ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 35

ብዕድመ ንዝደፍኡ እሙናት ነኽብሮም

ብዕድመ ንዝደፍኡ እሙናት ነኽብሮም

“ሸያብ ጸጕሪ፡ ዘውዲ ጽባቐ እዩ።”—ምሳ. 16:31

መዝሙር 138 ጽባቐ ሽበት

መላለዪ *

1-2. (ሀ) ብመሰረት ምሳሌ 16:31፡ ብዕድመ ንዝደፍኡ እሙናት ብኸመይ ክንርእዮም ኣሎና፧ (ለ) ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ እንታይ ንዚብል ሕቶታት ኢና ኽንምልስ፧

ናብቲ ኣብ ኣርካንሳስ፡ ሕ.መ.ኣ. ዚርከብ ሕዙእ ቦታ ዚኸዱ በጻሕቲ፡ ኣብ ባይታ ኣልማዛት ኪረኽቡ ይኽእሉ እዮም። እቲ ኣልማዛት ግና፡ ገና ዘይተጸርበ እዩ። ስለዚ፡ ብዙሓት በጻሕቲ ነቲ ኣልማዛት እናረኣይዎ ስለ ዘየለልይዎ፡ ረጊጾምዎ ኺሓልፉ ይኽእሉ እዮም።

2 ብዕድመ ዝደፍኡ እሙናት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብገሊኡ መዳያት ከምቲ ኣልማዛት እዮም፣ ኣዝዮም ክቡራት እዮም። ቃል ኣምላኽ ነቲ ሸያብ ጸጕሮም ምስ ዘውዲ ኣመሳሲልዎ ኣሎ። (ምሳሌ 16:31 ኣንብብ፣ ምሳ. 20:29) ይኹን እምበር፡ ዕሽሽ ኪብሃሉ ይኽእሉ እዮም። ዋጋኦም እተረድኡ ብዕድመ ዝነኣሱ ክርስትያናት ግና፡ ኣባታቶም ካብ ሃብቲ ዚበልጽ ነገር ኪረኽቡ ይኽእሉ እዮም። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ንሰለስተ ሕቶታት መልሲ ኽንረክብ ኢና፦ የሆዋ ብዕድመ ንዝደፍኡ እሙናት ኣኽቢሩ ዚርእዮም ስለምንታይ እዩ፧ የሆዋ ንዓታቶም ኣብ ውድቡ እንታይ ቦታ ሂብዎም ኣሎ፧ ካብ ኣብነቶም ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ኽንጥቀም እንታይ ክንገብር ንኽእል፧

የሆዋ ብዕድመ ንዝደፍኡ እሙናት ኣኽቢሩ ዚርእዮም ስለምንታይ እዩ፧

ብዕድመ ዝደፍኡ እሙናት ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣምላኽን ኣብ ቅድሚ ህዝቡን ክቡራት እዮም (ሕጡብ ጽሑፍ 3 ርአ)

3. ብመሰረት መዝሙር 92:12-15፡ ብዕድመ ዝደፍኡ እሙናት ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኽቡራት ዝዀኑ ስለምንታይ እዮም፧

3 የሆዋ ኣምላኽ ብዕድመ ንዝደፍኡ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣኽቢሩ እዩ ዚርእዮም። ውሽጣዊ እንታይነቶም ይርኢ እዩ፣ ነቲ ዜደንቕ ባህርያቶም እውን ይፈልጦን የኽብሮን እዩ። እቲ ኣብ ምሉእ ዕድሚኦም ብተኣማንነት ብምግልጋል ዘዋህለልዎ ጥበብ ነቶም ብዕድመ ኻባታቶም ዚንእሱ ኼመሓላልፍዎ ኸለዉ ኸኣ የማስወሉ እዩ። (እዮ. 12:12፣ ምሳ. 1:1-4) ንተጻዋርነቶም እውን ኣኽቢሩ ይርእዮ እዩ። (ሚል. 3:16) ህይወቶም ካብ ሽግር ናጻ ኣይኰነን፣ ኰይኑ ግና፡ ኣብ የሆዋ ዘላቶም እምነት ኣይተነቓነቐትን። ብዛዕባ መጻኢ ዘለዎም ተስፋ ኻብቲ ሓቂ ዝፈለጡሉ እዋን ብዝያዳ ደሚቑ ይርኣዮም እዩ። “ብግዜ እርጋን እኳ” ስሙ ስለ ዚእውጁ፡ የሆዋ ይፈትዎም እዩ።—መዝሙር 92:12-15 ኣንብብ።

