ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 39

ሰብካ ንየሆዋ ምስ ዚሓድጎ

ሰብካ ንየሆዋ ምስ ዚሓድጎ

“ክንደይ ሳዕ . . . ኣጕሃይዎ።”—መዝ. 78:40

መዝሙር 102 ‘ንድኹማት ንደግፍ’

መላለዪ *

1. ገሊኦም ሰባት ሰቦም ኪውገድ ከሎ እንታይ ይስምዖም፧

ሰብካ ኻብ ጉባኤ ተወጊዱዶ ይፈልጥ፧ እዚ ልቢ ዚሰብር ኪኸውን ይኽእል እዩ። ሂልዳ ዝስማ ሓብቲ፡ “ድሕሪ ናይ 41 ዓመት ሓዳር፡ እሙን ሰብኣየይ ምስ ሞተ ዝኸፍአ ነገር ዘጋጠመኒ መሲሉኒ ነይሩ። * ወደይ ንጉባኤን ንሰበይቱን ንደቁን ሓዲጉ ምስ ከደ ግና፡ እዚ ዝገደደ እዩ ዀይኑኒ” ትብል።

የሆዋ ነቲ ሰብካ ንዕኡ ኺሓድጎ ኸሎ ዚስምዓካ ጓሂ ይርድኦ እዩ (ሕጡብ ጽሑፍ 2-3 ርአ) *

2-3. ብመሰረት መዝሙር 78:40, 41፡ የሆዋ ኣገልገልቱ ኺሓድግዎ ኸለዉ ኸመይ ይስምዖ፧

2 የሆዋ፡ ገሊኦም መላእኽቱ ዝባኖም ምስ ሃብዎ፡ ክሳዕ ክንደይ ልቡ ኸም እተሰብረ እሞ ሕሰቦ! (ይሁ. 6) እቶም ዜፍቅሮም ህዝቡ ዚዀኑ እስራኤላውያን እውን ብተደጋጋሚ ኻብኡ ምስ ዓለዉ፡ እዚ ኸመይ ከም ዘጕሃዮ እሞ ብኣእምሮኻ ስኣሎ። (መዝሙር 78:40, 41 ኣንብብ።) ሰብካ ኺሓድግዎ ኸለዉ እውን ከም ዚጕሂ ርግጸኛ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ። እቲ ተሕልፎ ዘለኻ ሓዘን ይርድኦ እዩ። ዜድልየካ መተባብዕን ደገፍን እውን ብርሕራሐ ኺህበካ እዩ።

3 ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ከምዚ ዓይነት ጓሂ ኼጋጥመና ኸሎ፡ ሓገዝ የሆዋ ንምርካብ እንታይ ክንገብር ከም እንኽእል ክንርኢ ኢና። ኣብ ጉባኤና ዘለዉ እዚ ጸገም እዚ ንዘጋጠሞም ክርስትያናት ንምሕጋዝ እውን እንታይ ክንገብር ከም እንኽእል ክንምርምር ኢና። ፈለማ ግና ከነወግዶ ዚግባእ ኣሉታዊ ኣተሓሳስባ እስከ ንርአ።

ርእስኻ ኣይትውቀስ

4. ብዙሓት ወለዲ፡ ውሉዶም ንየሆዋ ኺሓድጎ ኸሎ እንታይ ይስምዖም፧

4 ውሉድ ንየሆዋ ኺሓድጎ ኸሎ፡ ወለዲ ንዕኡ ንምሕጋዝ ኪገብርዎ ዚኽእሉ ነገራት እንተ ነይሩ ይሓስቡ እዮም። ሉክ ዝስሙ ሓው ወዱ ምስ ተወገደ፡ “ርእሰይ እወቅስ ነይረ። ብዛዕባኡ ሕማቕ ሕልሚ እሓልም ነይረ። ሓድሓደ ግዜ እበኪ ነይረ፣ ልበይ እውን ይቕንዞ ነይሩ” ይብል። ተመሳሳሊ ነገር ዘጋጠማ ኤሊዛቤት እትብሃል ሓብቲ ኸኣ፡ “ከም ኣደ እንታይ ጌጋ እየ ገይረ፧ ንወደይ ሓቂ ኣይተኸልኩሉን ኢለ እየ ሓሲበ” ኢላ ቓንዛኣ ትገልጽ።

