ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 37

“ንዅሎም ኣህዛብ . . . ከናውጾም እየ”

“ንዅሎም ኣህዛብ . . . ከናውጾም እየ”

“ንዅሎም ኣህዛብ ድማ ከናውጾም እየ፣ ናይ ኵሎም ኣህዛብ ክቡር ነገራት ከኣ ኪመጽእ እዩ።”—ሃጌ 2:7

መዝሙር 24 ንዑናይ ናብ ከረን የሆዋ

መላለዪ *

1-2. ኣብዚ ግዜና እንታይ ምሳልያዊ ነውጺ እዩ ዘሎ፧

“ኣብ ውሽጢ ደቓይቕ፡ እቲ ድኳናትን እቲ ዝኣረገ ህንጻታትን ልክዕ ከምዚ እተዀመረ ካርታ ፈራሪሱ።” “ኵሉ ሰምቢዱ ነይሩ። . . . ብዙሓት ሰባት ንኽልተ ደቒቕ ኣቢሉ ቐጺሉ ይብሉ። ንዓይ ግና፡ ዘለኣለም ኰይኑ እዩ ተሰሚዑኒ።” እዚ ዘረባ እዚ፡ እቶም ካብቲ ብ2015 ኣብ ነፓል ዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዝደሓኑ ሰባት እተዛረብዎ እዩ። ንስኻ እውን ከምዚ ዝበለ ዜሰምብድ ሓደጋ እንተ ዜጋጥመካ፡ ብቐሊሉ ኣይምረሳዕካዮን።

2 ኰይኑ ግና፡ ኣብዚ እዋን እዚ ኻልእ ዓይነት ነውጺ ኣሎ። እዚ ድማ ኣብ ሓንቲ ኸተማ ወይ ሃገር ጥራይ ዜጋጥም ኣይኰነን። የግዳስ፡ ንዅሎም ኣህዛብ ዜናውጽ ኰይኑ፡ ንብዙሕ ዓመታት ኬጋጥም ጸኒሑ እዩ። ነዚ ነውጺ እዚ፡ ነብዪ ሃጌ እዩ ተነብይዎ። ኣብ ትንቢቱ፡ “የሆዋ ጐይታ ሰራዊትሲ ኸምዚ ይብል፦ ‘ድሕሪ ቝሩብ፡ ገና ሓንሳእ ንሰማያትን ንምድርን ንባሕርን ንንቑጽ ምድርን ከናውጾም እየ’” ኢሉ ጽሒፉ እዩ።—ሃጌ 2:6

3. እዚ ምሳልያዊ ነውጺ ኸም ሓደ ቓል ብቓሉ ዜጋጥም ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዘይኰነ ብኸመይ እዩ፧

3 እቲ ኣብ ሃጌ ተጠቒሱ ዘሎ ነውጺ፡ ከም ሓደ ጥፍኣት ጥራይ ዜምጽእ ቃል ብቓሉ ዜጋጥም ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣይኰነን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ጽቡቕ ፍረ እዩ ዜፍሪ። የሆዋ ባዕሉ፡ “ንዅሎም ኣህዛብ ድማ ከናውጾም እየ፣ ናይ ኵሎም ኣህዛብ ክቡር ነገራት ከኣ ኪመጽእ እዩ፣ ነዛ ቤት እዚኣ እውን ብኽብሪ ኽመልኣ እየ” ኢሉና ኣሎ። (ሃጌ 2:7) እዚ ትንቢት እዚ ነቶም ብግዜ ሃጌ ዝነበሩ እንታይ ትርጉም ነይርዎ፧ ሎሚ ንዘለናኸ እንታይ ትርጉም ኣለዎ፧ ሕጂ፡ መልሲ እዚ ሕቶታት ክንርኢ ኢና፣ ሎሚ ኣብ ምንዋጽ ኣህዛብ ብኸመይ እጃም ከም ዘሎና እውን ክንምሃር ኢና።

