) ሎሚ ኸኣ ንዅሎም እቶም “ናብ ንስሓ ኺበጽሑ” ዚስሕቦም ሰባት ግዜ ብምፍቃዱ፡ ትዕግስቱ ኽንርኢ ንኽእል ኢና። (2 ጴጥ. 3:9፣ ዮሃ. 6:44፣ 1 ጢሞ. 2:3, 4) እዚ የሆዋ ዘርኣየና ኣብነት ድማ ክንሰብኽን ክንምህርን ከለና ትዕግስቲ ኽንገብር ጽቡቕ ምኽንያት ይዀነና እዩ። በቲ ኣብ ቃሉ ዚርከብ ምሳሌ ኣቢሉ እውን ትዕግስቲ ይምህረና እዩ።

ከምቲ ህርኩት ሓረስታይ ዕጉስ ዝዀነ፡ ንሕና እውን ጻዕርታትና ኽሳዕ ዜፍሪ ንጽበ ኢና (ሕጡብ ጽሑፍ 10-11 ርአ)

10. ኣብ ያእቆብ 5:7, 8 ተመዝጊቡ ኸም ዘሎ፡ ካብ ሓረስታይ እንታይ ንምሃር፧

10 ያእቆብ 5:7, 8 ኣንብብ። ካብቲ ሓረስታይ ዘራእቱ ኽሳዕ ዚበቝለሉ ዜርእዮ ትዕግስቲ፡ ብኸመይ ዕጉሳት ከም እንኸውን ንምሃር ኢና። ልክዕ እዩ፡ ገሊኡ ኣትክልቲ ቐልጢፉ ይበቍል እዩ። እንተዀነ ግና፡ መብዛሕትኡ ኣትክልቲ፡ ምናዳ እቲ ምህርቲ ዚህብ፡ ክሳዕ ዚፈሪ ዝነውሐ ግዜ ይወስድ እዩ። ኣብ እስራኤል፡ ዘራእቲ ዚበቝለሉ እዋን ኣስታት ሽዱሽተ ወርሒ እዩ ነይሩ። ሓረስታይ ኣዝመራ ኺዘንም ምስ ጀመረ ዘራእቱ ይዘርእ እሞ፡ ዝናም ጽብሓት ምስ ኣብቅዐ ኣእካሉ የእቱ ነይሩ እዩ። (ማር. 4:28) እምበኣር፡ ከም ሓረስታይ ትዕግስቲ ብምግባር፡ ጥበበኛታት ንኹን። እዚ ግና ቀሊል ከይከውን ይኽእል እዩ።

11. ትዕግስቲ ኣብ ኣገልግሎትና ብኸመይ ይሕግዘና፧

11 ዘይፍጹማት ሰባት ካብ ጻዕርታቶም ብኡብኡ ፍረ ናይ ምጽባይ ዝንባለ ኣለዎም። ኰይኑ ግና፡ ካብ ስፍራ ኣታኽልትና ፍርያት ክንረክብ እንተ ዄንና፡ ቀጻሊ ጻዕሪ ኽንገብር፡ ማለት ነቲ ሓመድ ከነለስልሶ፡ ኣትክልቲ ኽንተክል፡ ጻህያይ ክንጽሂ፡ ማይ እውን ከነስቲ ኣሎና። ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕዮ እውን፡ ቀጻሊ ጻዕሪ የድልዮ እዩ። ኣብቶም እንምህሮም ሰባት ሳዕሪሩ ዘሎ ጻህያይ ጽልእን ዘይተገዳስነትን ንምምሓው ግዜ የድሊ እዩ። ትዕግስትና ኸኣ ጸገማት ኬጋጥመና ኸሎ ተስፋ ኸይንቘርጽ ይሕግዘና እዩ። እተወሰነ ኣወንታዊ ምላሽ ክንርኢ ኸለና፡ ዕጉሳት ክንከውን ኣሎና። ንሓደ ተምሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ብእምነት ኪዓቢ ኽንግድዶ ኣይንኽእል ኢና። ሓድሓደ ግዜ፡ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ እኳ ኸይተረፉ፡ ነቲ የሱስ ዚምህሮም ዝነበረ ትምህርቲ ትርጉሙ ቐልጢፎም ኣይተረድእዎን ነይሮም። (ዮሃ. 14:9) ስለዚ፡ ንሕና ንተክልን ማይ ነስትን እኳ እንተ ዀንና፡ ዜብቍል ግና ኣምላኽ ምዃኑ ኣይንረስዕ።—1 ቈረ. 3:6

