ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 36

ገፋፍ ሰብ ክትከውን ተዳሊኻ ዲኻ፧

ገፋፍ ሰብ ክትከውን ተዳሊኻ ዲኻ፧

“ደጊም ኣይትፍራህ። ካብ ሕጂ ሰባት ብህይወቶም ከለዉ ኽትገፍፍ ኢኻ።”—ሉቃ. 5:10

መዝሙር 73 ኣትብዓና

መላለዪ *

1. የሱስ ነቶም ኣርባዕተ ገፈፍቲ ዓሳ እንታይ ጻውዒት እዩ ኣቕሪቡሎም፧ ንሳቶምከ እንታይ ምላሽ እዮም ሂቦም፧

እቶም ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ዝነበሩ ጴጥሮስን እንድርያስን ያእቆብን ዮሃንስን ገፈፍቲ ዓሳ እዮም ነይሮም። የሱስ ንዓታቶም፡ “ኣነ ገፈፍቲ ሰብ ክገብረኩም እየ እሞ፡ ስዓቡኒ” ኢሉ ጻውዒት ምስ ኣቕረበሎም ብዙሕ ተገሪሞም ኪዀኑ ኣለዎም። * እሞኸ እንታይ ምላሽ ሂቦም፧ መጽሓፍ ቅዱስ ኣስዕብ ኣቢሉ፡ “ብኡብኡ መርበቦም ሓዲጎም ሰዓብዎ” ይብለና። (ማቴ. 4:18-22) እቲ ውሳነ እቲ ንህይወቶም፡ ንዘለኣለም ቀዪርዎ እዩ። ቃል ብቓሉ ዓሳ ኣብ ክንዲ ዚገፍፉ፡ ድሕሪኡ፡ “ሰባት ብህይወቶም ከለዉ” እዮም ኪገፍፉ። (ሉቃ. 5:10) ሎሚ፡ የሱስ ነቲ ጻውዒት እቲ፡ ሓቂ ንዚፈትዉ ቕኑዕ ዝልቦም ሰባት የቕርበሎም ኣሎ። (ማቴ. 28:19, 20) እሞኸ ገፋፍ ሰብ ንምዃን ንዝቐረበልካ ጻውዒት ተቐቢልካ ዲኻ፧

2. ገፈፍቲ ሰብ ክንከውን ንእንገብሮ ውሳነ ኣርዚንና ኽንርእዮ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ ነቲ ስጕምቲ እቲ ንምውሳድ ዚሕግዘናኸ እንታይ እዩ፧

2 ምናልባት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንንውሕ ዝበለ ግዜ ኽትገብር ጸኒሕካ ትኸውን፡ ሕጂ ድማ ኣስፋሒ እቲ ብስራት ንምዃን ኣብ እትውስነሉ ደረጃ በጺሕካ ትኸውን። ጻውዒት የሱስ ንምቕባሉ ትወላወል እንተ ኣሊኻ፡ በዚ ተስፋ ኣይትቝረጽ። እዚ ውልውል ንኣገዳስነት እቲ ውሳነ ኸም እተገንዘብካ ኼመልክት ይኽእል እዩ። ልክዕ እዩ፡ ጴጥሮስን ብጾቱን “ብኡብኡ” መርበቦም ሓዲጎም ከም ዝሰዓብዎ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። ይኹን እምበር፡ ጴጥሮስን ሓዉን ነቲ ውሳነ እቲ ብታህዋኽ ኣይኰኑን ወሲኖምዎ። ሽዱሽተ ወርሒ ዚኸውን ኣቐዲሞም፡ ንየሱስ ይፈልጥዎ ነይሮም እዮም፣ መሲሕ ምዃኑ እውን ተቐቢሎምዎ ነይሮም እዮም። (ዮሃ. 1:35-42) ብተመሳሳሊ፡ ንስኻ እውን ክሳዕ ሕጂ ብዛዕባ የሆዋን የሱስን ብዙሕ ተማሂርካ ትኸውን፣ ብመንፈሳዊ መዳይ እውን ብቐጻሊ ኽትዓቢ ትደሊ ትኸውን። ኰይኑ ግና፡ ነዚ ውሳነ እዚ ብዕምቈት ከይሓሰብካሉ ኽትውስን የብልካን። ጴጥሮስን እንድርያስን ካልኦትን ውሳነታቶም ኪገብሩ ዝሓገዞም እንታይ እዩ፧

