ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ታሪኽ ህይወት

ብዛዕባ የሆዋ ኽምሃርን ክምህርን ምኽኣለይ ኣሐጒሱኒ

ብዛዕባ የሆዋ ኽምሃርን ክምህርን ምኽኣለይ ኣሐጒሱኒ

ኣብ ኢስተን፡ ፐንስልቨንያ፡ ሕ.መ.ኣ. እየ ዓብየ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኣኽቢርካ ዚርአ ሰብ ምእንቲ ክኸውን ኢለ ናብ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ምእታው እየ ዘተኵር ነይረ። ትምህርቲ እፈቱ ነይረ እየ፣ ኣብ ሕሳብን ስነ ፍልጠትን እውን ጽቡቕ ነጥቢ ነይሩኒ እዩ። ብ1956 ሓደ ንሰብኣዊ መሰላት ዚጣበቕ ወድብ፡ ካብ ጸለምቲ ተምሃሮ ዝለዓለ ነጥቢ ብምርካበይ 25 ዶላር ሸለመኒ። ጸኒሑ ግና፡ ሸቶታተይ ተቐየረ። ስለምንታይ፧

ብዛዕባ የሆዋ ብኸመይ ከም እተምሃርኩ

ኣብ መጀመርታ 1940ታት፡ ወለደይ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ኬጽንዑ ጀመሩ። እቲ መጽናዕቲ እቲ ኣይቀጸለን፣ ኰይኑ ግና፡ ኣደይ መጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛንቕሑ!ን ትቕበል ነበረት። ብ1950፡ ኣብ ከተማ ኒው ዮርክ ኣህጉራዊ ኣኼባ ተገብረ፣ ስድራ ቤትና ድማ ነቲ ኣብኡ ኽንእከብ ዝቐረበላ ዕድመ ተቐበለቶ።

ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ሓውና ሎረንስ ጀፍሪስ ኪበጽሓና ጀመረ። ተገዲሱ ድማ ኪሕግዘኒ ፈተነ። ኣብ ፈለማ፡ ብዛዕባ እቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ፖለቲካን ውትህድርናን ዘለዎም ናይ ገለልትነት መትከል ምስኡ ኸም ዘይሰማማዕ ገለጽኩሉ። ኣብ ኣመሪካ ዘሎ ዅሉ ሰብ ናብ ውግእ እንተ ዘይከይዱ፡ ጸላእቲ መጺኦም ንምልእቲ ሃገርና ኸም ዚወስድዋ ተማጐትክዎ። ሓውና ጀፍሪስ ግና ብትዕግስቲ፡ “ኣብ ኣመሪካ ዘለዉ ዅሎም ሰባት ንየሆዋ ኣምላኽ እንተ ዜገልግልዎ እሞ ጸላእቲ መጺኦም እንተ ዜጥቅዕዎም፡ ንሱ እንታይ ዚገብር ይመስለካ፧” ኢሉ ሓተተኒ። እቲ ኣብዝን ኣብ ካልእ ጕዳያትን ዘቕረብክዎ ተቓውሞ መሰረት ዘይብሉ ምዃኑ ኣረድኣኒ። እዚ ድማ ንተገዳስነተይ ኣለዓዓሎ።

ኣብ መዓልቲ ጥምቀተይ

ነቲ ኣደይ ኣብ መኽዘን ዘቐመጠቶ ናይ ቀደም ሕታማት ግምቢ ዘብዐኛንቕሑ!ን ንምንባብ ነዊሕ ሰዓታት አሕልፍ ነበርኩ። ጸኒሑ፡ ሓቂ እምሃር ከም ዘለኹ ተረድኣኒ። ስለዚ፡ ነቲ ሓውና ጀፍሪስ መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዕ ዘቕረበለይ ዕድመ ተቐበልክዎ። ኣብ ኣኼባታት እውን ብስሩዕ ክእከብ ጀመርኩ። ሓቂ ንልበይ መልኦ፣ ኣስፋሒ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ እውን ኰንኩ። “እታ ዓባይ መዓልቲ የሆዋ ቐሪባ” ምህላዋ ምስ ተረድኣኒ ድማ፡ ሸቶታተይ ተቐየረ። (ጸፎ. 1:14) ናብ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ምእታው ኣብ ክንዲ ዘተኵር፡ ንሰባት መጽሓፍ ቅዱሳዊ ሓቂ ኽምህር ደለኹ።