12. ንዘይኣመንቲ ቤተ ሰብና ኽንምስክር ከለና፡ ከመይ ጌርና ኢና ትዕግስቲ ኽንገብር ዘሎና፧

12 ሓደ ኻብቲ ትዕግስቲ ምግባር ዚኸብደና መዳይ፡ ንዘይኣመንቲ ቤተ ሰብና ኽንምስክር ከለና እዩ። ኣብ መክብብ 3:7 ዚርከብ መሰረታዊ ስርዓት፡ ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። እታ ጥቕሲ፡ “ስቕ ንምባል ግዜ ኣለዎ፡ ንምዝራብ ከኣ ግዜ ኣለዎ” ትብል። ብሰናይ ኣካይዳና ጌርና ስቕ ኢልና ኸለና ኽንምስክር ንኽእል ኢና። በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ፡ ብዛዕባ ሓቂ ንምዝራብ ንእንረኽቦ ኣጋጣሚ ንምጥቃም ወትሩ ንቑሓት ክንከውን ይግባእ። (1 ጴጥ. 3:1, 2) ብቕንኣት ክንሰብኽን ክንምህርን ከለና፡ ንዅሎም ሰባት፡ እንተላይ ንኣባላት ቤተ ሰብና ንዕገሶም ኢና።

13-14. ገለ ኻብቶም ክንመስሎም ዘሎና ኣብነታት እምነት እንታይ ክንጠቅስ ንኽእል፧

13 ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተጠቕሱን ኣብዚ ግዜና ዚርከቡን እሙናት ሰባት ካብ ዝሓደግዎ ኣብነት፡ ትዕግስቲ ኽንምሃር ንኽእል ኢና። ኣንባቆም፡ እከይ ኬብቅዕ ንነዊሕ ግዜ ተጸብዩ እዩ፣ እንተዀነ ግና፡ “ኣብ መሐለውየይ ደው ክብል እየ” ኢሉ ብምትእምማን ተዛሪቡ እዩ። (ኣን. 2:1) ሃዋርያ ጳውሎስ ኣገልግሎቱ ‘ንምፍጻም’ ልባዊ ድሌት ከም ዘለዎ ገሊጹ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ብትዕግስቲ ‘ብዛዕባ ብስራት ኣጸቢቑ ይምስክር’ ነይሩ እዩ።—ግብ. 20:24

14 ሕጂ ኸኣ ካብ ጊልዓድ እተመረቑ ሰብ ሓዳር ዝሓደግዎ ኣብነት ንርአ። እቶም ሰብ ሓዳር እቲኦም፡ ሒደት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናብ ዚርከብዋን ክርስትና ቐንዲ ሃይማኖት ናብ ዘይኰነላን ሃገር ተመደቡ። ኣብታ ዓዲ፡ ብዙሓት ሰባት መጽሓፍ ቅዱስ ኬጽንዑ ኣይደልዩን እዮም ነይሮም። ብኣንጻሩ ግና፡ እቶም ኣብ ካልኦት ሃገራት ዜገልግሉ ኣብ ጊልዓድ ደቂ ኽፍሎም ዝነበሩ ኣገልገልቲ፡ ንብዙሓት ሰባት መጽናዕትታት መጽሓፍ ቅዱስ ይመርሑን ፍረ ይረኽቡን ከም ዘለዉ ጽቡቕ ጸብጻባት ይሰድዱሎም ነበሩ። እቶም ሰብ ሓዳር፡ እቲ ኣብታ ሃገር ዝነበረ ዕቤት ቅልጡፍ እኳ እንተ ዘይኰነ፡ ብትዕግስቲ የገልግሉ ነበሩ። ንሸሞንተ ዓመት ኣብቲ ዘይፈሪ ዚመስል ክሊ ድሕሪ ምግልጋሎም፡ ሓደ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪጥመቕ ብምርኣዮም ተሓጐሱ። እሞ ደኣ እቶም ጥንቲ ዝነበሩን እዞም ኣብዚ ግዜና ዘለዉን ኣብነታት እንታይ ሓባራዊ ነገር ኣለዎም፧ እዞም እሙናት እዚኦም ኣይተሃከዩን ወይ ኢዶም ኣየዕረፉን፣ የሆዋ ድማ ስለ ትዕግስቶም ባሪኽዎም እዩ። እምበኣር፡ ‘ነቶም ብእምነትን ብትዕግስትን ነቲ ተስፋታት ዚወርስዎ ንምሰሎም።’—እብ. 6:10-12

