ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 39

ልእመት ብርታዐኻ ትኹን

ልእመት ብርታዐኻ ትኹን

“ባርያ ጐይታስ ንዅሉ ልኡም . . . ኪኸውን ይግብኦ እምበር፡ ኪብኣስ ኣይግብኦን እዩ።”—2 ጢሞ. 2:24

መዝሙር 120 ከም ክርስቶስ ልኡማት ንኹን

መላለዪ a

1. ኣብ ስራሕ ወይ ኣብ ትምህርቲ እንታይ ሕቶ እዩ ኪቐርበልና ዚኽእል፧

 መሳርሕትኻ ወይ መማህርትኻ ብዛዕባ እምነትካ ኺሓትተካ ኸሎ፡ እንታይ እዩ ዚስምዓካ፧ ጭንቀት ድዩ ዚስምዓካ፧ መብዛሕትና ኸምኡ ይስምዓና እዩ። ከምዚ ዓይነት ሕቶ ግና፡ ብዛዕባ ኣተሓሳስባ ወይ እምነት ካልእ ሰብ ኪሕብረና፡ በዚ ኸምዚ እውን ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንምንጋር ኣጋጣሚ ኪኸፍተልና ይኽእል እዩ። ሓድሓደ ግዜ ግና፡ ሓደ ሰብ ኪጻረረና ኢሉ ሕቶ ኼበግስ ይኽእል እዩ። እዚ ኼገርመና የብሉን። ስለምንታይሲ፡ ገሊኦም ሰባት ብዛዕባ እምነትና ግጉይ ሓበሬታ እዩ ዘለዎም። (ግብ. 28:22) ብዘይካዚ፡ ኣብ “ዳሕሮት መዓልትታት” ኢና እንነብር ዘለና። ኣብዚ እዋን እዚ ድማ፡ “ንስምምዕ ፍቓደኛታት ዘይኰኑ፡” ካብኡ ሓሊፎም እውን “ጨካናት” ሰባት ከም ዚህልዉ ብትንቢት ተነጊሩ ነይሩ እዩ።—2 ጢሞ. 3:1, 3

2. ልእመት ተደላዪት ባህርይ ዝዀነት ስለምንታይ እያ፧

2 ‘ሓደ ሰብ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱሳዊ እምነተይ እናተኸራኸረኒ ኽነሱ፡ ከመይ ገይረ እየ ብልእመትን ብለውሃትን ዝምልሰሉ፧’ ኢልካ ትሓስብ ትኸውን። ኣብዚ መዳይ እዚ እንታይ ኪሕግዘካ ይኽእል፧ ልእመት ክትሕግዘካ ትኽእል እያ። ልኡም ብቐሊሉ ኣይሓርቕን እዩ፣ ዜበሳጩ ወይ ዜሰክፍ ኵነታት ኬጋጥሞ ኸሎ እውን፡ ገዛእ ርእሱ ይቈጻጸር እዩ። (ምሳ. 16:32) ኰይኑ ግና፡ ‘እዚ ኻብ ክትገብሮ፡ ክትዛረቦ ይቐልል’ ኢልካ ትሓስብ ትኸውን። እሞ ደኣ ብኸመይ ኢኻ ልእመት ከተማዕብል እትኽእል፧ ሓደ ሰብ ብዛዕባ እምነትካ በዳሂ ሕቶታት ኬቕርበልካ ኸሎ፡ ከመይ ጌርካ ኢኻ ብልእመት ክትምልስ እትኽእል፧ ወላዲ እንተ ዄንካ ኸኣ፡ ንውሉዳትካ፡ ንእምነቶም ብልእመት ምእንቲ ኺጣበቑላ ብኸመይ ክትሕግዞም ትኽእል፧ ቀጺልና እስከ ንርአ።

ብኸመይ ልእመት ተማዕብል፧

3. ልእመት ብርታዐ ደኣ እምበር፡ ድኽመት ኣይኰነትን ክንብል እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧ (2 ጢሞቴዎስ 2:24, 25)