ብግዜ ሃጌ ዝመጸ ዜተባብዕ መልእኽቲ

4. የሆዋ ንነብዪ ሃጌ ናብ ህዝቡ ዝለኣኾ ስለምንታይ እዩ፧

4 ነብዪ ሃጌ ኻብ የሆዋ ኣገዳሲ መዝነት እዩ ተዋሂብዎ። ነቲ ድሕረ ባይታ እሞ ንመርምሮ። ሃጌ ኻብቶም ብ537 ቅ.ክ. ካብ ባቢሎን ናብ የሩሳሌም እተመልሱ ምሩኻት እዩ ነይሩ ኪኸውን ዘለዎ። እቶም እሙናት ኣምለኽቲ ናብ ዓዶም ምስ ተመልሱ፡ ነዊሕ ከይጸንሑ መሰረት ቤት የሆዋ ወይ ቤተ መቕደስ ሰረቱ። (እዝ. 3:8, 10) ነዊሕ ከይጸንሐ ግና፡ ሕማቕ ኵነታት ማዕበለ። ብሰንኪ ተጻብኦ ተስፋ ቘሪጾም ነቲ ዕዮ ሓደግዎ። (እዝ. 4:4፣ ሃጌ 1:1, 2) ስለዚ፡ ብ520 ቅ.ክ.፡ የሆዋ ንሃጌ፡ ንቕንኣቶም ንምጕህሃርን ነታ ቤተ መቕደስ ኪዛዝምዋ ንምልዕዓልን ተልእኾ ሃቦ። *እዝ. 6:14, 15

5. መልእኽቲ ሃጌ ንህዝቢ የሆዋ ዜተባብዕ ነይሩ ኪኸውን ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧

5 መልእኽቲ ሃጌ ኣብ የሆዋ እምነት ንምህናጽ ተባሂሉ ዝቐረበ እዩ ነይሩ። እቲ ነብዪ ነቶም እተዳህሉ ኣይሁድ ብትብዓት፡ “‘ኣቱም ህዝቢ እዛ ምድሪ ዅላትኩም እውን፡ በርትዑን ዕየዩን’ ይብል የሆዋ። ‘ኣነስ ምሳኻትኩም እየ’ ይብል የሆዋ ጐይታ ሰራዊት” ዚብል ቃላት ኣመሓላለፈሎም። (ሃጌ 2:4) እቲ “የሆዋ ጐይታ ሰራዊት” ዚብል ቃላት ኣበርቲዕዎም ኪኸውን ኣለዎ። የሆዋ ኣብ ትሕቲኡ ዓብዪ ሰራዊት መላእኽቲ ኣለውዎ፣ ስለዚ፡ ኣይሁድ ዕዉታት ንምዃን ኣብኡ ኺውከሉ ነይርዎም።

6. እቲ ሃጌ እተነበዮ ነውጺ እንታይ ዜፍሪ እዩ ነይሩ፧

6 የሆዋ ንሃጌ፡ ብዛዕባ ምሳልያዊ ነውጺ ዅሎም ኣህዛብ መልእኽቲ ኼብጽሕ ብመንፈሱ ደሪኽዎ እዩ። እዚ መልእኽቲ እዚ ነቶም ተዳሂሎም ዝነበሩ ሃነጽቲ እታ ቤተ መቕደስ፡ የሆዋ ነታ ሽዑ ብዙሓት ኣህዛብ እተጠቓልል ሓይሊ ዓለም ዝነበረት ፋርስ ኬናውጻ ምዃኑ ኣረጋጊጹሎም እዩ። እሞኸ እቲ ነውጺ እንታይ ከም ዜፍሪ እዩ ተሓቢሩ፧ ቀዳማይ፡ ህዝቢ ኣምላኽ ንህንጸት እታ ቤተ መቕደስ ከም ዚዛዝምዎ እዩ ተገሊጹ። ድሕሪኡ፡ ኣይሁድ ዘይኰኑ ኣህዛብ እኳ ኣብታ እተሓደሰት ቤተ መቕደስ ምሳታቶም ተጸምቢሮም ንየሆዋ ኸም ዜምልኽዎ እዩ ተሓቢሩ። እዝስ ንህዝቢ ኣምላኽ ከመይ ዝበለ ዜተባብዕ መልእኽቲ ዀን እዩ ነይሩ!—ዘካ. 8:9