3. እንታይ ባህርያት እዩ ነቲ ንጻውዒት ክርስቶስ ክትቅበል ዘሎካ ባህጊ ኼሐይሎ ዚኽእል፧

3 ቀዳሞት ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ብርቱዕ ውሽጣዊ ድራኸ ዘለዎምን ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ኣጸቢቖም ዚፈልጡን ተባዓትን ርእሶም ዚግስጹን እዮም ነይሮም። እዚ ባህርያት እዚ ውጽኢታውያን ገፈፍቲ ሰብ ኪዀኑ ኸም ዝሓገዞም ኣየጠራጥርን እዩ። እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ውጽኢታዊ ወደ መዝሙር ክርስቶስ ምእንቲ ኽትከውን፡ ነዚ ባህርያት እዚ ኸመይ ጌርካ ኸተማዕብል ከም እትኽእል ክትገልጽ እያ።

ድራኸኻ ኣሐይል

ጴጥሮስን ካልኦትን ገፈፍቲ ሰብ ኰይኖም እዮም። እዚ ኣገዳሲ ዕዮ እዚ ኸኣ ክሳዕ እዚ ግዜና ይቕጽል ኣሎ (ሕጡብ ጽሑፍ 4-5 ርአ)

4. ጴጥሮስ ገፋፍ ዓሳ ኪኸውን እተለዓዓለ ስለምንታይ እዩ፧

4 ጴጥሮስ ንቤተ ሰቡ ንምንባይ፡ ዓሳ ይገፍፍ ነይሩ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ምግፋፍ ዓሳ ንዕኡ ስራሑ ጥራይ ኣይነበረን። ምግፋፍ ዓሳ ዚፈቱ ዝነበረ እዩ ዚመስል። (ዮሃ. 21:3, 9-15) ገፋፍ ሰብ ምዃን እውን ፈትይዎ ነይሩ እዩ። ብሓገዝ የሆዋ ኸኣ፡ ኣብ ዕዮኡ ኣዝዩ ንፉዕ እዩ ነይሩ።—ግብ. 2:14, 41

5. ብመሰረት ሉቃስ 5:8-11፡ ስለምንታይ እዩ ጴጥሮስ ፈሪሁ ነይሩ፧ እንታይከ እዩ ንተመሳሳሊ ስምዒት ከነሰንፍ ዚሕግዘና፧

5 ንሕና እውን ንየሆዋ ስለ እንፈትዎ ኢና እንሰብኽ፣ ነዚ ዕዮ እዚ እንዓይየሉ ቐንዲ ድራኸና ኸኣ እዚ እዩ። ንየሆዋ ዘሎና ፍቕሪ ነቲ ኸም ዘይንበቅዕ ኰይኑ ዚስምዓና ስምዒት ኸነሰንፍ የኽእለና እዩ። የሱስ ንጴጥሮስ ገፋፍ ሰብ ኪኸውን ጻውዒት ኬቕርበሉ ኸሎ፡ “ኣይትፍራህ” ኢልዎ ነይሩ እዩ። (ሉቃስ 5:8-11 ኣንብብ።) ጴጥሮስ፡ ወደ መዝሙር እንተ ዀይኑ እንታይ ከም ዚኸውን ኣይኰነን ፈሪሁ ነይሩ። የግዳስ፡ የሱስ ብተኣምራዊ መገዲ ብዙሓት ዓሳታት ከም ዚትሓዙ ምስ ገበረ፡ ጴጥሮስ ምስ የሱስ ኪዓዪ ዘይበቅዕ ኰይኑ እዩ ተሰሚዕዎ። ንስኻ እውን፡ ወደ መዝሙር ክርስቶስ ምዃን እንታይ ከም ዜጠቓልል ምስ ፈለጥካ፡ እዚ ኼጨንቐካ ይኽእል እዩ። ከምኡ እንተ ተሰሚዑካ፡ ንየሆዋን ንየሱስን ንሰባትን ዘላትካ ፍቕሪ ኣሐይል፣ ሽዑ፡ ነቲ ገፋፍ ሰብ ክትከውን ካብ የሱስ ዝቐረበልካ ጻውዒት ክትቅበሎ ብውሽጥኻ ኽትድረኽ ኢኻ።—ማቴ. 22:37, 39፣ ዮሃ. 14:15