4. እንታይ ሓሳባት እዩ ብዕድመ ንዝደፍኡ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዜጸናንዖም፧

4 ብዕድመ ትደፍእ እንተ ኣሊኻ፡ የሆዋ ነቲ ኣብ ሕሉፍ ዝገበርካዮ ዕዮ ኸም ዚዝክሮ ኣይትጠራጠር። (እብ. 6:10) ንዕዮ ስብከት ብቕንኣት ደጊፍካ ኢኻ፣ እዚ ድማ ንሰማያዊ ኣቦና ባህ የብሎ እዩ። ፈተናታት ተጻዊርካ፡ ልቢ ዚሰብር መከራ ኣሕሊፍካ፡ ነቲ ቕኑዕ ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ ደጊፍካ፡ ከቢድ ሓላፍነት ተሰኪምካ፡ ንኻልኦት እውን ኣሰልጢንካ ኢኻ። ማዕረ እታ ብፍጥነት እትግስግስ ውድብ የሆዋ ንምስጓም፡ ዚከኣለካ ጌርካ ኢኻ። ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ንእተጸምዱ ድማ፡ ደጊፍካን ኣተባቢዕካን ኢኻ። የሆዋ ኣምላኽ፡ እሙን ብምዃንካ ኣዝዩ ይፈትወካ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባኡ፡ “ንእሙናቱ . . . ኣይኪሓድጎምን እዩ” ኢሉ ቓል ይኣትወልና እዩ። (መዝ. 37:28) ንሱ ኸኣ፡ “ክሳዕ እትሽይቡ፡ ክጾረኩም እየ” ዚብል መረጋገጺ ሂቡና ኣሎ። (ኢሳ. 46:4) ስለዚ፡ ብዕድመ ስለ ዝደፋእካ፡ ኣብ ውድብ የሆዋ ኣገዳሲ ግደ ኸም ዘይብልካ ጌርካ ኣይትሕሰብ። ከም ሓቂ፡ ኣዝዩ ኣገዳሲ ቦታ ኣሎካ!

ብዕድመ ዝደፍኡ ክርስትያናት ኣብ ውድብ ኣምላኽ ቦታ ኣለዎም

5. ብዕድመ ዝደፍኡ ክርስትያናት እንታይ እዮም ኪዝክሩ ዘለዎም፧

5 ብዕድመ ዝደፍኡ ክርስትያናት ብዙሕ ኣበርክቶ ኺገብሩ ይኽእሉ እዮም። እቲ ናይ ቀደም ጕልበቶም እኳ እንተ ዘየሎ፡ ብዓመታት ዘዋህለልዎ ተመክሮ ኣለዎም። ከምቲ ናይ ጥንትን ናይዚ ግዜናን ኣብነታት ዚሕብሮ፡ የሆዋ ብብዙሕ መገድታት ኪጥቀመሎም ይኽእል እዩ።

6-7. ብተኣማንነት ብምግልጋሎም በረኸት ዝረኸቡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተጠቕሱ ኣብነታት ሃብ።

6 ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ክሳዕ እርጋኖም ንየሆዋ ብንጥፈት ዘገልገሉ እሙናት ሰባት ተጠቒሶም ኣለዉ። ንኣብነት፡ ሙሴ ነብዪ የሆዋን ተወካሊ ህዝቢ እስራኤልን ኰይኑ ኼገልግል ኣብ ዝጀመረሉ እዋን፡ ወዲ 80 ዓመት ኣቢሉ እዩ ነይሩ። ነብዪ ዳንኤል ከኣ ክሳዕ 90ታት ዓመት ዕድሚኡ ኣቢሉ ንየሆዋ ኣፈኛኡ ዀይኑ የገልግል ነይሩ እዩ። ሃዋርያ ዮሃንስ እውን ብመንፈስ ተደሪኹ ንመጽሓፍ ራእይ ኪጽሕፋ ኸሎ፡ ኣብ 90ታት ዓመት ዕድሚኡ እዩ ነይሩ ኪኸውን ዘለዎ።