5. ሓደ ሰብ ንየሆዋ ምስ ዚሓድጎ፡ በዚ ተሓታቲ ዚኸውን መን እዩ፧

5 የሆዋ ንነፍሲ ወከፍና ናይ ምምራጽ ናጽነት ከም ዝሃበና ኽንዝክር ኣሎና። እዚ ድማ ንዕኡ ኽንእዘዞ ወይ ከይንእዘዞ ኽንሓሪ ንኽእል ማለት እዩ። ገሊኦም ጽቡቕ ኣተዓባብያ ዘይነበሮም መንእሰያት ንየሆዋ ምግልጋል ሓርዮም እዮም፣ ኣብ ኣገልግሎቶም ድማ ዕዉታት ኰይኖም እዮም። ገሊኦም ከኣ ወለዶም ብቕዱስ ጽሑፋዊ ስርዓታት ኣዕብዮምዎም ክነሶም፡ ምስ ዓበዩ ንሓቂ ዝባኖም ሂቦም እዮም። በዚ ዀነ በቲ፡ ንየሆዋ ምግልጋል ወይ ዘይምግልጋል ብብሕትና ኽንውስን ኣሎና። (እያ. 24:15) ስለዚ፡ ኣቱም ዝጐሃኹም ወለዲ፡ በደልቲ ኸም ዝዀንኩም ጌርኩም ርእስኹም ኣይትውቀሱ!

6. ወላዲ ንኣምላኽ ኪሓድጎ ኸሎ፡ ውሉድ ብኸመይ ኪጽሎ ይኽእል፧

6 ሓድሓደ ግዜ፡ ወላዲ ንሓቂ ዀነ ንስድራኡ ይጥንጥን እዩ። (መዝ. 27:10) እዚ ኸኣ ነቶም ንወላዲኦም ከም ኣርኣያኦም ገይሮም ዚርእዩ ውሉዳት ብዙሕ ይጐድኦም እዩ። ኤስተር ዝስማ ሓብቲ ኣቦኣ ምስ ተወገደ ብዛዕባ እተሰምዓ ስምዒት ከምዚ ትብል፦ “ካብ ሓቂ በብቝሩብ ይውሰድ ጥራይ ከም ዘይነበረ ስለ ዝፈለጥኩ፡ ብዙሕ እበኪ ነይረ። ንየሆዋ ጠሪሱ ኺሓድጎ ብፍላጥ እዩ ዚውስን ነይሩ። ንኣቦይ እፈትዎ እየ፣ ስለዚ፡ ምስ ተወገደ፡ ብዛዕባ ድሕንነቱ ወትሩ ይጭነቕ ነይረ እየ። ዝገብሮ ሕርብት ዚብለኒ እዋናት እውን ነይሩ እዩ።”

7. የሆዋ ብዛዕባ እቶም ወላዲኦም እተወገደ መንእሰያት እንታይ ይስምዖ፧

7 ኣቱም መንእሰያት፡ ሓደ ኻብ ወለድኹም እንተ ተወጊዱ፡ ሓዘንኩም ይርድኣና እዩ። የሆዋ ንስቓይኩም ኣጸቢቑ ኸም ዚፈልጦ እውን ከነረጋግጸልኩም ንፈቱ። ንሱ የፍቅረኩም እዩ፡ ንተኣማንነትኩም ድማ የማስወሉ እዩ፣ ንሕና ኣሕዋትኩምን ኣሓትኩምን እውን ከምኡ እዩ ዚስምዓና። ብውሳነ ወላዲኹም ተሓተትቲ ኸም ዘይኰንኩም እውን ኣይትረስዑ። ኣቐዲሙ ኸም እተጠቕሰ፡ የሆዋ ኣብ ቅድሚ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ምርጫ ኣንቢሩ ኣሎ። ነፍሲ ወከፍ ርእሱ ዝወፈየን እተጠምቀን ሰብ ከኣ፡ “ሓላፍነቱ ዜሰክሞ ጾር ኪጸውር” ኣለዎ።—ገላ. 6:5፡ እ.ጽ.።