ሎሚ ዚዕየ ዘሎ ንምድሪ ዜናውጽ ዕዮ

ኣብቲ ሎሚ ዚዕየ ዘሎ ንምድሪ ዜናውጽ ዕዮ ምሉእ ብምሉእ ትሳተፍዶ ኣለኻ፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 7-8 ርአ) *

7. ሎሚ ኣብ ምንታይ ዜናውጽ ዕዮ ኢና እንሳተፍ ዘለና፧ ግለጽ።

7 ትንቢት ሃጌ ሎሚ ንዓና እንታይ ትርጉም ኣለዎ፧ ሕጂ እውን የሆዋ ንዅሎም ኣህዛብ የናውጾም ኣሎ፣ ኣብዚ ድማ ንሕና ንሳተፍ ኢና። ነዚ እሞ ንሕሰበሉ፦ ብ1914፡ የሆዋ ንየሱስ ክርስቶስ፡ ንጉስ እታ ሰማያዊት መንግስቱ ገይሩ ኣንጊስዎ እዩ። (መዝ. 2:6) ምምስራት እታ መንግስቲ ንመራሕቲ ዓለም መርድእ እዩ ነይሩ። ስለምንታይሲ፡ “ምዱብ ግዜያት ኣህዛብ፡” ማለት ንየሆዋ ብቐጥታ ዚውክል ገዛኢ ዘይነብረሉ እዋን፡ ከም እተፈጸመ ወይ ከም ዘብቅዐ ዚሕብር እዩ ነይሩ። (ሉቃ. 21:24) ህዝቢ የሆዋ ነዚ ሓቂ እዚ ስለ ዘለለዩ፡ ምናዳ ኻብ 1919 ንደሓር፡ መንግስቲ ኣምላኽ በይና ተስፋ ደቂ ሰብ ከም ዝዀነት ኪሕብሩ ጸኒሖም እዮም። እዚ ስብከት “ብስራት መንግስቲ” ንብዘላ ዓለም የናውጻ ኣሎ።—ማቴ. 24:14

8. ብመሰረት መዝሙር 2:1-3፡ መብዛሕትኦም ኣህዛብ ነዚ መልእኽቲ እዚ እንታይ ምላሽ እዮም ሂቦም፧

8 እሞ ደኣ ሰባት ነዚ መልእኽቲ እዚ እንታይ ምላሽ ሂቦም፧ ብዙሓት ኣሉታዊ ምላሽ እዮም ሂቦም። (መዝሙር 2:1-3 ኣንብብ።) ኣህዛብ በዚ ተናዊጾም ወይ ተረቢሾም እዮም። ነቲ የሆዋ ዝሸሞ ገዛኢ ምቕባል ኣብዮም እዮም። ነቲ እንሰብኮ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ከም “ብስራት” ገይሮም ኣይርእይዎን እዮም። አረ ገሊኦም መንግስትታትሲ ንዕዮ ስብከትና ኣጊዶምዎ እዮም! ብዙሓት ገዛእቲ ኣህዛብ ንኣምላኽ ከም ዜምልኹ ዚዛረቡ እኳ እንተ ዀኑ፡ ስልጣኖም ኣሕሊፎም ኪህቡ ግና ኣይደልዩን እዮም። ስለዚ፡ ከምቲ ብግዜ የሱስ ዝነበሩ ኣሕሉቕ ዚገብርዎ ዝነበሩ፡ ሎሚ ዘለዉ ገዛእቲ እውን ንእሙናት ሰዓብቲ እቲ ቕቡእ ብምጥቃዕ፡ ነቲ ቕቡእ የሆዋ ይጻረርዎ ኣለዉ።—ግብ. 4:25-28