7 ብዙሓት እሙናት ሰባት ምርኡያት ወይ ፍሉጣት ኣይነበሩን፣ ስለዚ፡ ብቐሊሉ ኣይነስተብህለሎምን ንኸውን። የሆዋ ግና ኣስተብሂልሎምን ስለቲ ተኣማንነቶም ዓስቦም ሂብዎምን እዩ። ንኣብነት፡ እቲ “ጻድቕን ንኣምላኽ ዚፈርህን” ዝነበረ ስምኦን፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ንሓጺር ህሞት እዩ ተጠቒሱ ዚርከብ፣ የሆዋ ግና መን ምዃኑ ይፈልጦ ነይሩ እዩ፡ ንየሱስ ብሕጻንነቱ ናይ ምርኣይን ብዛዕባኡ ዀነ ብዛዕባ ኣዲኡ ናይ ምንባይን ፍሉይ ክብሪ እውን ሂብዎ እዩ። (ሉቃ. 2:22, 25-35) ብዛዕባ እታ መበለት ዝነበረት ነብዪት ሃና እውን ንሕሰብ። ንሳ 84 ዓመት ዝዕድሚኣ ኽነሳ፡ “ካብ ቤተ መቕደስ ኣይትጠፍእን ነበረት” ተባሂሉላ ኣሎ። ካብ “ኣኼባ ዘይትበኵር” ስለ ዝነበረት ከኣ፡ ንየሱስ ብሕጻንነቱ ምስ ረኣየቶ ዓብዪ ዓስቢ ረኺባ እያ። የሆዋ ንስምኦንን ንሃናን ኣኽቢሩ እዩ ርእይዎም።—ሉቃ. 2:36-38

ሕጂ ኣብ 80ታት ዓመት ዕድሚኣ እትርከብ ሓብትና ዲዱር ብተኣማንነት ኣገልግሎታ ትቕጽል ኣላ (ሕጡብ ጽሑፍ 8 ርአ)

8-9. መበለታት እንታይ ኣበርክቶ እየን ዚገብራ፧

8 ኣብዚ ግዜና፡ ብዕድመ ዝደፍኡ ብዙሓት እሙናት ነቶም ብዕድመ ዝነኣሱ ክርስትያናት ብሉጻት ኣብነታት ይዀንዎም እዮም። ተመክሮ ሓብትና ሎይስ ዲዱር እሞ ንርአ። ንሳ ኣብ ካናዳ ፍልይቲ ፈላሚት ኰይና ኸተገልግል ኣብ ዝጀመረትሉ እዋን፡ ጓል 21 ዓመት እያ ነይራ። ድሕርዚ፡ ንሳን ሰብኣያ ጆንን ኣብ ዕዮ መገሻ ሓያሎ ዓመታት ኣሕለፉ። ጸኒሖም፡ ኣብቲ ኣብ ካናዳ ዚርከብ ቤት-ኤል ንልዕሊ 20 ዓመት ኣገልገሉ። ሎይስ ጓል 58 ዓመት ከላ፡ ንሳን ጆንን ናብ ዩክረይን ከይዶም ኬገልግሉ ጻውዒት ቀረበሎም። እሞኸ እንታይ ገይሮም፧ ብዕድመ ስለ ዝደፍኡ፡ ናብ ካልእ ሃገር ኪኸዱ ኸም ዘይክእሉ ገይሮምዶ ደምዲሞም፧ ኣይፋልን፣ የግዳስ፡ ነቲ ጻውዒት ተቐበልዎ፣ ጆን ከኣ ኣባል ኮሚተ ጨንፈር ኰይኑ ኼገልግል ተሸመ። ድሕሪ ሸውዓተ ዓመት፡ ጆን ምስ ሞተ፡ ሎይስ ኣብቲ ዓዲ ኽትጸንሕ ወሰነት። ሕጂ ኣብ 81 ዓመት ዕድሚኣ፡ ኣፍራይትን ተፈታዊትን ኣባል ስድራ ቤት-ኤል ዩክረይን ኰይና ተገልግል ኣላ።

9 ከም ሎይስ ዝኣመሰላ መበለታት፡ ከምቲ ሰብኡተን ብህይወት ዝነበሩሉ እዋን ብዙሕ ኣትኵሮ ኣይረኽባን ይዀና፣ ምብልውና ግና ንዋጋአን ኣይንክዮን እዩ። የሆዋ ነተን ንሓያሎ ዓመታት ንሰብኡትን ዚድግፋ ዝነበራ፡ ሕጂ ድማ ጸኒዐን ዘለዋ ኣሓት ኣኽቢሩ ይርእየን እዩ። (1 ጢሞ. 5:3) ብተወሳኺ፡ ብዕድመ ንዝነኣሱ ክርስትያናት ብሓቂ የተባብዓ እየን።