3 ልእመት ብርታዐ ደኣ እምበር፡ ድኽመት ኣይኰነትን። ኣብ ትሕቲ ፈታኒ ዅነታት ህዱእ ንምዃን ውሽጣዊ ብርታዐ የድልየና እዩ። ልእመት ሓንቲ ኻብተን መዳያት “ፍረ መንፈስ” እያ። (ገላ. 5:22, 23) “ልእመት” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽኛ ቓል፡ ንሓደ እተገርሐ ፈረስ በረኻ ንምግላጽ እውን ተዓይዩላ ኣሎ። ንሓደ ልኡም ዝዀነ ፈረስ በረኻ እሞ ብኣእምሮኻ ስኣል። ልኡም እኳ እንተ ዀነ፡ ብርቱዕ እዩ። ንሕና ሰባትከ ኸመይ ጌርና ኢና ብርቱዓት ክነስና፡ ልእመት ከነማዕብል እንኽእል፧ እዚ ብሓቦ ጥራይ ዚኸውን ኣይኰነን። መንፈስ ኣምላኽ ምእንቲ ኺውሃበና ኽንጽሊ ኣሎና። ነዛ ጽብቕቲ ባህርይ እዚኣ ንምምዕባል፡ ሓገዙ ኽንልምን ኣሎና። እዚ ኺግበር ከም ዚክኣል ካብ ተመክሮ ተራእዩ እዩ። ብዙሓት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተጻረርቲ ምስ ኣጓነፍዎም፡ ልኡም ምላሽ ሂቦም እዮም። እዚ ድማ ኣብቶም ነዚ ዚዕዘቡ ሰባት ጽቡቕ ጦብላሕታ ኣሕዲሩ እዩ። (2 ጢሞቴዎስ 2:24, 25 ኣንብብ።) እሞ ደኣ ኸመይ ጌርካ ኢኻ ንልእመት ሓደ ኻብ ብርታዐኻ ኽትገብራ ትኽእል፧

4. ብዛዕባ ልእመት ካብ ይስሃቅ እንታይ ንምሃር፧

4 ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣገዳስነት ልእመት ዜጕልሕ ሓያሎ ዛንታታት ኣሎ። ንኣብነት፡ ብዛዕባ ይስሃቅ እስከ ንርአ። ንሱ ናብቲ ጌራር ዚብሃል ዓዲ ፍልስጥኤማውያን ከይዱ ምስ ሰፈረ፡ እቶም ቀናኣት ጐረባብቱ ነቲ ገላዉ ኣቦኡ ዝዀዓትዎ ዒላታት ደበይዎ። ኣብቲ ግዜ እቲ ይስሃቅ ብዛዕባ መሰሉ ኣብ ክንዲ ዚቃለስ፡ ቤተ ሰቡ ሒዙ ኻብቲ ቦታ ገዓዘ፣ ካልእ ዒላታት እውን ኰዓተ። (ዘፍ. 26:12-18) ፍልስጥኤማውያን ግና መሊሶም በቲ ሓደስቲ ዒላታት ተባእስዎ። እዚ እናኣጋጠሞ ኽነሱ ይስሃቅ ብሰላም ተመላለሰ። (ዘፍ. 26:19-25) እሞ ደኣ ኻልኦት ኬቘጥዕዎ ህርድግ ኣብ ዚብሉሉ እዋን፡ ብልእመት ምላሽ ኪህብ ዝሓገዞ እንታይ እዩ፧ ብርግጽ ንወለዱ ይዕዘቦም ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። ካብቲ ኣብርሃም ብሰላም እተመላለሰሉ መገድታት፡ ከምኡ ድማ ካብቲ “ህዱእን ልኡምን መንፈስ” ሳራ ብዙሕ ተማሂሩ ኪኸውን ኣለዎ።—1 ጴጥ. 3:4-6፣ ዘፍ. 21:22-34።  

5. እንታይ ኣብነት እዩ ክርስትያን ወለዲ ንደቆም ብዛዕባ ኣገዳስነት ልእመት ኪምህርዎም ከም ዚኽእሉ ዜርኢ፧

5 ኣቱም ክርስትያን ወለዲ፡ ንደቅኹም ኣገዳስነት ልእመት ክትምህሩ ኸም እትኽእሉ ኸነረጋግጸልኩም ንፈቱ። ንኣብነት፡ ነቲ ማክሳንስ ዝስሙ ወዲ 17 ዓመት መንእሰይ ዘጋጠሞ ነገር እስከ ንርአ። ነዚ መንእሰይ እዚ ኣብ ቤት ትምህርትን ኣብ ኣገልግሎትን ቍጡዓት ሰባት ኣጋጠምዎ። ወለዱ ግና ልእመት ምእንቲ ኼማዕብል ብትዕግስቲ ሓገዝዎ። ብዛዕባ እዚ ድማ፡ “ዜቘጥዕ ነገር ኬጋጥመካ ኸሎ፡ ብቝጥዓ ወይ ብሓይሊ ኻብ ምምላስ፡ ገዛእ ርእስኻ ምግታእ ዝያዳ ሓይሊ ኸም ዚሓትት ማክሳንስ ኪርዳእ ክኢሉ” ይብሉ። እቲ ዜሐጕስ ድማ፡ ማክሳንስ ልኡም ኪኸውን ከኣለ።