9. የሆዋ ነቲ ኣሉታዊ ምላሽ ኣህዛብ ምስ ረኣየ እንታይ ገይሩ፧

9 እሞ ደኣ የሆዋ ነቲ ኣሉታዊ ምላሽ ኣህዛብ ምስ ረኣየ እንታይ ገይሩ፧ መዝሙር 2:10-12 ከምዚ ኢላ ትምልሰልና፦ “እምበኣርሲ፡ ኣቱም ነገስታት ልቦና ግበሩ፣ ኣቱም ፈራዶ ምድሪ እውን፡ ተኣረሙ። ንየሆዋ ብፍርሃት ኣገልግልዎ፣ ብራዕዲ ኸኣ ተሓጐሱ። ቍጥዓኡ ቐልጢፉ ይነድድ እዩ እሞ፡ ኣምላኽ ከይቍጣዕ፡ ካብ መገዲ ድማ ከይትጠፍኡስ፡ ንወዲ ኣኽብርዎ። ኵሎም እቶም ኣብኡ ዚምዕቈቡ ዘበሉ ሕጉሳት እዮም።” የሆዋ ብለውሃት ተደሪኹ ነቶም ተጻረርቲ እተወሰነ ኣጋጣሚ ኸፊቱሎም ኣሎ። ሓሳቦም ኪቕይሩን ንመንግስቲ የሆዋ ኪቕበልዋን ይኽእሉ እዮም። እቲ ግዜ ግና ይጽንቀቕ እዩ ዘሎ። ኣብዘን “ዳሕሮት መዓልትታት” እዚ ስርዓት እዚ ኢና እንነብር ዘለና። (2 ጢሞ. 3:1፣ ኢሳ. 61:2) ሰባት ብህጹጽ ነቲ ሓቅታት ኪፈልጡን ቅኑዕ ምርጫ ኺገብሩን ኣለዎም።

እቲ ነውጺ ዘፍረዮ ኣወንታዊ ምላሽ

10. ኣብ ሃጌ 2:7-9፡ እቲ ዜናውጽ ዕዮ እንታይ ኣወንታዊ ምላሽ ከም ዘፍረየ እዩ ተገሊጹ ዘሎ፧

10 እቲ ሃጌ እተነበዮ ምሳልያዊ ነውጺ ኣብ ገሊኦም ሰባት ኣወንታዊ ፍረ እዩ ኣፍርዩ። ከም ውጽኢት እቲ ነውጺ፡ “ናይ ኵሎም ኣህዛብ ክቡር ነገራት፡” ማለት ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት ናብ ኣምልኾ የሆዋ ኸም ዝመጹ ሓቢሩና ኣሎ። * (ሃጌ 2:7-9 ኣንብብ።) ኢሳይያስን ሚክያስን ኣብ “ዳሕሮት መዓልትታት” ብዛዕባ ዚኸውን ተመሳሳሊ ምዕባለታት ተነብዮም እዮም።—ኢሳ. 2:2-4፣ ሚክ. 4:1, 2

11. ሓደ ሓው ንመልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ንፈለማ ግዜ ምስ ሰምዐ እንታይ እዩ ገይሩ፧

11 እዚ ንምድሪ ዜናውጽ መልእኽቲ ኣብ ሓደ ኬን ዝስሙ ኣብ ዓለምለኻዊ ቐንዲ ቤት ጽሕፈት ዜገልግል ሓው ዘሕደሮ ጽልዋ እሞ ንርአ። ንሱ ነቲ ኣስታት 40 ዓመት ይገብር መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዝሰምዓሉ እዋን ብንጹር ይዝክሮ እዩ። ከምዚ ድማ ይብል፦ “ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ሓቂ ንፈለማ ግዜ ምስ ሰማዕኩ፡ ኣብ ዳሕሮት መዓልትታት እዚ ስርዓት እዚ ንነብር ምህላውና ኣሐጒሱኒ እዩ። ስምረት የሆዋን ናይ ዘለኣለም ህይወትን ንምርካብ፡ ካብዛ ዘይትረጋጋእ ዓለም ኣምሊጠ ኣብ ጐድኒ የሆዋ ክቐውም ከም ዘሎኒ ተገንዚበ። ምስ ጸለኹ ኸኣ ብኡብኡ ኸምኡ ገይረ። ንዓለም ሓዲገ ናብ ትሕቲ ዕቝባ እታ ዘይትናወጽ መንግስቲ ኣምላኽ ሃዲመ።”

12. ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት፡ መንፈሳዊት ቤተ መቕደስ የሆዋ ብኽብሪ መሊኣ ዘላ ብኸመይ እያ፧

12 የሆዋ ንህዝቡ ይባርኾም ከም ዘሎ ንጹር እዩ። ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት፡ ኣብቶም ዜምልኽዎ ሰባት ብዙሕ ወሰኽ ርኢና ኢና። ብ1914 ሒደት ኣሽሓት ጥራይ ኢና ኔርና። ሕጂ፡ ንጡፋት ኴንና ንኣምላኽ እነገልግል ልዕሊ ሸሞንተ ሚልዮን ኴንና ኣለና፣ ኣብቲ ዓመት ዓመት እነብዕሎ ዝኽሪ ድማ ሚልዮናት ምሳና ይእከቡ እዮም። በዚ ኸምዚ፡ እቲ ምድራዊ ኣጸድ መንፈሳዊት ቤተ መቕደስ የሆዋ፡ ማለት እቲ ንሱ ንንጹህ ኣምልኾ ዝገበሮ መሰናድዎ፡ በቶም “ናይ ኵሎም ኣህዛብ ክቡር ነገራት” መሊኡ ኣሎ። ንሳቶም ሓድሽ ስብእና ንምልባስ ለውጥታት ኪገብሩ ኸለዉ ኸኣ፡ እዚ ንስም የሆዋ ኽብሪ የምጽኣሉ ኣሎ።—ኤፌ. 4:22-24

ኣብ ብዘላ ምድሪ ዘለዉ ህዝቢ ኣምላኽ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምምስካር ተሓጒሶም ይሳተፉ (ሕጡብ ጽሑፍ 13 ርአ)

13. በዚ ልቢ ዚሰልብ ምዕባለታት እንታይ ካልእ ትንቢታት ይፍጸም ኣሎ፧ (ኣብ ገበር ዘላ ስእሊ ርአ።)

13 ሳላ እዚ ልቢ ዚሰልብ ምዕባለታት፡ ካልእ ትንቢታት እውን ይፍጸም ኣሎ። ንኣብነት፡ ኣብ ኢሳይያስ ምዕራፍ 60 ዚርከብ ትንቢት ይፍጸም ኣሎ። ኣብታ ምዕራፍ እቲኣ፡ ፍቕዲ 22፡ “እቲ ሒደትሲ ሽሕ፡ እቲ ንእሽቶ ኸኣ ብርቱዕ ህዝቢ ኪኸውን እዩ። ኣነ የሆዋ ነዚ ብግዜኡ ኸፍጥኖ እየ” ትብል። ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ ይውሕዙ ብምህላዎም፡ ዜደንቕ ነገር ኪኸውን ክኢሉ እዩ። እዞም “ክቡር ነገራት” ኣብ ስብከት እቲ “ብስራት መንግስቲ” ኺጽምበሩና ኸለዉ፡ እተፈላለየ ኽእለትን ተውህቦን ናይ ፍታው መንፈስን ሒዞም እዮም ዚመጹ። ስለዚ፡ ከምቲ ኢሳይያስ ዝገለጾ፡ ህዝቢ የሆዋ “ጸባ ኣህዛብ” ይረኽቡ ኣለዉ። (ኢሳ. 60:5, 16) ብሓገዝ እዞም ክቡራት ሰብኡትን ኣንስትን ድማ፡ ዕዮ ስብከት ኣብ 240 ሃገራት፡ ይስበኽ ኣሎ፣ ጽሑፋትና ኸኣ ብልዕሊ 1,000 ቋንቋ ተዳልዩ ኣሎ።