ድልድልቲ እምነት ዓቅብ

15. ነቲ ኽንሰብኽ ዝገበርናዮ ቘራጽነት ንምድልዳል፡ እምነት ዚሕግዘሉ ሓደ መገዲ እንታይ እዩ፧

15 ኣብቲ እንሰብኮ መልእኽቲ እምነት ኣሎና፣ ስለዚ፡ ብእተኻእለ መጠን ንብዙሓት ሰባት ክንነግር ንደሊ ኢና። ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ተስፋ ንኣምኖ ኢና። (መዝ. 119:42፣ ኢሳ. 40:8) ኣብዚ ግዜና፡ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ኪፍጸም ርኢና ኢና። ሰባት ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ምኽሪ ኺዓይዩሉ ኸለዉ፡ ከመይ ገይሮም ህይወቶም ከም ዜመሓይሹ ርኢና ኢና። እዚ መርትዖ እዚ ኸኣ፡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ፡ ኵሉ ኺሰምዖ ዜድልዮ መልእኽቲ ምዃኑ ዘሎና እምነት የድልድለልና እዩ።

16. ብመሰረት መዝሙር 46:1-3፡ ኣብ የሆዋን ኣብ የሱስን ዘሎና እምነት ነቲ ንምስባኽ ዝገበርናዮ ቘራጽነት ዜደልድሎ ብኸመይ እዩ፧

16 ኣብ ምንጪ እቲ እንሰብኮ መልእኽቲ ዝዀነ የሆዋ ድማ እምነት ኣሎና፣ ኣብቲ ንሱ ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ ኪኸውን ዝሸሞ የሱስ እውን እምነት ኣሎና። (ዮሃ. 14:1) ዘጋጠመ እኳ እንተ ኣጋጠመና፡ የሆዋ ወትሩ መዕቈቢናን ብርታዐናን እዩ። (መዝሙር 46:1-3 ኣንብብ።) ብተወሳኺ ኸኣ፡ የሱስ በቲ የሆዋ ዝሃቦ ሓይልን ስልጣንን ተጠቒሙ ነቲ ዕዮ ስብከት ካብ ሰማይ ይመርሖ ኸም ዘሎ ንተኣማመን ኢና።—ማቴ. 28:18-20

17. ብቐጻሊ ኽንሰብኽ ዘሎና ስለምንታይ ምዃኑ ዜርኢ ኣብነት ሃብ።

17 እምነት እንተ ኣልዩና፡ የሆዋ ንጻዕርታትና ኸም ዚባርኾ፡ ሓድሓደ ግዜ እውን ብዘይተጸበናዮ መገዲ ኸም ዚባርኸና ርግጸኛታት ንኸውን ኢና። (መክ. 11:6) ንኣብነት፡ ኣሽሓት ሰባት ብጥቓ እቲ ጽሑፋት እንዝርግሓሉ ሰደቓታትን ዓረብያታትን ይሓልፉ እዮም። እዚ ሜላ ስብከት እዝስ ፍረ ኣለዎ ድዩ፧ እወ። ኣብ ናይ ሕዳር 2014 ሕታም ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ኣብ ዝወጸ ተመክሮ ኸም እተገልጸ፡ ሓንቲ መንእሰይ ተምሃሪት ዩኒቨርሲቲ ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጽሑፍ ክትጽሕፍ ደለየት። ኰይኑ ግና፡ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ክትረክብ ኣይከኣለትን፣ እንተዀነ ግና፡ ኣብ ቀጽሪ እቲ ዩኒቨርሲቲ ጽሑፋት ዝሓዘ ሰደቓ ረኸበት፡ ንጽሑፋ ዚኸውን ሓበሬታ እውን ረኸበት። ካብዚ ተበጊሳ ድማ ድሕሪ ግዜ፡ እተጠምቀት ናይ የሆዋ ምስክር ኰነት፣ ሕጂ ኸኣ ስርዕቲ ፈላሚት ኰይና ተገልግል ኣላ። ከምዚ ዝኣመሰለ ተመክሮታት፡ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኪሰምዑ ዚደልዩ ሰባት ከም ዘለዉ ስለ ዚሕብረና፡ ብቐጻሊ ኽንሰብኽ ንድረኽ ኢና።