8. እሙናት ኣባላት ስድራ ቤት ንሰቦም ናብ የሆዋ ኺምለስ እናተጸበዩ እንታይ ኪገብሩ ይኽእሉ፧ (“ ናብ የሆዋ ተመለስ” ዘርእስታ ሳጹን እውን ርአ።)

8 ሰብካ ንየሆዋ ምስ ዚሓድጎ፡ ሓደ መዓልቲ ኺምለስ ተስፋ ትገብር ኢኻ። ነዚ እናተጸበኻ ግና እንታይ ክትገብር ትኽእል፧ መንፈሳዊ ጥዕናኻ ኽትከናኸን ትኽእል ኢኻ። ከምኡ ምስ እትገብር፡ ንኻልኦት ኣባላት ስድራ ቤትካ፡ ምናልባት እውን ነቲ እተወገደ ሰብካ ሰናይ ኣብነት ትኸውን ኢኻ። ነቲ ስቓይካ ንምጻር ዜኽእል ብርታዐ እውን ትረክብ ኢኻ። ሕጂ፡ ክትወስዶ እትኽእል ግብራዊ ስጕምትታት እስከ ንርአ።

መንፈሳውነትካ ንምሕላው እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

9. ከመይ ጌርካ ኢኻ ኻብ የሆዋ ብርታዐ ኽትረክብ እትኽእል፧ (“ ሰብካ ንየሆዋ ኣብ ዚሓድገሉ እዋን ኬጸናንዓካ ዚኽእል ጥቕስታት” ዘርእስታ ሳጹን እውን ርአ።)

9 መንፈሳዊ ልማዳትካ ሓሉ። ንርእስኻን ንኻልኦት ኣባላት ስድራ ቤትካን እውን ብቐጻሊ ኣበርትዕ። ከመይ ጌርካ ኸምኡ ኽትገብር ትኽእል፧ ቃል ኣምላኽ ብስሩዕ ብምንባብን ብዛዕባኡ ብምስትንታንን ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ብምእካብን፡ ካብ የሆዋ ብርታዐ ርኸብ። ኣቦኣን ሓብታን ንሓቂ ዝሓደግዎ ጆኣና ኸምዚ ትብል፦ “ብዛዕባ እቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሶም ዘለዉ እኒ ኣቢጋይልን ኣስቴርን እዮብን ዮሴፍን የሱስን ከንብብ ከለኹ፡ ህድኣት ይስምዓኒ እዩ። ኣብነቶም ንልበይን ንኣእምሮይን ብኣወንታዊ ሓሳባት ይመልኦ እዩ፣ እዚ ድማ ንስቓየይ የህድኣለይ እዩ። ናይ ፈለማ መዝሙራትና እውን ኣዝዩ ዜተባብዕ ኰይኑ እየ ረኺበዮ።”

10. መዝሙር 32:6-8 ንጭንቀትና ኽንጻወር ብኸመይ ትሕግዘና፧

10 ዜተሓሳስበካ ነገራት ንየሆዋ ንገሮ። ኪጨንቀካ ኸሎ፡ ናብኡ ምጽላይ ደው ኣይተብል። ነቲ ፈቃር ኣምላኽና ኸኣ፡ ነቲ ዅነታት ብኣረኣእያኡ ኽትርኢ ኺሕግዘካ፡ ‘ልቦና ኺህበካ፡ እታ ኽትከደላ ዚግብኣካ መገዲ እውን ኪምህረካ’ ለምኖ። (መዝሙር 32:6-8 ኣንብብ።) ልክዕ እዩ፡ ብሓቂ እንታይ ከም ዚስምዓካ ንየሆዋ ምንጋር ኣዝዩ ዜሳቒ ኪኸውን ይኽእል እዩ። የሆዋ ግና ንስቓይ ልብኻ ምሉእ ብምሉእ ይርድኦ እዩ። ኣዝዩ የፍቅረካ እዩ፡ ልብኻ ኸተፍስሰሉ እውን ይምሕጸነካ እዩ።—ዘጸ. 34:6፣ መዝ. 62:7, 8