10. ቶኒ ዝሓደጎ ብሉጽ ኣብነት እንታይ እዩ፧

10 እቶም ኣብ እንዳ ኣረጋውያን ዚነብሩ ብዙሓት እሙናት ክርስትያናት እውን ክቡራት እዮም። ንኣብነት፡ ቶኒ ዝስሙ ሓው ኣብ እንዳ ኣረጋውያን እዩ ዚነብር። ንሱ ኣብ ነሓሰ 1942 ወዲ 20 ዓመት ከሎ እዩ ኣብ ፐንስልቨንያ፡ ሕ.መ.ኣ. ተጠሚቑ። ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ጕዳይ ገለልትነት ኣጋጠሞ፣ ብሰንኪ እዚ ድማ ክልተ ዓመትን መንፈቕን ተኣስረ። ንሱን ሰበይቱ ሂልዳን ክልተ ውሉዳት ኣብ ሓቂ ኣዕብዮም እዮም። ቶኒ ኣብ ሰለስተ ጉባኤታት ኣወሃሃዲ ተዓዛቢ (ሕጂ ኣተሓባባሪ ኣካል ሽማግለታት ዚብሃል) ኰይኑ ኣገልጊሉ፡ ብተወሳኺ እውን ሓላዊ ኣኼባ ወረዳ ዀይኑ ኣገልጊሉ እዩ። ናብ ቤት ማእሰርቲ እናኸደ ድማ ኣኼባታትን መጽናዕትታት መጽሓፍ ቅዱስን መሪሑ እዩ። ሕጂ ኣብ 98 ዓመት ዕድሚኡ፡ ኣገልግሎት ኬቋርጽ ኣይሓስብን እዩ። ንየሆዋ ንምግልጋልን ምስ ጉባኤኡ ሓቢሩ ንምዕያይን ዚከኣሎ ይገብር ኣሎ!

11. ኣብ እንዳ ኣረጋውያን ንዚነብሩ ክርስትያናት ከም እነኽብሮም ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧

11 ኣብ እንዳ ኣረጋውያን ንዚነብሩ ክርስትያናት ብኸመይ ኣኽብሮት ከነርእዮም ንኽእል፧ ሽማግለታት ብእተኻእለ መጠን ንዓታቶም ኣብ ንጥፈታት ጉባኤ ኼሳትፍዎም ይኽእሉ እዮም። ብኣካል ብምብጻሕ ወይ ብቪድዮ ኮንፈረንስ ብምዕላል፡ ብሕታዊ ቘላሕታ ኽንገብረሎም ንኽእል ኢና። ካብ ጉባኤኦም ርሒቖም ኣብ እንዳ ኣረጋውያን ንዚነብሩ ዘበሉ፡ ፍሉይ ቈላሕታ ኽንገብረሎም ንደሊ ኢና። ኣስተብሃልቲ እንተ ዘይኴንና፡ ንኸምዚኣቶም ዝበሉ ኣረጋውያን ዕሽሽ ክንብሎም ንኽእል ኢና። ገሊኦም ብዛዕባ ርእሶም ምዝራብ ይኸብዶም ወይ ዘይግቡእ ይመስሎም ይኸውን። ብዛዕባ እቲ ኣብ ውድብ የሆዋ ዝረኸብዎ ሓጐስ እንተ ሓቲትናዮምን ኪነግሩና ኸለዉ እንተ ሰሚዕናዮምን፡ ብዙሕ ንጥቀም ኢና።