6. ብልእመት ምላሽ ምእንቲ ኽንህብ፡ ጸሎት ብኸመይ ኪሕግዘና ይኽእል፧

6 ውጥረት ኣብ ዚሰፍነሉ ዅነታት፡ ንኣብነት ሓደ ሰብ ብዛዕባ ስም ኣምላኽና ሕማቕ ኣብ ዚዛረበሉ፡ ወይ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ዜላግጸሉ እዋን እንታይ ኢና ኽንገብር እንኽእል፧ ብልእመት ምእንቲ ኽንምልስ፡ ንየሆዋ መንፈሱን ጥበቡን ኪህበና ኽንልምኖ ኣሎና። ጽቡቕ ምላሽ ከም ዘይሃብና ጸኒሕና እንተ ኣስተውዒልናኸ፧ ብዛዕባ እቲ ጕዳይ መሊስና ኽንጽልን ኣብ ዚቕጽል ከመይ ጌርና ብዝሓሸ ኸም እንምልስ ክንሓስብን ንኽእል ኢና። የሆዋ ድማ ንቝጥዓና ምእንቲ ኽንቈጻጸሮን ልኡማት ምእንቲ ኽንከውንን መንፈስ ቅዱሱ ኺህበና እዩ።

7. ገሊኡ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ብኣእምሮና ምስ እነጽንዕ፡ ዘረባናን ተግባርናን ንምቍጽጻር ብኸመይ ኪሕግዘና ይኽእል፧ (ምሳሌ 15:1, 18)

7 ኣጸጋሚ ዅነታት ኬጋጥመና ኸሎ፡ ገሊኡ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ዘረባና ኽንቈጻጸር ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። መንፈስ ኣምላኽ ከኣ ነዚ ጥቕስታት ኬዘክረና ይኽእል እዩ። (ዮሃ. 14:26) ንኣብነት፡ ኣብ መጽሓፍ ምሳሌ ዚርከብ ስርዓታት፡ ልኡማት ክንከውን ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። (ምሳሌ 15:1, 18 ኣንብብ።) እታ መጽሓፍ እቲኣ፡ ውጥረት ኣብ ዝሰፈኖ ዅነታት ገዛእ ርእስና ምግታእ ዘለዎ ጥቕምታት እውን ትገልጽ እያ።—ምሳ. 10:19፣ 17:27፣ 21:23፣ 25:15።     

ልቦና፡ ልኡማት ክንከውን ይሕግዘና

8. ሓደ ሰብ ብዛዕባ እምነትና ሕቶ ንምሕታት ዘለዓዓሎ ምኽንያት ኣብ ግምት ከነእቱ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

8 ልቦና እውን ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። (ምሳ. 19:11) ሓደ ልቦና ዘለዎ ሰብ ብዛዕባ እምነቱ በዳሂ ሕቶታት ኬጋጥሞ ኸሎ፡ ገዛእ ርእሱ ይገትእ እዩ። ገሊኡ ሕቶታት ወይ ብድሆታት ከምቲ ኣብ ውቅያኖስ ጸብለል ዚብል ከውሒ በረድ እዩ። እቲ ዝዓበየ ኽፋሉ ብትሕቲ እቲ ማይ እዩ ተሸፊኑ ዘሎ። ንኣብነት፡ ሓደ ሰብ ንሓደ ሕቶ ዚሓትተሉ ሕቡእ ምኽንያት ኪህልዎ ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ መልሲ ቕድሚ ምሃብና፡ እቲ ሰብ ነቲ ሕቶ ዘበገሰሉ ምኽንያት ዘይንፈልጥ ክንከውን ከም እንኽእል ክንኣምን ኣሎና።—ምሳ. 16:23