6. ንስብከት ዚድርኸና እንታይ ካልእ ምኽንያታት ኣሎና፧

6 ንስብከት ዚድርኸና ኻልእ ምኽንያታት እውን ንርአ። ነቲ የሱስ፡ “ኪዱ . . . ደቀ መዛሙርቲ ግበሩ” ኢሉ ዝሃቦ ትእዛዝ ክንእዘዝ ንደሊ ኢና። (ማቴ. 28:19, 20) ብተወሳኺ ድማ፡ ሰባት “ግፉዓትን ድርቡያትን” እዮም ኰይኖም ዘለዉ፡ ሓቂ መንግስቲ ኣምላኽ ኪፈልጡ የድልዮም እዩ። (ማቴ. 9:36) የሆዋ፡ ኵሉ ዓይነት ሰብ ናብ ልክዕ ፍልጠት ሓቂ ኺመጽእን ኪድሕንን ይደሊ እዩ።—1 ጢሞ. 2:4

7. ኣብ ሮሜ 10:13-15፡ ዕዮ ስብከት ኣገዳሲ ምዃኑ ብኸመይ ተገሊጹ ኣሎ፧

7 ብዛዕባ እቲ ስብከትና ኼሕድሮ ዚኽእል ጽልዋ ኽንሓስብ ከለና፡ ነዚ ህይወት ናይ ምድሓን ዕዮ ንምዕያይ ንለዓዓል ኢና። ገፈፍቲ ዓሳ ነቶም ዓሳታት ኪሸጥዎም ወይ ኪበልዕዎም ኢሎም እዮም ዚገፍፍዎም፣ ንሕና ግና ንሰባት ህይወቶም ከነድሕን ኢልና ኢና “እንሕዞም።”—ሮሜ 10:13-15 ኣንብብ፣ 1 ጢሞ. 4:16

ፍልጠትካ ኣዕምቝ

8-9. ሓደ ገፋፍ ዓሳ እንታይ እዩ ኺፈልጥ ነይርዎ፧ ስለምንታይከ፧

8 ብግዜ የሱስ፡ ሓደ ገፋፍ ዓሳ እንታይ ዓይነት ፍጥረት ባሕሪ ኺሕዝ ከም ዚኽእል ኪፈልጥ ነይርዎ። (ዘሌ. 11:9-12) ዓሳታት ኣበይ ከም ዚርከቡ እውን ኪፈልጥ ነይርዎ። ዓሳታት መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ዚጥዕሞምን እኹል ምግቢ ኣብ ዚረኽቡሉን ማያት እዮም ዚርከቡ። ሓደ ገፋፍ ዓሳ ናብ ዕዮኡ ዚኸደሉ ግዜስ ኣገዳሲ ድዩ ነይሩ፧ ዓሳ ንምግፋፍ ብሉጽ ብዛዕባ ዝዀነ ግዜ ንምፍላጥ፡ ወዲ ሓንቲ ኣብ ፓሲፊክ እትርከብ ደሴት ዝዀነ ናይ የሆዋ ምስክር ንሓደ ሚስዮናዊ ዝበሎ እስከ ነስተብህለሉ። ብሓባር ከይዶም ዓሳ ንምሓዝ ቈጸራ ኺገብሩ ኸለዉ፡ እቲ ሚስዮናዊ፡ “ጽባሕ ንግሆ ሰዓት ትሽዓተ ንራኸብ” በሎ። እቲ ሓው ግና፡ “ኣይተረድኣካን። ንዓና ኣብ ዚጥዕመና ዘይኰነስ፡ ነቶም ዓሳታት ኣብ ዚጥዕሞም ግዜ ኢና እንኸይድ” በሎ።

9 ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ገፈፍቲ ሰብ፡ ኣብቲ “ዓሳታት” ዚርከቡሉ ቦታን ግዜን እዮም ዚኸዱ ነይሮም። ንኣብነት፡ ሰዓብቲ የሱስ ኣብ ቤተ መቕደስን ኣብ ምኵራባትን ኣብ በቤትን ኣብ ዕዳጋን ይሰብኩ ነይሮም እዮም። (ግብ. 5:42፣ 17:17፣ 18:4) ንሕና እውን ኣብ ክልና ዘለዉ ሰባት እንታይ ልማዳት ከም ዘለዎም ክንፈልጥ ኣሎና። ሰባት ብዝያዳ ኽንረኽበሉ ኣብ እንኽእል ቦታን ግዜን ንምስባኽ ተዓጻጸፍቲ ኽንከውን ኣሎና።—1 ቈረ. 9:19-23