ብ13 ሰነ 1956፡ ካልኣይ ደረጃ ትምህርተይ ወዲአ ተመረቕኩ። ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ኸኣ፡ ኣብ ኣኼባ ወረዳ ተጠመቕኩ። እቲ ብዛዕባ የሆዋ ኽምሃርን ክምህርን ዝገበርክዎ ውሳነ ኣብ ህይወተይ ብዙሕ በረኸት ከም ዜምጽኣለይ ሽዑ ኣይተረድኣንን ነይሩ።

ፈላሚ ድሕሪ ምዃነይ እተምሃርክዎን ዝምሃርክዎን

ካብቲ እተጠመቕኩሉ ድሕሪ ሽዱሽተ ወርሒ፡ ስሩዕ ፈላሚ ዀንኩ። ናይ ታሕሳስ 1956 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ኸኣ፡ “ዝያዳ ዓየይቲ ኣብ ዜድልዩሉ ኸተገልግል ትኽእልዶ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ሒዛ ወጸት። እዚ ጻውዒት እዚ ንዓይ እውን ዚምልከት እዩ ነይሩ። ኣብቲ ሒደት ሰበኽቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ዘለውዎ ኸይደ ኽሕግዝ ደለኹ።—ማቴ. 24:14

ናብ ኤጅፊልድ፡ ሳውዝ ካሮላይና ገዓዝኩ። እታ ኣብኡ ዝነበረት ጉባኤ ኣርባዕተ ኣስፋሕቲ ጥራይ እዮም ነይሮምዋ። ኣነ ምስ ተወሰኽክዎም ከኣ ሓሙሽተ ዀንና። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኣብ ናይ ሓደ ሓው ሳሎን፡ ኣኼባታት ንገብር ነበርና። ኣብ ወወርሒ ድማ 100 ሰዓት ንኣገልግሎት ወፍሪ እውፊ ነበርኩ። ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ብምምራሕን ክፍልታት ኣኼባ ብምቕራብን ትሑዝ እየ ነይረ። እቲ ዜገርም ድማ፡ ብዝያዳ ብዝዓየኹ መጠን፡ ብዝያዳ እየ ብዛዕባ የሆዋ ተማሂረ።

ሓንቲ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝመርሓላ ዝነበርኩ ሰበይቲ፡ ጆንስተን ኣብ እትብሃል ሒደት ኪሎ ሜተራት ርሒቓ ኣብ እትርከብ ከተማ እንዳ ስነ ስርዓት ቀብሪ ነበራ። ንሳ ድማ ነቲ ሽዑ ኣመና ኣድልዩኒ ዝነበረ ስራሕ ሃበትኒ፣ በዚ ኸምዚ ኣብ ሰሙን እተወሰነ መዓልቲ ስራሕ ረኸብኩ። ንሓንቲ ንእሽቶ ገዛ እውን ከም ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ክንጥቀመላ ፈቐደትልና።

ነቲ መጽናዕቲ ዝመርሓለይ ሓው ወዱ ዝዀነ ሓውና ጆሊ ጀፍሪስ ካብ ብሩክሊን፡ ኒው ዮርክ ናብቲ ኣነ ዝነበርኩሉ ገዓዘ። ኣብ ኣገልግሎት ፈላምነት ድማ መገላግልቲ ዀነኒ። ኣብ ሓንቲ ኻብ ሓደ ሓው ብልቓሕ ዝረኸብናያ ንእሽቶ ተጐታቲት ቤት ድማ ንነብር ነበርና።

ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኣብ ደቡብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ብዙሕ ደሞዝ ኣይክፈልን እዩ ነይሩ። ንመዓልቲ ክልተ ወይ ሰለስተ ዶላር እዩ ዚኽፈለና ነይሩ። ሓደ መዓልቲ ናብ ድኳን ከይደ፡ በተን ዝተረፋኒ ሒደት ሰናቲም ምግቢ ዓደግኩ። ካብቲ ድኳን ምስ ወጻእኩ፡ ሓደ ሰብኣይ መጺኡ፡ “ስራሕ ትደሊዶ፧ ንሰዓት ሓደ ዶላር ክኸፍለካ እየ” በለኒ። ንሓደ ቦታ ህንጸት ከጽሪ፡ ናይ ሰለስተ መዓልቲ ስራሕ ሃበኒ። ኣብ ኤጅፊልድ ምእንቲ ኽጸንሕ፡ የሆዋ ይሕግዘኒ ኸም ዝነበረ ንጹር እዩ ዀይኑለይ። ይኹን እምበር፡ ናብቲ ብ1958 ኣብ ከተማ ኒው ዮርክ እተገብረ ኣህጉራዊ ኣኼባ ኸድኩ።