ግዜ ውሳነ

14. ሕጂ ሰባት እንታይ ውሳነ ኺገብሩ ኣለዎም፧

14 ኣብዚ ግዜ መወዳእታ፡ ነውጺ ኣህዛብ ንሰባት ኪውስኑ ይግድዶም ኣሎ። ንመንግስቲ ኣምላኽ ኪድግፉ ድዮም፡ ወይስ ኣብ መንግስትታት ዓለም እዮም ኪውከሉ፧ እዚ ንዅላትና ዜጋጥመና ውሳነ እዩ። ህዝቢ የሆዋ ንሕግታት እቲ ንዚነብሩላ ሃገር ዜመሓድር መንግስቲ ዚሕልዉ እኳ እንተ ዀኑ፡ ካብ ፖለቲካ እዛ ዓለም ግና ምሉእ ብምሉእ ገለልተኛታት እዮም። (ሮሜ 13:1-7) መንግስቲ ኣምላኽ ጥራይ ንጸገማት ደቂ ሰብ ናይ ሓቂ ፍታሕ ከም እትኸውን ይፈልጡ እዮም። እታ መንግስቲ እቲኣ ኻብዛ ዓለም ኣይኰነትን።—ዮሃ. 18:36, 37

15. ኣብ መጽሓፍ ራእይ እንታይ ዓብዪ ናይ ተኣማንነት ፈተና እዩ ተገሊጹ ዘሎ፧

15 መጽሓፍ ራእይ፡ ተኣማንነት ህዝቢ የሆዋ ኣብ ዳሕሮት መዓልትታት ከም ዚፍተን ትገልጽ እያ። እቲ ፈተና እቲ፡ ብቐጻሊ ብርቱዕ ጸቕጢ ኼምጽኣልና እዩ። ፖለቲካዊ ስርዓታት እዛ ዓለም ካባና ተኣማንነት ኪጠልብ፡ ነቶም ምድጋፍ እንኣቢ ኸኣ ኪሰጕጐና እዩ። (ራእ. 13:12, 15) “ንዅሎም ድማ፡ ንንኣሽቱን ንዓበይትን፡ ንሃብታማትን ንድኻታትን፡ ንጭዋታትን ንባሮትን፡ ኣብ የማናይ ኢዶም ወይስ ኣብ ግምባሮም ምልክት ኪቕበሉ” ኺግድዶም እዩ። (ራእ. 13:16) ጥንቲ ዝነበሩ ባሮት፡ ብመን ከም ዚውነኑ ንምሕባር ምልክት ይግበረሎም ነይሩ እዩ። ብተመሳሳሊ፡ ኣብዚ ግዜና ዘለዉ ዅሎም ሰባት ኣብ ኢዶም ወይ ኣብ ግንባሮም ምሳልያዊ ምልክት ኪገብሩ ትጽቢት ይግበረሎም እዩ። ፖለቲካዊ ስርዓታት ዋናኦም ከም ዝዀነን ንዕኡ ኸም ዚድግፉን ብሓሳባቶምን ብተግባራቶምን ኬርእዩ ትጽቢት ይግበረሎም እዩ።

16. ሕጂ ኣብ የሆዋ ዘሎና ተኣማንነት ብህጹጽ እነደልድለሉ እዋን ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

16 እሞኸ ነዚ ምሳልያዊ ምልክት ክንቅበልን ንፖለቲካውያን መንግስትታት ተኣማንነትና ኽንህብን ዲና፧ እቶም ነቲ ምልክት ምቕባል ዚኣብዩ፡ ጸገማትን ሓደጋን የጋጥሞም እዩ። መጽሓፍ ራእይ ኣስዕብ ኣቢላ፡ “እቲ ምልክት . . . ዘለዎ እንተ ዘይኰይኑ፡ . . . ሓደ እኳ ኺዕድግ ወይ ኪሸይጥ ከም ዘይክእል” ትገልጽ። (ራእ. 13:17) ህዝቢ ኣምላኽ ግና ከምቲ ኣብ ራእይ 14:9, 10 ተገሊጹ ዘሎ፡ ኣምላኽ ነቶም ምልክት እተቐበሉ እንታይ ከም ዚገብሮም ይፈልጡ እዮም። ስለዚ፡ ነቲ ምልክት ኣብ ክንዲ ዚቕበሉ፡ ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ኣብ ኢዶም “ናይ የሆዋ” ኢሎም ኪጽሕፉ እዮም። (ኢሳ. 44:5) ሕጂ ንየሆዋ ዘሎና ተኣማንነት ጽኑዕ ምዃኑ እነረጋግጸሉ እዋን እዩ። ከምኡ እንተ ጌርና፡ የሆዋ ተሓጒሱ ናቱ ኺገብረና እዩ!