ክኢላታት ገፈፍቲ ዓሳ . . . 1. ኣብቲ ዓሳታት ብብዝሒ ዚርከቡሉ ቦታን ግዜን ይገፍፉ (ሕጡብ ጽሑፍ 8-9 ርአ)

10. ውድብ የሆዋ እንታይ ናውቲ እያ ኣዳልያትልና ዘላ፧

10 ገፋፍ ዓሳ ግቡእ ናውቲ ኺህልዎን ብኸመይ ከም ዚጥቀመሉ ኺፈልጥን ኣለዎ። ንሕና እውን ንዕዮና ብግቡእ ክንዕጠቕ ኣሎና። ነቲ ናውትና እውን ብኸመይ ከም እንጥቀመሉ ኽንፈልጥ ኣሎና። የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ብኸመይ ሰብ ከም ዚገፍፉ ንጹር መምርሒ ሂብዎም እዩ። እንታይ ሒዞም ከም ዚኸዱን ኣበይ ከም ዚሰብኩን እንታይ ከም ዚብሉን ነጊርዎም እዩ። (ማቴ. 10:5-7፣ ሉቃ. 10:1-11) ሎሚ፡ ውድብ የሆዋ ውጽኢታዊ ዝዀነ ናውቲ ትምህርቲ ኣዳልያትልና ኣላ። * ነዚ ናውቲ እዚ ብኸመይ ከም እንጥቀመሉ እውን ተማሂርና ኢና። እቲ ስልጠና እቲ፡ ኣብ ዕዮና ውጽኢታዊ ንምዃን ዜድልየና ርእሰ ምትእምማንን ክእለትን ይህበና እዩ።—2 ጢሞ. 2:15

ክኢላታት ገፈፍቲ ዓሳ . . . 2. ግቡእ ናውቲ ንምጥቃም ዝሰልጠኑ እዮም (ሕጡብ ጽሑፍ 10 ርአ)

ትብዓት ኣማዕብል

11. ገፈፍቲ ሰብ ተባዓት ኪዀኑ ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧

11 ገፈፍቲ ዓሳ ተባዓት ኪዀኑ ኣለዎም። ሓድሓደ ግዜ፡ ኣብ ባሕሪ ንምግማቱ ዜሸግር ኵነታት የጋጥሞም እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ለይቲ ሓደገኛ ማዕበል ኣብ ዚልዓለሉ ማያት ይዓይዩ እዮም። ገፈፍቲ ሰብ እውን ትብዓት የድልዮም እዩ። ስብከት ምስ ጀመርናን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም ዝዀንና ምስ ገለጽናን፡ ከም “ማዕበል” ዝበለ ኻብ ስድራ ቤት ዚመጽእ ተጻብኦን ካብ ፈለጥቲ ዚመጽእ ላግጽን ኣብ ልዕሊ መልእኽትና ዚልዓል ተቓውሞን ኬጋጥመና ይኽእል እዩ። እዚ ግና ኣየሰምብደናን እዩ። የሱስ ንሰዓብቱ ናብ ተጻብኦ ዘለዎ ዅነታት ከም ዚልእኮም ኣጠንቂቑ ነይሩ እዩ።—ማቴ. 10:16

12. ከምቲ ኣብ እያሱ 1:7-9 ተገሊጹ ዘሎ፡ ትብዓት ንምምዕባል እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧

12 እሞ ደኣ ኸመይ ጌርካ ኢኻ ትብዓት ከተማዕብል እትኽእል፧ ቀዳማይ፡ የሱስ ነዚ ዕዮ እዚ ኻብ ሰማይ ከም ዚመርሖ እመን። (ዮሃ. 16:33፣ ራእ. 14:14-16) ድሕሪኡ፡ ነቲ የሆዋ ኸም ዚሓልየልካ ዘሎካ እምነት ኣደልድሎ። (ማቴ. 6:32-34) እምነትካ እናደልደለ ምስ ከደ፡ ብዝያዳ ኽትተብዕ ኢኻ። ጴጥሮስን ብጾቱን ንመነባብሮኦም ሓዲጎም ንየሱስ ንምስዓብ ዓባይ እምነት ኣርእዮም እዮም። ንስኻ እውን ንፈለጥትኻን ንኣባላት ቤተ ሰብካን ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከተጽንዕ ከም ዝጀመርካን ኣብ ኣኼባታት ክትእከብ ከም ዝጀመርካን ኣብ ዝሓበርካሉ እዋን፡ ዓባይ እምነት ኣርኢኻ ኢኻ። በቲ ቕኑዕ መለክዒታት የሆዋ ንምምልላስ ከኣ ኣብ ኣካይዳኻን ኣብ ኣነባብራኻን ዓብዪ ለውጥታት ጌርካ ኽትከውን ኣሎካ። እዚ እውን እምነትን ትብዓትን ዚሓትት እዩ ነይሩ። ብቐጻሊ ትብዓት ከተማዕብል ከለኻ፡ “የሆዋ ኣምላኽካ ኣብ እትኸዶ ዘበለ ምሳኻ” ኸም ዝዀነ ኽትተኣማመን ትኽእል ኢኻ።—እያሱ 1:7-9 ኣንብብ።

ክኢላታት ገፈፍቲ ዓሳ . . . 3. ኵነታት እናተለዋወጠ ብትብዓት ይዓይዩ (ሕጡብ ጽሑፍ 11-12 ርአ)

13. ትጽልን ተስተንትንን እንተ ዄንካ፡ እዚ ትብዓት ንምምዕባል ብኸመይ ኪሕግዘካ ይኽእል፧

13 ትብዓት ንምምዕባል እንታይ ተወሳኺ ኽትገብር ትኽእል፧ ትብዓት ምእንቲ ኺውሃበካ ጸሊ። (ግብ. 4:29, 31) የሆዋ ንጸሎትካ ኺምልሰልካ እዩ፣ ከቶ እውን ኣይኪሓድገካን እዩ። ወትሩ ኺድግፈካ እዩ። ኣብ ሕሉፍ ግዜ፡ የሆዋ ንሰባት ብኸመይ ከም ዘድሓኖም እውን ከተስተንትነሉ ትኽእል ኢኻ። ጸገማት ንምጽዋር ብኸመይ ከም ዝሓገዘካ፡ ኣብ ኣነባብራኻ ለውጥታት ንምግባር ብኸመይ ብርታዐ ኸም ዝሃበካ እውን ሕሰበሉ። እቲ ንህዝቡ ብቐይሕ ባሕሪ ዘሳገረ ኣምላኽ፡ ንዓኻ ወደ መዝሙር ክርስቶስ ክትከውን ኪሕግዘካ ኸም ዚኽእል ኣየጠራጥርን እዩ። (ዘጸ. 14:13) ከምቲ “የሆዋ ምሳይ እዩ፣ ኣይፈርህን እየ። ሰብከ እንታይ ከይገብረኒ፧” ዝበለ ዘማሪ ዝነበሮ እምነት ይሃሉኻ።—መዝ. 118:6

14. ካብ ተመክሮ ማሳዪን ቶሞዮን እንታይ ንምሃር፧

14 ትብዓት እተማዕብለሉ ኻልእ መገዲ ኸኣ፡ የሆዋ ነቶም ብተፈጥሮኦም ሓፋራት ክነሶም ኪተብዑ ዝኸኣሉ ሰባት ብኸመይ ከም ዝሓገዞም ብምፍላጥ እዩ። ተመክሮ ሓንቲ ማሳዪ ዝስማ ሓብቲ እስከ ንርአ። ሓፋር ብምንባራ ብዛዕባ እምነታ ብግህዶ ኽትዛረብ ዘይትኽእል ኰይኑ እዩ ተሰሚዕዋ ነይሩ። ንዘይትፈልጦም ሰባት ምዝራብ ዚብልዎ ሓሳብ፡ ክትሰግሮ ኸም ዘይትኽእል ነዊሕ መንደቕ እዩ ዀይንዋ ነይሩ። ስለዚ፡ ንኣምላኽን ንሰባትን ዘለዋ ፍቕሪ ንምዕማቝ ፍሉይ ጻዕሪ ገበረት። ብህጹጽ ክንሰብኽ ከም ዘሎና ኣስተንተነትሉ፡ ንምስባኽ ዘለዋ ባህጊ ምእንቲ ኺጐሃሃር እውን ጸለየት። ነቲ ፍርሃ ኣሰኒፋ ኸኣ፡ ስርዕቲ ፈላሚት ኰይና ኸተገልግል ከኣለት። የሆዋ ንሓደስቲ ኣስፋሕቲ እውን፡ ‘ኪተብዑ’ ይሕግዞም እዩ። ተመክሮ ሓብትና ቶሞዮ እሞ ንርአ። ኣብ በቤት እናኸደት ክትሰብኽ ምስ ጀመረት፡ እታ ፈለማ ዝረኸበታ ብዓልቲ ቤት፡ “ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣይደልየኩምን እየ!” ኢላ እናጨደረት ንማዕጾኣ ገም ኣበለቶ። ቶሞዮ ኸኣ ብትብዓት ንብጸይታ፡ “ሰሚዕክያዶ፧ ዋላ ሓንቲ ቓል ከይተዛረብክዋ፡ ናይ የሆዋ ምስክር ምዃነይ ኣለልያትኒ። ብዙሕ እየ ተሓጒሰ!” በለታ። ሕጂ ቶሞዮ ስርዕቲ ፈላሚት ኰይና ተገልግል ኣላ።