ኣብ መዓልቲ መርዓና

ኣብታ ኻልአይቲ መዓልቲ እቲ ኣኼባ፡ ሓደ ፍሉይ ነገር ኣጋጠመኒ። ኣብ ጋላቲን፡ ተነሲ ስርዕቲ ፈላሚት ኰይና ምስ እተገልግል ሩቢ ዋድሊንግተን ተራኸብኩ። ክልቴና ኣብ ኣገልግሎት ሚስዮናውነት ተገዳስነት ስለ ዝነበረና፡ ኣብቲ ኣህጉራዊ ኣኼባ ኣብ እተገብረ ናይ ጊልዓድ ኣኼባ ተኣከብና። ድሕርዚ፡ ደብዳበ ኽንጻሓሓፍ ጀመርና። ድሕሪኡ ድማ፡ ህዝባዊ መደረ ከቕርብ ናብ ጋላቲን ተዓደምኩ። በቲ ኣጋጣሚ እቲ ተጠቒመ ድማ ክትምርዓወኒ ሓተትክዋ። ድሕርዚ፡ ናብታ ሩቢ ዝነበረታ ጉባኤ ገዓዝኩ፣ ብ1959 ድማ ተመራዓውና።

ኣብ ጉባኤ እተምሃርክዎን ዝምሃርክዎን

ወዲ 23 ዓመት ከለኹ፡ ኣብ ጋላቲን ኣገልጋሊ ጉባኤ (ሕጂ ኣተሓባባሪ ኣካል ሽማግለታት ዚብሃል) ኰይነ ተሸምኩ። ቻርለስ ቶምሰን ሓላው ወረዳ ዀይኑ ምስ ተሸመ፡ ንፈለማ ግዜ ንጉባኤና እዩ በጺሕዋ። ብዙሕ ተመክሮ እኳ እንተ ነበሮ፡ ብዛዕባ እቲ ንኣሕዋት ዜድልዮም ነገራትን ካልኦት ሓለውቲ ወረዳ ነቲ ዜድሊ ንምምላእ ዚገብርዎ ዝነበሩ ነገራትን ርእይቶይ ሓተተኒ። ካብቲ ሓው እቲ፡ ንሓደ ጕዳይ ቅድሚ ምሓዝካ፡ ሕቶታት ምሕታትን ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ምፍላጥን ኣገዳሲ ምዃኑ ተምሃርኩ።

ኣብ ግንቦት 1964፡ ኣብ ሳውዝ ላንሲንግ፡ ኒው ዮርክ ኣብ እተገብረ ሓደ ወርሒ ዚወስድ ቤት ትምህርቲ ኣገልግሎት መንግስቲ ኣምላኽ ክካፈል ጻውዒት ቀረበለይ። እቶም ነቲ ቤት ትምህርቲ ዝመርሑ ኣሕዋት ከኣ፡ ብዝያዳ ኽምሃርን መንፈሳውነተይ ከዕብን ብርቱዕ ድሌት ኣሕደሩለይ።

ኣብ ዕዮ ወረዳን ኣውራጃን እተምሃርክዎን ዝምሃርክዎን

ኣብ ጥሪ 1965፡ ዕዮ ወረዳ ኽንጅምር ንዓይን ንሩቢን ዕድመ ቐረበልና። ካብ ኖክስቪል፡ ተነሲ ኽሳብ ዳርጋ ሪችመንድ፡ ቨርጂንያ ዚበጽሕ ሰፊሕ ወረዳ እዩ ተመዲቡልና። እቲ ወረዳና ኣብ ኖርዝ ካሮላይናን ከንታኪን ዌስት ቨርጂንያን ዝነበራ ጉባኤታት የጠቓልል ነበረ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኣብ ደቡብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዓሌታዊ ፍልልይ ሰፊኑ ብምንባሩ፡ በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ጸለምቲ ምስ ጸዓዱ ብሓባር ይእከቡ ብዘይምንባሮም፡ ንናይ ጸለምቲ ጉባኤታት ጥራይ ኢና እነገልግል ኔርና። ኣሕዋት ብስጋዊ መዳይ ብዙሕ ኣይነበሮምን። እታ ዘላትና ንእተሸገረ ምክፋል ግና ተማሂርና ኔርና ኢና። ሓደ ንነዊሕ ዓመታት ዘገልገለ ሓላው ወረዳ፡ “ሓው ኩን። ናብ ጉባኤ ኸም ሓለቓ ዄንካ ኣይትኺድ። ከም ሓዎም ገይሮም እንተ ርእዮምኻ፡ ክትሕግዞም ትኽእል ኢኻ” ኢሉ ኣገዳሲ ትምህርቲ ምሃረኒ።