9. ጊዴዎን ኣብቲ ንሰብ ኤፍሬም ዝሃቦም ምላሽ ብኸመይ እዩ ልቦናን ልእመትን ዘርኣየ፧

9 ጊዴዎን ንሰብ ኤፍሬም ብኸመይ ከም ዝመለሰሎም እስከ ንርአ። ንሳቶም ኣብቲ ምስ ጸላእቲ እስራኤል እተገብረ ውግእ ንምንታይ ከም ዘይጸውዖም ብቝጥዓ ሓተትዎ። ኣብዚ ጕዳይ እዚ ነግራማት ከም ዚዀኑ ዝገበሮም እንታይ ምኽንያት ኪኸውን ይኽእል፧ ምናልባትዶ ኽብርና ተተንክዩ ኢሎም ስለ ዝሓሰቡ ኪኸውን ይኽእል፧ ዝዀነ ዀይኑ፡ ጊዴዎን ብጥበብ ንስምዒቶም ኣኽበረሎም፣ ልኡም ምላሽ እውን ሃቦም። እዚኸ እንታይ ኣፍረየ፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ሃድኡ” ይብለና።—መሳ. 8:1-3

10. ነቶም ብዛዕባ እምነትና ሕቶ ዜበግሱ ዘበሉ ብኸመይ ከም እንምልሰሎም ንምፍላጥ እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧ (1 ጴጥሮስ 3:15)

10 ምናልባት መሳርሕትና ወይ መማህርትና ብዛዕባ ኣብ ስነ ምግባራዊ ጕዳያት ዘሎና ክርስትያናዊ መትከል ሕቶታት የበግስ ይኸውን። ኣብ ከምዚ ዝበለ ዅነታት ንእምነትና ኽንጣበቐላ ኣሎና። ኰይኑ ግና፡ ብኣኽብሮት ኢና ምላሽ እንህብ። (1 ጴጥሮስ 3:15 ኣንብብ።) መብዛሕትኡ ግዜ ነቲ ሕቶ ኸም መጥቓዕቲ ወይ ነቐፌታ ጌርና ዘይኰነስ፡ እቲ ሰብ እንታይ ከም ዜገድሶ እንፈልጠሉ ኣጋጣሚ ኸም ዝዀነ ጌርና እንተ ርኢናዮ፡ ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። ሓደ ሰብ ንሓደ ጕዳይ ዘልዓለሉ ምኽንያት ብዘየገድስ፡ ብልእመትን ብለውሃትን ክንምልስ ኣሎና። ከምኡ እንተ ጌርና፡ ምላሽና ኣብ ኣረኣእያኡ ዳግመ ግምት ኪገብር ኬለዓዕሎ ይኽእል እዩ። ዋላ እውን ኣብቲ ኣተሓታትታኡ ናይ ስድነት ወይ ናይ ሽምጠጣ ቓና እንተ ኣለዎ፡ ብለውሃት ንምምላስ ሸቶ ኽንገብር ኣሎና።—ሮሜ 12:17

ኣብ ምብዓል ዕለተ ልደት ክንጽምበሮም ስለምንታይ ዕድመ ኸም ዚቐርበልና እንተ ሓሲብናሉ፡ ብዝሓሸ መገዲ ምላሽ ክንህብ ንኽእል ኢና (ሕጡብ ጽሑፍ 11-12 ርአ)

11-12. (ሀ) ንዚቐርበልና ኣጸጋሚ ሕቶ ምላሽ ቅድሚ ምሃብና እንታይ ኢና ኽንሓስብ ዘሎና፧ (ስእሊ እውን ርአ።) (ለ) ሕቶ ናብ ጽቡቕ ዝርርብ ብኸመይ ኬምርሕ ከም ዚኽእል ብኣብነት ኣረድእ።

11 ንኣብነት፡ ሓደ መሳርሕትና ስለምንታይ ዕለተ ልደት ከም ዘይነብዕል እንተ ሓቲቱና፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ክንሓስበሉ ንኽእል ኢና። ጽቡቕ ግዜ ኸነሕልፍ ዚፍቀደልና እንተ ዀይኑ ድዩ ዚሓትት ዘሎ፧ መትከልና ነቲ ኣብቲ ትካል ዘሎ ጽቡቕ ሃዋህው ከም ዜበላሽዎ ገይሩ ድዩ ዚሓስብ ዘሎ፧ ነቲ ንመሳርሕቱ ዘለዎ ተገዳስነት ብምምሳው፡ ንሕና እውን እንተ ዀነ ኣብ ስራሕ ጽቡቕ ሃዋህው ኪሰፍን ከም እንደሊ ብምርግጋጽ፡ ስክፍታኡ ኸነወግደሉ ንኽእል ኢና። እዚ ድማ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ምብዓል ዕለተ ልደት እንታይ ከም ዚብል ጽቡቕ ምይይጥ ንምግባር መገዲ ኪኸፍት ይኽእል እዩ።  