ርእሰ ተግሳጽ ኣማዕብል

15. ርእሰ ተግሳጽ እንታይ እዩ፧ ንክርስትያናት ኣገዳሲ ዝዀነኸ ስለምንታይ እዩ፧

15 ንፉዓት ገፈፍቲ ዓሳ ገዛእ ርእሶም ይግስጹ እዮም። ርእሰ ተግሳጽ፡ “ኪግበር ዘለዎ ንምግባር ገዛእ ርእስኻ እትድርኸሉ ኽእለት” ተባሂሉ ይግለጽ እዩ። ገፈፍቲ ዓሳ ኣንጊሆም ተንሲኦም ክሳዕ እቲ ዕዮኦም ዚውዳእ ንምዕያይን ሕማቕ ኵነታት ኣየር እናሃለወ ጸኒዖም ንምቕጻልን ገዛእ ርእሶም ኪግስጹ ኣለዎም። ንሕና እውን ክንጻወርን ዕዮና ኽንፍጽምን እንተ ዄንና፡ ርእስና ኽንግስጽ ኣሎና።—ማቴ. 10:22

16. ከመይ ጌርና ኢና ርእሰ ተግሳጽ ከነማዕብል እንኽእል፧

16 ርእሰ ተግሳጽ እንወርሶ ነገር ኣይኰነን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ፡ ብተፈጥሮና መብዛሕትኡ ግዜ ዝቐለለ ነገር ኢና እንመርጽ። ርእስና ንምግሳጽ፡ ርእሰ ግትኣት የድልየና እዩ። ስለዚ፡ ነቲ ንምግባሩ ኣጸጋሚ ዝዀነ ነገር ምግባር ምእንቲ ኽንስልጥን፡ ሓገዝ የድልየና እዩ። የሆዋ ድማ ነቲ ሓገዝ እቲ ብመንፈስ ቅዱስ ኣቢሉ ይህበና እዩ።—ገላ. 5:22, 23

17. ኣብ 1 ቈረንቶስ 9:25-27 ተመዝጊቡ ኸም ዘሎ፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ነቲ ርእስና ኽንግስጽ እንገብሮ ጻዕርታት ብኸመይ ገሊጽዎ ኣሎ፧

17 ሃዋርያ ጳውሎስ ርእሱ ዚግስጽ ሰብ እዩ ነይሩ። ቅኑዕ ዘበለ ንምግባር ንሰብነቱ ‘ኼጕስጦ’ ኸም ዘለዎ ተኣሚኑ እዩ። (1 ቈረንቶስ 9:25-27 ኣንብብ።) ንኻልኦት ከኣ ርእሶም ኪግስጹ፡ ኵሉ እውን “ብኣገባብን ብስርዓትን” ኪገብሩ ተማሕጺንዎም እዩ። (1 ቈረ. 14:40) ጽቡቕ መንፈሳዊ ልማድ ሒዝና ምእንቲ ኽንመላለስ፡ እንተላይ ኣብቲ ምሳልያዊ ምግፋፍ ዓሳ ስሩዕ ተሳትፎ ምእንቲ ኺህልወና፡ ርእስና ኽንግስጽ ኣሎና።—ግብ. 2:46