ንሓንቲ ንእሽቶ ጉባኤ ኽንበጽሓ ኸለና፡ ሩቢ ንሓንቲ ሓደ ዓመት ዝዕድሚኣ ውላድ ዝነበረታ መንእሰይ መጽናዕቲ ጀመረትላ። ኣብታ ጉባኤ መጽናዕቲ ኺመርሓላ ዚኽእል ሰብ ብዘይምንባሩ፡ ሩቢ ነታ መንእሰይ ብደብዳበ መጽናዕቲ ትመርሓላ ነበረት። ኣብ ዚቕጽል ምብጻሕና፡ እታ መንእሰይ ናብ ኵሉ ኣኼባታትና መጸት። ክልተ ፍሉያት ፈለምቲ ናብታ ጉባኤ ምስ ገዓዛ፡ ንሳተን ነቲ መጽናዕቲ ቐጸላላ። ነዊሕ ከይጸንሐት እውን ተጠምቀት። ድሕርዚ፡ ድሕሪ 30 ዓመት ኣቢሉ ብ1995፡ ኣብቲ ኣብ ፓተርሰን ዚርከብ ቤት-ኤል ሓንቲ ሓብቲ ንሩቢ መጺኣ ተፋለጠታ። ንሳ ጓል እታ ሩቢ እተጽንዓ ዝነበረት መንእሰይ እያ። ንሳን ሰብኣያን ከኣ ኣብ መበል 100 ኽፍሊ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ተምሃሮ ዀይኖም እዮም መጺኦም።

እቲ ኻልኣይ ወረዳና፡ ንማእከል ፍሎሪዳ ዚሽፍን እዩ ነይሩ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ማኪና ስለ ዘድለየትና፡ ብጽቡቕ ዋጋ ሓንቲ ማኪና ዓደግና። ኣብ ቀዳማይ ሰሙና ግና ተበላሸወት። መዐረዪኣ ዚኸውን ገንዘብ እውን ኣይነበረናን። ሽዑ ንሓደ ኺሕግዘና ይኽእል እዩ ኢለ ዝሓሰብክዎ ሓው ደወልኩሉ። እቲ ሓው ድማ ብሓደ ኻብ ሰራሕተኛታቱ ገይሩ ነታ ማኪና ኣዐረያ። ድሕሪኡ ግና፡ “ተኸፊሉ እዩ!” ኢሉ ገንዘብ ዚብሃል ኣይተቐበለናን። መሓልፎ እኳ ደኣስ፡ ከም ህያብ ገይሩ ገንዘብ ሃበና። እዚ ድማ የሆዋ ንኣገልገልቱ ብኸመይ ከም ዚከናኸን ዜርኢ ጽቡቕ ኣብነት እዩ። ለጋሳት ክንከውን ከም ዘሎና እዩ ኣዘኻኺሩና።

ንጉባኤታት ክንበጽሕ ከለና፡ ኣብ እንዳ ኣሕዋት ኢና እንቕኒ ኔርና። በዚ ኸምዚ ድማ፡ ብዙሓት ፈተውቲ ኣጥሪና ኢና። ሓደ መዓልቲ፡ ብዛዕባ ሓንቲ ጉባኤ ጸብጻብ ክጽሕፍ ጀሚረ ኸይወዳእክዎ ኣብታ ታይፕራይተር ሓዲገዮ ኸድኩ። በታ ምሸት እቲኣ ምስ ተመለስኩ፡ ወዲ ሰለስተ ዓመት ኣባል እታ ስድራ ቤት ነቲ ጸብጻብ “ዛዚምዎ” ጸንሓኒ። ንብዙሕ ዓመታት በዚ እጨርቀሉ ነይረ እየ።