12 ካልእ ዜከራኽር ጕዳያት ኪለዓል ከሎ እውን፡ ተመሳሳሊ ኣቀራርባ ኽንጥቀም ንኽእል ኢና። ንኣብነት፡ ሓደ መማህርትና ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዛዕባ ግብረ ሶዶም ዘለዎም ኣረኣእያ ኪቕይሩ ኸም ዚግባእ ይማጐት ይኸውን። ከምኡ ዝበለ ምናልባት ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ግጉይ ኣረኣእያ ስለ ዘለዎ ደዀን ይኸውን፧ ግብረ ሶዶማዊ ዓርኪ ወይ ቤተ ሰብ ስለ ዘለዎ ደዀን ይኸውን፧ ነቲ ዓይነት ኣነባብራ ንዘለዎም ሰባት ከም እንጸልኦም ስለ ዝሓሰበ ደዀን ይኸውን፧ ከምኡ እንተ ዀይኑ፡ ንዅሎም ሰባት ከም እንሓልየሎም፡ ነፍሲ ወከፍ ሰብ መምርጫኡ ኺገብር ድማ መሰሉ ኸም እንሕልወሉ ብኣኽብሮት ክንገልጸሉ ንኽእል ኢና። b (1 ጴጥ. 2:17) ድሕሪኡ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ጠቓሚ ስነ ምግባራዊ መለክዒታት ከነጕልሓሉ ንኽእል ንኸውን።   

13. ኣብ ኣምላኽ ምእማን ዕሽነት ከም ዝዀነ ገይሩ ንዚርኢ ሰብ ብኸመይ ክትሕግዞ ትኽእል፧

13 ምስ ኣረኣእያና ዚጻረር ተሪር ኣረኣእያታት ዘለዎ ሰብ ኬጋጥመና ኸሎ፡ ተቐላጢፍና ነቲ ዚኣምነሉ ነገራት ከም እንፈልጦ ጌርና ኣይንሕሰብ። (ቲቶ. 3:2) ንኣብነት፡ መማህርትና ‘ኣብ ኣምላኽ ምእማን ዕሽነት እዩ’ እንተ ኢሉ፡ ንፍልቀት ኣጸቢቑ ኸም ዚኣምነሉን ብዛዕባኡ ብዙሕ ከም ዚፈልጥን ጌርና ምሕሳብሲ ግቡእ ድዩ፧ ምናልባት ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ሓሲቡ ዘይፈልጥ እውን ኪኸውን ይኽእል እዩ። ብዛዕባ ስነ ፍልጠት ክርክር ኣብ ክንዲ እትጅምር፡ ኪሓስበሉ ዚግባእ ነጥቢ ኽትህቦ ትኽእል ኢኻ። ምናልባት ኣብ jw.org ናብ ዚርከብ ብዛዕባ ፍጥረት ዚገልጽ ሓበሬታ ኽትሕብሮ ትኽእል ኢኻ። በዚ ኸምዚ፡ ጸኒሑ ብዛዕባ እቲ ኣብኡ ዚርከብ ዓንቀጽ ወይ ቪድዮ ኺመያየጥ ይደሊ ይኸውን። እወ፡ ብኣኽብሮት እንተ ቐሪብናዮ፡ ንኣረኣእያኡ ዳግመ ግምት ኪገብረሉ ይድረኽ ይኸውን።

14. ኒል ነቲ ሓደ ወዲ ኽፍሉ ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘለዎ ግጉይ ኣረኣእያ ንምዕራይ፡ ንወብሳይትና ብኸመይ እዩ ጽቡቕ ገይሩ እተጠቕመሉ፧