ናይ መወዳእታ ነውጺ

17. ብዛዕባ ትዕግስቲ የሆዋ እንታይ ኢና ኽንዝክር ዘሎና፧

17 የሆዋ ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ዓብዪ ትዕግስቲ ገይሩ እዩ። ሓደ እኳ ኺጠፍእ ኣይደልን እዩ። (2 ጴጥ. 3:9) ንዅሎም ሰባት ኪንስሑን ቅኑዕ ውሳነ ኺገብሩን ኣጋጣሚ ሂብዎም ኣሎ። ትዕግስቱ ግና ደረት ኣለዎ። እቶም ነዚ ኣጋጣሚ እዚ ዘይቅበልዎ፡ ከምቲ ብግዜ ሙሴ ንዝነበረ ፈርኦን ዝወረዶ እዩ ኺወርዶም። የሆዋ ንፈርኦን፡ “ክሳዕ ሕጂ ንዓኻን ንህዝብኻን ብብርቱዕ ለበዳ ምወቓዕኩኻ ነይረ፣ ንስኻ እውን ካብ ምድሪ ምተደምሰስካ ኔርካ። ግናኸ፡ ሓይለይ ምእንቲ ኸርእየካ፡ ስመይ ድማ ኣብ ኵላ ምድሪ ምእንቲ ኺውረ፡ በዚ ምኽንያት እዚ እየ ኣንቢረካ” ኢልዎ እዩ። (ዘጸ. 9:15, 16) ኵሎም ኣህዛብ፡ የሆዋ በይኑ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ምዃኑ ኺፈልጡ እዮም። (ህዝ. 38:23) እዚ ብኸመይ እዩ ዚኸውን፧

18. (ሀ) እንታይ ዓይነት ነውጺ እዩ ኣብ ሃጌ 2:6, 20-22 ተገሊጹ ዘሎ፧ (ለ) ቃላት ሃጌ ኣብ መጻኢ ኸም ዚፍጸም ከመይ ጌርና ንፈልጥ፧

18 ካብ ግዜ ሃጌ ዘመናት ምስ ሓለፈ፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ብመንፈስ ተደሪኹ እቲ ኣብ ሃጌ 2:6, 20-22 ዚርከብ ቃላት ኣብ መጻኢ ኸም ዚፍጸም ሓቢሩ ኣሎ። (ኣንብብ።) ብዛዕባ እዚ እውን ከምዚ ኢሉ ጽሒፉ እዩ፦ “ሕጂ ግና፡ ‘ገና ሓንሳእ ንምድሪ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንሰማይ እውን ከናውጾ እየ’ ኢሉ ኣተስፍዩ ኣሎ። እዚ ‘ገና ሓንሳእ’ ዚብል ቃል፡ ዘይተናወጸ ነገራት ጸኒዑ ምእንቲ ኺነብር፡ እተናወጸ ነገራት፡ ማለት እተገብረ ነገራት፡ ከም ዜልግስ እዩ ዜመልክት።” (እብ. 12:26, 27) እዚ ነውጺ እዚ፡ ከምቲ ኣብ ሃጌ 2:7 ተጠቒሱ ዘሎ ነውጺ ዘይኰነስ፡ ነቶም ከም ፈርኦን ዝኣመሰሉ ነቲ የሆዋ ዘለዎ ናይ ምግዛእ መሰል ዘይቅበልዎ ዘበሉ ናይ ዘለኣለም ጥፍኣት እዩ ዜስዕበሎም።