11. ብመሰረት እብራውያን 12:11፡ ኣብ ፍቕራዊ ተግሳጽ የሆዋ እምነት ከነሕድር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ (“ ውገዳ—መግለጺ ፍቕራዊ ተግሳጽ የሆዋ” ዚብል ሳጹን እውን ርአ።)

11 ንውሳነ ሽማግለታት ደግፍ። ውገዳ ኽፍሊ መሰናድዎ የሆዋ እዩ። እቲ ፍቕራዊ መአረምታኡ፡ ንዅሉ ሰብ፡ እንተላይ ነቲ ኣባሲ ይጠቅም እዩ። (እብራውያን 12:11 ኣንብብ።) ገሊኦም ብዛዕባ እቲ ሽማግለታት ዝሃብዎ ተግሳጽ ኣሉታዊ ሓሳባት ይህቡ ይዀኑ። ከምዚ ዚብል ሰብ ግና መብዛሕትኡ ግዜ ንኣሉታዊ ጐድኒ እቲ ኣባሲ ኣይጠቅስን እዩ። ብሓጺሩ፡ ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ምሉእ ሓበሬታ የብልናን። ስለዚ፡ እቶም ፍርዳዊ ስጕምቲ ዝወሰዱ ሽማግለታት ቅዱስ ጽሑፋዊ ስርዓታት ኪስዕቡን “ንየሆዋ” ኢሎም ኪፈርዱን ከም ዝጸዓሩ ኽንኣምን ኣሎና።—2 ዜና 19:6

12. ገሊኦም ንመሰናድዎ ተግሳጽ የሆዋ ብምድጋፎም እንታይ ጥቕምታት ረኺቦም፧

12 ነቲ ሽማግለታት ንሰብካ ንምውጋድ ዝገበርዎ ውሳነ ብምድጋፍ፡ ናብ የሆዋ ኺምለስ ትሕግዞ ትኸውን። እታ ኣቐዲማ እተጠቕሰት ኤሊዛቤት፡ “ምስ በጽሒ ወድና ብስድራ ቤት እነሕልፎ ዝነበርና ግዜ ምቍራጽ ኣመና ኸቢድ እዩ ነይሩ” ኢላ ትእመን። ኣስዕብ ኣቢላ ኸኣ፡ “ግናኸ፡ ናብ የሆዋ ምስ ተመልሰ፡ ኪውገድ ይግብኦ ኸም ዝነበረ ተኣሚኑ እዩ። ጸኒሑ ድማ፡ ብዙሕ ጽቡቕ ትምህርትታት ከም እተማህረ ገሊጹ እዩ። ኣነ እውን ንተግሳጽ የሆዋ ኣኽቢረ ኽርእዮ ኽኢለ እየ” ትብል። ሰብኣያ ማርክ እውን፡ “ድሕሪ ነዊሕ ግዜ፡ ወድና ኺምለስ ድሌት ካብ ዘሕደረሉ ምኽንያታት ሓደ፡ ከምቲ ኽንገብሮ ዚግባእ ስለ ዝገበርና ምዃኑ ነጊሩኒ እዩ። እዙዛት ክንከውን የሆዋ ስለ ዝሓገዘና ብዙሕ እየ ዝሕጐስ” ይብል።