14 ኒል ዝስሙ መንእሰይ ነቲ ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘሎ ግጉይ ኣረኣእያታት ንምዕራይ፡ ወብሳይትና ተጠቒሙ እዩ። ንሱ ኸምዚ ይብል፦ “ሓደ ወዲ ኽፍለይ፡ ኣነ ኣብ ጭቡጥ ሓቅታት ዘይኰነስ፡ ኣብ ናይ ‘ጽውጽዋያት’ መጻሕፍቲ ስለ ዝኣምን፡ በዚ ምኽንያት እዚ ኣብ ስነ ፍልጠት ከም ዘይኣምን ገይሩ ደጋጊሙ ይዛረበኒ ነይሩ።” ኒል ብዛዕባ እምነታቱ ንምግላጽ ኣጋጣሚ ስለ ዘይተዋህቦ፡ ንወዲ ኽፍሉ ነቲ ኣብ jw.org ዚርከብ “ስነ ፍልጠትን መጽሓፍ ቅዱስን” ዚብል ክፋል ኪርኢ ሓበሮ። ጸኒሑ ኒል፡ እቲ ተምሃራይ ነቲ ሓበሬታ ኸም ዘንበቦ ኣስተብሃለ፣ ብዛዕባ መበቈል ህይወት ድማ ኪመያየጥ ደለየ። ንስኻ እውን ተመሳሳሊ ፍረ ኽትረክብ ትኽእል ኢኻ።

ብስድራ ቤት ተዳለዉ

15. ወለዲ ንደቆም ካብ መማህርቶም ንእምነታቶም ዚፍትን ሕቶ ኪቐርበሎም ከሎ፡ ብልእመት ምእንቲ ኺምልሱ ብኸመይ ኪሕግዝዎም ይኽእሉ፧

15 ወለዲ ንደቆም ብዛዕባ እምነታቶም ሕቶ ኺለዓል ከሎ፡ ብኸመይ ብልእመት ኪምልሱ ኸም ዚኽእሉ ኺምህርዎም ይኽእሉ እዮም። (ያእ. 3:13) ገሊኦም ወለዲ ኣብ ኣምልኾ ስድራ ቤቶም ልምምድ ይገብሩ እዮም። ኣብ ቤት ትምህርቲ ዚልዓል ርእሰ ነገራት ድሕሪ ምብጋስ፡ ብኸመይ ምላሽ ኪውሃብ ከም ዚከኣል ይመያየጡሉን ብመርኣያ ይለማመዱሉን እዮም። በዚ ኸምዚ ድማ፡ ንደቆም ብኸመይ ብልእመትን ብለውሃትን ከም ዚምልሱ ይምህርዎም።—“ ልምምድ ንስድራ ቤትኩም ኪሕግዛ ይኽእል” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።

16-17. ልምምድ ንመንእሰያት ብኸመይ ኪሕግዞም ይኽእል፧

16 ክርስትያናት ልምምድ ምስ ዚገብሩ፡ ዜእምን መርትዖ ኬቕርቡ ይኽእሉ፡ ንእምነታቶም ድልዱል ምኽንያት ከም ዘለዎም ከኣ ገዛእ ርእሶም ኬእምኑ ይኽእሉ እዮም። ኣብቲ ኣብ jw.org ዚርከብ “መንእሰያት ዚሓትትዎ” ዚብል ዓምዲ፡ ንመንእሰያት ዚኸውን ሓያሎ ወረቐት ዕዮ ኣሎ። እዚ ድማ ንመንእሰያት እምነታቶም ንምድልዳልን ብናታቶም ኣዘራርባ መልስታት ኬዳልዉ ንምሕጋዝን ተባሂሉ እዩ ተዳልዩ። ነዚ ዓምዲ እዚ ብስድራ ቤት እንተ ኣጽኒዕናዮ፡ ኵላትና ንእምነትና ብልእመትን ብለውሃትን ብኸመይ ክንጣበቕ ከም እንኽእል ክንምሃር ኢና።

17 ማትዩ ዝስሙ መንእሰይ ልምምድ ብኸመይ ከም ዝሓገዞ ገሊጹ ኣሎ። ማትዩን ወለዱን ኣብ ኣምልኾ ስድራ ቤቶም፡ ኣብ ክፍሊ ብተደጋጋሚ ብዛዕባ ዚልዓል ርእሰ ነገራት ምርምር ይገብሩ እዮም። ንሱ ኸምዚ ይብል፦ “እንታይ ዓይነት ሕቶታት ኪለዓል ከም ዚኽእል፡ ብመሰረት እቲ ዝገበርናዮ ምርምር ከኣ ብኸመይ ምላሽ ከም እንህብ ንለማመደሉ ኢና። ንመትከለይ መሰረት ዝዀነኒ ምኽንያታት ብንጹር ኣብ ኣእምሮይ እንተ ሒዘዮ፡ ንኻልኦት ብልእመት ንምምላስ ርእሰ ምትእምማን ይህልወኒ፡ ዝቐለለ እውን ይዀነለይ።”