ብ1971፡ ኣብ ከተማ ኒው ዮርክ ሓላው ኣውራጃ ዀይነ ኸገልግል ከም እተመደብኩ እትገልጽ ደብዳበ መጸትኒ። በዚ ኣዚና ኢና ሰምቢድና! ናብኡ ኣብ ዝገዓዝናሉ እዋን ገና ወዲ 34 ዓመት እየ ነይረ። ነቶም ኣብኡ ዝነበሩ ኣሕዋት ናይ መጀመርታ ጸሊም ሓላው ኣውራጃኦም እኳ እንተ ዀንኩ፡ ጽቡቕ ገይሮም እዮም ተቐቢሎምኒ።

ሓላው ኣውራጃ ዀይነ ኸገልግል ከለኹ፡ ኣብቲ ኣብ ቀዳመ ሰንበት ዚግበር ኣኼባታት ወረዳ ብዛዕባ የሆዋ ምምሃር ብዙሕ እዩ ዜሐጕሰኒ ነይሩ። ብዙሓት ካብቶም ሓለውቲ ወረዳ፡ ካባይ ንላዕሊ ተመክሮ ነይርዎም እዩ። ሓደ ኻባታቶም እኳ ናይ ጥምቀት መደረ ዝሃበኒ ሓው እዩ ነይሩ። ቴዶር ጃራዝ ዚብሃል ካልእ ሓው ድማ ጸኒሑ ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ኰይኑ እዩ። ኣብ ብሩክሊን ኣብ ዚርከብ ቤት-ኤል ዜገልግሉ ብዙሓት ምኩራት ኣሕዋት እውን ነይሮም እዮም። እቶም ሓለውቲ ወረዳን እቶም ቤት-ኤላውያንን ጽቡቕ ከም ዚስምዓኒ ስለ ዝገበሩ፡ ብዙሕ እየ ዘመስግኖም። እዞም ፈቃራት ጓሶት እዚኦም ኣብ ቃል ኣምላኽ ከም ዚውከሉን ንውድብና ብተኣማንነት ከም ዚድግፉን ብዓይነይ ርእየ እየ። እቲ ትሕትናኦም፡ ነቲ ኸም ሓላው ኣውራጃ መጠን ዘቕርቦ ኣገልግሎት ከም ዚቐልለኒ ገይሩለይ እዩ።

ናብ ዕዮ ወረዳ ተመለስኩ

ብ1974 ኣመሓዳሪ ኣካል ንገሊኦም ሓለውቲ ወረዳ ናብ ዕዮ ኣውራጃ መደቦም፣ ኣነ ድማ ኣብ ሳውዝ ካሮላይና ሓላው ወረዳ ዀይነ ኸገልግል ተመደብኩ። እቲ ዜሐጕስ፡ ኣብቲ ግዜ እቲ ጉባኤታትን ወረዳታትን ብዓሌት ተፈላልዩ ዘይኰነስ፡ ተሓዋዊሱ ስለ ዝነበረ፡ ንኣሕዋት ባህ ኢልዎም እዩ ነይሩ።

ኣብ ኣጋ መወዳእታ 1976፡ ናብቲ ኣብ መንጎ ኣትላንታን ኮሎምበስን ዚርከብ ወረዳ ጆርጅያ ተመደብኩ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ገሊኦም ሰባት ኰነ ኢሉ ንገዛ እንዳ ጸለምቲ ስድራ ቤት ኣባርዕዎ፣ ብሰንኪ እዚ ድማ ሓሙሽተ ጸለምቲ ቘልዑ ሞቱ። ሽዑ ኣነ ነቲ ናታቶም መደረ ቐብሪ ኣቕረብኩ። እታ ኣደ ተጐዲኣ ስለ ዝነበረት፡ ኣብ ሆስፒታል እያ ነይራ። ጸለምትን ጸዓዱን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ድማ፡ ነቶም ወለዲ ንምጽንናዕ ናብቲ ሆስፒታል ወሓዙ። ኣብ መንጎ ኣሕዋት ዘላ ፍቕሪ ኽሳዕ ክንደይ ብልጽቲ ምዃና ርእየ እየ። ከምዚ ዝበለ ርሕራሐ፡ ንኣገልገልቲ ኣምላኽ ኣመና ጽንኩር ኵነታት እኳ ኺጻወሩ የኽእሎም እዩ።