ኣይትደንጒ

18. የሆዋ ዕዉታት ገይሩ ምእንቲ ኺርእየና፡ እንታይ ክንገብር ኣሎና፧

18 ገፋፍ ዓሳ ንኣሳልጦኡ በቲ ዚሕዞ ብዝሒ ዓሳ እዩ ዚልክዖ። ንሕና ግና ንኣሳልጦና በቲ ናብ ውድብ ኣምላኽ ዘምጻእናዮም ብዝሒ ሰባት ኣይኰንናን እንልክዖ። (ሉቃ. 8:11-15) ብተጻዋርነት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ክሳዕ ዝሰበኽናን ንሰባት ክሳዕ ዝመሃርናን፡ የሆዋ ኸም ዕዉታት ገይሩ ይርእየና እዩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ንዕኡን ንወዱን ንእዘዞም ኢና ዘለና።—ማር. 13:10፣ ግብ. 5:28, 29

19-20. ሕጂ ንምስባኽ ዜለዓዕል እንታይ ፍሉይ ድራኸ ኣሎና፧

19 ኣብ ገሊኡ ሃገራት፡ ኣብ እተወሰነ ኣዋርሕ ጥራይ እዩ ምግፋፍ ዓሳ ዚፍቀድ። ኣብተን ሃገራት እቲአን፡ ምግፋፍ ዓሳ ዚፍቀደሉ ቕንያት ኪዛዘም ከሎ፡ ገፋፍ ዓሳ ብህጹጽ ኪዓዪ ኣለዎ። ንሕና ድማ ገፈፍቲ ሰብ ከም ምዃንና መጠን፡ ሕጂ ንምስባኽ ተወሳኺ ድራኸ ኣሎና፦ መወዳእታ እዚ ስርዓት እዚ ብቕልጡፍ ይቐርብ ኣሎ! ኣብዚ ህይወት ናይ ምድሓን ዕዮ እዚ ንምስታፍ ተሪፉና ዘሎ ግዜ ኣመና ይንኪ ኣሎ። ኣብዚ ወሳኒ ንጥፈት እዚ ንምስታፍ ኣይትደንጒ፡ ኵሉ ዅነታት ክሳዕ ዚጠዓዓም እውን ኣይትጸበ።—መክ. 11:4

20 ውሽጣዊ ድራኸኻ ንምሕያል ሕጂ ስጕምቲ ውሰድ፡ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎካ ፍልጠት ኣሐይል፡ ትብዓት ኣማዕብል፡ ርእስኻ እውን ገስጽ። ነቶም ልዕሊ ሸሞንተ ሚልዮን ገፈፍቲ ሰብ ተጸምበሮም፣ ሓጐስ የሆዋ ድማ ክትረክብ ኢኻ። (ነህ. 8:10) ኣብዚ ዕዮ እዚ ምሉእ ተሳትፎ ኺህልወካን ክሳዕ መወዳእታኡ ኽትዛዝሞን ቈራጽነት ግበር። ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ፡ ኣብ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ገፈፍቲ ሰብ ኴንና ንምቕጻል ዝገበርናዮ ቘራጽነት ዜሐይል ሰለስተ መገድታት ክንርኢ ኢና።

መዝሙር 66 ብስራት ኣበስሩ

^ ሕ.ጽ. 5 የሱስ ንትሑታትን ንጻዕረኛታትን ገፈፍቲ ዓሳ፡ ደቀ መዛሙርቱ ኪዀኑ ዓዲምዎም እዩ። ሎሚ ድማ፡ ተመሳሳሊ ባህርያት ንዘለዎም ሰባት፡ ገፈፍቲ ሰብ ኪዀኑ ይዕድሞም ኣሎ። እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ንዕድመ የሱስ ንምቕባል ዜማትኡ ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ኪገብሩ ኸም ዘለዎም ትገልጽ።

^ ሕ.ጽ. 1 መግለጺ ቓላት፦ እታ “ገፈፍቲ ሰብ” እትብል ሓረግ ንዅሎም እቶም ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ዚሰብኩን ንኻልኦት ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ ኪዀኑ ዚምህሩን ሰባት ተመልክት።

^ ሕ.ጽ. 10 ኣብ ናይ ጥቅምቲ 2018 ግምቢ ዘብዐኛ፡ ገጽ 11-16 ዝወጸት፡ “ሓቂ ምሃር” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።