18. ቈሎሴ 4:6 ናይ ምንታይ ኣገዳስነት እያ እተጕልሕ፧

18 ልክዕ እዩ፡ ዋላ እውን ዜእምን መርትዖ ድሕሪ ምቕራብና፡ ገሊኦም ሰማዕትና ንኣረኣእያና ኣይኣምኑሉን ይዀኑ። ሓሳብና ብሜላን ብልእመትን ምስ እንገልጽ ግና፡ ሓጋዚ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ቈሎሴ 4:6 ኣንብብ።) እምነትና ንኻልኦት ምንጋር፡ ኵዕሶ ምስ ምውርዋር ኪመሳሰል ይኽእል እዩ። ነቲ ዅዕሶ ቐስ ኣቢልና ወይ ብሓይሊ ኽንውርውሮ ንኽእል ኢና። ቀስ ኣቢልና እንተ ወርዊርናዮ፡ እቲ ሓደ ተጻዋታይ ኪቘልቦ እሞ እቲ ጸወታ ኪቕጽል ይኽእል እዩ። ብተመሳሳሊ፡ ሓሳብና ብሜላን ብልእመትን እንተ ገሊጽና፡ ሰባት ንምስማዕን ነቲ ዝርርብ ንምቕጻልን ፍቓደኛታት ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ልክዕ እዩ፡ ሓደ ሰብ ኪከራኸረና ወይ ኬላግጸልና እንተ ደልዩ፡ ምላሽ ንምሃብ ግዴታ የብልናን። (ምሳ. 26:4) ከምዚ ዓይነት ሰብ ግና ሳሕቲ እዩ ዜጋጥም፡ ገሊኦም ሰባት፡ ምናልባት እውን መብዛሕትኦም ይሰምዑና እዮም።

19. ንእምነትና ኽንጣበቐላ ኸለና እንታይ እዩ ልኡማት ንምዃን ኪድርኸና ዘለዎ፧

19 እምበኣር፡ ልኡማት ምስ እንኸውን፡ ብዙሕ ጥቕሚ ኣለዎ። ስለዚ፡ ንዜከራኽር ሕቶታት ወይ ንዘይግቡእ ነቐፌታ ኽትምልስ ከለኻ፡ ልኡም ምእንቲ ኽትከውን ብርታዐ ንምርካብ ናብ የሆዋ ጸሊ። ልእመትካ ነቲ ኣብ ኣረኣእያ ዘሎ ፍልልይ ናብ ክትዕ ከም ዘይዓቢ ኽትገብሮ ትኽእል እያ። ብልእመትን ብኣኽብሮትን እንተ መሊስካ ኸኣ፡ ገሊኦም ሰማዕትኻ ብዛዕባና ዘለዎም ኣረኣእያ ንምቕያርን ብዛዕባ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ንምስማዕን ኪልዓዓሉ ይኽእሉ እዮም። እምበኣር፡ ‘ምላሽ ንምሃብ ኵሉ ሳዕ እተዳሎኻ ኹን፣ ነዚ ግና ብልእመትን ብብዙሕ ኣኽብሮትን ግበሮ።’ (1 ጴጥ. 3:15) እወ፡ ልእመት ብርታዐኻ ትኹን!

መዝሙር 88 ጐደናታትካ ኣፍልጠኒ

a እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ካልኦት ኬቘጥዑና ወይ ኪጻረሩና ኸለዉ፡ ከመይ ጌርና ንእምነትና ብልእመት ክንጣበቐላ ኸም እንኽእል ሓሳባት ሒዛ ኣላ።

b ግብራዊ ሓሳባት ንምርካብ፡ ኣብ ናይ 2016 ንቕሑ! ቍ. 4 ዝወጸት፡ “መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ግብረ ሶዶም እንታይ ይብል፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

c ኣብ jw.org፡ “መንእሰያት ዚሓትትዎ” ኣብ ዚብሃል ዓምድን “ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብተደጋጋሚ ዚሕተት ሕቶታት” ኣብ ዚብሃል ዓምድን ሓጋዚ ሓሳባት ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።