13. ንስምዒታዊ ስቓይ ንምጽዋር፡ እንታይ ኪሕግዘካ ይኽእል፧

13 ንዚርድኡልካ ፈተውትኻ ናይ ውሽጥኻ ንገሮም። ኣወንታዊ ኣረኣእያ ኽትሕዝ ምስ ዚሕግዙኻ ብሱላት ክርስትያናት ተቐራረብ። (ምሳ. 12:25፣ 17:17) እታ ኣቐዲማ እተጠቕሰት ጆኣና፡ “በይነይ ዝዀንኩ ዀይኑ ይስምዓኒ ነይሩ። ንዝኣምኖም ፈተውተይ ምስ ኣዛረብክዎም ግና፡ ነቲ ነገር ክጻወሮ ሓጊዙኒ” ትብል። እንተዀነ ግና፡ ገሊኦም ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ክርስትያናት ብዝያዳ ሕማቕ ከም ዚስምዓካ ዚገብር ዘረባ ዚዛረቡ እንተ ዀይኖም እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

14. ‘ንሓድሕድና ኽንተዓጋገስን ብናጻ ይቕረ ኽንባሃሃልን’ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

14 ንኣሕዋትካን ንኣሓትካን ተዓገሶም። ከም ሓቂ፡ ኵሉ ሰብ ወትሩ ቕኑዕ ነገር ኪዛረብ ኣይክእልን እዩ። (ያእ. 3:2) ኵላትና ዘይፍጹማት ኢና፣ ስለዚ፡ ገሊኦም እንታይ ከም ዚብሉ እንተ ዘይፈለጡ ወይ ብዘይፍላጥ ሃሳዪ ዘረባ እንተ ተዛረቡ፡ በዚ ኣይትገረም። ነቲ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ሓደ ኣብቲ ሓደ ቕር ዜብል ነገር እንተ ኣልይዎ፡ ንሓድሕድኩም ተዓጋገሱን ብናጻ ይቕረ ተባሃሃሉን” ኢሉ ዝሃቦ ምዕዶ ዘክሮ። (ቈሎ. 3:13) ሓንቲ ቤተ ሰባ እተወገዳ ሓብቲ፡ “ነቶም ፍጹም ብዘይኰነ መገዲ ቕኑዕ ነገር ኪገብሩ ዚጽዕሩ ኣሕዋት ይቕረ ኽብለሎም የሆዋ ሓጊዙኒ እዩ” ትብል። እሞ ደኣ ኣባላት ጉባኤ ነቶም እሙናት ኣባላት ስድራ ቤት ንምሕጋዝ እንታይ ኪገብሩ ይኽእሉ፧

ኣባላት ጉባኤ ኺሕግዙ ይኽእሉ

15. ኣብ ቀረባ ግዜ ሰቦም ንእተወገዶም ኣባላት ስድራ ቤት እንታይ ኪሕግዞም ይኽእል፧

15 ንእሙናት ኣባላት ስድራ ቤት ለውሃሎም። ሚርያም ዝስማ ሓብቲ ሓዋ ምስ ተወገደ ናብ ኣኼባታት ምኻድ ጨኒቕዋ ኸም ዝነበረ ኽትገልጽ ከላ፡ “ሰብ እንታይ ከም ዚብል የፍርሃኒ ነይሩ። ነቲ እተወገደ ሓወይ ቂም ከይሓዙ፡ መኻፍልቲ ጓህየይ ዝዀኑ ጥዑማት ፈተውቲ ግና ነይሮምኒ እዮም። ሳላኦም ከኣ፡ በይነይ እሓዝን ዘለኹ ዀይኑ ኣይተሰምዓንን” ትብል። ካልእ ሓብቲ ድማ፡ “ወድና ምስ ተወገደ፡ ፍቑራት ፈተውትና ኼጸናንዑና መጺኦም። ገሊኦም እንታይ ከም ዚብሉ ኸም ዘይፈልጡ ገሊጾምልና። ስለዚ፡ ምሳይ ሓቢሮም ነቢዖም፡ ወይ ሓጻር ደብዳበ ሰዲዶምለይ። እቲ ዝገበርዎ፡ ብዙሕ እዩ ሓጊዙኒ” ትብል።

16. ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ክርስትያናት ቀጻሊ ደገፍ ኪህቡ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧

16 ነቶም እሙናት ኣባላት ስድራ ቤት ብቐጻሊ ደግፎም። ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ፍቕርኻን መተባብዒኻን የድልዮም እዩ። (እብ. 10:24, 25) ሓድሓደ ግዜ፡ ኣባላት ስድራ ቤት ውጉድ፡ ገሊኦም ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ክርስትያናት ከም ዜርሕቕዎም ኰይኑ ይስምዖም እዩ። ፈጺምካ ኸምኡ ኣይትግበር! ምናዳ ወለዶም ካብ ሓቂ ዝወጽዎም መንእሰያት፡ ናእዳን መተባብዕን የድልዮም እዩ። ማሪያ ሰብኣያ ምስ ተወገደን ንስድራኡ ሓዲጉ ምስ ከደን ብዛዕባ እተገብረላ ነገር ከምዚ ትብል፦ “ገሊኦም ፈተውተይ ናብ ገዛይ መጺኦም ምግቢ ሰሪሖምልና፡ ኣብ መጽናዕቲ ስድራ ቤት እውን ሓጊዞምና። ስቓየይ ስለ እተረድኦም፡ ምሳይ በኽዮም። ናይ ሓሶት ወረ ኺናፈስ ከሎ ኸኣ ተጣቢቖምለይ። ብሓቂ ብዙሕ ኣተባቢዖምኒ እዮም።”—ሮሜ 12:13, 15

ኣባላት ጉባኤ ነቶም እሙናት ኣባላት ስድራ ቤት ኪድግፍዎም ይኽእሉ እዮም (ሕጡብ ጽሑፍ 17 ርአ) *

17. ሽማግለታት ብርሕራሐ ኺድግፉ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧

17 ኣቱም ሽማግለታት፡ በቲ ዝረኸብክምዎ ኣጋጣሚታት ተጠቒምኩም ንእሙናት ኣባላት ስድራ ቤት ኣበርትዕዎም። ነቶም ንየሆዋ ዝሓደገ ቤተ ሰብ ዘለዎም ክርስትያናት ብጾትኩም ናይ ምጽንናዕ ፍሉይ ሓላፍነት ኣሎኩም። (1 ተሰ. 5:14) ተበግሶ ወሲድኩም ቅድምን ድሕርን ክርስትያናዊ ኣኼባታት ኣተባብዕዎም። ብጽሕዎም፡ ጸልዩሎም እውን። ኣብ ኣገልግሎት ምሳታቶም ዕየዩ፣ ሓድሓደ ግዜ ድማ ኣብ ኣምልኾ ስድራ ቤት ኪጽምበሩኹም ዓድምዎም። መንፈሳውያን ጓሶት ነቶም ዝሓዘኑ ኣባጊዕ ርሕራሐን ፍቕርን ቈላሕታን ኬርእይዎም ኣለዎም።—1 ተሰ. 2:7, 8