12. ኣብ ጉባኤና እንታይ ኢና ኽንረክብ እንኽእል፧

12 ኣብ ጉባኤና ብሉጽ ኣብነት ኪዀኑ ዚኽእሉ እሙናት ኣረጋውያን ከም ዘለዉ ምፍላጥና ይገርመና ይኸውን። ንኣብነት፡ ሃሪየት ዝስማ ሓብቲ፡ ኣብታ ኣብ ኒው ጀርሲ፡ ሕ.መ.ኣ. እትርከብ ጉባኤ ንየሆዋ ብተኣማንነት ንሓያሎ ዓመታት ተገልግል ነበረት። ድሕርዚ፡ ምስ ጓላ ኽትነብር ኢላ ናብ ካልእ ዓዲ ገዓዘት። እቶም ኣብታ ሓዳስ ጉባኤኣ ዚርከቡ ኣሕዋት ንዓኣ ንምፍላጥ ጻዕሪ ምስ ገበሩ፡ ብሓቂ ኣኽቢርካ እትርአ ሓብቲ ምዃና ፈለጡ። በቲ ብ1920ታት ሓቂ ድሕሪ ምፍላጣ ኣብ ኣገልግሎት ብዛዕባ ዘሕለፈቶ ተመክሮታት ገይራ ኣተባብዓቶም። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ናብ ስብከት ክትከይድ ከላ፡ ምናልባት ክትእሰር ስለ እትኽእል፡ ኣስናና እትምውጸሉ ብራሽ ሒዛ እያ እትኸይድ ነይራ። ከምቲ ዝሓሰበቶ ኸኣ፡ ኣብ 1933 ክልተ ሳዕ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሰሙን ገይራ እያ። ኣብቲ ግዜያት እቲ፡ ናይ የሆዋ ምስክር ዘይኰነ ንዕዮኣ ዚድግፍ ሰብኣያ፡ ነቶም ሰለስተ ደቆም ይኣልዮም ነበረ። ብርግጽ እምበኣር፡ ከም ሃሪየት ዝኣመሰሉ ብዕድመ ዝደፍኡ እሙናት፡ ኣኽቢርካ ኺርኣዩ ይግባእ።

13. ብዛዕባ እቲ ብዕድመ ዝደፍኡ ክርስትያናት ኣብ ውድብ የሆዋ ዘለዎም ቦታ እንታይ ተማሂርና፧

13 ብዕድመ ዝደፍኡ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣብ ውድብ የሆዋ ኣገዳሲ ግደ ኣለዎም። የሆዋ ንውድቡን ንዓታቶም ብውልቅን ከመይ ገይሩ ብብዙሕ መገድታት ከም ዝባረኾም ርእዮም እዮም። ካብ ዝገበርዎ ጌጋታት፡ ኣገዳሲ ትምህርትታት ተማሂሮም እዮም። እምበኣር፡ ከም “ምንጪ ጥበብ” ጌርካ ርኣዮም፣ ካብ ተመክሮኦም እውን ተምሃር። (ምሳ. 18:4) ግዜ ወሲድካ ኽትፈልጦም እንተ ጽዒርካ፡ እምነትካ ኽትድልድልን ብዙሕ ክትምሃርን ኢኻ።

ካብ ኣብነት እቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ክርስትያናት ምሉእ ብምሉእ ተጠቐም

ከምቲ ኤልሳእ ካብ ኤልያስ እተጠቕመ፡ ኣሕዋትን ኣሓትን እውን ካብ ተመክሮ እቶም ንየሆዋ ንነዊሕ ግዜ ዘገልገሉ ክርስትያናት ይጥቀሙ እዮም (ሕጡብ ጽሑፍ 14-15 ርአ)

14. ዘዳግም 32:7 ነቶም ብዕድመ ዝነኣሱ እንታይ ኪገብሩ እያ እተተባብዕ፧

14 ግዜ ወሲድካ ብዕድመ ንዝደፍኡ ክርስትያናት ኣዛርቦም። (ዘዳግም 32:7 ኣንብብ።) ልክዕ እዩ፡ ኣዒንቶም ሓሚቐን፡ ጕልበቶም ደኺሙ፡ ዘረባኦም ዘይንጹር ኰይኑ ይኸውን፣ ልቦም ግና ገና መንእሰይ እዩ ዘሎ፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ድማ “ጽቡቕ ስም” ኣለዎም። (መክ. 7:1) የሆዋ ንዓታቶም ስለምንታይ ኣኽቢሩ ኸም ዚርእዮም ዘክር። ብቐጻሊ ኣኽብሮም። ከም ኤልሳእ ኩን። ንሱ ኣብታ ምስ ኤልያስ ዘሕለፋ ናይ መወዳእታ መዓልቲ፡ ካብኡ ኺፍለ ኣይደለየን። ስለዚ፡ ሰለስተ ሳዕ፡ “ኣይሓድገካን እየ” ኢልዎ እዩ።—2 ነገ. 2:2, 4, 6