19. እንታይ እዩ ዘይናወጽ፧ እዚኸ ኸመይ ጌርና ንፈልጥ፧

19 እሞ ደኣ እንታይ እዩ ዘይናወጽ ወይ ዘይውገድ፧ ጳውሎስ ኣስዕብ ኣቢሉ፡ “ዘይትናወጽ መንግስቲ እንቕበል ካብ ኰንናስ፡ እቲ ንኣምላኽ ብፍርሃት ኣምላኽን ብኣኽብሮትን ብቕቡል መገዲ እነገልግለሉ ጸጋ ኣምላኽ ንቀበል” ኢሉ ኣሎ። (እብ. 12:28) እወ፡ ድሕሪ እቲ ናይ መወዳእታ ዓብዪ ነውጺ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ጥራይ እያ ኸይተናወጸት እትተርፍ። ንሳ ጸኒዓ ኽትቀውም እያ!—መዝ. 110:5, 6፣ ዳን. 2:44

20. ሰባት እንታይ ምርጫ ኺገብሩ ኣለዎም፧ ንሕናኸ ኸመይ ጌርና ኽንሕግዞም ንኽእል፧

20 ግዜ ኸነባኽን የብልናን! ሰባት ኪመርጹ ኣለዎም፦ ነቲ ዓለም እተተባብዖ ህይወት ብምድጋፍ ናብ ጥፍኣት ድዮም ኬምርሑ፡ ወይስ ህይወቶም ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ብምስምማዕ ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዮም ኬምርሑ፧ (እብ. 12:25) ብዕዮ ስብከት ኣቢልና፡ ኣብዚ ኣገዳሲ ዕዮ እዚ እንታይ መትከል ከም ዚሕዙ ንምውሳን ክንሕግዞም ንኽእል ኢና። እምበኣር፡ ብዙሓት ክቡራት ኣብ ጐድኒ መንግስቲ ኣምላኽ ኪቘሙ ንሓግዝ። ነዚ ዚስዕብ ቃላት ጐይታና የሱስ እውን ወትሩ ንዘክር፦ “እዚ ብስራት መንግስቲ ኸኣ፡ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ኵላ ዓለም ኪስበኽ እዩ፣ ሽዑ፡ መወዳእታ ኺመጽእ እዩ።”—ማቴ. 24:14

መዝሙር 40 ናይ መን ኢና፧

^ ሕ.ጽ. 5 ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ኣብቲ ብዛዕባ ሃጌ 2:7 ዘሎና ርድኢት ምትዕርራይ ተገይሩ ኣሎ። ኣብቲ ንዅሎም ኣህዛብ ዜናውጽ ዘሎ ልቢ ዚሰልብ ዕዮ ኸመይ ጌርና ኽንሳተፍ ከም እንኽእል ክንምሃር ኢና። እዚ ዜናውጽ ዕዮ እዚ ኣወንታውን ኣሉታውን ምላሽ ከም ዜስዕብ እውን ክንርኢ ኢና።

^ ሕ.ጽ. 4 እታ ቤተ መቕደስ ብ515 ቅ.ክ. ስለ እተዛዘመት፡ ተልእኾ ሃጌ ዕዉት ምንባሩ ንፈልጥ ኢና።

^ ሕ.ጽ. 10 እዚ ኣብ ርድኢት እተገብረ ምትዕርራይ እዩ። ኣብ ሓደ እዋን፡ ቅኑዓት ሰባት ናብ የሆዋ ዚስሓቡ በቲ ነውጺ ኣህዛብ ከም ዘይኰነ ገሊጽና ኔርና። ኣብ ናይ 15 ግንቦት 2006 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸት፡ “ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ” ርአ።

^ ሕ.ጽ. 63 መግለጺ ስእሊ፦ ሃጌ ንህዝቢ ኣምላኽ ነታ ቤተ መቕደስ ብቕንኣት ኪሃንጹ ተማሕጺንዎም፣ ሎሚ ዘለዉ ህዝቢ ኣምላኽ መልእኽቲ ኣምላኽ ብቕንኣት ይእውጁ ኣለዉ። ሰብኣይን ሰበይትን ብዛዕባ እቲ ዚመጽእ ናይ መወዳእታ ነውጺ ይሰብኩ።