ኢድካ ኸይተዕርፍ ቈራጽነት ግበር

18. ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ከምቲ የሆዋ ዚደልዮ ዀይኑ ኸም ዚፍጸም ርግጸኛታት እንኸውን ስለምንታይ ኢና፧

18 ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ብግዜኡ ኸም ዚፍጸም ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ብዘመን ኖህ እንታይ ከም ዝዀነ እሞ ንሕሰብ። የሆዋ ግዜ ብልክዕ ከም ዚሕሉ ኣርእዩ እዩ። ኣስታት 120 ዓመት ኣቐዲሙ፡ ነቲ ማይ ኣይሂ ዚመጸሉ ግዜ ወሲንዎ ነይሩ እዩ። ድሕሪ ሓያሎ ዓመታት ከኣ፡ የሆዋ ንኖህ፡ መርከብ ኪሰርሕ ኣዚዝዎ እዩ። ካብቲ ማይ ኣይሂ ዝመጸሉ ኣቐዲሙ ን40 ወይ ን50 ዓመት ዚኸውን፡ ኖህ ብትግሃት ይዓዪ ነይሩ እዩ። ንምስማዕ ፍቓደኛታት ዘይኰኑ ሰባት እኳ እንተ ኣጓነፍዎ፡ ክሳዕ እቲ የሆዋ ንእንስሳታት ናብታ መርከብ ኬእቱ ዝኣዘዞ ግዜ፡ ናይ መጠንቀቕታ መልእኽቲ ይሰብኽ ነይሩ እዩ። ድሕሪኡ፡ ኣብ ልክዕ ግዜኡ፡ ‘የሆዋ ነቲ ማዕጾ ዓጽይዎ እዩ።’—ዘፍ. 6:3፣ 7:1, 2, 16

19. ኢድና እንተ ዘየዕሪፍና እንታይ ኢና ኽንጽበ እንኽእል፧

19 ኣብ ቀረባ ግዜ፡ የሆዋ ንዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ኪድምድሞ እዩ፣ ንናይ ሰይጣን ስርዓት ‘ማዕጾ ዓጽዩ፡’ ጽድቂ ናብ ዚነብረላ ሓዳስ ዓለም ኬእትወና እዩ። ክሳዕ ሽዑ ንኖህን ንኣንባቆምን ኢዶም ንዘየዕርፉ ኻልኦትን ንምሰሎም። ወትሩ ነተኵር፡ ዕጉሳት ንኹን፡ ኣብ የሆዋን ኣብ ተስፋታቱን ዘላትና ድልድልቲ እምነት ድማ ንዓቅብ።

መዝሙር 75 “እነኹ፡ ልኣኸኒ!”

^ ሕ.ጽ. 5 ኣብ ዝሓለፈት ዓንቀጽ፡ ዕቤት ዚገብሩ ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ የሱስ ገፈፍቲ ሰብ ኪዀኑ ዘቕረበሎም ጻውዒት ኪቕበሉ ተተባቢዖም ነይሮም። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ኸኣ፡ ኵሎም ኣስፋሕቲ፡ ሓደስቲ ይኹኑ ምኩራት፡ ክሳዕ እቲ የሆዋ ንዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ‘ይኣክል’ ዚብለሉ ግዜ ንምቕጻል ዝገበርዎ ቘራጽነት ዜሐይል ሰለስተ መገድታት ክንርኢ ኢና።

^ ሕ.ጽ. 2 መግለጺ ቓላት፦ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ እታ “ኢድካ ኣይተዕርፍ” እትብል ሓረግ፡ እቲ ዕዮ ኽሳዕ ዚውዳእ ነቲ ብስራት ንምስባኽ ቈራጽነት ክንገብር ከም ዘሎና ተመልክት።

^ ሕ.ጽ. 5 “መዓልቲ ጐይታ፡” የሱስ ብ1914 ንጉስ ኰይኑ ኣብ ዝፋን ምስ ደየበ እያ ጀሚራ፡ ክሳዕ መወዳእታ እቲ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣቱ ድማ ክትቕጽል እያ።