15. ብዕድመ ንዝደፍኡ ክርስትያናት እንታይ ሕቶታት ክንሓትቶም ንኽእል፧

15 ብዕድመ ንዝደፍኡ ሰባት ናይ ልቦም ምእንቲ ኺገልጹ ሕቶታት ብምሕታት፡ ብሓቂ ኸም እትግደሰሎም ኣርእዮም። (ምሳ. 1:5፣ 20:5፣ 1 ጢሞ. 5:1, 2) ንኣብነት፡ ከምዚ ዚስዕብ ኢልካ ሕተቶም፦ “ብግዜ ንእስነትካ፡ ሓቂ ኸም ዝረኸብካ ዘእመነካ እንታይ እዩ፧” “ዘሕለፍካዮ ተመክሮታት ንየሆዋ ብዝያዳ ኽትቀርቦ ዘኽኣለካ ብኸመይ እዩ፧” “ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ሕጉስ ንምዃን ዜኽእል ቀንዲ ነገር እንታይ እዩ፧” (1 ጢሞ. 6:6-8) ድሕሪኡ፡ ታሪኾም ኪነግሩኻ ኸለዉ ስምዓዮም።

16. ብዕድመ ዝደፍአ ክርስትያንን ብዕድመ ዝነኣሰ ክርስትያንን ምስ ዚዛራረቡ፡ ክልቲኦም ዚጥቀሙ ብኸመይ እዮም፧

16 ብዕድመ ዝደፍአ ክርስትያንን ብዕድመ ዝነኣሰ ክርስትያንን ምስ ዚዛራረቡ፡ ክልቲኦም ይጥቀሙ እዮም። (ሮሜ 1:12) ኣቱም ብዕድመ ዝነኣስኩም ክርስትያናት፡ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ንእሙናት ኣገልገልቱ ዜርእዮም ሓልዮት ሞሳኹም ይዓዝዝ እዩ። እቲ ብዕድመ ዝደፍአ ድማ ኣኽብሮት ከም ዝረኸበ ይስምዖ እዩ፣ ብኸመይ በረኸት የሆዋ ኸም ዝረኸበ እውን ተሓጒሱ የዘንትወልኩም እዩ።

17. ብዕድመ ዝደፍኡ እሙናት ምስ ምሕላፍ ዓመታት እናጸበቑ ዚኸዱ ስለምንታይ እዮም፧

17 ኣካላዊ ጽባቐ ምስ ዕድመ ይሃስስ እዩ፣ እቶም ንየሆዋ እሙናት ዝዀኑ ግና፡ ዓመት ሓሊፋ ብዓመት ብእተተክአት መጠን እናጸበቑ እዮም ዚኸዱ። (1 ተሰ. 1:2, 3) እዚ ሓቂ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ምኽንያቱ፡ ንሓያሎ ዓመታት፡ መንፈስ ኣምላኽ ኪቐርጾምን ኪዅልዖምን ፈቒዶም እዮም። ነዞም ብዕድመ ዝደፍኡ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብዝያዳ ብዝፈለጥናዮም መጠን፡ ብዝያዳ ነኽብሮም፡ ካባታቶም ንምሃር፡ ከም ክቡር መዝገብ ጌርና እውን ንርእዮም ኢና።

18. ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ እንታይ ኢና ኽንርኢ፧

18 ብዕድመ ዝነኣሱ ነቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ኣኽቢሮም ኪርእይዎም ከለዉ ጥራይ ዘይኰነስ፡ እቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ነቶም ብዕድመ ዝነኣሱ ኬኽብርዎም ከለዉ እውን ክርስትያናዊት ጉባኤ ትድልድል እያ። ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ፡ ብዕድመ ዝደፍኡ ነቶም ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ብዕድመ ዝነኣሱ ክርስትያናት ብኸመይ ኣኽብሮት ኬርእይዎም ከም ዚኽእሉ ኽንርኢ ኢና።

መዝሙር 144 ወትሩ ጠምት ናብቲ ዓስቢ!

^ ሕ.ጽ. 5 ብዕድመ ዝደፍኡ እሙናት ኣዝዮም ክቡራት እዮም። እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ንዓታቶም ዘሎና ሞሳ ኸነዕዝዝ ትሕግዘና፣ ካብ ጥበቦምን ተመክሮኦምን ከመይ ጌርና ምሉእ ብምሉእ ክንጥቀም ከም እንኽእል እውን ትገልጽ። ብዕድመ ዝደፍኡ ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብ ውድብ ኣምላኽ ኣገዳሲ ቦታ ኸም ዘለዎም እውን መረጋገጺ ትህብ።