ትስፉው ኩን፡ ወትሩ እውን ብየሆዋ ተኣመን

18. ብመሰረት 2 ጴጥሮስ 3:9፡ ኣምላኽ እንታይ እዩ ዚደሊ፧

18 የሆዋ፡ ‘ኵሎም ናብ ንስሓ ኺበጽሑ እምበር፡ ሓደ እኳ ኺጠፍእ ኣይደልን እዩ።’ (2 ጴጥሮስ 3:9 ኣንብብ።) ሓደ ሰብ ከቢድ ሓጢኣት እኳ እንተ ፈጸመ፡ ህይወቱ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኽብርቲ እያ። ብዛዕባ እቲ የሆዋ ንህይወት ሓጥኣን ዝኸፈሎ ኸቢድ ዋጋ፡ ማለት መስዋእታዊ በጃ ፍቑር ወዱ እሞ ንሕሰብ። የሆዋ ነቶም ዝሓደግዎ ናብኡ ኺምለሱ ብርሕራሐ ኢዱ ዘርጊሑሎም ኣሎ። ኣብታ የሱስ ዝመሰላ ምሳሌ እቲ ጥፉእ ወዲ ኸም እንርእዮ ኸኣ፡ ኪምለሱ እዩ ተስፋ ዚገብር። (ሉቃ. 15:11-32) ካብ ሓቂ ዝወጹ ብዙሓት ሰባት፡ ናብቲ ፈቃር ሰማያዊ ኣቦኦም ተመሊሶም እዮም። ኣሕዋትን ኣሓትን እውን ኣእዳዎም ዘርጊሖም ሓንጐፋይ ኢሎም ተቐቢሎምዎም እዮም። እታ ኣቐዲማ እተጠቕሰት ኤሊዛቤት፡ ወዳ ኺምለስ ብምርኣያ ተሓጒሳ እያ። ምልስ ኢላ ኽትሓስቦ ኸላ፡ “ነቶም ተስፋ ኸይንቘርጽ ዘተባብዑና ብሓቂ አማስዎም እየ” ትብል።

19. ወትሩ ብየሆዋ ኽንእመን እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

19 ወትሩ ብየሆዋ ኽንእመን ንኽእል ኢና። ንሱ ዚጐድኣና መምርሒ ኸቶ ኣይህበናን እዩ። ንዅሎም እቶም ዜፍቅርዎን ዜምልኽዎን ኣጸቢቑ ዜፍቅር ለጋስን ርሕሩሕን ኣቦ እዩ። ስለዚ፡ የሆዋ ብግዜ ጭንቅኻ ኸም ዘይሓድገካ ተኣማመን። (እብ. 13:5, 6) እቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ማርክ፡ “የሆዋ ኸቶ ኣይሓደገናን። ጸገማት ከነሕልፍ ከለና፡ ካባና ፈጺሙ ኣይርሕቕን እዩ” ይብል። የሆዋ ብቐጻሊ “ኻብ ንቡር ዝሓለፈ ሓይሊ” ኺህበካ እዩ። (2 ቈረ. 4:7) እወ፡ ሰብካ ንየሆዋ ምስ ዚሓድጎ እኳ፡ እሙንን ትስፉውን ክትከውን ትኽእል ኢኻ።

መዝሙር 44 ጸሎት ሓደ ትሑት

^ ሕ.ጽ. 5 ሰብና ንየሆዋ ምስ ዚሓድጎ ብዙሕ ኢና እንጕሂ! እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ከምኡ ኼጋጥም ከሎ ኣምላኽ ከመይ ከም ዚስምዖ ትገልጽ። እቶም እሙናት ኣባላት ስድራ ቤት ነቲ ስቓይ ምእንቲ ኺጻወርዎን ብመንፈሳዊ ድልዱላት ኰይኖም ምእንቲ ኪቕጽሉን ኪገብርዎ ዚኽእሉ ግብራዊ ነገራት ከኣ ትሕብር። ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ዅላቶም ነቶም ስድራ ቤት ብኸመይ ምጽንናዕን ደገፍን ኪህብዎም ከም ዚኽእሉ እውን ትገልጽ።

^ ሕ.ጽ. 1 ኣብዛ ዓንቀጽ ዚርከብ ገሊኡ ስማት ተቐዪሩ እዩ።

^ ሕ.ጽ. 79 መግለጺ ስእሊ፦ ሓደ ሓው ንስድራ ቤቱን ንየሆዋን ሓዲጉ ኪኸይድ ከሎ፡ ሰበይቱን ደቁን በዚ ይጕህዩ።

^ ሕ.ጽ. 81 መግለጺ ስእሊ፦ ክልተ ሽማግለታት ኣብ ጉባኤኦም ንዘለዉ ስድራ ቤት መንፈሳዊ መተባብዒ ኺህቡ ኢሎም ይበጽሕዎም።