ኣብ ቤት-ኤል እተምሃርክዎን ዝምሃርክዎን

ብ1977 ንሒደት ኣዋርሕ ኣብ ሓደ ፕሮጀክት ንምሕጋዝ፡ ናብቲ ኣብ ብሩክሊን ዚርከብ ቤት-ኤል ክንመጽእ ሕቶ ቐረበልና። እቲ ፕሮጀክት ኪውዳእ ምስ በለ፡ ክልተ ኣባላት ኣመሓዳሪ ኣካል፡ ኣነን ሩቢን ኣብ ቤት-ኤል ቀወምቲ ዄንና ኸነገልግል ፍቓደኛታት እንተ ዄንና ሓተቱኒ። ንሕና እውን ነቲ ዕድመ ተቐበልናዮ።

ን24 ዓመት ኣብ ክፍሊ ኣገልግሎት ዓየኹ፣ ኣብኡ ድማ ኣሕዋት ብዙሕ ግዜ ንተኣፋፍን ንእተሓላለኸን ሕቶታት መልሲ ይህቡ እዮም። ድሕሪ ዓመታት፡ ኣመሓዳሪ ኣካል ምስ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ዚሳነ መምርሒ ሂቡና እዩ። እዚ ድማ ሕቶታት ንምምላስ መሰረት ኰይኑና እዩ። ብዘይካዚ እውን፡ ሓለውቲ ወረዳን ሽማግለታትን ፈለምትን ንምስልጣን መሰረት ኰይኑና እዩ። እዚ ስልጠና እዚ ኸኣ ንብዙሓት ብመንፈሳዊ መዳይ ኪዓብዩ ሓጊዝዎም እዩ። እዚ እውን ብተራኡ ንውድብ የሆዋ ኣደልዲልዋ እዩ።

ካብ 1995 ክሳዕ 2018፡ ተወካሊ ቐንዲ ቤት ጽሕፈት ኰይነ፡ በቲ ናይ ሽዑ ኣጸዋውዓ ኸኣ ሓላው ዞባ ዀይነ፡ እተፈላለየ ኣብያተ ጽሕፈት ጨንፈር በጻሕኩ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ንኮሚተታት ጨንፈርን ንቤት-ኤላውያንን ንሚስዮናውያንን ንምትብባዕን ብዛዕባ ዜተሓሳስቦም ነገር ንምሕጋዝን ምሳታቶም እራኸብ ነበርኩ። ኣነን ሩቢን እውን በቲ ንሳቶም ዚነግሩና ተመክሮ ወትሩ ንህነጽ ነበርና። ንኣብነት፡ ብ2000 ናብ ሩዋንዳ ኸድና። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኣሕዋትን ስድራ ቤት-ኤልን ነቲ ብ1994 ዘጋጠመ ጃምላዊ ቕትለት ብኸመይ ከም ዝሰገርዎ ምስ ሰማዕና፡ ውሽጥና እዩ ተተንክዩ። ብዙሓት ካባታቶም፡ ዚፈትውዎም ሰቦም ስኢኖም ነይሮም እዮም። ኣሕዋት እዚ ዅሉ መከራ ኣሕሊፎም ክነሶም፡ እምነትን ተስፋን ሓጐስን ከም ዘለዎም ይርአ ነይሩ።

ኣብ መበል 50 ዓመት መርዓና

ሕጂ ኣብ 80ታት ዕድመና ኢና ዘለና። ኣብ ዝሓለፈ 20 ዓመት፡ ኣባል ኮሚተ ጨንፈር ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዀይነ ኣገልጊለ እየ። ናይ ዩኒቨርሲቲ ትምህርቲ ፈጺመ ኣይረኸብኩን፣ ካብ የሆዋን ውድቡን ግና ካብ ኵሉ ዝበለጸ ትምህርቲ ረኺበ እየ። እዚ ድማ ንዘለኣለም ዚጠቅም ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ክምህር ኣዕጢቑኒ እዩ። (2 ቈረ. 3:5፣ 2 ጢሞ. 2:2) መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ህይወት ሰባት ከም ዜመሓይሽን ምስ ፈጣሪኦም ዘለዎም ርክብ ኬማዕብሉ ኸም ዚሕግዞምን ርእየ እየ። (ያእ. 4:8) ኣነን ሩቢን ብእተኻእለና መጠን ብዛዕባ የሆዋ ኽንምሃርን ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ክንምህርን ንጽዕር ኢና። እዚ ድማ ሓደ ኣገልጋሊ የሆዋ ኺረኽቦ ዚኽእል ካብ ኵሉ ዝዓበየ ፍሉይ መሰል እዩ!